ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ኵሉ ነገር መምርሒ ኣምላኽ ድለ

ኣብ ኵሉ ነገር መምርሒ ኣምላኽ ድለ

ኣብ ኵሉ ነገር መምርሒ ኣምላኽ ድለ

“እዚ ኣምላኽ እዚ ንዘለኣለመ ኣለም ኣምላኽና እዩ እሞ: ንሱ ኽሳዕ ሞት ኪመርሓና እዩ።”—መዝ. 48:14

1, 2. ኣብ ጥበብና ኣብ ክንዲ እንተኣማመን: መምርሒ የሆዋ ኽንስዕብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ እንታይ ሕቶታትከ እዩ ዚለዓል፧

 ብዛዕባ ኸንቱ ወይ ጐዳኢ ነገራት ብዚምልከት ብቐሊሉ ርእስና ኸነታልል ንኽእል ኢና። (ምሳ. 12:11) ክርስትያን ኪገብሮ ዘይግባእ ነገር ክንገብር ብሓቂ እንተ ደሊና: ልብና መብዛሕትኡ ግዜ ዜእምን ምኽንያታት ይድርድረልና እዩ። (ኤር. 17:5, 9) ስለዚ: እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “ብርሃንካን ሓቅኻን ልአኽ: ንሳተን ይምርሓኒ” ኢሉ ናብ የሆዋ ምጽላዩ ብሓቂ ጥበብ እዩ ኣርእዩ። (መዝ. 43:3) ኣብቲ ድሩት ጥበቡ ዘይኰነስ: ኣብ የሆዋ ተኣመነ፣ የሆዋ ድማ ብሉጽ ምንጪ መምርሒ ዀኖ። ንሕና እውን ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር: መምርሒ ኻብ የሆዋ ኽንደሊ ይግብኣና።

2 ካብ ኵሉ ንላዕሊ ንመምርሒ የሆዋ ኽንተኣማመነሉ ዚግባእ ግን ስለምንታይ እዩ፧ መምርሒኡ መዓስ ክንደሊ ይግባእ፧ ካብኡ ንኽንጥቀም እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ኸነማዕብል ኣሎና፧ ሎሚ የሆዋ ዚመርሓናኸ ብኸመይ እዩ፧ እዚ ኣገዳሲ ሕቶታት: ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኺግለጽ እዩ።

ንመምርሒ የሆዋ እንተኣማመነሉ ስለምንታይ ኢና፧

3-5. ኣብ መምርሒ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ እንተኣማመን እንታይ ምኽንያታት ስለ ዘሎና እዩ፧

3 የሆዋ ሰማያዊ ኣቦና እዩ። (1 ቈረ. 8:6) ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍና እተማልአ ፍልጠት ኣለዎ: ኣልባብና እውን ኬንብብ ይኽእል እዩ። (1 ሳሙ. 16:7፣ ምሳ. 21:2) ንጉስ ዳዊት ንኣምላኽ: “ንምቕማጠይን ምትንሳኤይን ትፈልጦ: ንሓሳበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ። ጐይታየ: ሓንቲ ቓል ኣብ መልሓሰይ ከየላስ: እንሆ: ኵሉ ትፈልጥ ኢኻ” በሎ። (መዝ. 139:2, 4) የሆዋ ኣጸቢቑ ስለ ዚፈልጠና: ከመይ ጌርና ኢና እሞ ንዓና ዚጠቕመና ኸም ዚፈልጥ ክንጠራጠሮ እንኽእል፧ ብተወሳኺ: የሆዋ ብጥበቡ ደረት የብሉን። ንዅሉ ነገር ይርኢ: ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ብዝዓመቘ ደረጃ የስተውዕል: ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ድማ እንታይ ውጽኢት ከም ዚህሉ ይፈልጥ። (ኢሳ. 46:9-11፣ ሮሜ 11:33) ንሱ “በይኑ ብዓል ጥበብ ኣምላኽ” እዩ።—ሮሜ 16:26

4 ኣብ ርእሲ እዚ: የሆዋ የፍቅረናን ወትሩ ንጥቕምና ይሓስብን እዩ። (ዮሃ. 3:16፣ 1 ዮሃ. 4:8) ፈቃር ኣምላኽ ከም ምዃኑ መጠን: ንዓና ለጋስ እዩ። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር: “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ: ካብቲ . . . ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድ” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእ. 1:17) እቶም ብኣምላኽ ዚምርሑ ኻብ ልግሱ ብዙሕ እዮም ዚጥቀሙ።

5 ኣብ መወዳእታ ኸኣ: የሆዋ ዅሉ ዚኽእል እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ: እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “ኣብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር: ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይነብር። ንእግዚኣብሄር: ጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ: እብሎ አሎኹ” በለ። (መዝ. 91:1, 2) መምርሒታት የሆዋ ምስ እንስዕብ: ኣብቲ ፈጺሙ ዘየሕፍረና ኣምላኽ ኢና እንጽጋዕ ዘሎና። ምጽራር እኳ እንተ ኣጋጠመና: የሆዋ ይድግፈና እዩ። ኣይሓድገናን እዩ። (መዝ. 71:4, 5፣ ምሳሌ 3:19-26 ኣንብብ።) እወ: የሆዋ ንዓና ዚጠቕመና ይፈልጥ: ንጥቕምና ይደሊ: ከምኡውን ዚጠቕመና ነገር ይህበና እዩ። መምርሒኡ ዕሽሽ እንተ ኢልናስ ከመይ ዝበለ ዕሽነት ኰን እዩ ዚኸውን! መዓስ ግን እዩ መምርሒኡ ዜድልየና፧

መዓስ እዩ መምርሒ ዜድልየና፧

6, 7. መዓስ እዩ መምርሒ የሆዋ ዜድልየና፧

6 ከም ሓቂ: ኣብ ምሉእ ህይወትና: ማለት ካብ ንእስነትና ኽሳዕ እርጋንና መምርሒ ኣምላኽ የድልየና እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “እዚ ኣምላኽ እዚ ንዘለኣለመ ኣለም ኣምላኽና እዩ እሞ: ንሱ ኽሳዕ ሞት ኪመርሓና እዩ” በለ። (መዝ. 48:14) ጥበበኛታት ክርስትያናት ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር: ካብ ኣምላኽ መምርሒ ኻብ ምድላይ ኣየቋርጹን እዮም።

7 ልክዕ እዩ: ብህጹጽ ሓገዝ ዜድልየና ዀይኑ ዚስምዓና እዋናት ኣሎ። ሓድሓደ ግዜ መስጐጕቲ ኼጋጥመና ኸሎ: ከቢድ ሕማም ክንሓምም ከለና: ወይ ብሃንደበት ካብ ስራሕ ክንወጽእ ከለና ‘ይጸበና’ እዩ። (መዝ. 69:16, 17) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግዜ: የሆዋ ንኽንጸንዕ ከም ዜበርትዓናን ጽቡቕ ውሳነታት ንኽንገብር ከም ዚመርሓናን ብምትእምማን: ናብኡ ምጽጋዕና የጸናንዓና እዩ። (መዝሙር 102:17 ኣንብብ።) ይኹን እምበር: ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት እውን ሓገዙ የድልየና እዩ። ንኣብነት: ንጐረባብትና ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንነግሮም ከለና: ምስክርነትና ውጽኢታዊ ኪኸውን እንተ ዀይኑ: ካብ የሆዋ መምርሒ የድልየና እዩ። ዝዀነ ይኹን ውሳነ ኽንገብር ከለና—ንኣብነት: ብዛዕባ መዘናግዒ: ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን: ዕርክነት: ስራሕ: ትምህርቲ: ወይ ብዛዕባ ኻልእ ውሳነ ኽንገብር ከለና—መምርሒታት የሆዋ እንተ ስዒብና ጥራይ ኢና ብጥበብ ስጕምቲ ኽንወስድ እንኽእል። ከም ሓቂ: መምርሒ እንደልየሉ ዅነታት ጸብጺብና ኣይንውድኦን ኢና።

መምርሒ ኣምላኽ ዘይምድላይ ዜስዕቦ ሓደጋ

8. ሄዋን ነታ እተኸልከለት ፍረ ምብላዓ እንታይ ትርጕም ነይርዎ፧

8 እንተዀነ ግን: መምርሒ የሆዋ ንምስዓብ ፍቓደኛታት ክንከውን ከም ዜድልየና ኣይትረስዕ። እንተ ዘይደሊና: ኣምላኽ ኣየገድደናን እዩ። መምርሒ የሆዋ ኸይትስዕብ ዝወሰነት ቀዳመይቲ ሰብ ሄዋን እያ ነይራ: ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ውሳነ እንታይ ከም ዜስዕብ ድማ ካብኣ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ተግባራታ እንታይ ትርጕም ከም ዝነበሮ እሞ ሕሰበሉ። ሄዋን ‘ከም ኣምላኽ ጽቡቕን ክፉእን ክትፈልጥ’ ስለ ዝደለየት እያ ነታ እተኸልከለት ፍረ በሊዓ። (ዘፍ. 3:5) ከምኡ ኽትገብር ከላ ኸኣ: ንርእሳ ኣብ ናይ ኣምላኽ ቦታ ኸተቐምጥ ደለየት: መምርሒ የሆዋ ኣብ ክንዲ እትስዕብ ድማ ባዕላ ጽቡቕን ክፉእን ክትውስን ደለየት። በዚ ኸምዚ: ንልዑላውነት የሆዋ ዝባና ሃበቶ። ጐይታ ርእሳ ኽትከውን ደለየት። ኣዳም ሰብኣያ እውን ነቲ ናይ ዕልወት መገዲ ሰዓበ።—ሮሜ 5:12

9. መምርሒ የሆዋ እንተ ነጺግና: ብኻልእ ኣበሃህላ እንታይ ኢና እንገብር ዘሎና፧ እዚኸ ኽቱር ዕሽነት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

9 ሎሚ: መምርሒ የሆዋ እንተ ዘይስዒብና: ንልዑላውነቱ ኣፍልጦ ኸም ዘይንህብ እዩ ዚቝጸር። ንኣብነት: ብዛዕባ ሓደ ስእለ-ጽዩፍ ናይ ምርኣይ ልማድ ዘለዎ ሰብ እሞ ሕሰብ። ምስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚሓብር እንተ ዀይኑ: ነዚ ዚምልከት መምርሒታት የሆዋ ይፈልጥ እዩ። ርኽሰት ኣሽምባይዶ ብህርፋን ኪጥመትሲ: ኣባና ኺስማዕ እውን የብሉን። (ኤፌ. 5:3) ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ መምርሒታት የሆዋ ብምንጻጉ: ንልዑላውነት የሆዋ ይኽሕዶ: ንርእስነቱ ድማ ይነጽጎ እዩ ዘሎ። (1 ቈረ. 11:3) ኤርምያስ: “እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ: እፈልጥ አሎኹ” ስለ ዝበለ: ነዚ መገዲ እዚ ምስዓብ ክቱር ዕሽነት እዩ።—ኤር. 10:23

10. ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነትና ኣብ እንጥቀመሉ መገዲ ሓላፍነት ከም ዚስምዓና ኸነርኢ ዚግባእ ስለምንታይ ኢና፧

10 ገሊኦም ሰባት: የሆዋ ናይ ምምራጽ ናጽነት ስለ ዝሃበ: ንዕኡ ብምጥቃምና ኣይነቕፈናን እዩ ኻብ ዚብል ሓሳብ ተበጊሶም: ነዘን ኤርምያስ እተዛረበን ቃላት ኣይሰማምዑለንን እዮም። ኰይኑ ግን: ናይ ምምራጽ ናጽነት: ሓላፍነትን ውህበትን ምዃኑ ኣይትረስዕ። በቲ ኽንብሎን ክንገብሮን እንመርጾ ነገር ተሓተትቲ ኢና። (ሮሜ 14:10) የሱስ: “ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ” በለ። ብተወሳኺ: “ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ: ቅትለት: ዝሙት: ምንዝር: ስርቂ: ምስክር ሓሶት: ጸርፊ ይወጽእ” በለ። (ማቴ. 12:34፣ 15:19) ስለዚ: ቃላትናን ተግባራትናን ንዅነታት ልብና እዩ ዚገልጽ። ንሕና ብሓቂ መን ምዃንና እዩ ዚሕብር። ስለዚ ኸኣ እዩ ጥበበኛ ክርስትያን ኣብ ኵሉ ነገር መምርሒ ኣምላኽ ዚደሊ። ከምኡ እንተ ገይሩ: የሆዋ ነቲ ውልቀ-ሰብ ‘ቕኑዕ ልቢ’ ዘለዎ ዀይኑ ይረኽቦ: ‘ሰናይ ድማ ይገብረሉ።’—መዝ. 125:4

11. ካብ ታሪኽ እስራኤላውያን እንታይ ኢና እንመሃር፧

11 ታሪኽ እስራኤላውያን ዘክር። እቶም ህዝቢ እቲኣቶም ትእዛዛት የሆዋ ብምሕላው ጽቡቕ ምርጫታት ኣብ ዝገበሩሉ እዋን: የሆዋ ኣዕቊብዎም እዩ። (እያ. 24:15, 21, 31) ብተደጋጋሚ ግን: ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነቶም ብዘይግቡእ ተጠቒሞምሉ እዮም። ብግዜ ኤርምያስ: የሆዋ ኸምዚ በሎም:- “ብምኽሪ ርእሶምን በቲ ኽፉእ ህልኽ ልቦምን ደኣ ኸዱ: ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ምድፋእ ድማ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመልሱ እምበር: ንኣይስ ኣይሰምዑንን: ኣእዛኖም ድማ ናባይ ጽን ኣይበላን።” (ኤር. 7:24-26) ከመይ ዝበለ ዜሕዝን ተግባር ኰን እዩ! ምእንቲ ህልኽ ኢልና ወይ ትምኒት ርእስና ንኸነርዊ ኢልና: መምርሒ የሆዋ ነጺግና ብምኽሪ ርእስና ኸቶ ኣይንኺድ! ከምኡ እንተ ጌርና: ‘ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ምድፋእ: ንድሕሪት ኣቢልና ኢና እንምለስ።’

ምኽሪ ኣምላኽ ንምስዓብ እንታይ የድሊ፧

12, 13. (ሀ) እንታይ ባህርይ እያ መምርሒ የሆዋ ንኽንስዕብ ድሌት ከም ዚሓድረና እትገብር፧ (ለ) እምነት ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

12 ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ: ንመምርሒኡ ንኽንስዕብ ድሌት ከም ዚሓድረና ትገብረና። (1 ዮሃ. 5:3) ይኹን እምበር: ጳውሎስ “ብእምነት እምበር: ብምርኣይ ኣይኰንናን እንመላለስ ዘሎና” ኺብል ከሎ ኻልእ እተድልየና ነገር ጠቒሱ እዩ። (2 ቈረ. 5:6, 7) እምነት ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ የሆዋ “ብመገዲ ጽድቂ” ዚመርሓና እኳ እንተ ዀነ: እታ መገዲ ግን ኣብዛ ዓለም እዚኣ ናብ ሃብቲ ወይ ስልጣን ኣይትመርሓናን እያ። (መዝ. 23:3) በዚ ምኽንያት እዚ: ናይ እምነት ዓይንና ኣብቲ ንየሆዋ ብምግልጋል ዚርከብ መወዳድርቲ ዘይብሉ መንፈሳዊ ዓስቢ ኸተተኵር ኣለዋ። (2 ቈረንቶስ 4:17, 18 ኣንብብ።) ብዘይካዚ: እምነት ብመሰረታዊ ነገራት ንኽንዓግብ ትሕግዘና።—1 ጢሞ. 6:8

13 የሱስ: ናይ ሓቂ ኣምልኾ ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእ ከም ዚሓትት ሓቢሩ ነይሩ: እዚ እውን እምነት ይሓትት። (ሉቃ. 9:23, 24) ገሊኦም እሙናት ኣምለኽቲ ንድኽነት: ጭቈና: ጽልኢ: ወይ እውን ከቢድ መስጐጕቲ ብምጽማም ዓብዪ መስዋእቲ ኸፊሎም እዮም። (2 ቈረ. 11:23-27፣ ራእ. 3:8-10) ነዚ ብሓጐስ ኪጽመምዎ ዘኽኣለቶም ሓያል እምነት ጥራይ እያ። (ያእ. 1:2, 3) ሓያል እምነት እንተ ኣልያትና: መምርሒ የሆዋ ምስዓብ ወትሩ ብሉጽ መገዲ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ንተኣማመን። ወትሩ ንነባሪ ጥቕምና ምዃኑ ንግንዘብ። እቶም ብተኣማንነት ዚጽመሙ ዚረኽብዎ ዓስቢ ኻብቲ ንግዜኡ ዜሕልፍዎ መከራ ኣጸቢቑ ኸም ዚበልጽ ከቶ ኣይንጠራጠርን ኢና።—እብ. 11:6

14. ኣጋር ትሕትና ኸተርኢ ዝነበራ ስለምንታይ እያ፧

14 መምርሒ የሆዋ ብምስዓብ ዝመጸ: ትሕትና ዘለዋ ግደ እሞ ንርአ። ኣብነት እታ ግዝእቲ ሳራ ዝነበረት ኣጋር ነዚ ዜርኢ እዩ። ሳራ ውሉድ ኣብ ዘይነበራ እዋን: ንኣብርሃም ናብ ኣጋር ኪኣቱ ሓተተቶ: ኣጋር ድማ ካብ ኣብርሃም ጠነሰት። ድሕሪኡ: ኣጋር ነታ መኻን ዝነበረት እመቤታ ተዓበየትላ። ስለዚ ኸኣ: ሳራ “ኣዋረደታ:” ኣጋር ድማ ሃደመት። መልኣኽ የሆዋ ንኣጋር ምስ ረኸባ: “ናብ እመቤትኪ ተመለሲ: ኣብ ትሕቲ ኢዳ ኸኣ ትሕት በሊ” በላ። (ዘፍ. 16:2, 6, 8, 9) ምናልባት ኣጋር ካልእ መምርሒ ኺወሃባ ትመርጽ ነይራ ትኸውን። መምርሒ እቲ መልኣኽ ንምስዓብ: ትዕቢታ ኸተወግድ ነይርዋ። ይኹን እምበር: ብትሕትና ኸምቲ እቲ መልኣኽ ዝነገራ ገበረት: እስማኤል ወዳ ድማ ኣብቲ ኣቦኡ ዝነበረሉ ውሑስ ቦታ ተወልደ።

15. ኣብዚ ግዜና መምርሒ የሆዋ ንኽንስዕብ ትሕትና ዜድልየሉ ገለ ዅነታት ግለጽ።

15 ንሕና እውን መምርሒ የሆዋ ንምስዓብ: ርእስና ኸነትሕት የድልየና ይኸውን። ገሊኦም ሰባት: እቲ ባህ ዚብሎም ዓይነት መዘናግዒ ንየሆዋ ዘየሐጕሶ ምዃኑ ኪቕበሉ የድልዮም ይኸውን። ሓደ ክርስትያን ንኻልእ ሰብ ስለ ዘጕሃየ: ይቕረታ ኺሓትት የድልዮ ይኸውን። ወይ ጌጋ ገይሩ: ጌጋኡ ኺእመን የድልዮ ይኸውን። ሓደ ሰብ ከቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺሙኸ፧ ርእሱ ትሕት ኣቢሉ ሓጢኣቱ ንሽማግለታት ኪናዘዝ ኣለዎ። ሓደ ውልቀ-ሰብ ካብ ጉባኤ ተወጊዱ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። እንደገና ናብታ ጉባኤ ምእንቲ ኺምለስ: ብትሕትና ኺንሳሕን መገዱ ኪቕይርን ኣለዎ። ኣብዝን ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ዅነታትን: እተን ኣብ ምሳሌ 29:23 ዚርከባ: “ንሰብ ትዕቢቱ የዋርዶ: ብመንፈሱ ትሑት ዝዀነ ግና ክብረት ይረክብ” ዚብላ ቓላት የጸናንዓና እየን።

የሆዋ ብኸመይ ይመርሓና፧

16, 17. ካብቲ ምንጪ መምርሒ ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16 ቀንዲ ምንጪ መምርሒ ኣምላኽ: እቲ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17 ኣንብብ።) ነቲ ቓሉ ብዝበለጸ መገዲ ኽንጥቀመሉ እንተ ዄንና: ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ሓጋዚ ቓላት ንምድላይ ኣጸጋሚ ዅነታት ክሳዕ ዚፍጠር ኣይንጽበን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ: ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ልማድና ንገብሮ። (መዝ. 1:1-3) ከምኡ እንተ ጌርና: ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ንፈልጦ። ሓሳባት ኣምላኽ: ሓሳባትና ይኸውን: ዘይተጸበናዮ ጸገማት እውን እንተ ዀነ ንኽንዋጽኣሉ ድሉዋት ንኸውን።

17 ብተወሳኺ: ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘንበብናዮ ኸነስተንትነሉን ብዛዕባኡ ኽንጽልን ኣሎና። ንጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቕና ኽንሓስበሉ ኸለና: ኣብ እተፈላለየ ዅነታት ብኸመይ ከም ዚውዕል ንሓስብ። (1 ጢሞ. 4:15) ከቢድ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ: ናብ የሆዋ ንጽሊ: ነቲ ዜድልየና መምርሒ ንኺህበና ድማ ንልምኖ። መንፈስ የሆዋ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ዘንበብናዮ ሓጋዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ንኽንዝክር ይሕግዘና።መዝሙር 25:4, 5 ኣንብብ።

18. የሆዋ ንክርስትያናዊ ሕውነት: ንዓና ኣብ ምምራሕ ብኸመይ ይጥቀመሉ፧

18 መምርሒ የሆዋ ኽንደልየሉ እንኽእል ካልእ ኣገዳሲ ምንጪ ድማ ክርስትያናዊ ሕውነትና እዩ። እቲ ብኣመሓዳሪ ኣካል ዚውከል “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣገዳሲ ኽፋል እቲ ሕውነትና እዩ፣ ንሱ ድማ ብጽሑፋት ኰነ ብሰሙናውን ዓበይትን ኣኼባታት ኣቢሉ ቐጻሊ መንፈሳዊ ምግቢ የዳልወልና ኣሎ። (ማቴ. 24:45-47፣ ግብ. 15:6, 22-31) ብዘይካዚ: ኣብ ውሽጢ ክርስትያናዊ ሕውነትና ብሕታዊ ሓገዝን ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽርን ኪህቡ ብቕዓት ዘለዎም ብሱላት ውልቀ-ሰባት: ምናዳ ኸኣ ሽማግለታት ኣለዉ። (ኢሳ. 32:1) ኣብ ክርስትያን ስድራ ቤታት ዚዓብዩ መንእሰያት: ተወሳኺ ኽቡር ምንጪ መምርሒ ኣለዎም። ኣምላኽ ነቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ወለዶም ስልጣን ስለ ዝሃቦም: ውሉዳት ካባታቶም መምርሒ ኼናድዩ ይኽእሉ እዮም።—ኤፌ. 6:1-3

19. ወትሩ መምርሒ የሆዋ እንተ ደሊና: እንታይ በረኸት ኢና እንረክብ፧

19 እወ: የሆዋ ብእተፈላለየ መገድታት መምርሒ ይህበና እዩ: ንሕና ድማ ነዚ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀመሉ ይግባእ። ንጉስ ዳዊት ብዛዕባ እቲ እስራኤላውያን እሙናት ዝነበሩሉ እዋን ኪዛረብ ከሎ: “ኣቦታትና ኣባኻ ተወኪሎም እዮም: ተወኪሎም: ንስኻውን ኣናገፍካዮም። ኣባኻ ኣእወዩ እሞ ደሐኑ: ኣባኻ ተወከሉ እሞ ኣይሐፈሩን” በለ። (መዝ. 22:3-5) ንመምርሒ የሆዋ ብምትእምማን እንተ ስዒብና: ንሕና እውን ‘ኣይክንሓፍርን’ ኢና። ብተስፋና ኣይክንጕህን ኢና። ኣብ ጥበብና ኣብ ክንዲ እንጽጋዕ: ‘መገድና ንየሆዋ እንተ ኣማዕቊብናዮ:’ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ብዙሕ በረኸት ክንረክብ ኢና። (መዝ. 37:5) በታ መገዲ እቲኣ ብተኣማንነት እንተ ተመላሊስና ድማ: እቲ በረኸት ዘለኣለማዊ ኪኸውን እዩ። ንጉስ ዳዊት: “እግዚኣብሄር ፍርዲ ይፈቱ: ንቕዱሳኑ ኸኣ ኣይሐድጎምን: ንዘለኣለም ይሕለዉ: . . . ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ኢሉ ጸሓፈ።—መዝ. 37:28, 29

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ንመምርሒ የሆዋ እንተኣማመነሉ ስለምንታይ ኢና፧

• መምርሒ የሆዋ እንተ ነጺግና እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧

• ሓደ ክርስትያን ትሕትና ኼርኢ ዜድልየሉ ገለ ዅነታት እንታይ እዩ፧

• የሆዋ ሎሚ ብኸመይ ይመርሓና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወትካ ኻብ የሆዋ መምርሒ ትደሊ ዲኻ፧

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ሄዋን ንልዑላውነት የሆዋ ዝባና ሃበቶ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣጋር ነቲ እቲ መልኣኽ ዝሃባ መምርሒ ንምስዓብ: እንታይ ባህርይ ኣድለየታ፧