ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ሓዳርን ስድራን ምግባር

ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ሓዳርን ስድራን ምግባር

ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ሓዳርን ስድራን ምግባር

“እቲ ዘመን ሓጺር እዩ።”—1 ቈረ. 7:29

1. (ሀ) ኣብዚ ግዜና ዚርአ እንታይ ለውጥታት እዩ ምስቲ “ኽፉእ” ነገራት ኪጽብጸብ ዚኽእል፧ (ለ) ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ናብራ ስድራ ቤት ይልወጥ ምህላዉ ዜገድሰና ስለምንታይ እዩ፧

 “ጊዜ መወዳእታ” ውግእን ምንቅጥቃጥ ምድርን ጥሜትን ፌራን ዚርኣየሉ ኪኸውን ምዃኑ ቓል ኣምላኽ ተነብዩ ነይሩ። (ዳን. 8:17, 19፣ ሉቃ. 21:10, 11) ብተወሳኺ እዚ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ወሳኒ ዝዀነ እዋን: ብዙሕ ማሕበራዊ ለውጥታት ዚረኣየሉ እዋን ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ የጠንቅቕ እዩ። ኣብ ናብራ ስድራ ቤት ዜጋጥም ህውከት ሓደ ኻብቲ ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዚርአ “ኽፉእ” ነገራት እዩ። (2 ጢሞ. 3:1-4) ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጥታት ዜገድሰና ስለምንታይ እዩ፧ እቲ ለውጥታት ኣመና ሰፊሕን ሓያልን ካብ ምዃኑ እተላዕለ: ነቲ ክርስትያናት ብዛዕባ ሓዳርን ስድራን ዘለዎም ኣረኣእያ ኺጸልዎ ስለ ዚኽእል እዩ። ብኸመይ፧

2. ዓለም ብሓፈሻ ብዛዕባ መርዓን ፍትሕን ዘለዋ ኣረኣእያ ኸመይ እዩ፧

2 ኣብዚ ግዜና ፍትሕ ኣስፋሕፊሑን ተራ ነገር ኰይኑን ኣሎ: ኣብ ሓያሎ ሃገራት እውን ብዝሒ ፍትሕ ይውስኽ ኣሎ። ይኹን እምበር: የሆዋ ኣምላኽ ብዛዕባ መርዓን ፍትሕን ካብቲ ዓለም ብሓፈሻ እተቐበለቶ ፈጺሙ እተፈልየ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎ ብንጹር ክንዝክር ኣሎና። የሆዋ ዘለዎ ኣረኣእያ ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧

3. የሆዋን የሱስ ክርስቶስን ብዛዕባ መርዓ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧

3 የሆዋ ኣምላኽ ንምርዑዋት ሰባት: ነቲ ኺምርዓዉ ኸለዉ ዝኣተውዎ ቓል ኪዳን እሙናት ኪዀኑ እዩ ዚጽበዮም። ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ኬመራዕዎም ከሎ: “ሰብኣይ . . . ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ” በለ። የሱስ ክርስቶስ ጸኒሑ ነዘን ቃላት እዚኣተን ድሕሪ ምድጋሙ: “ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ: ሰብ ኣይፍለዮ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን: “እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ” በለ። (ዘፍ. 2:24፣ ማቴ. 19:3-6, 9) ስለዚ: የሆዋን የሱስን ንመርዓ ሓደ ኻብቶም መጻምድቲ ምስ ሞተ ጥራይ ዜብቅዕ ኣብ ምሉእ ህይወት ዚቕጽል ማእሰር ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። (1 ቈረ. 7:39) መርዓ ቕዱስ ስርዓት ስለ ዝዀነ: ፍትሕ ኣፍኲስካ ኺርአ የብሉን። አረ ቓል ኣምላኽ እሞ ኸኣ የሆዋ ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ዘይብሉ ፍትሕ ከም ዚጸልኦ ይገልጽ እዩ። aሚልክያስ 2:13-16፣ 3:6 ኣንብብ።

ሓዳር ዜምጽኦ ሓላፍነት ምስካም

4. ገሊኦም መንእሰያት ተሃዊኾም ድሕሪ ምምርዓዎም ዚጠዓሱ ስለምንታይ እዮም፧

4 እዛ እንነብረላ ዘለና ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም ብጾታዊ ርክብ ዝዓበደት እያ። መዓልታዊ ስጋዊ ትምኒት ዜለዓዕል ማእለያ ዘይብሉ ነገራት የጓንፈና እዩ። እዚ ነገር እዚ ኣባና: ብፍላይ ከኣ ኣብቶም መንእሰያት ኣባላት ጉባኤ ዘለዎ ጽልዋ ዕሽሽ ክንብሎ ኣይንኽእልን ኢና። መንእሰያት ክርስትያናት ነዚ ኸይፈተዉ ጾታዊ ባህጊ ኼለዓዕል ዚኽእል ሕማቕ ጽልዋ ብኸመይ ምላሽ ኪህቡሉ ይግባእ፧ ገሊኦም ነዚ ጽልዋ እዚ ንኺጻወርዎ ኢሎም ብኣጋኡ ይምርዓዉ። በዚ ኸምዚ ብጾታዊ ርኽሰት ከይወድቁ ተስፋ ይገብሩ። ነዊሕ ከይጸንሑ ግን ብዙሓት ነዚ ውሳነ እዚ ተጣዒሶምሉ እዮም። ስለምንታይ፧ እዋን መርዓ ሓሊፉ ብስርዓት ሓዳር ምስ ጀመሩ: ንሳቶምን መጻምድቶምን ኣብ መዓልታዊ ጕዳያቶም ብዙሕ ሓባራዊ ነገር ከም ዘይብሎም ይግንዘቡ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰብ ሓዳር ከቢድ ጸገም እዩ ዜጋጥሞም።

5. ሰብ ሓዳር ነቲ ዝኣተውዎ ቓል ኪዳን እሙናት ንኪዀኑ ዚድግፎም እንታይ እዩ፧ (እግረ-ጽሑፍ እውን ርአ።)

5 እቲ እትምርዓዎ ሰብ ዋላ እውን ክርስትያን ይኹን: ካብቲ እትጽበዮ ኣዝዩ እተፈልየ እንተ ዀይኑ: እቲ ሓዳር ኣጸጋሚ እዩ ዚኸውን። (1 ቈረ. 7:28) ኰይኑ ግን: ኣብ ውሽጢ ሓዳር ብዙሕ ጸገማት ይሃሉ ብዘየገድስ: ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ፍትሕ ምግባር ቅቡል ከም ዘይኰነ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ይፈልጡ እዮም። ስለዚ: እቶም ነቲ ዝኣተውዎ ቓል ኪዳኖም እሙናት ንኪዀኑ ኢሎም ሓዳሮም ንኸይፈርስ ኣበርቲዖም ዚዓዩ: ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣኽብሮትን ፍቕራዊ ደገፍን ይግብኦም። b

6. መንእሰያት ክርስትያናት ንመርዓ ብኸመይ ኪርእይዎ ኣለዎም፧

6 ገና ዘይተመርዓኻ መንእሰይ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ: ንመርዓ ብኸመይ ክትርእዮ ኣሎካ፧ ምስ ክርስትያን ኣንጻር ጾታ: ፍቕሪ ቕድሚ ምምስራትካ ብኣካላውን ብኣእምሮኣውን ብመንፈሳውን መዳይ እንተ ተዳሊኻ: ካብ ብዙሕ ጓሂ ልቢ ኽትስተር ኢኻ። ርግጽ እዩ: ቅዱሳት ጽሑፋት ቅድሚ መርዓ ኺብጻሕ ዘለዎ ዕድመ ኽንድዚ ኢሉ ኣይሕብርን እዩ። c ይኹን እምበር: ነቲ ጾታዊ ስምዒታትካ ኣመና ሓያል ዝዀነሉ እዋን ክሳዕ እትሓልፎ ኽትዕገስ ከም ዘሎካ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። (1 ቈረ. 7:36) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሓያል ጾታዊ ድፍኢት ንጽቡቕ ምምዝዛንካ ኼበላሽዎን ጸኒሑ ጓሂ ልቢ ኼምጽኣልካ ዚኽእል ዘይጥበባዊ ውሳነታት ንኽትገብር ኪድርኸካን ይኽእል እዩ። የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መርዓ ዝሃቦ ምኽሪ ንጥቕምኻን ንሓጐስካን ምዃኑ ዘክር።ኢሳይያስ 48:17, 18 ኣንብብ።

ስድራ ምግባር ዜምጽኦ ሓላፍነት ምስካም

7. ገሊኦም ብንእስነቶም እተመርዓዉ ሰብ ሓዳር እንታይ እዩ ዜጋጥሞም፧ እዚ ንሓዳሮም ኪጐድኦ ዚኽእልከ ስለምንታይ እዩ፧

7 ገሊኦም ገና ብንእስነቶም እተመርዓዉ ሰብ ሓዳር: ንሳቶም ንባዕሎም ገና ንኣሽቱ ኸለዉ ውላድ ይወልዱ። ኣብ መዓልቲ 24 ሰዓት ቈላሕታ ኺግበረሉ ዜድልዮ ውላድ ቅድሚ ምውላዶም ንሓድሕዶም ኣጸቢቖም ንኺፋለጡ እኹል ግዜ ኣይረኽቡን። እታ ኣደ ቐንዲ ቘላሕታኣ ናብቲ ሕጻን ምስ ኰነ: እቲ መንእሰይ ኣቦ ኪቐንእ ይኽእል። ብተወሳኺ: ነቲ ሕጻን ኪከናኸኑ ኺብሉ ድቃስ ብምስኣኖም: ውጥረትን ጸቕጥን ስለ ዚፍጠር: እቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ርክብ ይሕርፍፍ። እቶም ሰብ ሓዳር ብሃንደበት ብዙሕ ናጽነቶም ከም ዝሰኣኑ የስተውዕሉ። ቀደም ናብ ዚኸድዎ ዝነበሩ ቦታታት ኪኸዱን ቀደም ዚገብርዎ ዝነበሩ ነገራት ኪገብሩን ኣይክእሉን እዮም። ነቲ ኣብ ኵነታቶም እተፈጥረ ለውጢ ብኸመይ ኪርእይዎ ኣለዎም፧

8. ወላዲ ምዃን ብኸመይ ኪርአ ይግባእ፧ ስለምንታይከ፧

8 ከምቲ ሓዳር ዝገበረ ሰብ ሓላፍነቱ ኺስከም ዘለዎ: ወላዲ ምዃን እውን ካብ ኣምላኽ እተዋህበ ሓላፍነትን ክቡር ዕዮን ጌርካ ኺርአ ኣለዎ። ውላድ ምውላድ ኣብ ህይወት ክርስትያን ሰብ ሓዳር ዜምጽኦ ለውጥታት ብዘየገድስ: ሓላፍነቶም ብዚግባእ ንኺስከሙ ዚከኣሎም ኪገብሩ ኣለዎም። ንሰባት ውሉዳት ንኺወልዱ ኽእለት ዝሃቦም የሆዋ ስለ ዝዀነ: ወለዲ ንውላዶም “ውህበት” የሆዋ ኸም ዝዀኑ ገይሮም ኪርእይዎም ኣለዎም። (መዝ. 127:3) ሓንቲ ክርስትያን ኣደን ሓደ ክርስትያን ኣቦን ነቲ ኸም ወለዲ ዘለዎም ሓላፍነት “ብጐይታ:” ማለት ጐይታ ብዚሰምሮ መገዲ ኺስከሙ ይጽዕሩ እዮም።—ኤፌ. 6:1

9. (ሀ) ንቘልዓ ምዕባይ እንታይ የጠቓልል፧ (ለ) ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ መንፈሳዊ ጥዕናኣ ኸይደክም ንምሕጋዝ እንታይ ኪገብር ይኽእል፧

9 ቈልዓ ምዕባይ ንዓመታት ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእ ይሓትት። ብዙሕ ግዜን ጕልበትን ክትስውእ የድሊ። ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ: ውላድ ምስ ተወልደ ንእተወሰነ ዓመታት ሰበይቱ ኣብ ኣኼባታት ብኣቓልቦ ኽትሰምዕ ከም ዘይትኽእልን ንብሕታዊ መጽናዕትን ምስትንታንን ዝነበራ ኣጋጣሚታት ከም ዚጸብብን ኪርዳእ ኣለዎ። እዚ ንመንፈሳዊ ጥዕናኣ ኼዳኽሞ ይኽእል እዩ። ስድራ ምግባር ዜምጽኦ ሓላፍነት ምስካም ኪበሃል ከሎ: እቲ ሰብኣይ ነቲ ውላድ ንኺከናኸን ዚከኣሎ ዅሉ ምግባር ይሓትት። ገለ ኻብቲ ንሰበይቱ ኣብ ኣኼባታት ዘምለጣ ነጥብታት ጸኒሑ ኣብ ቤት ምስ ከዱ ብምምይያጥ ከይትህሰ ኺሕግዛ ይኽእል እዩ። ነቲ ሕጻን ብምሕላው እውን ኣብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ትርጕም ዘለዎ ተሳትፎ ምእንቲ ኽትገብር ኣጋጣሚ ኪኸፍተላ ይኽእል እዩ።ፊልጲ 2:3, 4 ኣንብብ።

10, 11. (ሀ) ውሉዳት ‘ብናይ የሆዋ ምዕዶ’ ዚዓብዩ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ብዙሓት ክርስትያን ወለዲ ናእዳ ዚግብኦም ስለምንታይ እዩ፧

10 ስድራ ምግባር ዜምጽኦ ሓላፍነት ምስካም ኪበሃል ከሎ: ንውሉድ ምግብን ክዳንን መዕቀልን ክንክን ጥዕናን ምቕራብ ማለት ጥራይ ኣይኰነን። ብፍላይ ኣብዚ ሓደገኛ ግዜ መወዳእታ እዚ: ቈልዑ ኻብ ሕጻንነቶም ኣትሒዞም ኪመላለሱሉ ዘለዎም ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኪመሃሩ ኣለዎም። ውሉዳት “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ኪዓብዩ ይግባእ። (ኤፌ. 6:4) እዚ “ምዕዶ” እዚ ኻብ ሕጻንነት ኣትሒዝካ ኽሳዕ እቲ ወሳኒ ዓመታት ብጽሕነት ኣብ ልቢ እቲ ውሉድ እተስርጾ ሓሳባት የሆዋ እዩ።—2 ጢሞ. 3:14, 15

11 የሱስ ንሰዓብቱ “ንዅሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኢሉ ኺእዝዞም ከሎ: ወለዲ እውን ንደቆም ደቀ መዛሙርቲ ኪዀኑ ኺሕግዝዎም ከም ዘለዎም ብርግጽ ሓሲቡ ኪኸውን ኣለዎ። (ማቴ. 28:19, 20) እዛ ዓለም እዚኣ ንመንእሰያት ጸቕጢ ስለ እተውርደሎም ግን እዚ በዳሂ እዩ። ስለዚ: ንደቆም ርእሶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ከም ዚዀኑ ጌርካ ብምዕባይ እተዓወቱ ወለዲ: ካብ ኵሎም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ናእዳ ይግብኦም። ከም ሓላፍነት ዚስምዖም ወለዲ መጠን ብዘርኣይዎ እምነትን ተኣማንነትን: ንጽልዋታት ዓለም ‘ስዒሮም’ እዮም።—1 ዮሃ. 5:4

ምእንቲ ኽቡር ዕላማ ንጽል ዝዀኑ ወይ ውሉድ ዘይወልዱ

12. ገሊኦም ክርስትያናት ንእተወሰነ ግዜ ንጽል ኰይኖም ኪጸንሑ ዚውስኑ ስለምንታይ እዮም፧

12 “እቲ ዘመን ሓጺር” ስለ ዝዀነን “ንብረት [ናብራ] እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ” ስለ ዝዀነን: ንጽል ብምዃን ዚርከብ ረብሓታት ክንሓስበሉ ቓል ኣምላኽ የተባብዓና። (1 ቈረ. 7:29-31) ስለዚ: ገሊኦም ክርስትያናት ኣብ ምሉእ ህይወቶም ንጽል ኪዀኑ ኺውስኑ ኸለዉ: ገሊኦም ከኣ ቅድሚ ምምርዓዎም ንእተወሰነ ዓመታት ንጽል ኰይኖም ኪጸንሑ ወሲኖም እዮም። ነቲ ንጽል ምዃን ዘለዎ ናጽነት: ስሱዕ ባህግታቶም ንምስዓብ ዘይጥቀሙሉ ምዃኖም ዚነኣድ እዩ። ብዙሓት ንጽል ኰይኖም ዚጸንሑሉ ምኽንያት: ንየሆዋ “ብጽንዓት” ወይ “ብዘይ ምዝንጋዕ” (ትርጕም 1990) ምእንቲ ኼገልግልዎ ኢሎም እዮም። (1 ቈረንቶስ 7:32-35 ኣንብብ።) ገሊኦም ንጽል ክርስትያናት: ፈለምቲ ወይ ቤትኤላውያን ኰይኖም የገልግሉ እዮም። ብዙሓት ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ ንኺካፈሉ ብቕዓት ብምጥራይ ንውድብ የሆዋ ዝያዳ ጠቐምቲ ኪዀኑ ይጽዕሩ ኣለዉ። እቶም ንጽል ከለዉ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዀይኖም ዘገልገሉ እሞ ጸኒሖም ኪምርዓዉ ዝወሰኑ: መብዛሕትኡ ግዜ ኣቐዲሞም ካብ ዘሕለፍዎ ዓመታት እተማህርዎ ነገራት ንሓዳሮም ከም ዝጠቐሞም እዩ ዚስምዖም።

13. ገሊኦም ክርስትያን ሰብ ሓዳር ውላድ ከይወልዱ ዚውስኑ ስለምንታይ እዮም፧

13 ኣብ ገሊኡ ኽፋላት ዓለም: ኣብ ናብራ ስድራ ቤት ካልእ ለውጢ ይርአ ኣሎ። ብዙሓት ሰብ ሓዳር ውሉድ ከይወለዱ ኺነብሩ ወሲኖም ኣለዉ። ገሊኦም ብሰንኪ ቝጠባዊ ምኽንያት ከምኡ ኺገብሩ ኸለዉ: ገሊኦም ከኣ ብዙሕ ኣታዊ ዚርከቦ ስራሕ ምእንቲ ኺሕዙ ኢሎም እዮም ከምኡ ዚገብሩ። ኣብ መንጎ ክርስትያናት እውን ውሉድ ከይወልዱ ዝወሰኑ ሰብ ሓዳር ኣለዉ። መብዛሕትኡ ግዜ ኸምኡ ዚገብሩሉ ምኽንያት ግን ንየሆዋ ንምግልጋል ዝያዳ ናጽነት ምእንቲ ኺረኽቡ እዮም። ከምዚ ኺበሃል ከሎ: እዞም ሰብ ሓዳር እዚኣቶም ንቡር ናብራ ሓዳር ኣየስተማቕሩን ማለት ኣይኰነን። ብናብራኦም ሕጉሳት እዮም። እንተዀነ ግን: ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ልዕሊ እቲ ምስ ሓዳር ዚመጽእ ገለ ሓለፋታት ኪሰርዑ ፍቓደኛታት እዮም። (1 ቈረ. 7:3-5) ገለ ኻብዞም ሰብ ሓዳር እዚኣቶም ንየሆዋን ንኣሕዋቶምን ኣብ ዕዮ ወረዳን ኣውራጃን ወይ ኣብ ቤትኤል የገልግሉ። ገሊኦም ከኣ ፈለምቲ ወይ ሚስዮናውያን ኰይኖም የገልግሉ። የሆዋ ንዕዮኦምን ንስሙ ዘርኣይዎ ፍቕሮምን ኣይኪርስዖን እዩ።—እብ. 6:10

“ብስጋ መከራ”

14, 15. ክርስትያን ወለዲ እንታይ “ብስጋ መከራ” እዩ ዜጋጥሞም፧

14 ሃዋርያ ጳውሎስ ንምርዑዋት ክርስትያናት “ብስጋ መከራ” ኸም ዚረኽቡ ሓቢርዎም እዩ። (1 ቈረ. 7:28) እዚ ድማ ንመጻምድቲ: ንውሉዳት: ወይ እርጋን ንዘርከቦም ወለዲ ዜጋጥም ጸገማት ጥዕና ኼጠቓልል ይኽእል። ንውሉዳቶም ኣብ ምዕባይ ዜጋጥም ጸገማትን ጓሂ ልብን እውን የጠቓልል። ኣብ መጀመርታ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸም እተጠቕሰ: ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” “ክፉእ ዘመን” ከም ዚመጽእ መጽሓፍ ቅዱስ ተነብዩ ነይሩ። ሓደ ኻብቲ ነዚ ግዜ ኽፉእ ዚገብሮ ነገራት: ውሉዳት “ንወለዶም ዘይእዘዙ” ምዃኖም እዩ።—2 ጢሞ. 3:1-3

15 ውሉዳት ምዕባይ ንክርስትያን ወለዲ ኸቢድ ብድሆ እዩ። በቲ እዚ “ኽፉእ ዘመን” ዜምጽኦ ሕማቕ ጽልዋታት ፈጺምና ዘይንትንከፍ ኣይኰንናን። ስለዚ: ክርስትያን ወለዲ ምስቲ “እዛ ዓለም እዚኣ” ኣብ ደቆም ኪህልዋ ዚኽእል ጐዳኢ ጽልዋ ቐጻሊ ቓልሲ ኺገብሩ ኣለዎም። (ኤፌ. 2:2, 3) ኣብቲ ዂናት ግን ወትሩ ኣይኰኑን ዓወት ዚረኽቡ! ሓደ ኣብ ክርስትያናዊት ስድራ ቤት ዝዓበየ ውሉድ ንየሆዋ ምግልጋል እንተ ኣቋሪጹ: ነቶም በቲ ኣምላኽ ዝገለጾ ሓቂ ኼዕብይዎ ዝፈተኑ ወለዱ ብሓቂ “መከራ” እዩ ዚኸውን።—ምሳ. 17:25

“መከራ ኪኸውን እዩ”

16. የሱስ ብዛዕባ እንታይ “መከራ” እዩ እተነበየ፧

16 ይኹን እምበር: ዝዀነ ይኹን ኣብ መርዓን ኣተዓባብያ ቘልዑን ዜጋጥም “መከራ:” ምስቲ ኣመና ዝዓበየ ኻልእ መከራ ኺርአ ኸሎ ንእሽቶ እዩ። የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ ህላወኡን መደምደምታ እዚ ስርዓት እዝን ዝሃቦ ትንቢት: “መከራ ኪኸውን እዩ: ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ: ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ” በለ። (ማቴ. 24:3, 21) የሱስ ጸኒሑ ብዙሓት ሰብ ካብቲ ዓብዪ “መከራ” ኸም ዚድሕኑ ገሊጹ ኣሎ። ይኹን እምበር: ስርዓት ሰይጣን ኣብቶም ሰላማውያን መሰኻኽር የሆዋ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ምስ ፈነወ ንባዕሉ ኺጠፍእ እዩ። ዓበይቲ ንኹን ንኣሽቱ: እቲ እዋን እቲ ንዅላትና ኣጸጋሚ እዋን ከም ዚኸውን ኣየጠራጥርን እዩ።

17. (ሀ) ብዛዕባ መጻኢ ምትእምማን ኪህልወና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ ሓዳርን ስድራን ምግባር ዘሎና ኣረኣእያ ብምንታይ ኪጽሎ ኣለዎ፧

17 ይኹን እምበር: ብዛዕባ መጻኢ እምብዛ ኽንፈርህ የብልናን። እቶም ንየሆዋ እሙናት ዝዀኑ ወለድን ንኣሽቱ ደቆምን ዕቝባ ኸም ዚረኽቡ ተስፋ ኣለዎም። (ኢሳይያስ 26:20, 21 ኣንብብ፣ ጸፎ. 2:2, 3፣ 1 ቈረ. 7:14) ሕጂ ግን ኣብ ወሳኒ እዋን ንነብር ከም ዘለና ምፍላጥና: ነቲ ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ሓዳርን ስድራን ብዛዕባ ምግባር ዘሎና ኣረኣእያ ይጸልዎ እዩ። (2 ጴጥ. 3:10-13) ከምኡ እንተ ጌርና: ንጽል: ምርዑዋት: ወይ ውሉድ ዘይብልና ንኹን ብዘየገድስ: ህይወትና ንየሆዋን ንክርስትያናዊት ጉባኤን ክብርን ውዳሰን ተምጽእ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብታ ሊቭ ዊዝ ጂሆቫስ ደይ ኢን ማይንድ ዘርእስታ መጽሓፍ: ኣብ ገጽ 125 ዚርከብ “ፍትሕ ይጸልእ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ርአ።

b እቶም ኣብ ሓዳሮም ጸገማት ዜጋጥሞም ነቲ ኣብ ናይ 15 መስከረም 2003 ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ 8 ጥሪ 2001 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዝወጸ ብዛዕባ ሓዳር ዚምልከት ዓንቀጻት ብምምርማር ኪበራትዑ ይኽእሉ እዮም።

c ኣብታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን ዘርእስታ መጽሓፍ: “ሓዳር ንኽገብር ድሉውዶ ኢየ፧” ዘርእስታ ምዕራፍ 30 ርአ።

ድግማ

• መንእሰያት ክርስትያናት ተሃዊኾም ኪምርዓዉ ዘይብሎም ስለምንታይ እዮም፧

• ቈልዓ ምዕባይ እንታይ የጠቓልል፧

• ብዙሓት ክርስትያናት ንጽል ኰይኖም ኪጸንሑ: እንተ ተመርዕዮም ከኣ ከይወልዱ ዝወሰኑ ስለምንታይ እዮም፧

• ብዙሓት ክርስትያን ወለዲ እንታይ “መከራ” እዩ ዜጋጥሞም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

መንእሰያት ክርስትያናት ተሃዊኾም እንተ ዘይተመርዓዉ ጥበባዊ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ሰበይቲ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ትርጕም ዘለዎ ተሳትፎ ምእንቲ ኽትገብር ሰብኣያ ብዙሕ ኪሕግዛ ይኽእል

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ገሊኦም ክርስትያን ሰብ ሓዳር ውሉድ ከይወልዱ ዝወሰኑ ስለምንታይ እዮም፧