ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኻልኦት ብኸመይ ክንሕዞም ኣሎና፧

ንኻልኦት ብኸመይ ክንሕዞም ኣሎና፧

ንኻልኦት ብኸመይ ክንሕዞም ኣሎና፧

“ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ: ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ግበሩሎም።” —ሉቃ. 6:31

1, 2. (ሀ) እቲ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ እትስዕብን ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

 የሱስ ክርስቶስ ብሓቂ ዓብዪ መምህር እዩ ነይሩ። ሃይማኖታውያን ጸላእቱ ኺሕዝዎ ገላዉኦም ምስ ለኣኹ: እቶም ገላዉ ጥራይ ኢዶም ተመልሱ: “ከምዚ ሰብኣይዚ ገይሩ ከቶ ሰብ ኣይተዛረበን” ድማ በሉ። (ዮሃ. 7:32, 45, 46) ሓደ ኻብቲ የሱስ ዘቕረቦ ብሉጽ መደረ: እቲ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት እዩ። እዚ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ካብ ምዕራፍ 5 ኽሳዕ 7 ተመዝጊቡ ይርከብ: ተመሳሳሊ ሓበሬታ ድማ ኣብ ሉቃስ 6:20-49 ኣሎ። a

2 ካብቲ የሱስ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ዝያዳ ፍልጥቲ ዝዀነት ምሉእ ሓሳብ: እታ ብዙሕ ግዜ ወርቃዊት ሕጊ ተባሂላ እትጽዋዕ ክትከውን ትኽእል እያ። ንኻልኦት ብኸመይ ክንሕዞም ከም ዘሎና ኸኣ እትገልጽ እያ። የሱስ: “ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ: ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ግበሩሎም” በለ። (ሉቃ. 6:31) ንሱ ንባዕሉ እውን ንሰባት ብዙሕ ጽቡቕ ነገር ገይሩ እዩ። ንሕሙማት ኣሕውዩ: ንምዉታት እውን ኣተንሲኡ እዩ። ነቲ ዚነግሮም ዝነበረ ብስራት ምስ ዚቕበልዎ ድማ ዝያዳ በረኸት ይረኽቡ ነበሩ። (ሉቃስ 7:20-22 ኣንብብ።) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ምዃንና መጠን: ኣብ ተመሳሳሊ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብታሕጓስ ንጽመድ ኢና። (ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብ እትቕጽልን የሱስ ብዛዕባ እዚ ዕዮ እዚ እተዛረቦ ቓላት ከምኡውን ካብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ ንኻልኦት ብኸመይ ክንሕዞም ከም ዘሎና ብዚምልከት ሓድሓደ ነጥብታት ክንርኢ ኢና።

ዓቃል ኩን

3. ዓቕሊ ብኸመይ ምገለጽካያ፧

3 የሱስ: “ዓቃላት: ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም” በለ። (ማቴ. 5:5) ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዓቕሊ ምስ ድኽመት ፈጺማ ኣይትተሓሓዝን እያ። ነቲ ኣምላኽ ከነማልኦ ዚሓተና ብቕዓታት ንምምላእ እትሕግዝ ልእምቲ ባህርይ እያ። እዚ ኣረኣእያ እዚ ምስ ሰባት ኣብ ዘሎና ርክብ ይንጸባረቕ። ንኣብነት: ‘ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይንፈድን’ ኢና።—ሮሜ 12:17-19

4. ዓቃላት: ብጹኣን ወይ ሕጉሳት ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧

4 ዓቃላት “ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ” ሕጉሳት እዮም። እቲ ‘ለዋህን ትሑትን’ ዝነበረ የሱስ: “ወራስ ኵሉ” ስለ ዝዀነ: ኣውራ ንምድሪ ዚወርስ ንሱ እዩ። (ማቴ. 11:29፣ እብ. 1:2፣ መዝ. 2:8) እቲ መሲሓዊ “ወዲ ሰብ” ኣብታ ሰማያዊት መንግስቱ መጋዝእቲ ኸም ዚህልውዎ ብትንቢት ተነጊሩ ነይሩ። (ዳን. 7:13, 14, 21, 22, 27) እቶም ዓቃላት ዝዀኑ 144,000 ቅቡኣት “ንክርስቶስ መዋርስቱ” ኸም ምዃኖም መጠን: ምስኡ ሓቢሮም ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም። (ሮሜ 8:16, 17፣ ራእ. 14:1) ካልኦት ዓቃላት እውን ኣብ ምድራዊ ኽፋል እታ መንግስቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብምርካብ ኪባረኹ እዮም።—መዝ. 37:11

5. ከም ናይ ክርስቶስ ዓይነት ለውሃት ምስ እትህልወና: ባህርይና ብኸመይ ይጽሎ፧

5 ተረርቲ እንተ ዄንና: ንሰባት ትዕግስቶም ንፍትና ወይ ነርሕቖም ኢና። ከም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለት ለውሃት እንተ ኣልያትና ግን: ባህ እነብልን ብመንፈስ እንሃንጽን ኣባላት ጉባኤ ንኸውን። ለውሃት ክፍሊ እቲ ‘ብመንፈስ ህይወት እንተ ኣልያትናን ብመንፈስ እንተ ተመላሊስናን’ ዚርከብ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ ዜፍርዮ ፍረ እያ። (ገላትያ 5:22-25 ኣንብብ።) ምስቶም ብናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ዚመርሑ ለዋሃት ወይ ዓቃላት ሰባት ክንቍጸር ከም እንደሊ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

መሓርቲ ሕጉሳት እዮም!

6. “መሓርቲ” እንታይ ሓለፍ ዝበለ ባህርያት ኣለዎም፧

6 የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ: “መሓርቲ: ምሕረት ኪረኽቡ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም” በለ። (ማቴ. 5:7) “መሓርቲ” ንጽጉማት ይርሕርሑሎምን ይሓልዩሎምን ይድንግጹሎምን እዮም። የሱስ ስለ ‘ዝደንገጸሎም’ እዩ ብተኣምራዊ መገዲ ኻብ ስቓዮም ከም ዚናገፉ ዝገበረ። (ማቴ. 14:14፣ 20:34) እምበኣር ብድንጋጽን ብሓልዮትን ተደሪኽና መሓርቲ ኽንከውን ኣሎና።—ያእ. 2:13

7. የሱስ ብድንጋጽ ተደሪኹ እንታይ ገበረ፧

7 የሱስ ኬዕርፍ እናኸደ ኸሎ ብዙሕ ህዝቢ ምስ ኣጓነፎ: “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ ነበሩ እሞ: ደንገጸሎም።” በዚ ምኽንያት እዚ “ብዙሕውን ኪምህሮም ጀመረ።” (ማር. 6:34) ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ከነካፍልን ብዛዕባ ዓብዪ ምሕረት ኣምላኽ ክንነግርን ከለና ኸመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢና እንረክብ!

8. መሓርቲ ሕጉሳት ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧

8 መሓርቲ “ምሕረት ኪረኽቡ እዮም እሞ” ሕጉሳት እዮም። ንሰባት ብምሕረት ክንሕዞም ከለና: ንሳቶም እዋን ብተመሳሳሊ መገዲ እዮም ዚሕዙና። (ሉቃ. 6:38) ብዘይካዚ የሱስ: “ንሰብ በደሎም እንተ ሐደግኩምሎም: ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሐድገልኩም እዩ” በለ። (ማቴ. 6:14) መሓርቲ ጥራይ እዮም በደል ይቕረ ብምባልን ሞገስ ኣምላኽ ብምርካብን ዚመጽእ ሓጐስ ዚፈልጡ።

“ገበርቲ ሰላም” ሕጉሳት ዚዀኑሉ ምኽንያት

9. ገበርቲ ሰላም እንተ ዄንና: ተግባራትና ኸመይ ይኸውን፧

9 የሱስ ንሓጐስ ዚኸውን ካልእ ምኽንያት ኪጠቅስ ከሎ: “ገበርቲ ሰላም: ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም” በለ። (ማቴ. 5:9) ገበርቲ ሰላም እንተ ዄንና: ‘ንእሙናት ፈተውቲ ኺፈላልዮም’ ዚኽእል ከም ሕሜት ዝኣመሰለ ተግባራት ዕሽሽ ኣይንብሎን ወይ ኣይንውዕሎን ኢና። (ምሳ. 16:28) ምስቶም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ሰባት: ብቓልን ብግብርን ንሰላም ንስዕባ ኢና። (እብ. 12:14) ብፍላይ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ሰላም ኪህልወና ዚከኣለና ዘበለ ንጽዕር ኢና።1 ጴጥሮስ 3:10-12 ኣንብብ።

10. “ገበርቲ ሰላም” ሕጉሳት ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧

10 የሱስ: “ገበርቲ ሰላም: ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ” ስለ ዝዀኑ ሕጉሳት ምዃኖም ተዛረበ። ቅቡኣት ክርስትያናት ንየሱስ ከም መሲሕ መጠን ስለ ዚኣምኑሉ: “ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል” ተዋሂብዎም እዩ። (ዮሃ. 1:12፣ 1 ጴጥ. 2:24) እቶም ገበርቲ ሰላም ዝዀኑ “ኻልኦት ኣባጊዕ” የሱስከ፧ ኣብቲ ምስቶም ሰማያውያን መዋርስቱ ንሽሕ ዓመት ዚገዝኣሉ እዋን “ኣቦ ዘለኣለም” ኪዀኖም እዩ። (ዮሃ. 10:14, 16፣ ኢሳ. 9:6፣ ራእ. 20:6) ኣብ መወዳእታ እቲ ሽሓዊ ግዝኣቱ: እዞም ገበርቲ ሰላም እዚኣቶም ምሉእ ብምሉእ ምድራውያን ደቂ ኣምላኽ ኪዀኑ እዮም።—1 ቈረ. 15:27, 28

11. በታ “ናይ ላዕሊ ጥበብ” እንተ ተመሪሕና: ንኻልኦት ብኸመይ ኢና እንሕዞም፧

11 ምስቲ “ኣምላኽ ሰላም” ዝዀነ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ንምምዕባል: ባህርያቱ ኽንቀድሕ ይግብኣና፣ እዚ ድማ ሰላማዊ ምዃን የጠቓልል። (ፊል. 4:9) በታ “ናይ ላዕሊ ጥበብ” እንተ ተመሪሕና: ንኻልኦት ብሰላማዊ መገዲ ንሕዞም ኢና። (ያእ. 3:17) እወ: ሕጉሳት ገበርቲ ሰላም ንኸውን ኢና።

‘ብርሃንኩም ይብራህ’

12. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ መንፈሳዊ ብርሃን እንታይ በለ፧ (ለ) ብርሃንና ኸነብርህ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

12 ንሰባት ካብ ኣምላኽ መንፈሳዊ ብርሃን ንኪቕበሉ እንተ ሓጊዝናዮም: ብዝበለጸ መገዲ ኢና እንሕዞም ዘለና። (መዝ. 43:3) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ብርሃን ዓለም” ምዃኖም ነገሮም: ሰባት ነቲ ‘ጽቡቕ ግብሮም’ ምእንቲ ኺርእዩ ድማ ብርሃኖም ኬብርሁ ተማሕጸኖም። ከምዚ ኺገብሩ ኸለዉ ኸኣ ኣብ “ቅድሚ ሰብ” ወይ ንጥቕሚ ደቂ ሰብ መንፈሳዊ ብርሃን የብርሁ። (ማቴዎስ 5:14-16 ኣንብብ።) ሎሚ ንጐረባብትና ጽቡቕ ብምግባርን “ኣብ ኵላ ዓለም” ማለት “ንዅሎም ኣህዛብ” እቲ ብስራት ብምስባኽን ብርሃንና ነብርህ። (ማቴ. 26:13፣ ማር. 13:10) ከመይ ዝበለ ፍሉይ ዕዮ ዀን እዩ ዘሎና!

13. ሰባት እንታይ እዮም ዜስተብህሉ፧

13 የሱስ: “ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከአላን እዩ” በለ። ኣብ ከረን እተደኰነት ዝዀነት ትኹን ከተማ ብቐሊሉ ኽትርአ ትኽእል እያ። ብተመሳሳሊ: ሰባት ነቲ ኸም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን እንገብሮ ጽቡቕ ግብርና ዀነ ኸም ሚዛናውነትን ንጽህናን ዝኣመሰለ ባህርያትና የስተብህሉሉ እዮም።—ቲቶ. 2:1-14

14. (ሀ) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ መብራህቲ ኸመይ ዝበለ እዩ ነይሩ፧ (ለ) መንፈሳዊ ብርሃን ኣብ ትሕቲ “ኸፈር” ዘይንሓብኦ ብኸመይ ኢና፧

14 የሱስ: መብራህቲ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ዘይኰነስ: ኣብ ቤት ንዘሎ ዅሉ ምእንቲ ኼብርህ: ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ከም ዚስቀል ተዛሪቡ ኣሎ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ልሙድ ዝነበረ መብራህቲ: ካብ ካይላ እተሰርሐ ዀይኑ: ነዳዲ (መብዛሕትኡ ግዜ ዘይቲ ኣውልዕ) እናመጸየ ሃልሃል ዚብል ፈትሊ መብራህቲ ነበሮ። ብዙሕ ግዜ ብዕንጨይቲ ወይ ብብረት ኣብ እተሰርሐ ቐንዴል ይቕመጥ እሞ: ‘ኣብ ቤት ንዘሎ ዅሉ የብርህ።’ ሰባት: መብራህቲ ኣብሪሆም ኣብ ትሕቲ “ኸፈር”—ዳርጋ ሰለስተ ርብዒት ኣቢሉ ኣብ ዚሕዝ መትሓዚ—ኣየንብርዎን እዮም። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ መንፈሳዊ ብርሃኖም ኣብ ትሕቲ ምሳልያዊ ኸፈር ኪሓብእዎ ኣይደለዮምን። ስለዚ: ምጽራር ወይ መስጐጕቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ኸም እንሓብእ ወይ ንርእስና ሒዝናዮ ኸም እነጽቅጥ ኪገብረና ብዘይምፍቃድ: ብርሃንና ኸነብርህ ኣሎና።

15. ‘ጽቡቕ ግብርና’ ንገሊኦም ሰባት ዝጸለዎም ብኸመይ እዩ፧

15 የሱስ ብዛዕባ መብራህቲ ድሕሪ ምጥቃሱ እዩ ንደቀ መዛሙርቱ: “ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም: ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ: ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” ዝበሎም። ገሊኦም ነቲ ‘ጽቡቕ ግብርና’ ርእዮም: ንኣምላኽ ኣገልገልቱ ብምዃን “ኬመስግንዎ” ኽኢሎም እዮም። እዝስ ‘ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም ንኽንበርህ’ ከመይ ዝበለ መለዓዓሊ ዀን እዩ ዚዀነና!—ፊል. 2:15

16. “ብርሃን ዓለም” ምዃን እንታይ ይሓትት፧

16 “ብርሃን ዓለም” ምዃን: ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ክንሳተፍ ይሓተና። ካልእ ዜድሊ ነገር ግን ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ: “ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ:” ከመይሲ “ፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌ. 5:8, 9) ብኣምላኻዊ ኣካይዳና ኣብነት ክንከውን ይግባእ። እወ: ነቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ: “እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሐምዩኹም ዘለዉ: ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ሓተታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ: ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ” ኢሉ ዝሃቦ ምኽሪ ኽንስዕቦ ኣሎና። (1 ጴጥ. 2:12) ኣብ መንጎ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ዘሎ ርክብ እንተ ሓርፊፉ: እንታይ እዩ ኺግበር ዚግባእ፧

“ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ”

17-19. (ሀ) ኣብ ማቴዎስ 5:23, 24 ተጠቒሱ ዚርከብ “መባእ” እንታይ እዩ፧ (ለ) ምስ ሓውካ ምትዕራቕ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ፧ የሱስከ ነዚ ብኸመይ ገለጾ፧

17 የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ: ደቀ መዛሙርቱ ንሓዎም ቂም ከይሕዙን ከይንዕቅዎን ኣጠንቀቐ። ኣብ ክንዳኡስ: ቀልጢፎም ምስ ዝሓዘነሎም ሓዎም ኪዕረቑ ነገሮም። (ማቴዎስ 5:21-25 ኣንብብ።) ነቲ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ እሞ ተጠንቂቕካ ኣስተብህለሉ። መባእካ ናብ መሰውኢ ተምጽእ እንተ ትህሉ: ኣብኡ ኸኣ ሓውካ ሓዚኑልካ ምህላዉ እንተ ዘኪርካ: እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ መባእካ ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢ ሓዲግካ: ምስ ሓውካ ኽትዕረቕ ትኸይድ። ድሕሪኡ: ተመሊስካ መባእካ ተቕርብ።

18 እቲ “መባእ” ተባሂሉ ዘሎ: መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ሰብ ኣብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ዜቕርቦ ዝነበረ መስዋእቲ እዩ ነይሩ። መስዋእቲ እንስሳታት ክፍሊ እቲ ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ዝኣዘዞ ኣምልኾ እስራኤላውያን ብምንባሩ: ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ሓውካ ሓዚኑልካ ኸም ዘሎ እንተ ዘኪርካ ግን: መባእ ካብ ምቕራብ ንላዕሊ ነቲ ጕዳይ እቲ ምፍታሑ ዝያዳ ህጹጽ ይኸውን። የሱስ: “ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ: ኪድ: ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ: ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ” በለ። ምስ ሓውካ ምትዕራቕ: ካብቲ ኣብቲ ሕጊ እተሰርዐ ግዴታ ምፍጻም ንላዕሊ ኣገዳስነት ኣለዎ።

19 የሱስ ነዚ ኺዛረብ ከሎ: ኣብ እተወሰነ ዓይነት መባእ ወይ በደል ኣይሓጸሮን። ስለዚ: ሓደ ሰብ: ሓዉ ሓዚኑሉ ኸም ዘሎ እንተ ፈሊጡ: ዝዀነ ይኹን ዓይነት መባእ ንኻልእ ግዜ ኼመሓላልፎ ይግባእ። እቲ ዚቐርብ መባእ: ህያው እንስሳ እንተ ዀይኑ: “ኣብ ቅድሚ መሰውኢ:” ማለት ኣብ ቅድሚ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ዚቐርበሉ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ዚርከብ ቀጽሪ ኻህናት እዩ ኺሕደግ ዚግባእ። እቲ ጸገም ምስ ተፈትሐ: እቲ ዝበደለ ተመሊሱ መባኡ የቕርብ።

20. ሓውና እንተ ኣቘጢዑና: ነቲ ጕዳይ ቀልጢፍና ኽንፈትሖ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

20 ብዓይኒ ኣምላኽ ክንርእዮ ኸለና: ምስ ኣሕዋትና ዘሎና ርክብ ኣገዳሲ ኽፋል ናይ ሓቂ ኣምልኾ እዩ። እቶም መስዋእቲ ዜቕርቡ ሰባት ንብጻዮም ብግቡእ ኣብ ዘይሕዙሉ እዋን: መስዋእቲ እንስሳታት ንየሆዋ ትርጕም ኣይነበሮን። (ሚክ. 6:6-8) ስለዚ: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: ‘ቀልጢፎም ኪዕረቑ’ ተማሕጸኖም። (ማቴ. 5:25) ጳውሎስ እውን ምስዚ ብዚተኣሳሰር: “ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም። ንድያብሎስ ከኣ ስፍራ ኣይትሀብዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌ. 4:26, 27) ዜዀሪ ነገር እንተ ኣጋጢሙና: ንድያብሎስ ስፍራ ኸይንህቦ እሞ ከይብለጸልና: ንነዊሕ እዋን ኰሪና ኽንጸንሕ የብልናን።—ሉቃ. 17:3, 4

ወትሩ ንኻልኦት ብኣኽብሮት ሓዞም

21, 22. (ሀ) ነዚ ኽንመያየጠሉ ዝጸናሕና የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ ብኸመይ ክንዓየሉ ንኽእል፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

21 ካብቲ የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ እተወሰነ ሓሳባት ምምርማርና: ንኻልኦት ብሕያውነትን ብኣኽብሮትን ንኽንሕዞም ኪድርኸና ይግባእ። ኵላትና ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዀንና: እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዀነ የሱስ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ስለ ዘይጽበዩና: ነቲ የሱስ ዝሃበና ምኽሪ ኽንዓየሉ ንኽእል ኢና። ብጸሎትን ብልባዊ ጻዕርን ብበረኸት የሆዋ ኣምላኽን: ዓቃላት: መሓርቲ: ከምኡውን ገበርቲ ሰላም ክንከውን ንኽእል ኢና። ንኽብሪ የሆዋ ዜንጸባርቕ መንፈሳዊ ብርሃን ከነብርህ ንኽእል ኢና። ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ከኣ: ምስ ሓውና ኽንዕረቕ ንኽእል ኢና።

22 ንየሆዋ ቕቡል ዝዀነ ኣምልኾ: ንብጻይና ብግቡእ ምሓዝ የጠቓልል። (ማር. 12:31) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ: ንኻልኦት ጽቡቕ ክንገብር ዚሕግዘና: ኣብቲ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት እተጠቕሰ ኻልእ ሓሳባት ክንምርምር ኢና። ነዚ ኻብቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ የሱስ ዝሃቦ ስብከት እተወስደ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ነጥብታት ድሕሪ ምስትንታንና ግን: ‘ንኻልኦት ብኸመይ እየ ዝሕዞም፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ብሕታዊ መጽናዕትኻ ነዛ ዓንቀጽ እዚኣን ነታ ስዒባ ዘላን ቅድሚ ምጽናዕካ: ነዚ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣንቢብካዮ ብዙሕ ክትጥቀም ኢኻ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ዓቃል ምዃን ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

• “መሓርቲ” ሕጉሳት ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧

• ብርሃንና ብኸመይ ከነብርህ ንኽእል፧

• ‘ምስ ሓውና ንኽንዕረቕ’ ቅልጡፋት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምእዋጅ: ንብርሃንና እነብርሃሉ ኣገዳሲ መገዲ እዩ

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት ብኣምላኻዊ ኣካይዳኦም ኣብነት ኪዀኑ ይግባእ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ሓውካ ንኽትዕረቕ ዚከኣለካ ዘበለ ግበር