ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስልጣን የሆዋ ተቐበል

ንስልጣን የሆዋ ተቐበል

ንስልጣን የሆዋ ተቐበል

“ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ: ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ።” —1 ዮሃ. 5:3

1, 2. (ሀ) ሎሚ ብዙሓት ንስልጣን ምእዙዛት ኪዀኑ ዘይደልዩ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) እቶም ንስልጣን ካልኦት ኪቕበሉ ዘይደልዩ ሰባት ብሓቂዶ ብርእሶም ጥራይ እዮም ዚምርሑ፧ ግለጽ።

 “ስልጣን” እትብል ቃል ሎሚ ብዙሕ ኣይትፍቶን እያ። ብዙሓት ሰባት ንኻልእ ሰብ ኪምእዘዙ ኣይደልዩን እዮም። ንስልጣን ካልኦት ኪቕበሉ ዘይደልዩ ሰባት: “ዋላ ሓደ ሰብ ኣይእዝዘንን እዩ” ይብሉ። ኰይኑ ግን: እዞም ሰባት እዚኣቶም ብሓቂዶ ብርእሶም ጥራይ እዮም ዚምርሑ፧ ኣይኰኑን! መብዛሕትኦም በቲ እቶም ‘ነዛ ዓለም እዚኣ ዚመስሉ’ ብዙሓት ካልኦት ዜውጽእዎ መለክዒታት እዮም ዚምርሑ። (ሮሜ 12:2) እኳ ደኣስ: ከምቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝበሎ “ባሮት ጥፍኣት” እዮም። (2 ጴጥ. 2:19) “ከም ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ: ከምቲ . . . ሓለቓ ስልጣን ኣየር” ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ እዮም ዚመላለሱ።—ኤፌ. 2:2

2 ሓደ ደራሲ: “ወለደይ ኰኑ: ቀሺ ዀነ: ኣገልጋሊ ዀነ: ጉሩ ዀነ: መጽሓፍ ቅዱስ: ንዓይ ሓቂ ዝዀነ ነገር ኪውስነለይ ኣይፈቅድን እየ” ኢሉ ተነየተ። ልክዕ እዩ: ገሊኦም ንስልጣኖም ብዘይግቡእ ስለ ዚጥቀሙሉ: ተኣዛዝነት ዚግብኦም ከይኰኑ ይኽእሉ እዮም። ኰይኑ ግን: መምርሒ ዚበሃል ከቶ ኸም ዘየድልየና ምውሳን ነዚ ፍታሕ ይኸውን ድዩ፧ ኣርእስተ ዜና ጋዜጣታት ምስ እንርኢ: እዚ ፍታሕ ከም ዘይከውን እዩ ዚሕብረና። ሰባት ከም ሎሚ ገይሩ መምርሒ ኣድልይዎም ዘይፈልጥ እኳ እንተ ዀነ: መምርሒ ኪቕበሉ ዘይደልዩ ምዃኖም ዜሕዝን እዩ።

ብዛዕባ ስልጣን ዘሎና ኣረኣእያ

3. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ንስልጣን ሰብ ብዕሙት ይእዘዙ ዘይምንባሮም ብኸመይ ኣርእዮም፧

3 ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን: ካብ ዓለም እተፈልየ መትከል እዩ ዘሎና። ዚወሃበና ዘበለ ትእዛዝ ብዕሙት ኣይንቕበሎን ኢና። እኳ ደኣስ: ስልጣን ዘለዎም ሰባት ንዚህቡና ትእዛዝ እውን ዘይንቕበለሉ ግዜ ኣሎ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ከምኡ ገይሮም እዮም። ንኣብነት: እቶም ሃዋርያት ካብቲ ሊቀ ኻህናትን ካብቶም ካልኦት ኣባላት እቲ ዋዕላ ዝነበሩ ሰበ-ስልጣንን ከይሰብኩ ትእዛዝ ምስ ተዋህቦም: ኣይተኣዘዙን። ንስልጣን ሰብ ንኺግዝኡ ኢሎም ቅኑዕ ተግባሮም ኣይሓደጉን።—ግብሪ ሃዋርያት 5:27-29 ኣንብብ።

4. እንታይ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዚርከቡ ኣብነታት እዮም: ብዙሓት ካብ ህዝቢ ኣምላኽ: ሰባት ዘይፈትውዎ መገዲ ኸም ዝሰዓቡ ዘርኣዩ፧

4 ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ተመሳሳሊ ስጕምቲ እዮም ወሲዶም። ንኣብነት: ሙሴ “ነቲ ዅራ ንጉስ ከይፈርሄ:” “ወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሀል: ብእምነት አበየ . . . ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ኺጸግብ ሐረየ።” (እብ. 11:24, 25, 27) ዮሴፍ ነቲ እታ ሕነ ኽትፈድዮን ክትጐድኦን እትኽእል ዝነበረት ሰበይቲ ጶጢፋር ዘቕረበትሉ ሕቶ ነጸጎ። (ዘፍ. 39:7-9) ዳንኤል እውን እቲ ብዛዕባ ብልዒ ዝነበሮ መርገጽ በቲ ሓለቓ ስሉባት ባቢሎን ብቐሊሉ ተቐባልነት ዘይረክብ እኳ እንተ ነበረ: “በቲ ብልዒ ንጉስን በቲ ዚሰትዮ ወይንን ከይረክስ: ብልቡ ሐለነ።” (ዳን. 1:8-14) እዞም ኣብነታት እዚኣቶም: ህዝቢ ኣምላኽ ዚመጾም ሳዕቤናት ብዘየገድስ: ንቕኑዕ ነገር ጸኒዖም ከም ዝቘሙ እዮም ዜርእዩና። ሞገስ ኪረኽቡ ኢሎም እተባህሎም ኵሉ ኣይገበሩን። ንሕና እውን ኣብነቶም ክንስዕብ ይግብኣና።

5. ብዛዕባ ስልጣን ዘሎና ኣረኣእያ: ካብ ናይ ዓለም እተፈልየ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

5 ብትብዓት ዝወሰድናዮ መትከል ምስ ንቕጽና ዚምደብ ኣይኰነን፣ ከምቶም ምስ ፖለቲካዊ ስርዓት ከም ዘይሰማምዑ ንኼርእዩ ኢሎም ዚዓልዉ ዓለወኛታት እውን ኣይኰንናን። የግዳስ: ካብ ስልጣን ሰብ ንላዕሊ: ስልጣን የሆዋ ክንቕበል ኢና ቘሪጽና። ሕጊ ሰብ ምስ ሕጊ ኣምላኽ ኪጋጮ ኸሎ: እንታይ ዓይነት ውሳነ ኽንውስን ከም ዘሎና ዜጸግም ኣይኰነን። ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሃዋርያት: ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ኢና እንእዘዝ።

6. ትእዛዛት ኣምላኽ ምሕላው ወትሩ ንጥቕምና ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

6 ንስልጣን ኣምላኽ ንኽንቅበል ዝሓገዘና እንታይ እዩ፧ ምስቲ ኣብ ምሳሌ 3:5, 6 ዚርከብ: “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ዚብል ቃላት ንሰማማዕ ኢና። ኣምላኽ ክንገብሮ ዚደልየና ዝዀነ ይኹን ነገር ውዒሉ ሓዲሩ ንጽቡቕና ኸም ዚኸውን ንኣምን ኢና። (ዘዳግም 10:12, 13 ኣንብብ።) እወ: የሆዋ ብዛዕባ ርእሱ ንእስራኤላውያን ኪገልጸሎም ከሎ: “ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን” ኢልዎም እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን: “ኣየ: ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ: ሰላምካ ኸም ወሓዚ: ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ” በሎም። (ኢሳ. 48:17, 18) በዘን ቃላት እዚኣተን ንተኣማመን ኢና። ትእዛዛት ኣምላኽ ምሕላውና ወትሩ ንጥቕምና ምዃኑ ንኣምነሉ ኢና።

7. ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ምሉእ ብምሉእ ዘይተረድኣና ትእዛዝ እንተ ኣጋጢሙና: እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

7 ገሊኡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ስርዓታት እተዋህበሉ ምኽንያት ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተ ዘይተረድኣና: ንስልጣን የሆዋ ንቕበሎን ንእዘዞን ኢና። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ብዕሙትና ንኣምን ማለት ኣይኰነን። የግዳስ: የሆዋ ዚጠቕመና ኸም ዚፈልጥ ካብ ልቢ ንኣምነሉ ምዃንና ዜርኢ እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ: “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ” ኢሉ ስለ ዝጸሓፈ: ተኣዛዝነትና መግለጺ ፍቕርና እውን እዩ። (1 ዮሃ. 5:3) ኰይኑ ግን: ዕሽሽ ክንብሎ ዘይግባእ ካልእ መዳይ ተኣዛዝነት ኣሎ።

ንልቦናና ምልምማድ

8. ‘ንልቦናና ምልምማድ:’ ንስልጣን የሆዋ ምስ ምቕባል ዚተሓሓዝ ብኸመይ እዩ፧

8 መጽሓፍ ቅዱስ ‘ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ንልቦናና ኸነላምዶ’ ኸም ዘሎና ይነግረና። (እብ. 5:14) ስለዚ: ንሕግታት ኣምላኽ ብሃውሪ ኽንእዘዞ ኣይኰነናን እንደሊ። ኣብ ክንዳኡስ: ኣብ መለክዒታት የሆዋ ተመርኲስና ‘ጽቡቕን ክፉእን ምፍላይ’ ክንክእል ንደሊ ኢና። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከም ዝበሎ: “ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ” ምእንቲ ኽንብል: መገድታት የሆዋ ጥበባዊ ምዃኑ ኽንርኢ ንደሊ ኢና።—መዝ. 40:8

9. ንሕልናና ምስ መለክዒታት የሆዋ ኸነሰማምዖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ከምኡ ኽንገብር ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

9 ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር ንሕግታት ኣምላኽ ኣኽቢርና ኽንርእዮ እንተ ዄንና: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እነንብቦ ኸነስተንትነሉ ኣሎና። ንኣብነት: ብዛዕባ ሓደ የሆዋ ዘውጸኦ ስርዓት ክንመሃር ከለና: ‘እዚ ትእዛዝ ወይ ስርዓት እዚ ጥበባዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እንተ ሓልየዮ: ብኸመይ ይጠቕመኒ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ምኽሪ ዕሽሽ ዝበሉ እንታይ ሳዕቤናት እዮም ዓጺዶም፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ ሕልናና ምስ መገድታት የሆዋ ዚሰማማዕ እንተ ዀይኑ: ምስ ፍቓዱ ዚሰማማዕ ውሳነታት ክንገብር ኢና። ‘ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዒልና’ ኽንእዘዞ ንኽእል ኢና። (ኤፌ. 5:17) እዚ ዅሉ ሳዕ ቀሊል እዩ ማለት ኣይኰነን።

ሰይጣን ንስልጣን ኣምላኽ ኬዳኽም ይደሊ

10. ሰይጣን ንስልጣን የሆዋ ኼዳኽም ዚደልየሉ ሓደ መዳይ እንታይ እዩ፧

10 ሰይጣን ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ንስልጣን ኣምላኽ ኬዳኽም ይደሊ እዩ። እቲ ንሱ ዘተኣታተዎ ብርእስኻ ናይ ምምራሕ መንፈስ ብብዙሕ መገድታት ይርአ እዩ። ንኣብነት: ነቲ ኣምላኽ ዘቘሞ ስርዓት መውስቦ ኣኽብሮት የብሉን። ገሊኦም ከይተመርዓዉ ተኣኻኺቦም ይነብሩ: ገሊኦም ከኣ ንኺፋትሑ ውዲት ይኣልሙ። ኵሎም ምስቲ ሓንቲ ውርይቲ ተዋሳኢት: “ንጽል መውስቦ ንኽልቲኡ ጾታታት ዚኸውን ኣይኰነን” ኢላ እተዛረበቶ ይሰማምዑ እዮም። ኣስዕብ ኣቢላ: “እሙን ዝዀነ ወይ ኪኸውን ዚደሊ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፈልጥን እየ” በለት። ሓደ ውሩይ ተዋሳኢ ኻብቲ ሕማቕ ርክባቱ ተበጊሱ: “ኣብ ምሉእ ህይወትና ምስ ሓንቲ ኽንጽመድ ተፈጥሮና እንተ ዀይኑ የጠራጥረኒ እዩ” በለ። እምበኣር: ‘ንመውስቦ ብዚምልከት ንስልጣን የሆዋ እቕበሎ ድየ ወይስ እቲ ፍኑው ኣረኣእያ ዓለም እዩ ንኣተሓሳስባይ ዚጸልዎ ዘሎ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ኣሎና።

11, 12. (ሀ) መንእሰያት ንስልጣን የሆዋ ኪቕበሉ ዜጸግሞም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ሕግታትን ስርዓታትን የሆዋ ዘይምሕላው ዕሽነት ምዃኑ ዜርኢ ተመክሮ ኣዘንቱ።

11 ምስ ውድብ የሆዋ እትመላለስ ዘለኻ መንእሰይ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ: ሰይጣን ንስልጣን የሆዋ ዘሎካ ኣረኣእያ ንኼዳኽም ኣደዳ ፍሉይ ዕላማኡ ኺገብረካ ይኽእል እዩ። “ትምኒት ጕብዝና” ምስቲ ኻብ መዛኑኻ ዚመጽእ ጸቕጢ ተደሚሩ: ሕግታት ኣምላኽ ጾር ከም ዝዀነ ጌርካ ኸም እትሓስብ ኪገብረካ ይኽእል እዩ። (2 ጢሞ. 2:22) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ኺሓድረካ ኣይተፍቅድ። መለክዒታት ኣምላኽ ጥበባዊ ምዃኑ ንኺረኣየካ ጻዕሪ ግበር። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ‘ካብ ምንዝርና ኽትሃድም’ ይምሕጸነካ እዩ። (1 ቈረ. 6:18) ኣብዚ እውን: ‘እዚ ትእዛዝ እዚ ጥበባዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ እዙዝ ምዃነይ ብኸመይ ይጠቕመኒ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ንምኽሪ ኣምላኽ ዕሽሽ ብምባሎም መከራ ዝዓጸዱ ሰባት ትፈልጥ ትኸውን። እዚኣቶም ሕጂ ብሓቂ ሕጉሳት ድዮም፧ ካብቲ ምስ ውድብ የሆዋ ኣብ ዚመላለሱሉ እዋን ዝነበሮም: ዝሓሸ ህይወት ኣለዎምዶ፧ ህዝቢ ኣምላኽ ዘይረኸብዎ ሓጐስ ረኺቦምዶ፧—ኢሳይያስ 65:14 ኣንብብ።

12 ቅድሚ ገለ ግዜያት ሻሮን እትበሃል ሓንቲ ክርስትያን: “ሕጊ የሆዋ ብዘይምሕላወይ: በቲ ሞት ዜስዕብ ሕማም አይድስ ተለኸፍኩ። ብዙሕ ግዜ ነቲ ንየሆዋ ብምግልጋል ዘሕለፍክዎ ሓያሎ ዜሕጕስ ዓመታት እዝክሮ እየ” በለት። ሕግታት የሆዋ ምጥሓስ ዕሽነት ምዃኑን ኣኽቢራ ኽትርእዮ ኸም ዝነበራን ኣስተውዓለት። ሕግታት የሆዋ ንዕቝባና እዩ። ሻሮን ነዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ቓላት ድሕሪ ምጽሓፋ ሸውዓተ ሰሙን ጸኒሓ ሞተት። ከምቲ እቲ ዜሕዝን ተመክሮኣ ዚሕብሮ: ሰይጣን ነቶም ክፍሊ እዚ እኩይ ስርዓት ዝዀኑ ዜቕርበሎም ዋላ ሓንቲ ጽቡቕ ነገር የብሉን። ብዙሕ መብጽዓታት እኳ እንተ ኣተወ: ‘ንሓሶት ኣቦኣ’ ስለ ዝዀነ ግን: ከምቲ ንሄዋን ዝኣተዎ መብጽዓ ዘይፈጸመ: ኵሉ መብጽዓታቱ ኸንቱ ዀይኑ እዩ ዚተርፍ። (ዮሃ. 8:44) ብሓቂ እምበኣር: ወትሩ ንስልጣን የሆዋ እንተ ተቐበልና ይሓይሽ።

ካብቲ ብርእስኻ ናይ ምምራሕ መንፈስ ተሓሎ

13. ካብቲ ብርእስኻ ናይ ምምራሕ መንፈስ ክንሕለወሉ ዜድልየና ሓደ መዳይ እንታይ እዩ፧

13 ንስልጣን የሆዋ ምቕባል: ካብቲ ብርእስና ናይ ምምራሕ መንፈስ ክንሕሎ ዚሓትት እዩ። ትዕቢት እንተ ኣልዩና: ካብ ካልእ መምርሒ ኸም ዘየድልየና ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ንኣብነት: በቶም ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ መሪሕ ግደ ዘለዎም ዚወሃብ ምኽሪ ምቕባል ንኣቢ ንኸውን። ኣምላኽ ነቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ መንፈሳዊ ምግቢ በብግዜኡ ንኼዳሉ ሸይምዎ እዩ። (ማቴ. 24:45-47) እዚ ኸኣ የሆዋ ሎሚ ንህዝቡ ዚሓልየሉ መገዲ ምዃኑ ብትሕትና ኽንቅበሎ ኣሎና። ከምቶም እሙናት ሃዋርያት ንኹን። ገሊኦም ደቀ መዛሙርቲ ምስ ተዓንቀፉ: የሱስ ነቶም ሃዋርያቱ: “ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ አሎኹም፧” ኢሉ ሓተቶም። ጴጥሮስ ከኣ: “ጐይታይ: ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ: ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧” ኢሉ መለሰሉ።—ዮሃ. 6:66-68

14, 15. ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ብትሕትና ኽንቅበሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

14 ንስልጣን የሆዋ ምቕባል: ነቲ ብመሰረት ቃሉ ዚወሃበና ምኽሪ ምቕባል የጠቓልል። ንኣብነት: እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ‘ኽንነቅሕን ክንጥንቀቕን’ ኪምዕደና ጸኒሑ እዩ። (1 ተሰ. 5:6) ከምዚ ዝኣመሰለ ምኽሪ ኣብዘን ብዙሓት ሰባት “ፈተውቲ ርእሶም . . . ፈተውቲ ገንዘብ” ዝዀኑለን ዳሕሮት መዓልትታት: ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ። (2 ጢሞ. 3:1, 2) በዚ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ኣረኣእያታት እዚ ኽንጽሎ ንኽእልዶ፧ እወ: ንኽእል ኢና። ዓለማዊ ሸቶታት ናብ መንፈሳዊ ድቃስ ኪመርሓና ይኽእል እዩ: ወይ ፍቕረ-ንዋያዊ ኣረኣእያ ኸነማዕብል ንኽእል ኢና። (ሉቃ. 12:16-21) ስለዚ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ተቐቢልና: ነቲ ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ሰፊኑ ዘሎ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ዝዓይነቱ ኣነባብራ ኸነርሕቕሲ ኽሳዕ ክንደይ ጥበባዊ ዀን እዩ!—1 ዮሃ. 2:16

15 ካብቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዚለኣኽ መንፈሳዊ ምግቢ: በቶም እተሸሙ ሽማግለታት ኣቢሉ እዩ ናብ ጉባኤታት ዚባጻሕ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ንመራሕትኹም ተአዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም: ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ: ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር: ብጓሂ እንተ ገበርዎ: እዚ ንኣኻትኩም ኣይጠቅምን እዩ” ኢሉ ይምሕጸነና። (እብ. 13:17) ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን: ሽማግለታት ጉባኤ ፈጺሞም ኣይጋገዩን እዮም ማለት ድዩ፧ ከምኡ ማለት ኣይኰነን። እኳ ደኣስ: ኣምላኽ ንዘይፍጽምናኦም ካብ ካልእ ሰብ ንላዕሊ ብንጹር ይርእዮ እዩ። ኰይኑ ግን: ክንግዝኦም ይጽበየና እዩ። ሽማግለታት ዘይፍጹማት ክነሶም እንተሓባበሮም ምዃንና: ንስልጣን የሆዋ ኸም እተቐበልና የርኢ።

ኣገዳስነት ትሕትና

16. ንየሱስ ከም ርእሲ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ መጠን ኣኽብሮት ከነርእዮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16 የሱስ ናይ ሓቂ ርእሲ እታ ጉባኤ ምዃኑ ወትሩ ኽንዝክር ኣሎና። (ቈሎ. 1:18) ነቶም እተሸሙ ሽማግለታት ‘ብዙሕ ብሉጽ ኣኽብሮት’ እናሃብና ንመምርሒኦም እንግዝኣሉ ሓደ ምኽንያት ከኣ እዚ እዩ። (1 ተሰ. 5:12, 13) ሽማግለታት እውን ነታ ጉባኤ ርእይቶኦም ዘይኰነስ: መልእኽቲ ኣምላኽ ተጠንቂቖም ብምምሕልላፍ: ንሳቶም እውን ተገዛእቲ ምዃኖም ኬርእዩ ይኽእሉ እዮም። ብሕታዊ ሓሳባቶም ምእንቲ ኼስፋሕፍሑ ኢሎም: ‘ክንየው እቲ ጽሑፍ ኣይሓስቡን’ ወይ ኣይከዱን እዮም።—1 ቈረ. 4:6

17. ህርፋን ስልጣን ሓደገኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

17 ኵሎም ኣባላት ጉባኤ: ክብሪ ርእሶም ከይደልዩ ኺጥንቀቑ ኣለዎም። (ምሳ. 25:27 ትርጕም 1990) ሓደ ብግዜ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝነበረ ወደ መዝሙር: ኣብዚ መፈንጠራ እዚ ወዲቑ ኪኸውን ኣለዎ። ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባኡ: “እቲ ኣውራኦም ኪኸውን ዚደሊ ድዮትሬፌስ ግና ኣይቅበለናን እዩ። ስለዚ: እንተ መጻእኩ: ኣነ ነቲ ንሱ ብእኩይ ዘረባ እናጸረፈና ዚገብሮ ዘሎ ግብሪ ኸዘክሮ እየ” ኢሉ ጸሓፈ። (3 ዮሃ. 9, 10) ንሕና እውን ካብዚ ኽንመሃር ንኽእል ኢና። ዝዀነ ይኹን ህርፋን ስልጣን ከም ዘሎና እንተ ኣስተብሂልና: ካብ ሱሩ ኽንምሕዎ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ: “ንውርደት ትዕቢት ትቕድማ: ንውድቀት ከኣ ኵርዓት” ይብለና። እቶም ንስልጣን ኣምላኽ ዚቕበሉ: ካብ መፈንጠራ ትዕቢት ኪርሕቁ ኣለዎም፣ እንተ ዘይኰይኑ ናብ ውርደት እዮም ዜምርሑ።—ምሳ. 11:2፣ 16:18

18. ንስልጣን የሆዋ ኽንቅበል ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

18 እምበኣር: ነቲ ብርእስኻ ናይ ምምራሕ መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ተጻረሮ: ንስልጣን የሆዋ ኸኣ ተቐበል። ነቲ ንየሆዋ ንምግልጋል ረኺብካዮ ዘለኻ ዓብዪ መሰል ብሞሳ ኣስተንትነሉ። ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ኣምላኽ ምዃንካ: የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ኸም ዝሰሓበካ ዜርኢ መርትዖ እዩ። (ዮሃ. 6:44) ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብ ኣፍኲስካ ኣይትርኣዮ። ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትካ ብርእስኻ ናይ ምምራሕ መንፈስ ከም እትነጽግን ንስልጣን የሆዋ ኸም እትቕበልን ኣርኢ።

ትዝክሮዶ፧

• ንስልጣን የሆዋ ምቕባል እንታይ የጠቓልል፧

• ንልቦናና ምልምማድ: ንስልጣን የሆዋ ምስ ምቕባል ዚተሓሓዝ ብኸመይ እዩ፧

• ሰይጣን ንስልጣን ኣምላኽ ኬዳኽም ዚጽዕር ዘሎ በየናይ መዳያት እዩ፧

• ንስልጣን የሆዋ ንምቕባል: ትሕትና ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

“ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ”

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

መለክዒታት ኣምላኽ ምስዓብ ወትሩ ጥበባዊ እዩ