ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እተገለሉ ግናኸ ዘይተረስዑ

እተገለሉ ግናኸ ዘይተረስዑ

እተገለሉ ግናኸ ዘይተረስዑ

ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ: “ጊዜ ኸሎና: ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር” ኢሉ መዓዶም። (ገላ. 6:10) ሎሚ እውን ነዚ መንፈስ ዝነፈሶ መምርሒ ንስዕብን ንኣመንቲ ብጾትና ሰናይ ክንገብረሎም ዜኽእለና ኣጋጣሚታት ነናድን ኢና። ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኻብ ዚርከቡ ፍቕራዊ ተገዳስነት ዜድልዮምን ዚግብኦምን ኣሕዋት: እቶም ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ዚነብሩ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ይርከብዎም።

ሓቂ እዩ: ኣብ ገሊአን ሃገራት ዚርከባ ስድራ ቤታት: ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዲ ኣብ ቤትካ ምእላይ ልሙድ እዩ። ኣብ ካልእ ሃገራት ዚርከቡ ኣረጋውያን ግን: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን እዮም ዚእለዩ። ብዛዕባ እቶም ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ዚነብሩ ኣረጋውያን ክርስትያናትከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ እንታይ ብድሆ እዩ ዜጋጥሞም፧ ካብ ኣባላት ስድራ ቤቶም ደገፍ እንተ ደኣ ዘይብሎም: ነዚ ዅነታት ብኸመይ ኪዋጽኡሉ ይኽእሉ፧ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧ ኣዘውቲርና ምስ እንበጽሖምከ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ዜጋጥሞም ጸገማት

ኣረጋውያን ክርስትያናት ኣብ ክሊ ዘይፈልጥዎ ጉባኤ ናብ ዚርከብ መናበዪ ኣረጋውያን ይግዕዙ ይዀኑ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣዘውቲሮም ኪበጽሕዎም ኢሎም ኣይሓስቡን ይዀኑ። ብተወሳኺ: ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን እተፈላለየ እምነታት ብዘለዎም ሰባት ተኸቢቦም እዮም ዚነብሩ። እዚ ኸኣ ነቶም ኣረጋውያን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጾትና ናብ ኣጸጋሚ ዅነታት ኬእትዎም ይኽእል እዩ።

ንኣብነት: ኣብ ገሊኡ ኸባቢታት ዚርከባ መናብዪ ኣረጋውያን: ሃይማኖታዊ ኣኼባታት ንኺካየድ ምድላዋት ይገብራ እየን። ሓደ ሓጋዚ ኣላዪ ሕሙማት: “ሓሳቦም ብጽቡቕ ኪገልጹ ዘይክእሉ ገሊኦም ኣረጋውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ድሌቶም ከይተሓተቱ ብብሽክለታ ስንኩላን ናብ ቤተ-ክርስትያን ተወሲዶም እዮም” በለ። ብተወሳኺ እውን ቤት ጽሕፈት መናበዪ ኣረጋውያን: ነቲ ልሙድ ናብራ እቶም ተቐማጦ ንምልዋጥ መዓልቲ ልደቶም: በዓል ልደት: ወይ በዓል ትንሳኤ የብዕል እዩ። ገሊኦም ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን: ኪበልዕዎ ሕልናኦም ዘይፈቕደሎም ምግቢ ይቐርበሎም እዩ። (ግብ. 15:29) ነዞም ኣረጋውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣዘውቲርና ንበጽሖም እንተ ደኣ ዄንና: ነቲ ዜጋጥሞም ብድሆታት ንኺጻወሩ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና።

ካብ ጉባኤ ዚወሃብ ደገፍ

ቀዳሞት ክርስትያናት ነቶም ዚሕግዞም ስድራ ቤት ዘይብሎም ኣረጋውያን ንኺከናኸኑ ዝነበሮም ሓላፍነት ብጥንቃቐ ይፍጽሙ ነበሩ። (1 ጢሞ. 5:9) ሎሚ ዘለዉ ሓለውቲ እውን ብተመሳሳሊ: እቶም ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዚርከብ መናበዪ ኣረጋውያን ዚነብሩ ኣረጋውያን ዕሽሽ ከም ዘይተባህሉ ኼረጋግጹ ኣለዎም። a ሮበርት ዚበሃል ሽማግለ: “ክርስትያን ሓለውቲ ብብሕቶም ከይዶም ናብራ እቶም ኣረጋውያን እንተ ርእዮምን ምስኦም ኰይኖም እንተ ጸልዮምን ጽቡቕ እዩ። እታ ጉባኤ ዜድልዮም ነገራት ንምምላእ ብዙሕ ነገራት ክትገብር ትኽእል እያ” በለ። ነዞም ኣረጋውያን ንምብጻሕ ግዜ እንተ መዲብና: ነቶም ደገፍ ዜድልዮም ምድጋፍ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኸም እተረዳእና ኢና ነርኢ።—ያእ. 1:27

ሽማግለታት ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን: ነቶም ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዚርከብ መናበዪ ኣረጋውያን ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ሓገዝ ንኺግበር: ብፍታው መሰናድዎ ኺገብሩ ኣለዎም። ሮበርት ነቲ ገሊኦም ሰባት ኪገብርዎ ዚግብኦም ኪገልጽ ከሎ: “ኣረጋውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኪእከቡ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም ንኺመጹ ኸነተባብዖም ይግባእ” በለ። ነቶም ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸዱ ዘይክእሉ ግን: ሽማግለታት ካልእ መሰናድዎታት ኪገብሩሎም ኣለዎም። ዣኵሊን እትበሃል ኣብ መፋርቕ 80ታት ዝዕድሚኣ ብሓደ ዓይነት ሕማም ሪሕ እትሳቐ ሓብቲ: ነቲ ኣኼባታት ብተሌፎን እያ እተሰምዖ። ንሳ ኸምዚ በለት:- “እቲ ኣኼባ ኺካየድ ከሎ ብቐጥታ ምስማዐይ ኣዝዪ እዩ ጠቒሙኒ። ዝመጸ ይምጻእ ኬምልጠኒ ኣይደልን እየ!”

ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ክርስትያን: ኣኼባታት ብተሌፎን ኪከታተል ዘይክእል እንተ ዀይኑ: ሽማግለታት እቲ መደረታት ወይ ክፍልታት ኪቕረጽ መሰናድዎ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም። እተቐርጸ ኽፍልታት ነቶም ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ዚወስደሎም ሰብ: ነዚ ኣጋጣሚ ዜተባብዕ ዕላል ንምዕላል ኪጥቀመሉ ይኽእል እዩ። ሓደ ሓላዊ: “ብዛዕባ ዅነታት ኣብታ ኣብ ከባቢኦም ዘላ ጉባኤ ዘለዉ ኣባላት ምንጋር: ሕጂ እውን እንተ ዀነ ክፍሊ እቲ መንፈሳዊ ስድራ ቤትና ምዃኖም ከም ዚስምዖም እዩ ዚገብር” በለ።

ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋወጥ

ንብዙሓት ኣረጋውያን ናብ መናበዪ ኣረጋውያን ምግዓዝ: ዜጨንቕን ዜደናግርን ከም ዚዀኖም ፍሉጥ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ገሊኦም ርእሶም ኪፈልዩ ይሓስቡ እዮም። ይኹን እምበር: ነዞም ኣረጋውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ናብ መናበዪ ኣረጋውያን ምስ ገዓዙ: ቀልጢፍና እንተ በጺሕናዮምን ንዕኦም ምድጋፍና እንተ ቐጺልናን: ውሽጣዊ ሰላምን ሓጐስን እንደገና ንኺረኽቡ ኽንሕግዞም ኢና።—ምሳ. 17:22

ኣረጋውያን ኣሕዋትና ወይ ኣሓትና ናይ ምስትውዓል ክእለቶም እንተ ቐኒሱ: ናይ ምስማዕ ክእለቶም እንተ ስኢኖም ወይ ካልእ ንኸይትዘራረብ ዚዓናቕፍ ጸገማት ምስ ዚህልዎም: ገሊኦም ንዕኦም ምብጻሕ ዘይረብሕ እዩ ኢሎም ይድምድሙ ይዀኑ። ይኹን እምበር: ምስኦም ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኣጸጋሚ እኳ እንተ ዀነ: ብቐጻሊ ንኽንበጽሖም እንገብሮ ጻዕሪ ‘ንሓድሕድና ብምክብባር ንቀዳደም’ ከም ዘለና ዜርኢ እዩ። (ሮሜ 12:10) ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው እቲ ናይ ቀረባ እዋን ተዘክሮኡ ኺጠፍኦ እንተ ጀሚሩ: ነቲ ኣብ ቍልዕነቱ እውን ከይተረፈ ዘጋጠሞ ሕሉፍ ተመክሮኡ ንኼዘንትወልና ወይ ከኣ ሓቂ ብኸመይ ከም ዝፈለጠ ንኺነግረና ኸነተባብዖ ንኽእል ኢና። ቅኑዕ ቃላት ንኺረክብ ዚቃለስ እንተ ዀይኑኸ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ብትዕግስቲ ንስምዓዮ: ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ኸኣ ምስቲ ኺዛረቦ ዝደለዮ ቓላት ዚመሳሰል ክልተ ወይ ሰለስተ ቓላት ንንገሮ ወይ ሓሳባቱ ኣሕጽር ኣቢልና ብምጥርናፍ ንኪቕጽል ነተባብዓዮ። እንተ ተደናጊሩ ወይ ናይ ምዝራብ ጸገም እንተ ኣልይዎን ክንሰምዖ እንተ ኣጸጊሙናን: ኣብቲ ቓና ድምጹ ብምድሃብ እንታይ ኪብል ከም ዝደለየ ኽንርዳእ ንጽዓር።

ብኣፍ ምዝርራብ ዘይከኣል እንተ ዀይኑ: ብኻልእ መገዲ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። ሎረንስ እትብሃል ስርዕቲ ፈላሚት: ማድሊን ንእትበሃል 80 ዓመት ዝዕድሚኣ ምዝራብ ዘይትኽእል ክርስትያን ሓብቲ ኣዘውቲራ ትበጽሓ ነበረት። ሎረንስ ብኸመይ ከም ዚዘራረባ ኽትገልጽ ከላ: “ሓቢርና ኽንጽሊ ኸለና ናይ ማድሊን ኢድ እሕዞ። ንሳ ኸኣ ኣፍኲሳ ኣእዳወይ ብምጭባጥን ኣዒንታ ሰምሰም ብምባልን ነዚ ፍቕራዊ ህሞት ዘለዋ ሞሳ ተርኢ” በለት። ኣእዳው ኣረጋውያን ብጾትና ኽንጭብጥ ወይ ካብ ልቢ ብዝመነጨ ስምዒት ክንሓቝፎም ከለና ብርግጽ ኬጸናንዖም ይኽእል እዩ።

ክትበጽሖም ምኻድካ ዘለዎ ኣገዳስነት

ንኣረጋውያን ኣዘውቲርካ ኽትበጽሖም ምኻድካ ኣብ ጽሬት እቲ ዚረኽብዎ ኽንክን ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። ነቶም ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጾታ ንኣስታት 20 ዓመት ዝበጽሓቶም ዳንየል: “ሰራሕተኛታት መናበዪ ኣረጋውያን: ሓደ ሰብ ኣዘውቲርካ ምብጻሕ ከም ዚግበረሉ እንተ ኣስተብሂሎም: ዝሓሸ ኽንክን እዮም ዚገብሩሉ” በለት። እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሮበርት: “ሰራሕተኛታት መናበዪ ኣረጋውያን ንኣረጋዊ ኣዘውቲሩ ንዚበጽሕ ሰብ እዮም ብዝያዳ ዚሰምዕዎ። ሓሓሊፉ ንዚበጽሕ ሰብ: ተመሳሳሊ ኣኽብሮት ኣይህብዎን እዮም” በለ። እቶም ኣለይቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብቐሊሉ ምስ ዘይዓግቡ ስድራ ቤታት ስለ ዚራኸቡ: ካብ በጻሕቲ ዚወሃቦም ምስጋና የማስዉሉ እዮም። ብተወሳኺ: ምስቶም ሰራሕተኛታት መናበዪ ኣረጋውያን ጽቡቕ ርክብ እንተ መስሪትና: ነቶም ዚከናኸንዎም ኣረጋውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዎም ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን እምነትን ኬኽብርሎም ዝያዳ ዝንባለ ኺሓድሮም ይኽእል እዩ።

ነቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ቀሊል ስራሕ ብምሕጋዝ ጽቡቕ ርክብ ከነማዕብል ንኽእል ኢና። ኣብ ገሊኡ ኸባቢ ሕጽረት ብቑዓት ሰራሕተኛታት ስለ ዘሎ: ነቲ ኣረጋውያን ዚረኽብዎ ኽንክን ነክይዎ እዩ። ረበካ እትበሃል ኣላዪት: “ናይ ምሳሕ ሰዓት ሃልኪ ዝመልኦ እዩ። ስለዚ: ንፈታዊና ንምብጻሕን ንኺበልዕ ንምሕጋዝን ዚምሽእ ግዜ ኪኸውን ይኽእል እዩ” ብምባል ርእይቶ ሃበት። ነቶም ሰራሕተኛታት ብኸመይ ክንሕግዞም ከም እንኽእል ካብ ምሕታት ድሕር ኣይንበል።

ኣብ ሓደ መናበዪ ኣረጋውያን ኣዘውቲርና ምብጻሕ ክንገብር ከለና: እቶም ኣረጋውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንታይ ከም ዜድልዮም ክንፈልጥ ንኽእል፣ ነቶም ሰራሕተኛታት ኣፍቂድና ኸኣ ነዚ ንምምላእ ተበግሶ ኽንወስድ ንኽእል። ንኣብነት: መንበሪ ኽፍሎም ብስእልታት ፈተውቶም ወይ ደቆም ብዝሰኣልዎ ስእሊ ኽንስልሞ ንኽእል ኢና። ንድሕንነት እቲ ኣረጋዊ ኣብ ግምት ብምእታው ዜምውቕ ክዳውንቲ ወይ ከኣ ብሕታዊ ንጽህና ንምሕላው ዚሕግዝ ኣቕሑ ኸነምጽኣሉ ንኽእል ኢና። እቲ መንበሪ ኣረጋውያን: ስፍራ ኣታኽልቲ ዘለዎ እንተ ዀይኑ: ንፈታዊና ጽሩይ ኣየር ንኺረክብ ናብ ደገ ኸነውጽኦዶ ንኽእል፧ እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሎረንስ ከምዚ በለት:- “ማድሊን ነቲ ሰሙናዊ ዝገብሮ ምብጻሕ ብሃንቀውታ እያ እትጽበዮ። ቈልዑ ሒዘ ክኸዳ ኸለኹ ኸኣ ብኡንብኡ ፍሽኽ ትብልን ገጻ ይበርህን!” ከምዚ ዓይነት ተበግሶ ምውሳድ: ነቶም ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ዚነብሩ ዓብዪ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ።—ምሳ. 3:27

ሓባራዊ ጥቕሚ

ንኣረጋውያን ኣዘውቲርና ምብጻሕ: “ፍቕር[ና] ሓቂ ከም ዝኾነት” ዚፍትን ኪኸውን ይኽእል እዩ። (2 ቈረንቶስ 8:8 ትርጕም 1990) ብኸመይ፧ ፈታዊና በብቝሩብ እናደኸመ ኪኸይድ ከሎ ምርኣይ የሕዝነና እዩ። ሎረንስ ከምዚ ብምባል ተኣመነት:- “ኣብ መጀመርያ: ማድሊን ደኺማ ኽርእያ ኸለኹ ኣዝዩ ስለ ዝተንከፈኒ: ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ምብጻሕ እበኪ ነበርኩ። ኰይኑ ግን: ልባዊ ጸሎት ምቕራብ: ንፍርህና ኽንዋጽኣሉን ዝያዳ እነተባብዕ ክንከውንን ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል ተማሂረ እየ።” ሮበርት ንብዙሕ ዓመታት ላሪ ንዚበሃል ሓደ ዓይነት ሕማም መትኒ ዘለዎ ክርስትያን ሓው ይበጽሖ ነበረ። ሮበርት: “ላሪ በቲ ዝነበሮ ሕማም ኣዝዩ ተጐዲኡ ስለ ዝነበረ: ነቲ ዚዛረቦ ቓላት ክርድኦ ኣይከኣልኩን። ሓቢርና ኽንጽሊ ኸለና ግን: ሕጂ እውን እምነቱ ህያው ምዃና ኸስተውዕል ይኽእል እየ” በለ።

ነቶም ኣረጋውያን ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኽንበጽሖም ከለና: ንዕኦም ጥራይ ዘይኰነስ ንርእስና እውን ንጥቀም ኢና። ኣብ መንጎ እተፈላለየ እምነት ዘለዎም ሰባት እናነበሩ ኽነሶም: ምስ የሆዋ ጠቢቖም ንኺመላለሱ ዘለዎም ቈራጽነት: ንሕና እውን እምነት ኪህልወናን ተባዓት ክንኸውንን ይምህረና። ናይ ምስማዕን ምርኣይን ጸገም እናሃለዎም ክነሱ: መንፈሳዊ ምግቢ ንምርካብ ዘለዎም ሃንቀውታ: “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር: ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን” ንዚብል ሓሳብ የጕልሕ። (ማቴ. 4:4) ኣረጋውያን ከም ናይ ቈልዓ ፍሽኽታ ወይ ምግቢ ሓቢርካ ምብላዕ ዝኣመሰለ ንኣሽቱ ነገራት ዜሐጕሶም ምዃኑ: ንሕና እውን በቲ ዘሎና ነገር ዕጉባት ክንከውን የዘኻኽረና። ንመንፈሳዊ ነገራት ዘለዎም ፍቕሪ: ነቲ ቐዳምነት እንህቦ ነገራት ብግቡእ ንኽንሰርዕ ይሕግዘና።

ብምልእታ እታ ጉባኤ ኻብቲ ንኣረጋውያን እንገብሮ ደገፍ ብሓቂ ትጥቀም እያ። ከምኡ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እዞም ኣካላዊ ድኻም ዘለዎም: ኣብቲ ኻብ ኣሕዋት ዚረኽብዎ ሕውነታዊ ፍቕሪ ዝያዳ እተጸግዑ ስለ ዝዀኑ: እታ ጉባኤ ርሕራሐ ኸተርእየሉ እትኽእል ኣጋጣሚ ትረክብ እያ። ስለዚ: ኵላትና እቲ ንኣረጋውያን እንገብሮ ኽንክን ንነዊሕ እዋን ዚጸንሕ እውን ይኹን: ከም ክፍሊ እቲ ንሓድሕድና እንገብሮ ኣገልግሎት ጌርና ንርኣዮ። (1 ጴጥ. 4:10, 11) ሽማግለታት ኣብዚ ዕዮ እዚ መሪሕ ግደ ዚህልዎም እንተ ዀይኑ: ካልኦት ኣባላት እታ ጉባኤ: ነዚ መዳይ ክርስትያናዊ ንጥፈታትና ዕሽሽ ክንብሎ ኸም ዘይግባእ ንኺግንዘቡ ኺሕግዞም እዩ። (ህዝ. 34:15, 16) ብፍታውን ብፍቕርን ንኣረጋውያን ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ብምሕጋዝ ከም ዘይተረስዑ ኸነረጋግጸሎም ንኽእል!

[እግረ-ጽሑፍ]

a ጸሓፍ ጉባኤ ኣብቲ ጉባኤ ዝነበረ ሓደ ኣስፋሒ ኣብ ካልእ ከባቢ ናብ ዚርከብ መናበዪ ኣረጋውያን ከም ዝገዓዘ ምስ ፈለጠ: ኣብቲ ዝኸደሉ ኸባቢ ንእትርከብ ጉባኤ ብኡንብኡ ምስ ዚሕብር ጠቓምን ፍቕራውን ኪኸውን ይኽእል እዩ።

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

“ሰራሕተኛታት መናበዪ ኣረጋውያን: ሓደ ሰብ ኣዘውቲርካ ምብጻሕ ከም ዚግበረሉ እንተ ኣስተብሂሎም: ዝሓሸ ኽንክን እዮም ዚገብሩሉ”

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ልባዊ ጸሎትና ንሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ናይ የሆዋ ምስክር ውሽጣዊ ሰላም እንደገና ንኺረክብ ኪሕግዞ ይኽእል

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ልባዊ መግለጺ ፍቕሪ ብዕድመ ንዝደፍኡ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና የበራትዖም