ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣዝዩ ኣገዳሲ ቘጸራ

ኣዝዩ ኣገዳሲ ቘጸራ

ኣዝዩ ኣገዳሲ ቘጸራ

ኣዝዩ ኣገዳሲ ቘጸራ ኣሎኒ። ኣነ መንእሰይ ስጳኛዊት ኣደ ክኸውን ከለኹ: ነዚ ቘጸራ እዚ ኽገብር ዝደረኸኒ እስከ ኽገልጸልኩም።

ኣብ ቤት ወለደይ ሰላምን ስኒትን ዚበሃል ነገር ኣይነበረን። እቲ ምንኣሰይ ሓወይ ኣብ ኣርባዕተ ዓመቱ ብዜሕዝን መገዲ ብድንገት ምስ ሞተ ስድራ ቤትና ብሓዘን ተደቝሰት። ኣብ ርእሲ እዚ: እቲ ኣቦይ ዝነበሮ ሕማቕ ልማድ: ንኣደይ ብሓዳራ ብዙሕ ከም ዘይትሕጐስ ገይርዋ ነበረ። ይኹን እምበር: እዚ ነገራት እዚ ንዓይን ነቲ ዓብዪ ሓወይን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ንኸይተስርጸልና ኣይከልከላን።

ድሕሪ ገለ ግዜ: ሓወይ ተመርዓወ: ኣነ እውን ተመርዓኹ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: ኣደይ ሕማም መንሽሮ ኸም ዘለዋ ተፈልጠ: ኣብ መወዳእታ ድማ በዚ ሕማም እዚ ሞተት። ቅድሚ ሙማታ ግን ሓደ ኽቡር ነገር ኣውረሰትና።

ሓንቲ ምስ ኣደይ ሌላ ዝነበራ ሰበይቲ ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ነጊራታ ነይራ: ኣደይ እውን ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዝቐረበላ ዕድመ ተቐበለቶ። ኣብ መወዳእታ ህሞት ህይወታ: እቲ ተስፋ ዝሓዘ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ህይወታ ትርጕም ከም ዚህልዎን ሓጐስ ከም እትረክብን ገበራ።

ኣወንታዊ ጽልዋ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣደይ ምስ ረኣና: ኣነን ሓወይን እውን ቃል ኣምላኽ ከነጽንዕ ጀመርና። ነታ ኻልአይቲ ጓለይ ቅድሚ ምውላደይ ሓደ ወርሒ ኣቐዲመ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ተጠመቕኩ: ነታ ምጭውቲ ጓለይ ድማ ሉሲያ ኢልና ሰመናያ።

እታ እተጠመቕኩላ መዓልቲ ንዓይ ኣዝያ ኣገዳሲት እያ ነይራ። ከምኡ ዝዀነትሉ ሓደ ምኽንያት ከኣ ንየሆዋ ንዘለኣለም ንምግልጋል ርእሰይ ወፍየ ናቱ ስለ ዝዀንኩ እዩ። ካልእ ምኽንያት ድማ ነቶም ዘፍቅሮም ወደይን ጓለይን እምነተይ ከካፍሎም ብምኽኣለይ እዩ።

ኰይኑ ግን: እቲ ንኽሕጐስ ዝገበረኒ ኻልኣይ ምኽንያት ነዊሕ ከይጸንሐ ተዀልፈ። ሉሲያ ጓል ኣርባዕተ ዓመት ምስ ኰነት: ሓያል ቃንዛ ኸስዐ ጀመራ። ድሕሪ ሓያሎ መርመራታት: እቲ ረዲዮሎጂስት ሓደ ኽንዲ ኣራንሺ ዚኸውን ጥረ ኣብ ጸላም ከብዳ ተጣቢቑ ኸም ዘሎ ገለጸልና። እቲ ሓኪም: እንዓበየ ዚኸይድ ሓደገኛ ጥረ ኸም ዘለዋ ሓበረና። ስለዚ: ሉሲያ ምስቲ ኣብ ሆስፒታል ዘሕለፈቶ ነዊሕ እዋን ሓዊስካ ንሸውዓተ ዓመት ምስ ሕማም መንሽሮ ተቓለሰት።

ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ

ኣብዘን ጽንኩራት ዓመታት: መብዛሕትኡ እዋን ሉሲያ ሕቝፍ ኣቢላ ትስዕመኒ ብምንባራ ኣተባቢዓትኒ እያ። ነቲ ሕማም ዝጾረትሉ መገዲ ድማ ነቶም ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ኣገሪምዎም እዩ። ኵሉ ግዜ ብታሕጓስ ምስተን ኣለይቲ ሕሙማት ትተሓባበር ነበረት: ነቶም ኣብቲ ሆስፒታል ኣብ ጥቓኣ ዚርከብ ክፍሊ ዝደቀሱ ሕጻናት ርግኦ: ጽማቝ: ከምኡውን ካልእ ነገራት ኣብ ብምብጽጻሕ ትሕግዘን ነበረት። እተን ኣለይቲ ሕሙማት ድማ ጻዕዳ ኽዳንን “ሓጋዚት ኣለይቲ ሕሙማት” ዚብል ባጅን ሃባኣ።

ሓንቲ ኣብቲ ሆስፒታል እትሰርሕ ጓል ኣንስተይቲ: “ሉሲያ ልበይ ተንኪፋትኒ እያ። ንጥፍትን መሃዚትን ምስኣል እትፈቱን ቈልዓ እያ ነይራ። ስምዒታ እትገልጽ: ከምኡውን ብስልቲ: ኣዝያ ብስልቲ ነበረት” ብምባል ትዝክራ።

ሉሲያ ኻብ ቃል ኣምላኽ ብርታዐን ቅሳነትን ረኺባ እያ። (እብ. 4:12) ከምቲ ቓል ኣምላኽ እተመባጽዖ ኣብ ሓዳስ ዓለም እቲ “ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ” ዚብል መብጽዓ ኸም ዚፈጸም እምንቶ ነይሩዋ እዩ። (ራእ. 21:4) ኣብ ካልኦት ተገዳስነት ብምሕዳር: ንዅሉ እቲ ዝረኸበቶ ምሹእ ኣጋጣሚ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምክፋል ትጥቀመሉ ነበረት። እቲ ንኽትሓዊ ዝነበራ ተስፋ ኣዝዩ ጸቢብ እኳ እንተ ነበረ: እቲ ኣብ ትንሳኤ ዝነበራ ድልዱል ተስፋ ግን ስምዒታ ንኽትቘጻጸርን ሕጕስቲ ንኽትከውንን ሓጊዝዋ እዩ። (ኢሳ. 25:8) ነዚ ኣረኣእያ እዚ ድማ ክሳዕ እታ ህይወታ ብመንሽሮ ዝሓለፈትላ ዕለት ዓቂባቶ ነበረት።

ኣብታ ዕለት እቲኣ ድማ እየ ነዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ቘጸራ ዝገበርኩ። ሉሲያ ኣዒንታ ኽትከፍት ኣይከኣለትን። ኣቦኣ ነቲ ሓደ ኢዳ ኣነ ድማ ነቲ ኻልእ ኢዳ ሒዝና ነበርና። ሕሹኽ ኢለ ድማ “ኣይትጨነቒ ኣይሓድገክን እየ። ቀስ ኢልኪ ኣስተንፍሲ። ምስ ተንሳእኪ: ጽቡቕ ክስመዓኪ እዩ። እዚ ስቓይ እዚ ዳግም ኣይኪስምዓክን እዩ: ኣነ ድማ ምሳኺ ክኸውን እየ” በልክዋ።

ኣብዚ ግዜ እዚ: ነዚ ቘጸራ እዚ ኽሕልዎ ኣሎኒ። እቲ ዝጽበየሉ ግዜ ቐሊል ከም ዘይከውን እፈልጥ እየ። ኰይኑ ግን: ኣብ የሆዋ ድልዱል እምነት እንተ ደኣ ኣልዩኒ ኸምኡውን ንዕኡ ዘሎኒ ንጽህና እንተ ደኣ ሓልየ: ኣብ ትንሳኤ ኽረኽባ ምዃነይ እፈልጥ እየ።

ውርሻ ሉሲያ

እቲ ሉሲያ ዘርኣየቶ ኣብነት ትብዓት: ከምኡውን እቲ ዜገርም ደገፍ ጉባኤ: ኣብቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይነበረ ብዓል ቤተይ ዓሚቝ ጦብላሕታ ኣሕዲሩ እዩ። በታ ሉሲያ ዝሞተትላ ዕለት: ኵነታቱ ኼተዓራሪ ምዃኑ ሓበረኒ። ድሕሪ ሒደት ሰሙናት: ንሓደ ኣብታ ጉባኤ ዚርከብ ሽማግለ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሓሉ ሓተቶ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ብዓል ቤተይ ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ኪካፈል ጀመረ። ብሓገዝ የሆዋ ድማ ቅድሚ ሕጂ ኽገብሮ ዘይከኣለ ነገር: ማለት ሽጋራ ምትካኽ ኣቋረጸ።

እቲ ንሉሲያ ብምስኣነይ ዚስምዓኒ ሓዘን ምሉእ ብምሉእ ኣይጠፍአን: ኰይኑ ግን ስለ እቲ ሉሲያ ዝሓደገቶ ውርሻ ንየሆዋ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ። ኣነን ብዓል ቤተይን በቲ ዜገርም ተስፋ ትንሳኤ ንሓድሕድና ንጸናናዕ ኢና። ምስ ሉሲያ ዳግም እንራኸበሉ እዋን: እንተላይ እተን ፍሩያት ኣዒንታን እተን ክትስሕቕ ከላ ጥምቡቕ ዚብላ ምዕጉርታን ኣብ ሓሳብና ንስእሎ ኢና።

እቲ ዜሕዝን ተመክሮ ጓለይ ብፍላይ ንሓንቲ ኻብ ጐረባብትና እውን ተንኪፍዋ እዩ። ሓደ ቐዳም ንግሆ ዝናብ እናዘነበ ኸሎ: ሓንቲ ኣብቲ ሉሲያ እትመሃረሉ ዝነበረት ቤት ትምህርቲ ዚመሃር ወዲ ዘለዋ ሰበይቲ ናብ ገዛና መጸት። ሓደ ኻልእ ወዳ ኣብ 11 ዓመት ዕድሚኡ: በቲ ንጓልና ዝቐተለ ሕማም ሞይቱዋ እዩ። ንሉሲያ እንታይ ከም ዘጋጠማ ምስ ሰምዐት: ኣበይ ከም እንነብር ሓቲታ ኽትበጽሓና መጸት። ካብ ሓዘነይ ከመይ ገይረ እጸናናዕ ከም ዘለኹ ኽትፈልጥ ደለየት ከምኡውን ናይ ርእስና ጕጅለ መስሪትና ነተን ከምዚ ኸማና ዘጋጠመን ኣዴታት ንኸነጸናንዕ ሓሳብ ኣቕረበት።

ኣነ ድማ ካብ ተስፋታት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓቂ ምጽንናዕ ከም ዝረኸብኩ ገለጽኩላ: እዚ ኸኣ ካብቲ ደቂ ሰብ ኪህብዎ ዚኽእሉ ምጽንናዕ ኣጸቢቑ ዚበልጽ እዩ። ነተን ኣብ ዮሃንስ 5:28, 29 ተመዝጊበን ዚርከባ ቓላት የሱስ ምስ ኣንበብኩላ ኣዒንታ ብተስፋ በርሀ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጽንዕ ዘቕረብኩላ ዕድመ ተቐበለቶ: ድሕሪዚ ነዊሕ ከይጸንሐት “እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ኣብ ህይወታ ኺስምዓ ጀመረ። (ፊል. 4:7) መብዛሕትኡ እዋን ሓቢርና መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ከለና: ሓንሳእ ደው ንብል እሞ ብሓሳብና ንርእስና ኣብ ሓዳስ ዓለም ብምግባር: ነቶም እነፍቅሮም ብትንሳኤ ንቕበሎም።

እወ: እታ ሓጻር ህይወት ሉሲያ ነባሪ ውርሻ ሓዲጋ እያ። እምነታ ንስድራ ቤትና ብሓባር ንየሆዋ ንኸተገልግል ሓጊዛ: ከምኡውን ኣብ እምነተይ ጸኒዐ ንክቕጽል ዝገበርክዎ ቘራጽነት ኣደልዲላትለይ እያ። ብዘይ ጥርጥር እምበኣር: እቶም እነፍቅሮም ብሞት ዝሰኣንና ዅላትና ምስቶም ዚትንስኡ ኣገዳሲ ቘጸራ ኣሎና።

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ሉሲያ ዝሰኣለታ ገነት