ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብምንባብ ተሓጒስካዶ፧ እምበኣር እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ:-

• እቶም ሰብ ጥበብ መዓስ እዮም ንየሱስ ዝበጽሕዎ፧

ሓደ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ: “እቶም ሰብኣ ሰገል ከምቲ እቶም ጓሶት ዝገበርዎ ንየሱስ ኣብታ እተወለደላ ምሸት ኣብ መብልዕ ማል እናሃለወ ኣይበጽሕዎን: . . . ሒደት ኣዋርሕ ጸኒሖም . . . እዮም በጺሖምዎ” በለ። ኣብቲ ግዜ እቲ የሱስ ኣብ ቤት ዚነብር “ሕጻን” እዩ ነይሩ። (ማቴ. 2:7-11) ብዘይካዚ የሱስ ኣብታ እተወልደላ ምሸት ወርቅን ክቡር ህያባትን እንተ ዚወሃብ ነይሩ: ማርያም ድሕሪ 40 መዓልቲ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ክልተ ዑፍ ጥራይ መቕረበትዶ፧—1/1 ገጽ 31

• ብዙሓት ሰባት ንህይወቶም ዝያዳ ትርጕም ዘለዋ ንኺገብርዋ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

ሓደ ሰብ ‘ንዅነታተይ ኣመዓራርየ ንህይወተይ ቀላል ክገብራ እኽእልዶ፧’ ኢሉ ኺሓትት ይኽእል። ኤሚ ኸምኡ ገይራ እያ። ርኽብቲ እኳ እንተ ነበረት: ሕጕስቲ ኣይነበረትን። ዓለማዊ ሞያ ምስዓብ ካብ እምነት ክሳዕ ምምዝባል ዳርጋ ኸም ዘብጽሓ ኣስተውዓለት። ስለዚ: ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ከተቐድም ወሰነት፣ ንእተወሰነ ግዜ ድማ ፈላሚት ኰይና ኣገልገለት። “ሕጂ ኣብቲ ንዓለም ብምስራሕ ዘጥፋእክዎ መብዛሕትኡ ግዜይ ረኺበዮ ዘይፈልጥ ዕግበት ረኸብኩ” ድማ በለት።—15/1 ገጽ 19

• ገሊአን ኣዴታት ብዕዮአን ንኺዓግባ እንታይ ኪሕግዘን ይኽእል፧

ብዙሓት ኣዴታት ካብ ቤት ወጻኢ ይሰርሓ እየን። ገሊአን ከምዚ ዚገብራሉ ምኽንያት: ነታ ስድራ ቤት ዜድልያ መሰረታዊ ነገራት ንምምላእ እዩ፤ ገሊአን ከኣ ኣብ ኣወጻጽኣ ገንዘብ ናይ ርእሰን ውሳነ ምእንቲ ኺገብራ ኢለን ወይ ኣቕሑ ምሾት ኪዕድጋ ኢለን እየን ዚሰርሓ። ስርሐን ባህ ስለ ዚብለን ጥራይ ዝሰርሓ እውን ኣለዋ። ክርስትያን ኣዴታት ኣብ ቤት: ብሕልፊ ኸኣ ኣብ እዋን ሕጻንነት ደቀን ኣገዳሲ ግደ ኣለወን። ገሊአን ኣዴታት ንስድራ ቤተን ዝያዳ ቘላሕታ ንምሃብ ነቲ ዓለማዊ ስርሐን ደረት ኪገብራሉ ወይ ኬቋርጻኦ መሪጸን እየን: እዚ ኸኣ ዓብዪ ዕግበት ኣምጺኡለን እዩ።—1/2 ገጽ 28-31

• እቲ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 24:34 ዝገለጾ “ወለዶ” ንመን ዜመልክት እዩ፧

የሱስ መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም እኩያት ሰባት ኪዛረቦም ከሎ ወይ ከኣ ብዛዕባኦም ኪዛረብ ከሎ ነታ “ወለዶ” እትብል ቃል ብኣሉታዊ መገዲ ይጥቀመላ ነበረ። ነቶም ድሕሪ ሓጺር እዋን ብመንፈስ ቅዱስ ዚቕብኡ ደቀ መዛሙርቱ ኺዛረቦም ከሎ ግን ብኣሉታዊ መገዲ ኣይኰነን ተጠቒሙላ። ከመይሲ: ነቲ ኣብ ማቴዎስ 24:32, 33 ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳብ ምሉእ ብምሉእ ኪርድእዎ ዚኽእሉ ንሳቶም እዮም። ስለዚ: የሱስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩን ነቶም ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉን ቅቡኣት ሰዓብቱ ብምምልካት እዩ ዚዛረብ ነይሩ።—15/2 ገጽ 23-4

• ከምቲ ኣብ ገላትያ 3:24 (ትርጕም 1990) ተገሊጹ ዘሎ: እቲ ሕጊ ሓላዊ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

መብዛሕትኡ እዋን: እቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ሓላዊ ብዕድመ ዝደፍአ እሙን ባርያ ዀይኑ: ንድሕንነት እቲ ቘልዓ ይከታተልን ነቲ ኣቦ ንውሉዱ ኺግበረሉ ዚደለዮ ነገራት ከም እተፈጸመ የረጋግጽን ነበረ። ብተመሳሳሊ: እቲ ሕጊ ንኣይሁዳውያን ካብ ምስ ኣረማውያን ምውሳብ ዝኣመሰለ ሕማቕ ጽልዋ ዕቝባ ዀይንዎም እዩ። ይኹን እምበር: ልክዕ ከምቲ ሓላዊ: እቲ ሕጊ እውን ክሳዕ ክርስቶስ ዚመጽእ ዜገልግል ግዜያዊ እዩ ነይሩ።—1/3 ገጽ 18-21

• ምስ ያእቆብ 3:17 ብምስምማዕ እንታይ ባህርያት ኢና ኸነርኢ ዚግባእ፧

ንእኩይ ነገራት ብቕልጡፍ ብምንጻግ: ንጹሃት ምዃንና ኸነርኢ ኣሎና። (ዘፍ. 39:7-9) ካብ ቍጥዓን ሰላም ካብ ዚዘርግ ተግባርን ብምርሓቕ እውን ሰላማውያን ክንከውን ኣሎና። ስለዚ: ነፍሲ ወከፍና ንገዛእ ርእስና ኸምዚ ዚስዕብ ኢልና ምሕታትና ግቡእ እዩ:- ‘ከም ገባር ሰላም ድየ ዝፍለጥ ወይስ ከም ዘራግ ሰላም፧ ብተደጋጋሚ ምስ ካልኦት እሰሓሓብ ድየ፧ ብቐሊሉ ዝጕሂ ወይ ንኻልኦት ብተደጋጋሚ ዘጕሂ ድየ፧ ይቕረ ንምባል ድሉው ድየ ወይስ ናተይ መለክዒታት ተቐባልነት ንኺረክብ እየ ድርቕ ዝብል፧’—15/3 ገጽ 24-5

• የሱስ ንሓደ ዕዉር ሰብኣይ በብቝሩብ ዘሕወዮ ስለምንታይ እዩ፧ (ማርቆስ 8:22-26)

መጽሓፍ ቅዱስ: መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ብንጹር ኣይነግረናን እዩ። ይኹን እምበር: የሱስ ነቲ ሰብኣይ በብቝሩብ ምሕዋዩ: እቲ ሰብኣይ ምስቲ ሓድሽ ኵነታቱ ንኺለማመድ ግዜ ኸም ዚረክብ ገይርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ የሱስ ነቲ ዕዉር ሰብኣይ ዝነበሮ ፍቕራዊ ሓልዮት ዜርኢ እዩ።—1/4 ገጽ 30