ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና” ስዓብ

“ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና” ስዓብ

“ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና” ስዓብ

ቅድስና የሆዋ ኣምላኽ ብሉጽ ምዃኑ ንምሕባር: መጽሓፍ ቅዱስ: “ቅዱስ: ቅዱስ: ቅዱስ እዩ እግዚኣብሄር” ይብሎ። (ኢሳ. 6:3፣ ራእ. 4:8) እተን “ቅድስና” ተባሂለን ዚትርጐማ ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ቃላት: ካብ ርኽሰት ዝረሓቐ ንጽህና ወይ ሃይማኖታዊ ንጽህና ዚብል ሓሳብ የመሓላልፋ። ቅድስና ኣምላኽ ነቲ ስነ-ምግባራዊ ፍጽምናኡ የመልክት።

እቲ ቕዱስ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ: ነቶም ዜምልኽዎ ብኣካላውን ብስነ-ምግባራውን ብመንፈሳውን መዳይ ቅዱሳት ኪዀኑ ይጽበዮምዶ ኸይኰነ፧ የሆዋ: ህዝቡ ቕዱሳት ኪዀኑ ኸም ዚደሊ መጽሓፍ ቅዱስ ብዘየማትእ መገዲ ኣነጺሩ ይገልጽ። ኣብ 1 ጴጥሮስ 1:16 “ኣነ ቅዱስ እየ እሞ: ቅዱሳት ኩኑ” ዚብል ነንብብ። ዘይፍጹማት ሰባት ንቕድስና የሆዋ ብሓቂ ኪቐድሕዎ ይኽእሉ ድዮም፧ ዋላ እኳ ምሉእ ብምሉእ ቅድስና የሆዋ ኪቐድሑ እንተ ዘይከኣሉ: ብእተወሰነ ደረጃ ግን እወ ይኽእሉ እዮም። ንኣምላኽ ብንጹህ መንፈሳዊ ዅነታት እንተ ደኣ ኣምሊኽናዮን ምስኡ ጥብቂ ርክብ እንተ ደኣ መስሪትናን: ከም ቅዱሳት ገይሩ ኺርእየና ይኽእል እዩ።

ኣብዛ ብስነ-ምግባር ዝረኸሰት ዓለም ደኣ እሞ ኸመይ ጌርና ኢና ንጹሃት ክንከውን እንኽእል፧ ከነርሕቖ ዘሎና ተግባራት እንታይ እዩ፧ ኣብ ኣዘራርባናን ኣካይዳናን እንታይ ለውጥታት ክንገብር የድልየና ይኸውን፧ ኣብዚ መዳይ እዚ: ኣምላኽ ካብቲ ነቶም ብ537 ቅ.ክ. ካብ ባቢሎን ናብ ዓዶም እተመልሱ ኣይሁድ ኬማልእዎ ዝሓተቶም ብቕዓት: እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል እስከ ንርአ።

‘ቅድስቲ መገዲ ኽትከውን እያ’

የሆዋ: እቶም ኣብ ባቢሎን ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ህዝቡ ናብ ዓዶም ኪምለሱ ምዃኖም ተነብዩ ነይሩ። እቲ ብዛዕባ ምምላስ ዚገልጽ ትንቢት ነዚ ዚስዕብ ውሕስነት ሒዙ ነይሩ:- “መገዲ ጽርግያ ኣብኣ ኽትከውን እያ: ቅድስቲ መገዲ ኽትበሀል እያ።” (ኢሳ. 35:8) የሆዋ ነቶም ኣይሁድ ናብ ዓዶም ንኺምለሱ መገዲ ኸፊቱሎም ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ጕዕዞኦም ከም ዜዕቍቦም እውን ኣረጋጊጹሎም ከም ዝነበረ እዘን ቃላት እዚኣተን ይሕብራ።

የሆዋ ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ኣገልገልቱ: ካብታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን ኣውጺኡ ናብታ “ቕድስቲ መገዲ” ዚመርሖም መገዲ ኸፊቱ ኣሎ። ብ1919 ንቕቡኣት ክርስትያናት ካብ መንፈሳዊ ባርነት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ናጻ ኣውጸኦም: ንሳቶም ድማ ነቲ ኣምልኾኦም ካብ ኵሉ ናይ ሓሶት ትምህርትታት በብቝሩብ ኣጽረይዎ። ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለና ኣምለኽቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን: ንየሆዋ እነምልኸሉ ጽሩይን ህዱእን መንፈሳዊ ኸባቢ ኣሎና: በዚ ድማ ምስ የሆዋን ምስ ብጻይናን ሰላማዊ ርክብ ይህልወና።

ኣባላት እቶም “ሒደት መጓሰ” ዝዀኑ ቕቡኣት ክርስትያናትን እቶም እናሰሰኑ ዚኸዱ ዘለዉ ኻብቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ዝዀኑ “ብዙሓት ሰብ”ን በታ ቕድስቲ መገዲ ንኺመላለሱ መሪጾም: ካልኦት ንኺሓብርዎም ድማ ይዕድሙ ኣለዉ። (ሉቃ. 12:32፣ ራእ. 7:9፣ ዮሃ. 10:16) እታ “ቕድስቲ መገዲ” ንዅሎም እቶም ‘ንስጋኦም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ገይሮም ኬቕርብዎ’ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ዘበሉ ኽፍትቲ እያ።—ሮሜ 12:1

“ርኹስ ዘበለ ኣይኪሐልፋን እዩ”

ብ537 ቅ.ክ. እቶም እተመልሱ ኣይሁድ ሓደ ኣገዳሲ ብቕዓት ኬማልኡ ነበሮም። ብዛዕባ እቶም በታ “ቕድስቲ መገዲ’’ ኺመላለሱ ብቑዓት ዝዀኑ ኣመልኪታ ኢሳይያስ 35:8 ኸምዚ ትብል:- “ርኹስ ዘበለ ኣይኪሐልፋን እዩ: ንኣታቶም ጥራይ እያ: እቲ ብእኣ ዚኸይድ: ዓሻ እኳ እንተ ዀነ: ኣይኪጋገን: እዩ።” ዕላማ እቶም ናብ የሩሳሌም እተመልሱ ኣይሁድ ንጹህ ኣምልኾ እንደገና ንኺምስርቱ ስለ ዝነበረ: እቶም ስሱዕ ድራኸ ዝነበሮም: ንቕዱስ ነገራት ኣኽብሮት ዝጐደሎም: ወይ ድማ ብርኹስ መገዲ ዚመላለሱ ሰባት ኣብኡ ቦታ ኣይነበሮምን። እቶም እተመልሱ: ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ኺሕልዉ ኣድልይዎም ነበረ። እቶም ኣብዚ ግዜ እዚ ሞገስ የሆዋ ዚደልዩ እውን ተመሳሳሊ ብቕዓት ኬማልኡ ኣለዎም። “ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና” ኺስዕቡ ኣለዎም። (2 ቈረ. 7:1) ነየናይ ርኽሰት ደኣ ኢና እሞ ኽንርሕቕ ዘሎና፧

ሃዋርያ ጳውሎስ: “እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ: ንሱ ኸኣ ምንዝር: ርኽሰት: ዕብዳን” ኢሉ ጸሓፈ። (ገላ. 5:19) ምንዝር ንዅሉ እቲ ናይ ጾታ ኽፍሊ ኣካላት ብምጥቃም ዚግበር ካብ መርዓ ወጻኢ ዝዀነ ብዕሉግ ጾታዊ ተግባራት የጠቓልል። ቀይዲ-በተኽነት ወይ ዕብዳን: “ብዕልግና: ንውርምና: ዘይምሕናኽ: ጽያፍ” የጠቓልል። ምንዝርን ቀይዲ-በተኽነትን ምስ ቅድስና የሆዋ ዚጻረር ምዃኑ ንጹር እዩ። ስለዚ: እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ዚፍጽሙ ኽፍሊ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኪዀኑ ኣይፍቀደሎምን ወይ ድማ ካብኣ ይውገዱ። ብተመሳሳሊ: ነቶም ከቢድ ርኽሰት ወይ “ብስስዔ ርኽሰት ዘበለ” ዚፍጽሙ እውን ከምኡ እዩ ዜጋጥሞም።—ኤፌ. 4:19

እታ “ርኽሰት” እትብል ቃል ንብዙሕ ሓጢኣት እያ እትሽፍን። እታ ናይ ግሪኽ ቃል ንዝዀነ ይኹን ዓይነት ዘይንጹህ ወይ ረሳሕ ኣካይዳ: ዘረባ: ከምኡውን መንፈሳዊ ርክባት ተጠቓልል። ኣብ ፍርዲ ዘይቀርብ ጕዳያት እውን ዜጠቓልል ሰፊሕ ነገራት ዝሓዘት ቃል እያ። a እንተዀነ ግን: እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ርኽሰት ዚፍጽሙ ቕድስና ይስዕቡ ኣለዉ ኺበሃል ይከኣል ድዩ፧

ሓደ ክርስትያን ተሓቢኡ ስእለ-ጽዩፍ ኪርኢ ጀሚሩ እስከ ንበል። እቲ ዘይንጹህ ባህጉ በብቝሩብ ይለዓዓል: በዚ ድማ እቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹህ ኪኸውን ዝወሰኖ ውሳነ ይዳኸም። እቲ ኣካይዳኡ ናብ ከቢድ ርኽሰት ኣይበጽሐን ይኸውን: እንተዀነ ግን ነቲ ‘ንጹህ ዘበለ: ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ: ደግነት: ንእዶ’ ጥራይ ኣይኰነን ዚሓስብ ዘሎ። (ፊል. 4:8) ስእለ-ጽዩፍ ርኹስን ነቲ ሓደ ሰብ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ብርግጽ ዜበላሹን እዩ። ዝዀነ ይኹን ርኽሰት ከቶ ኣይሰማዕና።—ኤፌ. 5:3

ካልእ ኣብነት እስከ ንውሰድ። ሓደ ክርስትያን ደይ መደይ ኢሉ ብገዛእ ርእሱ ጾታዊ ባህጉ ኼርዊ ኢሉ: ስእለ-ጽዩፍ እናረኣየ ወይ ከይረኣየ ግብረ-ሕቡእ ፈጺሙ ንበል። ዋላ እኳ እታ “ግብረ-ሕቡእ” እትብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዘየላ: እዚ ተግባር እዚ ንኣእምሮን ስምዒትን ኬርክስ ከም ዚኽእል ዜጠራጥር ድዩ፧ ሓደ ሰብ ነዚ ርኽሰት እዚ ብቐጻሊ ዚፍጽም እንተ ደኣ ዀይኑ: ምስ የሆዋ ዘለዎ ብሕታዊ ርክብ ምብልሻውን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ርኹስ ምዃኑን ዘይተርፍ እዩ። እምበኣር ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ: “ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ:” ከምኡውን ‘ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትና ንቕተል፤ ምንዝር: ርኽሰት: ፍትወት ስጋ: ክፉእ ትምኒት: ስስዔ’ ኢሉ ዝሃቦ ምሕጽንታ ኣብ ልብና ነሕድሮ።—2 ቈረ. 7:1፣ ቈሎ. 3:5

እዛ ብሰይጣን እትግዛእ ዓለም ነቲ ብርኽሰት ምምልላስ ዕሽሽ ትብሎ: ሕሉፍ ሓሊፋ እውን ተተባብዕ እያ። ነቲ ኣብ ርኹስ ኣካይዳ ኽትካፈል ዚመጽእ ፈተና ምቅዋሙ ኣዝዩ በዳሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: ናይ ሓቂ ክርስትያናት “ከምቲ ኣህዛብ ብናይ ከንቱ ሓሳቦም ዚመላለስዎ” ኺመላለሱ የብሎምን። (ኤፌ. 4:17) ብሕቡእ ይኹን ኣብ ቅድሚ ሰባት ዘይጽፉፍ ኣካይዳ እንተ ኣወጊድና ጥራይ እዩ የሆዋ ኣብታ “ቕድስቲ መገዲ” ንሓዋሩ ኽንመላለስ ዚፈቕደልና።

“ኣንበሳ ኣብኣ ኣይኪህሉን”

ገሊኦም ሞገስ እቲ ቕዱስ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ንኺረኽቡ: ኣብ ኣካይዳኦምን ዘረባኦምን ዓብዪ ለውጢ ኺገብሩ የድልዮም ይኸውን። ኢሳይያስ 35:9 “ኣንበሳ ኣብኣ [ማለት ኣብታ “ቕድስቲ መገዲ”] ኣይኪህሉን: ግርጉር ኣራዊት ኣይኪድይባን” ትብል። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ እቶም ብግብርን ብዘረባን ጨካናትን ቍጡዓትን ዝዀኑ ሰባት ምስ ኣራዊት እዮም ዚመሳሰሉ። ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ድማ ስፍራ ኣይኪህልዎምን እዩ። (ኢሳ. 11:6፣ 65:25) ስለዚ እምበኣር እቶም ስምረት ኣምላኽ ዚደልዩ: ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣራዊታዊ ባህርያት ቀንጢጦም ብቕድስና ኺመላለሱ ኣገዳሲ እዩ።

ቅዱሳት ጽሑፋት: “ብዘሎ መሪርን ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ኽፍኣት ዘበለ ኻባኻትኩም ይርሐቕ” ኢሉ ይምሕጸነና። (ኤፌ. 4:31) ኣብ ቈሎሴ 3:8 “ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ድማ፤ ኵራ: ምንጽርጻር: ክፍኣት: ጸርፊ: ዜሕፍር ዘረባውን ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ” ዚብል ነንብብ። ኣብ ኽልቲኡ እዚ ጥቕስታት እዚ እታ “ጸርፊ” እትብል ቃል ብመሰረቱ ንዚጐድእ: ንዜዋርድ: ወይ ንዜስተናዕቕ ዘረባ ንምምልካት እያ ውዒላ ዘላ።

ኣብዚ ግዜ እዚ ጐዳእን ጽዩፍን ዘረባ ኣብ ገዛ እውን ከይተረፈ ኣዝዩ ልሙድ ኰይኑ ኣሎ። ሰብ ሓዳር ብመሪር: ብሕሱም: ወይ ብዜሕስር መገዲ ንሓድሕዶምን ንደቆምን ይዛረቡ። ብቓላት ዚፍኖ ኸምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ኣብ ክርስትያናዊት ቤት ኪህሉ ኣይግባእን።—1ቈረ. 5:11

“ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና” ምስዓብ በረኸት የምጽእ

ነቲ ቕዱስ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ምግልጋልሲ ኸመይ ዝበለ ኽብሪ ዀን እዩ! (እያ. 24:19) እቲ የሆዋ ሂቡና ዘሎ መንፈሳዊ ገነት ኣዝዩ ኽቡር እዩ። ኣካይዳና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቕዱስ ምግባር: ብርግጽ እቲ ዝበለጸ መገዲ ህይወት እዩ።

ድሕሪ ኣዝዩ ሓጺር እዋን እታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ምድራዊት ገነት ጋህዲ ኽትከውን እያ። (ኢሳ. 35:1, 2, 5-7) እቶም ነዚ ኺፍጸም ሃረር ዚብሉን ንሓዋሩ ብመገዲ ኣምላኽ ዚመላለሱን ኣብኡ ቦታ ብምርካብ ኪባረኹ እዮም። (ኢሳ. 65:17, 21) ስለዚ እምበኣር ንኣምላኽ ብንጹህ መንፈሳዊ ዅነታት ነምልኮ: ምስኡ ድማ ጥብቂ ርክብ ንመስርት።

[እግረ-ጽሑፍ]

a “ስስዔ ርኽሰት” ምስ “ርኽሰት” እንታይ ፍልልይ ከም ዘለዎ መብርሂ እንተ ደሊኻ: ኣብ ናይ 15 ሓምለ 2006 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 29-31 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣይሁድ በታ “ቕድስቲ መገዲ” ንኺመላለሱ እንታይ ብቕዓት ኬማልኡ ነበሮም፧

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ስእለ-ጽዩፍ ነቲ ሓደ ሰብ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ የበላሽዎ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

“ብዘሎ . . . ታዕታዕን ጸርፍን . . . ኻባኻትኩም ይርሐቕ”