ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ክርስቶስ—እቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ሚስዮናዊ

የሱስ ክርስቶስ—እቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ሚስዮናዊ

የሱስ ክርስቶስ—እቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ሚስዮናዊ

“ኣነ ግና ካብኡ እየ: ንሱውን ልኢኹኒ እዩ።”—ዮሃ. 7:29

1, 2. ሚስዮናዊ እንታይ እዩ፧ እቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ሚስዮናዊ ኺበሃል ዚከኣልከ መን እዩ፧

 “ሚስዮናዊ” እትብል ቃል ክትሰምዕ ከለኻ ኣብ ኣእምሮኻ እንታይ እዩ ዚመጸካ፧ ገሊኦም ብዛዕባ ሚስዮናውያን ህዝበ-ክርስትያን ይሓስቡ: መብዛሕትኦም ካብዚኣቶም ድማ ኣብ ፖለቲካውን ቍጠባውን ጕዳያት እተን ዜገልግሉለን ሃገራት ጣልቃ ይኣትዉ እዮም። ንስኻ ግን ናይ የሆዋ ምስክር ከም ምዃንካ መጠን: ብዛዕባ እቶም ኣብ ብዘላ ምድሪ ኣብ ዚርከባ እተፈላለያ ሃገራት ነቲ ብስራት ኪሰብኩ በቲ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእኩ ሚስዮናውያን ትሓስብ ትኸውን። (ማቴ. 24:14) እዞም ሚስዮናውያን እዚኣቶም ንሰባት ናብ የሆዋ ኣምላኽ ምእንቲ ኪቐርቡን ምስኡ ፍሉይ ርክብ ምእንቲ ኺህልዎምን ንምሕጋዝ ግዜኦምን ጕልበቶምን ይውፍዩ።—ያእ. 4:8

2 እተን “ሚስዮናዊ:” “ሚስዮናውያን” ዚብላ ቓላት ኣብቲ ቐንዲ ጽሑፍ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ኣይርከባን እየን። ኣብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ምስ መወከሲኡ ኣብ እግረ-ጽሑፍ ኤፌሶን 4:11 ግን: እታ “ወንጌላውያን” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: “ሚስዮናውያን” ተባሂላ ኽትትርጐም እውን ከም እትኽእል ሓሳብ ተዋሂቡ ኣሎ። የሆዋ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ወንጌላዊ እዩ: ብዋላ ሓደ ስለ ዘይተላእከ ግን: ካብ ኵሉ ዝዓበየ ሚስዮናዊ ተባሂሉ ኺጽዋዕ ኣይክእልን እዩ። የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ሰማያዊ ኣቦኡ: “ኣነ ግና ካብኡ እየ: ንሱውን ልኢኹኒ እዩ” በለ። (ዮሃ. 7:29) የሆዋ ንናይ ደቅሰብ ዓለም ዘላቶ ዓባይ ፍቕሪ ንምግላጽ: ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ምድሪ ለኣኾ። (ዮሃ. 3:16) የሱስ ናብ ምድሪ እተላእከሉ ሓደ ዕላማ ‘ንሓቂ ኺምስክር’ ስለ ዝዀነ: ካብ ኵሉ ዝዓበየ ሚስዮናዊ ወይ ኣውራ ሚስዮናዊ ተባሂሉ ኺጽዋዕ ይከኣል እዩ። (ዮሃ. 18:37) ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምእዋጅ ምሉእ ብምሉእ ዕዉት ነበረ: ካብቲ ኣገልግሎቱ ኸኣ ንሕና እውን ንጥቀም ኣሎና። ንኣብነት: ሚስዮናውያን ንኹን ኣይንኹን ብዘየገድስ: ሜላታት ኣመሃህራኡ ኣብ ኣገልግሎትና ኽንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።

3. እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

3 እቲ የሱስ ከም ኣዋጂ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ዘለዎ ግደ: ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት የበግስ:- የሱስ ኣብ ምድሪ እንታይ ተመክሮ እዩ ኣሕሊፉ፧ ኣመሃህራኡ ውጽኢታዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ንኣገልግሎቱ ዕዉት ዝገበሮኸ እንታይ እዩ፧

ኣብ ሓድሽ ከባቢ ናይ ፍቓደኛነት መንፈስ ምንጽብራቕ

4-6. የሱስ ናብ ምድሪ ምስ ተላእከ እንታይ ለውጥታት እዩ ኣጋጢምዎ፧

4 ሎሚ ዘለዉ ሚስዮናውያንን ናብቲ ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታታት ዝገዓዙ ገሊኦም ክርስትያናትን: ነቲ ኣብ ዚኸድዎ ቦታታት ዜጋጥሞም ካብቲ ዝለመድዎ ዝተሓተ ደረጃ መነባብሮ ኺለምድዎ የድልዮም ይኸውን። ኣብ መንጎ እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበሮ ዅነታትን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ሰማይ ምስ ኣቦኡን ምስቶም ካልኦት ንየሆዋ ብጽሩይ ድራኸ ዜገልግሉ መላእኽትን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝነበሮ ዅነታትን ዘሎ ፍልልይ ግን ክንግምቶ እውን ኣይንኽእልን ኢና። (እዮ. 1:6፣ 2:1) ኣብዛ ብልሽውቲ ዓለም ኣብ መንጎ ሓጥኣን ሰባት ምንባር ክሳዕ ክንደይ ኰን እተፈልየ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ! (ማር. 7:20-23) የሱስ ነቲ ኣብ መንጎ እቶም ዝያዳ ዅሉ ዚቐርብዎ ደቀ መዛሙርቱ ዝነበረ ውድድር እኳ ኸይተረፈ ኺዕገስ ነበሮ። (ሉቃ. 20:46፣ 22:24) ልክዕ እዩ: ነቲ ኣብ ምድሪ ዘጋጠሞ ዅሉ ነገራት ብፍጹም መገዲ እዩ ሒዝዎ።

5 የሱስ ብተኣምራዊ መገዲ ኣይኰነን ቋንቋ ሰባት ኪዛረብ ጀሚሩ፣ የግዳስ ካብ ሕጻንነቱ እዩ ተማሂርዎ። ኣብ ሰማይ ንመላእኽቲ ይእዝዝ ንዝነበረስ: ከመይ ዝበለ ዓብዪ ለውጢ ዀን እዩ! ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: እንተ ወሓደ ሓደ ኻብ “ቋንቋታት ሰብ” ይጥቀም ነበረ። እዚ ድማ ካብ ‘ቋንቋታት መላእኽቲ’ ኣጸቢቑ እተፈልየ እዩ ነይሩ። (1 ቈረ. 13:1) ዘረባ ጸጋ ብምጥቃም ዝመጸ ግን: ከም የሱስ ገይሩ እተዛረበ ሰብ ኣይነበረን።—ሉቃ. 4:22

6 ወዲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ምስ መጸ ዘጋጠሞ ኻልእ ዓበይቲ ለውጥታት እስከ ንርአ። የሱስ ካብ ኣዳም ሓጢኣት እኳ እንተ ዘይወረሰ: ከምቶም ጸኒሖም “ኣሕዋቱ” ዝዀኑ ቕቡኣት ሰዓብቱ ግን ሰብ ኰይኑ እዩ። (እብራውያን 2:17, 18 ኣንብብ።) ኣብታ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት: ንሰማያዊ ኣቦኡ: “ካብ ዓሰርተው ክልተ ለጌዎን ዚበዝሑ መላእኽቲ” ኺሰደሉ ኻብ ምሕታት ተቘጠበ። ኰይኑ ግን: ንሱ ንባዕሉ ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ ኸም ምዃኑ መጠን: ኣብ ልዕሊ ኽንደይ መላእኽቲ ስልጣን ከም ዝነበሮ እሞ ሕሰቦ። (ማቴ. 26:53፣ ይሁ. 9) እወ: የሱስ ተኣምራት ገይሩ እዩ፣ እንተዀነ ግን: ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝገበሮ ነገር: ምስቲ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኺገብሮ ዚኽእል ነገራት ኪነጻጸር ከሎ ውሱን እዩ ነይሩ።

7. ኣይሁድ ብሕጊ ዝመጸ እንታይ ይገብሩ ነበሩ፧

7 የሱስ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ኸም “ቃል” ኰይኑ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ንእስራኤላውያን ኣብቲ በረኻ ዝመርሖም ኣፈኛ ኣምላኽ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዮሃ. 1:1፣ ዘጸ. 23:20-23) ይኹን እምበር: ንሳቶም ‘ነቲ ሕጊ ብኢድ መላእኽቲ ተቐቢሎምዎስ ኣይሓለውዎን።’ (ግብ. 7:53፣ እብ. 2:2, 3) እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ እሞ ኸኣ ዕላማ እቲ ሕጊ ኼስተውዕልዎ ኣይከኣሉን። ንኣብነት: ሕጊ ሰንበት እስከ ንውሰድ። (ማርቆስ 3:4-6 ኣንብብ።) እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ‘ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር: ፍርዲ: ምሕረት: እምነት ይሓድጉ’ ነበሩ። (ማቴ. 23:23) ይኹን እምበር: የሱስ ተሓሊሉ ነታ ሓቂ ኻብ ምእዋጅ ኣየቋረጸን።

8. የሱስ ኪረድኣና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

8 የሱስ ናይ ፍቓደኛነት መንፈስ ነበሮ። ንሰባት ብዝነበረቶ ፍቕሪ ይድረኽ: ብሓቂ ድማ ክሕግዞም ይደሊ ነበረ። ናይ ወንጌላውነት መንፈሱ ኸቶ ኣየጥፍአን። ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንየሆዋ እሙን ብምንባሩ ኸኣ: “ነቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ ዅላቶም ንናይ ዘለኣለም ምድሓኖም ምኽንያት ኰኖም።” ብዘይካዚ: “ንሱ ባዕሉ ኺፍተን ከሎ ተሰቅዩ እዩ እሞ: ነቶም ዚፍተኑ ኺረድኦም ይከአሎ እዩ።”—እብ. 2:18፣ 5:8, 9

ብግቡእ ዝሰልጠነ መምህር

9, 10. የሱስ ናብ ምድሪ ተላኢኹ ቕድሚ ምምጻኡ እንታይ ዓይነት ስልጠና እዩ ረኺቡ፧

9 ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ክርስትያናት ከም ሚስዮናውያን ኰይኖም ተላኢኾም ቅድሚ ምኻዶም: እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ስልጠና ኸም ዚረኽቡ ይገብር እዩ። የሱስ ክርስቶስከ ስልጠና ረኺቡዶ፧ እወ ረኺቡ እዩ: ግናኸ ቕድሚ እቲ መሲሕ ንኪኸውን እተቐብኣሉ እዋን ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ረቢታት ኣይኣተወን፣ ኣብ እግሪ ገሊኦም ስሙያት መራሕቲ ሃይማኖት እውን ኣይተማህረን። (ዮሃ. 7:15፣ ምስ ግብሪ ሃዋርያት 22:3 ኣረኣኢ።) እሞ ደኣ የሱስ ኪምህር እኹል ብቕዓት ዝነበሮ ብኸመይ እዩ፧

10 የሱስ ካብ ኣዲኡ ማርያምን ካብቲ ዘዕበዮ ኣቦኡ ዮሴፍን እተማህሮ ትምህርቲ ብዘየገድስ: ንኣገልግሎቱ ዝዀኖ ቐንዲ ስልጠና ኻብ ዝለዓለ ምንጪ እዩ ረኺቡ። ብዛዕባ እዚ የሱስ: “ኣነስ: እቲ ዝለአኸኒ ኣቦ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን ዝዛረብን ትእዛዝ ሂቡኒ እምበር: ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ” በለ። (ዮሃ. 12:49) እቲ ወዲ ብዛዕባ እቲ ዚምህሮ ትምህርቲ ብንጹር መምርሒ ኸም እተዋህቦ ኣስተብህል። ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ: ነቲ ኣቦኡ ዚህቦ ትምህርቲ ኣብ ምስማዕ ብዙሕ ግዜ ኣሕሊፉ ኪኸውን ኣለዎ። ካብዚ ዚበልጽ ስልጠናኸ ኣበይ ይርከብ፧

11. የሱስ ነቲ ኣቦኡ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ኣረኣእያ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ኣንጸባሪቕዎ፧

11 እቲ ወዲ ኻብታ እተፈጥረላ ግዜ ኣትሒዙ ምስ ኣቦኡ ጥብቂ ርክብ ነበሮ። የሱስ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ: ነቲ የሆዋ ምስ ሰባት ዘለዎ ርክብ ብምዕዛብ ብዛዕባኦም ዘለዎ ኣረኣእያ ኣስተውዓለ። ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘላቶ ፍቕሪ ኣብቲ ወዲ ኣመና ኻብ ምንጽብራቓ እተላዕለ: እቲ ወዲ ኸም ጥበብ ኰይኑ: “ተድላይ ከኣ ብደቂ ሰብ ነበረ” ኺብል ከኣለ።—ምሳ. 8:22, 31

12, 13. (ሀ) የሱስ ነቲ ኣቦኡ ምስ እስራኤላውያን ዝነበሮ ርክብ ብምዕዛብ ብኸመይ እዩ እተማህረ፧ (ለ) የሱስ ነቲ እተዋህቦ ስልጠና ብኸመይ ተጠቕመሉ፧

12 እቲ ወዲ ዝረኸቦ ስልጠና: ኣቦኡ ንኣጸጋሚ ዅነታት ብኸመይ ከም ዚሕዞ እውን ዜጠቓልል ነበረ። ንኣብነት: ነቲ የሆዋ ምስቶም ነቓጻት እስራኤላውያን ዝነበሮ ርክብ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ነህምያ 9:28 ከምዚ ትብል:- “ዕረፍቲ ምስ ኰነሎም ግና: ተመሊሶም ኣብ ቅድሜኻ [ኣብ ቅድሚ የሆዋ] ኽፉእ ገበሩ: ሽዑ ድማ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ኣሕሊፍካ ሀብካዮም እሞ ገዝእዎም። ተመሊሶም ከአ ኣባኻ ኣእወዩ: ንስኻ ድማ ካብ ሰማይ ሰማዕካ። ከም ምሕረትካ ኸኣ ብዙሕ ሳዕ ኣድሐንካዮም።” የሱስ ምስ የሆዋ ይዓይን ንዕኡ ይዕዘቦን ብምንባሩ: ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት ተመሳሳሊ ድንጋጽ ኣሕደረ።—ዮሃ. 5:19

13 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብድንጋጽ ኪሕዞም ከሎ: ነቲ ዝረኸቦ ስልጠና ዓየየሉ። ኣብታ ቐቅድሚ ሙማቱ ዝነበረት ለይቲ: ኵሎም እቶም ኣዝዮም ዜፍቅሮም ሃዋርያቱ “ሐዲጎምዎ ሀደሙ።” (ማቴ. 26:56፣ ዮሃ. 13:1) ሃዋርያ ጴጥሮስ እኳ ኸይተረፈ ንክርስቶስ ሰለስተ ሳዕ ከሓዶ! ይኹን እምበር: የሱስ ንሃዋርያቱ ናብኡ ዚምለሱሉ መገዲ ኸፈተሎም። ንጴጥሮስ: “እምነትካ ኸይትጠፍእ: ምእንታኻ ለመንኩ። ንስኻ ድማ ምስ ተመለስካ: ነሕዋትካ ኣጸናንዓዮም” በሎ። (ሉቃ. 22:32) ብመንፈስ እስራኤላውያን ኣብቶም መሰረት ዝዀኑ “ነብያትን ሃዋርያትን” ብዕዉት መገዲ ተነድቁ: እቲ ኣእማን መሰረት ቀጽሪ ሓዳስ የሩሳሌም ከኣ ስማት እቶም 12 እሙናት ሃዋርያት እቲ ገንሸል ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣለዎ። ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ ቕቡኣት ክርስትያናት ምስቶም ርእሶም ዝወፈዩ ተሓባበርቶም ዝዀኑ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ብሓባር ኰይኖም: ኣብ ትሕቲ እታ ሓያል ኢድ ኣምላኽን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እቲ ፍቑር ወዱን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ተወዲቦም ዚዓይዎ ዕዮ ይሰፍሕ ኣሎ።—ኤፌ. 2:20፣ ዮሃ. 10:16፣ ራእ. 21:14

የሱስ ብኸመይ ምሂሩ፧

14, 15. ኣመሃህራ የሱስ ካብቶም ናይ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን እተፈልየ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

14 የሱስ ንሰዓብቱ ኺምህሮም ከሎ ነቲ ስልጠናኡ ብኸመይ ዓየየሉ፧ ነቲ የሱስ ዚምህረሉ ኣገባብ ምስቲ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ዚምህሩሉ ኣገባብ ከነነጻጽሮ ኸለና: ኣመሃህራ የሱስ ዘለዎ ጸብለልታ ብንጹር ንርኢ ኢና። ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ‘ምእንቲ ስርዓቶም ነቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ገበርዎ።’ ብኣንጻሩ ግን: የሱስ ዚዛረቦ ዘበለ ዅሉ ኻብ ርእሱ ኣይነበረን: የግዳስ ካብ ቃል ወይ መልእኽቲ ኣምላኽ እዩ ዚምህር ነይሩ። (ማቴ. 15:6፣ ዮሃ. 14:10) ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር ኣሎና።

15 ንየሱስ ካብቶም መራሕቲ ሃይማኖት ፈጺሙ እተፈልየ ዝገበሮ ኻልእ ረቛሒ እውን ነይሩ። ንሱ ብዛዕባ እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን: “ዚብሉኹም ኵሉ ግበሩን ሐልዉን: ግናኸ: ይብሉ ደኣ እምበር: ኣይገብሩን እዮም እሞ: ከምቲ ግብሮም ኣይትግበሩ” በለ። (ማቴ. 23:3) የሱስ ነቲ ዚምህሮ ነገር ይገብሮ ነበረ። እዚ ሓቂ ምዃኑ ዜረጋግጽ ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ።

16. የሱስ ምስቲ ኣብ ማቴዎስ 6:19-21 ተመዝጊቡ ዚርከብ ቃላቱ ተሰማሚዑ እዩ ተመላሊሱ እትብል ስለምንታይ ኢኻ፧

16 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: “ኣብ ሰማይ . . . መዝገብ ግበሩ” ኢሉ ተማሕጸኖም። (ማቴዎስ 6:19-21 ኣንብብ።) እንተዀነ ግን: ንሱ ንባዕሉ ምስቲ ማዕዳ እቲ ተሰማሚዑ ይነብር ነይሩ ድዩ፧ እወ: ከመይሲ ብዘይ ስክፍታ ብዛዕባ ርእሱ: “ንወኻሩ ጕድጓድ: ነዕዋፍ ሰማይውን መሕደሪ አለወን: ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓላ ስፍራ የብሉን” ኪብል ይኽእል ነበረ። (ሉቃ. 9:58) ቀሊል ናብራ ይነብር ነበረ። ብቐዳምነት ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽ እዩ ዜተኵር ነይሩ: ኣብ ምድሪ መዝገብ ምግባር ካብ ዜምጽኦ ጭንቀት ናጻ ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ድማ ብኣብነት ኣርኣየ። “ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ: ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ: ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ:” ኣብ ሰማይ መዝገብ ምግባር ክሳዕ ክንደይ ዝሓሸ ምዃኑ ኣርኣየ። ነቲ የሱስ ኣብ ሰማይ መዝገብ ክትገብር ዝሃበካ ማዕዳ ትስዕቦዶ ኣለኻ፧

ንየሱስ ብሰባት ከም ዚፍቶ ዝገበሮ ባህርያት

17. ንየሱስ ሓለፍ ዘበለ ወንጌላዊ ዝገበራኦ ባህርያት እንታይ እየን፧

17 ንየሱስ ሓለፍ ዘበለ ወንጌላዊ ዝገበሮ ባህርያት እንታይ እዩ፧ ሓደ ባህርይ ነቶም ዚሕግዞም ዝነበረ ሰባት ዝነበሮ ኣረኣእያ እዩ። ካብተን የሱስ ዘንጸባረቐን ጽቡቓት ባህርያት የሆዋ: ትሕትናን ፍቕርን ርሕራሐን ኪጥቀሳ ይኽእላ እየን። እዘን ባህርያት እዚኣተን ንብዙሓት ናብ የሱስ ከም ዚሰሓቡ ዝገበራኦም ብኸመይ ምዃኑ ኣስተብህል።

18. የሱስ ትሑት ነይሩ ኺበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

18 የሱስ ናብ ምድሪ ኺመጽእ እተዋህቦ ዕዮ ምስ ተቐበለ: “መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ: ሰብውን መሰለ: ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኽበ።” (ፊል. 2:7) እዚ ትሕትና ዜርኢ ተግባር እዩ። ብተወሳኺ: ንሰባት ኣይንዕቕን ነበረ። ‘ኣነ ኻብ ሰማያት ስለ ዝመጻእኩ: ክትሰምዑኒ ኣሎኩም’ ዚብል ኣረኣእያ ኣይነበሮን። ከምቶም ርእሶም ክብ ዜብሉ ናይ ሓሶት መሲሓት ኣይነበረን: ናይ ሓቂ መሲሕ ምዃኑ ንምግላጽ ቀቅድሚኡ መለኸት ኣየንፍሐን። ሓድሓደ ግዜ ንገሊኦም ሰባት ንኻልኦት ብዛዕባ መንነቱ ወይ ብዛዕባ ዝገበረሎም ነገር ከይነግሩ ኸልከሎም። (ማቴ. 12:15-21) ሰባት ኣብቲ ባዕላቶም እተዓዘብዎ ተመርኲሶም ንኺስዕብዎ ናይ ርእሶም ውሳነ ኺገብሩ ይደሊ ነበረ። እዚ ጐይታ እዚ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸምቶም ኣብ ሰማይ ምስኡ ዝነበሩ ፍጹማት መላእኽቲ ኪዀኑ ትጽቢት ዘይገበረሎም ምዃኑስ: ክሳዕ ክንደይ ኰን እዮም ተጠቒሞም!

19, 20. የሱስ ንህዝቢ ንምሕጋዝ ብፍቕርን ብርሕራሐን እተደረኸ ብኸመይ እዩ፧

19 የሱስ ክርስቶስ ነታ ዓብላሊት ባህርይ እቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ዝዀነት ፍቕሪ እውን ኣንጸባሪቑ እዩ። (1 ዮሃ. 4:8) ንሰማዕቱ ብፍቕሪ ይምህሮም ነበረ። ንኣብነት: ብዛዕባ ሓደ መንእሰይ መራሒ እተሰምዖ ስምዒት እሞ ንርአ። (ማርቆስ 10:17-22 ኣንብብ።) የሱስ “ፈተዎ:” ኪሕግዞ ድማ ደለየ፣ እቲ መንእሰይ መራሒ ግን ሰዓቢ ክርስቶስ ንኪኸውን ኢሉ ብዙሕ ጥሪቱ ኺሓድግ ኣይፈተወን።

20 ሓንቲ ኻብተን ዚፍተዋ ባህርያት የሱስ: ርሕራሐኡ እያ። እቶም ነቲ ትምህርቱ እተቐበሉ ኸም ካልኦት ኵሎም ዘይፍጹማት ሰባት ጸገማት ዝኸበዶም እዮም ነይሮም። የሱስ ነዚ ይፈልጥ ብምንባሩ: ብርሕራሐን ብድንጋጽን መሃሮም። ንኣብነት: ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ብዕዮ ኣዝዮም ትሑዛት ስለ ዝነበሩ: ምግቢ ዚበልዑሉ ግዜ እውን ኣይረኸቡን። ይኹን እምበር: የሱስ: ህዝቢ ተኣኪቡ ምስ ረኣየ ኸመይ ተሰምዖ፧ “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ ነበሩ እሞ: ደንገጸሎም: ብዙሕውን ኪምህሮም ጀመረ።” (ማር. 6:34) እቶም ኣብቲ ኽሉ ዝነበሩ ህዝቢ ኣብ ዜሕዝን ኵነታት ምንባሮም ኣስተብሃለ: ንጥቕሞም ኢሉ ዘለዎ ሓይሊ ተጠቒሙ መሃሮምን ተኣምራት ገበረሎምን። ገሊኦም በዚ ጽቡቕ ባህርያቱ ተሳሕቡ: በቲ ቓላቱ ተደረኹ: ደቀ መዛሙርቱ ድማ ኰኑ።

21. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

21 እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ከም እትሕብሮ: ብዛዕባ ምድራዊ ኣገልግሎት የሱስ ገና ብዙሕ ክንመሃሮ እንኽእል ነገራት ኣሎ። በየናይ ተወሳኺ መገድታት ኢና ነቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ሚስዮናዊ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ክንመስሎ እንኽእል፧

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ እንታይ ስልጠና ተዋህቦ፧

• ኣመሃህራ የሱስ ካብ ናይ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ዚበልጽ ብኸመይ እዩ፧

• ንየሱስ ብሰባት ተፈታዊ ዝገበሮ እንታይ ባህርያት እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ነቶም ህዝቢ ብኸመይ መሃሮም፧