ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጊልዓድ ተመረቕቲ ጊልዓድ “ኵዕታ ኺጅምሩ” ምሕጽንታ ተዋህቦም

ጊልዓድ ተመረቕቲ ጊልዓድ “ኵዕታ ኺጅምሩ” ምሕጽንታ ተዋህቦም

መበል 123 ስነ-ስርዓት ምረቓ

ጊልዓድ ተመረቕቲ ጊልዓድ “ኵዕታ ኺጅምሩ” ምሕጽንታ ተዋህቦም

ቀዳም 8 መስከረም 2007: ካብ 41 ሃገራት ዝመጹ 6,352 ሰባት ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ መበል 123 ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ተኣከቡ። ሰዓት 10:00 ቅ.ቀ. ምስ ኰነ: ኣቦ መንበር እቲ ስነ-ስርዓት ዝነበረ ኣንቶኒ ሞሪስ ዚበሃል ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል: ነቶም ተኣከብቲ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም በሎም። እተወሰነ መእተዊ ሓሳባት ድሕሪ ምሃቡ: ነቲ ቐዳማይ ተዛራባይ ዝዀነ ጋሪ ብሮ ዚበሃል ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣፋለጦ።

ሓው ብሮ ነቶም ተመሃሮ: እቶም ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ: ኣካላዊ ትርኢቶም ብዘየገድስ: ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ኽቡራት ወይ ጽቡቓት ምዃኖም ነገሮም። (ኤር. 13:11) ነቶም ተመረቕቲ ነቲ ጽባቔኦም ኪዕቅቡ ተማሕጸኖም። ቀጺሉ: ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ገራት ሎሽ ንየሆዋ ኸነገልግሎ ኸለና ዓስቢ ኽንረክብ ተስፋ ምግባርና ግቡእ ምዃኑ ኣጕልሐ። (እብ. 11:6) ይኹን እምበር: ድራኸና ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ ኽትከውን ኣለዋ።

ድሕርዚ: ሓላው ክፍሊ ቲኦክራስያዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝዀነ ዊልያም ሳሙኤልሰን ነቶም ተመረቕቲ: ብዛዕባ እቲ ነጊሱ ዘሎ ንጉስ ናይ ምእዋጅ ክቡር ዕዮኦም ኣጥቢቖም ኪሕዙን ብሰናይ ኣካይዳኦም ክብረቶም ኬርእዩን ተማሕጸኖም። a ሓጋዚ ሓላው ክፍሊ ቲኦክራስያዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝዀነ ሳም ሮበርሰን ከኣ ነቶም ተመረቕቲ ኣብ ካልኦት ሰባት ወትሩ ጽቡቕ ጐድኒ ኺርእዩ ኣተባብዖም። ከምኡ እንተ ገይሮም: ብዝያዳ ‘ሕውነት ኬፍቅሩ’ ይኽእሉ።—1 ጴጥ. 2:17

ድሕሪ እዚ ዜነቓቕሕ መደረታት እዚ: ማርክ ኑማር ዚበሃል ናይ ጊልዓድ መምህር: ንብርክት ዝበሉ ተመረቕቲ ኣብ ጊልዓድ ኣብ ዚመሃሩሉ ዝነበሩ እዋን ካብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዝረኸብዎ ተመክሮታት ኬዘንትዉ ቓለ-መጠይቕ ገበረሎም። ኵሎም እቶም ሰማዕቶም ነቲ እቶም ተመረቕቲ ንኣገልግሎት ዘለዎም ፍቕርን ንኻልኦት ኪሕግዙ ዘለዎም ድሌትን ብንጹር ኪርእይዎ ኸኣሉ። ኣባል ቤት ጽሕፈት ቤትኤል ፓተርሰን ዝዀነ ኬንት ፊሸር: ሚስዮናውያን ካብ ዚርከብወን ሰለስተ ሃገራት ንዝመጹ ኣባላት ኮሚተ ጨንፈር ቃለ-መጠይቕ ገበረሎም። እቲ እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም እተዛረብዎ ቓላት: እቶም ሚስዮናውያን ኣብቲ እተመደቡሉ ኼገልግሉ ኸለዉ ጽቡቕ ክንክን ከም ዚግበረሎም: ንዅሎም እቶም ተኣከብቲ: እንተላይ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሓያሎ ወለዲ እቶም ተመረቕቲ ኣረጋገጸሎም። ስዒቡ ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ትርጕም ዚዓዪ ኢሳክ ማራይስ ንነዊሕ ዓመታት ንዘገልገሉ ገሊኦም ሚስዮናውያን ቃለ-መጠይቕ ገበረሎም: ንሳቶም ዝሃብዎ ተመክሮታት ከኣ ነቶም ተመረቕቲ እንታይ ሓጐስ ከም ዚጽበዮም ሓበሮም።

ነቲ ኣብቲ ኣኼባ ዝቐረበ ቐንዲ መደረ: ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ጀፍሪ ጃክሰን እዩ ኣቕሪብዎ: ኣርእስቱ ድማ “ነዚ ዅሉ ምስ ሰማዕኩም: እንታይ ክትገብሩ ኢኹም፧” ዚብል ነበረ። እቲ ኣብ ደቡብ ፓሲፊክ ን25 ዓመት ዚኸውን ሚስዮናዊ ዀይኑ ዘገልገለ ሓው ጃክሰን: ነቲ ኣብ መደምደምታ እቲ የሱስ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ዚርከብ ነጥብታት ገለጸ። ኣብቲ ስብከት እቲ: የሱስ ብዛዕባ ቤት ዝሰርሑ ኽልተ ሰብኡት ተዛረበ፣ እቲ ሓደ ብልሂ: እቲ ኻልኣይ ከኣ ዓሻ ነበረ። እቲ ተዛራባይ: ክልቲኡ ኣባይቲ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ተሰሪሑ ኪኸውን ከም ዚኽእል ሓበረ። ይኹን እምበር: እቲ ዓሻ ሰብኣይ ኣብ ዝባን መሬት ወይ ኣብ ሑጻ ሰርሐ: እቲ ብልሂ ግን መሰረት ዚዀኖ ኸውሒ ኽሳዕ ዚረክብ ኣዕሚቑ ዀዓተ። ብርቱዕ ዝናምን ንፋስን ምስ መጸ: እታ ኣብ ከውሒ እተሃንጸት ቤት ከይወደቐት ክትተርፍ ከላ: እታ ኣብ ሑጻ እተሃንጸት ግን ወደቐት።—ማቴ. 7:24-27፣ ሉቃ. 6:48

እቲ ዓሻ ሰብኣይ ነቶም ንትምህርትታት የሱስ ሰሚዖም ዘይገብርዎ ሰባት ከም ዜመልክት የሱስ ገሊጹ ነይሩ። እቲ ጥበበኛ ሰብኣይ ከኣ ነቶም ንቓል የሱስ ሰሚዖም ዚገብርዎ ሰባት የመልክት። ሓው ጃክሰን ነቶም ተመረቕቲ: “ነቲ ኻብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርኩምዎ ኣብ ሚስዮናዊ ኣገልግሎትኩም ምስ እትዓዩሉ: ከምቲ ብልሂ ሰብኣይ ክትኰኑ ኢኹም” በሎም። ስለዚ: ኣብ መደምደምታ ነቶም ተመረቕቲ: ኣብ ሚስዮናዊ ኣገልግሎቶም “ኵዕታ ኺጅምሩ” ምሕጽንታ ተዋህቦም።

ኣብ መወዳእታ: እቶም ተመረቕቲ ዲፕሎማኦምን ምደባኦምን ተቐበሉ: ሓው ሞሪስ ከኣ ናይ መደምደምታ ማዕዳ ሃቦም። ነቶም ተመረቕቲ ወትሩ ንየሱስ ኪስዕብዎን ብርታዐ ንምርካብ ኵሉ ሳዕ ናብ የሆዋ ኺጽግዑን ኣተባብዖም። ድሕርዚ: እቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ኣብቅዐ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ክፍሊ ቲኦክራስያዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ትሕቲ ኮሚተ ትምህርቲ ዀይኑ: ንጊልዓድን ንቤት ትምህርቲ ኣባላት ኮሚተ ጨንፈርን ንቤት ትምህርቲ ገየሽቲ ሓለውትን ብሓላፍነት ይኣሊ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሳጹን]

ናይቲ ኽፍሊ ስታቲስቲክስ

ቍጽሪ ዝመጹለን ሃገራት:- 10

ቍጽሪ እተመደቡለን ሃገራት:- 24

ቍጽሪ ተመሃሮ:- 56

ገምጋም ዕድመ:- 33.5

ኣብ ሓቂ ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 17.9

ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 13.8

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ናይ መበል 123 ክፍሊ ተመረቕቲ

ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ስማት: ነቲ መስርዕ ተዋሂብዎ ዘሎ ቝጽሪ ኻብ ቅድሚት ንድሕሪት ኪኸውን ከሎ: ስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን እዩ።

(1) ኢስተር ኢስፓርሳ፣ ሳራ ፓፓያ፣ ኣኒታ ቢላል፣ ሚሪያም ስዋሬስ፣ ኤሎዊዝ ኢቨርስ፣ ካቲ ዲሚቺኖ። (2) ማድሊን ሮዛ፣ ርዮኮ ፉጂ፣ ኦልጊታ ሬቲ፣ ጆና ለቨቶን፣ ሚከ ቫን ሊምፑተን። (3) ኣና ቦስካዪኖ፣ ክሪስተን በክ፣ ሃይከ ቡዳኖፍ፣ ካተሪን ብራዝ፣ ክሪስቲ ፐልትስ፣ ኣፍዋ ሲያው። (4) ስካት ለቨቶን፣ ሃና ሳንቲኮ፣ ሳራ ኮንቲ፣ ጀኒፈር ዊልሰን፣ ጂኒ ራይለት፣ ሾና ፒርስ፣ ኩኒሂሮ ፉጂ። (5) ዴቪድ ሮዛ፣ ማይክል ቦስካዪኖ፣ ቨኒሳ ኦስቲን፣ ፓትሪሻ ሮድየል፣ ፖል ቢላል፣ ፖል ዲሚቺኖ። (6) ባራክ ሬቲ፣ ዴቭ ቺዚክ፣ ካሚል ክላርክ፣ ኣንየ ረይደል፣ ፋውስቶ ኢስፓርሳ፣ ፕሪንስ ሲያው፣ ቶም ቫን ሊምፑተን። (7) ሆሴ ሮድየል፣ ጆን ኢቨርስ፣ ጃኪ ግሪን፣ ጁሊ ቺዚክ፣ ሚካ ሳንቲኮ፣ ማት ራይለት። (8) ላዝሎ ፐልትስ፣ ዳንኤል ኦስቲን፣ ቶቢያስ ረይደል፣ ማርክ በክ፣ ዊልያም ፒርስ፣ ስቲቭ ኮንቲ፣ ስቲቭ ግሪን። (9) ሆሴ ስዋሬስ፣ ጀረሚ ክላርክ፣ ሰብ ፓፓያ፣ ሚሻ ቡዳኖፍ፣ ረይ ዊልሰን፣ ሪክ ብራዝ።