ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ወንጌል ዮሃንስ ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ ወንጌል ዮሃንስ ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ወንጌል ዮሃንስ ዚጐልሕ ነጥብታት

እቲ “የሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር” እተባህለ ዮሃንስ: ብዛዕባ ህይወትን ኣገልግሎትን ክርስቶስ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ ዝጸሓፈ ናይ መወዳእታ ሰብ እዩ። (ዮሃ. 21:20) ወንጌል ዮሃንስ ኣብ ከባቢ 98 ድ.ክ. እተጻሕፈት ኰይና: ነቲ ኣብተን ካልኦት ሰለስተ ወንጌላት ዚርከብ ሓሳባት ብዙሕ ኣይትደግምን እያ።

ሃዋርያ ዮሃንስ ንወንጌሉ ሓደ ንጹር ዕላማ ሒዙ እዩ ጽሒፍዋ። ብዛዕባ እቲ ዝመዝገቦ ነገራት: “የሱስ: ንሱ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ኽትአምኑ: አሚንኩምውን ብስሙ ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ እዩ እዚ እተጻሕፈ” በለ። (ዮሃ. 20:31) መልእኽቱ ብሓቂ ብዙሕ ይጠቕመና እዩ።—እብ. 4:12

“እንሆ: . . . ገንሸል ኣምላኽ”

(ዮሃ. 1:1–11:54)

ዮሃንስ መጥምቕ ንየሱስ ምስ ረኣዮ: “እንሆ: ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” በለ። (ዮሃ. 1:29) የሱስ እናሰበኸን እናመሃረን ብዙሕ ሓይሊ እናገበረን ብሰማርያ: ገሊላ: ይሁዳ: ከምኡውን በቲ ኣብ ምብራቕ ዮርዳኖስ ዚርከብ ሃገር ኣቢሉ ኺጐዓዝ ከሎ: ‘ብዙሓት ናብኡ መጺኦም: ብእኡ ኣመኑ።’—ዮሃ. 10:41, 42

ሓደ ኻብቲ የሱስ ዝፈጸሞ ኣዝዩ ዜደንቕ ተኣምራት: ትንሳኤ ኣልኣዛር እዩ ነይሩ። ብዙሓት ሰባት: እቲ ንራብዕቲ ሞይቱ ዝነበረ ሰብኣይ ተንሲኡ ምስ ረኣዩ: ብየሱስ ኣመኑ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ግን ንየሱስ ኪቐትልዎ ተማኸሩ። ስለዚ የሱስ ካብኡ ነቒሉ: “ጥቓ በረኻ ናብ ዘላ ምድሪ: ኤፍሬም ናብ እትብሀል ከተማ ኸደ።”—ዮሃ. 11:53, 54

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

1:35, 40—ካብቶም ምስ ዮሃንስ መጥምቕ ደው ኢሎም ዝነበሩ: እቲ ሓደ እንድርያስ ኪኸውን ከሎ: እቲ ኻልእ መን እዩ ነይሩ፧ እቲ ኣዘንታዊ ንዮሃንስ መጥምቕ ኵሉ ሳዕ “ዮሃንስ” ኢሉ ኺጽውዖ ኸሎ: ኣብታ ወንጌሉ ስሙ ፈጺሙ ኣይጠቐሰን። ስለዚ: እቲ ስሙ ዘይተገልጸ ወደ መዝሙር: እቲ ነታ ወንጌል ዝጸሓፋ ዮሃንስ ኪኸውን ኣለዎ።

2:20—ኣየነይቲ ቤተ መቕደስ እያ “በርብዓን ሹድሽተን ዓመት” እተሃንጸት፧ ኣይሁድ ብዛዕባ እቲ ቤተ መቕደስ ዘሩባቤል ብሄሮድስ ንጉስ ይሁዳ ዳግም እተሃንጸትሉ ዕዮ እዮም ዚዛረቡ ነይሮም። ብመሰረት እቲ ጆሰፈስ ዚበሃል ጸሓፍ ታሪኽ ዝበሎ: እቲ ዕዮ እቲ ኣብ መበል 18 ዓመት ግዝኣት ሄሮድስ: ወይ ብ18/17 ቅ.ክ. እዩ ተጀሚሩ። እታ መቕደስን ካልእ ቀንዲ መዋቕርን ኣብ ሸሞንተ ዓመት ተሃንጸ። ይኹን እምበር: ነቲ እታ ቤተ መቕደስ እተጠቓልሎ ብምሉኡ ህንጻታት እተገብረ ዳግመ ህንጸት ክሳዕ ድሕሪ ፋስጋ 30 ድ.ክ. ስለ ዝቐጸለ: ኣብቲ ግዜ እቲ ኣይሁድ 46 ዓመት ከም ዝወሰደት ተዛረቡ።

5:14—ሓደ ሰብ ዚሓምም: ሓጢኣት ብምፍጻሙ ድዩ፧ ግድን ከምኡ ማለት ኣይኰነን። እቲ የሱስ ዘሕወዮ ሰብኣይ ብሰንኪ ዝወረሶ ዘይፍጽምና ን38 ዓመት ሓሚሙ ነበረ። (ዮሃ. 5:1-9) የሱስ ነቲ ሰብኣይ: ምሕረት ስለ ዝረኸበ: መገዲ ድሕነት ኪስዕብን ካብ ሕማም ዝገደደ ምእንቲ ኸይረኽቦ ደይ መደይ ኢሉ ሓጢኣት ከይገብርን እዩ ዚዛረቦ ነይሩ። እቲ ሰብኣይ ይቕረ ዘይበሃሎ ሓጢኣት ኪገብር ይኽእል ነይሩ: እዚ ድማ ትንሳኤ ዘይብሉ ሞት የስዕበሉ።—ማቴ. 12:31, 32፣ ሉቃ. 12:10፣ እብ. 10:26, 27

5:24, 25—እቶም ‘ካብ ሞት ናብ ህይወት ዚሳገሩ’ መን እዮም፧ የሱስ ብዛዕባ እቶም ሓደ እዋን ብመንፈሳዊ መዳይ ምዉታት ዝነበሩ: ግን ከኣ ቃሉ ምስ ሰምዑ ብእኡ ዝኣመኑን ብሓጥእ መገድታቶም ምምልላስ ዝሓደጉን ሰባት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ንሳቶም ኵነኔ ሞት ስለ እተላዕለሎም: በቲ ብኣምላኽ ዘለዎም እምነት ከኣ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ስለ ዝረኸቡ: ‘ካብ ሞት ናብ ህይወት ተሳጊሮም’ ኪበሃል ይከኣል እዩ።—1 ጴጥ. 4:3-6

5:26፣ 6:53—‘ብርእስኻ ህይወት ምህላው’ እንታይ ማለት እዩ፧ ንየሱስ ክርስቶስ ብዚምልከት: ካብ ኣምላኽ ክልተ ኽእለታት ከም ዚወሃቦ የመልክት። እዚ ኸኣ ንሰባት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብጽቡቕ ከም ዚረኣዩ ናይ ምግባር ክእለትን ንምዉታት ብምትንሳእ ህይወት ናይ ምክፋል ስልጣንን እዩ። ንሰዓብቲ የሱስ ብዚምልከት ከኣ: ብርእሶም ‘ህይወት ይህልዎም’ ኪበሃል ከሎ: ምሉእ ህይወት ይህልዎም ማለት እዩ። ቅቡኣት ክርስትያናት ናብ ሰማያዊ ህይወት ኪትንስኡ ኸለዉ: ናብቲ ደረጃ እቲ ይኣትዉ። እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም እሙናት ከኣ ምሉእ ህይወት ዚህልዎም: ኣብ መጨረሽታ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ ዘሎ ናይ መወዳእታ ፈተና ምስ ሓለፍዎ ጥራይ እዩ።—1 ቈረ. 15:52, 53፣ ራእ. 20:5, 7-10

6:64—የሱስ ንይሁዳ ኣስቆሮታዊ ኻብ ዚመርጾ ኣትሒዙ ኣሕሊፉ ኸም ዚህቦ ይፈልጥ ነይሩ ድዩ፧ ኣይፈልጥን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ብ32 ድ.ክ. ግን: የሱስ ንሃዋርያቱ: “ሓደ ኻባኻትኩም ግና ድያብሎስ [መካፍኢ] እዩ” በሎም። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ እዩ የሱስ ነቲ ናይ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ “መጀመርታ” ግጉይ መገዲ ኣስተውዒሉሉ ኪኸውን ዚኽእል።—ዮሃ. 6:66-71

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

2:4 የሱስ እተጠምቀ ቕቡእ ወዲ ኣምላኽ ከም ምዃኑ መጠን: ካብ ሰማያዊ ኣቦኡ መምርሒ ኺወስድ ከም ዘለዎ እዩ ንማርያም ዚነግራ ነይሩ። የሱስ ኣገልግሎቱ ይጅምር እኳ እንተ ነበረ: እተመደበሉ ዕዮ ዀነ መስዋእታዊ ሞቱ ዚፍጸመሉ ግዜ ይፈልጦ ነበረ። ከም ማርያም ዝበለ ናይ ቀረባ ኣባል ስድራ ቤቱ እኳ ኸይተረፈ: ፍቓድ ኣቦኡ ንምግባር ዕንቅፋት ኪዀኖ ኣይፈቐደን። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ: ብቘራጽነት ንየሆዋ ኸነገልግሎ ኣሎና።

3:1-9 እቲ ሓለቓ ኣይሁድ ዝነበረ ኒቆዲሞስ ዝሓደጎ ኣብነት ክልተ ነገር ይምህረና። ቀዳማይ: ኒቆዲሞስ ነቲ ትሑት ወዲ ጸራቢ ብኣምላኽ ከም እተላእከ መምህር ገይሩ ብምርኣዩ: ትሕትናን ምስትውዓልን ኣርእዩ: መንፈሳዊ ነገር ከም ዜድልዮ ድማ ተፈሊጥዎ እዩ። ሎሚ እውን ናይ ሓቂ ክርስትያናት ትሕትና ተድልዮም እያ። ካልኣይ: የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ኒቆዲሞስ ወደ መዝሙር ኣይኰነን። ከምኡ ዝገበረ ምናልባት ንሰብ ስለ ዝፈርሀ: ነቲ ኣብቲ ዋዕላ ኣይሁድ ዝነበሮ ስልጣን ይፈቱ ስለ ዝነበረ: ወይ ሃብቲ ስለ ዝፈተወ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብዚ ኸኣ ሓደ ጠቓሚ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና:- ከምዚ ዝኣመሰለ ዝንባለታት ‘መሳቐዪ ዕንጨይትና ኣልዒልና ንየሱስ ንኸይንስዕቦ’ ዕንቅፋት ኪዀነና ኸነፍቅደሉ የብልናን።—ሉቃ. 9:23

4:23, 24 ኣምልኾና ብየሆዋ ተቐባልነት ዘለዎ ኪኸውን እንተ ዀይኑ: ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ሓቂ ኺሰማማዕን ብመንፈስ ቅዱስ ዚምራሕ ኪኸውንን ኣለዎ።

6:27 ነቲ “ንዘለኣለም ህይወት ዚነብር ብልዒ” ምግባር ወይ ምዕያይ ኪበሃል ከሎ: ብመንፈስ ዜድልየና ነገራት ንምምላእ ጻዕሪ ምግባር ማለት እዩ። ከምኡ እንተ ጌርና: ብጹኣን ወይ ሕጉሳት ንኸውን።—ማቴ. 5:3 NW

6:44 የሆዋ በብውልቂ ይሓልየልና እዩ። ብዕዮ ስብከት ኣቢሉ በብውልቂ ብምብጻሕ: ከምኡውን ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ መንፈሳዊ ሓቅታት ንኽንርዳእን ንኽንዓየሉን ብምሕጋዝ: ናብ ወዱ ይስሕበና።

11:33-36 ስምዒትና ምግላጽ ምልክት ድኽመት ኣይኰነን።

‘ስዓቦ’

(ዮሃ. 11:55–21:25)

ፋስጋ 33 ድ.ክ. ምስ ቀረበ: የሱስ ናብ ቢታንያ ተመልሰ። ብ9 ኒሳን ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናብ የሩሳሌም ኣተወ። ብ10 ኒሳን እንደገና ናብ ቤተ መቕደስ ከደ። ስም ኣቦኡ ንኪቕደስ ጸሎት ምስ ኣቕረበ: “ኣነ ኣኽቢረዮ አሎኹ: ከም ብሓድሽውን ከኽብሮ እየ” ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መጸ።—ዮሃ. 12:28

ፋስጋ ኺበልዑ ኸለዉ: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ናይ ስንብታ ምኽሪ ሃቦም: ምእንታኦም ድማ ጸለየ። ምስ ተታሕዘን ምስ ተመርመረን ምስ ተሸንከረን ከኣ: ጸኒሑ ኻብ ምዉታት ተንስአ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

14:2—የሱስ ንእሙናት ሰዓብቱ ኣብ ሰማይ ‘ስፍራ ዜዳልወሎም’ ብኸመይ እዩ፧ እዚ ተግባር እዚ የሱስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቀሪቡ ዋጋ ደሙ ብምቕራብ ነቲ ሓድሽ ኪዳን ምርግጋጽ የጠቓልል። ብዘይካዚ ክርስቶስ ንጉሳዊ ስልጣኑ ምቕባሉ የጠቓልል፣ ድሕሪኡ ቕቡኣት ሰዓብቱ ዚትንስኡሉ ሰማያዊ ትንሳኤ ጀመረ።—1 ተሰ. 4:14-17፣ እብ. 9:12, 24-28፣ 1 ጴጥ. 1:19፣ ራእ. 11:15

19:11—የሱስ ንጲላጦስ ብዛዕባ እቲ ዘትሓዞ ሰብ ኪዛረብ ከሎ: ብዛዕባ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ድዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ብዛዕባ ይሁዳ ወይ ብዛዕባ ሓደ ውልቀ-ሰብ ዘይኰነስ: ብዛዕባ እቶም ኣብቲ ንምቕታሉ እተገብረ ገበን እተሳተፉ ብምሉኦም እዩ ዚዛረብ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል። ኣብዚ ድማ: ይሁዳ: “ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ብዘሎ እቲ ዋዕላን:” ከምኡውን እቶም ንበርባን ኪፍታሕ ዝሓተቱ “እኩባት ህዝቢ” ይጠቓለሉ ነበሩ።—ማቴ. 26:59-65፣ 27:1, 2, 20-22

20:17—የሱስ ንማርያም መግደላዊት ከይትትንክዮ እተዛረባ ስለምንታይ እዩ፧ እታ መብዛሕትኡ ግዜ “ተንከየ” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽ ቃል “ምልጋብ: ምሕቛፍ: ጨቢጥካ ምሓዝ” ተባሂላ ኽትትርጐም ትኽእል እያ። ስለዚ እምበኣር የሱስ ማርያም ብዓልቲ መግደላ ስለ ዝተንከየቶ ጥራይ ይዛረባ ኸም ዘይነበረ ርዱእ እዩ። ከመይሲ: ኣብቲ መቓብር ዝነበራ ገለ ኣንስቲ ‘እግሩ ኺሕዛኦ’ ኸለዋ ስቕ ኢሉ ርእይወን እዩ። (ማቴ. 28:9) ማርያም: የሱስ ናብ ሰማይ ዚዓርገሉ ግዜ ኸም ዝቐረበን ደጊም ከም ዘይትርእዮን ስለ ዝመሰላ እያ ኣጥቢቓ ሒዛቶ ነይራ ኽትከውን እትኽእል። የሱስ ሽዑ ኸም ዘይከይድ ምእንቲ ኼረጋግጸላ ኢሉ: ክትፍንዎን ናብ ደቀ መዛሙርቱ ኸይዳ ትንሳኤኡ ኽትሕብሮምን ነገራ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

12:36 “ደቂ ብርሃን” ወይ ጸወርቲ ብርሃን ንምዃን: ርጡብ ፍልጠት እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጥሪ ኣሎና። ድሕሪኡ ነቲ ፍልጠት እቲ ንኻልኦት ካብ መንፈሳዊ ጸልማት ኣውጺእና ናብ ብርሃን ኣምላኽ ንምምጻእ ክንጥቀመሉ ኣሎና።

14:6 ብየሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይኰይኑ: ብኻልእ ስምረት ኣምላኽ ክንረኽበሉ እንኽእል መገዲ የልቦን። ብየሱስ ብምእማንን ኣብነቱ ብምስዓብን ጥራይ ኢና ንየሆዋ ኽንቀርቦ እንኽእል።—1 ጴጥ. 2:21

14:15, 21, 23, 24፣ 15:10 ንፍቓድ ኣምላኽ ዘሎና ተኣዛዝነት: ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ወዱን ንኽንጸንዕ የኽእለና።—1 ዮሃ. 5:3

14:26፣ 16:13 ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ከም መምህርን መዘኻኸርን ኰይኑ የገልግል እዩ። ሓቅታት ኣብ ምግላጽ እውን ይዓዪ እዩ። ስለዚ: ብፍልጠትናን ብጥበብናን ብምስትውዓልናን ብምምዝዛንናን ብናይ ምሕሳብ ክእለትናን ንኽንዓቢ ኺሕግዘና ይኽእል። እምበኣር: መንፈስ ቅዱስ ኪወሃበና ፈሊና ብምጥቃስ ጸሎት ከነዘውትር ይግባእ።—ሉቃ. 11:5-13

21:15, 19 የሱስ ንጴጥሮስ ካብ “እዚኣቶም” ማለት ካብቶም ኣብ ቅድሚኦም ዝነበሩ ዓሳ ኣብሊጹ ዜፍቅሮ እንተ ዀይኑ ሓተቶ። በዚ ኸምዚ የሱስ ንጴጥሮስ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ኣብ ክንዲ ዜተኵር ብምሉእ ግዜኡ ኺስዕቦ ኣጕልሓሉ። ኣብ ወንጌል ዘሎ ጸብጻባት ምስ መርምርና: ንየሱስ ካብ ዝዀነ ይኹን ዚስሕበና ነገራት ኣብሊጽና ኸነፍቅሮ ዘሎና ቘራጽነት ነደልድሎ። እወ: ብምሉእ ልብና ንዕኡ ንስዓቦ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ኣብነት ኒቆዲሞስ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧