ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ኣውያትና ይሰምዕ

የሆዋ ኣውያትና ይሰምዕ

የሆዋ ኣውያትና ይሰምዕ

“ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን: ኣእዛኑ ኸኣ ናብ ኣውያቶም እየን።” —መዝ. 34:15

1, 2. (ሀ) ብዙሓት ሰባት ከመይ እዩ ዚስምዖም፧ (ለ) በዚ ኽንግረም ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

 ጸበባ ተሕልፍ ኣለኻ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ: ንስኻ በይንኻ ኣይኰንካን ከምኡ ዚስምዓካ ዘሎ። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ነቲ ኣብዚ እኩይ ስርዓት ዜጋጥሞም መዓልታዊ ጸቕጥታት ንምጻሩ ይቃለሱ እዮም ዘለዉ። ገሊኦም ምጻሩ ዘይክእሉ ይመስሎም። ከምቲ ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ዝጸሓፎ እዩ ዚስምዖም ዘሎ:- “ኣነ ሰንሰንኩ: እምብዛ ተቐጥቀጥኩ: ካብ ሓዘን ልበይ እተላዕለ እግዕር አሎኹ። ልበይ ትርግ ትርግ ይብል: ሓይለይ ይጠልመኒ አሎ: ብርሃን ኣዒንተይ ጠፊኡኒ እዩ።”—መዝ. 38:8, 10

2 ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን: በቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ጭንቂ ኣይንግረምን ኢና። “ቅልውላው” ክፍሊ እቲ ብትንቢት እተገልጸ ኣብቲ የሱስ ኣብ ስልጣኑ ዚህልወሉ ግዜ ዚርአ ነገር ምዃኑ ንርዳእ ኢና። (ማር. 13:8፣ ማቴ. 24:3) እታ ኣብ ግዜ ሕርሲ ንዜጋጥም ብርቱዕ ቃንዛ እተመልክት “ቕልውላው” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: ንጭንቂ ወይ ንጸበባ እውን ተመልክት እያ። እዛ ቓል እዚኣ ነቲ ሰባት ኣብዚ “ኽፉእ” ግዜ ዜሕልፍዎ ብርቱዕ መከራ ብልክዕ እያ እትገልጾ።—2 ጢሞ. 3:1

የሆዋ ንጸበባና ይርድኣልና

3. ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ እዮም ኣጸቢቖም ዚፈልጡ፧

3 ህዝቢ የሆዋ ኻብ ጸበባ ሓራ ዘይምዃኖም ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም: እዚ ጽንኩር ኵነታት እውን እናኸፍአ ኪኸይድ እዩ ትጽቢት ዚግበረሉ። ኣብ ልዕሊ እቲ ንዅሎም ደቂ ሰብ ዜጋጥሞም ነገራት: ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠን ንእምነትና ኼጥፍእ ዚፍትን ‘ድያብሎስ እቲ መጻርርትና’ ይቃለሰና እዩ። (1 ጴጥ. 5:8) ብቐሊሉ ኸምቲ ንዳዊት እተሰምዖ ዓይነት ስምዒት ኪስምዓና ይኽእል እዩ። ንሱ ኸምዚ በለ:- “ንልበይ ጸርፊ ቐጥቂጥዎ ደኸምኩ: ዚድንግጸለይ ተጸቤኹ: ሓደ እኳ ኣይነበረን: ዜጸናንዑኒ ደልየውን: ሰአንኩ።”—መዝ. 69:20

4. ኪጸበና ኸሎ እንታይ እዩ ዜጸናንዓና፧

4 ዳዊት ከቶ ተስፋ ኸም ዘይብሉ ገይሩ ድዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። ነቲ ጸኒሑ ኣብ መዝሙር እትዛረቦ ቓላት እሞ ኣስተብህለሉ፣ “እግዚኣብሄር ንድኻታት ይሰምዖም: ንእሱራቱውን ኣይንዕቕን እዩ እሞ: ትሑታት ነዚ ርእዮም ይሕጐሱ” ወይ ብመሰረት ትርጕም 1990 “ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ሕዝቡ ኣይርስዖምን እዩ” በለ። (መዝ. 69:33) ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ብጸበባና ወይ ብጭንቅና ኸም እሱራት ኴንና ኸም እተተሓዝና ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ካልኦት ንዅነታትና ብልክዕ ዘይርድእዎ ይመስለና ይኸውን: ምናልባት እውን ብሓቂ ኣይርድእዎን ይዀኑ። ከምቲ ዳዊት እተገንዘቦ ግን: የሆዋ ንጸበባና ምሉእ ብምሉእ ከም ዚርድኣልና ምፍላጥና ኼጸናንዓና ይኽእል እዩ።—መዝ. 34:15

5. ንጉስ ሰሎሞን እንታይ ምትእምማን እዩ ዝነበሮ፧

5 ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ኣብ እተገብረ ወፈያ ነዚ ሓቂ እዚ ኣጕልሐ። (2 ዜና መዋእል 6:29-31 ኣንብብ።) ንየሆዋ ነፍሲ ወከፍ “ቍስሉን ቃንዛኡን” ሒዙ ብጸሎት ንዝቐረቦ ቕኑዕ ዝልቡ ሰብ ኪሰምዕ ለመኖ። ኣምላኽ ንጸሎት እቶም ዝጸበቦም ውልቀ-ሰባት እንታይ ምላሽ እዩ ዚህብ፧ ንጸሎቶም ከም ዚስምዖ ጥራይ ዘይኰነስ: ንኺሕግዞም ስጕምቲ እውን ከም ዚወስድ: ሰሎሞን ምትእምማን ከም ዘለዎ ገለጸ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣምላኽ “ንልቢ ደቂ ሰብ” ብሓቂ ይፈልጦ እዩ።

6. ንጭንቀትና ብኸመይ ክንዋጽኣሉ ንኽእል፧ ስለምንታይከ፧

6 ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ‘ቝስልናን ቃንዛናን:’ ማለት ብሕታዊ ጸበባና ሒዝና ንየሆዋ ብጸሎት ክንቀርቦ ንኽእል ኢና። ጸበባና ኸም ዝርድኣልናን ከም ዚሓልየልናን ብምፍላጥና ኽንጸናናዕ ኣሎና። ሃዋርያ ጴጥሮስ: “ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ: ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ” ብምባል ነዚ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (1 ጴጥ. 5:7) የሆዋ በቲ ዜጋጥመና ነገራት ይግደስ እዩ። የሱስ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ፍቕራዊ ሕያውነት የሆዋ ኣጕልሐ:- “ክልተ ዑፍዶ ብኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ሓንቲ ኻባታተን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን። ጸጕሪ ርእስኹም ኵለን እኳ ቝጹራት እየን። እምብኣርስኸ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ: ኣይትፍርሁ።”—ማቴ. 10:29-31

ኣብ ሓገዝ የሆዋ ተጸጋዕ

7. እንታይ ደገፍ ከም እንረክብ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

7 ኪጸበና ኸሎ የሆዋ ንኺረድኣና ፍቓደኛ ኸም ዝዀነን ክእለት ከም ዘለዎን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። “ኣምላኽ ንኣና መዕቈብን ሓይልን: ብጸበባ ፍጡን ረድኤትን እዩ።” (መዝ. 34:15-18፣ 46:1) ብኸመይ እዩ ዚሕግዘና፧ ቀዳማይ ቈረንቶስ 10:13 እንታይ ከም እትብል እሞ ተመልከት:- “ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ: ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ: መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ: ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።” የሆዋ ንነገራት ኣንፈቱ ብምቕያር ካብ ጸበባ ኸም እነምልጥ ኪገብር ይኽእል እዩ: ወይ ከኣ ንኽንጾሮ ዜኽእለና ብርታዐ ኺህበና ይኽእል እዩ። በዚ ዀነ በቲ ግን ይሕግዘና እዩ።

8. ካብ ሓገዝ ኣምላኽ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

8 ካብቲ ሓገዝ እቲ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧ እንታይ ክንገብር ከም እተመኸርና እሞ ኣስተብህል:- “ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ” ኢና ተባሂልና። እዚ ኸኣ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ንዅሉ ሓልዮትናን ጭንቀትናን ንዕኡ ብሓላፍነት ንህቦ ማለት እዩ። ምጭናቕ ከነቋርጽ ንፍትን: ዜድልየና ንኼማልኣልና ድማ ብትዕግስቲ ኣብኡ ንውከል። (ማቴ. 6:25-32) ከምዚ ዝኣመሰለ ትውክልቲ: ትሕትና ይሓትት፣ ከመይሲ ኣብ ብርታዐና ወይ ኣብ ጥበብና ኣይንጽጋዕን ኢና። “ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ” ርእስና ብምትሓት: ነቲ ትሑት ቦታና ኣፍልጦ ንህብ። (1 ጴጥሮስ 5:6 ኣንብብ።) እዚ እውን ብግዲኡ ንዝዀነ ይኹን ኣምላኽ ዝፈቐዶ ንኽንጾሮ የኽእለና። ብኡንብኡ እፎይታ ኽንረክብ እኳ እንተ ተመነና: የሆዋ መዓስን ብኸመይን ከም ዜርህወልና ብልክዕ ከም ዚፈልጥ ንኣምን ኢና።—መዝ. 54:7፣ ኢሳ. 41:10

9. ዳዊት ኣብ የሆዋ እንታይ ዓይነት ጾር እዩ ኺድርቢ ዝነበሮ፧

9 ነተን ኣብ መዝሙር 55:22 ተመዝጊበን ዘለዋ: “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ: ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን” ዚብላ ቃላት ዳዊት ዘክረን። ዳዊት ነዘን ቃላት እዚኣተን ኪጽሕፈን ከሎ: ኣመና ጸቢብዎ እዩ ነይሩ። (መዝ. 55:4) እዛ መዝሙር እዚኣ ኣብቲ ኣቤሴሎም ወዱ ነቲ ንግስናኡ ኺምንዝዕ ውዲት ዝኣለመሉ እዋን ከም እተጻሕፈት እዩ ዚእመን። እቲ ዳዊት ካብ ልቡ ዚኣምኖ ኣማኻሪኡ ዝነበረ ኣሒቶፌል: ኣብቲ ውዲት ሓበረ። ዳዊት ከኣ ህይወቱ ኼድሕን ካብ የሩሳሌም ኪሃድም ነበሮ። (2 ሳሙ. 15:12-14) ኰይኑ ግን: ኣብ ትሕቲ እቲ ጸቢብ ኵነታት እውን ከይተረፈ: ኣብ ኣምላኽ ትውክልቱ ገይሩ ነበረ: ንሱ እውን ኣየሕፈሮን።

10. ጸበባ ኼጋጥመና ኸሎ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

10 ንሕና እውን ከም ዳዊት: ዝዀነ ይኹን ዜጋጠመና ጸበባ ሒዝና ናብ የሆዋ ብጸሎት ክንቀርብ ኣሎና። ኣብዚ መዳይ እዚ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ክንገብሮ ዝመዓደና ነገር እስከ ንርአ። (ፊልጲ 4:6, 7 ኣንብብ።) ከምዚ ዝኣመሰለ ዕቱብ ጸሎት እንታይ የፍሪ፧ ‘እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ: ንልብናን ሓሳብናን ብክርስቶስ የሱስ ይሕልዎ።’

11. “ሰላም ኣምላኽ” ንልብናን ሓሳብናን ዚሕልዎ ብኸመይ እዩ፧

11 ጸሎት ምጽላይካ ኣብ ኵነታትካ ለውጢ የምጽእ ድዩ፧ ምናልባት ለውጢ የምጽእ ይኸውን። ይኹን እምበር: የሆዋ ወትሩ በቲ እንደልዮ መገዲ ንጸሎትና ኸም ዘይምልሶ ኽንፈልጥ ኣሎና። የግዳስ: እቲ ጸበባ ምእንቲ ኸይደቝሰና: ጸሎት ንኣእምሮኣዊ ሚዛንና ንኽንሕሉ ይሕግዘና። ኪጸበና ኸሎ: “ሰላም ኣምላኽ” ኬህድኣና ይኽእል እዩ። ከምቲ ሓደ ጭፍራ ወተሃደራት ንሓንቲ ኸተማ ኻብ ወራር ጸላኢ ንኺከላኸሉ ዚምደቡ: “ሰላም ኣምላኽ” ከኣ ንልብናን ሓሳብናን ይሕልዎ። ጥርጣረን ፍርህን ኣሉታዊ ኣተሓሳስባን ንኸነሰንፍ የኽእለና: ብታህዋኽ ስራሕ ዕሽነት ከይንሰርሕ ድማ ይሰትረና።—መዝ. 145:18

12. ሓደ ሰብ ብኸመይ ናይ ኣእምሮ ሰላም ኪረክብ ከም ዚኽእል ብምሳሌ ኣረድእ።

12 ብጸበባ እናሓለፍና ኽነስና ኸመይ ገይሩ እዩ ናይ ኣእምሮ ሰላም ኪህልወና ዚኽእል፧ ብእተወሰነ መዳይ ምስ ኵነታትና ዚመሳሰል ሓደ ምሳሌ እሞ ንርአ። ሓደ ሰራሕተኛ ኣብ ትሕቲ ሃሳዪ ኣካያዲ ስራሕ ይዓዪ ኣሎ ንበል። ይኹን እምበር: እቲ ሰራሕተኛ ስምዒቱ ነቲ ለዋህን ርትዓውን ዝዀነ ዋና እቲ ኩባንያ ናይ ምግላጽ ኣጋጣሚ ረኸበ። እቲ ዋና ነቲ ሰራሕተኛ ዅነታቱ ኸም እተረድኣሉን እቲ ኣካያዲ ስራሕ ድሕሪ ሓጺር እዋን ካብ ቦታኡ ኸም ዜልግስን ኣረጋገጸሉ። እዚ ነገር እዚ ነቲ ሰራሕተኛ እንታይ ስምዒት የሕድረሉ፧ ነቲ እተነግሮ ምእማኑን እንታይ ከም ዚኸውን ምፍላጡን: ዋላ እውን ተወሳኺ ጸገማት የጋጥሞ: ዕዮኡ ንኪቕጽል የበራትዖ። ብተመሳሳሊ: የሆዋ ንዅነታትና ኸም ዚርድኣልና ንፈልጥ ኢና: ድሕሪ ሓጺር እዋን “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ . . . ንወጻኢ ኺድርበ እዩ” ኢሉ እውን ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (ዮሃ. 12:31) እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ!

13. ኣብ ልዕሊ እቲ እንጽልዮ ጸሎት: እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

13 እሞ ደኣ ጸገማትና ብጸሎት ናብ የሆዋ እንተ ኣቕሪብና ጥራይ እኹል ድዩ፧ ኣይፋሉን። ዝያዳ ኽንገብር ኣሎና። ምስ ጸሎትና ተሰማሚዕና ኽንከይድ ኣሎና። ንጉስ ሳኦል ንዳዊት ምእንቲ ኪቐትልዎ ኢሉ ሰቡ ምስ ለኣኸ: ዳዊት: “ኣምላኸየ: ካብ ጸላእተይ ኣናግፈኒ: ካብቶም ዚትንስኡኒ ኣብ እምባ ኣቝመኒ። ካብ ገበርቲ እከይ ኣናግፈኒ: ካብ ደመኛታትውን ኣድሕነኒ” ኢሉ ጸለየ። (መዝ. 59:1, 2) ኣብ ልዕሊ እቲ ዝጸለዮ ጸሎት: ዳዊት ንሰበይቱ ሰምዓ: ንኼምልጥ ድማ ኣገዳሲ ስጕምትታት ወሰደ። (1 ሳሙ. 19:11, 12) ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ንጸበባና ምእንቲ ኽንጾሮ: ምናልባት ከኣ ኵነታትና ምእንቲ ኺመሓየሸልና ሓገዝ ምእንቲ ኽንረክብ ግብራዊ ጥበብ ኪወሃበና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና።—ያእ. 1:5

ንኽንጽመም ዜድልየና ብርታዐ ብኸመይ ንረክብ፧

14. ሽግር ኬጋጥመና ኸሎ ንኽንጽመም እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

14 ሽግርና ቐልጢፉ ኣይዕረን ይኸውን። ንእተወሰነ ግዜ እውን ይቕጽል ይኸውን። ከምኡ እንተ ዀይኑ: እንታይ እዩ ንኽንጽመሞ ዚሕግዘና፧ ቀዳማይ: ጸገማት እናሃለወና ኽነሱ ንየሆዋ ብተኣማንነት ምግልጋል እንተ ቐጺልና: ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ኢና እነርኢ። (ግብ. 14:22) ሰይጣን ንእዮብ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ኸም ዝኸሰሶ ኣይትረስዕ:- “እዮብ ንኣምላኽ ዚፈርሆስ ብኸምኡ ድዩ፧ ንስኻ ንእኡ ምስ ቤቱን ኣብ ዙርያኡ ዘለዎ ዅሉንዶ ሐጺርካዮ አየሎኻን፧ ንተግባር ኢዱ ባረኽካዮ: ጥሪቱ ድማ ንምድሪ መሊእዎ አሎ። ግናኸ: ኣብታ ገጽካ እንተ ዘይክሒዱካስ: ኢድካ ዘርጊሕካ ደሞ ንዅሉ ጥሪቱ ሃሰስ ኣይትብሎን።” (እዮ. 1:9-11) እዮብ ብንጽህናኡ ኣቢሉ: እቲ ኽሲ እቲ ብንጹር ሓሶት ምንባሩ ኣረጋገጸ። ንሕና እውን ኣብ ትሕቲ ጸበባ ብምጽማም: ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ንኸነመስክር ኣጋጣሚ ኣሎና። ምጽማምና ወይ ትዕግስትና ድማ ብግዲኡ: ንተስፋናን ንምትእምማንናን የደልድሎ።—ያእ. 1:4

15. እንታይ ኣብነታት ኬበራትዓካ ይኽእል፧

15 ካልኣይ: “እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ [ኣሕዋትካ] ይበጽሖም ከም ዘሎ” ዘክር። (1 ጴጥ. 5:9) እወ: “ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን።” (1 ቈረ. 10:13) ስለዚ: ኣብ ጸገማትካ ጥራይ ኣብ ክንዲ ምትኳር: ብዛዕባ ኣብነታት ካልኦት ብምስትንታን ብርታዐን ትብዓትን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። (1 ተሰ. 1:5-7፣ እብ. 12:1) ብዛዕባ እቶም ከቢድ ጸበባ እናሕለፉ ኽነሶም ብተኣማንነት እተዓገሱ እትፈልጦም ኣብነታት ግዜ ወሲድካ ሕሰብ። ምስቲ ንስኻ እተሕልፎ ዘለኻ ዚመሳሰል ኵነታት ብዛዕባ ዘሕለፉ ሰባት ዚገልጽ ኣብ ጽሑፋትና ዝወጸ ናይ ህይወት ተመክሮታት ንምርካብ ኣናዲኻ ዲኻ፧ እዚ ብዙሕ ኬበራትዓካ ይኽእል እዩ።

16. ኣምላኽ እተፈላለየ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ብኸመይ እዩ ዜበርትዓና፧

16 ሳልሳይ: የሆዋ “ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን” ምዃኑ ኣይትረስዕ። “በቲ ንርእስና ኻብ ኣምላኽ እንጸናንዓሉ ምጽንናዕ: ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዘበሉ ዅላቶም ከነጸናንዕ ምእንቲ ኺከአለናስ: ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ንሱ እዩ።” (2 ቈረ. 1:3, 4) ኣምላኽ ኣብ ጐድንና ዀይኑ ኣብዚ ሕጂ ዜጋጠመና ዘሎ ጸበባ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ “ጸበባና ዘበለ” የተባብዓናን የጸናንዓናን ከም ዘሎ ጌርካ እዩ ተገሊጹ። እዚ ኸኣ “ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዘበሉ ዅላቶም” ከነጸናንዕ የኽእለና። ጳውሎስ ንሓቅነት እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ህይወቱ ርእዩ እዩ።—2 ቈረ. 4:8, 9፣ 11:23-27

17. መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወትና ንዜጋጥመና ጸበባ ንኽንዋጽኣሉ ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

17 ራብዓይ: እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎና፣ እዚ ኸኣ “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ: ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ: . . . ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።” (2 ጢሞ. 3:16, 17) ቃል ኣምላኽ ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳሎና’ ጥራይ ኣይኰነን ዚገብረና። ኣብ ህይወት ንዜጋጥም ጸበባ ንኽንዋጽኣሉ እውን የኽእለና እዩ። ‘ፍጹማትን’ ‘ፈጺምና እተዳሎናን’ ይገብረና። እታ “ፈጺሙ ተዳልዩ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ በዅሪ ቓል: ቃል ብቓሉ “በቒዑ” ዚብል ትርጕም ኣለዋ። እዛ ቓል እዚኣ ንጕዕዞ ዜድሊ ዅሉ ነገር ብብቕዓት ንዘማልአት መርከብ ወይ ንሓንቲ ትጽቢት ዚግበረላ ዅሉ ብብቕዓት እትፍጽም ማሽን ንምግላጽ ተገልግል ነይራ። ብተመሳሳሊ: ብቓሉ ኣቢሉ ንዝዀነ ይኹን ዜጋጥመና ነገር ንኽንዋጽኣሉ ዜኽእለና ሓገዝ ሂቡና ኣሎ። እምበኣር: “ኣምላኽ እንተ ፈቒድዎ: ብሓገዙ ኽዋጽኣሉ እኽእል እየ” ኽንብል ንኽእል ኢና።

ካብ ኵሉ ጸበባ እንድሕነሉ ግዜ

18. ኣብ ምንታይ ምትኳርና እዩ ብተኣማንነት ክንጽመም ዚሕግዘና፧

18 ሓምሻይ: ነቲ የሆዋ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ንደቂ ሰብ ካብ ኵሉ ጸበባ ሓራ ዚገብረሉ ስጕምቲ ወትሩ ኣተኵረሉ። (መዝ. 34:19፣ 37:9-11፣ 2 ጴጥ. 2:9) ኣምላኽ ኬድሕነና ኺበሃል ከሎ: ካብዚ ሕጂ ዘሎና ጸበባ የድሕነና ጥራይ ዘይኰነስ: እንተ ኣብ ሰማይ ምስ የሱስ: ወይ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እውን ማለት እዩ።

19. ከመይ ጌርና ኢና ብተኣማንነት ክንጽመም እንኽእል፧

19 ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ግን: ነዚ ኣብዛ እክይቲ ዓለም ዘሎ ጸበባ ምጻርና ኽንቅጽል ኢና። ጸበባ ፈጺሙ ዘይህልወሉ እዋንሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ሃረር እንብል! (መዝ. 55:6-8) ብተኣማንነት ምጽማምና: ድያብሎስ ሓሳዊ ምዃኑ ኸም ዜርኢ ኣይንረስዕ። ካብ ጸሎትናን ክርስትያናዊ ሕውነትናን ብርታዐ ንርከብ: ኣሕዋትና ኸም ናትና ዓይነት ፈተናታት የሕልፉ ኸም ዘለዉ እውን ንዘክር። ንቓል ኣምላኽ ብግቡእ ብምጥቃም ፈጺምና እተዳለና ብቑዓት ሰባት ንኹን። ኣብቲ ፍቕራዊ ሓልዮት እቲ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ዘሎና ምትእምማን ነቕነቕ ኪብል ከቶ ኣይነፍቅደሉ። “ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን: ኣእዛኑ ኸኣ ናብ ኣውያቶም እየን” ዚብላ ቓላት ንዘክረን።—መዝ. 34:15

ክትምልሶዶ ትኽእል፧

• ዳዊት ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞ ጸበባ ኸመይ ተሰምዖ፧

• ንጉስ ሰሎሞን እንታይ ምትእምማን ከም ዘለዎ እዩ ገሊጹ፧

• ነቲ የሆዋ ዝፈቐዶ ዘበለ ንኽንጾሮ ኺሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ንዝጸበቦም ህዝቡ ንምሕጋዝ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ: ሰሎሞን ምትእምማን ነበሮ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ዳዊት ብጸሎት ኣቢሉ ጾሩ ናብ የሆዋ ደርበዮ: ምስ ጸሎቱ ተሰማሚዑ ድማ ስጕምቲ ወሰደ