ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሃዋርያ ጳውሎስ “ብዘሎ እስራኤል ኪድሕን እዩ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (ሮሜ 11:26) ከምዚ ኺብል ከሎ ዅሎም ኣይሁድ: ክርስትያናት ኪዀኑ እዮም ማለቱ ድዩ ነይሩ፧

ኣይፋሉን: ከምኡ ማለቱ ኣይነበረን። እቶም ብስጋ ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀኑ ህዝቢ: ከም ህዝቢ መጠን ንየሱስ ከም መሲሕ ኣይተቐበልዎን። ኣብቲ ድሕሪ ሞት የሱስ ዝነበረ ዓመታት ኵሎም ኣይሁድ ብጃምላ ክርስትያናት ከም ዘይኰኑ ንጹር ኰነ። እቲ “ብዘሎ እስራኤል ኪድሕን እዩ” ዚብል ቃላት ጳውሎስ ግን ጌጋ ኣይኰነን። በየናይ መገዲ፧

የሱስ ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ: “መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ክትውሰድ: ፍሪኣ ንዚፈሪ ህዝቢውን ክትውሀብ እያ” ኢልዎም ነይሩ። (ማቴ. 21:43) ህዝቢ እስራኤል ብሓፈሻ ንየሱስ ስለ ዝነጸግዎ: የሆዋ ቘላሕታኡ ናብቶም ብመንፈስ እስራኤላውያን ዝዀኑ ሓድሽ ህዝቢ ገበረ። ጳውሎስ ነዚኣቶም “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ኢሉ ጸወዖም።—ገላ. 6:16

ካልእ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ዚርከብ ጥቕስታት: እቲ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” በቶም 144,000 ዝቝጽሮም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ዝቘመ ምዃኑ የረጋግጸልና እዩ። (ሮሜ 8:15-17፣ ራእ. 7:4) እቲ ኣብ ራእይ 5:9, 10 ዘሎ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት “ካብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን” ዚወጹ ምዃኖም ዚገልጽ ሓሳብ: እዚ ጕጅለ እዚ ኣይሁድ ንዘይኰኑ ሰባት ዜጠቓልል ምዃኑ እዩ ዜረጋግጽ። እቶም ኣባላት መንፈሳውያን እስራኤል ‘መንግስትን ካህናትን ኪዀኑ: ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱ እዮም’ እተመረጹ። የሆዋ ዋላ እውን ንእስራኤላውያን ብሓፈሻ ኸም ሕሩያት ህዝቢ ገይሩ ምርኣዩ እንተ ገደፎ: ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ግን ምስኡ ኺዕረቑ ይኽእሉ ነበሩ። ሃዋርያትን ካልኦት ብዙሓት ቀዳሞት ክርስትያናትን ምስ ኣምላኽ ተዓሪቖም እዮም። ሓቂ እዩ: ኣይሁድ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ደቂ ሰብ ብደም የሱስ ክርስቶስ ኪዕደጉ ነይርዎም እዩ።—1 ጢሞ 2:5, 6፣ እብ 2:9፣ 1 ጴጥ 1:17-19

እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ መብዛሕትኦም ኣይሁድ ነቲ መጋዝእቲ የሱስ ናይ ምዃን ዝነበሮም ኣጋጣሚ እኳ እንተ ኣጥፍኡ: ንዕላማ የሆዋ ግን ከም ዚተዓናቐፍ ኣይገበሮን። የሆዋ ብነብዪኡ ኣቢሉ: “እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ: ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ: ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር: ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ” ስለ ዝበለ: ዕላማኡ ኸቶ ኣይተዓናቐፍን እዩ።—ኢሳ. 55:11

ኣምላኽ ነቶም 144,000 ምስ ወዱ ኣብ ሰማይ ሓቢሮም ኪገዝኡ ዝገበሮ ዕላማ እውን ኣይተዓናቐፍን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ቍጽሪ እቶም ብኣምላኽ ዚቕብኡ ክርስትያናት 144,000 ምዃኑ ብንጹር ይገልጸልና እዩ። ካብዚ እተመደበ ቝጽሪ እዚ: ሓደ እኳ ኣይጐድልን እዩ!—ራእ 14:1-5

ስለዚ እምበኣር: ጳውሎስ “ብዘሎ እስራኤል ኪድሕን እዩ” ኢሉ ምጽሓፉ: ብዘለዉ ኣይሁድ ክርስትያናት ከም ዚዀኑ ኣይኰነን ዚንበ ነይሩ። የግዳስ: እቲ ኣምላኽ እቶም 144,000 ዝቝጽሮም ብመንፈስ እስራኤላውያን: ምስ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ኰይኖም ኪገዝኡ ዘለዎ ዕላማ ኺፍጽሞ ምዃኑ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ዅሎም እቶም 144,000 ወይ “ብዘሎ እስራኤል” ናብ ድሕነት ኪመጹ: ኣብ መሲሓዊት መንግስቲ ድማ መንግስትን ካህናትን ኰይኖም ኪገዝኡ እዮም።—ኤፌ. 2:8

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ቅቡኣት “ካብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን” ዝመጹ እዮም