ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽቡቕ ግበሩ

ጽቡቕ ግበሩ

ጽቡቕ ግበሩ

“ጽቡቕ ከኣ ግበሩ።”—ሉቃ. 6:35

1, 2. ንኻልኦት ጽቡቕ ምግባር መብዛሕትኡ ግዜ በዳሂ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

 ንኻልኦት ጽቡቕ ምግባር: በዳሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቶም ፍቕሪ እነርእዮም: ብምላሹ ፍቕሪ ኣየርእዩናን ይዀኑ። ንሰባት እቲ ኽቡር “ወንጌል ናይቲ ብሩኽ ኣምላኽ”ን ወዱን ብምክፋል ንመንፈሳዊ ጽቡቖም እኳ እንተ ደለና: ዘይግደሱ ወይ ዘየማስዉ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (1 ጢሞ. 1:11) ገሊኦም ከኣ “ጸላእቲ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ክርስቶስ” ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ፊል. 3:18 NW) ከም ክርስትያናት መጠን ብኸመይ ኢና ኽንሕዞም ዘሎና፧

2 የሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ: “ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ጽቡቕ ከኣ ግበሩ” በሎም። (ሉቃ. 6:35) ሕጂ ነዚ ማዕዳ እዚ እስከ ንመርምሮ። ንኻልኦት ጽቡቕ ብዛዕባ ምግባር የሱስ ካብ ዝሃቦ ኻልእ ነጥብታት እውን ክንጥቀም ኢና።

“ጸላእትኹም ኣፍቅሩ”

3. (ሀ) ነቲ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 5:43-45 ዝበሎ ብናትካ ቓላት ግለጾ። (ለ) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ብዛዕባ ኣይሁድን ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባትን እንታይ ኣረኣእያ ኣሕደሩ፧

3 የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ፍሉጥ ስብከቱ ንሰማዕቱ: ንጸላእቶም ኬፍቅሩን ንዚሰጕዎም ኪጽልዩን ነገሮም። (ማቴዎስ 5:43-45 ኣንብብ።) እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰማዕቱ ኣይሁድ እዮም ነይሮም፣ ንሳቶም ድማ ነቲ: “ንደቂ ህዝብኻ ሕነ ኣይትፍደን ኣይትቀየምን: ንብጻይካስ ከም ርእስኻ ደኣ ፍተዎ” ዚብል ትእዛዝ ኣምላኽ ይፈልጥዎ ነበሩ። (ዘሌ. 19:18) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ: እተን “ንደቂ ህዝብኻ” ከምኡውን “ንብጻይካ” ዚብላ ቓላት ንኣይሁድ ጥራይ ከም ዜመልክታ ይኣምኑ ነበሩ። ሕጊ ሙሴ ንእስራኤላውያን ካብ ካልኦት ኣህዛብ ኪፍለዩ ይእዝዞም ነበረ፣ ኣይሁድ ግን ኵሎም ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት ብውልቂ እውን ዚጽልኡ ጸላእቲ ኸም ዝዀኑ ገይሮም ኪርእይዎም ጀመሩ።

4. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንጸላእቶም ብኸመይ ኪሕዝዎም ኣለዎም፧

4 የሱስ ግን ብኣንጻሩ: “ንዚጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ: ስለቶም ዚጸርፍኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ” በለ። (ማቴ. 5:44) ደቀ መዛሙርቱ ንዅሎም እቶም ዚጸልእዎም ብፍቕራዊ መገዲ ኺሕዝዎም ከም ዚግባእ ገለጸ። ብመሰረት ወንጌል ሉቃስ: የሱስ: “ንኣኻትኩም ንትሰምዑ ግና እብለኩም አሎኹ፤ ጸላእትኹም ኣፍቅሩ: ንዚጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ። ንዚረግሙኹም መርቑ: ምእንቲ እቶም ዚጸርፍኹም ጸልዩ” በለ። (ሉቃ. 6:27, 28) ንሕና እውን ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ነቲ የሱስ ዝበሎም ኣብ ልቦም ዘሕደሩ ውልቀ-ሰባት: ንጽልኦም ብለውሃት ብምምላስ ‘ንዚጸልኡና ጽቡቕ ንገብር’ ኢና። ‘ንዚረግሙና’ ብሕያውነት ብምዝራብ ‘ንምርቕ’ ኢና። ምእንቲ እቶም ብኣካላዊ ማህሰይቲ ወይ ብኻልእ ዓይነት ‘ጸርፊ’ ‘ዚሰጉና ንጽሊ’ ኢና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት: ልቢ ሰጐጕትና ኪቕየርን ሞገስ የሆዋ ኺረኽቡ ዜኽእሎም ስጕምቲ ኺወስዱን ንየሆዋ ስለ እንልምኖ: ንጸላእትና ኸም እነፍቅሮም ነርኢ ኢና።

5, 6. ንጸላእትና ኸነፍቅሮም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

5 ንጸላእትና ፍቕሪ ኸነርእዮም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ የሱስ: “ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኽትኰኑ” ብምባል መልሲ ይህበና። (ማቴ. 5:45) ነዚ ምኽሪ እዚ እንተ ስዒብና: ነቲ “ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ [ዜ]ብርቕ: ንጻድቃንን ሓጥኣንን ድማ ዝናም [ዜ]ዝንም” የሆዋ ስለ እንመስሎ: በዚ ኸምዚ “ውሉድ” ኣምላኽ ንኸውን። ከምቲ ወንጌል ሉቃስ እትገልጾ: ኣምላኽ “ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርሕሩሕ እዩ።”—ሉቃ. 6:35

6 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: ‘ንጸላእቶም ምፍቃር’ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምጕላሕ ከምዚ በሎም:- “ነቶም ዚፈትዉኹም እንተ ፈቶኹም: እንታይ ዓስቢ አሎኩም፧ ተገውትስ ከምኡዶ ይገብሩ ኣይኰኑን፧ ነሕዋትኩም ጥራይ ብጽቡቕ እንተ ተቐበልኩምከ [“ሰላምታ እንተ ሃብኩምከ:” ትርጕም 1990]: እንታይ ሓለፋ ገበርኩም፧ ኣህዛብሲ ኸምኡዶ ይገብሩ ኣየለዉን፧” (ማቴ. 5:46, 47) ፍቕርና ኣብቶም ጽቡቕ ምላሽ ዚህቡና ጥራይ እንተ ሓጺርናዮ: ካብ ኣምላኽ “ዓስቢ” ወይ ሞገስ ኣይንረክብን ኢና። እቶም ብሓፈሻኡ ዚነዓቑ ዝነበሩ ተገውቲ እውን ከይተረፉ: ነቶም ዚፈትውዎም ሰባት ይፈትዉ ነይሮም እዮም።—ሉቃ. 5:30፣ 7:34

7. ‘ንኣሕዋትና’ ጥራይ ሰላምታ ንህብ እንተ ዄንና: ዋላ ሓንቲ ሓለፋ ኸም ዝገበርና ዘይቍጸር ስለምንታይ እዩ፧

7 ኣይሁድ ብልምዲ ሰላምታ ዚወሃሃቡሉ መገዲ: “ሰላም” እትብል ቃል ዜጠቓልል እዩ። (መሳ. 19:20፣ ዮሃ. 20:19) እዚ ድማ ነቲ ሰላምታ እትህቦ ሰብ ጽቡቕ ጥዕናን ድሕንነትን ብልጽግናን ኪህልዎ ትምኒትካ እትገልጸሉ እዩ። ነቶም ከም ‘ኣሕዋትና’ እንቘጽሮም ጥራይ ሰላምታ እንተ ሂብና: ዋላ ሓንቲ “ሓለፋ” ኣይገበርናን። ከምቲ የሱስ ዝሓበሮ: “ኣህዛብ” እውን ከምኡ ይገብሩ እዮም።

8. የሱስ “ፍጹማት ኩኑ” ኺብል ከሎ: ንሰማዕቱ እንታይ ኪገብሩ እዩ ዜተባብዕ ነይሩ፧

8 ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ሓጢኣት ዝወረሱ ብምዃኖም: ኣበር ዘይብሎምን ፍጹማትን ኪዀኑ ኣይክእሉን እዮም። (ሮሜ 5:12) ኰይኑ ግን: የሱስ ነዚ ኽንጠቕሶ ዝጸናሕና ኽፋል መደረኡ: “ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ: ንስኻትኩምውን ፍጹማት ኩኑ” ብምባል ዛዘሞ። (ማቴ. 5:48) በዚ ኸምዚ ድማ ሰማዕቱ ንፍቕሮም ፍጽምቲ ብምግባር ወይ ንጸላእቶም ብዘላቶም ፍቕሪ ምልእቲ ብምግባር: ነቲ “ሰማያዊ ኣቦኦም” ዝዀነ የሆዋ ኺመስልዎ ኣተባብዖም። ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር እዩ ትጽቢት ዚግበረልና።

በደል ክንሓድግ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

9. “በደልና ሕደገልና” ዚብላ ቓላት እንታይ ማለት እየን፧

9 ንሓደ ዝበደለና ብምሕረት በደሉ ኽንሓድገሉ ኸለና: ጽቡቕ ኢና እንገብር። ኣብታ የሱስ ዝሃበና ኣብነት እትኸውን ጸሎት እውን: “ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎም: በደልና ሕደገልና” ዚብል ቃላት ኣሎ። (ማቴ. 6:12) የሱስ “በደልና” ኺብል ከሎ ሓጢኣትና ማለቱ ምዃኑ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ተሓቢሩ ኣሎ፣ እታ ጥቕሲ: “ንሕና ንዝበደሉና ዅሎም ይቕረ ንብል ኢና እሞ: ሓጢኣትና ይቕረ በለልና” ትብል።—ሉቃ. 11:4

10. በደል ብምሕዳግ ዝመጸ ንኣምላኽ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧

10 ነቲ ንሓጢኣተኛታት ብኸምኡ ዚሓድገሎም ኣምላኽና ኽንመስሎ ኣሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ: “ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም: ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም: ይቕረ ተባሃሀሉ” ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌ. 4:32) ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር እውን ከምዚ ኢሉ ዘመረ:- “እግዚኣብሄር ርሕሩሕን መሓርን እዩ: ንዅራ ደንጓዪ: ብሳህሊ ድማ ምሉእ እዩ። . . . ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይገብረናን: ከም መጠን ኣበሳና ድማ ኣይፈድየናን እዩ። . . . ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ: ከምኡ ንኣበሳና ኻባና ኣርሐቖ። ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርሕርሓሎም: ከምኡ እግዚኣብሄር ንዚፈርህዎ ይርሕርሓሎም እዩ። ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ: ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ።”—መዝ. 103:8-14

11. ኣምላኽ ንመን እዩ በደሎም ዚሓድገሎም፧

11 ሰባት ንበደል ካልኦት ይቕረ እንተ ኢሎም ጥራይ እዮም ኣምላኽ በደሎም ኪሓድገሎም ዚኽእል። (ማር. 11:25) የሱስ ነዚ ነጥቢ እዚ ኼጕልሕ ከሎ: “ንሰብ በደሎም እንተ ሐደግኩምሎም: ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሐድገልኩም እዩ። ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሐደግኩምሎም ግና: ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሐድገልኩምን እዩ” በለ። (ማቴ. 6:14, 15) እወ: ኣምላኽ ነቶም ንኻልኦት በደሎም ዚሓድጉሎም ጥራይ እዩ ይቕረታ ዚገብር። ሓደ ኻብቲ ጽቡቕ እንገብረሉ መገዲ ድማ: “ከምቲ [“የሆዋ:” NW] ይቕረ ዝበለልኩም: ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ” ንዚብል ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ምስዓብ እዩ።—ቈሎ. 3:13

“ኣይትፍረዱ”

12. ንኻልኦት ምፍራድ ብዚምልከት የሱስ እንታይ ምኽሪ ሃበ፧

12 ካልእ ጽቡቕ እንገብረሉ መገዲ: የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ንሰማዕቱ ኸይፈርዱ ድሕሪ ምምሕጻኑ: ነዚ ነጥቢ እዚ ንምጕላሕ ሓያል ምሳሌ ብምጥቃም ገሊጽዎ ኣሎ። (ማቴዎስ 7:1-5 ኣንብብ።) የሱስ “ኣይትፍረዱ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ ምዃኑ እስከ ንመርምር።

13. ሰማዕቲ የሱስ ‘ዚሓድጉ’ ብኸመይ እዮም፧

13 ወንጌል ማቴዎስ ንቓላት የሱስ: “ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ” ብምባል ትጠቅስ። (ማቴ. 7:1) ብመሰረት ሉቃስ ከኣ: የሱስ: “ኣይትፍረዱ ኣይክትፍረዱን ኢኹም: ኣይትዀንኑ ኣይክትኵነኑን ድማ ኢኹም: ሕደጉ ኺሕደገልኩም እዩ” በለ። (ሉቃ. 6:37) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ፈሪሳውያን ኣብ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታቶም ተመርኲሶም ንኻልኦት ብሕማቕ ይፈርዱ ነበሩ። ነቶም ከምኡ ዚገብሩ ዝነበሩ ሰማዕቲ የሱስ: ‘ከይፈርዱ’ ተነግሮም። ኣብ ክንዳኡስ: ‘ኪሓድጉ:’ ማለት ንኻልኦት ጕድለቶም ይቕረ ኺብሉሎም ነበሮም። ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ: ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ይቕረ ምባል ተመሳሳሊ ምኽሪ ሂቡ ኣሎ።

14. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ይቕረ ብምባሎም: ንሰባት እንታይ ኪገብሩ እዮም ዚድርኽዎም፧

14 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ይቕረ ብምባሎም: ካልኦት ሰባት ይቕረ ናይ ምባል መንፈስ ንኺህልዎም ይድርኹ። የሱስ: “ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም: ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ” በለ። (ማቴ. 7:2) ንኻልኦት ብዘሎና ኣተሓሕዛ ብዚምልከት: ዝዘራእናዮ ኢና እንዓጽድ።—ገላ. 6:7

15. እምብዛ ነቓፊ ምዃን ጌጋ ምዃኑ: የሱስ ብኸመይ ሓበረ፧

15 የሱስ: እምብዛ ነቓፊ ምዃን ክሳዕ ክንደይ ጌጋ ምዃኑ ንምሕባር ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ኸም ዝሓተተ ዘክር:- “ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካስ: ንምንታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ: ዘሎ በሰር እትርኢ፧ ወይስ ከመይ ጌርካ ንሓውኻ: ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒ: ትብሎ፧ እንሆ: ጕንዲ ኣብ ዓይንኻ አሎ።” (ማቴ. 7:3, 4) ንኻልኦት ናይ ምንቃፍ ባህርይ ዘለዎ ሰብ ከም ሓደ ኣብ “ዓይኒ” ሓዉ ንዘላ ንእሽቶ ኣበር ዜተኵር ጌርካ ተመሲሉ ኣሎ። እቲ ነቓፊ: ሓዉ ግጉይ ምርዳእ ወይ ሕማቕ ምምዝዛን ከም ዘለዎ እዩ ሓሳብ ዚህብ ዘሎ። እቲ ጕድለት ከም በሰር ንእሽቶ ኽነሱ: ንሓዉ ግን “ከውጽኣልካ” ይብሎ። ንሓዉ ዝያዳ ኸነጽረሉ ኢሉ ብግብዝና ገዛእ ርእሱ የቕርብ።

16. ፈሪሳውያን ኣብ ዓይኖም “ጕንዲ” ነይርዎም ኪበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

16 ብፍላይ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ንኻልኦት እምብዛ ይነቕፉ ነበሩ። ንኣብነት: ሓደ ዕዉር ሰብኣይ ብክርስቶስ ምስ ሓወየ እሞ: ብዛዕባ የሱስ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጸ ምስ ተዛረበ: እቶም ፈሪሳውያን: “ንስኻ ዅለንትናኻ ብሓጢኣት እተወለድካ ኢኻ: ንስኻዶ ንኣና ትምህረና አሎኻ፧” ኢሎም መለሱሉ። (ዮሃ. 9:30-34) እቶም ፈሪሳውያን ኣብ መንፈሳዊ ኣረኣእያኦምን ኣብቲ ብግቡእ ናይ ምፍራድ ክእለቶምን: ኣብ ዓይኖም “ጕንዲ” ነበሮም: ምሉእ ብምሉእ እውን ዕዉራት ነበሩ። ስለዚ ድማ የሱስ: “ኣታ ግብዝ: ቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውጽእ። ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ” በለ። (ማቴ. 7:5፣ ሉቃ. 6:42) ጽቡቕ ክንገብርን ንኻልኦት ብጽቡቕ ክንሕዞምን እንተ ቘሪጽና: ብምሳልያዊ ኣበሃህላ ወትሩ ኣብ ዓይኒ ሓውና በሰር እንደሊ ነቐፍቲ ኣይንኸውንን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ: ዘይፍጹማት ምዃንና ስለ እንእመን: ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኣይንፈርዶምን ወይ ኣይንነቕፎምን ኢና።

ንኻልኦት ብኸመይ ክንሕዞም ከም ዘሎና

17. ንማቴዎስ 7:12 ኣብ ግምት ብምእታው: ንኻልኦት ብኸመይ ክንሕዞም ይግባእ፧

17 የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ: ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ጸሎቶም ብምምላስ ኣባታዊ ባህርዩ ኸም ዜርእዮም ሓቢሩ ኣሎ። (ማቴዎስ 7:7-12 ኣንብብ።) የሱስ: “ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም” ዚብል ሕጊ ምሃቡ ኸነስተብህለሉ ይግባእ። (ማቴ. 7:12) ንሰባት በዚ ኸምዚ እንተ ሒዝናዮም ጥራይ ኢና: ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ምዃንና ኸነመስክር እንኽእል።

18. ንኻልኦት ከምቲ ኺሕዙና እንደልዮም ጌርና ኽንሕዞም ከም ዘሎና “ኦሪት” ዚሕብር ብኸመይ እዩ፧

18 የሱስ ንኻልኦት ከምቲ ኺሕዙና እንደልዮም ጌርና ኽንሕዞም ከም ዘሎና ኺዛረብ ከሎ: ምስኡ ኣተሓሒዙ: “ኦሪትን ነብያትን እዚ እዩ” በለ። ንኻልኦት ከምቲ የሱስ ዝጠቐሶ ጌርና ኽንሕዞም ከለና: ምስቲ ኣብ “ኦሪት” ወይ ኣብተን ካብ ዘፍጥረት ክሳዕ ዘዳግም ዘለዋ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓሳብ ተሰማሚዕና ኢና እንመላለስ። እዘን መጻሕፍቲ እዚኣተን የሆዋ ንእከይ ዜጥፍእ ዘርኢ ኼምጽእ ዕላማኡ ምዃኑ ኣብ ልዕሊ ምግላጸን: ነቲ ብ1513 ቅ.ክ. ኣምላኽ ብሙሴ ኣቢሉ ንህዝቢ እስራኤል ዝሃቦም ሕጊ ሒዘን ኣለዋ። (ዘፍ. 3:15) ገለ ኻብቲ እቲ ሕጊ ንእስራኤላውያን ንጹር ዝገበረሎም ነገር: ፍትሓውያን ኪዀኑ: ኣድልዎ ኸይገብሩ: ኣብ ምድሮም ንዘሎ ድኻን ስደተኛን ጽቡቕ ኪገብሩ ኺጥቀስ ይከኣል።—ዘሌ. 19:9, 10, 15, 34

19. እቲ “ነብያት” ተባሂሉ ዘሎ ጽሑፋት: ጽቡቕ ክንገብር ከም ዘሎና ዚሕብረና ብኸመይ እዩ፧

19 የሱስ “ነብያት” ኪብል ከሎ: ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዚርከብ ትንቢታዊ መጻሕፍቲ እዩ ዜመልክት ነይሩ። እዚ ጽሑፋት እዚ ኣብ ክርስቶስ ዚፍጸም መሲሓዊ ትንቢታት ሒዙ ኣሎ። ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ኣምላኾም ቅኑዕ ዘበለ እንተ ገይሮምን ንኻልኦት ብግቡእ እንተ ሒዞምን: ንሱ ኸም ዚባርኾም እውን ተገሊጹ ኣሎ። ንኣብነት: ትንቢት ኢሳይያስ ንእስራኤላውያን: “እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል: . . . ፍርዲ ሐልዉ ጽድቂውን ግበሩ። እቲ ነዚ ዚገብር ሰብ: ብእኡ ዚጸንዕ: . . . እከይ ከይገብርውን ኢዱ ዚሕሉ ወዲ ሰብ ብጹእ እዩ።” (ኢሳ. 56:1, 2) እወ: ኣምላኽ ንህዝቡ ጽቡቕ ኪገብሩ ይጽበዮም እዩ።

ወትሩ ንኻልኦት ጽቡቕ ግበር

20, 21. እቶም ህዝቢ ነቲ የሱስ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ምስ ሰምዑ ኸመይ ተሰምዖም፧ ንሕና ነቲ ትምህርቱ ኸነስተንትነሉ ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧

20 ካብቲ የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ መወዳድርቲ ዘይብሉ ስብከቱ ዚርከብ ሓያሎ ነጥብታት: ሒደት ጥራይ ኢና ርኢና። ኰይኑ ግን: እቶም ነቲ ዘረባኡ ዝሰምዑ ሰባት እተሰምዖም ስምዒት ኪርድኣና ይኽእል እዩ። እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ኰነ ድማ: የሱስ ነዚ ነገርዚ ምስ ወድኤ: ከም ጸሓፍቶም ዘይኰነስ: ስልጣን ከም ዘለዎ ይምህሮም ነበረ እሞ: እቶም ህዝቢ ብምህሮኡ ተገረሙ።”—ማቴ. 7:28, 29

21 የሱስ ክርስቶስ ብርግጽ እቲ ብትንቢት እተነግረሉ “ግሩም: መካር” ምዃኑ ኣመስኪሩ እዩ። (ኢሳ. 9:6) እቲ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት ነቲ የሱስ ብዛዕባ ኣረኣእያ ሰማያዊ ኣቦኡ ዘለዎ ፍልጠት ዚሕብር ቀንዲ ኣብነት እዩ። ኣብ ልዕሊ እዚ እተመያየጥናሉ ነጥብታት: ናይ ሓቂ ሓጐስ ዚርከበሉ መገዲ: ካብ ርኽሰት እትርሕቀሉ ኣገባብ: ጽድቂ እትገብረሉ መገዲ: መጻኢና ውሕስነት ዘለዎን ዜሐጕስን ንኪኸውን ክንገብሮ ዚግባእ ነገራት: ከምኡውን ሓያሎ ኻልእ ጕዳያት ተጠቒሱ ኣሎ። እሞኸ ማቴዎስ ምዕራፍ 5 ኽሳዕ 7 ስለምንታይ ብጥንቃቐን ብጸሎትን ደጊምካ ዘይተንብቦ፧ ነቲ ኣብኡ ዚርከብ ግሩም ምኽሪ የሱስ ኣስተንትነሉ። ነቲ ክርስቶስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ እተዛረቦ ነገር ኣብ ህይወትካ ዕየየሉ። ሽዑ ንየሆዋ ኸተሐጕሶ: ንኻልኦት ብግቡእ ክትሕዞም: ከምኡውን ጽቡቕ ክትገብር ኢኻ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ንጸላእትና ብኸመይ ኢና ኽንሕዞም ዘሎና፧

• በደል እንሓድግ ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• የሱስ ንኻልኦት ብዛዕባ ምፍራድ እንታይ በለ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ስለምንታይ “ኣይትፍረዱ” ኸም ዝበለ ትፈልጥዶ፧

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ምእንቲ እቶም ዚሰጉና ኽንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ንኻልኦት ከምቲ ኺሕዙኻ እትደልዮም ጌርካ ዲኻ ወትሩ እትሕዞም፧

ብመሰረት ማቴዎስ 7:12 ንኻልኦት ብኸመይ ክንሕዞም ኣሎና፧