ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣመሓዳሪ ኣካል እተወደበሉ መገዲ

ኣመሓዳሪ ኣካል እተወደበሉ መገዲ

ኣመሓዳሪ ኣካል እተወደበሉ መገዲ

ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ቅቡኣት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዝዀኑ ርእሶም ዝወፈዩ ሰብኡት ዝቘመ እዩ። ነቲ መንፈሳዊ ምግቢ ናይ ምቕራብ: ኣብ መላእ ምድሪ ንዚግበር ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ መምርሒ ናይ ምሃብን ናይ ምልዕዓልን ሓላፍነት ዘለዎ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ኸም ተወካሊኡ ዀይኑ ይዓዪ።—ማቴ. 24:14, 45-47

ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ ሰሰሙን: መብዛሕትኡ ግዜ ረቡዕ ኣኼባታቱ የካይድ። እዚ ነቶም ኣሕዋት ብሓድነት ንኺዓዩ ይሕግዞም። (መዝ. 133:1) ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ እተፈላለየ ኮሚተታት እውን የገልግሉ እዮም። ነፍሲ ወከፍ ኮሚተ ምስ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ብዚተኣሳሰር እተወሰነ ብሓላፍነት ዚኣልዮ ዕዮ ኣለዎ፣ እዚ ድማ ኣብዚ ዚስዕብ ብሕጽር ዝበለ ተገሊጹ ኣሎ።

◼ ኮሚተ ኣወሃሃድቲ:- እዚ ኮሚተ እዚ ብኣወሃሃዲ ነፍሲ ወከፍ እቲ ዝተረፈ ኮሚተታት ኣመሓዳሪ ኣካልን በቲ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ጸሓፍን ዝቘመ እዩ። ኵሉ እቲ ኮሚተታት ብዘይ ጸገምን ብስሉጥን ኣገባብ ከም ዚዓዪ የረጋግጽ። ኣገዳሲ ህጹጽ ኵነታት: መስጐጕትታት: ሓደጋታት: ከምኡውን ካልእ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጸሉ ቕልጡፍ ፍታሕ ዜድልዮ ነገራት እውን ብሓላፍነት ይከታተል።

◼ ኮሚተ ፐርሶነል:- እቶም ኣብዚ ኮሚተ እዚ ዚዓዩ ኣሕዋት ነቶም ኣብ መላእ ምድሪ ዚርከቡ ኣባላት ስድራ ቤትኤል ብስጋዊ ዀነ ብመንፈሳዊ ዜድልዮም ናይ ምድላውን ናይ ምድጋፍን ሓላፍነት ኣለዎም። እዚ ኮሚተ እዚ ሓደስቲ ኣባላት ስድራ ቤትኤል ንምሕራይን ንምጽዋዕን ዚግበር ዕዮ ብሓላፍነት ይከታተል: ብዛዕባ ኣብ ቤትኤል ዚፍጸም ኣገልግሎት ዚለዓል ሕቶታት እውን ምላሽ ይህብ።

◼ ኮሚተ ሕትመት:- እዚ ኮሚተ እዚ ንብዘላ ዓለም ዚኸውን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ናይ ምሕታምን ናይ ምልኣኽን ዕዮ ይቈጻጸር። በተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙለን እተፈላለያ ትካላት ዚውነንን ዚንቀሳቐስን ኣብያተ-ሕትመት ኰነ ኻልእ ንብረት ብሓላፍነት ይቈጻጸር። ነቲ ንዓለምለኻዊ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ እተወፈየ ገንዘብ ብዝበለጸ መገዲ ኣብ መዓላኡ ኸም ዚውዕል ድማ ይገብር።

◼ ኮሚተ ኣገልግሎት:- እዚ ኮሚተ እዚ ንዕዮ ስብከትን ነቲ ንጉባኤታትን ፈለምትን ሽማግለታትን ገየሽቲ ሓለውትን ዚትንክፍ ጕዳያትን ብሓላፍነት ይመርሕ። ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እትዳለወሉ ኣገባብ ይከታተል: ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኰነ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ ይጽውዕ: ድሕሪ ምረቓ ድማ ናብ ዚኸድዎ ይምድብ።

◼ ኮሚተ ትምህርቲ:- እዚ ኮሚተ እዚ ነቲ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትን ኣኼባታት ጉባኤን ዚወሃብ ትምህርቲ የቕርብ። ንኣባላት ስድራ ቤትኤል ዚኸውን መንፈሳዊ መደብ የዳሉ: ንኸም ቤት ትምህርቲ ጊልዓድን ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምትን ዝኣመሰለ እተፈላለየ ኣብያተ-ትምህርቲ ብሓላፍነት ይመርሕ: ከምኡውን መደባት ኣውድዮን ቪድዮን የዳሉ።

◼ ኮሚተ ጽሕፈት:- መንፈሳዊ ምግቢ ብጽሑፍ ኣዳልዩ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትን ንህዝብን ከም ዚዝርጋሕ ምግባር: ሓላፍነት እዚ ኮሚተ እዚ እዩ። ብተወሳኺ: መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሕቶታት ይምልስ: ከም ድራማን ኣስተዋጽኦ መደረን ዝኣመሰለ ጽሑፋት እውን የጽድቕ። ነቲ ኣብ ዓለምለኸ ዚካየድ ዕዮ ትርጕም እውን ብሓላፍነት ይመርሕ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ንጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ምስ ሓደ ስጋ ሰብ ወይ ሰብነት ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ነቲ ኻብ ኣምላኽ እተዋህበ ዕዮ ኣብ ምዕያይ: ኵሉ ኣካላት ኣገዳሲ ቦታ ኸም ዘለዎን ንሓድሕዱ ኺደጋገፍን ኪፈቓቐርን ኪተሓባበርን ከም ዘለዎ እውን ኣጕሊሑ ኣሎ። (ሮሜ 12:4, 5፣ 1 ቈረ. 12:12-31) እቲ ርእሲ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ነቲ ኣካላት ንምትሕብባርን ንምውህሃድን ንመንፈሳዊ ዕንጋለን ዜድሊ የቕርበሉ። (ኤፌ. 4:15, 16፣ ቈሎ. 2:19) በዚ ኸምዚ: ኣመሓዳሪ ኣካል ከምቲ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱስ ዝመርሖ ገይሩ ንኺመርሕ ተወዲቡ ኣሎ።