ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኻልኦት ከምቲ የሆዋ ዚርእዮም ጌርካ ዲኻ እትርእዮም፧

ንኻልኦት ከምቲ የሆዋ ዚርእዮም ጌርካ ዲኻ እትርእዮም፧

ንኻልኦት ከምቲ የሆዋ ዚርእዮም ጌርካ ዲኻ እትርእዮም፧

“እቲ ኣካላት ንሓድሕዱ ሓደ ሓልዮ ኺህልዎ እምበር: ኣብቲ ስጋ ምፍልላይ ምእንቲ ኸይከውን።”—1 ቈረ. 12:25

1. ናብቲ መንፈሳዊ ገነት ንመጀመርታ እዋን ምስ ኣተኻ: እንታይ ተሰሚዑካ፧

 ካብዛ እክይቲ ዓለም ወጺእና ንመጀመርታ እዋን ምስ ህዝቢ የሆዋ ኽንሓብር ከለና: እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ምውቕ ፍቕሪ ባህ ኣቢሉና እዩ። እዝስ ካብቶም ኣብዛ ሰይጣን ዚቈጻጸራ ዓለም ዘለዉ ዘይእሩማትን እኩያትን ነግራማትን ሰባት ክሳዕ ክንደይ እተፈልየ ዀን እዩ! ናብቲ ሰላምን ሓድነትን ዝመልኦ መንፈሳዊ ገነት ኢና ኣቲና።—ኢሳ. 48:17, 18፣ 60:18፣ 65:25

2. (ሀ) ነቲ ንኻልኦት ዘሎና ኣረኣእያ እንታይ ኪጸልዎ ይኽእል፧ (ለ) እንታይ ክንገብርከ እዩ ዘሎና፧

2 ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ግን: ንኣሕዋትና በቲ ዘይጥዑይ ስእሊ ዜርእየና ናይ ዘይፍጽምና ለንስ ወይ መጕልሒ ኽንርእዮም ንጅምር ንኸውን። ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና: ንመንፈሳዊ ባህርያቶም ዘይኰነስ: ነቲ ዚገብርዎ ጌጋታት ኣጕሊሕና ንርእዮ። ብሓጺሩ: ከምቲ የሆዋ ዚርእዮም ጌርና ኽንርእዮም ከም ዘሎና ንርስዖ። ከምዚ እንተ ኣጋጢሙና: ንኣረኣእያና ቘላሕታ ብምሃብ: ምስ ናይ የሆዋ ኣረኣእያ ኸነሰማምዖ ኣሎና።—ዘጸ. 33:13

የሆዋ ንኣሕዋትና ዚርእየሉ መገዲ

3. መጽሓፍ ቅዱስ ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ምንታይ እዩ ዜመሳስላ፧

3 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ 1 ቈረንቶስ 12:2-26 ንጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ምስቲ “ብዙሕ ኣካላት” ዘለዎ ሰብነት ኣመሳሲልዋ ኣሎ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ሓደ ሰብነት ዚርከብ ኣካላት እተፈላለየ ዝዀነ: ኣባላት እታ ጉባኤ እውን ብባህርያቶምን ክእለታቶምን ኣዝዮም እተፈላለዩ እዮም። የሆዋ ግን ንእተፈላለዩ ሰባት ይቕበል እዩ። ንነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ጉባኤ የፍቅሮን ኣኽቢሩ ይርእዮን። ጳውሎስ እውን ኣባላት እታ ጉባኤ ‘ንሓድሕዶም ሓልዮት ኪህልዎም ከም ዘለዎ’ ምኽሪ ሂቡ ነበረ። ይኹን እምበር: ባህርያት ካልኦት ሰባት ካብቲ ናትና እተፈልየ ኪኸውን ስለ ዚኽእል: ከምዚ ምግባር የጸግመና ይኸውን።

4. ነቲ ብዛዕባ ኣሕዋትና ዘሎና ኣረኣእያ ኸነተዓራርዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

4 ሕሉፍ ሓሊፍና እውን ኣብ ድኽመታት ኣሕዋትና ነተኵር ንኸውን። ከምዚ ምግባር: ሓንቲ ኣብ እተወሰነ ኸባቢ ጥራይ ዜተኵር ለንስ ዘለዋ ካሜራ ምስ ምጥቃም ዚመሳሰል እዩ። ኣረኣእያ የሆዋ ግን: ምስቲ ነቲ ሰብን ኣብ ከባቢኡ ንዘሎ ነገራትን ዚስእል ኣስፊሑ ዜርኢ ለንስ እዩ ዚመሳሰል። ንሕና ኣብቲ ዘይንፈትዎ ነገር ነድህብ ንኸውን፣ የሆዋ ግን ንብምሉኡ እቲ ሰብ: እንተላይ ነቲ ጽቡቕ ባህርያቱ እዩ ዚርኢ። ስለዚ: ከም የሆዋ ኽንከውን ብዝጸዓርና መጠን: ኣብታ ጉባኤ: ፍቕርን ሓድነትን ዘለዎ መንፈስ ኣብ ምስፋን ኣበርክቶ ኽንገብር ኢና።—ኤፌ. 4:1-3፣ 5:1, 2

5. ንኻልኦት ምፍራድ ግቡእ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

5 የሱስ: ዘይፍጹማት ሰባት ናይ ምፍራድ ዝንባለ ኸም ዘለዎም ይፈልጥ ነበረ። ስለዚ: “ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ” ኢሉ ምኽሪ ሃበ። (ማቴ. 7:1) የሱስ ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ “ኣይትፍረዱ” ኺብል ከሎ: ነቲ እትገብሮ ዝነበርካ ነገር ክትሓድጎ እዩ ዜመልክት ነይሩ። ብዙሓት ካብቶም ሰማዕቱ: ዛጊት ንኻልኦት ናይ ምፍራድ ልማድ ከም ዝነበሮም ይፈልጥ ነበረ። ንሕናኸ ኸምዚ ዝበለ ልማድ ኣሎናዶ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ: ብዜሰክሕ መገዲ ንኸይንፍረድ: ለውጢ ንምግባር ኣበርቲዕና ኽንዓዪ ኣሎና። ከም ሓቂ ኸኣ: ንሕና መን ኴንና ኢና ነቲ የሆዋ ሓላፍነት ሂቡ ዚጥቀመሉ ዘሎ ሰብ እንፈርዶ ወይ ክፋል እታ ጉባኤ ኪኸውን የብሉን እንብል፧ ሓደ ሓው ገለ ጕድለታት ይህልዎ ይኸውን፣ የሆዋ ተቐቢልዎ ኽነሱ ግን: ንሕና ኽንነጽጎ ግቡእ ድዩ፧ (ዮሃ. 6:44) የሆዋ ንውድቡ ይመርሕ ከም ዘሎን ምትዕርራይ እንተ ኣድልዩ ድማ ኣብ ግቡእ ግዜኡ ስጕምቲ ኸም ዚወስድን ብሓቂዶ ንኣምን ኢና፧—ሮሜ 14:1-4 ኣንብብ።

6. የሆዋ ንኣገልገልቱ ብኸመይ እዩ ዚርእዮም፧

6 የሆዋ: ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣብታ ሓዳስ ዓለም ኣብ ፍጽምና ምስ በጽሐ ንዚህልዎ ዓቕሚ ናይ ምርኣይ ሓለፍ ዝበለ ኽእለት ኣለዎ። ነቲ ዛጊት በጺሖምዎ ዘለዉ መንፈሳዊ ዕቤት እውን ይፈልጦ እዩ። ስለዚ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጋዊ ድኽመታት ኬተኵር ኣየድልዮን እዩ። ኣብ መዝሙር 103:12 “ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ: ከምኡ ንኣበሳና ኻባና ኣርሐቖ” ዚብል ነንብብ። ነዝስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስወሉ!—መዝ. 130:3

7. ካብቲ የሆዋ ንዳዊት ዝረኣየሉ መገዲ እንታይ ንመሃር፧

7 የሆዋ ነቲ ሰባት ዘለዎም ጽቡቕ ባህርይ ብምርኣይ ዝመጸ ሓለፍ ዝበለ ኽእለት ከም ዘለዎ: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት መርትዖ ንረክብ ኢና። ኣምላኽ ብዛዕባ ዳዊት: “ትእዛዛተይ ዝሐለወ ኣብ ቅድመይ ከኣ ቅኑዕ ዘበለ ጥራይ ኪገብር: ብምሉእ ልቡ ዝሰዐበኒ” ኢሉ ተዛረበ። (1 ነገ. 14:8) ሓቂ እዩ: ዳዊት ሓድሓደ ጌጋታት ገይሩ እዩ። ኰይኑ ግን: የሆዋ: ልቢ ዳዊት ቅኑዕ ምዃኑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ: ኣብቲ ጽቡቕ ነገራት ኬተኵር መረጸ።—1 ዜና. 29:17

ንኣሕዋትካ ኸምቲ የሆዋ ዚርእዮም ጌርካ ርኣዮም

8, 9. (ሀ) ንየሆዋ ኽንመስሎ እንኽእለሉ መገድታት እንታይ እዩ፧ (ለ) እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ዚገልጽ መብርሂ ኽንህብ ንኽእልዶ፧ ካብዚኸ እንታይ ንመሃር፧

8 የሆዋ ልቢ ኼንብብ ይኽእል እዩ: ንሕና ግን ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ሓቂ እዚ: ንኸይንፈርድ እኹል ምኽንያት ይዀነና። ንዅሉ እቲ ኻልእ ሰብ ዘለዎ ውሽጣዊ ድራኸ ኣይንፈልጦን ኢና። ኣብቲ ውዒሉ ሓዲሩ ዚጠፍእ ዘይፍጽምና ኣቓልቦ ብዘይ ምግባር ንየሆዋ ኽንመስሎ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። ኣብዚ መዳይ እዚ ንዕኡ ኽንመስሎ ጻዕሪ ምግባርሲ ሰናይ ሸቶ ደይኰነን፧ ከምዚ ምግባርና: ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሰላማዊ ርክብ ንኺህልወና ኣበርክቶ ይገብር።—ኤፌ. 4:23, 24

9 ነዚ ንምብራህ: ንሓንቲ እተበላሸወት ቤት እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል፣ እቲ መሽረብ ማይ ዝወደቐ: መስኰታ እተሰብረ: ናሕሳ ብማይ ዝበስበሰ እዩ። መብዛሕትኦም ሰባት ነዛ ቤት እዚኣ ኸም ተካል ትርኢት ገይሮም ስለ ዚርእይዋ: ክትፈርስ ከም ዘለዋ ይድምድሙ። ካብዚ እተፈልየ ኣረኣእያ ዘለዎ ሰብ ግን: ክንዮ እቲ ደጋዊ ትርኢት እዛ ቤት ብምርኣይ: እቲ መዋቕራ ድልዱል ስለ ዝዀነ ኽትዕረ ኸም እትኽእል ይድምድም። ነታ ቤት ዓዲጉ ኣብ ደጋዊ ትርኢታ ቝሩብ ምትዕርራይ ድሕሪ ምግባር ድማ ንመልክዓ የመሓይሾ። ድሕሪኡ: ብእኡ ዚሓልፉ ሰባት: እታ ቤት ኣዝያ ባህ እተብል ምዃና ይዛረቡ። ነቲ ነዛ ቤት ናብቲ ዝነበረቶ ንምምላስ ዝዓየየ ሰብ ክንመስሎ ንኽእልዶ፧ ኣብ ደጋዊ ኣበር ኣሕዋትና ኣብ ክንዲ እነተኵር: ኣብቲ ጽቡቕ ባህርያቶምን መንፈሳዊ ዕቤት ንምግባር ኣብ ዘለዎም ዓቕምን ከነተኵር ንኽእልዶ፧ ከምዚ እንተ ጌርና: ልክዕ ከም የሆዋ: ነቲ ኣሕዋትና ዘለዎም መንፈሳዊ ጽባቐ ብምርኣይ ከነፍቕሮም ኢና።—እብራውያን 6:10 ኣንብብ።

10. እቲ ኣብ ፊልጲ 2:3, 4 ዚርከብ ምኽሪ ኺሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

10 ሃዋርያ ጳውሎስ ምስቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ሰባት ጽቡቕ ርክብ ንኺህልወና ዚሕግዝ ምኽሪ ሂቡ ኣሎ። ንክርስትያናት ከምዚ ኢሉ ተማሕጸኖም:- “ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዐመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ: ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርአዮ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር: ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት።” (ፊል. 2:3, 4) ትሕትና ብዛዕባ ኻልኦት ግቡእ ኣረኣእያ ንኺህልወና ትሕግዘና እያ። ንኻልኦት ዚሕሾም ምጥማትናን ኣብቲ ጽቡቕ ባህርያቶም ምስትብሃልናን እውን ከምቲ የሆዋ ዚርእዮም ጌርና ንኽንርእዮም ይሕግዘና።

11. ከመይ ዝበለ ለውጥታት እዩ ንገሊአን ጉባኤታት ዚጸልወን ዘሎ፧

11 ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ መላእ ዓለም እተራእየ ምዕባለታት: ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኸም ዚግዕዙ ገይርዎም እዩ። ሎሚ ገሊአን ከተማታት በቶም ካብ እተፈላለየ ሃገራት ዝመጹ ሰባት መሊአን ኣለዋ። ናብቲ እንነብረሉ ቦታ ዝመጹ ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ኣለዎም: ምሳና ብሓባር ኰይኖም ድማ ንየሆዋ የምልኽዎ። እዚኣቶም “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን” ዝመጹ እዮም። (ራእ. 7:9) ስለዚ: መብዛሕትኡ ግዜ ጉባኤታት በቶም ካብ እተፈላለየ ሃገራት ዝመጹ ሰባት ዝቘማ እየን።

12. ንሓድሕድና ኸመይ ዘበለ ኣረኣእያ እዩ ኺህልወና ዚግባእ፧ ሓድሓደ ግዜ ኸምዚ ምግባር በዳሂ ኪኸውን ዚኽእልከ ስለምንታይ እዩ፧

12 ኣብ ጉባኤና ነቲ ግቡእ ኣረኣእያና ኣብ ምዕቃብ ዝያዳ ኣትኵሮ ምግባርና ኣገዳሲ እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ‘ግብዝና ዜብላ ፍቕሪ ኣሕዋት’ ከነርእን ‘ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድና ብሓቂ ኽንፋቐርን’ ዝሃቦ ምኽሪ ኣብ ግምት ከነእትዎ ኸም ዘሎና የዘኻኽረና። (1 ጴጥ. 1:22) ኣብታ ኻብ እተፈላለየ ሃገራት ዝመጹ ሰባት ዚርከቡላ ጉባኤ: ናይ ሓቂ ፍቕሪ ምምዕባል በዳሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ባህሊ እቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኸምኡውን ትምህርታውን ቍጠባውን ዓሌታውን ድሕረ-ባይታኦም ካብቲ ናትና ኣዝዩ እተፈልየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነቲ ኻልኦት ሰባት ዘለዎም ኣተሓሳስባን ዚህብዎ ምላሽን ምርዳእ ይኸብደካዶ፧ ንሳቶም እውን ብዛዕባኻ ኸምኡ ይስምዖም ይኸውን። ይኹን እምበር: ኵላትና: “ሕውነት ኣፍቅሩ” ተባሂልና ተኣዚዝና ኣሎና።—1 ጴጥ. 2:17

13. ኣብ ኣተሓሳስባና ኸመይ ዝበለ ምትዕርራይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

13 ነታ ንኣሕዋትና ዘላትና ፍቕሪ ንኸነግፍሓ: ገለ ምትዕርራያት ክንገብር የድልየና ይኸውን። (2 ቈረንቶስ 6:12, 13 ኣንብብ።) ሓድሓደ ግዜ: ንገሊኦም ዓሌት ጠቒስና: “ኣይጸልኦምን እየ: ግን . . . ” ብምባል ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ዓሌት ልሙድ ኢልና ዝሓሰብናዮ ኣሉታዊ ባህርያት ንዛረብዶ፧ ከምዚ ዓይነት ዘረባ: ነቲ ዛጊት ኣብ ውሽጥና ዘሎ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኽንምሕዎ ኸም ዘሎና ዜርኢ እዩ። ‘ካብቲ ናተይ እተፈልየ ባህሊ ንዘለዎም ሰባት ክፋለጥ ቀጻሊ ጻዕሪ እገብር ድየ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ ንርእስና ምምርማርና: ነቲ ዓለምለኻዊ ሕውነት ኣኽቢርና ንኽንርእዮን ንኸነማስወሉን ይሕግዘና።

14, 15. (ሀ) ካብቶም ብዛዕባ ኻልኦት ንዝነበሮም ኣረኣእያ ዘተዓራረዩ ኣብነታት ሃብ። (ለ) ብኸመይከ ኽንመስሎም ንኽእል፧

14 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ምትዕርራይ ዝገበሩ ሰባት ዚገልጽ ሰናይ ኣብነት ይህብ እዩ፣ ሓደ ኻብዚኣቶም ሃዋርያ ጴጥሮስ እዩ። ጴጥሮስ ኣይሁዳዊ ብምንባሩ ናብ ቤት ኣህዛብ ኣይኣቱን እዩ ነይሩ። ንሓደ ኻብ ወገን ኣህዛብ ዝዀነ ቆርኔሌዎስ ዝስሙ ዘይተገዝረ ሰብኣይ ኪበጽሖ ምስ ተነግሮ እንታይ ከም እተሰምዖ እሞ ገምቶ! ኵሎም ኣህዛብ ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኪዀኑ ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ተረዲኡ ምትዕርራይ ገበረ። (ግብ. 10:9-35) እቲ ደሓር ሃዋርያ ጳውሎስ ብዚብል ስም ዚፍለጥ ዝነበረ ሳውል እውን ለውጢ ኺገብርን ካብ ጽልኢ ኺርሕቕን ነበሮ። “ነታ ማሕበር ኣምላኽ ብዘይ ልክዕ ከም ዝሰጐጕክዋን ዘዕኖኽዋን” ኢሉ ብምዝራብ ንክርስትያናት ኣዝዩ ይጸልኦም ምንባሩ ገለጸ። ጐይታና የሱስ መአረምታ ምስ ሃቦ ግን: ዓብዪ ለውጢ ገበረ: ካብቶም ቀደም መስጐጕቲ ዜውርደሎም ዝነበረ ሰባት እውን ከይተረፈ መምርሒ ኪቕበል ጀመረ።—ገላ. 1:13-20

15 ብሓገዝ መንፈስ የሆዋ: ንኣረኣእያና ኸነተዓራሪ ኸም እንኽእል ኣየጠራጥርን እዩ። ኣብ ውሽጥና ተረፍ መረፍ ጽልኢ ኸም ዘሎ እንተ ፈሊጥና: ንኸነወግዶን ‘ነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ጌርና ኽንሕልውዎን’ ጻዕሪ ንግበር። (ኤፌ. 4:3-6) መጽሓፍ ቅዱስ: “ፍቕሪ: ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ: ልበስዋ” ኢሉ የተባብዓና።—ቈሎ. 3:14

ኣብ ኣገልግሎትና ንየሆዋ ንምሰሎ

16. ንኣህዛብ ብዚምልከት ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧

16 ሃዋርያ ጳውሎስ: “ኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ ገጽ የልቦን” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 2:11) ዕላማ የሆዋ: ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኣምልኾኡ ኺጠቓለሉ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4 ኣንብብ።) ነዚ ንምፍጻም ኢሉ ድማ “ናይ ዘለኣለም ወንጌል” “ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን” ኪስበኸሎም መሰናድዎ ገበረ። (ራእ. 14:6) የሱስ: “እታ ግራት ከኣ ዓለም እያ” ኢሉ ኣሎ። (ማቴ. 13:38) እዚ ንዓኻን ንስድራ ቤትካን እንታይ ኣገዳስነት ኣለዎ፧

17. ንዅሎም ሰባት ክንሕግዞም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

17 ኵሉ ሰብ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ካልኦት ንምብጻሕ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኪኸይድ ኣይክእልን እዩ። ይኹን እምበር: ነዚ መልእኽቲ እዚ ናብቶም ኣብ ክልና ዚርከቡ ኻብ እተፈላለየ ኽፋላት ምድሪ ዝመጹ ሰባት ከነብጽሖ ንኽእል ኢና። ነቶም ንዓመታት ዝሰበኽናሎም ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ: ንዅሎም ሰባት ምስክርነት ንምሃብ ንእንረኽቦ ኣጋጣሚ ንጥቀመሉ ዲና፧ ስለምንታይ ነቶም ምሉእ ምስክርነት ዘይተዋህቦም ሰባት ክትረኽቦም ቈራጽነት ዘይትገብር፧—ሮሜ 15:20, 21

18. የሱስ ንኻልኦት ይሓሊ ኸም ዝነበረ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

18 የሱስ ንዅሎም ሰባት ኪሕግዝ ከም ዘለዎ ይርዳእ ነበረ። ኣብ ሓደ ኸባቢ ጥራይ ኣይኰነን ዚሰብኽ ነይሩ። ሓደ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሕብሮ: “ኣብ ኵሉ ኸተማታትን ኣብ ኵሉ ዓድታትን . . . ይዘውር ነበረ።” እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ: “ብዙሓት ህዝቢ ምስ ረአየ: . . . ደንገጸሎም” ድሕሪ ምባል: እቶም ህዝቢ ሓገዝ ከም ዜድልዮም ምዝራቡ ይገልጽ።—ማቴ. 9:35-37

19, 20. ነቲ የሆዋን የሱስን ንዅሎም ሰባት ብዚምልከት ዘለዎም ተገዳስነት ከነንጸባርቕ እንኽእለሉ መገድታት እንታይ እዩ፧

19 ንስኻኸ ተመሳሳሊ ነገር ክትገብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ገሊኦም ኣብቲ ብተደጋጋሚ ዘይተሸፈነ ኽፋል እቲ ኽሎም ንምምስካር ጻዕሪ ገይሮም እዮም። እዚ ኸኣ ኣብ ቦታታት ስራሕ: ኣብ ደው መበሊ ማካይን: ኣብ መደበር መጐዓዝያ: ወይ ከኣ ኣብ ኣፍደገ እቲ ብቐሊሉ ኽትኣትዎ ዘይትኽእል መንበሪ ህንጻታት ኴንካ ምምስካር ዜጠቓልል እዩ። ገሊኦም ከኣ ነቶም ኣብ ከባቢኦም ዚነብሩ ወይ ነቶም ብዙሕ ሳዕ ዘይተሰብከሎም ዓሌታት ንምምስካር: ሓድሽ ቋንቋ ኺመሃሩ ጻዕሪ ገይሮም እዮም። ነቶም ሰባት ብቛንቋ ኣዴኦም ሰላም ምባል: ክሳዕ ክንደይ ከም እትሓልየሎም ዜርኢ እዩ። ካልእ ቋንቋ ኽንመሃር ዘይንኽእል እንተ ዄንና: ነቶም ዚመሃሩ ዘለዉ ኸነተባብዖም ንኽእልዶ፧ ብዛዕባ እቲ ኻልኦት ዚገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኺህልወና የብሉን፣ ነቶም ካብ ካልእ ሃገር ዝመጹ ንምስባኽ ኢሎም ዚገብርዎ ጻዕሪ ድማ ኣብ ሕቶ ኸነእትዎ የብልናን። ኵሉ ህይወት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር እዩ: ንሕና ድማ ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ።—ቈሎ. 3:10, 11

20 ንሰባት ከምቲ ኣምላኽ ዚርእዮም ጌርካ ምርኣይ ኪበሃል ከሎ: ኵነታቶም ብዘየገድስ ንዅሎም ምስባኽ ማለት እዩ። ገሊኦም መዕቈቢ ዘይብሎም: ወዛላት: ወይ ዘይስነ-ምግባራዊ ህይወት ዚነብሩ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ሰብ ብሕያውነት ስለ ዘይሓዘና: ብዛዕባ ዜግነቱ ወይ ዓሌቱ ኣሉታዊ ኣረኣእያ እንሕዘሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብልናን። ገሊኦም ሰባት ንጳውሎስ ይገፍዕዎ እኳ እንተ ነበሩ: እቲ ዘውረዱሉ ግፍዒ ግን ነቶም ሰባት እቲኣቶም ካብ ምስባኽ ኪኽልክሎ ኣይፈቐደን። (ግብ. 14:5-7, 19-22) ከመይሲ: ገሊኦም ውልቀ-ሰባት ብሞሳ ተደሪኾም ምላሽ ከም ዚህቡ ተስፋ ነበሮ።

21. ንኻልኦት ከምቲ የሆዋ ዚርእዮም ጌርና ምርኣይና ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

21 ምስቶም ምሳና ዘለው ኣሕዋት: ምስ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትና: ከምኡውን ምስቶም ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት ኣብ ዘሎና ርክብ: ግቡእ ኣረኣእያ: ማለት ኣረኣእያ የሆዋ ኺህልወና ኸም ዘለዎ ኣዝዩ ንጹር ኰይኑልና ኣሎ። ንኣረኣእያ የሆዋ ብዘንጸባረቕና መጠን: ሰላምን ሓድነትን ንኺህሉ ጽልዋ ንገብር። ሰባት ነቲ ን“ዅላቶም ተግባር ኢዱ” ፍቕራዊ ተገዳስነት ዜርኢ ‘ዘየዳሉ’ የሆዋ ኣምላኽ ንኪቐርብዎ ኣብ ምሕጋዝ ድማ ዝሓሸ ኽእለት ይህልወና።—እዮ. 34:19

ክትምልሶዶ ምኸኣልካ፧

• ብዛዕባ ኣሕዋትና ኺህልወና ዘይግባእ ኣረኣእያ ኸመይ ዝበለ እዩ፧

• ንኣሕዋትና ዘሎና ኣረኣእያ ብዚምልከት ንየሆዋ ኽንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ንዓለምለኻዊ ሕውነትና ኺህልወና ብዛዕባ ዘለዎ ኣረኣእያ እንታይ ተማሂርካ፧

• ኣብ ኣገልግሎት ነቲ የሆዋ ንኻልኦት ዘለዎ ኣረኣእእያ ኽንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ነቶም ካብ ካልእ ሃገር ዝመጹ ሰባት ክትፈልጦም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ነቲ ብስራት ናብ ብዙሓት ሰባት ከተብጽሖ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧