ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብነት ጳውሎስ ብምስዓብ መንፈሳዊ ዕቤት ግበር

ኣብነት ጳውሎስ ብምስዓብ መንፈሳዊ ዕቤት ግበር

ኣብነት ጳውሎስ ብምስዓብ መንፈሳዊ ዕቤት ግበር

“ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ: እቲ ጕያ ወዲኤ: ነታ እምነት ሐልየ።” —2 ጢሞ. 4:7

1, 2. ሳውል ብዓል ጠርሴስ ኣብ ህይወቱ እንታይ ለውጥታት እዩ ዝገበረ፧ እንታይ ኣገዳሲ ዕዮኸ እዩ ኺዓዪ ዝጀመረ፧

 እቲ ሰብኣይ በሊሕን ቈራጽን እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ‘ብትምኒት ስጋ ይነብር ነበረ።’ (ኤፌ. 2:3) ጸኒሑ ንርእሱ “ጸራፍን ሰጓጕን ገፋዕን” ኢሉ ገሊጽዋ ኣሎ። (1 ጢሞ. 1:13) እዚ ሰብኣይ እዚ ሳውል ብዓል ጠርሴስ እዩ ነይሩ።

2 ድሕሪ ግዜ: ሳውል ኣብ ህይወቱ ዓብዪ ለውጢ ገበረ። ነቲ ናይ ቀደም መገድታቱ ሓዲጉ: ‘ጥቕሚ ብዙሓት እምበር: ጥቕሚ ርእሱ ኸይደሊ’ ኣበርቲዑ ዓየየ። (1 ቈረ. 10:33) ነቶም ኣደዳ ጽልኡ ኪዀኑ ዚኽእሉ ዝነበሩ ሰባት ጥዑምን ለዋህን ኰነ። (1 ተሰሎንቄ 2:7, 8 ኣንብብ።) “ኣገልጋሊ ወንጌል ኰንኩ። ንኣይ: ካብ ኵሎም ቅዱሳን ለጠቕ ንዝብል: እቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ ነህዛብ ክሰብኽ: እዚ ጸጋ እዚ ተዋህበኒ” ኢሉ ድማ ጸሓፈ።—ኤፌ. 3:7, 8

3. መልእኽትታት ጳውሎስን ብዛዕባ ኣገልግሎቱ ዚገልጽ ጸብጻባትን ምጽናዕና ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

3 እቲ ጳውሎስ ተባሂሉ እውን ዚፍለጥ ሳውል: ዜደንቕ መንፈሳዊ ዕቤት ገበረ። (ግብ. 13:9) ኣብ ሓቂ እንገብሮ ዕቤት እነፋጥነሉ ሓደ እተረጋገጸ መገዲ: ንመልእኽትታት ጳውሎስን ብዛዕባ ኣገልግሎቱ ዚገልጽ ጸብጻባትን ምጽናዕ: ኣስኣሰር እምነቱ ድማ ምስዓብ እዩ። (1 ቈረንቶስ 11:1፣ እብራውያን 13:7 ኣንብብ።) ከምኡ ምግባርና ጽቡቕ ልማድ ብሕታዊ መጽናዕቲ ንኺህልወናን ንሰባት ናይ ሓቂ ፍቕሪ ንኸነማዕብልን ብዛዕባ ርእስና ግቡእ ኣረኣእያ ንኸነሕድርን ዚድርኸና ብኸመይ ምዃኑ እስከ ንርአ።

ጳውሎስ ዝነበሮ ልማድ መጽናዕቲ

4, 5. ብሕታዊ መጽናዕቲ ንጳውሎስ ዝጠቐሞ ብኸመይ እዩ፧

4 ጳውሎስ ‘ኣብ ትሕቲ እግሪ ገማልኤል: ሕጊ ኣቦታት ኣጸቢቑ እተማህረ’ ፈሪሳዊ ስለ ዝነበረ: ድሮ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት እተወሰነ ፍልጠት ነበሮ። (ግብ. 22:1-3፣ ፊል. 3:4-6) ድሕሪ ጥምቀቱ ብኡንብኡ “ናብ ምድሪ ዓረብ”—ናብ ምድረ በዳ ሶርያ ወይ ናብቲ ኣብ ሓውሲ ደሴት ዓረብ ዚርከብ ጸጥታ ዝሰፈኖ ቦታ—ከደ፣ እዚ ቦታ እዚ ኸኣ ንምስትንታን ምሹእ ነበረ። (ገላ. 1:17) ጳውሎስ ነቲ የሱስ መሲሕ ምዃኑ ዚሕብር ቅዱሳት ጽሑፋት ኬስተንትነሉ ደልዩ ኪኸውን ኣለዎ። ብዘይካዚ: ነቲ ዚጽበዮ ዝነበረ ዕዮ ኺዳሎ ደለየ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:15, 16, 20, 22 ኣንብብ።) ስለዚ: ግዜ ወሲዱ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ኣስተንተነ።

5 እቲ ጳውሎስ ካብ ብሕታዊ መጽናዕቲ ዝረኸቦ ቕዱስ ጽሑፋዊ ፍልጠትን ምስትውዓልን: ሓቂ ብውጽኢታዊ መገዲ ንኺምህር ኣኽኣሎ። ንኣብነት: ኣብ ኣንጾክያ ናይ ጵሲድያ ኣብ ዝነበረ ቤት ጸሎት: የሱስ መሲሕ ምዃኑ ንምርግጋጽ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እንተ ወሓደ ሓሙሽተ ጥቕስታት ብቐጥታ ጠቒሱ እዩ። ኣብ ልዕሊ እዚ ብተዘዋዋሪ እውን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ጠቒሱ እዩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ መጐተኡ ኣዝዩ ዜእምን ስለ ዝነበረ: “ካብ ኣይሁድን ካብቶም ንኣምላኽ ዚፈርሁ ጵሮሴሊታትን ብዙሓት” ተወሳኺ ኺመሃሩ ደልዮም: “ንጳውሎስን ንበርናባስን ሰዐቡ።” (ግብ. 13:14-44) ድሕሪ ዓመታት ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ኣይሁድ ንጳውሎስ ናብታ ሰፊርዋ ዝነበረ ቤት ምስ መጽዎ: “ካብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን ብዛዕባ የሱስ እናኣረድኤ ብናይ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ እናመስከረ ተርጐመሎም።”—ግብ. 28:17, 22, 23

6. ጳውሎስ ፈተናታት ኬጋጥሞ ኸሎ ብመንፈሳዊ መዳይ ብርቱዕ ኪኸውን ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

6 ጳውሎስ ፈተናታት ኬጋጥሞ ኸሎ እውን: ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ ምምርማርን ካብቲ ኣብኡ ዘሎ መንፈስ ዝነፈሶ መልእኽቲ ብርታዐ ኻብ ምርካብን ዓዲ ኣይወዓለን። (እብ. 4:12) ቀቅድሚ ሙማቱ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ንጢሞቴዎስ “እቲ መጻሕፍትን” “እቲ ብራናታት”ን ኪማልኣሉ ሓተቶ። (2 ጢሞ. 4:13) እዚ ሰነዳት እዚ ጳውሎስ ዓሚቝ መጽናዕቲ ንምግባር ዚጥቀመሉ ኽፋላት ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኪኸውን ኣለዎ። ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር ቅዱስ ጽሑፋዊ ፍልጠት የጥሪ ብምንባሩ: ብጽንዓት ኪቕጽል ከኣለ።

7. ካብ ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ረብሓታት ጥቐስ።

7 ዕላማ ብዘለዎ ምስትንታን እተሰነየ ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ብመንፈሳዊ መዳይ ንኽንዓቢ ይሕግዘና እዩ። (እብ. 5:12-14) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ ኣገዳስነት ቃል ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ዘመረ:- “ካብ ኣእላፋት ወርቅን ብሩርንሲ ሕጊ ኣፍካ ይሔሸኒ። ትእዛዛትካ ንሓዋሩ ምሳይ እዩ እሞ: ሓለፋ ጸላእተይ ኣለበመኒ። ቃልካ ምእንቲ ኽሕሉስ: ኣእጋረይ ካብ ክፉእ ዘበለ መገዲ ኸልከልኩ።” (መዝ. 119:72, 98, 101) ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምግባር ልማድ ኣሎካዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ብምንባብን ብዛዕባ እቲ ዘንበብካዮ ብምስትንታንን: ኣብ መጻኢ ንእትፍጽሞ ኣገልግሎት ኣምላኽ ትዳሎዶ ኣለኻ፧

ሳውል ንሰባት ምፍቃር ተማህረ

8. ሳውል ነቶም ካብ ኣይሁድነት ወጻኢ ዝነበሩ ብኸመይ ይሕዞም ነበረ፧

8 ሳውል ክርስትያን ቅድሚ ምዃኑ: ንሃይማኖቱ ቕንኣት ነበሮ: ካብ ኣይሁድነት ወጻኢ ንዝነበሩ ሰባት ግን ብዙሕ ኣይሓልየሎምን ነበረ። (ግብ. 26:4, 5) ገሊኦም ኣይሁድ ንእስጢፋኖስ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ኸለዉ: ሰሚርዎም ይርኢ ነበረ። እቲ ዝረኣዮ ነገር ኣደፋፊርዎ ኪኸውን ኣለዎ፣ ምናልባት እውን ንቕትለት እስጢፋኖስ ከም ግቡእ መቕጻዕቲ ገይሩ ርእይዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ግብ. 6:8-14፣ 7:54–8:1) እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ: “ሳውል ግና ነታ ማሕበር የጥፍኣ: ናብ ኣባይቲ እናአተወ ሰብኡትን ኣንስትን ሰሲሒቡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ የእትዎም ነበረ” ይብል። (ግብ. 8:3) ሕሉፍ ሓሊፉ ‘ናብተን ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ኸተማታት ከይዱ እውን ይሰጕጕ ነበረ።’—ግብ. 26:11

9. ሳውል ነቲ ንሰባት ዝነበሮ ኣተሓሕዛ ዳግም ንኺምርምሮ ዝደረኾ እንታይ ተመክሮ እዩ፧

9 ሳውል ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኪሰጕጕ ናብ ደማስቆ ኪኸይድ ከሎ: ጐይታና የሱስ ተራእዮ። እቲ ልዕለ-ባህርያዊ ጸዳል ወዲ ኣምላኽ ንሳውል ኣዖሮ: ረድኤት ካልኦት ዜድልዮ ድማ ኰነ። የሆዋ ብሃናንያ ገይሩ ንሳውል ካብ ዑረቱ ኼሕውዮ ኸሎ: ሳውል ንሰባት ዝነበሮ ኣረኣእያ ንሓዋሩ ተቐዪሩ ነበረ። (ግብ. 9:1-30) ሰዓቢ ክርስቶስ ድሕሪ ምዃኑ: ምስ ሰባት ዘለዎ ርክብ ከምቲ ናይ የሱስ ንምግባር ጸዓረ። እዚ ድማ ዓመጻ ሓዲጉ: “ምስ ኵሉ ብሰላም” ምንባር ዜጠቓልል ነበረ።—ሮሜ 12:17-21 ኣንብብ።

10, 11. ጳውሎስ ንሰባት ናይ ሓቂ ፍቕሪ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

10 ጳውሎስ ምስ ሰባት ብሰላም ብምንባሩ ጥራይ ዕጉብ ኣይነበረን። ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኼርእዮም ደለየ: ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ድማ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ኸፈተሉ። ኣብቲ ቐዳማይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ: ነቲ ብስራት ኣብ ንእሽቶ እስያ ሰበኸ። ንዕኡን ንብጾቱን ከቢድ ምጽራር እኳ እንተ ኣጋጠሞም: ንትሑታት ክርስትና ኪቕበሉ ኣብ ምሕጋዝ ኣተኰሩ። ኣብ ልስጥራን ኢቆንዩምን ዝነበሩ ተጻረርቲ ንጳውሎስ ኪቐትልዎ ፈቲኖም እኳ እንተ ነበሩ: ናብተን ከተማታት እቲኣተን እንደገና ኺበጽሑ ኸዱ።—ግብ. 13:1-3፣ 14:1-7, 19-23

11 ጸኒሖም ጳውሎስን ምስኡ ዝነበሩ መገላግልቱን: ኣብታ ኣብ መቄዶንያ እትርከብ ከተማ ፊልጲ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ኣናደዩ። ልድያ ዝስማ ናይ ኣይሁድ ጵሮሰሊት: ነቲ ብስራት ሰሚዓ ክርስትያን ኰነት። እቶም ሰበ-ስልጣን ንጳውሎስን ንሲላስን ብሽመል ዘቢጦም: ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም። ይኹን እምበር: ጳውሎስ ነቲ ሓላው እሱራት ሰበኸሉ: ከም ውጽኢቱ ድማ ንሱን ስድራ ቤቱን ኣምለኽቲ የሆዋ ዀይኖም ተጠምቁ።—ግብ. 16:11-34

12. እቲ ገፋዒ ዝነበረ ሳውል: ፈቃር ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ ንኪኸውን ዝደረኾ እንታይ እዩ፧

12 እቲ ሓደ ግዜ ሰጓጒ ዝነበረ ሳውል: እምነት እቶም ግዳያቱ እተቐበለ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ ገፋዒ ሰብኣይ: ካልኦት ብዛዕባ ኣምላኽን ክርስቶስን ምእንቲ ኺመሃሩ ኢሉ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ሕያዋይን ፈቃርን ሃዋርያ ንኪኸውን ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ ጳውሎስ ባዕሉ: “እቲ . . . ብጸጋኡውን ዝጸውዓኒ ኣምላኽ ግና: . . . ንወዱ ኣባይ ኪገልጾ . . . ፈተወ” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። (ገላ. 1:15, 16) ንጢሞቴዎስ እውን: “የሱስ ክርስቶስ ነቶም ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪበጽሑ ኢሎም ብእኡ ዚአምኑ ንኣርኣያ ዅሉ ትዕግስቱ ቕድም ኣባይ ምእንቲ ኼርኢ: በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ” ኢሉ ጸሓፈሉ። (1 ጢሞ. 1:16) የሆዋ ንጳውሎስ ይቕረታ ገበረሉ: ከምዚ ዝኣመሰለ ጸጋን ምሕረትን ብምርካቡ ድማ ንኻልኦት እቲ ብስራት ብምስባኽ ፍቕሪ ንኼርእዮም ደረኾ።

13. ንኻልኦት ፍቕሪ ንኸነርኢ እንታይ ኪድርኸና ኣለዎ፧ ብኸመይከ ኢና ኸምኡ እንገብር፧

13 ብተመሳሳሊ: የሆዋ ንሓጢኣትናን ንጌጋታትናን ይቕረ ይብል እዩ። (መዝ. 103:8-14) እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “ዎ እግዚኣብሄር: ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ: ጐይታየ: መን ደው ኪብል እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። (መዝ. 130:3) ብዘይ ምሕረት ኣምላኽ: ዋላ ሓደ ኻባና ኻብ ቅዱስ ኣገልግሎት ሓጐስ ዚረክብ ኣይምሃለወን: ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ድማ ተስፋ ኣይምሃለወናን። ኣምላኽ ንዅላትና ጸጋኡ ብብዝሒ ሂቡና እዩ። ስለዚ ድማ ከም ጳውሎስ ንኻልኦት ብምስባኽን ብዛዕባ ሓቂ ብምምሃርን ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ብምብርታዕን ፍቕርና ንኸነርእዮም ባህጊ ኸነሕድር ኣሎና።—ግብሪ ሃዋርያት 14:21-23 ኣንብብ።

14. ኣገልግሎትና ብኸመይ ከነስፍሕ ንኽእል፧

14 ጳውሎስ ከም ኣገልጋሊ እቲ ብስራት መጠን ዕቤት ኪገብር ደለየ: የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ከኣ ልቡ ተንኪዩዎ ነበረ። ሓደ ኻብቲ እቲ ወዲ ኣምላኽ ንሰባት መወዳድርቲ ዘይብላ ፍቕሪ ዘርኣየሉ መገዲ: ህዝባዊ ኣገልግሎቱ እዩ ነይሩ። የሱስ: “እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ: ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ” በለ። (ማቴ. 9:35-38) ጳውሎስ ምስቲ ንሱ ንባዕሉ ዝያዳ ዓየይቲ ንኺለኣኹ ኣቕሪብዎ ኪኸውን ዚኽእል ለመና ብምስምማዕ: ብቕንኣት ዓየየ። ንስኻኸ ኣገልግሎትካ ኸተመሓይሽ ትኽእልዶ፧ ምናልባት ኣብ ህይወትካ ንኣገልግሎት ፈላምነት ግዜ ብምምዳብ: ኣብቲ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎካ እጃም ከተዕዝዞ ትኽእልዶ፧ ንኻልኦት ‘ነቲ ቓል ህይወት ኪሕዙ’ ብምሕጋዝ ንዕኦም ዘላትና ናይ ሓቂ ፍቕሪ ነርእዮም።—ፊል. 2:16

ጳውሎስ ብዛዕባ ርእሱ ዝነበሮ ኣረኣእያ

15. ጳውሎስ ንርእሱ ምስ ክርስትያናት ብጾቱ ብምንጽጻር ብኸመይ ይርእያ ነበረ፧

15 ጳውሎስ ከም ክርስትያን ኣገልጋሊ መጠን: ብኻልእ መገዲ እውን ዜደንቕ ኣብነት ይዀነና እዩ። ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብዙሕ ዕዮ እኳ እንተ ተዋህቦ: እቲ በረኸት ብጻዕሩ ዀነ ብኽእለቱ ዝረኸቦ ኸም ዘይኰነ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነበረ። እቲ ዝረኸቦ በረኸት ብጸጋ ኣምላኽ ምንባሩ ኣስተውዓለ። ካልኦት ክርስትያናት እውን ውጽኢታውያን ኣገልገልቲ እቲ ብስራት ከም ዝዀኑ ፈለጠ። ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበሮ ቦታ ብዘየገድስ: ትሕትና ነበሮ።—1 ቈረንቶስ 15:9-11 ኣንብብ።

16. ንግዝረት ዚምልከት ጕዳይ ምስ ተላዕለ: ጳውሎስ ትሕትና ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

16 ጳውሎስ ነቲ ኣብ ከተማ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ እተላዕለ ጸገም ብኸመይ ከም ዝሓዞ እሞ ሕስብ ኣብለሉ። ኣብኡ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ንግዝረት ብዚምልከት ኣብ እተላዕለ ጕዳይ ተኸፋፈለት። (ግብ. 14:26–15:2) ጳውሎስ ንዘይተገዝሩ ኣህዛብ ኪሰብኽ ስለ እተሸመ: ምስ ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት ኣብ ዘሎ ርክብ ክኢላ ኸም ዝዀነ: ነቲ ጸገም ንምፍታሕ እውን እኹል ብቕዓት ከም ዘለዎ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ገላትያ 2:8, 9 ኣንብብ።) ይኹን እምበር: እቲ ጻዕርታቱ ነቲ ጕዳይ ፍታሕ ዜምጽእ ከም ዘይኰነ ምስ ረኣየ: ናብቲ ኣብ የሩሳሌም ዚርከብ ኣመሓዳሪ ኣካል ብምቕራብ ነቲ ጕዳይ ኪመያየጠሉ እተሰርዐ ስርዓት ብትሕትና ዓየየሉ። ኣባላት እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ነቲ ጕዳይ ኪሰምዑን ኣብ ውሳነ ኺበጽሑን ሓደ ኻብ ልኡኻቶም ገይሮም ኪልእኽዎን ከለዉ ድማ: ምሉእ ብምሉእ ተሓባበሮም። (ግብ. 15:22-31) በዚ ኸምዚ: ጳውሎስ ንብጾቱ ኣገልገልቲ ‘ብምኽባር ተቐዳደመ።’—ሮሜ 12:10

17, 18. (ሀ) ጳውሎስ ነቶም ኣብ ጉባኤታት ዝነበሩ እንታይ ስምዒት እዩ ኣሕዲሩ፧ (ለ) እቶም ሽማግለታት ኤፌሶን ንጳውሎስ ኬፋንውዎ ኸለዉ ዝገበርዎ ነገራት: ብዛዕባ ጳውሎስ እንታይ ይሕብረና፧

17 ጳውሎስ ትሑት ብምንባሩ: ካብቶም ኣብ ጉባኤታት ዝነበሩ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ርእሱ ኣይፈለየን። ኣብ ክንዳኡስ: ምሳታቶም ጥብቂ ርክብ ነበሮ። ኣብ መወዳእታ እታ ናብ ሰብ ሮሜ ዝጸሓፋ መልእኽቱ: ን20 ሰባት በብስሞም ብምጥቃስ ሰላም በሎም። መብዛሕትኦም ካብዚኣቶም ኣብ ካልእ ክፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሶም ኣይንረኽቦምን ኢና: ፍሉይ ሓላፍነት ዝነበሮም ድማ ሒደት እዮም። ኰይኑ ግን: እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ነበሩ: ጳውሎስ ድማ ኣመና የፍቅሮም ነበረ።—ሮሜ 16:1-16

18 ጳውሎስ ትሑትን ተቐራብን ብምንባሩ: ንጉባኤታት ሃነጸን። ምስ ሽማግለታት ኤፌሶን ንመወዳእታ ግዜ ምስ ተራኸበ: “ንጳውሎስ ድማ ብኽሳዱ ሐኒቖም ሰዐምዎ። ካብ ኵሉ ኸኣ ስለቲ፤ ደጊምሲ ገጸይ ኣይክትርእዩን ኢኹም: ዝበሎም ቃል ኣዝዮም ጐሀዩ።” ኵሩዕን ርእሱ ዚፈልን ሰብ እንተ ዚኸውን ነይሩ: ኬፋንውዎ ኸለዉ ኸምዚ ኣይምገበሩን።—ግብ. 20:37, 38

19. ምስ ክርስትያናት ብጾትና ኣብ ዘሎና ርክብ “ትሕትና” ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

19 ኵሎም እቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ዕቤት ኪገብሩ ዚደልዩ: ከም ጳውሎስ ናይ ትሕትና መንፈስ ኬርእዩ ኣለዎም። ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ: “ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዐመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ: ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርአዮ” ኢሉ ተማሕጸኖም። (ፊል. 2:3) ነዚ ምኽሪ እዚ ኸመይ ጌርና ኽንስዕቦ ንኽእል፧ ሓደ መገዲ ምስቶም ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ሽማግለታት ብምትሕብባር: ማለት ነቲ ዚህቡና መምርሒ ብምስዓብን ንሳቶም ዚገብርዎ ፍርዳዊ ውሳነ ብምድጋፍን እዩ። (እብራውያን 13:17 ኣንብብ።) ካልእ መገዲ ኸኣ ንዅሎም እቶም ብእምነት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘበሉ ኣኽቢርና ብምርኣይ እዩ። ጉባኤታት ህዝቢ የሆዋ ኻብ እተፈላለዩ ህዝብታትን ባህልታትን ዓሌታትን ብዝመጹ ውልቀ-ሰባት ዝቘማ እየን። እሞኸ ንዅሎም ከምቲ ጳውሎስ ዝገበሮ: ብዘይ ኣድልዎን ብፍቕርን ምሓዞም ክንመሃርዶ ኣይግባእን፧ (ግብ. 17:26፣ ሮሜ 12:10) “ከምቲ ክርስቶስ ንኽብሪ ኣምላኽ እተቐበለኩም: ንሓድሕድኩም ተቓባበሉ” ዚብል ምትብባዕ ተዋሂቡና ኣሎ።—ሮሜ 15:7

ኣብቲ ንህይወት ዚግበር ቅድድም “ብትዕግስቲ ንጕየ”

20, 21. ንህይወት ዚግበር ቅድድም ብዕዉት መገዲ ኽንጐዪ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

20 ህይወት ሓደ ክርስትያን ምስ ሓደ ናይ ነዊሕ ርሕቐት ቅድድም ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ: እቲ ጕያ ወዲኤ: ነታ እምነት ሐልየ። ደጊምሲ ጐይታይ: ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ: በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ አሎ። እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ዅላቶም ድማ እዩ እምበር: ንኣይ ጥራይ ኣይኰነን።”—2 ጢሞ. 4:7, 8

21 ኣብነት ጳውሎስ ምስዓብና ነቲ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ዚግበር ቅድድም ብዕዉት መገዲ ንኽንጐዪ ይሕግዘና። (እብ. 12:1) እምበኣር ብእተኻእለና መጠን ጽቡቕ ልማድ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር: ንሰባት ዓማቝ ፍቕሪ ብምሕዳር: ከምኡውን ናይ ትሕትና መንፈስ ብምሓዝ መንፈሳዊ ዕቤት ምግባር ንቐጽል።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ጳውሎስ ካብ ስሩዕ ብሕታዊ መጽናዕቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ብኸመይ ተጠቒሙ፧

• ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንሰባት ዓማቝ ፍቕሪ ኽትህልዎም ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

• ንኻልኦት ብዘይ ኣድልዎ ንኽንሕዞም ዚሕግዘና እንታይ ባህርያት እዩ፧

• ኣብነት ጳውሎስ: ምስቶም ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ሽማግለታት ንኽትተሓባበር ኪሕግዘካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ከም ጳውሎስ: ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብርታዐ ርኸብ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ነቲ ብስራት ንኻልኦት ብምክፋል ፍቕሪ ኣርኢ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስ ኣብ ኣሕዋቱ ተፈታዊ ዝገበሮ እንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧