ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ ምድሓን ቀሪቡ!

መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ ምድሓን ቀሪቡ!

መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ ምድሓን ቀሪቡ!

“መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።”—ማቴ. 6:10

1. ቀንዲ ትምህርቲ የሱስ እንታይ እዩ ነይሩ፧

 የሱስ ክርስቶስ ነቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ ኬቕርብ ከሎ: ነቲ ቐንዲ ትምህርቱ ብሓጺሩ እትገልጽ ኣብነት እትዀነና ጸሎት ጠቐሰ። ንሰዓብቱ: “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ናብ ኣምላኽ ኪጽልዩ መሃሮም። (ማቴ. 6:10) ድሕርዚ: “መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናኣበሰረን ፍቕዳ ኸተማታትን ዓድታትን ይዘውር ነበረ።” (ሉቃ. 8:1) ክርስቶስ ንሰዓብቱ: “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ” ኢሉ ተማሕጸኖም። (ማቴ. 6:33) ነዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸተጽንዓ ኸለኻ: ነዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ ኣገልግሎትካ እትዓየሉ መገዲ ኣናዲ። ንኣብነት: ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ብኸመይ ከም እትምልሶ ሕሰበሉ:- መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ፧ ደቂ ሰብ ካብ ምንታይ እዮም ኪድሕኑ ዜድልዮም፧ መንግስቲ ኣምላኽ ምድሓን እተምጽእከ ብኸመይ እያ፧

2. መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ፧

2 የሱስ: “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ኢሉ ተነበየ። (ማቴ. 24:14) ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ብስራት ኣገዳሲ እዩ። አረ ኣብ ዓለም ካብ ዘሎስ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ መልእኽቲ እዩ! ኣብተን ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚርከባ ልዕሊ 100,000 ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዉ ሸውዓተ ሚልዮን ኣቢሎም ዚዀኑ ኣገልገልቲ ኣምላኽ: ንኻልኦት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝቘመት ብምንጋር ኣብ መዳርግቲ ዘይብሉ ዕዮ ስብከት ተጸሚዶም ኣለዉ። እታ መንግስቲ ምቛማ ብስራት እዩ፣ ከመይሲ: ኣምላኽ ንጕዳያት ምድሪ ኣብ መጻኢ ምሉእ ብምሉእ እትቈጻጸር መንግስቲ ኣብ ሰማይ ኣቚሙ ኣሎ። ኣብ ትሕቲ እታ መንግስቲ: ፍቓድ የሆዋ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ኪኸውን እዩ።

3, 4. ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ምስ ኰነ: እንታይ ኬጋጥም እዩ፧

3 ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ምስ ኰነ: እንታይ ኬጋጥም እዩ፧ የሆዋ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። . . . ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።” (ራእ. 21:4) ሰባት ብሰንኪ ዝወረስዎ ሓጢኣት ወይ ዘይፍጽምና: ኣይኪሓሙን ወይ ኣይኪሞቱን እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ: “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን” ምዃኑ ስለ ዚመባጻዕ: እቶም ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ዘለዉ ምዉታት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ኪኽፈተሎም እዩ። (ግብ. 24:15) ውግእ: ሕማም: ወይ ጥሜት ኣይኪህሉን እዩ: ምድሪ ድማ ናብ ገነት ክትቅየር እያ። ሕጂ ሓደገኛታት ዝዀኑ እንስሳታት እውን እንተ ዀኑ: ምስ ሰባትን ንሓድሕዶምን ብሰላም ኪነብሩ እዮም።—መዝ. 46:9፣ 72:16፣ ኢሳ. 11:6-9፣ 33:24፣ ሉቃ. 23:43

4 መንግስቲ ኣምላኽ ነዚ ዅሉ ዜደንቕ በረኸት ስለ እተምጽእ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትንቢት ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዚህሉ ህይወት: “ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ” ብዚብል ዜጸናንዕ ቃላት ምግላጹ ዜገርም ኣይኰነን። እቶም ሽግር ዚፈጥሩኸ እንታይ ኪዀኑ እዮም፧ ቅዱሳት ጽሑፋት: “ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን: ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ: ኣይኪህሉን ድማ እዩ” ኢሉ ይንበ። “ንእግዚኣብሄር ዚጽበይዎ ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም።”—መዝ. 37:9-11

5. እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት እንታይ ኪኸውን እዩ፧

5 እዚ ዅሉ ንኪኸውን: እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ምስቲ ግጭት ዝበዝሖ መንግስትታቱን ሃይማኖታቱን ንግዳዊ ስርዓታቱን ኪውገድ ኣለዎ። እታ ሰማያዊት መንግስቲ ድማ ነዚ እያ እትፍጽም። ነብዪ ዳንኤል ብመንፈስ ተደሪኹ ኸምዚ ኢሉ ተነበየ:- “ብዘመን እዞም [ሕጂ ዘለዉ] ነገስታት እዚኣቶም ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን: ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግስቲ [ኣብ ሰማይ] ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን [ሕጂ ዘለዋ] መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።” (ዳን. 2:44) ሽዑ እታ ሓዳስ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓድሽ ምድራዊ ሕብረተሰብ ክትገዝእ እያ። “ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” ኪህሉ እዩ።—2 ጴጥ. 3:13

ሕጂ ምድሓን ብዝያዳ የድሊ ኣሎ

6. መጽሓፍ ቅዱስ ንኽፍኣት እዛ እክይቲ ዓለም ብኸመይ ይገልጾ፧

6 ሰይጣንን ኣዳምን ሄዋንን ባዕሎም ቅኑዕን ጌጋን ኪውስኑ ብምድላይ ካብ ኣምላኽ ምስ ዓለዉ: ሰብኣዊ ስድራ ቤት ናብ ሓደገኛ መገዲ እዩ ተሸሚሙ። ማይ ኣይሂ ቕድሚ ምምጻኡ ኣብ ዝነበረ እዋን: ማለት ድሕሪ 1,600 ዓመት ኣቢሉ: “እግዚኣብሄር ከኣ: ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሔን ብሓሳባት ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወርትግ ክፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን ረአየ።” (ዘፍ. 6:5) ድሕርዚ 1,300 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ: ሰሎሞን ነቲ ዝነበረ ዅነታት ኣዝዩ ሕማቕ ኰይኑ ስለ ዝረኸቦ: “ካብዞም ገና ብህይወት ዘለዉ ህያዋን ነቶም ድሮ ዝሞቱ ምዉታት ኣመስገንኩ። ካብ ክልቲኦም ግና እቲ ዘይነበረ: ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር እኩይ ግብሪ ዘይረአየ ኣዝዩ ይሐይሽ” በለ። (መክ. 4:2, 3) ካብዚ 3,000 ዓመት ኣቢልና እንተ ቘጺርና: ኣብዚ ኽፍኣት ዚስስነሉ ዘሎ ግዜና ንበጽሕ።

7. ሕጂ ኣምላኽ ዜምጽኦ ምድሓን ዝያዳ ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧

7 ክፍኣት ንነዊሕ ግዜ እኳ እንተ ጸንሐ: ሎሚ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ ምድሓን የድሊ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ 100 ዓመት ዝነበረ ዅነታት ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝገደደ እዩ ዀይኑ: መመሊሱ ድማ ይገድድ ኣሎ። ንኣብነት: ዎርልድዎች ኢንስቲትዩት ዚበሃል ትካል: “እቶም ኣብ [መበል 20 ዘመን] ግዳያት ዝዀኑ ምስቶም ኣብቲ ኻብ ቀዳማይ ዘመን ዓ.ም. ክሳዕ 1899 ግዳያት ውግእ ዝነበሩ ኺወዳደሩ ኸለዉ ሰለስተ ዕጽፊ ኣቢሎም እዮም ዝዀኑ” ዚብል ጸብጻብ ኣውጽአ። ካብ 1914 ኣትሒዙ ልዕሊ 100 ሚልዮን ሰባት ብውግእ ተቐቲሎም። ሓደ መዝገበ-ፍልጠት ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ክሳዕ 60 ሚልዮን ሰባት ከም ዝሞቱ ይግምት። ሕጂ እውን ገሊአን ሃገራት ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ይዕጠቓ ስለ ዘለዋ: ደቂ ሰብ ንዓብዪ ኽፋል ህዝቢ ዓለም ናይ ምድምሳስ ክእለት ኣለዎም። ብስነ-ፍልጠትን ሕክምናን ምዕባለታት እኳ እንተ ተገብረ: ኣብ ዓዓመት ጥሜት: ህይወት ሓሙሽተ ሚልዮን ዚዀኑ ቘልዑ ይቐዝፍ ኣሎ።—ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ: ኣብ ምዕራፍ 9 ርአ።

8. ኣሽሓት ዓመታት ዝገበረ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ እንታይ እዩ ብዘየጠራጥር መገዲ ዘረጋገጸ፧

8 ሰብኣዊ ጻዕርታት ንኽፍኣት ደው ኬብሎ ኣይከኣለን። ፖለቲካውን ንግዳውን ሃይማኖታውን ትካላት እዛ ዓለም እዚኣ: ነቲ ንሰባት ዜድልዮም መሰረታዊ ነገራት ዝዀነ ሰላምን ብልጽግናን ጥዕናን ኬማልእ ኣይከኣለን። እዚ ትካላት እዚ ነቲ ዓብዪ ጸገማት ደቂ ሰብ ኣብ ክንዲ ዚፈትሕ: ይውስኸሉ ኣሎ። ኣሽሓት ዓመታት ዝገበረ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ንሓቅነት እተን: “መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ: እፈልጥ አሎኹ” ዚብላ ቓላት እዩ ዜረጋግጽ። (ኤር. 10:23) እወ: “ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ዚስልጥነሉ ጊዜ [ዀይኑ] አሎ።” (መክ. 8:9) ብዘይካዚ: ‘ብዘሎ እቲ ፍጥረት የስቈርቊርን ቅልውላው ይሕዞን ኣሎ።’—ሮሜ 8:22

9. ክርስትያናት ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” እንታይ ኪርእዩ እዮም ዚጽበዩ፧

9 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግዜና: “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት . . . ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ” ተነብዩ ነይሩ። እቲ ትንቢት ነቲ ኣብ ትሕቲ ሰብኣዊ ግዝኣት ዚህሉ ዅነታት ድሕሪ ምግላጹ: “እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን . . . ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም” በለ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5, 13 ኣንብብ።) ክርስትያናት: “ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ [ሰይጣን] ተትሒዛ ምህላዋ” ስለ ዚፈልጡ: እዚ ዅነታት እናገደደ ኪኸይድ እዮም ዚጽበዩ። (1 ዮሃ. 5:19) እቲ ዜሐጕስ ግን: ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ነቶም ዜፍቅርዎ ኼድሕኖም እዩ። ካብዛ ናብ ዝገደደ ዅነታት ትሽመም ዘላ ዓለም ኪድሕኑ እዮም።

እቲ ሓደ በይኑ ዜተኣማምን ምንጪ ምድሓን

10. የሆዋ በይኑ ዜተኣማምን ምንጪ ምድሓን ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

10 ነቲ ብስራት ክትሰብኽ ከለኻ: የሆዋ በይኑ ዜተኣማምን ምንጪ ምድሓን ምዃኑ ሓብር። ንኣገልገልቱ ኻብ ዝዀነ ይኹን ሕማቕ ኵነታት ኬድሕኖም ሓይልን ድሌትን ዘለዎ ንሱ በይኑ ጥራይ እዩ። (ግብ. 4:24, 31፣ ራእ. 4:11) የሆዋ “ኸምቲ ዝሐሰብክዎ ኪኸውን” ኢሉ ስለ ዝመሓለ: ወትሩ ንህዝቡ ኸም ዜድሕኖን ዕላማኡ ኸም ዚፍጽምን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ቃሉ “ብኸንቱ [ናብኡ] ኣይኪምለስን እዩ።”—ኢሳይያስ 14:24, 25፣ 55:10, 11 ኣንብብ።

11, 12. ኣምላኽ ንኣገልገልቱ እንታይ ውሕስነት እዩ ኣትዩሎም፧

11 የሆዋ ኣብ ልዕሊ እኩያት ፍርዱ ኺፍጽም ከሎ: ንኣገልገልቱ ኸም ዜድሕኖም ውሕስነት ኣትዩ ኣሎ። ንነብዪ ኤርምያስ ናብቶም ከቢድ ሓጢኣት ዝፈጸሙ ኺልእኮ ኸሎ: “ኣይትፍርሃዮም” በሎ። ስለምንታይ እዩ ዘይፈርሆም፧ “ምእንቲ ኸናግፈካ ምሳኻ እየ” በሎ። (ኤር. 1:8) ብተመሳሳሊ: የሆዋ ነቶም እኩያት ሰብ ሶዶምን ጎሞራን ቅድሚ ምጥፋኡ: ክልተ መላእኽቱ ልኢኹ ንሎጥን ስድራ ቤቱን ካብቲ ቦታ ኣውጸኦም። “ሽዑ እግዚኣብሄር . . . ኣብ ልዕሊ ሶዶምን ኣብ ልዕሊ ጎሞራን . . . ዲንን ሓውን ኣዝነመ።”—ዘፍ. 19:15, 24, 25

12 ብዓለምለኻዊ ደረጃ እውን እንተ ዀነ: የሆዋ ነቶም ፍቓዱ ዚገብሩ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ። ነታ ጥንታዊት እክይቲ ዓለም ብማይ ኣይሂ ኺድምስሳ ኸሎ: “ንኖህ ሰባኽ ጽድቂ ሳምናይ ርእሱ ሐለዎ።” (2 ጴጥ. 2:5) የሆዋ ነዛ ሕጂ ዘላ እክይቲ ዓለም ኬጥፍኣ ኸሎ እውን: ነቶም ቅኑዓት ኬድሕኖም እዩ። ስለዚ ድማ ቃሉ: “ኣቱም . . . ትሑታት ምድሪ ዅላትኩም: ንእግዚኣብሄር ድለይዎ። ምናልባሽ በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር እንተ ተሐባእኩምሲ: ጽድቂ ድለዩ: ትሕትና ድለዩ” ይብለና። (ጸፎ. 2:3) ከም ውጽኢት እቲ ዓለምለኻዊ ጥፍኣት: ‘ቅኑዓት ኣብ ምድሪ ኺነብሩ እዮም: ረሲኣን ግና ካብ ምድሪ ኺጸንቱ እዮም።’—ምሳ. 2:21, 22

13. እቶም ሞይቶም ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ ብኸመይ እዮም ምድሓን ዚረኽቡ፧

13 ይኹን እምበር: ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብሰንኪ ሕማምን መስጐጕትን ካልእ ረቛሒታትን ድሮ ሞይቶም እዮም። (ማቴ. 24:9) እዞም ኵሎም ደኣ እሞ ብኸመይ እዮም ዚድሕኑ፧ ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ: “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን [እዩ]።” (ግብ. 24:15) የሆዋ ንኣገልገልቱ ንኸየድሕኖም ኪዓግቶ ዚኽእል ነገር ከም ዘየልቦ ምፍላጥናስ ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ!

ጻድቕ መንግስቲ

14. መንግስቲ ኣምላኽ ጻድቕ መንግስቲ ምዃና እንተኣማመን ስለምንታይ ኢና፧

14 ኣብ ኣገልግሎትካ እታ ሰማያዊት መንግስቲ የሆዋ ጻድቕ መንግስቲ ምዃና ኽትገልጽ ትኽእል ኢኻ። ከምዚ እትዀነሉ ምኽንያት ከኣ: ከም ፍትሒ: ጽድቂ: ፍቕሪ ዝኣመሰለ ዜደንቕ ባህርያት ኣምላኽ ስለ እተንጸባርቕ እያ። (ዘዳ. 32:4፣ 1 ዮሃ. 4:8, 16) ኣምላኽ ኣብታ መንግስቲ እቲኣ ገዛኢ ንኪኸውን ነቲ ንምድሪ ንኺገዝእ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ብቕዓት ዘለዎ የሱስ ክርስቶስ እዩ ሂብዎ። ብዘይካዚ: የሆዋ: 144,000 ቅቡኣት ክርስትያናት ካብ ምድሪ ናብ ሰማያዊ ህይወት ኪውሰዱ እሞ ንክርስቶስ መዋርስቱ ዀይኖም ንምድሪ ኼመሓድሩ ዕላማ ገይሩ እዩ።—ራእ. 14:1-5

15. ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ግዝኣት ሰብ ኣነጻጽር።

15 ኣብ መንጎ እቲ ክርስቶስን 144,000ን ዜመሓድርዎ ግዝኣትን ዘይፍጹማት ሰባት ዜመሓድርዎ ግዝኣትን ከመይ ዝበለ ዓብዪ ፍልልይ ኰን እዩ ዘሎ! ገዛእቲ እዚ ስርዓት እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ጨካናት እዮም: ንተገዛእቶም ናብ ውግኣት ስለ ዝመርሕዎም ድማ ብሚልዮናት ተቐዚፎም እዮም። ቅዱሳት ጽሑፋት “በቲ ኺረድእ ዘይከኣሎ” ወዲ ሰብ ከይንውከል ምምካሩ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። (መዝ. 146:3) ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ክርስቶስ ግን ከመይ ዝበለ ሰናይ መንፈስ ኰን እዩ ኺህሉ! የሱስ ከምዚ በለ:- “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት: ኣርዑተይ ፈኵሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ: ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ: ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።”—ማቴ. 11:28-30

ዳሕሮት መዓልታት ኣብ ቀረባ ግዜ ኼብቅዓ እየን!

16. እዘን ዳሕሮት መዓልትታት ብኸመይ እየን ዚዛዘማ፧

16 እዛ ዓለም እዚኣ ኻብ 1914 ኣትሒዛ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ወይ ኣብ “መወዳእታ ዓለም” እያ ዘላ። (ማቴ. 24:3) ድሕሪ ሓጺር ግዜ እቲ የሱስ “መከራ” ኢሉ ዝጸውዖ ኺፍጸም እዩ። (ማቴዎስ 24:21 ኣንብብ።) እቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ መከራ ንናይ ሰይጣን ዓለም ብምልእታ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ዓብዪ መከራ ግን ብኸመይ እዩ ዚጅምር፧ ብኸመይከ እዩ ዜብቅዕ፧

17. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣጀማምራ እቲ ዓብዪ መከራ እንታይ እዩ ዚሕብር፧

17 እቲ ዓብዪ መከራ ብሃንደበት ኪጅምር እዩ። እወ: “መዓልቲ የሆዋ” (NW) “ሰላምን ደሓንን እዩ” ኺብሉ ኸለዉ ብሃንደበት ክትመጽእ እያ። (1 ተሰሎንቄ 5:2, 3 ኣንብብ።) ኣህዛብ ሓደ ኻብቲ ዓብዪ ጸገማቶም ዚፈትሑሉ ግዜ ኸም ዝቐረበ ዀይኑ ኣብ እተሰምዖም እዋን: እቲ ብትንቢት እተነግረሉ መከራ ኺጅምር እዩ። እታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት “ዓባይ ባቢሎን” ብሃንደበት ምጥፋኣ: ንዓለም ድንገት ኪዀና እዩ። ኣብታ ዓባይ ባቢሎን ዚወርድ ፍርዲ ምስ ተፈጸመ: ነገስታትን ካልኦትን ኪገርሞም እዩ።—ራእ. 17:1-6, 18፣ 18:9, 10, 15, 16, 19

18. የሆዋ ነቲ ሰይጣን ኣብ ህዝቡ ዚፍንዎ መጥቃዕቲ ብኸመይ እዩ ምላሽ ዚህበሉ፧

18 ኣብ ወሳኒ ደረጃ ምስ በጽሐ: “ኣብ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ ትእምርቲ ኪኸውን እዩ:” “ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ” እዩ። እዚ ምዃን ምስ ጀመረ: ‘ምድሓንና ቐሪቡ እዩ እሞ: ርእስና ኸነልዕል’ ንኽእል ኢና። (ሉቃ. 21:25-28፣ ማቴ. 24:29, 30) ሰይጣን ወይ ጎግ ሓይልታቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ኪፍንዎም እዩ። የሆዋ ግን ብዛዕባ እቶም ንእሙናት ኣገልገልቱ ዜጥቅዑ ዘበሉ: “እቲ ንኣኻትኩም ዚትንኪ፥ መርዓት ዓይነይ እዩ ዚትንኪ” በለ። (ዘካ. 2:8 ትርጕም 1990) ስለዚ: ሰይጣን ንኺድምስሶም ዚገብሮ ፈተነ ኣይኪሰልጥን እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ንኣገልገልቱ ንኼድሕኖም ቅልጡፍ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ።—ህዝ. 38:9, 18

19. ኣምላኽ ፍርዱ ንምፍጻም ዚጥቀመሎም ሓይልታት ንስርዓት ሰይጣን ከም ዜጥፍእዎ ብኸመይ ክንተኣማመን ንኽእል፧

19 ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ስጕምቲ ምስ ወሰደ: ‘ንሱ የሆዋ ምዃኑ ኺፈልጡ እዮም።’ (ህዝ. 36:23) ነቲ ኣብ ምድሪ ዝተረፈ ስርዓት ሰይጣን ንምጥፋእ: ፍርዱ ዚፍጽሙ ሓይልታት: ማለት ብክርስቶስ የሱስ ዚምርሑ ኣእላፋት መንፈሳውያን ፍጡራት ኪልእኽ እዩ። (ራእ. 19:11-19) ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ሓደ መልኣኽ “ሚእትን ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ” ጸላእቲ ኣምላኽ ኣብ ሓንቲ ለይቲ ኸም ዝቐተለ ምስ እንዝክር: እቲ ዓብዪ መከራ ብኣርማጌዶን ኪዛዘም ከሎ: እቲ ሰማያዊ ሰራዊት ንዅሉ ኣሰር እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ስርዓት ሰይጣን ብቐሊሉ ኸም ዜጥፍኦ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (2 ነገ. 19:35፣ ራእ. 16:14, 16) ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንሽሕ ዓመት ኣብ መዓሙቝ ኪእሰሩ እዮም። ኣብ መወዳእታ ድማ ኪጠፍኡ እዮም።—ራእ. 20:1-3

20. የሆዋ ብመንግስቱ ኣቢሉ እንታይ ኪፍጽም እዩ፧

20 በዚ ኸምዚ ሰማይን ምድርን ካብ እከይ ኪጸሪ: ጻድቃን ሰባት ከኣ ኣብዛ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም። የሆዋ እቲ ዓብዪ መድሓኒ ምዃኑ ኼመስክር እዩ። (መዝ. 145:20) ብመንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሉ ንልዑላውነቱ ኼረጋግጽ: ቅዱስ ስሙ ኪቕድስ: ንምድሪ ዘለዎ ዓብዪ ዕላማ ድማ ኪፍጽም እዩ። ነዚ ብስራት እዚ ኽትእውጅን ነቶም “ንህይወት ዘለኣለም ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም” ሰባት መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ ምድሓን ምቕራቡ ንኺርድኡ ኽትሕግዞምን ከለኻ: ካብ ኣገልግሎትካ ዓብዪ ሓጐስ ክትረክብ ንምነየልካ።—ግብ. 13:48 NW

ትዝክሮዶ፧

• የሱስ ንኣገዳስነት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ እዩ ኣጕሊሑ፧

• ሎሚ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ምድሓን ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

• ኣብቲ ዓብዪ መከራ እንታይ ፍጻመታት ክንጽበ ንኽእል፧

• የሆዋ እቲ ዓብዪ መድሓኒ ምዃኑ ብኸመይ ኣርእዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ቃል ኣምላኽ ኣብዚ ግዜና መዳርግቲ ዘይብሉ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ከም ዚካየድ ተነብዩ ነይሩ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ከምቲ የሆዋ ንኖህን ስድራ ቤቱን ዘድሓኖም: ንዓና እውን ኬድሕነና ይኽእል እዩ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። . . . ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን” እዩ።—ራእ. 21:4