ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ “ከንቱነት” ርሓቕ

ካብ “ከንቱነት” ርሓቕ

ካብ “ከንቱነት” ርሓቕ

“ንኸንቱነት ዚኽተል ግና ኣእምሮ የብሉን።”—ምሳ. 12:11

1. ገለ ኻብቲ ንዓና ዘሎና ኽቡር ነገራት እንታይ እዩ፧ ነዚኸ ብኸመይ ኢና ኣብ ብሉጽ መዓላ እነውዕሎ፧

 ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን: ኵላትና እተፈላለየ ኽቡር ነገራት ኣሎና። እዚ ድማ እተወሰነ ጥዕናን ብርታዐን: ብተፈጥሮ ዚዕደለና ኣእምሮኣዊ ብልሓት: ወይ ገንዘብ ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። ንየሆዋ ስለ እነፍቅሮ: ነዚ ነገራት እዚ ኣብ ኣገልግሎቱ ብምውዓል: ነቲ “ብጥሪትካ . . . ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ” ዚብል መንፈስ ዝነፈሶ ማዕዳ ተሓጒስና ምላሽ ንህብ ኢና።—ምሳ. 3:9

2. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኸንቱነት እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ዚህበና፧ እዚ መጠንቀቕታ እዚኸ ቓል ብቓሉ እንታይ ማለት እዩ፧

2 በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኸንቱነት ይዛረብ: ደድሕሪኡ ኽንጐዪ ኽንብል ንዅሉ ዘሎና ኽቡር ነገራት ከይነባኽኖ ድማ የጠንቅቕ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ነተን ኣብ ምሳሌ 12:11 ዚርከባ: “ምድሩ ዚወላውል ሰብ እንጌራ ይጸግብ: ንኸንቱነት ዚኽተል ግና ኣእምሮ የብሉን” ዚብላ ቓላት እሞ ኣስተብህለለን። እዛ ምስላ እዚኣ ቓል ብቓሉ እንታይ ማለት ምዃና ኽንርዳእ ኣይተጸግመናን እያ። ሓደ ሰብኣይ ግዜኡን ጕልበቱን ንስድራ ቤቱ ንምድጋፍ ኣብ ዚገብሮ ትግሃት ዝመልኦ ስራሕ እንተ ኣውዒልዎ: ተዛማዲ ውሕስነት ንምርካብ ሰፊሕ ዕድል ይህልዎ። (1 ጢሞ. 5:8) ይኹን እምበር: ዘለዎ ዅሉ ንኸንቱነት ኣብ ምኽታል እንተ ኣውዒልዎ: ‘ኣእምሮ ኸም ዘይብሉ’ ወይ ምምዝዛንን ጽቡቕ ድራኸን ከም ዚጐድሎ የርኢ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ይሽገር እዩ።

3. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኸንቱነት ዚህቦ መጠንቀቕታ ኣብ ኣምልኾና ኸነውዕሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

3 ነቲ ኣብታ ምስላ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ኣብ ኣምልኾና እንተ ኣውዒልናዮኸ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣወዓዕላ: ብትግሃትን ብተኣማንነትን ንየሆዋ ዜገልግል ክርስትያን ናይ ሓቂ ውሕስነት ከም ዚረክብ ኢና እንርዳእ። በረኸት የሆዋ ኸም ዚረክብ ኪተኣማመን ይኽእል: ብዛዕባ መጻኢ ኸኣ ነቕ ዘይትብል እምነት ትህልዎ። (ማቴ. 6:33፣ 1 ጢሞ. 4:10) ናብ ከንቱ ነገራት ዘድሃበ ክርስትያን ግን ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብን ንናይ ዘለኣለም ህይወት ዘለዎ ተስፋን ኣብ ሓደጋ እዩ ዜእትዎ። ካብዚ ብኸመይ ክንርሕቕ ንኽእል፧ ነቲ ኣብ ህይወትና “ኸንቱ” ዝዀነ ነገራት ከነለልዮን ካብኡ ንምርሓቕ ቈራጽነት ከነማዕብልን ኣሎና።ቲቶስ 2:11, 12 ኣንብብ።

4. ብሓፈሻ: ከንቱነት እንታይ እዩ፧

4 እንታይ ደኣሉ እሞ ኸንቱነት ዚበሃል፧ ብሓፈሻ: ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስና ንኸይነገልግሎ ዕንቅፋት ዚኸውን ዝዀነ ይኹን ነገር እዩ። ንኣብነት: እተፈላለየ ዓይነት መዛነዪ ኼጠቓልል ይኽእል። ልክዕ እዩ: መዛነዪ ቦታኡ ኣለዎ። ኰይኑ ግን: ምስ ኣምልኾና ዚተሓሓዝ ንጥፈታት መስዋእቲ ጌርና: ኣብ ምዝንጋዕ ብዙሕ ግዜ ምስ እነሕልፍ: ንመንፈሳዊ ጥዕናና ስለ ዚጐድኣና ኸንቱነት ይኸውን። (መክ. 2:24፣ 4:6) ሓደ ክርስትያን ካብዚ ነገራት እዚ ንምምላጥ: ነቲ ኽቡር ግዜኡ ብኸመይ ከም ዜሕልፎ እናተጠንቀቐ ሚዛኑ ይሕሉ። (ቈሎሴ 4:5 ኣንብብ።) ካብ መዛነዪ ንላዕሊ ሓደገኛ ዝዀኑ ኸንቱነታት ግን ኣለዉ። ካብዚኣቶም ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኺጥቀሱ ይከኣሉ።

ካብ ከንቱታት ኣማልኽቲ ርሓቕ

5. መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ኸንቱ” እትብል ቃል ብዙሕ ግዜ ብኸመይ ይጥቀመላ፧

5 እታ “ኸንቱ” ተባሂላ ኽትትርጐም እትኽእል ኣብ በዅሪ ጽሑፍ እትርከብ ቃል: ብዙሕ ግዜ ምስ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ተተሓሒዛ ምጥቃሳ ዜገርም እዩ። ንኣብነት: የሆዋ ንእስራኤላውያን: “ንኣኻትኩም ጣኦታት [“ከንቱታት ኣማልኽቲ:” NW] ኣይትግበሩ። እተወቕረ ምስሊ ወይ ሓወልቲ ድማ ኣይተቑሙ: ወይ እተሳእለ እምኒ ኽትሰግድሉ ኢልኩም ኣብ ምድርኹም ኣይትግበሩ” በሎም። (ዘሌ. 26:1) ንጉስ ዳዊት ድማ: “እግዚኣብሄርሲ ዓብዪ እዩ: ብዙሕ ምስጉን ከኣ እዩ። ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ድማ ዜፍርህ እዩ። ኵሎም ኣማልኽቲ ኣህዛብሲ ጣኦታት [“ከንቱታት ኣማልኽቲ:” NW] እዮም: እግዚኣብሄር ግና ሰማያት ገበረ” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ዜና 16:25, 26

6. ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኸንቱ ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧

6 ዳዊት ከም ዝሓበሮ: ንዕቤት የሆዋ ብዜርኢ ነገራት ተኸቢብና ኢና ዘሎና። (መዝ. 139:14፣ 148:1-10) እስራኤላውያን ምስ የሆዋ ኺዳን ኪተኣታተዉ ምኽኣሎምሲ ኸመይ ዝበለ ኽብሪ ዀን እዮም ረኺቦም! ካብኡ ርሒቖም ንምስልታት ወይ ሓወልትታት ብምስጋዶም ግን ከመይ ዝበለ ዕሽነት ኰን እዮም ገይሮም! ኣብ እዋን ቅልውላው: እቶም ናይ ሓሶት ኣማልኽቶም ኣሽምባይዶ ንኣምለኽቶምሲ ንርእሶም እኳ ኼድሕኑ ስለ ዘይክእሉ: ብሓቂ ኸንቱ ምዃኖም ተራእዩ እዩ።—መሳ. 10:14, 15፣ ኢሳ. 46:5-7

7, 8. “ገንዘብ” ከም ኣምላኽ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

7 ሎሚ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ሰባት ክሳዕ ሕጂ ሰብ ንዝሰርሖ ምስሊ ይሰግዱ ኣለዉ፣ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣማልኽቲ ኸኣ ከም ቀደም ሕጂ እውን ከንቱታት እዮም። (1 ዮሃ. 5:21) ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ንምስልታት ጥራይ ዘይኰነስ: ንኻልኦት ነገራት እውን ኣማልኽቲ ምዃኖም ይገልጽ እዩ። ንኣብነት: ነዘን ዚስዕባ የሱስ እተዛረበን ቃላት እሞ ኣስተብህለለን:- “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ: ነቲ ሓደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ: ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀነልኩምን እዩ።”—ማቴ. 6:24

8 “ገንዘብ” ከም ኣምላኽ ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧ ንኣብነት: ብዛዕባ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ኣብ ሓደ ግራት እትርከብ እምኒ እሞ ሕስብ ኣብል። እታ እምኒ እቲኣ ቤት ወይ መንደቕ ንምህናጽ ጠቓሚት ክትከውን ትኽእል እያ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ: ከም “እተወቕረ ምስሊ” ወይ “ሓወልቲ” ዀይና እንተ ቘይማ: ንህዝቢ ኣምላኽ መዐንቀፊ እያ እትዀኖም። (ዘሌ. 26:1) ብተመሳሳሊ: ገንዘብ ቦታኡ ኣለዎ። ንናብራ የድልየና እዩ: ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እውን ብግቡእ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። (መክ. 7:12፣ ሉቃ. 16:9) ኰይኑ ግን: ደድሕሪ ገንዘብ ምጕያይ ቅድሚ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና እንተ ሰሪዕናዮ: ነቲ ገንዘብ ከም ኣምላኽ ንገብሮ። (1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10 ኣንብብ።) ኣብዛ ደድሕሪ ገንዘብ ምጕያይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ጌርካ ዚረኣየላ ዓለም: ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ይግባእ።—1 ጢሞ. 6:17-19

9, 10. (ሀ) ሓደ ክርስትያን ንትምህርቲ ብኸመይ እዩ ዚርእዮ፧ (ለ) ዝለዓለ ትምህርቲ እንታይ ሓደጋ እዩ ዘለዎ፧

9 ከንቱ ኪኸውን ዚኽእል ካልእ ጠቓሚ ነገር ዓለማዊ ትምህርቲ እዩ። ደቅና ንመነባብሮ ዜድልዮም ምእንቲ ኺምእርሩ: ጽቡቕ ትምህርቲ ኺረኽቡ ንደልዮም ኢና። ልዕሊ ዅሉ ድማ: ጽቡቕ ትምህርቲ ዝረኸበ ክርስትያን ንመጽሓፍ ቅዱስ ኬንብቦ ኸሎ ብዝያዳ ኺርድኦ: ጸገማት ብምግምጋም ኣብ ጽቡቕ መደምደምታታት ኪበጽሕ: ከምኡውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ብንጹርን ዜእምንን መገዲ ኺምህር ይኽእል። ጽቡቕ ትምህርቲ ንምርካብ ግዜ ዚሓትት እኳ እንተ ዀነ: እቲ ግዜ እቲ ግን ኣብ ጽቡቕ መዓላ እዩ ውዒሉ።

10 ብዛዕባ እቲ ኣብ ኮለጅ ወይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዚወሃብ ዝለዓለ ትምህርቲ ግን እንታይ ክንብል ንኽእል፧ እዚ ብብዙሓት ንኣሳልጦ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዚርአ። ኰይኑ ግን: ከምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ ዚስዕቡ ብዙሓት ሰባት: ንኣእምሮኦም ብጐዳኢ ፕሮፓጋንዳ እዮም ዚመልእዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብብሉጽ መገዲ ኽትጥቀመሉ እትኽእል ዝነበርካ ዓመታት ንእስነትካ የባኽነልካ። (መክ. 12:1) ኣብተን ብዙሓት ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ ዝረኸቡለን ሃገራት: ሒደት ሰባት ጥራይ ኣብ ኣምላኽ ዚኣምኑ ምዃኖም ኬገርመና የብሉን። ሓደ ክርስትያን ውሕስነት ንምርካብ ናብቲ ብሉጽ ትምህርቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ክንዲ ዚጥምት: ብየሆዋ ኺእመን ኣለዎ።—ምሳ. 3:5

ስጋዊ ትምኒት: ኣምላኽ ኪኸውን ኣይተፍቅደሉ

11, 12. ጳውሎስ ብዛዕባ ገሊኦም ሰባት: “ኣምላኾም ከብዶም እዩ” ዝበለ ስለምንታይ እዩ፧

11 ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊልጲ ኣብ ዝለኣኻ መልእኽቱ: ካልእ ኣምላኽ ኪኸውን ዚኽእል ነገር ሓቢሩ ኣሎ። ብዛዕባ ገሊኦም ከምኡ ኣምለኽቲ የሆዋ ዝነበሩ ሰባት ከምዚ በለ:- “ከምቲ ብዛዕባኦም ብዙሕ ሳዕ ዝበልኩኹም: ሕጂውን እናበኼኹ እብል አሎኹ፤ ብዙሓትሲ ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኰይኖም ይመላለሱ እዮም። መወዳእታኦም ጥፍኣት እዩ: ኣምላኾም ከብዶም እዩ: . . . ሓሳቦም ከኣ ናይ ምድሪ እዩ።” (ፊል. 3:18, 19) ከስዐ ወይ ከብዲ ሓደ ሰብ ብኸመይ እዩ ኣምላኽ ኪኸውን ዚኽእል፧

12 እቶም ጳውሎስ ዚፈልጦም ሰባት: ንስጋዊ ትምኒቶም ንምርዋይ ዝነበሮም ባህጊ: ካብቲ ምስ ጳውሎስ ሓቢሮም ንየሆዋ ዜቕርብዎ ኣገልግሎት ንላዕሊ ዜገድሶም ዝነበረ እዩ ዚመስል። ገሊኦም ቃል ብቓሉ ምግቢ ወይ መስተ ብምብዛሖም ኣብ ህርፋን ወይ ስኽራን በጺሖም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ምሳ. 23:20, 21፣ ምስ ዘዳግም 21:18-21 ኣረኣኢ።) ገሊኦም ከኣ ካብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ዓለም ምሉእ ብምሉእ ኪጥቀሙ መሪጾም ይዀኑ: በዚ ኸምዚ ድማ ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ናብ ካልእ ኣላጊሶም። እምበኣር: ነቲ ጽቡቕ ናብራ ተባሂሉ ዚጽዋዕ እነሕድሮ ባህጊ: ኣብቲ ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስና እንህቦ ኣገልግሎት ዕንቅፋት ኪዀነና ኸቶ ኣይነፍቅደሉ።—ቈሎ. 3:23, 24

13. (ሀ) ስስዐ እንታይ እዩ፧ ጳውሎስከ ብኸመይ ገሊጽዎ ኣሎ፧ (ለ) ካብ ስስዐ ብኸመይ ክንርሕቕ ንኽእል፧

13 ጳውሎስ ካልእ መዳይ ናይ ሓሶት ኣምልኾ እውን ኪጠቅስ ከሎ: ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፤ ምንዝር: ርኽሰት: ፍትወት ስጋ: ክፉእ ትምኒት: ስስዔ: እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ።” (ቈሎ. 3:5) ስስዐ: ናትና ንዘይኰነ ነገር እነሕድሮ ሓያል ትምኒት እዩ። እቲ እንምነዮ ንዋይ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጾታዊ ትምኒት እውን ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። (ዘጸ. 20:17) ከምዚ ዝኣመሰለ ትምኒት ማዕረ ኣምልኾ ጣኦት ወይ ማዕረ ኣምልኾ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ምጥቃሱስ ዜተሓሳስብዶ ኸይኰነ፧ የሱስ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ትምኒት ዝገበርካ ጌርካ ኽትቈጻጸሮ ኸም ዚግባእ ንምሕባር ንጹር ምሳልያዊ ኣዘራርባ ተጠቒሙ ኣሎ።ማርቆስ 9:47 ኣንብብ፣ 1 ዮሃ. 2:16

ካብ ከንቱ ቓላት ተጠንቀቕ

14, 15. (ሀ) ብግዜ ኤርምያስ እንታይ “ከንቱነት” እዩ ንብዙሓት ዝዓንቀፈ፧ (ለ) ቃላት ሙሴ ጠቓሚ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

14 ከንቱነት ንቓላት እውን ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። ንኣብነት: የሆዋ ንኤርምያስ: “እቶም ነብያትሲ ብስመይ ሓሶት ይንበዩ አለዉ። ራእይ ሓሶትን ጥንቈላን ከንቱነትን ናይ ልቦም ጥበራን ደኣ እዮም ዚንበዩልኩም ዘለዉ እምበር: ኣነስ ኣይለአኽክዎምን: ኣይአዘዝክዎምን: ኣይተዛረብክዎምን ድማ” በሎ። (ኤር. 14:14) እቶም ነብያት ሓሶት ብስም የሆዋ ኸም ዚንበዩ እኳ እንተ ተዛረቡ: ናይ ርእሶም ሓሳባትን ጥበብን እዮም ዚዛረቡ ነይሮም። ስለዚ: ቃላቶም “ከንቱነት” ነበረ። ዘይረብሕ ኣብ ርእሲ ምዃኑ: ንመንፈሳውነት እውን ኣብ ሓደጋ እዩ ዜእቱ። ብ607 ቅ.ክ. ብዙሓት ከምዚ ዝኣመሰለ ቓላት ዝሰዓቡ ሰባት: ብወተሃደራት ባቢሎን ኣብ ዘይዕድሚኦም ተቐቲሎም እዮም።

15 ብኣንጻሩ ግን: ሙሴ ንእስራኤላውያን: “እዚ ኣነ ሎሚ ዝምስክረልኩም ዘሎኹ ዅሉ ቓላት . . . ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ። እዚ ነገር እዚ ህይወትኩም እዩ እምበር: ከንቱ ነገር ኣይኰነን: ኣብታ ንስኻትኩም ክትወርስዋ ንዮርዳኖስ እትሳገርዋ ዘሎኹም ምድሪ ድማ በዚ ነገር እዚ መዓልትታትኩም ተንውሑ” በሎም። (ዘዳ. 32:46, 47) እወ: ሙሴ እተዛረቦ ቓላት: ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ እዩ ተዛሪብዎ። ስለዚ: ንድሕንነት እቲ ህዝቢ ጠቓሚ ኸምኡውን ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። እቶም ዝሰዓብዎ ነዊሕ ዕድመን ብልጽግናን ረኺቦም እዮም። እምበኣር: ንሕና ወትሩ ኻብ ከንቱ ቓላት ርሒቕና: ናብ ጠቓሚ ቓላት ሓቂ ኽንለግብ ይግባእ።

16. ነቲ ምስ ቃል ኣምላኽ ዚጋጮ ሊቃውንቲ ዚህብዎ ሓሳብ ብኸመይ ኢና እንርእዮ፧

16 ሎሚኸ ኸንቱነት ኪዝረብ ንሰምዕ ዲና፧ እወ። ንኣብነት: ገሊኦም ሊቃውንቲ: ክልሰ-ሓሳብ ፍልቀትን ኣብ ካልእ ዓውድታት እተገብረ ስነ-ፍልጠታዊ ርኽበታትን ድሕሪ ደጊም ኣብ ኣምላኽ ክንኣምን ከም ዘይግባእ ዜርኢ ምዃኑ: ኵሉ ነገር ድማ ብባህርያዊ መስርሕ ኪግለጽ ከም ዚከኣል ይዛረቡ እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ብድዐ ዝመልኦ ዘረባ ኼተሓሳስበናዶ ይግባእ፧ ኣይፋሉን! ጥበብ ሰብ ካብ ጥበብ ኣምላኽ እተፈልየ እዩ። (1 ቈረ. 2:6, 7) ይኹን እምበር: ትምህርትታት ሰብ ምስቲ ኣምላኽ ዝገለጸልና ኺጋጮ ኸሎ: ወትሩ ትምህርትታት ሰብ እዩ ግጉይ ዚኸውን። (ሮሜ 3:4 ኣንብብ።) ኣብ ገሊኡ ዓውድታት ስነ-ፍልጠት እተገብረ ምዕባለ ብዘየገድስ: እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጥበብ ሰብ ኣመልኪቱ: “ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት እያ” ብምባል ዝገለጾ ነገር ወትሩ ሓቂ እዩ። ጥበብ ሰብ ምስቲ መወዳእታ ዘይብሉ ጥበብ ኣምላኽ ኪነጻጸር ከሎ ኸንቱ እዩ።—1 ቈረ. 3:18-20

17. ነቲ መራሕቲ ህዝበ-ክርስትያንን ከሓድትን ዚዛረብዎ ቓላት ብኸመይ ክንርእዮ ይግባእ፧

17 ካልእ ኣብነት ከንቱ ቓላት: ኣብቲ መራሕቲ ሃይማኖት ህዝበ-ክርስትያን ዚዛረብዎ ይርከብ። ንሳቶም ብስም ኣምላኽ እኳ እንተ ተዛረቡ: መብዛሕትኡ ዘረባኦም ግን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመርኰሰ ኣይኰነን፣ ስለዚ ዘይረብሕ ነገር እዮም ዚዛረቡ። ከሓድቲ እውን ካብቲ እተሸመ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዚዓቢ ጥበብ ኣሎና እናበሉ ኸንቱ ቓላት ይዛረቡ እዮም። (ማቴ. 24:45-47) ይኹን እምበር: ከሓድቲ ኻብ ናይ ርእሶም ጥበብ እዮም ዚዛረቡ: ቃላቶም ከንቱ እዩ: ንዚሰምዖ ዘበለ ድማ መዐንቀፊ እዩ። (ሉቃ. 17:1, 2) ብኣታቶም ከይንስሕት ክንጥንቀቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ካብ ከንቱ ቓላት ብኸመይ ክንርሕቕ ንኽእል፧

18. ነቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 4:1 ዚርከብ ምኽሪ ብኸመይ ክንዓየሉ ንኽእል፧

18 እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብዚ መዳይ እዚ ጽቡቕ ምኽሪ ሂቡ ኣሎ። (1 ዮሃንስ 4:1 ኣንብብ።) ምስቲ ዮሃንስ ዝሃቦ ምኽሪ ብምስምማዕ: ነቶም ኣብ ዕዮ ስብከትና እንረኽቦም ሰባት ነቲ እተማህርዎ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንጽጻር ኪምርምሩ ነተባብዖም ኢና። እዚ ስርዓት እዚ ንዓና እውን ይዓዪ እዩ። ንሓቂ ዚነቅፍ ወይ ከኣ ንጉባኤ: ንሽማግለታት: ወይ ንዝዀነ ይኹን ካብ ኣሕዋትና ዜጸልም ነገር ኣብ ኣእዛንና እንተ በጺሑ: ከም ዘለዎ ኣይንቕበሎን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ: “እቲ ነዚ ወረ እዚ ዚነዝሖ ዘሎ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ተሰማሚዑ ድዩ ዚመላለስ ዘሎ፧ እዚ ወረ ወይ ክሲ እዚ ዕላማ የሆዋ ዜደንፍዕ ድዩ፧ ኣብታ ጉባኤ ሰላም ዜስፍን ድዩ፧” ኢልና ንሓትት ኢና። ዝዀነ ይኹን ዝሰማዕናዮ ወረ ንሕውነትና ኣብ ክንዲ ዚሃንጽ: ዜፍርስ እንተ ዀይኑ: ዘይረብሕ እዩ።—2 ቈረ. 13:10, 11

19. ሽማግለታት ቃላቶም ከንቱ ኸም ዘይኰነ ብኸመይ የረጋግጹ፧

19 ሽማግለታት እውን ብዛዕባ ኸንቱ ቓላት ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኺመሃሩ ይኽእሉ እዮም። ምኽሪ ኺህቡ ምስ ዚሕተቱ: ዓቕሞም ድሩት ምዃኑ ይዝክሩ: ካብ ብሕታዊ ፍልጠቶም ጥራይ ምኽሪ ኺህቡ ድማ ኣይሓስቡን። መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል እዮም ወትሩ ኺሕብሩ ዘለዎም። ሓደ ኣገዳሲ መምርሒ: ኣብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ክንየው እቲ ጽሑፍ ከይትሐስቡ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ይርከብ። (1 ቈረ. 4:6) ሽማግለታት ክንየው እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈ ጽሑፍ ኣይከዱን እዮም። ኣወዓዕላ እዛ ጥቕሲ ኣስፍሕ ኣቢልና ኽንርእዮ ኸለና ኸኣ: ክንየው እቲ ኣብቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዘዳለዎ ጽሑፋት እተጻሕፈ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ ኣይከዱን እዮም ማለት እዩ።

20. ካብ ከንቱነት ንኽንርሕቕ ብኸመይ እዩ ሓገዝ እተዋህበና፧

20 ከንቱ ነገራት—“ኣማልኽቲ:” ቃላት: ወይ ካልእ ይኹን ብዘየገድስ—ኣዝዩ ጐዳኢ እዩ። ስለዚ: ከንቱ ነገራት ንኸነለሊ ኻብ የሆዋ ሓገዝ ንምርካብ ወትሩ ንጽሊ ኢና: ካብ ከንቱነት ብኸመይ ከም እንርሕቕ ድማ መምርሒ የሆዋ ንደሊ ኢና። ከምኡ ኽንገብር ከለና: ብኻልእ ኣበሃህላ ምስቲ ጸሓፍ መዝሙር ሓቢርና: “ነዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን: ብመገድኻ ህያው ግበረኒ” ኢና እንብል ዘለና። (መዝ. 119:37) ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ: መምርሒ የሆዋ ምቕባል ዘለዎ ጥቕሚ ኽንርኢ ኢና።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ብሓፈሻኡ: ካብ ምንታይ “ከንቱነት” ኢና ኽንርሕቕ ዘሎና፧

• ንገንዘብ ከም ኣምላኽ ከይንገብሮ ኽንጥንቀቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ስጋዊ ትምኒት ከም ኣምልኾ ጣኦት ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧

• ካብ ከንቱ ቓላት ብኸመይ ክንርሕቕ ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ንእስራኤላውያን ‘ምድሮም ኪወላውሉ’ ወይ ኪዓዩ ደኣ እምበር: ከንቱነት ከይኽተሉ ምትብባዕ ተዋህቦም

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ንስጋዊ ነገራት እተሕድሮ ባህጊ: ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዕንቅፋት ኪዀነካ ኸቶ ኣይተፍቅደሉ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ሽማግለታት ዜውስእዎ ቓላት ብዙሕ ጥቕሚ ዘለዎ ኪኸውን ይኽእል