ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም መንእሰያት: ሕጂ ንፈጣሪኹም ዘክርዎ

ኣቱም መንእሰያት: ሕጂ ንፈጣሪኹም ዘክርዎ

ኣቱም መንእሰያት: ሕጂ ንፈጣሪኹም ዘክርዎ

“ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ።” —መክ. 12:1

1. የሆዋ ኣብቶም መንእሰያት ኣምለኽቱ ዘለዎ ምትእምማን ብኸመይ እዩ ገሊጽዎ፧

 የሆዋ ንክርስትያን መንእሰያት ከም ኣውሊ ኽቡራትን መንፈስ ዜሐድሱን ገይሩ እዩ ዚርእዮም። እወ: በታ “ሰራዊት” ወዱ ዜኽትተላ መዓልቲ: መንእሰያቱ ንክርስቶስ ንምግልጋል ‘ፈትዮም ከም ዚመጹ’ ብትንቢት ተዛሪቡ ነይሩ። (መዝ. 110:3) እቲ ትንቢት እቲ ኣብቲ ሰባት ብሓፈሻ ፍርሃት ኣምላኽ ዜጥፍኡሉ: ብዛዕባ ርእሶምን ገንዘብን ጥራይ ዚግደሱሉ: ከምኡውን ዘይእዙዛት ዚዀኑሉ እዋን እዩ ዚፍጸም። የሆዋ ግን እቶም ንዕኡ ዜምልኽዎ መንእሰያት እተፈልዩ ኪዀኑ ምዃኖም ይፈልጥ ነበረ። ኣቱም መንእሰያት ኣሕዋትን ኣሓትን: የሆዋ ኣባኻትኩም ከመይ ዝበለ ምትእምማን ኰን እዩ ዘለዎ!

2. ንየሆዋ ምዝካር እንታይ የጠቓልል፧

2 ኣምላኽ: መንእሰያት ንፈጣሪኦም ኪዝክርዎ ኺርኢ ኸሎ: ዚስምዖ ሓጐስ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። (መክ. 12:1) ንየሆዋ ምዝካር ኪበሃል ከሎ: ትዝ ምባል ጥራይ ማለት ኣይኰነን። የግዳስ: ስጕምቲ ምውሳድ ማለት እዩ፣ እዚ ኸኣ ንዕኡ ዜሕጕሶ ምግባር: ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ድማ ሕግታቱን ስርዓታቱን ኪመርሓና ምፍቃድ የጠቓልል። የሆዋ ንጥቕምና ኸም ዚሓስብ ፈሊጥና ብእኡ ምእማን እውን የጠቓልል። (መዝ. 37:3፣ ኢሳ. 48:17, 18) ብዛዕባ ፈጣሪኻ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧

‘ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን’

3, 4. የሱስ ብየሆዋ ኸም ዚእመን ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ ሎሚ ብየሆዋ ኽንእመን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

3 ብኣምላኽ ብምእማን ዝመጸ ብሉጽ ኣብነት ዚዀነና: የሱስ ክርስቶስ እዩ። የሱስ ምስተን ኣብ ምሳሌ 3:5, 6 ዚርከባ: “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ዚብላ ቓላት ተሰማሚዑ ተመላሊሱ እዩ። ድሕሪ ጥምቀቱ ነዊሕ ከይጸንሐ: ሰይጣን ናብኡ ቐሪቡ ዓለማዊ ስልጣንን ክብረትን ኪቕበል ፈተና ኣቕረበሉ። (ሉቃ. 4:3-13) የሱስ በዚ ኣይሰሓተን። ናይ ሓቂ “ሃብትን ክብረትን ህይወትን” “ዓስቢ ትሕትናን ፍርሃት እግዚኣብሄርን” ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ።—ምሳ. 22:4

4 ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ስስዐን ንርእስኻ ዚጥዕመካ ምድላይን ሰፊኑ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋህው: ኣብነት የሱስ እንተ ስዒብና ጥበባዊ እዩ። ሰይጣን ንኣገልገልቲ የሆዋ ኻብታ ናብ ህይወት እትመርሕ ቀጣን መገዲ ኼስሕቶም ዚከኣሎ ዅሉ ኸም ዚገብር እውን ኣይትረስዕ። ንዅሉ ሰብ በታ ናብ ጥፍኣት እትመርሕ ገፋሕ መገዲ ኸም ዚጐዓዝ ኪገብር እዩ ዚደሊ። ብእኡ ኣይትታለል! ኣብ ክንዳኡስ: ንፈጣሪኻ ኽትዝክሮ ቘራጽነት ግበር። ምሉእ ብምሉእ ብእኡ ተኣመን: ነታ ቐልጢፋ እትመጽእን ርግጽ ዝዀነትን “ናይ ሓቂ ህይወት” እውን ኣጽኒዕካ ሓዛ።—1 ጢሞ. 6:19

ኣቱም መንእሰያት: ጥበበኛታት ኩኑ!

5. ብዛዕባ መጻኢ እዛ ዓለም እዚኣ ኸመይ ይስምዓካ፧

5 ንፈጣሪኦም ዚዝክርዎ መንእሰያት ካብ ዕድሚኦም ንላዕሊ ጥበበኛታት እዮም። (መዝሙር 119:99, 100 ኣንብብ።) ኣረኣእያ ኣምላኽ ስለ ዘለዎም: እዛ ዓለም እዚኣ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኸም እትሓልፍ ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም። ኣቱም መንእሰያት: ኣብዛ ብተዛማዲ ሓጻር ህይወትኩም እኳ ኸይተረፈ: ፍርህን ጭንቀትን እናገደደ ኪኸይድ ከም ዝረኣኹም ዜጠራጥር ኣይኰነን። ገና ትምህርቲ ዘይወዳእኩም እንተ ዄንኩም: ብዛዕባ ብከላን ምውሳኽ ሙቐት ዓለምን ምብራስ ኣግራብን ካልእ ተመሳሳሊ ጸገማትን ሰሚዕኩም ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ምዕባለታት እዚ ንሰባት ብዙሕ የተሓሳስቦም ኣሎ: ክፍሊ እቲ መወዳእታ ናይ ሰይጣን ዓለም ከም ዝቐረበ ዚሕብር ምልክት ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ዚርድኡ ግን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እዮም።—ራእ. 11:18

6. ገሊኦም መንእሰያት ብኸመይ እዮም ተታሊሎም፧

6 እቲ ዜሕዝን ገሊኦም መንእሰያት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣይተጠንቀቑን: እዛ ዓለም ዝተረፋ ግዜ ኽሳዕ ክንደይ ሓጺር ምዃኑ እውን ረሲዖም እዮም። (2 ጴጥ. 3:3, 4) ገሊኦም ከኣ ብሕማቕ ዕርክነትን ብስእለ-ጽዩፍን ተደፋፊኦም ከቢድ ሓጢኣት ፈጺሞም እዮም። (ምሳ. 13:20) ናብ መወዳእታ ኣዚና ቐሪብና ኣብ ዘለናሉ እዋን ሞገስ ኣምላኽ ምስኣን ክሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ! ኣብ ክንዳኡስ: ካብቲ ብ1473 ቅ.ክ. እስራኤላውያን ኣብ ጐላጕል ሞኣብ: ኣብ ድርኵኺት ምድሪ ተስፋ ኸለዉ ዘጋጠሞም ነገር ተምሃር። ኣብቲ ግዜ እቲ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ፧

ኣብ ጥቓ እታ ናይ መወዳእታ ሕንጻጽ ወደቑ

7, 8. (ሀ) ሰይጣን ኣብ ጐላጕል ሞኣብ እንታይ ስልቲ እዩ እተጠቕመ፧ (ለ) ሎሚ ሰይጣን እንታይ ስልቲ ይጥቀም ኣሎ፧

7 ኣብቲ ግዜ እቲ ሰይጣን ንእስራኤላውያን ነቲ መብጽዓ ተገይሩሎም ዝነበረ ርስቶም ከይርስተዩ ይደሊ ምንባሩ ንጹር እዩ። ብነብዪ በላዓም ኣቢሉ ኺረግሞም ፈቲኑ ምስላጥ ምስ ኣበዮ: ዝረቐቐ ስልቲ ተጠቕመ፣ በረኸት የሆዋ ንምርካብ ዘይበቕዑ ኸም ዚዀኑ ኺገብሮም ጸዓረ። ነተን መስሓትቲ ኣዋልድ ሞኣብ ንኺሓብላኦም ተጠቕመለን፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ድያብሎስ እተወሰነ ኣሳልጦ ረኸበ። እቲ ህዝቢ ምስ ኣዋልድ ሞኣብ ኪምንዝር ጀመረ: ንበዓል-ጴዖር ድማ ሰገደ! ኣብ ጥቓ እታ ኽብርቲ ርስቶም ዝነበረት ምድሪ ተስፋ 24,000 ዚዀኑ እስራኤላውያን ሞቱ። ከመይ ዝበለ ዜሕዝን ፍጻመ ዀን እዩ ነይሩ!—ዘሁ. 25:1-3, 9

8 ሎሚ ናብ ዝሓሸት ምድሪ ተስፋ: ማለት ናብ ሓድሽ ስርዓት ብቕልጡፍ ኢና እንቐርብ ዘለና። ሰይጣን ድማ ከም ኣመሉ: ንህዝቢ ኣምላኽ ንኼበላሹ ኢሉ ጾታዊ ርኽሰት ይጥቀም ኣሎ። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣመና ኻብ ምውዳቑ እተላዕለ: ምንዝር ከም ንቡር: ግብረ ሶዶም ከኣ ከም ናይ ምርጫ ጕዳይ ጌርካ ይርአ ኣሎ። ሓንቲ ሓብቲ: “ደቀይ: ግብረ ሶዶምን ካብ መርዓ ወጻኢ ዝግበር ጾታዊ ርክብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክፉእ ምዃኑ ዚመሃሩ ዘለዉ ኣብ ቤትናን ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽን ጥራይ እዮም” በለት።

9. ሰባት ‘ኣዝዮም ብጹሓት’ ቅድሚ ምዃኖም እንታይ ጸገም ኬጋጥሞም ይኽእል፧ መንእሰያት ነዚ ብኸመይ ኪዋጽኡሉ ይኽእሉ፧

9 ንፈጣሪኦም ዚዝክርዎ መንእሰያት: ጾታዊ ርክብ ምስ ህይወትን ምፍራይን ዚተሓሓዝ ቅዱስ ውህበት ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። ስለዚ: ጾታዊ ርክብ ብመሰረት እቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መምርሒ ኣብ ውሽጢ መውስቦ ጥራይ ኪግበር ከም ዘለዎ ይፈልጡ እዮም። (እብ. 13:4) ይኹን እምበር: ‘ኣዝዮም ብጹሓት’ ቅድሚ ምዃኖም ዘሎ እዋን: ማለት ኣብቲ ጾታዊ ስምዒታት ዚሕይለሉን ንምምዝዛኖም ዚጸልወሉን እዋን: ንጹህ ምዃን ቃልሲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ቈረ. 7:36) ሕማቕ ሓሳባት ናብ ኣእምሮኻ እንተ ኣትዩ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ኣብ ጥዑይ ነገራት ንኸተተኵር የሆዋ ምእንቲ ኺሕግዘካ ብዕቱብ ጸሊ። የሆዋ ወትሩ ነቶም ብሓቂ ናብኡ ዚቐርቡ ይሰምዖም እዩ። (ሉቃስ 11:9-13 ኣንብብ።) ሃናጺ ዝርርብ እውን ኣእምሮኻ ኣብ ንጹህ ነገር ንኼተኵር ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ሸቶታትኩም ብጥበብ ምረጹ!

10. እንታይ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኢና ኸነርሕቕ እንደሊ፧ እንታይ ሕቶታትከ ኢና ንርእስና ኽንሓትት እንኽእል፧

10 ኣብ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት መንእሰያት ፋሉላትን ደድሕሪ ስጋዊ ተድላ ዚጐዩን ዝገበሮም ሓደ ምኽንያት: “ራእይ” ማለት መለኮታዊ መምርሒ ወይ ብዛዕባ መጻኢ ርግጽ ተስፋ ዘይብሎም ብምዃኖም እዩ። (ምሳ. 29:18) ከምቶም ብግዜ ኢሳይያስ ዝነበሩ ህይወቶም ኣብ “ታሕጓስን ደስታን . . . ምብላዕ ስጋን ምስታይ ወይንን” ዘተኰረት ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበሮም ሰባት እዮም። (ኢሳ. 22:13) ብኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ኣብ ክንዲ እትቐንእ: ነቲ የሆዋ ንእሙናቱ ኣንቢሩሎም ዘሎ ኽቡር ተስፋ ንምንታይ ዘይተስተንትነሉ፧ መንእሰይ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እንተ ዄንካ: ነታ ሓዳስ ዓለም ብሃንቀውታ ዲኻ እትጽበያ፧ ነቲ የሆዋ ዘንበረልካ “ብሩኽ ተስፋ” እናተጸበኻ “ብጥንቃቐ” ንኽትመላለስ ትጽዕር ዲኻ፧ (ቲቶ. 2:12, 13) ነዚ እትህቦ መልሲ ንሸቶታትካን ቀዳምነት ንእትህቦ ነገራትን ይጸልዎ እዩ።

11. ትምህርቲ ዘይወድኡ ክርስትያን መንእሰያት ኣበርቲዖም ኪዓዩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

11 ዓለም ንመንእሰያት: ጕልበቶም ኣብ ዓለማዊ ሸቶታት ኬውዕልዎ እያ እትደልዮም። ልክዕ እዩ: እቶም ገና ትምህርቲ ዘይወድኡ ጽቡቕ መሰረታዊ ትምህርቲ ንኺረኽቡ ኣበርቲዖም ኪዓዩ ኣለዎም። ሸቶኻ ምሹእ ስራሕ ምርካብ ጥራይ ዘይኰነስ: ንፉዕ ደጋፊ እታ ጉባኤን ኣፍራዪ ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽን ምዃን ከም ዝዀነ ኣይትረስዕ። ኣብዚ ሸቶ እዚ ንምብጻሕ: ብግቡእ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ: ብርትዓዊ መገዲ ምሕሳብ: ብህድኣትን ብኣኽብሮትን ምርድዳእ እትኽእል ክትከውን የድልየካ። እንተዀነ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዑን ነቲ ስርዓታቱ ኣብ ህይወቶም ኪዓዩሉ ዚጽዕሩን መንእሰያት እዮም ካብ ኵሉ ዝበለጸ ትምህርቲ ዚረኽቡ: ንዕዉትን ዘለኣለማውን መጻኢኦም ከኣ ሰናይ መሰረት ዜንብሩ።—መዝሙር 1:1-3 ኣንብብ። a

12. ክርስትያን ስድራ ቤታት እንታይ ኣብነት እየን ኪቐድሓ ዚግባእ፧

12 ኣብ እስራኤል: ወለዲ ንውሉዳቶም ምምሃር ዓብዪ ኣትኵሮ ዚወሃቦ ነገር እዩ ነይሩ። እቲ ትምህርቲ ንዅሉ መዳይ ህይወቶም: እንተላይ ንመንፈሳዊ ጕዳያት ዚሽፍን ነበረ። (ዘዳ. 6:6, 7) ስለዚ: ንወለዶምን ንኻልኦት ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ዓበይትን ዚሰምዑ መንእሰያት እስራኤላውያን ፍልጠት ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ መለኮታዊ ትምህርቲ ዚርከብ ከም ጥበብን ምስትውዓልን ኣእምሮን ጥንቃቐን ዝኣመሰለ ብርቂ ባህርያት ኬጥርዩ ይኽእሉ ነበሩ። (ምሳ. 1:2-4፣ 2:1-5, 11-15) ሎሚ ዘለዋ ክርስትያን ስድራ ቤታት ንትምህርቲ ተመሳሳሊ ቘላሕታ ኺገብራሉ ኣለወን።

ነቶም ዜፍቅሩኻ ስምዓዮም

13. ገሊኦም መንእሰያት እንታይ ዓይነት ማዕዳ እዩ ዚወሃቦም፧ ስለምንታይከ እዮም ኪጥንቀቑ ዘለዎም፧

13 መንእሰያት ካብ ኵሎም ዓይነት ሰባት ማዕዳ ይወሃቦም እዩ። ገለ ኻብቶም ማዕዳ ዚህብዎም ሰባት: ንዓወት ብዓለማዊ መገዲ ጥራይ ዚሓስቡ ናይ ቤት ትምህርቶም ኣማኸርቲ ኺጥቀሱ ይከኣሉ። ንዅሉ እቲ ዚወሃበካ ማዕዳ ብቓል ኣምላኽን በቲ እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዜዳልዎ መንፈሳዊ ምግብን ጌርካ ብጸሎት እናኣስተንተንካ ገምግሞ። ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገበርካዮ መጽናዕቲ: ንኣሽቱን ተመክሮ ዘይብሎምን ቀንዲ ዕላማ መጥቃዕቲ ሰይጣን ምዃኖም ትፈልጥ ኢኻ። ንኣብነት: ኣብ ገነት ኤድን እታ ተመክሮ ዘይነበራ ሄዋን ነቲ ንዓኣ ፍቕሪ ኸም ዝነበሮ ዋላ ሓንቲ ዘየርኣያ ቕድሚኡ ዘይትፈልጦ ሰይጣን ሰምዓቶ። ነቲ ብብዙሕ መገድታት ፍቕሩ ዘርኣያ የሆዋ እንተ ትሰምዖ ነይራ: እቲ ውጽኢት ክሳዕ ክንደይ ኰን ምተቐየረ!—ዘፍ. 3:1-6

14. ንየሆዋን ንኣመንቲ ወለድኻን ክትሰምዖም ዚግብኣካ ስለምንታይ ኢኻ፧

14 ፈጣሪኻ የፍቅረካ እዩ: ንጽህቲ ፍቕሪ ኸኣ እያ ዘላቶ። ሕጂ ጥራይ ዘይኰነስ: ንዘለኣለም ክትሕጐስ እዩ ዚደልየካ። ስለዚ: ከም ለዋህ ወላዲ ዀይኑ: ንዓኻን ንዅሎም ኣምለኽቱን “እዚኣ እያ እታ መገዲ: ብእኣ ተመላለሱ” ይብል ኣሎ። (ኢሳ. 30:21) ንየሆዋ ብሓቂ ዜፍቅርዎ ኣመንቲ ዝዀኑ ወለዲ እንተ ኣለዉኻ: ተወሳኺ በረኸት ኢኻ ረኺብካ። ቀዳምነት እትህቦ ነገራትን ሸቶታትን ከተውጽእ ከለኻ: ነቲ ምኽሮም ብኣኽብሮት ስምዓዮ። (ምሳ. 1:8, 9) ከመይሲ: ካብቲ ኣብዛ ዓለም ዚርከብ ሃብቲ ዀነ ዝና ኣጸቢቑ ዚበልጽ ህይወት ክትረክብ እዮም ዚደልዩኻ።—ማቴ. 16:26

15, 16. (ሀ) ኣብ የሆዋ እንታይ ምትእምማን ኢና ኸነሕድር እንኽእል፧ (ለ) ካብ ተመክሮ ባሩኽ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኢና እንመሃር፧

15 እቶም ንፈጣሪኦም ዚዝክሩ ሰባት: የሆዋ ‘ኸም ዘይሓድጎምን ዕሽሽውን ከቶ ኸም ዘይብሎምን’ ብምትእምማን: ንናብራኦም ቀሊል ይገብሩ እዮም። (እብራውያን 13:5 ኣንብብ።) እዚ ጥዑይ ኣረኣእያ እዚ ኻብ ኣተሓሳስባ ዓለም እተፈልየ ስለ ዝዀነ: መንፈስ ዓለም ከይጸልወና ኽንጥንቀቕ ኣሎና። (ኤፌ. 2:2) ኣብዚ መዳይ እዚ እቲ የሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ቅድሚ ምጥፋኣ ኣብ ዝነበረ ጽንኩር እዋን ዚነብር ዝነበረ ባሩኽ ዚበሃል ናይ ኤርምያስ ጸሓፊ ዝሓደጎ ኣብነት እስከ ንርአ።

16 ባሩኽ ብስጋዊ መዳይ ዝሓሸ ናብራ ኺህልዎ ደልዩ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሆዋ ነዚ ኣስተብሃለሉ: ንባሩኽ ከኣ “ዓብዪ ነገር” ከይደሊ ብሕያውነት ኣጠንቀቖ። ባሩኽ ንየሆዋ ስለ ዝሰምዖን ካብ ጥፍኣት የሩሳሌም ስለ ዝደሓነን: ትሑትን ጥበበኛን ምዃኑ ኣርኣየ። (ኤር. 45:2-5) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: እቶም ብግዜ ባሩኽ ዝነበሩ ብስጋ “ዓብዪ ነገር” ዘጥረዩን ንየሆዋ ኻልኣይ ቦታ ዝሃብዎን ሰባት: ነዊሕ ከይጸንሑ ጥሪቶም ብከለዳውያን (ብባቢሎናውያን) ተዘምተ። ብዙሓት እውን ህይወቶም ስኢኖም እዮም። (2 ዜና 36:15-18) ምስ ኣምላኽ ዘሎና ጽቡቕ ርክብ ካብ ሃብትን ዝናን እዛ ዓለም እዚኣ ኣጸቢቑ ኸም ዚበልጽ ካብ ተመክሮ ባሩኽ ክንመሃር ንኽእል ኢና።

ናብቶም ብሉጻት ኣብነታት ጠምት

17. የሱስን ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ሎሚ ንዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ ሰናይ ኣርኣያ ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧

17 ቃል ኣምላኽ ኣብ መገዲ ህይወትና ምእንቲ ኺሕግዘና: ብዙሓት ሰናይ ኣርኣያ ዚዀኑና ሒዙ ኣሎ። ንኣብነት: የሱስ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበሩ ሰባት ካብ ኵሎም ዝበለጸ ተውህቦ እኳ እንተ ነበሮ: ኣብቲ ንሰባት ንዘለኣለም ዚጠቕሞም “ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ” ግን ኣተኰረ። (ሉቃ. 4:43) ሃዋርያ ጳውሎስ ንየሆዋ ብሉጽ ነገር ምእንቲ ኺህቦ ኢሉ: ብዙሕ ኣታዊ ዚረኽበሉ ሞያ ሓዲጉ: ግዜኡን ጕልበቱን ነቲ ብስራት ኣብ ምስባኽ ኣውዓሎ። እቲ “ብእምነት ናይ ሓቂ ወደይ” እተባህለሉ ጢሞቴዎስ እውን ነቲ ሰናይ ኣብነት ጳውሎስ ሰዓበ። (1 ጢሞ. 1:2) የሱስን ጳውሎስን ጢሞቴዎስን በቲ ዝሰዓብዎ መገዲ ህይወት ተጣዒሶም ድዮም፧ ከቶ ኣይተጣዕሱን! እኳ ደኣስ: ጳውሎስ ነቲ ዓለም እተቕርቦ ምስቲ ንኣምላኽ ናይ ምግልጋል ክብሪ ብምንጽጻር ከም “ጐሓፍ” እዩ ቘጺርዎ።—ፊል. 3:8-11

18. ሓደ መንእሰይ ሓው እንታይ ዓብዪ ለውጥታት እዩ ዝገበረ፧ እዚ ዘየጣዕሶኸ ስለምንታይ እዩ፧

18 ሎሚ ዘለዉ ሓያሎ ክርስትያን መንእሰያት ኣስኣሰር እምነት የሱስን ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ይስዕቡ እዮም። ንኣብነት: ሓደ ብዙሕ ደሞዝ ዚኽፈሎ ዝነበረ መንእሰይ ሓው ከምዚ በለ:- “ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝመላለስ: ነዊሕ ከይጸናሕኩ ናይ ስራሕ ዕቤት ረኸብኩ። ገንዘባዊ ረብሓታት እኳ እንተ ረኸብኩ: ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ ኰይኑ ተሰምዓኒ። ናብ ኣባላት ኮሚተ ፈጻሚ ኣካል እታ ዝሰርሓላ ኩባንያ ቐሪበ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክስዕብ ባህጊ ኸም ዘሎኒ ምስ ገለጽኩሎም: ንኸይከዶም ኢሎም ብኡንብኡ ዝያዳ ደሞዝ ኣቕረቡለይ። ኣነ ግን ቈሪጸ እየ ነይረ። ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኽጽመድ ኢለ ነቲ ብዙሕ ኣታዊ ዝረኽበሉ ዝነበርኩ ስራሕ ምግዳፈይ ንብዙሓት ኪርድኦም ኣይከኣለን። ከምዚ ዝገበርኩ: ምስቲ ንኣምላኽ ዝገበርክዎ ወፈያ ተሰማሚዐ ምእንቲ ኽነብር እየ። ሕጂ ህይወተይ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ዘተኰረት ስለ ዝዀነት: ዝዀነ ይኹን መጠን ገንዘብ ወይ ዝና ኼምጽኣለይ ዘይክእል እኹል ሓጐስን ዕግበትን ኣሎኒ።”

19. መንእሰያት እንታይ ጥበባዊ ምርጫ ኺገብሩ እዮም ዚተባብዑ፧

19 ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ኣሽሓት መንእሰያት ተመሳሳሊ ጥበባዊ ምርጫ ገይሮም እዮም። ስለዚ: ኣቱም መንእሰያት: ብዛዕባ መጻኢኹም ክትሓስቡ ኸለኹም: ንመዓልቲ የሆዋ ኣቐልጢፍኩም ርኣይዋ። (2 ጴጥ. 3:11, 12) በቶም ካብዛ ዓለም እዚኣ ብዙሕ ዚጥቀሙ ኣይትቕንኡ። ኣብ ክንዳኡስ: ነቶም ብሓቂ ዜፍቅሩኹም ስምዕዎም። ‘መዝገብኩም ኣብ ሰማይ’ ምግባርኩም: ልዕሊ ዅሉ ዜተኣማምን ወፍሪ እዩ: ዘለኣለማዊ ጥቕሚ ዜምጽኣልኩም እውን እዚ ጥራይ እዩ። (ማቴ. 6:19-21፣ 1 ዮሃንስ 2:15-17 ኣንብብ።) እወ: ንፈጣሪኹም ዘክርዎ። ከምኡ እንተ ጌርኩም: የሆዋ ኺባርኸኩም እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ ዝለዓለ ትምህርትን ስራሕን: ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 2005 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 26-31 ርአ።

ትዝክሮዶ፧

• ብኣምላኽ ከም እንእመን ብኸመይ ነርኢ፧

• ካብ ኵሉ ዝበለጸ ትምህርቲ እንታይ እዩ፧

• ካብ ባሩኽ እንታይ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧

• ንዓኻ ሰናይ ኣርኣያ ዝዀኑኻ መን እዮም፧ ስለምንታይከ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ትምህርቲ ይህብ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ባሩኽ ንየሆዋ ብምስማዑ ኻብ ጥፍኣት የሩሳሌም ደሓነ። ካብ ኣብነቱ እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧