ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንእምነትካ ኽትጣበቐላ ድሉው ዲኻ፧

ንእምነትካ ኽትጣበቐላ ድሉው ዲኻ፧

ንእምነትካ ኽትጣበቐላ ድሉው ዲኻ፧

ንእምነትካ ኽትጣበቐላ እተገደድካሉ ዅነታት ኣጋጢሙካ ይፈልጥዶ፧ ንሓንቲ ኣብ ፓራጓይ እትነብር ሱዛና እትበሃል ጓል 16 ዓመት ሓብቲ እንታይ ከም ዘጋጠማ እስከ ንርአ። ተማሃሪት ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ እናሃለወት: ኣብ ክፍለ ግዜ ትምህርቲ ስነ ምግባር: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ን“ብሉይ ኪዳን:” ንየሱስ ክርስቶስ: ወይ ንማርያም ኣይቅበሉን እዮም ዚብል ሓሳብ ቀረበ። ገለ ኻብቶም ዚመያየጡ ዝነበሩ ተመሃሮ: እቶም መሰኻኽር ኣብ ክንዲ ሕክምና ዚቕበሉ: ሞት ዚመርጹ ጥሩፋት ሰባት እዮም ኢሎም እውን ተዛረቡ። ከምዚ ዓይነት ኵነታት እንተ ዜጋጥመካ እንታይ ምገበርካ፧

ሱዛና ናብ የሆዋ ድሕሪ ምጽላያ ኢዳ ሓፍ ኣበለት። ሰዓት ኣኺሉ ስለ ዝነበረ: ካልእ ግዜ ኸም ናይ የሆዋ ምስክር መጠን ዘለዋ እምነት እንታይ ምዃኑ ኽትገልጽ ኪፍቀደላ ንመምህራ ሓተተታ። እታ መምህር እውን ፈቐደትላ። ሱዛና ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ኽልተ ሰሙን ብዛዕባ እቲ እተቕርቦ ሓሳብ ካብታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር—እንታዎት እዮም፧ እንታይ እዮም ዚኣምኑ፧ ዘርእስታ ብሮሹር ተዳለወት።

እቲ ሓሳባ እተቕርበሉ መዓልቲ በጽሐ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂሎም እተጸውዑሉ ስም ምንጩ ኻበይ ምዃኑ ገለጸት። ንመጻኢ ዘለና ተስፋን ደም ዘይንቕበለሉ ምኽንያትን እንታይ ምዃኑ እውን ገለጸት። ነቶም ተመሃሮ ሕቶታት ኪሓትዋ ዓደመቶም። መብዛሕትኦም ተመሃሮ ኸኣ ኢዶም ሓፍ ኣበሉ። እዛ መንእሰይ እዚኣ: ነቲ ዝቐርበላ ዝነበረ ሕቶታት ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ትምልስ ስለ ዝነበረት: እታ መምህር ተመሰጠት።

ሓደ ተመሃራይ: “ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከይደ እፈልጥ እየ: ኣብኡ ምስሊ ትበሃል እኳ የላን” በለ። እታ መምህር ስለምንታይ ከም ዘየለ ኽትፈልጥ ደለየት። ሱዛና: መዝሙር 115:4-8 ከምኡውን ዘጸኣት 20:4 ኣንበበትሎም። እታ መምህር ብምግራም: “መጽሓፍ ቅዱስ ዜወግዞ ኽነሱ ስለምንታይ ደኣ እያ ቤተ ክርስትያንና ብብዙሕ ምስሊ መሊኣ ዘላ፧” በለት።

እቲ ብሕቶን መልስን እተገበረ ምይይጥ 40 ደቒቕ ኣቢሉ ወሰደ። ሱዛና ንደቂ ኽፍላ ነታ ኖ ብላድ—መዲስን ሚትስ ዘ ቻለንጅ ዘርእስታ ቪድዮ ኺርእዩ ዚደልዩ እንተ ዀይኖም ምስ ሓተተቶም: ኵሎም ‘እወ ንደሊ ኢና’ ኢሎም መለሱ። ስለዚ: እታ መምህር ንጽባሒቱ እውን ምይይጥ ኪግበር መደበት። ነታ ቪድዮ ምስ ረኣይዋ: ሱዛና ብዛዕባ እቲ ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚቕበልዎ ብዘይ ደም ዚግበር ኣማራጺ ሕክምና ገለጸትሎም። እታ መምህር ካብዚ ተበጊሳ: “ብዘይ ደም ዚግበር ኣማራጺ ሕክምና ኸም ዘሎ ይኹን ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ኣይፈልጥን ነይረ። እዚ ሕክምና እዚ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ድዩ ዚዓዪ፧” በለት። ንዓታቶም ጥራይ ከም ዘይኰነ ምስ ሰምዐት: “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤተይ ኪመጹ ኸለዉ ምስኣቶም ክመያየጥ እየ” በለት።

እቲ ሱዛና መጀመርታ ን20 ደቒቕ ኢላ እተዳለወትሉ ምይይጥ ሰለስተ ሰዓት ወሰደ። ድሕሪ ሓደ ሰሙን: ካልኦት ተመሃሮ እውን ከም ኣባላት ቤተ ክርስትያን መጠን ዘለዎም እምነት እንታይ ምዃኑ ሓሳብ ኣቕረቡ። ኣብ መወዳእታ ብዙሕ ሕቶታት ቀረበ: እቶም እምነቶም ወኪሎም ዝቐረቡ ተመሃሮ ግን ንእምነቶም ክጣበቑላ ኣይከኣሉን። እታ መምህር: “ከምታ ናይ የሆዋ ምስክር መማህርትኹም ጌርኩም ንእምነትኩም ክትጣበቑላ ዘይከኣልኩም ስለምንታይ እዩ፧” ኢላ ሓተተቶም።

“ንሳቶም እኮ ንመጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ገይሮም እዮም ዜጽንዕዎ: ንሕና ግን ከምኡ ኣይኰንናን” ኢሎም መለሱ።

እታ መምህር ናብ ሱዛን እናጠመተት: “ንስኺ መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ጌርኪ እተጽንዕን እንታይ ይብል ከም ዘሎ ንምርዳእ እትጽዕርን ስለ ዝዀንኪ ናእዳ ይግብኣኪ እዩ” በለታ።

ሱዛና ኣጽቅጥ ከተብል ትኽእል ነይራ እያ። ብድፍረት ብምዝራባ ግን: ንሰናይ ኣብነት እታ ብሶርያውያን እተማረኸት ስማ ዘይተጠቐሰ ንእሽቶ እስራኤላዊት ጓል ሰዓበት። እታ ጓል ናብ ቤት እቲ ዜፈንፍን ሕማም ቈርበት ዝነበሮ ንእማን ዚበሃል ሶርያዊ ሓለቓ ሰራዊት መጸት። እዛ ንእሽቶ ጓል እዚኣ ብድፍረት ንእመቤታ: “ጐይታይሲ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማርያ ዘሎ ነብዪ እንተ ዚህሉ: ሽዑ ኻብ ለምጹ መሕወዮ ነይሩ” በለት። እዛ ጓል እዚኣ: ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ካብ ምምስካር ኣየድሓርሐረትን። እዚ ድማ ጐይታኣ ንእማን: ንየሆዋ ኸም ዜምልኽ ገበሮ።—2 ነገ. 5:3, 17

ሱዛና እውን ብተመሳሳሊ: ብዛዕባ የሆዋን ህዝቡን ካብ ምምስካር ኣይተቘጠበትን። ብዛዕባ እምነታ ተቓውሞ ምስ ቀረበ: ተበግሶ ወሲዳ ብምጥባቕ ነቲ “ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር: ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ: ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን” ዚብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ትእዛዝ ኣብ ግብሪ ኣውዓለቶ። (1 ጴጥ. 3:15) ንስኻኸ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኬጋጥመካ ኸሎ ተበግሶ ወሲድካ ንእምነትካ ኽትጣበቐላ ድሉው ዲኻ፧

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

እዚ መሳርሒታት እዚ: ንእምነትካ ክትጣበቐላ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ