ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንህይወት ትርጕም ዘለዋ ዚገብራ እንታይ እዩ፧

ንህይወት ትርጕም ዘለዋ ዚገብራ እንታይ እዩ፧

ንህይወት ትርጕም ዘለዋ ዚገብራ እንታይ እዩ፧

“ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ።” —መክ. 12:13

1, 2. መጽሓፍ መክብብ ብምምርማርና ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

 ኵሉ ነገራት እተማልኣሉ ዚመስል ሰብኣይ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። ፍሉጥ መራሕ ሃገር: ሓደ ኻብቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዝሃብተሙ ሰባት: ከምኡውን ካብቶም ኣብ ግዜኡ ብጥበብ መወዳድርቲ ዘይብሉ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: እዚ ዅሉ ኣሳልጦ እኳ እንተ ረኸበ: ‘ንህይወት ትርጕም ዘለዋ ዚገብራ እንታይ እዩ፧’ ኢሉ ሓተተ።

2 ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብኣይ ብሓቂ ነይሩ እዩ። ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ዓመት ይገብር እዩ ብህይወት ነይሩ። ስሙ ሰሎሞን ይበሃል: ኣብ መጽሓፍ መክብብ ከኣ ዕግበት ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ተገሊጹ ኣሎ። (መክ. 1:13) ካብ ሰሎሞን ብዙሕ ክንመሃሮ እንኽእል ነገራት ኣሎ። እቲ ኣብ መጽሓፍ መክብብ ዚርከብ ጥበብ: ንህይወትና ናይ ሓቂ ትርጕም ዘለዋ ዚገብራ ሸቶታት ንኽንገብር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

“ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ”

3. ብዛዕባ ህይወት ሰብ እንታይ ኣገዳሲ ሓቂ ኢና ኸነምልጠሉ ዘይንኽእል፧

3 ሰሎሞን: ኣምላኽ መወዳእታ ዘይብሉ ኣዝዩ ዜደንቕ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ከም ዝፈጠረ ገለጸ። ይኹን እምበር: ህይወትና ኣዝያ ሓጻር ብምዃና: እቲ ኻብ ፍጥረት የሆዋ እንምርምሮ ኣብ ግምት ዚኣቱ ኣይኰነን። (መክ. 3:11፣ 8:17) መዓልትታትና ሒደት ምዃነንን ቀልጢፈን ከም ዚሓልፋን መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (እዮ. 14:1, 2፣ መክ. 6:12) እዚ ኣገዳሲ ሓቂ እዚ ንህይወትና ብጥበብ ንኽንጥቀመላ ኺድርኸና ኣለዎ። ናይ ሰይጣን ዓለም ግጉይ መገዲ ንኽንስዕብ ጽልዋ ኽትገብረልና ስለ እትኽእል: ንህይወትና ብጥበብ ምጥቃም ቀሊል ዕማም ኣይኰነን።

4. (ሀ) እታ “ኸንቱነት” እትብል ቃል እንታይ ማለት እያ፧ (ለ) ሰባት ኣብ ህይወት ዚስዕብዎ እንታይ ነገራት ኢና ኽንምርምር፧

4 ሰሎሞን ንህይወትና ምብኻን ዜስዕቦ ሓደጋ ምእንቲ ኼጕልሕ ኢሉ: ኣብ መክብብ ልዕሊ 30 ግዜ “ኸንቱነት” እትብል ቃል ተጠቒሙ ኣሎ። እታ “ኸንቱነት” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል: ንሓደ ባዶ: ከንቱ: ትርጕም ዘይብሉ: ዘይጠቅም: ነባሪ ዋጋ ዘይብሉ ነገር እያ እተመልክት። (መክ. 1:2, 3) ሓድሓደ ግዜ ሰሎሞን ነታ “ኸንቱነት” እትብል ቃል ምስ “ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ” እትብል ሓረግ ብምትእስሳር ተጠቒሙላ ኣሎ። (መክ. 1:14፣ 2:11) ንንፋስ ንምሓዝ ዚግበር ዝዀነ ይኹን ጻዕሪ ኸንቱ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ዝዀነ ይኹን ከምኡ ኺገብር ዚፍትን ሰብ ንፋስ ዓሚኹ እዩ ዚተርፍ። ዘይጥበባዊ ሸቶታት ምስዓብ ከኣ ብማዕረ ዜበሳጩ እዩ። ኣብዚ ስርዓት እዚ ዘላ ህይወት ኣዝያ ሓጻር ስለ ዝዀነት: ኣብቲ ጥራይ ኢድና ዜትርፈና ጻዕርታት ከነባኽና ኣይግባእን። ስለዚ: ከምዚ ዝኣመሰለ ጌጋታት ምእንቲ ኸይንገብር: ገለ ኻብቲ ሰሎሞን ዝጠቐሶ ሰባት ኣብ ህይወቶም ዚስዕብዎ ልሙድ ነገራት እስከ ንርአ። ፈለማ: ደድሕሪ ተድላን ጥሪትን ምስዓብ ክንርኢ ኢና። ድሕሪኡ: ዕዮ ዘለዎ ኣገዳስነት ክንምርምር ኢና።

ደድሕሪ ተድላ ምስዓብ ሓጐስ የምጽኣልና ድዩ፧

5. ሰሎሞን ካበይ እዩ ዕግበት ኪረክብ ጽዒሩ፧

5 ከምቲ ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ዚገብርዎ: ሰሎሞን እውን ደድሕሪ ተድላ ብምስዓብ ዕግበት ኪረክብ ፈቲኑ እዩ። “ሓጐስ ዘበለ ንልበይ ኣይከላእክዎን” በለ። (መክ. 2:10) ካበይ እዩ ተድላ ኺረክብ ጽዒሩ፧ ብመሰረት መክብብ ምዕራፍ 2 ርእሱ እናተቘጻጸረ ‘ንስጋኡ ብወይኒ’ ፍስሃ ኼምጽእ ፈተነ: ስፍራ ኣታኽልትን ቤተ መንግስትን ሙዚቃን ጽቡቕ ምግብን እውን ነበሮ።

6. (ሀ) ኣብ ህይወት ብገሊኡ ጽቡቕ ነገራት ምሕጓስ ጌጋ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ንመዘናግዒ ብዚምልከት: እንታይ ሚዛናዊ ኣተሓሕዛ እዩ ዜድሊ፧

6 መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ፈተውትኻ ጽቡቕ ግዜ ምሕላፍ ይዅንን ድዩ፧ ኣይኵንን እዩ። ንኣብነት: ኣበርቲዕካ ድሕሪ ምዕያይካ ኣዕርፍ ኣቢልካ ምብላዕ: ውህበት ኣምላኽ ምዃኑ ሰሎሞን ሓቢሩ ኣሎ። (መክብብ 2:24፣ 3:12, 13 ኣንብብ።) ብዘይካዚ: የሆዋ ንባዕሉ ንመንእሰያት: ስርዓት ብዘለዎ ኣገባብ ‘ባህ ኪብሎምን ልቦም ኪሕጐስን’ ዓዲምዎም ኣሎ። (መክ. 11:9) መዛነዪን ጥዑይ መዘናግዕን የድልየና እዩ። (ምስ ማርቆስ 6:31 ኣረኣኢ።) ይኹን እምበር: መዘናግዒ ቐንዲ ዕላማ ህይወትና ኪኸውን የብሉን። ኣብ ክንዳኡስ: መዛነዪ ኸምቲ ኣብ መኣዲ ዚቐርብ ቀንዲ ምግቢ ዘይኰነስ: ከምቲ ኣብ መወዳእታ መኣዲ ዚብላዕ ምቁር ምግቢ ኪኸውን ኣለዎ። ምቁር ምግቢ ኣዚኻ ፍቶ ብዘየገድስ: ካልእ ምግቢ ገዲፍካ ንዕኡ ጥራይ እንተ ተመጊብካ ቐልጢፉ እዩ ዚምነወካ: ንሰብነትካ ዜድሊ እተማልአ መኣዛታት እውን የብሉን። ብተመሳሳሊ: ሰሎሞን ደድሕሪ ተድላ ኣብ ምስዓብ ዘተኰረት ህይወት: “ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ” ኰይኑ እዩ ረኺብዎ።—መክ. 2:10, 11

7. መዘናግዒና ተጠንቂቕና ኽንመርጽ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

7 ብተወሳኺ: ኵሉ ዓይነት መዘናግዒ ኣይኰነን ጥዑይ። ሓያሎ ዓይነት መዘናግዒ ብመንፈሳዊ ዀነ ብስነ-ምግባራዊ መዳይ ኣመና ጐዳኢ እዩ። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ‘ጽቡቕ ግዜ ኸነሕልፍ’ ኢሎም ሓሽሽ ኪወስዱ ብምጅማሮም: ኣልኮላዊ መስተ ብምብዛሖም: ወይ ብምጥላዖም ኣብ ሽግር ደይኰነን ኣትዮም፧ ልብና ወይ ዓይንና ናብ ጐዳኢ ዝዀነ ነገር ኪመርሓና እንተ ፈቒድናሉ: ሳዕቤኑ ኽንዓጽድ ክንጽበ ኸም ዘሎና የሆዋ ብሕያውነት የጠንቅቐና እዩ።—ገላ. 6:7

8. ብዛዕባ መገዲ ህይወትካ ምስትንታን ጥበብ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

8 ብዘይካዚ: ሚዛንና ኸይሓለና ደድሕሪ ተድላ እንተ ስዒብና: ነቲ ኣውራ ነገራት ግቡእ ቈላሕታ ንኸይንገብር ዕንቅፋት ይዀነና እዩ። ህይወት ቀልጢፋ ኸም እትሓልፍ: እዛ ሓጻር ህይወትና ኸኣ ወትሩ ጽቡቕ ጥዕናን ጸገም ዘይብላን ንኽትከውን ውሕስነት ከም ዘይብልና ኣይንረስዕ። ስለዚ ኸኣ እዩ ኸምቲ ሰሎሞን ኣስዕብ ኣቢሉ ዝገለጾ: ናብ “ቤት ሓጐስ” ካብ ምኻድ: ናብ ቀብሪ—ብሕልፊ ኸኣ ናብ ቀብሪ ሓደ እሙን ክርስትያን ሓው ወይ ሓብቲ—ምኻድ ዝሓሸ ዚኸውን። (መክብብ 7:2, 4 ኣንብብ።) ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ዚኸውን፧ መደረ ቐብሪ ኽንሰምዕን ብዛዕባ ታሪኽ ህይወት እቲ ዝሞተ እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ኽንሓስብን ከለና: መገዲ ህይወትና ኽንምርምር ንድረኽ ንኸውን። ከም ውጽኢቱ: ዝተረፈ ህይወትና ብጥበብ ምእንቲ ኽንጥቀመሉ ሸቶታትና ኸነተዓራሪ ኸም ዘሎና ኽንድምድም ንኽእል ኢና።—መክ. 12:1

ስጋዊ ጥሪት ዕግበት የምጽኣልና ድዩ፧

9. ሰሎሞን ብዛዕባ ሃብቲ ምጥራይ እንታይ እዩ ኣስተብሂሉ፧

9 ሰሎሞን ንመጽሓፍ መክብብ ኪጽሕፍ ከሎ ሓደ ኻብቶም ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ዝሃብተሙ ሰባት እዩ ነይሩ። (2 ዜና 9:22) ዝደለዮ ዘበለ ኺረክብ ዓቕሚ ነበሮ። “ኣዒንተይ ዝደለያኦ ዅሉ ኣይከልከልክወንን” ኢሉ ጸሓፈ። (መክ. 2:10) ይኹን እምበር: ጥሪት ብርእሱ ዕግበት ከም ዘየምጽኣሉ እዩ ኣስተብሂሉ። “ብሩር ዚፈቱ ብብሩር ኣይጸግብን። ሃብቲ ዚፈቱ ኸኣ ኣይረብሕን: እዚውን ከንቱነት እዩ” ኣብ ዚብል መደምደምታ ድማ በጽሐ።—መክ. 5:10

10. ናብ ናይ ሓቂ ዕግበትን ናይ ሓቂ ሃብትን ዚመርሕ እንታይ እዩ፧

10 ሃብቲ ነባሪ ዋጋ እኳ እንተ ዘይብሉ: ንብዙሓት ሰባት ግን ኣመና ይስሕቦም እዩ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ እተገብረ መጽናዕቲ: ካብቶም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዚርከቡ ዅሎም ናይ ቀዳማይ ዓመት ተመሃሮ 75 ሚእታዊት ዝዀኑ ቐንዲ ሸቶ ህይወቶም: “ኣመና ሃብታማት” ምዃን ከም ዝዀነ ገለጹ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ዋላ እውን ነቲ ሸቶኦም እንተ በጽሕዎ: ብሓቂ ግን ሓጐስ ረኺቦም ድዮም፧ ኣይረኸቡን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ፍቕረ-ንዋይ ምትኳር: ንሓጐስን ዕግበትን ዕንቅፋት ምዃኑ መጽናዕትታት ይሕብር እዩ። ነዊሕ ይገብር ሰሎሞን ኣብቲ መደምደምታ እቲ በጺሑ ነይሩ። “ብሩር: ወርቂ: ናይ ነገስታትን ሃገራትን ከኣ መዝገባት አከብኩ: . . . እዚ ዅሉ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። a (መክ. 2:8, 11) ብኣንጻሩ ግን: ህይወትና ንየሆዋ ብምሉእ ልብና ንምግልጋል እንተ ተጠቒምናላን በረኸቱ እንተ ረኺብናን: ናይ ሓቂ ሃብቲ ንረክብ ኢና።—ምሳሌ 10:22 ኣንብብ።

እንታይ ዓይነት ዕዮ እዩ ናይ ሓቂ ዕግበት ዜምጽእ፧

11. ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ኣገዳስነት ዕዮ እንታይ እዩ ዚሕብር፧

11 የሱስ: “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይዓዪ ኣሎ፥ ኣነውን እዓዪ ኣሎኹ” በለ። (ዮሃ. 5:17 ትርጕም 1990) የሆዋን የሱስን ካብ ዕዮ ዕግበት ከም ዚረኽቡ ኣየጠራጥርን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየ: እንሆ: ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ” ኺብል ከሎ: ነቲ የሆዋ ኺፈጥር ከሎ ዝረኸቦ ዕግበት ይሕብረና። (ዘፍ. 1:31) መላእኽቲ ነቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ምስ ረኣዩ: ‘እልል ኢሎም’ እዮም። (እዮ. 38:4-7) ሰሎሞን እውን ብተመሳሳሊ ኣገዳስነት እቲ ትርጕም ዘለዎ ዕዮ ተረዲኡ እዩ።—መክ. 3:13

12, 13. (ሀ) ክልተ ውልቀ-ሰባት ነቲ ኣበርቲዕካ ብምዕያይ ዚርከብ ዕግበት ብኸመይ ገሊጾምዎ፧ (ለ) ዓለማዊ ስራሕ ሓድሓደ ግዜ ዜበሳጩ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

12 ብዙሓት ሰባት ኣበርቲዕካ ምዕያይ ዘለዎ ኣገዳስነት ተረዲኦምዎ እዮም። ንኣብነት: ሆሴ ዝስሙ ዕዉት ሰኣሊ: “ነቲ ኣብ ኣእምሮኻ ዘሎ ስእሊ ኣብ ሽራዕ ክትስእሎ እንተ ኽኢልካ: ኣብ በሪኽ ከረን ከም ዝደየብካ እዩ ዚስምዓካ” በለ። ሚገል b ዚበሃል ነጋዳይ ከኣ: “ስራሕ ንስድራ ቤትካ ዜድሊ ንኸተማልእ ስለ ዜኽእለካ: ዕግበት የምጽኣልካ እዩ” በለ።

13 በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ብዙሕ ዓይነት ስራሓት ተደጋጋምን መሃዚ ንኽትከውን ዕድል ዘይህብን እዩ። ሓድሓደ ግዜ ሰባት ኣብ ስራሖም ዜበሳጩ ነገር የጋጥሞም: ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ ይግፍዑ እዮም። ከምቲ ሰሎሞን ዝሓበሮ: ሃካይ ምናልባት ነቲ ምስቶም ስልጣን ዘለዎም ሰባት ዘለዎ ርክባት ተጠቒሙ: ዓስቢ እቲ ትጉህ ሰራሕተኛ ኺወስድ ይኽእል እዩ። (መክ. 2:21) ናብ ጓሂ ዚመርሕ ካልእ ረቛሒታት እውን ኣሎ። ጽቡቕ ናይ ስራሕ ኣጋጣሚ ዀይኑ ዝጀመረ ነገር: ቍጠባዊ ውድቀት ወይ ኣጋጣሚ ብዘምጸኦ ሽግር ዜኽስር ኪኸውን ይኽእል እዩ። (መክብብ 9:11 ኣንብብ።) ብዙሕ ግዜ እቲ ንኺዕወት ኣጸቢቑ ዚቃለስ ሰብ: ጻዕሩ “ንንፋስ ዝጸዐሮ” ምዃኑ ፈሊጡ ይምረርን ይበሳጮን እዩ።—መክ. 5:16

14. እንታይ ዕዮ እዩ ወትሩ ናይ ሓቂ ዕግበት ዜምጽእ፧

14 ፈጺሙ ዘየጕሂ ዓይነት ዕዮ ኣሎዶ፧ እቲ ኣቐዲሙ እተጠቐሰ ሰኣሊ ዝዀነ ሆሴ ኸምዚ በለ:- “ዓመታት እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን: ስእልታት ኪጠፍእ ወይ ኪበላሾ ይኽእል እዩ። ኣብ መንፈሳዊ ነገራት እነፍርዮ ፍረ ግን ከምኡ ኣይከውንን እዩ። ኣነ ኣብ ስብከት ብስራት ነቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ብምኽባረይ: ነባሪ ነገር ኣብ ምህናጽ ሓጊዘ እየ፣ እዚ ድማ ንኻልኦት ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ክርስትያናት ኪዀኑ ምሕጋዝ እዩ። እዚ ብዋጋ ዘይሽነን እዩ።” (1 ቈረ. 3:9-11) ሚገል እውን ብተመሳሳሊ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ ካብ ዓለማዊ ስራሑ ንላዕሊ ዕግበት ከም ዜምጽኣሉ ኺገልጽ ከሎ: “ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ንሰብ ከተካፍል ከለኻን ነቲ ሰብ ልቡ ኸም ዝተንከፎ ኽትርኢ ኸለኻን ዚስምዓካ ሓጐስ ብኻልእ ኪትካእ ኣይከኣልን እዩ” በለ።

“ንእንጌራኻ ናብ ልዕሊ ማይ ስደዶ”

15. ንህይወት ትርጕም ዘለዋ ዚገብራ እንታይ እዩ፧

15 ኣብ መደምደምታ: ንህይወት ብሓቂ ትርጕም ዘለዋ ዚገብራ እንታይ እዩ፧ ነታ ኣብዚ ስርዓት እዚ እነሕልፋ ሓጻር ህይወትና: ሰናይ ንምግባርን ንየሆዋ ንምሕጓስን እንተ ተጠቒምናላ ኢና ናይ ሓቂ ዕግበት እንረክብ። ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ከነማዕብል ንኽእል ኢና: ንደቅና መንፈሳዊ ስርዓታት ክንምህሮም ንኽእል ኢና: ንኻልኦት ሰባት ንየሆዋ ኺፈልጥዎ ኽንምህሮም ንኽእል ኢና: ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከኣ ነባሪ ምሕዝነት ክንምስርት ንኽእል ኢና። (ገላ. 6:10) ኵሉ እዚ ጻዕርታት እዚ ነባሪ ዋጋ ኣለዎ: ነቶም ዝረኸብዎ ድማ በረኸት የምጽኣሎም። ሰሎሞን ሰናይ ምግባር ዘለዎ ዋጋ ንምግላጽ ኣዝዩ ማራኺ ምንጽጻር ተጠቒሙ ኣሎ። “ንእንጌራኻ ናብ ልዕሊ ማይ ስደዶ: ከመይሲ ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት ክትረኽቦ ኢኻ” በለ። (መክ. 11:1) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: “ሀቡ ኺውሀበኩም እዩ” ኢሉ ኣተባብዖም። (ሉቃ. 6:38) ብተወሳኺ: የሆዋ ንባዕሉ ነቶም ንኻልኦት ሰናይ ዚገብሩ ዓስቦም ኪህቦም ምዃኑ ተመባጺዑ ኣሎ።—ምሳ. 19:17፣ እብራውያን 6:10 ኣንብብ።

16. ኣብ ህይወትና ብዛዕባ ኽንገብሮ እንደሊ መደብ ከነውጽእ ዚግባእ መዓስ ኢና፧

16 መጽሓፍ ቅዱስ ገና ብግዜ ንእስነትና ንህይወትና ብኸመይ ከም እንጥቀመላ ጥበባዊ ውሳነ ኽንገብር ይምሕጸነና። ከምኡ እንተ ጌርና: ኣብቲ ድሒሩ ዝመጽእ ዓመታት ካብ ብስጭት ነምልጥ ኢና። (መክ. 12:1) ነቲ ብሉጽ ዓመታት ህይወትና ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዚስሕብ ነገራት ክንስዕብ ኣሕሊፍናዮ ኸነብቅዕ: ኣብ መወዳእታ ኸም ንፋስ ዘይዕመዅ ምዃኑ እንተ ፈሊጥናስ ክሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ ዚኸውን!

17. ነቲ ብሉጽ መገዲ ህይወት ንኽትመርጽ እንታይ ይሕግዘካ፧

17 የሆዋ ኸም ፈቃር ኣቦ መጠን: ብህይወትካ ኽትሕጐስን ሰናይ ክትገብርን ካብ ዘየድሊ ጓሂ ልቢ ኸተምልጥን እዩ ዚደልየካ። (መክ. 11:9, 10) ከምኡ ንኽትገብር ዚሕግዘካ እንታይ እዩ፧ መንፈሳዊ ሸቶታት ኣውጽእ: ንኽትወቕዖ ድማ ኣበርቲዕካ ዕየ። ዳርጋ 20 ዓመት ይገብር: ኻቭየር ካብ መንጎ ብዙሕ ኣታዊ ዚርከቦ ዓውዲ ሕክምናን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎትን ሓዲኡ ኺመርጽ ነበሮ። “ስራሕ ሓኪም ዜዕግብ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ: ምስቲ ንገሊኦም ሰባት ሓቂ ኺፈልጡ ምስ ሓገዝክዎም ዝረኸብክዎ ሓጐስ ኪወዳደር ዚኽእል ግን ዋላ ሓንቲ የልቦን” በለ። ኣስዒቡ ድማ: “ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንህይወት ኣጸቢቐ ንኸስተማቕራ ኣኽኢሉኒ እዩ። ሓደ ዜጣዕሰኒ ነገር እንተ ኣልዩ: ነዚ ኣቐዲመ ዘይምጅማረይ እዩ” በለ።

18. የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበረቶ ህይወት ምሉእ ትርጕም ዘለዋ ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

18 ከነጥርዮ ዚግብኣና ልዕሊ ዅሉ ኽቡር ዝዀነ ነገር ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧ መጽሓፍ መክብብ: “ካብ ጽቡቕ ሽታ ጽቡቕ ስም ይሐይሽ: ካብ መዓልቲ ምላድ መዓልቲ ሞት ይበልጽ” ትብል። (መክ. 7:1) ከም ህይወት የሱስ ገይሩ: ነዚ ነጥቢ እዚ ብግብሪ ኼርእየና ዚኽእል የልቦን። የሱስ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብሉጽ ስም ኣጥርዩ እዩ። ብተኣማንነት ምስ ሞተ: ንልዑላውነት ኣቦኡ ኣረጋጊጹን መስዋእታዊ በጃ ኸፊሉን እዩ፣ እዚ ኸኣ ንምድሓንና መገዲ ኸፈተ። (ማቴ. 20:28) ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ሓጺር እዋን: ናይ ሓቂ ትርጕም ዘለዋ ህይወት ብምንባር ዝመጸ: ክንቀድሖ ዚግባእ ፍጹም ኣብነት ሓዲጉልና እዩ።—1 ቈረ. 11:1፣ 1 ጴጥ. 2:21

19. ሰሎሞን እንታይ ጥበባዊ ምኽሪ እዩ ዝሃበ፧

19 ንሕና እውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽቡቕ ስም ኪህልወና ይኽእል እዩ። ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጽቡቕ ስም ምጥራይ: ካብ ሃብቲ ኣጸቢቑ ይበልጽ። (ማቴዎስ 6:19-21 ኣንብብ።) ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሰናይ ዝዀነን ንህይወትና ትርጕም ዚውስኽን ነገር መዓልታዊ ንኽንገብር መገድታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ንሰባት እቲ ብስራት ከነካፍሎም: ንሓዳርናን ስድራናን ከነደልድል: ከምኡውን ብሕታዊ መጽናዕቲ ብምግባርን ኣብ ኣኼባታት ብምእካብን መንፈሳውነትና ኸነደልድል ንኽእል ኢና። (መክ. 11:6፣ እብ. 13:16) ስለዚ እምበኣር: ብሓቂ ትርጕም ዘለዎ ህይወት ኪህልወካ ትደሊ ዲኻ፧ እንተ ደሊኻ ነዚ ሰሎሞን ዝሃቦ ምኽሪ ስዓቦ:- “እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና እዩ እሞ: ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ።”—መክ. 12:13

[እግረ-ጽሑፋት]

a ዓመታዊ ኣታዊ ሰሎሞን 666 ታለንት (ልዕሊ 22,000 ኪሎ ግራም) ወርቂ ነበረ።—2 ዜና 9:13, 14

b ስም ተቐዪሩ እዩ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ብዛዕባ ኣብ ህይወትና እንገብሮ ሸቶታት ኣርዚንና ንኽንሓስብ ኪድርኸና ዘለዎ እንታይ እዩ፧

• ደድሕሪ ተድላን ጥሪትን ምጕያይ ብኸመይ ክንርእዮ ይግባእ፧

• እንታይ ዓይነት ዕዮ እዩ ነባሪ ዕግበት ዜምጽእ፧

• እንታይ ክቡር ነገር ኢና ኸነጥሪ ኽንጽዕር ዘሎና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

መዘናግዒ ኣብ ህይወትና እንታይ ቦታ እዩ ኺህልዎ ዚግባእ፧

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ንዕዮ ስብከት ዜዕግብ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧