ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ኣኽራን ኣንደስ ብስራት ምዝርጋሕ

ኣብ ኣኽራን ኣንደስ ብስራት ምዝርጋሕ

ኣብ ኣኽራን ኣንደስ ብስራት ምዝርጋሕ

ኣብቲ ምድሪ ቤት 18 እንኸውን በጥ ኢልና ነበርና። ኣብ ውሽጢ መደቀሲና እናኣንቀጥቀጥና: ነቲ ኣብ ልዕሌና ዝነበረ ብዚንጎ እተሰርሐ ናሕሲ ዝናም ኪወቕዖ ኸሎ ንሰምዖ ነበርና። እታ ዝነበርናያ ቤት ኣብ ሕማቕ ኵነታት ስለ ዝነበረት: ንሕና ናይ መጀመርያ ተቐማጦኣ መሰለና።

ናብቲ ኸባቢ 18 እንኸውን ዝኸድና ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ: የሱስ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ብስራት ንኺስበኽ ዝሃቦ ትእዛዝ ክንፍጽም ባህጊ ኣሎና። (ግብ. 1:8፣ ማቴ. 24:14) ስለዚ: ንስብከት ናብቲ ኣብ ቦሊቭያ ኣብ ኣኽራን ኣንደስ ዚርከብ ተጐዓዝና።

ናብቲ ቦታ ምብጻሕ

እቲ ናይ መጀመርታ ብድሆ ናብቲ ቦታ ምብጻሕ እዩ ነይሩ። ናብ ከምዚ ዝበለ ግሉል ከባቢታት ዚወስድ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብ እዋኑ ምርካብ ኣጸጋሚ ምዃኑ ፈለጥና። ኣውቶቡስና ግን ካብቲ ዝሓሰብናዮ ዝነኣሰት ብምንባራ: ገሌና ኾፍ መበሊ ኣይነበረናን። ኣብ መወዳእታ ግን ኵላትና ናብቲ ዝደለናዮ ቦታ በጻሕና።

ዕላማና ኣብ ኣኽራን ቦሊቭያ ንዚርከባ ኣቝሻት ንምብጻሕ ነበረ። ስለዚ: ድሕሪ እቲ ብኣውቶቡስ ዝገበርናዮ ጕዕዞ ኣብታ ጕጅለ ዝነበርና ዅላትና መሰረታዊ ዜድልየና ነገራት ተሰኪምና: በቲ ጥቓ ኣጻድፍ ዚርከብ ከረን ተር ኢልና ተጐዓዝና።

እተን ኣቝሻት ሒደት እኳ እንተ መሰላ: እቲ ኣባይቲ ግን እተበታተነ ስለ ዝነበረ: ንነፍሲ ወከፍ ቤት ክንበጽሕ ነዊሕ ሰዓታት ወሰደልና። ኣብ ሓንቲ ጫፍ ዝበልናያ ምስ በጻሕና: ብርሑቕ ካልእ ገዛ ንርኢ ነበርና። ብዙሕ ግዜ ኣብቲ ኣብ ግራውቲ ዚርከብ ጥውይዋይ መገድታት ንጠፍእ ነበርና።

“ስለምንታይ ቅድሚ ሕጂ ዘይመጻእኩም፧”

ሓንቲ ሰበይቲ ርሑቕ መገዲ ተጓዒዝና ምምጻእና ስለ ዘገረማ: ምግብና ንኸነብስለሉ ኽሽነኣን ዕንጨይታን ክንጥቀም ፈቐደትልና። ሓደ ሰብኣይ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህር ምስ ፈለጠ: “ስለምንታይ ቅድሚ ሕጂ ዘይመጻእኩም፧” ኢሉ ሓተተ። ሓያል ተገዳስነት ስለ ዘሕደረ ኸኣ: ካብታ ቝሸቱ ኽንወጽእ ከለና ተወሳኺ ሕቶታት እናሓተተ ኣሰነየና። ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰሚዑ ዘይፈልጥ ካልእ ሰብኣይ: ኣብ ጽሑፋትና ብዙሕ ተገዳስነት ኣርኣየ። ብምምጻእና ብዙሕ ኣመስገነና ኸምኡውን እንሓድረሉ ቤት ሃበና።

ሓደ ለይቲ ድቕድቕ ጸልማት ስለ ዝነበረ: ከይፈለጥና ኣብ ማእከል ዓበይትን ጸለምትን ጻጸ ድንኳንና ተኸልና። ንሳቶም ከኣ ንዓና ብምንካስ ቍጥዓኦም ብቕልጡፍ ኣርኣዩ። ደኺምና ስለ ዝነበርና ኻብቲ ቦታ ኸነልግስ ኣይከኣልናን: እቲ ዜሕጕስ ከኣ ነዊሕ ከይጸንሐ እቶም ጻጸ ምህላውና ዝረስዑ መሰሉ።

ኣብ መሬት ስለ ዝደቀስና: ፈለማ ይዅርኵሓና እኳ እንተ ነበረ: ለይቲ ግን ኣይዘከርናዮን። ንግሆ ነቲ ተፈጥሮኣዊ መልክዑ ዘይተቐየረ ስንጭሮታትን ቀስ እናበለ ዚሓልፍ ደበናን እቲ ጫፉ ብበረድ እተሸፈነ ኣኽራን ዘለዎ ውቁብ ትርኢትን ኣማዕዲና ኽንርኢ ኸለና: ነቲ ብሰንኪ እቲ ዘይጥጡሕ መደቀሲ ዚስምዓና ዝነበረ ቓንዛ ንርስዖ ነበርና። እቲ ጸጥታ በቲ ዚውሕዝ ማይን ብድምጺ እተን ዚዝምራ ኣዕዋፍን ጥራይ ይርበሽ ነበረ።

ኣብቲ ውሕጅ ምስ ተሓጸብና: ዕለታዊ ጥቕሲ ኣንቢብና ቝርስና በላዕና: ድሕሪኡ ናብተን ርሕቕ ዝበላ ኣቝሻት ቀስ ኢልና በቲ ዓቐበት ተጐዓዝና። ናብቲ ጎቦ ምድያብና ፍረ ረኺብናሉ ኢና። ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ: እቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚርከብ ምስ ፈለጠት ነብዐት። ስምዒታ ምቍጽጻር ሰኣነት። ድሕርዚ ኣብ ጸሎታ ንኣምላኽ ብስሙ ኽትጽውዖ ኸኣለት።

ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ: ኣምላኽ ከም ዝዘከሮ ብምዝራብ: መላእኽቲ ኸም ዝለኣኹና ዚገልጽ መዝሙር ዘመረ። ብሰንኪ ሕማም ካብ ቤቱ ኺወጽእ ዘይክእል ካልእ ሰብኣይ ከኣ: ካብታ ቝሸቱ ዋላ ሓደ ሰብ ከም ዘይበጽሖ ነገረና። ካብ ላ ፓዝ ተበጊስና እዚ ዅሉ መገዲ ምምጻእና ገረሞ። ካልእ ሰብኣይ ድማ ካልኦት ሃይማኖታት ብደወላት ኣብያተ-ክርስትያን ጥራይ ኪጽውዓ ኸለዋ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት ኣብ ኣባይቶም ከይዶም ዚበጽሕዎም ምዃኖም መሰጦ።

ኣብቲ ኸባቢ ዚርከባ ኣባይቲ ኤለክትሪክ ስለ ዘይብለን: እቶም ነበርቲ ምስ መሰየ ቐልጢፎም ይድቅሱ: ጸሓይ ምስ በረቐት ከኣ ቀልጢፎም ይትንስኡ። ስለዚ: ንሰባት ኣብ ቤቶም ምእንቲ ኽንረኽቦም ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ንግሆ ስብከት ክንጅምር ነበረና። እንተ ዘይኰይኑ: መብዛሕትኦም ሰባት ናብ ግራውቶም ከይዶም እዮም ዚጸንሑና። ደሓር ግን: ገሊኦም ስራሖም ጀሚሮም ዝጸንሑ ሰባት ስራሖም ጠጠው ኣቢሎም ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መልእኽትና ንኺሰምዑ ፍቓደኛታት ይዀኑ ነበሩ፣ እዚ ኸኣ ነቶም ኣብዑር ካብ ምሕራስ ኬዕርፉ የኽእሎም ነበረ። ኣብ ቤቶም እንረኽቦም ብዙሓት ሰባት ከኣ ኮፍ ክንብለሉ ኣጐዛ የንጽፉልናን ስድራኦም ንኺሰምዑ ይጽውዕዎምን ነበሩ። ገሊኦም ሓረስቶት ነቲ ዝሃብናዮም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ሞሳኦም ንምግላጽ: ዕፉን ዝመልአ ዓበይቲ ኸረጺታት ወፍዮም እዮም።

“ኣይረሳዕኹምንን”

ሰባት ኣብ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ዕቤት ንኺገብሩ: ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ምብጻሕ ኪግበረሎም የድሊ እዩ። ብዙሓት ተመሊስና መጺእና ዝያዳ ኽንምህሮም ለመኑና። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ: ናብዚ ኽፋል ቦሊቭያ ብተደጋጋሚ ኸድና።

ጸኒሕና ኣብ ዝገበርናዮ ጕዕዞ: ሓንቲ ተመሊስና ብምምጻእና እተሓጐሰት ሰበይቲ: “ንስኻትኩም ንዓይ ልክዕ ከም ደቀይ ኢኹም። ኣይረሳዕኹምንን” በለት። ሓደ ሰብኣይ ስለቲ ስራሕና ኣመስገነና: ተመሊስና ኣብ ዝኸድናሉ እዋን ከኣ ኣብ ቤቱ ኽንቅመጥ ዓደመና። ዝሓለፈ እዋን ኣብ ዝገበርናዮ ምብጻሕ ምሳና ተራኺባ ዝነበረት ሰበይቲ: ሕጂ ናብ ከተማ ግዒዛ ነቲ ብስራት ትሰብኽ ከም ዘላ ምስማዕና: ሓደ ኻብቲ ዝዓበየ ዓስቢ ጻዕርና እዩ።

ክሳዕ እታ ኣብ ናይ መጀመርታ ጕዕዞና ዝዛዘምናላ መዓልቲ ኣብ ዝነበረ እዋን: ነታ ምድጃና ዚኸውን ላምባ ተጸንቂቑ: ስንቅና ድማ ዳርጋ ተወዲኡ ነበረ። እኹል ዕንጨይቲ ኣኪብና ነታ ዝተረፈትና ምግቢ ሰሪሕና: ብእግርና ኽንምለስ ጀምርና። ኣውቶቡስ ክንስቀል ካብ እንኽእለላ ኸተማ ብዙሕ ኪሎ ሜተራት ርሒቕና ነበርና፣ ኣብ መወዳእታኡ ግን ምስ ጸልመተ ኣብታ ኸተማ በጻሕና።

ናብ ቦታና ምምላስ

ክንምለስ ከለና እታ ኣውቶቡስ ስለ እተሰብረት ጸገም ኣጋጠመና። ድሕሪ ግዜ: ኣብ ዝባን ሓንቲ ብሰባት እተጨቓጨቐት ማኪና ጽዕነት ክንስቀል ከኣልና። እዚ ናብ ቤትና ንምምላስ ዝገበርናዮ ጕዕዞ: ነቶም ስለምንታይ ናብቲ ቦታ ኸም ዝመጻእና ንኺፈልጡ እተሃንጠዩ ተጓዓዝቲ ንኽንምስክረሎም ኣጋጣሚ ኸፈተልና። እቶም ህዝቢ ብተፈጥሮኦም ሓፋራት እኳ እንተ ዀኑ: ብሓፈሻ ግን ሕያዎትን ምቕሉላትን እዮም።

ኣብ ዝባን እታ ማኪና ጽዕነት ንትሽዓተ ሰዓት ድሕሪ ምጕዓዝና ብማይ ጠስጢስናን ብቝሪ ኸርዲድናን ናብ ቤትና በጻሕና። እንተዀነ ግን: ጕዕዞና ኸንቱ ኣይነበረን። ኣብ መገድና: ንሓንቲ ኣብ ከተማ እትነብር ሰበይቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትገብር መሰናድዎ ኽንገብረላ ኽኢልና ኢና።

እቲ ብስራት ነቶም ኣብ ከምዚ ዝበለ ግሉል ከባቢ ዚነብሩ ሰባት ምእዋጅ ብሓቂ ፍሉይ መሰል እዩ። ኣብ ኣርባዕተ ዓድታትን ኣብ ሓያሎ ኣቝሻትን ሰቢኽና ኢና። እተን “እቲ ብስራት ዜበስር: ሰላም ዜውሪ: ሰናይ ዜበስር: ምድሓን ዜውሪ: . . . ኣእጋሩ ኣብ ኣኽራን ክንደይ ጽቡቓት እየን” ዝብላ ቓላት ከኣ ትዝ በላና።—ኢሳ. 52:7፣ ሮሜ 10:15

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ብስራት ንምንጋር እተዳለዉ