ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብሓዳርኩም ተሓጐሱ

ብሓዳርኩም ተሓጐሱ

ብሓዳርኩም ተሓጐሱ

“ቤት ሳላ ጥበብ ይህነጽ: ሳላ ምስትውዓል ከኣ ይጸንዕ።” —ምሳ. 24:3

1. የሆዋ ምስቲ ቐዳማይ ሰብኣይ ብእተተሓሓዘ ጥበብ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

 እቲ ጥበበኛ ሰማያዊ ኣቦና ንዓና ዚጠቕመና ይፈልጥ እዩ። ንኣብነት: ዕላማኡ ምእንቲ ኺፍጸም: ኣብ ገነት ኤድን “ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን” በለ። ቀንዲ ኽፋል እቲ ዕላማ እቲ: እተመርዓዉ ሰብኣይን ሰበይትን ኪወልዱን ‘ንምድሪ ኺመልእዋን’ እዩ ነይሩ።—ዘፍ. 1:28፣ 2:18

2. የሆዋ ንጥቕሚ ደቂ ሰብ እንታይ ስርዓት እዩ ዝሰርዐ፧

2 የሆዋ: “ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ” በለ። ድሕርዚ ኣምላኽ ነቲ ቐዳማይ ሰብኣይ ከቢድ ድቃስ ኣውደቐሉ: ካብቲ ፍጹም ሰብነቱ ኸኣ ሓንቲ መሰንገለ ወሲዱ: ንዓኣ ሰበይቲ ገይሩ ሰርሓ። የሆዋ ነታ ፍጽምቲ ሰበይቲ ዝነበረት ሄዋን ናብ ኣዳም ምስ ኣምጸኣ: እቲ ሰብኣይ: “እዚኣ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይ ስጋ ኸኣ ካብ ስጋይ እያ: ካብ ሰብኣይ ተወሲዳ እያ እሞ: ሰበይቲ ትብሀል” በለ። ሄዋን ብሓቂ ንኣዳም እትበቅዕ መመላእታ እያ ነይራ። ነፍሲ ወከፎም ናይ ርእሶም ባህርያት እኳ እንተ ነበሮም: ክልቲኦም ግን ፍጹማትን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥሩን እዮም ነይሮም። ስለዚ: ነቲ ቐዳማይ መርዓ ዝሰርዖ የሆዋ እዩ። ኣዳምን ሄዋንን ነቲ ኺተሓጋገዙን ኪደጋገፉን ዘኽኣሎም ኣምላኽ ዝሰርዖ ስርዓት ኪቕበልዎ ኣየጸገሞምን።—ዘፍ. 1:27፣ 2:21-23

3. ብዙሓት ንሓዳር ከመይ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ፧ እዚኸ ናብ ምንታይ ሕቶታት ይመርሓና፧

3 እቲ ዜሕዝን ግን: ሎሚ ኣብ ዓለም ናይ ዕልወት መንፈስ እዩ ሰፊኑ ዘሎ። እዚ ዜስዕቦ ጸገማት ከኣ: ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን። ብዙሓት ነቲ ኣምላኽ ከም ውህበት ዝሃበና ሓዳር የስተናዕቕዎ: ግዜኡ ኸም ዝሓለፎ ገይሮም ስለ ዚርእይዎ ድማ: ምንጪ ብስጭት ወይ ግጭት ከም ዝዀነ ገይሮም ይወስድዎ እዮም። ካብቶም ዚምርዓዉ እውን: ብዙሓት ይፋትሑ ኣለዉ። ንውሉዳት ፍቕሪ ኣይወሃቦምን እዩ: ኣብ ሓዳር ኣብ ዚፍጠር ግጭት ድማ ከም መመዝመዚ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ብዙሓት ወለዲ ንሰላምን ሓድነትን ኪብሉ እኳ ኸይተረፈ ልኡማት ኪዀኑ ፍቓደኛታት ኣይኰኑን። (2 ጢሞ. 3:3) ኣብዚ ዘየላቡ እዋን እዚ ደኣ እሞ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ኻብ ሓዳር ሓጐስ ኪርከብ ዚከኣል፧ ልኡም ምዃን ሓዳር ንኸይፈርስ እጃም ዘለዎ ብኸመይ እዩ፧ ካብቶም ኣብዚ ግዜና ኣብ ሓዳሮም ሓጐስ ዝረኸቡ ኣብነታት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

ንመምርሒ የሆዋ ብልእመት ምቕባል

4. (ሀ) ጳውሎስ ብዛዕባ መርዓ እንታይ መምርሒ እዩ ዝሃበ፧ (ለ) እዙዛት ክርስትያናት ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ መምርሒ ዚስዕቡ ብኸመይ እዮም፧

4 መበለታት እንደገና ኺምርዓዋ እንተ ደልየን: “ብእግዚኣብሄር ጥራይ ደኣ ይኹን እምበር:” ዝደለያኦ ኺምርዓዋ ሓራ ምዃነን: ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ መምርሒ ሂቡ ኣሎ። (1 ቈረ. 7:39) እዚ ነቶም ኣቐዲሞም እምነት ኣይሁድነት ዝነበሮም ክርስትያናት ሓድሽ ኣይነበረን። ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ኣብ ዝሃቦ ሕጊ: ምስቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣረማውያን ‘ከይዋሰቡ’ ንጹር መምርሒ ሂብዎም ነይሩ። የሆዋ ነዚ መለኮታዊ ስርዓት እዚ ምጥሓስ ዜስዕቦ ሓደጋ ንምጕላሕ ኢሉ እዚ ዚስዕብ መግለጺ ሃቦም:- “[እስራኤላዊ ዘይኰነ ጓና] ንደቅኻ: ካልኦት ኣማልኽቲ ምእንቲ ኼምልኹ ካብ ምስዓበይ ይመልሶም እሞ: ኵራ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ይነድድ: ቀልጢፉ ኸኣ የጥፍኣካ።” (ዘዳ. 7:3, 4) የሆዋ ነቶም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቱ ኣብዚ መዳይ እዚ እንታይ መትከል ኪሕዙ እዩ ዚጽበዮም፧ ኣገልገልቲ ኣምላኽ “ብእግዚኣብሄር” ጥራይ ኪምርዓዉ: ማለት ርእሶም ዝወፈዩን እተጠምቁን መጻምድቲ ኺመርጹ ኸም ዘለዎም ንጹር እዩ። ምስዚ ምርጫ እዚ ብእተተሓሓዘ ነቲ የሆዋ ዚህበና መምርሒ ብልእመት ምቕባልና ጥበባዊ ስጕምቲ እዩ።

5. የሆዋን ምርዑዋት ክርስትያናትን ኣብ መርዓ ንዚእቶ ቓል ኪዳን ብኸመይ ይርእይዎ፧

5 ቃል ኪዳን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅዱስ እዩ። የሱስ እቲ ወዲ ኣምላኽ: ነቲ ናይ ፈለማ መርዓ ኣመልኪቱ: “ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ: ሰብ ኣይፍለዮ” በለ። (ማቴ. 19:6) እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “መስዋእቲ ምስጋና ንኣምላኽ ሰውኣሉ: መብጽዓኻውን ንልዑል ሀቦ” ብምባል ኣገዳስነት መብጽዓ ወይ ኪዳን ኣዘኻኺሩና ኣሎ። (መዝ. 50:14) ወድን ጓልን ኪምርዓዉ ኸለዉ ዓብዪ ሓጐስ ዚረኽቡ እኳ እንተ ዀኑ: እቲ ኣብ መዓልቲ መርዓኦም ዚተኣታተውዎ ቓል ኪዳን ግን ኣርዚንካ ዚርአ ሓላፍነት የሰክሞም እዩ።—ዘዳ. 23:21

6. ካብቲ ይፍታሕ ዝሓደጎ ኣብነት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

6 ነቲ ኣብ መበል 12 ዘመን ቅ.ክ. ኣብ እስራኤል ፈራዲ ዀይኑ ዘገልገለ ይፍታሕ ዘጋጠሞ እስከ ንርአ። ይፍታሕ ንየሆዋ: “ንደቂ ዓሞን ኣብ ኢደይ እንተ ሂብካንስ: ሽዑ ኪኸውን እዩ: ካብ ደቂ ዓሞን ብድሓን ምስ ተመለስኩ: እቲ ኪቕበለኒ ኢሉ ኻብ ደጌታት ቤተይ ዚወጽእ: ንእግዚኣብሄር ይኹን: ንዚሐርር መስዋእቲ ከቕርቦ እየ” ኢሉ መብጽዓ ተመባጽዐ። ናብ ሚጽጳ ናብ ቤቱ ኺምለስ ከሎ: መጀመርታ ኽትቅበሎ ዝወጸት እታ ሓንቲ ውሉዱ ዝነበረት ጓሉ ምዃና ምስ ረኣየ: ነቲ መብጽዓኡ ኼፍርስ ጽዒሩዶ፧ ኣይፋሉን። የግዳስ: “ናብ እግዚኣብሄር ኣፈይ ከፊተ እየ: ክምለስ ከኣ ኣይክእልን እየ” በለ። (መሳ. 11:30, 31, 35) መብጽዓኡ ምሕላዉ ብስሙ ዚጽዋዕ ዘርኢ ኸም ዚስእን ዚገብሮ እኳ እንተ ነበረ: ንየሆዋ ዝኣተዎ መብጽዓ ሓለወ። እቲ ይፍታሕ ዝኣተዎ መብጽዓ ኻብ ቃል ኪዳን እተፈለየ እኳ እንተ ዀነ: ነቲ መብጽዓኡ ምሕላዉ ግን ንክርስትያን ሰብኡትን ኣንስትን ቃል ኪዳኖም ኪሕልዉ ሰናይ ኣብነት ይዀኖም እዩ።

ንሓዳር ዕዉት ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

7. ሓደስቲ ምርዑዋት እንታይ ምትዕርራያት እዮም ኪገብሩ ዜድልዮም፧

7 ብዙሓት ሰብ ሓዳር ንእዋን ወርዝነቶም ብጽቡቕ እዮም ዚዝክርዎ። ነቲ ኣብ መጻኢ መጻምድቶም ዚኸውን ምፍላጡ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዜሐጕሶም! ብሓንሳእ ዝያዳ ግዜ ብዘሕለፉ መጠን: ዝያዳ ይቀራረቡ። ኰይኑ ግን: እንተ ብመስርሕ ወርዝነት ሓሊፎም ወይ ሰብ ብዘማጽኣሎም ተመርዕዮም: ኣብ መወዳእታ ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ኰኑ: ምትዕርራያት ኪገብሩ ኣለዎም። ሓደ ሰብኣይ: “ኣብ መጀመርታ ሓዳርና ዘጋጠመና ዓብዪ ጸገም ንጽል ዘይምዃንና ምግንዛብ እዩ። ንእተወሰነ ግዜ ምስ ኣዕሩኽናን ምስ ስድራ ቤትናን ዝነበረና ርክብ ቦታኡ ኸም ዚሕሉ ምግባር ኣጸጊሙና ነይሩ” በለ። ን30 ዓመት ኣብ ሓዳር ዝጸንሐ ኻልእ ሰብኣይ: ሓዳር ጅምር ምስ ኣበለ ሚዛናዊ ንኪኸውን “ብጽምዲ ኺሓስብ” ከም ዘለዎ ምስትውዓሉ ገለጸ። ዝቐረበሉ ዕድመ ቕድሚ ምቕባሉ ወይ ቃል ቅድሚ ምእታዉ: ንሰበይቱ የማኽር: ድሕሪኡ ንጥቕሚ ኽልቲኦም ኣብ ግምት ብምእታው ይውስን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: ልኡም ምዃን ሓጋዚ እዩ።—ምሳ. 13:10

8, 9. (ሀ) ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ተዓጻጻፊ ምዃን ሓጋዚ ዚኸውን ኣበየናይ መዳያት እዩ፧ ስለምንታይከ፧

8 ሓድሓደ ግዜ ኽልተ ኣብ እተፈላለየ ባህሊ ዝዓበዩ ሰባት ብመርዓ ይቝረኑ እዮም። ብሕልፊ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ብግህዶ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኣገዳሲ እዩ። ሓሳብ ንሓሳብ እትለዋወጠሉ ኣገባብ ይፈላለ እዩ። መጻምድትኻ ምስ ኣዝማዳ ብኸመይ ከም እትዛረብ ምዕዛብ: ዝያዳ ንኽትርድኣ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ እቲ ዚዝረብ ቃላት ዘይኰነስ: እቲ ዚዝረበሉ መገዲ እዩ ንውሽጣዊ ኣተሓሳስባ ሓደ ሰብ ዚገልጾ። ካብ ዘይተዘርበ ነገራት እውን ብዛዕባ ውሽጣዊ ሓሳብ ብዙሕ ኪፍለጥ ይከኣል እዩ። (ምሳ. 16:24፣ ቈሎ. 4:6) ሓጐስ ንምርካብ: ምስትውዓል ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።—ምሳሌ 24:3 ኣንብብ።

9 ኣብ ናይ መሕለፍ ግዜን መዘናግዕን ምርጫ: ተዓጻጻፍነት ኣገዳሲ ምዃኑ ብዙሓት ተረዲኦምዎ እዮም። ቅድሚ መርዓ: ሓደ ኻብቶም ሰብ ሓዳር ኣብ ስፖርት ወይ ኣብ ካልእ መዘናግዒ ግዜ የሕልፍ ነይሩ ይኸውን። ሕጂ ገለ ምትዕርራያት የድሊዶ፧ (1 ጢሞ. 4:8) ምስ ኣዝማድ ብዛዕባ ዚሓልፍ ግዜ እውን ተመሳሳሊ ሕቶ ኺለዓል ይከኣል እዩ። ሰብ ሓዳር ብሓባር ኣብ መንፈሳውን ካልእን ንጥፈታት ንኺጽመዱ ግዜ ኸም ዜድልዮም ፍሉጥ እዩ።—ማቴ. 6:33

10. ልኡም ምዃን ኣብ መንጎ ወለድን እተመርዓዉ ውሉዳትን ጽቡቕ ርክብ ንኺህሉ ኣበርክቶ ዚገብር ብኸመይ እዩ፧

10 ሰብኣይ ምስ ተመርዓወ: ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፣ ሰበይቲ እውን ከምኡ እያ እትገብር። (ዘፍጥረት 2:24 ኣንብብ።) እቲ ኣቦናን ኣዴናን ከነኽብር ኣምላኽ ዝሃበና ትእዛዝ ግን: ብግዜ እተደረተ ኣይኰነን። ስለዚ: ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ተመርዓዉ እውን ከይተረፈ: ብሓፈሻኡ ምስ ወለዶምን እንዳ ኣሕሙኦምን እተወሰነ ግዜ የሕልፉ እዮም። ሓደ ኣብ ሓዳር 25 ዓመት ዘሕለፈ ሰብኣይ: “ሓድሓደ ግዜ: ነቲ መጻምድትኻ እትብህጎን ዜድልያን ነገራት: ምስቲ ወለድኻን ኣሕዋትካን እንዳ ኣሕሙኻን ዚደልይዎ ነገራት ምቅዳዉ ኣጸጋሚ ይኸውን እዩ። ኣብዚ ዅነታት እዚ ብሉጽ ውሳነ ንምግባር: ዘፍጥረት 2:24 ሓጋዚት ኰይና ረኺበያ። ሓደ ሰብ ንኻልኦት ኣባላት ቤተሰብ እሙን ኪኸውንን ሓላፍነት ኪስምዖን እኳ እንተ ኣለዎ: ንመጻምድቱ ዘለዎ ተኣማንነት ግን ቀዳምነት ከም ዚወሃቦ ኻብዛ ጥቕሲ እዚኣ ተገንዚበ” በለ። እምበኣር: ልኡማት ክርስትያን ወለዲ: እቶም እተመርዓዉ ውሉዳቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ስድራ ቤት ከም ዘለዎም: ኣብታ ስድራ ቤት ከኣ እቲ ሰብኣይ ብሓላፍነት ከም ዚመርሕ ተረዲኦም ኬኽብሩሎም ኣለዎም።

11, 12. መጽናዕቲ ስድራ ቤትን ጸሎትን ንሰብ ሓዳር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

11 ጽቡቕ ልማድ መጽናዕቲ ስድራ ቤት ኣገዳሲ እዩ። ብዙሓት ክርስትያን ስድራ ቤታት ዘጥረያኦ ተመክሮ ነዚ ሓቂ እዚ ዜረጋግጽ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መጽናዕቲ ምቛም ወይ ንነዊሕ ግዜ ኸየፍረስካ ምቕጻሉ ቐሊል ከይኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ርእሲ ስድራ ቤት: “ንድሕሪት ተመሊስና ኸነዐሪ እንተ ንኽእል: ካብታ እተመርዓናላ ግዜ ኣትሒዝና ነቲ ጽቡቕ ልማድ መጽናዕቲ ስድራ ቤት ምሓሎና” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ: “ኣብ መጽናዕትና ገለ መንፈሳዊ ሓቂ ምስ ረኸብና እሞ ሰበይተይ በዚ ተደሪኻ ሓጐሳ ኽትገልጽ ከላ ኽርኢ ኸለኹ: ብሓቂ ዜደንቕ ውህበት እዩ” በለ።

12 ብሓባር ምጽላይ ካልእ ሓጋዚ ነገር እዩ። (ሮሜ 12:12) ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ብሓደ ኺሰምሩ ኸለዉ: እቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ጥብቂ ርክብ ነቲ ማእሰር ሓዳሮም የድልድሎ። (ያእ. 4:8) ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ: “ንጌጋታትካ ቐልጢፍካ ይቕረታ ምሕታትን ብሓባር ክትጽሊ ኸለኻ ነዚ ጌጋታትካ ምጥቃስን: በቲ ዜጕሂ ንኣሽቱ ጌጋታት እውን ብሓቂ ኸም ዝሓዘንካ እተርእየሉ መገዲ እዩ” በለ።—ኤፌ. 6:18

ኣብ ውሽጢ ሓዳር ልኡማት ኩኑ

13. ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሓዳር ዘሎ ርክብ እንታይ ማዕዳ ሃበ፧

13 ምርዑዋት ክርስትያናት ከምቲ ኣብዛ ብጾታ ዝዓበደት ዓለም ልሙድ ኰይኑ ዘሎ: ኣብ መንጎ ሓዳር ንዘሎ ርክብ ዜሕስር ተግባራት ኬርሕቑ ኣለዎም። ኣብዚ ጕዳይ እዚ: ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ምኽሪ ሃበ:- “ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚግብኣ ይግበረላ: ከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ትግበረሉ። ሰበይቲ: ሰብኣያ እምበር: ኣብ ገዛእ ስጋኣ ኣይትመልኽን እያ: ከምኡ ኸኣ ሰብኣይ: ሰበይቱ ደኣ እምበር: ኣብ ገዛእ ስጋኡ ኣይመልኽን እዩ።” ድሕርዚ ጳውሎስ: “ንጊዜኡ ብምስምማዕ ክልቴኹም እምበር: እቲ ሓደ ኻብቲ ሓደ ኣይፈለ” ወይ “ሓደ ነቲ ሓደ ናይ መውስቦ ግቡኡ ኣይኽልኣዮ” (ትርጕም 1990) ብምባል ንጹር መምርሒ ሃበ። ስለምንታይ፧ “ንጸሎት ጊዜ ምእንቲ ኽትረኽቡ: . . . ብምኽንያት እቲ ንነፍስኹም ዘይምምላኽኩም ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም ከኣ: ከም ብሓድሽ ተራኸቡ” ብምባል ምኽንያቱ ገለጸ። (1 ቈረ. 7:3-5) ጳውሎስ ንጸሎት ብምጥቃሱ: ሓደ ክርስትያን ቀዳምነት ኪህቦ ዘለዎ ነገር እዩ ገሊጹ። ኰይኑ ግን: ነፍሲ ወከፍ ምርዑው ክርስትያን ነቲ ንመጻምድቱ ብኣካላውን ብስምዒታውን ዜድልያ ነገራት ኪሓሊ ኸም ዘለዎ ኣነጺሩ ኣሎ።

14. ኣብቲ ኣብ መንጎ ሓዳር ዚህሉ ርክብ: ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ዚዓዪ ብኸመይ እዩ፧

14 ሰብኡትን ኣንስትን ንሓድሕዶም ብግህዶ ኺዘራረቡ ኣለዎም: ኣብዚ መዳይ ርክቦም እዚ ለውሃት እንተ ዘየርእዮም ድማ ናብ ጸገማት ከም ዚመርሖም ኬስተውዕሉ ይግባእ። (ፊልጲ 2:3, 4 ኣንብብ፣ ምስ ማቴዎስ 7:12 ኣረኣኢ።) ኣብ ገሊአን ብሃይማኖት እተኸፋፈላ ስድራታት: እዚ ሓቂ ምዃኑ ተራእዩ እዩ። ፍልልያት እኳ እንተሎ: እቲ ክርስትያን ዝዀነ መጻምድቲ ግን ብጽቡቕ ኣካይዳን ብለውሃትን ብምትሕብባርን ነቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ርክብ ኬመሓይሾ ይኽእል እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:1, 2 ኣንብብ።) ንየሆዋን ንመጻምድትናን ዘላትና ፍቕሪ ምስ ልእመት ተደሚራ: ኣብዚ መዳይ ሓዳር እዚ ትሕግዝ እያ።

15. ኣብ ሓጐስ ዝመልኦ ሓዳር: ኣኽብሮት እንታይ ግደ ኣለዎ፧

15 ለዋህ ሰብኣይ ኣብ ካልእ መዳያት እውን ንሰበይቱ ብኣኽብሮት ይሕዛ እዩ። ንኣብነት: ኣብ ንኣሽቱ ጕዳያት እውን ከይተረፈ: ንስምዒታታ ኣብ ግምት የእቱ። ሓደ ኣብ ሓዳር 47 ዓመት ዝገበረ ሰብኣይ: “ኣብዚ መዳይ እዚ ገና እመሃር እየ ዘለኹ” ኢሉ ተኣመነ። ክርስትያን ኣንስቲ ንሰብኡተን ኬኽብራ ተማዒደን ኣለዋ። (ኤፌ. 5:33 ትርጕም 1990) ጕድለት ሰብኡተን ኣብ ቅድሚ ካልኦት እናኣጕልሓ: ብዛዕባኦም ብኣሉታዊ መገዲ ምዝራብ: ኣኽብሮት ኣይኰነን። ምሳሌ 14:1 “ለባም ሰበይቲ ቤታ ትሀንጽ: ዓሻ ግና ብገዛእ ኢዳ ተፍርሶ” ዚብል መዘኻኸሪ ሒዛ ኣላ።

ንሰይጣን ኣይትልኣመሉ

16. ሰብ ሓዳር ንኤፌሶን 4:26, 27 ኣብ ሓዳሮም ኪዓዩላ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

16 “ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም። ንድያብሎስ ከኣ ስፍራ ኣይትሀብዎ።” (ኤፌ. 4:26, 27) እዘን ቃላት እዚኣተን እንተ ተዓዩለን: ኣብ ሓዳር ዜጋጥም ዘይምስምማዕ ኪፈትሓ ወይ ኬወግዳ ይኽእላ እየን። ሓንቲ ሓብቲ: “ዋላ እውን ንሓደ ጕዳይ ንምፍታሕ ሰዓታት ይውሰደልና: ኣብ መንጎና ዘይምስምማዕ ተፈጢሩስ ዘይተላዘብናሉ እዋን ትዝ ኣይብለንን” በለት። ኣብ መጀመርታ ሓዳሮም: ንሳን ሰብኣያን ፍልልያቶም ከይፈትሑ ኸይሓድሩ ቘራጽነት ገበሩ። “ዝዀነ ይኹን ጸገም የጋጥመና ብዘየገድስ: ይቕረ ንኽንበሃሃልን ንኽንርስዕን ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብሓድሽ መንፈስ ንኽንጅምርን ወሰንና” በለት። በዚ ኸምዚ ኸኣ ‘ንድያብሎስ ስፍራ ኣይሃብዎን።’

17. ሰብ ሓዳር ዘይቃደዉ ኣብ ዚመስሉሉ እዋን እኳ ኸይተረፈ: እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧

17 ኰይኑ ግን: ምስ መጻምድትኻ ዘይትቃዶ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካኸ፧ ካልኦት ዚረኽብዎ ፍቕሪ ኣብ ሓዳርካ ዘየለ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ግናኸ ነቲ ፈጣሪ ብዛዕባ ማእሰር መርዓ ዘለዎ ኣረኣእያ ምዝካርካ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ንክርስትያናት: “ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ: መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር: እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኸሰ ይኹን” ኢሉ መኸሮም። (እብ. 13:4) እቲ “ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን” ዚብል ቃላት እውን ኣይትረስዓዮ። (መክ. 4:12) ሰብኣይን ሰበይትን ብዛዕባ ምቕዳስ ስም የሆዋ ኣጸቢቑ ዜገድሶም እንተ ዀይኑ: ኣብ ንሓድሕዶምን ምስ ኣምላኽን ማእሰር ፈጢሮም ኣለዉ ማለት እዩ። ሓዳሮም ዕዉት ንኪኸውን ኪዓዩ ኣለዎም፣ ከመይሲ: ከምኡ ምግባሮም ነቲ መስራቲ ሓዳር ዝዀነ የሆዋ እዩ ኽብሪ ዜምጽኣሉ።—1 ጴጥ. 3:11

18. ንሓዳር ብዚምልከት ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

18 ክርስትያናት ብሓዳሮም ብርግጽ ኪሕጐሱ ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ ጻዕርን ከም ልእመት ዝኣመሰለ ክርስትያናዊ ባህርያትን ይሓትት። ሎሚ ኣብተን ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዋ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: እዚ ኺግበር ከም ዚከኣል ዘመስከሩ ማእለያ ዘይብሎም ሰብ ሓዳር ኣለዉ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ብሓዳር ክትሕጐስ ዘይከውን ነገር ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

• ሓዳር ዕዉት ንኪኸውን እንታይ ኪሕግዝ ይኽእል፧

• ሰብ ሓዳር እንታይ ባህርያት ኬማዕብሉ ኣለዎም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ሰብ ሓዳር ዝቐረበሎም ዕድመ ቕድሚ ምቕባሎም ወይ ቈጸራ ቕድሚ ምግባሮም ንሓድሕዶም ኪዘራረቡ ይግባእ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ዘይምስምማዕ ኪፍጠር ከሎ ንጽባሕ ከይበልኩም በታ መዓልቲ እቲኣ ብምፍታሕ: ‘ንድያብሎስ ስፍራ ኣይትሃብዎ’