ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ልኡምን ሚዛናውን ኩን

ልኡምን ሚዛናውን ኩን

ልኡምን ሚዛናውን ኩን

“ልኡማት . . . ኪዀኑ ኣዘክሮም።”—ቲቶ. 3:2

1, 2. ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ልኡም ምዃን እንታይ ይብል፧ እዚ ግቡእ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

 እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ደረት ዘይብሉ ጥበብ ኣለዎ። ፍጡራቱ ስለ ዝዀንና: ንህይወትና ዚኸውን መምርሒ ኻብኡ ኢና እንጽበ። (መዝ. 48:14) ያእቆብ እቲ ክርስትያን ወደ መዝሙር: “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ: ደሓርውን ሰላማዊት: ልእምቲ: ሰማዕ: ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት: ብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ” ኢሉ ይነግረና።—ያእ. 3:17

2 ሃዋርያ ጳውሎስ: “እቲ ለውሃትኩም [ልእመትኩም] ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ” ኢሉ መዓደ። a (ፊል. 4:5) ክርስቶስ የሱስ: ጐይታን ርእስን ክርስትያናዊት ጉባኤ እዩ። (ኤፌ. 5:23) እምበኣር: ነፍሲ ወከፍና ነቲ ክርስቶስ ዚህበና መምርሒ ብልእመት ብምቕባልን ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ብልእመት ብምሓዝን: ብርትዓዊ መገዲ ኽንመላለስ ኣሎና።

3, 4. (ሀ) ልኡማት ክንከውን ከለና ዚርከብ ጥቕምታት ብምሳሌ ኣረድእ። (ለ) ቀጺልና እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 ብሚዛናዊ መገዲ ልኡማት ምስ እንኸውን ንጥቀም ኢና። ንመረዳእታ:- ኣብ ብሪጣንያ ብግብረ-ሽበራውያን እተኣልመ ውዲት ምስ ተኸሽሐ: ብነፋሪት ዚጐዓዙ ሰባት ብሓፈሻ ነቲ ኣቐዲሞም ኪማልእዎ ዚፍቀደሎም ዝነበረ ነገራት ንኸይማልኡ እተዋህበ መምርሒ ኺስዕቡ ፍቓደኛታት ምዃኖም ኣርእዮም እዮም። ማኪና ኽንዝውር ከለና: ኣብ ኣደባባያትን ኣብ ካልእ ቦታታትን ኵሉ ሰብ ብዘይ ሓደጋ ምእንቲ ኺጐዓዝን ዋሕዚ ትራፊክ ምእንቲ ኸይዕገትን ንኻልኦት መራሕቲ ማካይን ነቐድሞም ኢና።

4 ልኡማት ምዃን ንመብዛሕትና ቐሊል ኣይኰነን። ነዛ ባህርይ እዚኣ ንምምዕባል ምእንቲ ኺሕግዘና: ምስ ልእመት ዚተሓሓዝ ሰለስተ መዳያት እስከ ንርአ። እዚ ኸኣ ድራኸናን ንስልጣን ዘሎና ኣረኣእያን ክሳዕ ክንደይ ልኡማት ክንከውን ከም ዚግባእን እዩ።

ልኡማት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

5. ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ: ሓደ ባርያ ምስ ጐይታኡ ምንባር ኪቕጽል ዚመርጽ ካብ ምንታይ ተደሪኹ ኪኸውን ይኽእል፧

5 ካብ ቅድሚ ክርስትና እተወስደ ሓደ ኣብነት: ኣብቲ ልኡማት ክንከውን ዚሕግዘና ቕኑዕ ድራኸ የተኵር። ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ: እቶም ባሮት ዝዀኑ እብራውያን ካብታ ባሮት ዝዀኑላ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመቶም ወይ ኣብ ዓመት እልልታ ሓራ ኺወጹ ነበሮም። ይኹን እምበር: ሓደ ባርያ ሓራ ኸይወጽእ ኪመርጽ ይኽእል ነበረ። (ዘጸኣት 21:5, 6 ኣንብብ።) ከምዚ ንኺገብር ኪድርኾ ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ካብ ፍቕሪ ተደሪኹ እዩ ኣብ ትሕቲ ስልጣን እቲ ሓላዪ ጐይታኡ ኪቕጽል ዚመርጽ።

6. ፍቕሪ: ልኡማት ንኽንከውን ብኸመይ ተኽእለና፧

6 ብተመሳሳሊ: ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ህይወትና ንዕኡ ንኽንውፍን ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ንኽንነብርን ትድርኸና። (ሮሜ 14:7, 8) ሃዋርያ ዮሃንስ: “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ: ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃ. 5:3) እዛ ፍቕሪ እዚኣ ናታ ወይ ጥቕማ ኣይትደልን እያ። (1 ቈረ. 13:4, 5) ንሰባት ዘላትና ፍቕሪ ኣብቲ ምስ ካልኦት ሰባት ዘሎና ርክብ ልኡማት ንኽንከውንን ቀዳምነት ንኽንህቦምን ትድርኸና። ንርእስና ዚጥዕመና ኣብ ክንዲ እነናዲ: ጥቕሚ ኻልኦት ነቐድም።—ፊል. 2:2, 3

7. ልኡማት ምዃን ኣብ ኣገልግሎትና እንታይ ተራ ይጻወት፧

7 ዘረባና ዀነ ተግባራትና ንኻልኦት መዐንቀፊ ኪዀኖም የብሉን። (ኤፌ. 4:29) ኣብ ክንዳኡስ: እተፈላለየ ኣተዓባብያን ባህልን ዘለዎም ሰባት ንየሆዋ ንምግልጋል ዕቤት ንኸይገብሩ ዚዓግቶም ዝዀነ ይኹን ነገር ከይንገብር ፍቕሪ ትድርኸና። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብወገንና ልኡማት ምዃን የጠቓልል። ንኣብነት: ኵሕለ-ምሕሊ ወይ ረቂቕ ነዊሕ ካልሲ ምግባር ዝለመዳ ሚስዮናውያን ኣሓትና: ኣብቲ ኸምኡ ምግባር ንስነ-ምግባረን ኣብ ሕቶ ዜእትወሉን ንኻልኦት ዚዕንቅፈሉን ዓድታት ኣይጥቀማሉን እየን።—1 ቈረ. 10:31-33

8. ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ኣብ ማእከል ካልኦት ‘ዝነኣስና’ ንኽንከውን ክትድርኸና እትኽእል ብኸመይ እያ፧

8 ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ: ንትዕቢት ከነሰንፍ ክትሕግዘና ትኽእል። እቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ መኖም ከም ዚዓቢ ምስ ተኸራኸሩ: የሱስ ንሓደ ሕጻን ኣብ ማእከሎም ደው ኣቢሉ: “ነዚ ሕጻንዚ ብስመይ ዚቕበል ንኣይ እዩ ዚቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ከኣ ነቲ ዝለአኸኒ ይቕበሎ። እቲ ኣብ ማእከል ኵልኹም ዚንእስ: ዓብዪ ዚኸውን ንሱ እዩ” በሎም። (ሉቃ. 9:48፣ ማር. 9:36) ንርእስና ኻብ ካልኦት ‘ዝነኣስና’ ጌርና ምርኣይ ብሓቂ ኼጸግመና ይኽእል እዩ። ዝወረስናዮ ዘይፍጽምናን ንዅርዓት ዘሎና ዝንባለን ተፈላጥነት ንኸነናዲ ኺድርኸና ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ: ትሕትና ግን ልኡማት ንኽንከውን ትሕግዘና።—ሮሜ 12:10

9. ልኡማት ንኽንከውን: እንታይ ኢና ኽንቅበል ዘሎና፧

9 ልኡማት ንኽንከውን: ነቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ ስልጣን ክንቅበሎ ኣሎና። ኵሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቲ ኣገዳሲ ስርዓት ርእስነት ይቕበልዎ እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ: “ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ: ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ: ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ: ክትፈልጡ እፈቱ አሎኹ” ብምባል ነዚ ስርዓት እዚ ንሰብ ቈረንቶስ ሓቢርዎም ኣሎ።—1 ቈረ. 11:3

10. ንስልጣን የሆዋ ምእዙዛት ምዃንና ዜርኢ እንታይ እዩ፧

10 ንስልጣን የሆዋ ልኡማት ወይ ምእዙዛት ምዃንና: ነቲ ኸም ፈቃር ኣቦና መጠን ኣብኡ ዘሎና ትውክልትን ምትእምማንን የርኢ። ንሱ ንዅሉ እቲ ዚፍጸም ነገራት ስለ ዚፈልጦ: ኣብኡ ተመስሪቱ ዓስብና ኺህበና ይኽእል እዩ። ነዚ ኣብ ኣእምሮና ምሓዝና: ካልኦት ክብረትና ምስ ዘይሕልዉልና ወይ ኪቝጥዑናን ኪንድሩልናን ከለዉ: ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ጳውሎስ: “ዚከአል እንተ ዀይኑስ: ብኣኻትኩም ዝመጸ: ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ” ኢሉ ጸሓፈ። ነዚ ማዕዳኡ እዚ ድማ በዚ ዚስዕብ መምርሒ ኣራጐዶ:- “ፍቁራተይ፤ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ: ኣነ ኽፈድዮ እየ: ይብል እግዚኣብሄር: ጽሑፍ እዩ እሞ: ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር: ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።”—ሮሜ 12:18, 19

11. ንርእስነት ክርስቶስ ከም እንግዛእ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

11 ኣብ ውሽጢ ክርስትያናዊት ጉባኤ ነቲ ኣምላኽ ዘቘሞ ስልጣን ከነኽብሮ ኣሎና። ኣብ ራእይ ምዕራፍ 1: ክርስቶስ የሱስ ነቲ “ኸዋኽብቲ” ጉባኤታት ኣብ የማናይ ኢዱ ኸም ዝሓዘ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። (ራእ. 1:16, 20) ብሓፈሻዊ መልክዑ ኺርአ ኸሎ: እቶም “ከዋኽብቲ” ነቶም ኣብ ጉባኤታት ዚርከቡ ኣካል ሽማግለታት ወይ ሓለውቲ የመልክቱ። እቶም እተሸሙ ሓለውቲ ንመሪሕነት ክርስቶስ ይግዝኡን ነቲ ክርስቶስ ንኻልኦት ዚሕዘሉ ለውሃት ይቐድሑን እዮም። ኵሎም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ነቲ የሱስ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ መንፈሳዊ ምግቢ በብግዜኡ ኺወሃብ ዝገበሮ መሰናድዎ ይግዝኡ እዮም። (ማቴ. 24:45-47) ሎሚ ነዚ ጽሑፍ እዚ ንኸነጽንዖን ንኽንዓየሉን ፍቓደኛታት ምዃንና: ብብሕትና ንርእስነት ክርስቶስ ከም እንግዛእ ይሕብር: እዚ ድማ ንሰላምን ሓድነትን ኣበርክቶ ይገብር።—ሮሜ 14:13, 19

ክሳዕ ክንደይ ኢና ልኡማት ክንከውን ዘሎና፧

12. ልኡም ምዃን ደረት ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

12 ልኡም ምዃን ኪበሃል ከሎ ግን: ኣብ እምነትና ወይ ኣብ ስርዓታት ኣምላኽ ንለማለም ማለት ኣይኰነን። እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ብስም የሱስ ንኸይምህሩ በቶም መራሕቲ ሃይማኖት ትእዛዝ ምስ ተዋህቦም: እንታይ መትከል እዮም ሒዞም፧ ጴጥሮስን ካልኦት ሃዋርያትን ብትብዓት: “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ኢሎም መለሱ። (ግብ. 4:18-20፣ 5:28, 29) ስለዚ: ሎሚ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ነቲ ብስራት ምስባኽ ንኸነቋርጽ ኬገድዱና ኺፍትኑ ኸለዉ: ነቲ ዅነታት ብሜላ ምእንቲ ኽንሕዞ ኣገባብ ኣሰባብኻና ነተዓራሪ እኳ እንተ ዀንና: ከቶ ግን ኣይነቋርጽን ኢና። ካብ ቤት ናብ ቤት ከይንኸይድ እንተ ተኸልኪልና: ነቶም ሰብ ቤት ንኽንረኽቦም ኣማራጺ መገድታት ነናዲ: ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና መዝነት ምፍጻም ድማ ንቕጽል። ብተመሳሳሊ: እቶም ‘ላዕለዎት ስልጣናት’ ኣብ ኣኼባታትና እገዳ እንተ ገይሮም: ብሕቡእ ኣብ ንኣሽቱ ጕጅለታት ንእከብ ኢና።—ሮሜ 13:1፣ እብ. 10:24, 25

13. የሱስ ንስልጣናት ተገዛእቲ ብዛዕባ ምዃን ኣመልኪቱ እንታይ በለ፧

13 የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ: ንስልጣናት እንግዛእ ክንከውን ከም ዜድሊ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ:- “ነቲ ኺማጐተካ: ቀምሽካ ኸኣ ኪወስድ ዚደሊ: እታ ኽዳንካውን ሕደገሉ። ሓደ ምዕራፍ ንዝሰሐበካ [“ክትከይድ ንዘገደደካ:” ትርጕም 1990]: ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ።” (ማቴ. 5:40, 41) b ንኻልኦት ዘሎና ሓልዮትን ንኽንሕግዞም ዘሎና ባህግን ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኽልተ ምዕራፍ ንኽንከይድ ይድርኸና።—1 ቈረ. 13:5፣ ቲቶ. 3:1, 2

14. ንኽሕደት ልኡማት ክንከውን ከቶ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

14 ልኡማት ክንከውን ንደሊ እኳ እንተ ዀንና: ምስ ከሓድቲ ግን ክንለማለም የብልናን። ንጽህና ሓቅን ሓድነት ጉባኤን ክንዕቅብ እንተ ዄንና: ኣብዚ መዳይ እዚ ንጹርን ጽኑዕን መትከል የድልየና። ጳውሎስ ብዛዕባ “ኣሕዋት ሓሶት” ኣመልኪቱ ንክርስትያናት ኣሕዋቱ: “እቲ ሓቂ ወንጌል ኣባኻትኩም ምእንቲ ኺጸንዕ: ሕራይ ንምባል ሓንሳእ እኳ ስግጥ ኣይበልናሎምን” ወይ “ንሓንቲ ሰዓትውን ትኹን ኣይተገዛእናዮምን” ኢሉ ጸሓፈ። (ገላ. 2:4, 5) ክሕደት እንተ ተቐልቂሉ: ውፉያት ክርስትያናት ነቲ ቕኑዕ ዘበለ ብጽኑዕ እዮም ዚድግፉ።

ሓለውቲ ልኡማት ኪዀኑ የድልዮም

15. ክርስትያን ሓለውቲ ኣኼባ ኺገብሩ ኸለዉ ብኸመይ ልኡማት ኪዀኑ ይኽእሉ፧

15 እቶም ሓለውቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ዚሽየሙ ኼማልእዎ ኻብ ዘለዎም ብቕዓታት ሓደ: ልኡም ምዃን እዩ። ጳውሎስ: “ኤጲስቆጶስ . . . ልኡም” ኪኸውን ከም ዚግብኦ ገሊጹ ኣሎ። (1 ጢሞ. 3:2, 3) እተሸሙ ሰብኡት ብፍላይ ብዛዕባ ጕዳያት ጉባኤ ኺመያየጡ ኺእከቡ ኸለዉ: እዚ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ውሳነ ቕድሚ ምብጻሖም: ዋላ እኳ ዅሎም እቶም ሽማግለታት ሓሳብ ኪህቡ ግድን ኣድላዪ እንተ ዘይኰነ: ነፍሲ ወከፎም ኣብኡ ዘለዉ ግን ሓሳቦም ብንጹር ኪገልጹ ናጽነት ኣለዎም። ኣብቲ ምይይጥ ገሊኦም ነቲ ኻልኦት ዚጠቕስዎ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ብምስማዕ ሓሳቦም ኪቕይሩ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ብሱል ሽማግለ ንኣረኣእያ ኻልኦት ኣብዩ ንብሕታዊ ኣረኣእያኡ ጥራይ ኪሰምዕዎ ኣብ ክንዲ ዜገድድ: ብልእመት ኣረኣእያ ኻልኦት ይቕበል እዩ። ኣብ ፈለማ: እተፈላለየ ኣረኣእያ ኺህሉ ይኽእል: ትሑታትን ልኡማትን ሽማግለታት ነቲ ጕዳይ ብጸሎት ምስ ዜስተንትኑሉ ግን ሓድነት ይህልዎም።—1 ቈረ. 1:10፣ ኤፌሶን 4:1-3 ኣንብብ።

16. ሓደ ክርስትያን ሓላዊ እንታይ መንፈስ እዩ ኼርኢ ዘለዎ፧

16 ሓደ ክርስትያን ሽማግለ ኣብ ኵሉ ንጥፈታቱ ቲኦክራስያዊ ስርዓት ኪሕሉ ኺጽዕር ኣለዎ። ነተን መጓሰ ኺጓሲ ኸሎ ዜርእዮ መንፈስ እውን: ንኻልኦት ሓልዮትን ለውሃትን ንኼርኢ ዚሕግዞ ኪኸውን ኣለዎ። ጴጥሮስ: “ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ: ብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር: ብግዲ ኣይኹን: ብታሕጓስ እምበር: ምእንቲ ኸንቱ ረብሓውን ኣይኹን” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ጴጥ. 5:2

17. ኵላትና ኣባላት ጉባኤ ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ ልኡማት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

17 ብዕድመ ዝደፍኡ ኣባላት ጉባኤ ነቶም ካባታቶም ዚንእሱ ዚገብሩሎም ሓገዝ የማስዉሉ: ብኣኽብሮት ድማ ይሕዝዎም እዮም። መንእሰያት እውን ብግዲኦም ነቶም ንየሆዋ ንነዊሕ እዋን ብምግልጋል ተመክሮ ዝደለቡ ኣረጋውያን የኽብርዎም እዮም። (1 ጢሞ. 5:1, 2) ክርስትያን ሽማግለታት ነቲ ሓላፍነታቶም ኬካፍልዎም ዚኽእሉ ብቑዓት ሰብኡት የናድዩ: ነተን መጓሰ ኣምላኽ ኣብ ምሕላይ ንኺሕግዙ ድማ የሰልጥንዎም እዮም። (2 ጢሞ. 2:1, 2) ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ነዚ ዚስዕብ ጳውሎስ ዝሃቦ መንፈስ ዝነፈሶ ማዕዳ ኺስዕብ ኣለዎ:- “ንመራሕትኹም ተአዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም: ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ: ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር: ብጓሂ እንተ ገበርዎ: እዚ ንኣኻትኩም ኣይጠቅምን እዩ።”—እብ. 13:17

ከም ኣባላት ስድራ ቤት መጠን ልኡማት ምዃን

18. ኣባላት ስድራ ቤት ልኡማት ኪዀኑ ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

18 ኣባላት ስድራ ቤት እውን ልኡማት ኪዀኑ የድልዮም እዩ። (ቈሎሴ 3:18-21 ኣንብብ።) መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ እተፈላለዩ ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዎም ሓላፍነታት ዘርዚሩ ኣሎ። ሰብኣይ ርእሲ ሰበይቱ እዩ: ንውሉዳት መምርሒ ብምሃብ ዝመጸ ድማ ብቐዳምነት ሓላፍነት ኣለዎ። ሰበይቲ ንስልጣን ሰብኣያ ኽትቅበሎ ይግባእ። ውሉዳት እዙዛት ኪዀኑ ኣለዎም: እዚ ድማ ኣብ ጐይታ ባህ ዜብል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ብግቡእን ብሚዛናውን መገዲ ልኡም ብምዃን: ንሓድነትን ሰላምን እታ ቤት ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ነጥቢ እዚ ዜረድእ ገለ ኣብነታት ሒዙ ኣሎ።

19, 20. (ሀ) ልኡም ብምዃን ዝመጸ ኣብ መንጎ እቲ ኤሊን የሆዋን ዝሓደግዎ ኣብነት ዘሎ ፍልልይ ግለጽ። (ለ) ወለዲ ኻብዚ ኣብነታት እዚ እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧

19 ሳሙኤል ገና ቘልዓ ኸሎ: ኤሊ ኣብ እስራኤል ሊቀ ኻህናት ኰይኑ የገልግል ነበረ። ሆፍንን ፊንሃስን ዚበሃሉ ደቂ ኤሊ ግን: “ደቂ ብልያል ነበሩ: ንእግዚኣብሄር ኣይፈለጥዎን።” ብዛዕባ እቲ እዞም ሰባት እዚኣቶም ዝገብርዎ ግብርን ምስተን ኣብ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግላ ኣንስቲ ኸም ዚምንዝሩን ንኤሊ ወረ በጽሖ። እሞኸ እንታይ ገበረ፧ ንየሆዋ እንተ በዲሎምዎ: ዜማልደሎም ከም ዘየልቦ ነገሮም። መአረምታን ተግሳጽን ግን ኣይሃቦምን። ከም ውጽኢቱ ኸኣ: ደቂ ኤሊ በቲ ሕማቕ መገዶም ቀጸሉ። ኣብ መወዳእታ: የሆዋ ኺሞቱ ኸም ዚግብኦም ወሰነ። ኤሊ ሞቶም ምስ ሰምዐ: ንሱ እውን ሞተ። ብሓቂ ዜሕዝን ሳዕቤን እዩ ኣስዒቡሎም! ኤሊ ነቲ እከዮም ብዘይግቡእ ልኡም ብምዃኑ: ወይ ብኻልእ ኣበሃህላ እከዮም ኪቕጽሉ ምፍቃዱ ቕኑዕ ኣይነበረን።—1 ሳሙ. 2:12-17, 22-25, 34, 35፣ 4:17, 18

20 ብኣንጻሩ: ነቲ ኣምላኽ ምስቶም ደቁ ዝዀኑ መላእኽቲ ዘለዎ ርክብ ዝሓዘሉ መገዲ እስከ ንርአ። ነብዪ ሚክያስ ብዛዕባ ሓደ የሆዋ ምስ መላእኽቱ ዝገበሮ ኣኼባ ዚገልጽ ዜደንቕ ራእይ ረኣየ። የሆዋ ነቶም መላእኽቱ: መኖም ነቲ እኩይ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ናብ ውድቀቱ ኸም ዚመርሖ ሓተቶም። ነቲ እቶም ደቁ ዝዀኑ እተፈላለዩ መናፍስቲ ዝሃብዎ ሓሳባት ሰምዐ። ድሕሪኡ ሓደ መልኣኽ ነቲ ዕዮ ኺገብሮ ኸም ዚኽእል ተዛረበ። የሆዋ ኸመይ ገይሩ ኸም ዚገብሮ ሓተቶ። በቲ እቲ መልኣኽ ዝሃቦ መልሲ ስለ ዝዓገበ: ዕዮኡ ኺፍጽም መዘዞ። (1 ነገ. 22:19-23) ኣባላት ስድራ ቤት ካብዚ ጸብጻብ እዚ ብዛዕባ ልኡም ምዃን ትምህርቲ ኺወስዱዶ ኣይምኸኣሉን፧ ሓደ ክርስትያን ሰብኣይን ኣቦን ነቲ ሰበይቱን ደቁን ዚህብዎ ሓሳብ ኣብ ግምት ኬእቱ ኣለዎ። ሰበይትን ውሉዳትን እውን ሓደ ሓሳብ ወይ ኣማራጺ ድሕሪ ምሃቦም: ነቲ ኺውስን ብቕዱሳት ጽሑፋት እተመዘዘ ሰብ ዚህቦ መምርሒ ብምኽባር ልኡማት ኪዀኑ ኣለዎም።

21. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

21 ነቲ የሆዋ ልኡማት ንኽንከውን ዝሃበና ፍቕራውን ጥበባውን ምስክራቱ ወይ መዘኻኸሪታቱ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስወሉ! (መዝ. 119:99) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽና: ብሚዛናዊ መገዲ ልኡም ምዃን ኣብ ሓዳር ሓጐስ ንምርካብ ብኸመይ ኣበርክቶ ኸም ዚገብር ክንርኢ ኢና።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ሃዋርያ ጳውሎስ ብሓንቲ ቓል ምትርጓማ ኣጸጋሚት ዝዀነት ቃል እዩ ተጠቒሙ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ብዛዕባ እዛ ቓል እዚኣ: “ብሕታዊ መሰልካ ኽትሓድግን ንኻልኦት ሓልዮትን ለውሃትን ከተርእን ፍቓደኛ ምዃን ተጠቓልል” በለ። ስለዚ: እዛ ቓል እዚኣ ልኡምን ርትዓውን ምዃን: ከምኡውን ኣብ ኣወዓዕላ ሕጊ ኣምላኽ እምብዛ ተሪር ወይ መሰለይ ይተሓለወለይ በሃሊ ዘይምዃን ዚብል ሓሳብ ሒዛ ኣላ።

b ነታ ኣብ ናይ 15 ለካቲት 2005 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 23-6 እትርከብ: “ሓደ ምዕራፍ ክትከይድ እንተ ተገደድካ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ልኡም ምዃን እንታይ ጽቡቕ ፍረ የፍሪ፧

• ሓለውቲ ብኸመይ ልኡማት ኪዀኑ ይኽእሉ፧

• ኣባላት ስድራ ቤት ልኡማት ኪዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ሽማግለታት ነቲ ክርስቶስ ንኻልኦት ዚሕዘሉ ለውሃት ይቐድሕዎ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ሽማግለታት ጉባኤ ኺእከቡ ኸለዉ: ብጸሎት ምስትንታኖምን ልኡማት ምዃኖምን ሓድነት ከም ዚህልዎም ይገብር