ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣብ ማእከልኩምከ ለባምን ኣስተውዓልን መን እዩ፧”

“ኣብ ማእከልኩምከ ለባምን ኣስተውዓልን መን እዩ፧”

“ኣብ ማእከልኩምከ ለባምን ኣስተውዓልን መን እዩ፧”

“ኣብ ማእከልኩምከ ለባምን ኣስተውዓልን መን እዩ፧ ንሱ ብሰናይ ኣኻይዳኡ ብለውሃት ጥበብ ገይሩ ግብሩ የርኢ።”—ያእ. 3:13

1, 2. ብዛዕባ እቶም ከም ጥበበኛታት ጌርካ ዚረኣዩ ብዙሓት ሰባት እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧

 ንመን ኢኻ ኸም ጥበበኛ ጌርካ እትርእዮ፧ ምናልባት ንወለድኻ ዲኻ፧ ብዕድመ ንዝደፍአ ሰብኣይ ዲኻ፧ ወይስ ንሓደ ናይ ኮሌጅ ፕሮፌሰር፧ መን ጥበበኛ ምዃኑ ዘሎካ ኣረኣእያ ብኣተዓባብያኻን ብዅነታትካን ኪጽሎ ይኽእል እዩ። ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ዜገድሶም ግን: እቲ ኣምላኽ ዘለዎ ኣረኣእያ እዩ።

2 ኵሎም እቶም ዓለም ከም ጥበበኛታት ገይራ እትርእዮም ሰባት: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ናይ ብሓቂ ጥበበኛታት ኣይኰኑን። ንኣብነት: እዮብ ነቶም ቃላት ጥበብ ዚዛረቡ ዀይኑ ዚስምዖም ዝነበረ ሰባት: “ሓደ ጠቢብ እኳ ኣይረኽበልኩምን እየ” በሎም። (እዮ. 17:10) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ንፍልጠት ኣምላኽ ዚነጽግዎ ሰባት: “ለባማት ኢና እናበሉ ዐሸዉ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 1:22) የሆዋ ድማ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ: “እቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ጠቢባን: . . . ወይለኦም” ኢሉ ተዛረበ።—ኢሳ. 5:21

3, 4. ሓደ ሰብ ናይ ብሓቂ ጥበበኛ ንኪኸውን እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧

3 ስለዚ: ሓደ ሰብ ናይ ብሓቂ ጥበበኛ ብምዃን ሞገስ ኣምላኽ ከም ዚረክብ ዚገብሮ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ኣሎና። ምሳሌ 9:10 “መጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሄር ምፍራህ እዩ: ነቲ ቅዱስ ምፍላጥ ከኣ ምስትውዓል እዩ” ብምባል ከነስተብህለሉ ዚግባእ ሓሳብ ትህብ። ጥበበኛ ሰብ ግቡእ ፍርሃት ኣምላኽ ኪህልዎ ንመለክዒታቱ ድማ ብኣኽብሮት ኪርእዮ ኣለዎ። ይኹን እምበር: ንህልውናን መገድታትን ኣምላኽ ጥራይ ምፍላጥ እኹል ኣይኰነን። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር: ነዚ ብዚምልከት ንኣተሓሳስባና ዜነቓቕሕ ሓሳብ ሂቡ ኣሎ። (ያእቆብ 3:13 ኣንብብ።) ነታ “ብሰናይ ኣኻይዳኡ . . . ገይሩ ግብሩ የርኢ” እትብል ሓረግ ኣስተብህለላ። ናይ ሓቂ ጥበብ ኣብቲ መዓልታዊ እትገብሮን እትብሎን ነገራት ክትርአ ኣለዋ።

4 ናይ ሓቂ ጥበብ: ምምዝዛን ከምኡውን ንፍልጠትን ምርዳእን ብግቡእ ኣብ ግብሪ ምውዓል ተጠቓልል። እዛ ጥበብ እዚኣ ኸም ዘላትና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ ያእቆብ: እቶም ጥበበኛታት ኣብ ተግባራቶም ዜርእይዎ ብዙሕ ነገራት ጠቒሱ ኣሎ። a ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትናን ምስቶም ካብ ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ ሰባትን ጽቡቕ ርክብ ንኺህልወና ዚሕግዝ እንታይ ሓሳባት ሂቡ ኣሎ፧

ናይ ሓቂ ጥበበኛ ብተግባሩ ይፍለጥ

5. ሓደ ናይ ብሓቂ ጥበበኛ ዝዀነ ሰብ ብኸመይ እዩ ዚመላለስ፧

5 ያእቆብ ንጥበብ ምስ ሰናይ ኣኻይዳ ኸም ዘተሓሓዛ ኣስተብህል። ንየሆዋ ምፍራህ መጀመርታ ጥበብ ስለ ዝዀነ: ሓደ ጥበበኛ ሰብ ንርእሱ ምስ መገድታትን መለክዒታትን ኣምላኽ ኣሰማሚዑ ኺመላለስ ጻዕሪ ይገብር። ሓቂ እዩ: ጥበብ ኣምላኽ ሒዝና ኣይኰንናን ተወሊድና። ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባርን ብምስትንታንን ግን ነዚ ጥበብ እዚ ኽንረኽቦ ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ ከምቲ ኣብ ኤፌሶን 5:1 ተገሊጹ ዘሎ “ሰዓብቲ ኣምላኽ” ክንከውን ይሕግዘና። ምስ ባህርያት ኣምላኽ ተሰማሚዕና ብእተመላለስና መጠን: እታ ጥበብ ብዝያዳ ኣብ ተግባርና ኽትርአ እያ። መገድታት የሆዋ ኻብ ሰብኣዊ መገድታት ኣዝዩ ዝበለጸ እዩ። (ኢሳ. 55:8, 9) ስለዚ: ንተግባራት የሆዋ ኽንቀድሖ ኸለና: እቶም ኣብ ወጻኢ እታ ጉባኤ ዘለዉ ሰባት ካብ ካልኦት ፍልይ ዝበልና ምዃንና ኼስተውዕሉ እዮም።

6. ለውሃት: ምልክት ፍርሃት ኣምላኽ ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ እዛ ባህርይ እዚኣኸ እንታይ ተጠቓልል፧

6 ያእቆብ: “ብለውሃት ጥበብ” ከነርኢ ኸለና ንየሆዋ ኸም እንመስሎ ገሊጹ ኣሎ። ለውሃት: ሕያውነት ዘጠቓለለት እኳ እንተ ዀነት: ስነ-ምግባራዊ ብርታዐ እውን ተርኢ እያ፣ እዚ ኸኣ ብሚዛናዊ መገዲ ንኽትመላለስ ይሕግዝ። ኣምላኽ ደረት ኣልቦ ብርታዐ እኳ እንተ ኣለዎ: ለዋህ ስለ ዝዀነ ግን ናብኡ ምቕራብ ኣየፍርሃናን እዩ። ወዲ ኣምላኽ እውን ነታ ኣቦኡ ዜርእያ ለውሃት ብዚግባእ ስለ ዘንጸባረቓ: “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት: ኣርዑተይ ፈኵሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ: ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ: ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም” ኪብል ከኣለ።—ማቴ. 11:28, 29፣ ፊል. 2:5-9

7. ሙሴ ለውሃት ብምርኣይ ዝመጸ ሰናይ ኣብነት ዚዀነና ብኸመይ እዩ፧

7 መጽሓፍ ቅዱስ: ለውሃት ብምርኣይ ዝመጸ ሓለፍ ዝበሉ ኣብነታት ይጠቅስ እዩ። ሓደ ኻብዚኣቶም ሙሴ እዩ። ሙሴ ኸቢድ ሓላፍነታት እኳ እንተ ነበሮ: “ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ዓቃል” ወይ “ትሕትና ዝመልኦ” (ትርጕም 1990) ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። (ዘሁ. 11:29፣ 12:3) ሙሴ ፍቓድ የሆዋ ንኺፍጽም ብርታዐ ኸም እተዋህቦ ኣይትረስዕ። የሆዋ ዕላማኡ ንኺፍጽም ኢሉ: ንለዋሃት ውልቀ-ሰባት ተሓጒሱ ይጥቀመሎም እዩ።

8. ዘይፍጹማት ሰባት “ብለውሃት ጥበብ” ኬርእዩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

8 ስለዚ: ዘይፍጹማት ሰባት እውን እንተ ዀኑ “ብለውሃት ጥበብ” ኬርእዩ ይኽእሉ እዮም። ንሕናኸ ነዛ ባህርይ እዚኣ ብምርኣይ ዝመጸ ምምሕያሽ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ለውሃት ክፋል ፍረ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ እያ። (ገላ. 5:22, 23) ኣምላኽ ነዛ ባህርይ እዚኣ ብምርኣይ ዝመጸ ምምሕያሽ ንኸነርኢ ኸም ዚሕግዘና ብምትእምማን: መንፈሱ ኺህበና ኽንጽልን ነቲ እቲ መንፈሱ ዜፍርዮ ፍረ ኸነፍሪ ጻዕሪ ኽንገብርን ኣሎና። እቲ “[ኣምላኽ] ንትሑታትውን መገዱ ኼስተምህሮም እዩ” ዚብል ቃላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር: ከምዚ ንኽንገብር የተባብዓና እዩ።—መዝ. 25:9

9, 10. ለውሃት ኣምላኽ ንኸነርኢ ኸመይ ዝበለ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና፧ ስለምንታይከ፧

9 ይኹን እምበር: ኣብዚ መዳይ እዚ ምምሕያሽ ንምግባር ጻዕሪ የድሊ። ብሰንኪ ኣተዓባብያና: ገሌና ለውሃት ከነርኢ ይጽግመና ይኸውን። ብዘይካዚ ኣብ ከባቢና ዚርከቡ ሰባት: ንሓዊ ብሓዊ ኽንምልስ ብምድራኽ ለውሃት ንኸይነርኢ የተባብዑና ይዀኑ። እዚ ኣረኣእያ እዚ ግን ጥበባዊ ድዩ፧ ቤትካ ብሓዊ ምስ ዚነድድ: ብዘይቲ ዲኻ እተጥፍኦ ወይስ ብማይ፧ ዘይቲ ምኽዓው ነቲ ሓዊ መሊሱ እዩ ዜጋድዶ: ማይ ምኽዓዉ ግን ኬጥፍኦ ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ: መጽሓፍ ቅዱስ: “ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦ: ተሪር ቃል ግና ኵራ የልዕል” ኢሉ ይመኽረና። (ምሳ. 15:1, 18) ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ እታ ጉባኤ: ዜሕርቕ ነገራት ኬጋጥም ከሎ: ለውሃት ብምርኣይ ናይ ሓቂ ጥበብ ከም ዘሎና ነርኢ ዲና፧—2 ጢሞ. 2:24

10 ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ: እቶም ብመንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ እተጸልዉ ሰባት: ሕያዎትን ሰላማውያንን ህዱኣትን ኣይኰኑን። የግዳስ: ጨካናትን ዕቡያትን ሰባት እዮም በዚሖም ዘለዉ። ያእቆብ ነዚ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ እዩ: እቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ውልቀ-ሰባት በዚ መንፈስ እዚ ኸይብከሉ ዘጠንቀቐ። ካብቲ ዝሃቦ ምዕዶ እንታይ ተወሳኺ ትምህርቲ ኽንመሃር ንኽእል፧

ዓሻ ሰብ ዜርእዮ ባህርያት

11. ምስ ጥበብ ኣምላኽ ዚጋጮ ባህርያት ኣየናይ እዩ፧

11 ያእቆብ ብዛዕባ እቲ ምስ ጥበብ ኣምላኽ ዚጋጮ ባህርያት ብግህዶ ጽሒፉ ኣሎ። (ያእቆብ 3:14 ኣንብብ።) ቅንእን ሻራን መንፈሳዊ ዘይኰነስ: ስጋዊ ባህርያት እዩ። ስጋዊ ኣተሓሳስባ ኺዕብልል ከሎ እንታይ ከም ዜጋጥም እሞ ርአ። ነቲ ኣብ የሩሳሌም ኣብቲ የሱስ ሞይትሉን ተቐቢሩሉን ተባሂሉ ዚሕሰብ ቦታ እተሃንጸ ቕዱስ መቓብር ዚርከበሉ ቤተ ክርስትያን: ሸዱሽተ ጕጅለታት “ክርስትያን” እየን ዜመሓድራኦ። እቲ ኣብ መንጎ እዘን ጕጅለታት ዝነበረ ርክብ ኣዝዩ ሓርፋፍ እዩ። ብ2006 እቲ ታይም ዚበሃል መጽሔት ንሓደ ኣቐዲሙ ዘጋጠመ ፍጻመ ኺገልጽ ከሎ: እቶም ፈለስቲ “ንሰዓታት ተቛየቑ: . . . ንሓድሕዶም ድማ ብዓብዪ መትሓዚ ሽምዓ ተዛበጡ” በለ። እቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ዘይምትእምማን ኣዝዩ ስለ ዝሰፍሐ: መፍትሕ እታ ቤተ ክርስትያን ንእስላም ተዋሂቡ ኸም ዚመሓደር ተገብረ።

12. ጥበብ ኪጐድለና ኸሎ: እንታይ እዩ ኼጋጥመና ዚኽእል፧

12 ከምዚ ዓይነት ሻራ ወይ ባእሲ: ኣብታ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኺርአ የብሉን። ይኹን እምበር: ገሊኦም ሰባት ብሰንኪ ዘይፍጽምና: ንቕጽና የርእዩ እዮም። እዚ ኸኣ ናብ ቈየቛን ባእስን እዩ ዚመርሕ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ጉባኤ ኸምዚ ዝበለ ባህርይ ርእዩ ነበረ፣ “ቅንእን ባእስን ካብ ዚህልወኩምሲ: ስጋውያን ምኻንኩምዶ ኣይኰነን፧ ከም ባህሊ ሰብዶ ትኸዱ ኣየሎኹምን፧” ኢሉ ድማ ጸሓፈሎም። (1 ቈረ. 3:3) እዚ ዜሕዝን ኵነታት ኣብታ ጉባኤ ንእተወሰነ እዋን ቀጺሉ እዩ። ስለዚ: ከምዚ ዝበለ መንፈስ ናብታ ኣብዚ እዋን እዚ ዘላ ጉባኤ ኸይኣቱ ኽንጥንቀቕ ኣሎና።

13, 14. ስጋዊ መንፈስ ብዛዕባ ዚረኣየሉ ዅነታት ዚሕብር ኣብነት ሃብ።

13 ከምዚ ዓይነት መንፈስ ከመይ ኢሉ እዩ ዚኣቱ፧ ንኣሽቱ ብዚመስል ጕዳያት ኪጅምር ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪህነጽ ከሎ: ሓድሓደ ነገራት ብኸመይ ኪግበር ከም ዘለዎ እተፈላለየ ኣረኣእያ ይህሉ ይኸውን። ሓደ ሓው እቲ ንሱ ዘቕረቦ ርእይቶ ተቐባልነት እንተ ዘይረኺቡ: ይከራኸርን ነቲ እተገብረ ውሳነ ይነቕፎን ይኸውን። ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ኣብቲ ህንጸት ምስራሕ ይኣቢ ይኸውን። ከምዚ ዚገብር ሰብ: ነታ ጉባኤ ዜድሊ ዕዮታት: ኣብቲ ኣሰራርሓ ዘይኰነስ: ኣብቲ ሰላማዊ መንፈስ እታ ጉባኤ ኸም ዚምርኰስ ረሲዕዎ ኣሎ ማለት እዩ። የሆዋ ንልኡም መንፈስ እምበር: ንሻራ ወይ ንቘየቛ ኣይባርኾን እዩ።—1 ጢሞ. 6:4, 5

14 ካልእ ኣብነት ከኣ: ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታት: ሓደ ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገለ ሽማግለ ኣብዚ እዋን እዚ ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ከም ዘየማልኦ ኣስተውዓሉ ንበል። እቲ ኺበጽሖም ዝመጸ ሓላው ወረዳ: ቅድሚ ሕጂ ነቲ ሓው ንጹር ምኽሪ ተዋሂብዎ ዘይምምሕያሹ ብምስትብሃል: ምስቲ ኻብ ሓላፍነቱ ኺወርድ ዝቐረበ እማመ ይሰማማዕ። እቲ ሽማግለ ነዚ ብኸመይ ኪርእዮ ኣለዎ፧ ነቲ እቶም ሽማግለታት ብምሉእ ድምጺ ዝገበርዎ ውሳነን ዚህብዎ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽርን ብትሕትናን ብለውሃትን ተቐቢሉ ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ኬማልእ ድዩ ቘራጽነት ዚገብር፧ ወይስ ነቲ ቕድሚ ሕጂ ዝነበሮ ሓላፍነት ስለ ዝሰኣነ: ቂም እዩ ዚሕዝ፧ ስለምንታይ እሞ እዩ ሽማግለ ኪኸውን ብቑዕ ዘይኰነ ኽነሱ: ሽማግለ ኪኸውን ዚደሊ፧ ትሑት ኪኸውንን ነቲ ነገር ኪርድኦንሲ ኽሳዕ ክንደይ ጥበባዊ ዀን እዩ!

15. እቲ ኣብ ያእቆብ 3:15, 16 ዘሎ መንፈስ ዝነፈሶ ምኽሪ ግቡእ ኰይኑ ዚስምዓካ ስለምንታይ እዩ፧

15 ሓቂ እዩ: ከምዚ ዓይነት ባህርይ ዚረኣየሉ ኻልእ መገድታት ኪህሉ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ዝዀነ ይኹን ነገር የጋጥመና ብዘየገድስ: ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርይ ከነርኢ የብልናን። (ያእቆብ 3:15, 16 ኣንብብ።) ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ንኸምዚ ዓይነት ባህርይ: ስጋውን ካብ መንፈሳዊ ነገራት ዝረሓቐን ስለ ዝዀነ: ‘ምድራዊ’ ኢልዎ ኣሎ። ካብ ዘይመንፈሳዊ ዝንባለታት ዚመጽእን ልክዕ ከምቶም ዘየመዛዝኑ እንስሳታት ዚገብርዎን ስለ ዝዀነ ድማ ‘ስጋዊ’ እዩ። ብዘይካዚ ንባህርያት እቶም መንፈሳውያን ጸላእቲ ኣምላኽ ዜንጸባርቕ ስለ ዝዀነ: ‘ሰይጣናዊ’ እውን እዩ። ሓደ ክርስትያን ከምዚ ዝበለ ባህርያት ኬርኢ ኣይግባእን።

16. ከመይ ዝበለ ምትዕርራያት ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ክንዕወት እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

16 ነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ጉባኤ: ንርእሱ ኺምርምርን ንኸምዚ ዓይነት ባህርያት ኬልግሶ ኺጽዕርን ኣለዎ። ሓለውቲ ኣብታ ጉባኤ መምህራን ከም ምዃኖም መጠን: ንርእሶም ካብ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኼርሕቑ ኣለዎም። ዘይፍጽምናን ጽልዋ እዛ ዓለምን እዚኣን ስለ ዘሎ: ኣብዚ መዳይ እዚ ኽንዕወት ቀሊል ኣይኰነን። ከምዚ ምግባር: ናብ ሓደ ጭቃ ዝመልኦን ሸታሕታሕ ዜብልን ጎቦ ምስ ምድያብ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ኣብቲ ጕዕዞና እንጭብጦ ነገር ዘይብልና እንተ ዀይኑ: ሸታሕታሕ ኢልና ንድሕሪት ንምለስ። ስለዚ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ኸምኡውን ነቲ ኻብታ ኣብ መላእ ዓለም እትርከብ ጉባኤ ኣምላኽ ዚርከብ ሓገዝ ኣጥቢቕና ብምሓዝ: ንቕድሚት ክንጐዓዝ ንኽእል ኢና።—መዝ. 73:23, 24

ጥበበኛ ሰብ ኬርእዮ ዚደሊ ባህርያት

17. ሓደ ጥበበኛ ሰብ: እኩይ ነገራት ኪገብር ኪፍተን ከሎ እንታይ ምላሽ እዩ ኺህብ ዘለዎ፧

17 ያእቆብ 3:17 ኣንብብ። ነታ “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ብምንጽብራቕ ንዚርአ ባህርያት ምምርማርና ኺጠቕመና ይኽእል እዩ። ንጹህ ኪበሃል ከሎ: ብተግባርን ድራኸን ጽሩይን ዘይረኸሰን ምዃን ማለት እዩ። ንእኩይ ነገራት ብቕልጡፍ ክንነጽጎ ኣሎና። ነዚ ኸኣ ቅጽበታዊ ምላሽ ብምሃብ ኢና እንገብሮ። ምናልባት ሓደ ሰብ ብኣጻብዑ ዜንቍረካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ: ምእንቲ ኸየንቍረካ ብቕጽበት ትእለ ወይ ብኢድካ ጌርካ ኽትከላኸል ትፍትን። እዚ ሓሲብካ እትገብሮ ነገር ዘይኰነስ: ቅጽበታዊ እዩ። እኩይ ነገራት ንኽንፍጽም ክንፍተን ከለና እውን: ተመሳሳሊ ነገር ክንገብር ኣሎና። ንጽህናናን ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናናን ነቲ ሕማቕ ዝዀነ ነገራት ብቕጽበት ንኽንነጽጎ ኺደፋፍኣና ኣለዎ። (ሮሜ 12:9) መጽሓፍ ቅዱስ ንኸም እኒ ዮሴፍን የሱስን ዝኣመሰሉ ኸምዚ ዝገበሩ ሰባት ይጠቅስ እዩ።—ዘፍ. 39:7-9፣ ማቴ. 4:8-10

18. (ሀ) ሰላማዊ ምዃን: (ለ) ገባር ሰላም ምዃን: ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

18 ሓደ ኻብቲ ጥበብ ኣምላኽ ክንረክብ እንኽእለሉ መገዲ: ሰላማውያን ኴንና ኽንነብር ከለና እዩ። እዚ ኸኣ ካብ ቍጥዓ: ካብ ባእሲ: ወይ ከኣ ሰላም ካብ ዚዘርግ ተግባር ምርሓቕ ዘጠቓለለ እዩ። ያእቆብ “ነቶም ሰላም ዚገብሩውን እቲ ፍረ ጽድቂ ብሰላም ይዝርኦም እዩ” ብምባል ነዛ ነጥቢ እዚኣ ኣስፍሒዋ ኣሎ። (ያእ. 3:18) ነታ “ሰላም ዚገብሩ” እትብል ሓረግ ኣስተብህለላ። ኣብታ ጉባኤ ኸም ገበርቲ ሰላም ዲና እንፍለጥ ወይስ ከም ዘረግቲ ሰላም፧ ብተደጋጋሚ ምስ ካልኦት እንሰሓሓብ: ብቐሊሉ እንጕሂ ወይ ንኻልኦት እነጕሂ ዲና፧ ካልኦት ነቲ ባህርያትና ኪቕበልዎ ዲና ግዲ እንብሎም ወይስ ነቲ ዜጕሂ ባህርያትና ኸነወግዶ ኢና እንጽዕር፧ ቀልጢፍና ይቕረ ብምባልን ነቲ ኻልኦት ዝገበርዎ ጌጋታት ብምርሳዕን ሰላም ንኺሰፍን ጻዕሪ እንገብር ዓይነት ሰባት ዲና፧ ንርእስና ብሓቂ ምምርማርና: ኣብዚ መዳይ እዚ ጥበብ ኣምላኽ ብምርኣይ ዝመጸ ምምሕያሽ ንኽንገብር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

19. ሓደ ሰብ: ልኡም ምዃኑ ኼርኢ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

19 ያእቆብ: እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ልእምቲ ምዃና እውን ጠቒሱ ነበረ። እቲ ናትና መለክዒታት ተቐባልነት ንኺረክብ ድርቕ እንብል ዘይኰንናስ: ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ክሳዕ ዘይተጣሕሰ: ነቲ ኻልኦት ዚብልዎ ሓሳብ ብምቕባል ልእመት እነርኢ ዓይነት ሰባት ዲና፧ ሕያውነት ብምርኣይን ተቐረብቲ ብምዃንን ዲና እንፍለጥ፧ ነዚ ምግባርና: ልኡማት ምዃንና ዜርኢ እዩ።

20. ነተን ኣብ ላዕሊ እተመያየጥናለን ባህርያት ኣምላኽ ምንጽብራቕና እንታይ ፍረ ኣለዎ፧

20 ኣሕዋትን ኣሓትን ከምቲ ያእቆብ ዝጸሓፎ ዓይነት ባህርያት ኣምላኽ ንኼርእዩ ጻዕሪ ኺገብሩ ኸለዉ: ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ኣብታ ጉባኤ ባህ ዜብል ኵነታት ዚሰፍን! (መዝ. 133:1-3) ለዋሃትን ሰላማውያንን ልኡማትን ንኸውን እንተ ዄንና: ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ ይመሓየሽ፣ “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ” ኸም ዘላትና ድማ ንጹር ይኸውን። ንኻልኦት ከምቲ የሆዋ ዚርእዮም ጌርና ምርኣይና ኣብዚ መዳይ እዚ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ቐጺልና ኽንርኢ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ከም ዚሕብሮ: ያእቆብ ነቶም ሽማግለታት ወይ ነቶም “መምህራን” እታ ጉባኤ ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። (ያእ. 3:1) እዞም ሰባት እዚኣቶም ጥበብ ኣምላኽ ብምርኣይ ዝመጸ ኣርኣያ ኪዀኑ እኳ እንተ ኣለዎም: ኵልና ግን ካብቲ ያእቆብ ዝሃቦ ምዕዶ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ንሓደ ክርስትያን ናይ ብሓቂ ጥበበኛ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

• ጥበብ ኣምላኽ ብምርኣይ ዝመጸ ምምሕያሽ ክንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• እቶም ነታ “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ዘየርእዩ ሰባት ዘንጸባርቕዎ ባህርያት እንታይ እዩ፧

• ነየናይ ባህርይ ኢኻ ብዝያዳ ኸተማዕብሎ ቘሪጽካ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ባእሲ ሰላሕ እናበለ ኺኣቱ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ንእከይ ብቕጽበት ዲኻ እትነጽጎ፧