ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ግብሪ ሃዋርያት ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ ግብሪ ሃዋርያት ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ግብሪ ሃዋርያት ዚጐልሕ ነጥብታት

እታ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት: ብዛዕባ ምምስራት እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸምኡውን ብዛዕባ እቲ ተኸታታሊ ዕቤታ ሰፊሕ ታሪኽ ትህብ። እዛ በቲ ሓኪም ዝነበረ ሉቃስ እተጻሕፈት መጽሓፍ እዚኣ: ብዛዕባ እቲ ኻብ 33 ድ.ክ. ክሳዕ 61 ድ.ክ. ኣብ ዝነበረ ልዕሊ 28 ዓመት እተፈጸመ ንጥፈታት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚምስጥ ጸብጻብ ትህብ።

እቲ ናይ መጀመርታ ኽፍሊ ግብሪ ሃዋርያት ብቐዳምነት ብዛዕባ ንጥፈት ሃዋርያ ጴጥሮስ ዚገልጽ ኪኸውን ከሎ: እቲ ኻልኣይ ክፋል ከኣ ብዛዕባ ንጥፈት ሃዋርያ ጳውሎስ እዩ ዚገልጽ። ሉቃስ ‘ንሕና’ እናበለ ብምዝራብ ኣብ ገሊኡ ፍጻመታት ከም እተኻፈለ ሓቢሩ ኣሎ። ነቲ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ሒዝዎ ዘሎ መልእኽቲ ምቕላብና: ንሓይሊ ቓል ኣምላኽን መንፈስ ቅዱስን ከነማስወሉ ይሕግዘና። (እብ. 4:12) ጥቕሚ ርእስና ኽንስውእ ይድርኸና: ነቲ ኣብ ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና እምነት ከኣ የደልድሎ።

ጴጥሮስ “መርሖታት መንግስተ ሰማያት” ተጠቕመ

(ግብሪ ሃዋርያት 1:1–11:18)

እቶም ሃዋርያት መንፈስ ቅዱስ ድሕሪ ምቕባሎም: ብትብዓት ምስክርነት ሃቡ። ጴጥሮስ ነቶም ‘ዘረባኡ እተቐበሉ’ ኣይሁድን ጵሮሰሊትን: ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዜእቱ ኣፍ ደገ ፍልጠትን ኣጋጣምን ንኪኸፍተሎም ካብተን “መርሖታት መንግስተ ሰማያት” ነታ ቐዳመይቲ ተጠቕመላ። (ግብ. 2:5, 41፣ ማቴ. 16:19) እቶም ደቀ መዛሙርቲ በቲ ሽዑ ዘጋጠመ ማዕበል መስጐጕቲ እኳ እንተ ተሰዱ: እዚ ነቲ ዕዮ ስብከት ከም ዜስፋሕፍሕ ገበሮ።

እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያት: ሰማርያ ቓል ኣምላኽ ከም እተቐበለት ምስ ሰምዑ: ንጴጥሮስን ዮሃንስን ሰደዱሎም። ጴጥሮስ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምእታው ኣጋጣሚ ንሳምራውያን ብምኽፋት ወይ ብምርሓው: ነታ ኻልአይቲ መርሖ ተጠቕመላ። (ግብ. 8:14-17) ምናልባት ድሕሪ ትንሳኤ የሱስ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ድማ ኣብ ህይወት ሳውል ብዓል ጠርሴስ ዜደንጹ ለውጢ ተራእየ። ኣብ 36 ድ.ክ. ጴጥሮስ ሳልሳይ መርሖ ምስ ተጠቕመ: ኣብቶም ዘይተገዝሩ ኣህዛብ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ፈሰሰ።—ግብ. 10:45

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

2:44-47፣ 4:34, 35—እቶም ኣመንቲ ጥሪቶም ሸይጦም ንኻልኦት ዚመቕሉ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧ ብዙሓት ካብቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ሰባት ካብ ርሑቝ ቦታታት ዝመጹ እዮም ነይሮም: ኣብ የሩሳሌም ንነዊሕ ዜጽንሕ እኹል ስንቂ ኸኣ ኣይነበሮምን። ይኹን እምበር: ብዛዕባ እቲ ሓድሽ እምነቶም ተወሳኺ ትምህርቲ ምእንቲ ኺረኽቡን ንኻልኦት ከኣ ምእንቲ ኺምስክሩሎምን ኢሎም ዚጸንሑሉ መዓልትታት ኬናውሑ ደለዩ። ገሊኦም ክርስትያናት ነዞም ሰባት እዚኣቶም ምእንቲ ኺሕግዝዎም ኢሎም ጥሪቶም ሸጡ: እቲ ገንዘብ ድማ ነቶም ዜድልዮም ተመቕለ።

4:13—ጴጥሮስን ዮሃንስን ኬንብቡ ወይ ኪጽሕፉ ዘይክእሉ መሃይም ድዮም ነይሮም፧ ኣይነበሩን። “ዘይተማህሩ ጭዋታት” እተባህሉ: ኣብቲ ሃይማኖታዊ ስልጠና ዝወሃበሉ ዝነበረ ኣብያተ-ትምህርቲ ረቢታት ስለ ዘይተማህሩ እዩ።

5:34-39—ሉቃስ ነቲ ገማልኤል ኣብቲ ብዕጹው እተገበረ ኣኼባ ዋዕላ እተዛረቦ ኸመይ ገይሩ ኺፍለጦ ኽኢሉ፧ ብውሕዱ ሰለስተ ኣማራጺታት ኣሎ:- (1) እቲ ቕድም ተመሃራይ ገማልኤል ዝነበረ ጳውሎስ ንሉቃስ ነጊርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ (2) ሉቃስ ከም ኒቆዲሞስ ምስ ዝኣመሰለ ሓደ ተደናጋጺ ኣባል እቲ ዋዕላ ተዘራሪቡ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ (3) ሉቃስ ነቲ ሓበሬታ ብመለኰታዊ መንፈስ ተቐቢልዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

7:59—እስጢፋኖስ ናብ የሱስ ድዩ ዚጽሊ ነይሩ፧ ኣይኰነን። ሓደ ሰብ ንየሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ኬምልኽ ስለ ዘለዎ ናብኡ ጥራይ እዩ ኺጽሊ ዚኽእል። (ሉቃስ 4:8፣ 6:12) እስጢፋኖስ ኣብ ንቡር ኵነታት እንተ ዚኸውን ነይሩ ብስም የሱስ ናብ የሆዋ ምጸለየ። (ዮሃንስ 15:16) ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ግን እስጢፋኖስ “ወዲ ሰብ . . . ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉ” ረኣየ። (ግብ. 7:56) ንምዉታት ኬተንስእ ስልጣን እተዋህቦ የሱስ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ስለ እተረድኦ ድማ ንመንፈሱ ኼዕቝበሉ ብቐጥታ ንየሱስ ተዛሪብዎ ደኣ እምበር ኣይጸለየን።—ዮሃ. 5:27-29

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:8 እቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚግበር ዓለምለኻዊ ዕዮ ምስክርነት ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ እንተ ዘይኰይኑ ብኻልእ ኪፍጸም ኣይከኣልን እዩ።

4:36–5:11 ዮሴፍ ብዓል ቆጵሮስ: በርናባስ እውን ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። በርናባስ ማለት ከኣ “ወዲ ምጽንናዕ” ማለት እዩ። በቝባቝን ሕያዋይን ሓጋዝን ስለ ዝነበረ ኸኣ እዩ እቶም ሃዋርያት በርናባስ ዚብል ስም ኣውጺኦምሉ ኪዀኑ ዚኽእሉ። ንበርናባስ ደኣ እምበር ነቶም ኣምሰሉን ግቡዛትን መታለልትን ዝነበሩ ሃናንያን ሰጲራን ክንመስሎም የብልናን።

9:23-25 ስብከትካ ንኽትቅጽል ኢልካ ኻብ ጸላእትኻ ምህዳም ፍርሂ ኣይኰነን።

9:28-30 ኣብ ገሊኡ ኸባቢታት ወይ ከኣ ንገሊኦም ሰባት ምስባኽ: ብኣካላውን ብመንፈሳውን ብስነ-ምግባራውን መዳይ ሓደገኛ ምስ ዚኸውን: መዓስን ኣበይን ክንሰብኽ ከም ዘሎና ብጥንቃቐ ኽንመርጽ ይግባእ።

9:31 ኣብ ግዜ ሰላም ብመጽናዕትን ብምስትንታንን እምነትና ኸነደልድል ይግባእ። እዚ ኸኣ ነቲ እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ብፍርሃት የሆዋ ኽንመላለስን ኣብ ኣገልግሎት ቀናኣት ክንከውንን ይሕግዘና።

ጳውሎስ ብቕንኣት ዚገብሮ ዝነበረ ኣገልግሎት

(ግብሪ ሃዋርያት 11:19–28:31)

ብ44 ድ.ክ. ኣጋቦስ ናብታ በርናባስን ሳውልን “ዓመት ምሉእ” ዚምህሩላ ዝነበሩ ኣንጾክያ መጸ። ኣጋቦስ ብዛዕባ እቲ ኽልተ ዓመት ጸኒሑ እተፈጸመ “ብርቱዕ ጥሜት” ተነበየ። (ግብ. 11:26-28) በርናባስን ሳውልን ናብ የሩሳሌም “ነቲ ረዲኤት ኣብጺሖም:” እንደገና ናብ ኣንጾክያ ተመልሱ። (ግብ. 12:25) ብ47 ድ.ክ. ማለት ሳውል እምነቱ ናብ ክርስትና ምስ ቀየረ ድሕሪ 12 ዓመት ኣቢሉ ኽልቲኦም ብመንፈስ ቅዱስ ተላኢኾም ሚስዮናዊ ጉዕዞ ጀመሩ። (ግብ. 13:1-4) ብ48 ድ.ክ. ናብታ “ንጸጋ ኣምላኽ ዘማሕጸንዎም” ኣንጾክያ ተመልሱ።—ግብ. 14:26

ድሕሪ ትሽዓተ ወርሒ ኣቢሉ ድማ ጳውሎስ (ሳውል ተባሂሉ እውን ዚጽዋዕ) መገላግልቲ ኪዀኖ ንሲላስ ሓርዩ ኻልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ጀመረ። (ግብ. 15:40) ጢሞቴዎስን ሉቃስን ንጳውሎስ ኣብ መንጎ ጕዕዞ ሓበርዎ። ሉቃስ ኣብ ፊልጲ ተረፈ: ጳውሎስ ግን ናብ ኣቴና ድሕሪኡ ኸኣ ናብ ቈረንቶስ ቀጸለ፣ ኣብ ቈረንቶስ ንኣኪላስን ጵርስኪላን ረኸቦም: ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ከኣ ምሳታቶም ተቐመጠ። (ግብ. 18:11) ጳውሎስ ኣብ መጀመርታ 52 ድ.ክ. ንጢሞቴዎስን ንሲላስን ኣብ ቈረንቶስ ገዲፉ ምስ ኣኪላስን ጵርስኪላን ብመርከብ ናብ ሶርያ ኸደ። (ግብ. 18:18) ክሳዕ ኤፌሶን ምስ ኣሰነይዎ ኸኣ ኣብኣ ተረፉ።

ጳውሎስ ኣብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ሓያሎ መዓልቲ ምስ ቀነየ: ብ52 ድ.ክ. ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ጀመረ። (ግብ. 18:23) ኣብ ኤፌሶን “ቃል ጐይታውን . . . ብሓይሊ ዐበየን በርትዔን።” (ግብ. 19:20) ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ሰለስተ ዓመት ዚኣክል ተቐመጠ። (ግብ. 20:31) ብጴንጠቈስጠ 56 ቅ.ክ. ኣቢሉ ድማ ኣብ የሩሳሌም ነበረ። ምስ ተኣስረ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ሰበ-ስልጣን ብትብዓት ምስክርነት ሃበ። ኣብ ሮሜ ንኽልተ ዓመት ዚኣክል ማለት (ካብ 59-61 ድ.ክ. ኣቢሉ) ኣብ ቤት ተኣስረ፣ ኣብኡ ኸኣ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚሰብከሉን “ብዛዕባ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ” ከኣ ዚምህረሉን ኣጋጣሚታት ረኸበ።—ግብ. 28:30, 31

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

14:8-13ህዝቢ ልስጥራ ‘ንበርናባስ ድያ: ንጳውሎስ ድማ: ሄርሜስ’ ዝበልዎ ስለምንታይ እዮም፧ ብመሰረት ኣፈ-ታሪኽ ግሪኻውያን ድያ ገዛኢ ኣማልኽቲ እዩ ነይሩ: ወዱ ሄርሜስ ከኣ ብኽእለት ዘረባኡ እዩ ዚፍለጥ ነይሩ። ጳውሎስ መራሕ ዘረባ ስለ ዝነበረ: ህዝቢ ልስጥራ ሄርሜስ በልዎ: ንበርናባስ ድማ ድያ በልዎ።

16:6, 7ጳውሎስን ብጾቱን ኣብ እስያን ቢቲንያን ንኸይሰብኩ መንፈስ ቅዱስ ዝኸልከሎም ስለምንታይ እዩ፧ ሒደት ዓየይቲ ጥራይ ስለ ዝነበሩ መንፈስ ቅዱስ ኣብቲ ዝያዳ ፍረ ዚርከቦ ኸባቢ ኪኸዱ ሓበሮም።

18:12-17—እቶም ተዓዘብቲ ንሶስቴነስ ኪዘብጥዎ ኸለዉ: ጋልዮስ እቲ ምስለኔ ስቕ ዝበለ ስለምንታይ እዩ፧ ምናልባት ጋልዮስ: ሶስቴነስ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጳውሎስ እተላዕለ እኩብ ህዝቢ መራሒ ነይሩ ኪኸውን ስለ ዚኽእል ዚግብኦ ረኺቡ ኢሉ ሓሲቡ ኪኸውን ኣለዎ። ይኹን እምበር: እዚ ዅነት እዚ ንሶስቴነስ ናብ ክርስትና ንኪቕየር መገዲ ኸፊቱሉ ኪኸውን ስለ ዚኽእል ጽቡቕ ፍረ ነይርዎ ኺበሃል ይከኣል እዩ። ጸኒሑ ጳውሎስ ንሶስቴነስ “ሓውና” ኢልዎ ኣሎ።—1 ቈረ. 1:1

18:18—ጳውሎስ እንታይ መብጽዓ እዩ እተመባጽዐ፧ ገሊኦም ምሁራት: ጳውሎስ መብጽዓ ናዝራዊ ኸም ዝነበሮ ርእይቶ ይህቡ። (ዘሁ. 6:1-21) ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ መብጽዓ ጳውሎስ እንታይ ምዃኑ ኣይጠቅስን እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን: ጳውሎስ መብጽዓ እተመባጽዐ: እምነቱ ናብ ክርስትና ቕድሚ ምቕያሩ ወይ ድሕሪኡ እንተ ዀይኑ: ወይ ድማ ነቲ መብጽዓ ይጅምሮ ወይ ይዛዝሞ እንተ ነይሩ: ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይገልጽን እዩ። እዚ ይኹን እቲ ግን እቲ መብጽዓ ሓጢኣት ኣይነበረን።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

12:5-11 ምእንቲ ኣሕዋትና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና: ክንጽሊ እውን ይግብኣና።

12:21-23፣ 14:14-18 ሄሮድስ ንኣምላኽ ጥራይ ዚግባእ ክብሪ ስቕ ኢሉ ተቐበለ። ካብቶም ዘይግባእ ውዳሰን ክብርን ምስ ተዋህቦም ብኡንብኡ ኣትሪሮም ዝነጸግዎ ጳውሎስን በርናባስን ክሳዕ ክንደይ እተፈልየ ዀን እዩ ነይሩ! ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝዀነ ይኹን ዕማም ንዕመም ብዘየገድስ ክብሪ ኽንደሊ የብልናን።

14:5-7 ብልሓት ኣብ ኣገልግሎት ንጡፋት ክንከውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—ማቴ. 10:23

14:22 ክርስትያናት ጸበባ ኼጋጥሞም ይጽበዩ እዮም። ኣብ እምነቶም ብምልምላም ካብኡ ኼምልጡ ድማ ኣይፍትኑን እዮም።—2 ጢሞ. 3:12

16:1, 2 ክርስትያን መንእሰያት: ብመንፈስ ንጡፋት ኪዀኑ ኺጽዕሩን ጽቡቕ ስም ንኼጥርዩ ሓገዝ የሆዋ ኺደልዩን ይግባእ።

16:3 እቲ ብስራት ብኻልኦት ተቐባልነት ንኺረክብ ምስ ስርዓታት ቅዱሳት ጽሑፋት ተሰማሚዕና ዚከኣለና ዘበለ ኽንገብር ይግባእ።—1 ቈረ. 9:19-23

20:20, 21 ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድካ ዚወሃብ ምስክርነት ኣገዳሲ መዳይ ኣገልግሎትና እዩ

20:24፣ 21:13 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎና ንጽህና ምሕላው: ንህይወትና ኻብ ሞት ካብ ምድሓን ንላዕሊ ኣገዳስነት ኣለዎ።

21:21-26 ጽቡቕ ምኽሪ ኺወሃበና ኸሎ ብፍታው ክንቅበሎ ይግባእ።

25:8-12 ሎሚ ክርስትያናት “ብናይ ወንጌል ምምጽራይን ምጽናዕን” ዝመጸ ንሕጋዊ ስርዓት ኪጥቀሙሉ ይኽእሉ እዮም: ኪጥቀሙሉ ኸኣ ይግባእ።—ፊል. 1:7

26:24, 25 “ቃል ሓቅን ኣእምሮን” ንሓደ “ስጋዊ ሰብ” ዕሽነት እኳ እንተ ዀነ: ንሕና ግን ነዚ ቓል እዚ ኽንሰብኽ ኣሎና።—1 ቈረ. 2:14

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ጴጥሮስ “መርሖታት መንግስተ ሰማያት” እተጠቕመ መዓስ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ምስክርነት ብዘይ ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ኪፍጸም ኣይከኣልን እዩ