ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ” ኣይትሕደጋ

“ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ” ኣይትሕደጋ

“ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ” ኣይትሕደጋ

“ነቲ ዘሎካ ኣጽኒዕካ ሐዞ።”—ራእ. 3:11

1, 2. ብዛዕባ የሆዋ እተመሃርካዮ ነገራት ሓቂ ምዃኑ ምስ ኣመንካሉ ኸመይ ተሰሚዑካ፧

 ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንእዙዛት ደቂ ሰብ ዘዳለዎ ዜደንቕ ተስፋ ንፈለማ ግዜ ዝፈለጥካሉ እዋን ትዝክሮዶ፧ ቅድሚኡ ሰዓቢ ኻልእ ሃይማኖት እንተ ኔርካ: ዕላማታት ኣምላኽ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኪግለጸልካ ኸሎ ወይ ኣብ ሓደ እዋን ንምርዳኡ ዜጸግመካ ዝነበረ ትምህርትታት ኪንጽረልካ ኸሎ ኸመይ ተሰሚዑካ፧ ተታሊልካ ምንባርካ ኣስተውዒልካ ትኸውን። እቲ ብርሃን ምስ በርሃልካ ግን ሓጐስካ ወሰን ኣይነበሮን! ክርስትያን ወለዲ ዘዕበዩኻ እንተ ደኣ ዄንካ: ብዛዕባ የሆዋ እተመሃርካዮ ነገራት ሓቂ ምዃኑ ምስ ኣመንካሉን ምስኡ ተሰማሚዕካ ኽትመላለስ ምስ ወሰንካን እተሰምዓካ ስምዒት ትዝክሮዶ፧—ሮሜ 12:2

2 ብዙሓት ብመንፈስ ኣሕዋትካ ኣዝዮም ከም እተሓጐሱን ናብ የሆዋ ኸም ዝቐረቡን ናብኡ ስለ ዝሰሓቦም ድማ ከም ዘማሰዉሉን እዮም ዚዝክሩ። (ዮሃ. 6:44) ሓጐሶም ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ንኺሳተፉ ደረኾም። ብታሕጓስ ስለ እተመልኡ: ስምዒቶም ንዅሉ ኼካፍሉ ደለዩ። ንስኻኸ ተመሳሳሊ ተመክሮ ዲኻ ኣሕሊፍካ፧

3. የሱስ ናብታ ኣብ ኤፌሶን ዝነበረት ጉባኤ መልእኽቲ ኣብ ዝለኣኸሉ እዋን: እታ ጉባኤ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እያ ነይራ፧

3 የሱስ ነታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ኤፌሶን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ: ብዛዕባ እታ “ቐዳመይቲ ፍቕሪ” ተዛሪብዋ እዩ። ሰብ ኤፌሶን ብዙሕ ዚነኣድ ባህርያት እኳ እንተ ነበሮም: እታ ኣብ ሓደ እዋን ንየሆዋ ዝነበረቶም ፍቕሪ ግን ሃሲሳ ነበረት። ስለዚ ድማ የሱስ ከምዚ በሎም:- “ግብርኻን ጻዕርኻን ትዕግስትኻን: ነቶም እኩያት ሰባትውን ክትጾሮም ከም ዘይከአልካን: ነቶም ሃዋርያት ኢና ዚብሉ እሞ ዘይኰኑ: ተዐዚብካዮምሲ ሓሰውቲ ዀይኖም ከም ዝረኸብካዮምን: እፈልጥ አሎኹ። ትዕግስቲ ኸኣ አሎካ: ስለ ስመይ ኢልካውን ተጻወርካ: ኣይሰልኬኻን። ግናኸ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሐዲግካያ ኢኻ እሞ እዚ ረኺበልካ አሎኹ።”—ራእ. 2:2-4

4. የሱስ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝለኣኾ መልእኽቲ ሎሚ እውን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

4 ነቶም ካብ 1914 ኣትሒዞም ዝነበሩ ቕቡኣት ክርስትያናት ኣብ እተወሰነ እዋን ዘጋጠሞም ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው: እቲ የሱስ ንጉባኤ ኤፌሶንን ነተን ኣብ ራእይ ዮሃንስ ተጠቒሰን ዘለዋ ኻልኦት ጉባኤታትን ዝሃበን ምኽሪ ኣገዳሲ እዩ። (ራእ. 1:10) ኰይኑ ግን: ሕጂ እውን እንተ ዀነ: ገሊኦም ክርስትያናት ነታ ንየሆዋን ንክርስትያናዊት ሓቅን ዝነበረቶም “ቀዳመይቲ ፍቕሪ” ኺሓድግዋ ይኽእሉ እዮም። እምበኣር: ንተመክሮታትካ ብምዝካርን ብዛዕባኡ ብምስትንታንን: ነቲ ንኣምላኽን ንሓቅን ዝነበረካ ፍቕርን ቅንኣትን ብኸመይ ክትዕቅቦን ከተሐድሶን ክትሃንጾን ከም እትኽእል እስከ ንመርምር።

ሓቂ ኸም ዝረኸብካ ዘእመነካ እንታይ እዩ፧

5, 6. (ሀ) ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን እንታይ እዩ ንርእሱ ኼእምን ዘለዎ፧ (ለ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቂ ኸም ዚምህሩ ዘእመነካ እንታይ እዩ፧ (ሐ) ንሓደ ሰብ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕሩ ንኼሐድሳ ኺሕግዞ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

5 ርእሱ ንየሆዋ ዝወፈየ ዘበለ ዅሉ: ፈለማ “እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ” እንታይ ምዃኑ ባዕሉ ‘መርሚሩ’ ኼረጋግጽ ኣለዎ። (ሮሜ 12:1, 2) እዚ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ምፍላጥ የጠቓልል። ንሓደ ሰብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቂ ኸም ዚምህሩ ዜእምኖ ነጥቢ ኻብቲ ንኻልእ ሰብ ዜእምኖ ነጥቢ ኺፍለ ይኽእል እዩ። ገሊኦም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስም ኣምላኽ ምስ ረኸቡ ወይ ናይ ሓቂ ዅነታት ምዉታት ምስ ተረድኡ ኣረኣእያኦም ከም እተቐየረ ይዝክሩ። (መዝ. 83:18፣ መክ. 9:5, 10) ገሊኦም ከኣ በታ ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ዘላ ፍቕሪ እያ ተሳሒቦም። (ዮሃ. 13:34, 35) ገሊኦም ድማ ካብ ዓለም ዘይምዃን እንታይ ከም ዜጠቓልል ምስ ተረድኡ እዮም ተሳሒቦም። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ወይ ውግኣት ናይ ዝዀነት ትኹን ሃገር ኪሳተፉ ኸም ዘይክእሉ እውን ደምዲሞም።—ኢሳ. 2:4፣ ዮሃ. 6:15፣ 17:14-16

6 ንሓያሎ ሰባት: እዚ ነጥብታት እዝን ካልእን ነታ ንኣምላኽ ዘላቶም ቀዳመይቲ ፍቕሪ ወልዓ። ሓቂ ኸም ዝረኸብካ ንዓኻ ዘእመነካ እንታይ ምዃኑ ኽትዝክር እስከ ፈትን። ናይ ርእስኻ ዅነታትን ባህርያትን ዘሎካ ውልቀ-ሰብ ስለ ዝዀንካ: ንየሆዋ እተፍቅረሉን ኣብ መብጽዓታቱ እትኣምነሉን መሰረታዊ ምኽንያታት ካብ ናይ ካልኦት እተፈለየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ፈለማ ሓቂ ኽትቅበል ከለኻ ዘእመነካ ምኽንያታት: ሕጂ እውን ከም ዜእምነካ ፍሉጥ እዩ። ሓቂ ኣይተቐየረትን። ስለዚ: ነቲ ኣብ ፈለማ ዝነበረካ ሓሳባትን ስምዒታትን ምልስ ኢልካ ምምርማርካ: ነታ ንሓቂ ዘላትካ ቐዳመይቲ ፍቕሪ ኼሐድሳ ይኽእል እዩ።—መዝሙር 119:151, 152፣ 143:5 ኣንብብ።

ኣብቲ መሰረትካ ህነጽ

7. ኣብታ ንሓቂ ዝነበረትና ቐዳመይቲ ፍቕሪ ኽንሃንጽ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧ ብኸመይከ ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧

7 ርእስኻ ንየሆዋ ኻብ እትውፊ ኣትሒዙ ኣብ ህይወትካ ብዙሕ ነገራት ተቐያዪሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንሓቂ ዝነበረትካ ቐዳመይቲ ፍቕሪ ኣገዳሲት እኳ እንተ ነበረት: ድሕሪ ግዜ ግን ንእምነትካ ዚፍትን ሓድሽ ብድሆታት ንምስጋር ዝዓመቘት ፍቕሪ ኣድለየትካ። የሆዋ ኸኣ ደገፈካ። (1 ቈረ. 10:13) ስለዚ: ነቲ ንዓመታት ዘሕለፍካዮ ተመክሮታት ኣኽቢርካ ኢኻ እትርእዮ። ኣብ ልዕሊ እታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ንኽትሃንጽ ኣኽኢሉካ: እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ መርሚርካ ንኸተረጋግጽ ከኣ መገዲ ኸፊቱልካ።—እያ. 23:14፣ መዝ. 34:8

8. የሆዋ ንሙሴ ብኸመይ እዩ መንነቱ ዝገለጸሉ፧ እስራኤላውያን ንኣምላኽ ብቐረባ ኺፈልጥዎ ዝኸኣሉኸ ብኸመይ እዮም፧

8 ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ: የሆዋ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ንኼውጽኦም ዕላማኡ ምስ ገለጸሎም ዘጋጠመ ዅነታት እሞ ንመርምር። ኣምላኽ ንሙሴ መንነቱ ኺገልጸሉ ኸሎ: “ከምቲ ክዀኖ ዘሎኒ ክኸውን እየ” (NW) በሎ። (ዘጸ. 3:7, 8, 13, 14) ብኻልእ ኣበሃህላ: ንህዝቡ ሓራ ንምውጻእ ኣድላዪ ዘበለ ዅሉ ኸም ዚኸውን እዩ ዚነግሮ ነይሩ። ኣብቲ ስዒቡ ዝመጸ ፍጻመታት: የሆዋ ኸከም ኵነታቱ: እተፈላለየ ባህርያት: ማለት ኵሉ ዚኽእል: ፈራዲ: መራሒ: መድሓኒ: ተዋጋኢ: ወሃቢ ምዃኑ ኼርኢ ኸሎ: እስራኤላውያን ርእዮምዎ እዮም።—ዘጸ. 12:12፣ 13:21፣ 14:24-31፣ 16:4፣ ነህ. 9:9-15

9, 10. ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ኪፈልጦ ዜኽእሎ እንታይ ዓይነት ኵነታት እዩ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮታት ምዝካሩ ጽቡቕ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

9 ኵነታትካ ኻብቲ ንጥንታውያን እስራኤላውያን ዝነበሮም ኵነታት እተፈልየ እዩ። ኰይኑ ግን: ኣምላኽ ብብሕቲ ኸም ዚግደሰልካ ዘእመነካ: ንእምነትካ እውን ዘደልደለልካ ተመክሮታት ኣጋጢሙካ ኪኸውን ኣለዎ። ምናልባት የሆዋ ወሃቢ: መጸናንዒ: ወይ መምህር ኰይኑልካ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ኢሳይያስ 30:20ለ, 21 ኣንብብ።) ጸሎትካ ንጹር መልሲ ኸም ዝረኸበ እውን ተሰሚዑካ ይኸውን። ጸገም ኣብ ዜጋጥመካ እዋን: ሓደ ክርስትያን ብጻይ ሓጊዙካ ይኸውን። ወይ ብሕታዊ መጽናዕቲ ኽትገብር ከለኻ ንዅነታትካ ዚምልከት ጥቕስታት ረኺብካ ትኸውን።

10 ከምዚ ዝኣመሰለ ዘሕለፍካዮ ተመክሮታት ንኻልኦት ከተዘንቱ ኸለኻ: ገሊኦም ብዙሕ ኣይግረሙን ይዀኑ። ከመይሲ: እቲ ዘጋጠመካ ነገራት ተኣምራት ኣይነበረን። ንስኻ ግን ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ጌርካ ኢኻ እትርእዮ። እወ: የሆዋ ኸምቲ ንስኻ እትደልዮ ዀይኑልካ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ሓቂ ዘሕለፍካዮ ዓመታት እሞ ምልስ ኢልካ ሕሰብ። ኣብ ህይወትካ የሆዋ ብብሕቲ ሓልዮት ዘርኣየካ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ክትዝክር ትኽእልዶ፧ ነቲ ፍጻመታት እትን ዘሕደረልካ ስምዒታትን ምዝካርካ: ነታ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ልብኻ ንየሆዋ ዝሓደረትካ ፍቕሪ መሊሱ ኺውልዓ ይኽእል እዩ። ነዚ ተመክሮታት እዚ ኣኽቢርካ ርኣዮ። ኣስተንትነሉ። የሆዋ ብብሕቲ ኸም ዚግደሰልካ ዜረጋግጽ እዩ፣ ብዛዕባ እዚ ዘሎካ ምትእምማን ድማ ዋላ ሓደ ኼጥፍኦ ኣይክእልን እዩ።

ርእስኻ መርምር

11, 12. ሓደ ክርስትያን ንሓቂ ዝነበረቶ ፍቕሪ እንተ ደኺማ: እቲ ጠንቂ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ የሱስከ እንታይ ምኽሪ እዩ ዝሃበ፧

11 እታ ፈለማ ንኣምላኽን ንሓቅን ዝነበረትካ ፍቕሪ: ሕጂ እውን ከምኡ ኢላ እንተ ዘየልያ: ብወገን የሆዋ ለውጢ ስለ ዘሎ ኣይኰነን። የሆዋ ፈጺሙ ኣይልወጥን እዩ። (ሚል. 3:6፣ ያእ. 1:17) ኣብ ፈለማ ብዛዕባኻ ይግደስ ነይሩ: ሎሚ እውን ከም ቀደሙ ብዛዕባኻ ይግደስ እዩ። እቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ እንተ ተለዊጡ: ነዚ ምኽንያት ዝዀነ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ ዝያዳ ጸቕጢ ይወርደካ ስለ ዘሎ ወይ ብዙሕ ዜጨንቐካ ነገር ስለ ዘሎ ደዀን ይኸውን፧ ምናልባት ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዝያዳ ዕቱብነት ትጽሊ: ብዝያዳ ትግሃት ተጽንዕ: ብዙሕ ድማ ተስተንትን ኔርካ ትኸውን። ኣብ ኣገልግሎትን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ካብ ናይ ሕጂ ንላዕሊ ብዝያዳ ቕንኣት ትካፈልን ብስሩዕ ትእከብንዶ ኔርካ፧—2 ቈረ. 13:5

12 ብዛዕባ ርእስኻ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ኣየስተብሃልካን ትኸውን: እንተ ኣስተብሂልካ ግን ናብዚ ዝመርሓካ እንታይ እዩ፧ ንስድራ ቤትካ ዜድሊ ምምላእ: ንጥዕናኻ ምክንኻን: ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ብቑዕ ምኽንያታት ነቲ ብዛዕባ ምቕራብ መዓልቲ የሆዋ ዝነበረካ ናይ ህጹጽነት ስምዒት ኣዳኺምዎ ደዀን ይኸውን፧ የሱስ ንሃዋርያቱ: “እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኵላ ዝባን ምድሪ ንዚነብሩ ዘበሉ ኸም መፈንጠራ ኽትበጽሖም እያ እሞ: ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ: እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ: ንነፍስኹም ተጠንቀቑ። ስለዚ ኻብዚ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረኽቡስ: ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ” በሎም።—ሉቃ. 21:34-36

13. ያእቆብ ንቓል ኣምላኽ ምስ ምንታይ እዩ ኣመሳሲልዎ፧

13 ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ያእቆብ: ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ብቓል ኣምላኽ ገይሮም ርእሶም ብቕንዕና ኺምርምሩ ተማሕጸኖም። ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ኸኣ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ገበርቲ ቓል ኩኑ: ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ። ሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ: ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ነፍሱ ይርኢ እሞ: ይኸይድ ብኡብኡውን ከመይ ምዃኑ ይርስዕ። እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ: ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት: ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን: ግብሪ ዚገብር እምበር: ዘይርስዕ ሰማዒ ግና: እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ።”—ያእ. 1:22-25

14, 15. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ንመንፈሳዊ ዅነታትካ ንኸተመሓይሽ ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ (ለ) ብዛዕባ እንታይ ሕቶታት ኢኻ ኣጸቢቕካ ኽትሓስብ እትኽእል፧

14 ሓደ ሰብ ትርኢቱ ዘየኽፍኣሉ ምዃኑ ንምርግጋጽ መስትያት ኪጥቀም ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ሓደ ሰብኣይ ክራባታኡ እንተ ተጠውያ: ኬዐርያ ይኽእል። ሓንቲ ሰበይቲ ድማ ጸጕራ እንተ ተበታቲኑ: ከተተዓራርዮ ትኽእል። ብተመሳሳሊ: ቅዱሳት ጽሑፋት ርእስና ንኽንምርምር የኽእለና። ንርእስና ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንኰኖ ዚነግረና እንተ ኣነጻጺርና: ከም መስትያት ኢና እንጥቀመሉ ዘለና። ነቲ ዝረኣናዮ ጕድለትና ዘይንእርም እንተ ዄንና ግን: መስትያት ምርኣይና እንታይ ይዓብስ፧ ኣብቲ “ምሉእ ሕጊ” ኣምላኽ ርኢና ስጕምቲ ብምውሳድ “ገበርቲ” ንኸውን እንተ ዄንና: ብጥበብ ኢና እንመላለስ ዘለና። ስለዚ: ንየሆዋን ንሓቅን ዝነበረቶም ቀዳመይቲ ፍቕሮም ዝነከየት ኰይኑ እተሰምዖም ሰባት: ‘ኣብ ህይወተይ እንታይ ጸቕጥታት እዩ ዜጋጥመኒ ዘሎ፧ ነዚ ንምፍታሕ እንታይ ስጕምቲ እየ ዝወስድ ዘለኹ፧ ኣብ ዝሓለፈ እዋን እንታይ ስጕምቲ እየ ወሲደ፧ እተለወጠ ነገር ኣሎዶ፧’ ኢሎም ንርእሶም ኪሓትዋ ኣለዎም። በዚ ኸምዚ ርእስኻ ኽትምርምር ከለኻ ጕድለታት ከም ዘሎካ እንተ ኣስተብሂልካ: ዕሽሽ ኣይትበሎ። ምትዕርራይ ክትገብር እንተ ኣድልዩካ: ውዓል ሕደር ከይበልካ ግበሮ።—እብ. 12:12, 13

15 ከምዚ ዝኣመሰለ ምስትንታን: መንፈሳዊ ዕቤት ንኽትገብር ዜድልየካ ርትዓዊ ሸቶታት ንኸተውጽእ እውን ይሕግዘካ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ መዓይይቱ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ኣገልግሎቱ ንኼመሓይሽ ብመንፈስ ተደሪኹ ምኽሪ ሂብዎ ነበረ። “እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ: እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ: ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ: ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ” ኢሉ ተማሕጸኖ። ንሕና እውን በየናይ መገዲ እናወሰኽና ኽንከይድ ከም እንኽእል ንምፍላጥ: ብቓል ኣምላኽ ጌርና ኣጸቢቕና ኽንሓስብ ኣሎና።—1 ጢሞ. 4:15

16. ንርእስኻ ብቕዱሳት ጽሑፋት ጌርካ ኽትምርምር ከለኻ: ካብ እንታይ ሓደጋታት ኢኻ ኽትጥንቀቕ ዘሎካ፧

16 ብቕንዕና ንርእስኻ እንተ መርሚርካ: ገለ ድኽመታት ምርካብካ ዘይተርፍ እዩ። እዚ ኺደቝሰካ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ: ከምኡ ኺስምዓካ ግን ኣይተፍቅድ። ብሱሩ ርእስኻ እትምርምረሉ ምኽንያት እውን: ከተመሓይሾ ዘሎካ ነጥብታት ንምፍላጥ እዩ። ሰይጣን ግን ሓደ ክርስትያን ብምኽንያት ዘይፍጽምናኡ ዘይጠቅም ኰይኑ ኸም ዚስምዖ ኺገብር እዩ ዚደሊ። ኣምላኽ ነቲ ንኸነገልግሎ እንገብሮ ዅሉ ጻዕርታት ከም ዚንዕቆ ዚእምት ሓሳባት እውን ተዋሂቡ ነይሩ እዩ። (እዮ. 15:15, 16፣ 22:3) እዚ ውጹእ ሓሶት ምዃኑ የሱስ ብንጹር ገሊጹ ኣሎ፣ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ኣኽቢሩ እዩ ዚርእየና። (ማቴዎስ 10:29-31 ኣንብብ።) ዘይፍጽምናኻ ምፍላጥካ: ብሓገዝ የሆዋ ንኽትመሓየሽ ብትሕትና ቘራጽነት ክትገብር ኪድርኸካ ኣለዎ። (2 ቈረ. 12:7-10) ሕማም ወይ እርጋን ነቲ ኽትገብሮ እትኽእል ነገራት ዚድርቶ እንተ ዀይኑ: ርትዓዊ ሸቶታት ኣውጽእ ደኣ እምበር: ኣይትተሓለል: ፍቕርኻ ኽትሃስስ እውን ኣይትሕደጋ።

ከነመስግነሉ ዘሎና ሓያሎ ነገራት

17, 18. ኣብታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ምህናጽካ እንታይ ረብሓታት የምጽኣልካ፧

17 ኣብታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ብቐጻሊ ምህናጽካ ብዙሕ ረብሓታት የምጽኣልካ እዩ። ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎካ ፍልጠትን ነቲ ፍቕራዊ መምርሒኡ ዘሎካ ሞሳን ኪዓሙቝ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 2:1-9፣ 3:5, 6 ኣንብብ።) እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “ምስክር እግዚኣብሄር እሙን እዩ: ንገርሂ የጥብቦ። . . . [ፍርድታት የሆዋ] ብምሕላዉ ዓብዪ ኻሕሳ አሎ” በለ። ወሲኹ እውን “ብመገዶም ፍጹማት ዝዀኑ: ብሕጊ እግዚኣብሄር ዚመላለሱ ብጹኣን እዮም” ኢሉ ገለጸ።—መዝ. 19:7, 11፣ 119:1

18 ከተመስግነሉ ዘሎካ ሓያሎ ነገራት ከም ዘሎ ትሰማምዓሉ ኢኻ። ኣብ ዓለም ዘሎ ዅነታት ስለምንታይ የጋጥም ከም ዘሎ ትፈልጥ ኢኻ። ካብቲ ሎሚ ኣምላኽ ንህዝቡ ዜርእዮም ዘሎ መንፈሳዊ ሓልዮትን ቈላሕታን ትጥቀም ኢኻ። ናብታ ዓለምለኻዊት ጉባኤኡ ብምስሓብ ሓደ ኻብ መሰኻኽሩ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ስለ ዝሃበካ እውን ከም እተመስግን ዜጠራጥር ኣይኰነን። እወ: ነቲ ዝረኸብካዮ ሓያሎ በረኸት ጸብጽቦ። ክትቈጽሮ እንተ ጀሚርካ: ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ወትሩ ትጽብጽቦ እንተ ደኣ ዄንካ: “ነቲ ዘሎካ ኣጽኒዕካ ሐዞ” ንዚብል ምሕጽንታ ኣብ ግብሪ ንኸተውዕሎ ከም ዚሕግዘካ ኣየጠራጥርን እዩ።—ራእ. 3:11

19. ብዛዕባ እቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብ ኣብ ርእሲ ምስትንታንካ: እንታይ ካልእ ነገራት እዩ መንፈሳዊ ጥዕናኻ ንኽትሕሉ ኺሕግዘካ ዚኽእል፧

19 ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እምነትካ ብኸመይ ከም ዝደልደለት ምስትንታንካ: ነቲ ዘሎካ ኣጽኒዕካ ንኽትሕዞ ዚሕግዘካ ሓደ ስጕምቲ እዩ። መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ መንፈሳዊ ጥዕናና ንኽንዕቅብ ኪሕግዘና ዚኽእል ካልእ ኣገዳሲ ነገራት እውን ከም ዘሎ ብተደጋጋሚ ኽትሕብር ጸኒሓ እያ። ገለ ኻብዚ ኸኣ ጸሎት: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብን ምስታፍን: ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ድማ ብቕንኣት ምክፋል እዩ። እዚ ነገራት እዚ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ብቐጻሊ ንኸተሐድስን ንኽትሃንጽን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።—ኤፌ. 5:10፣ 1 ጴጥ. 3:15፣ ይሁ. 20, 21

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• እቲ ንየሆዋ ንኸተፍቅሮ ዝደረኸካ ምኽንያታት ሕጂ ምንጪ ምትብባዕ ኪዀነካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

• ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዘጋጠመካ ተመክሮታት ምስትንታንካ: እንታይ እዩ ኼእምነካ ዚኽእል፧

• ነታ ንኣምላኽ ዘላትካ ፍቕሪ ኽትምርምራ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ናብ ሓቂ ዝሰሓበካን ሓቂ ኸም ዝረኸብካ ዘእመነካን እንታይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ምትዕርራይ ክትገብረሉ ዘሎካ ነገራት ኣሎዶ፧