ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መልእኽቲ ናብ ሰብ ሮሜ ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ መልእኽቲ ናብ ሰብ ሮሜ ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ መልእኽቲ ናብ ሰብ ሮሜ ዚጐልሕ ነጥብታት

ኣብ ከባቢ 56 ድ.ክ. ሃዋርያ ጳውሎስ ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ኺገብር ከሎ ኣብ ከተማ ቈረንቶስ በጽሐ። እቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ኣይሁድን ኣህዛብን ዝዀኑ ክርስትናያት እተፈላለየ ኣረኣእያ ኸም ዝነበሮም ድማ ፈለጠ። ነቲ ዝነበሮም ምፍልላይ ፈቲሖም ብክርስቶስ ሓደ ኪዀኑ ኢሉ ኸኣ ተበግሶ ወሲዱ መልእኽቲ ለኣኸሎም።

ኣብታ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ዝለኣኻ መልእኽቲ: ሰባት ብኸመይ ኪጸድቁ ኸም ዚኽእሉን ብኸመይ ኪነብሩ ኸም ዘለዎምን ገለጸ። እዛ መልእኽቲ እዚኣ: ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽን ቃሉን ዘሎና ፍልጠት እተመሓይሽ: ንጸጋ ኣምላኽ እተጕልሕ: ነቲ ክርስቶስ ኣብ ምድሓንና ዘለዎ ግደ ድማ ኣዕዚዛ እትገልጽ መልእኽቲ እያ።—እብ. 4:12

ኪጽደቕ ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧

(ሮሜ 1:1–11:36)

ጳውሎስ: “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም። በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ በጃ ምሕላፍ ብኸምኡ ብጸጋኡ [ብጸጋ ኣምላኽ] ይጸድቁ” ኢሉ ጸሓፈ። “ሰብ ብዘይግብሪ ሕጊ ብእምነት ከም ዚጸድቕ” ድማ ገለጸ። (ሮሜ 3:23, 24, 28) ቅቡኣት ክርስትያናትን ኣባላት “ካልኦት ኣባጊዕ” ዝዀኑ “ብዙሓት ሰብ”ን ኣብ “ሓንቲ ግብሪ ጽድቂ” እምነት ብምግባር እዮም ‘ዚጸድቁ።’ ብኻልእ ኣበሃህላ: እቶም ቅቡኣት ክርስትናያት ምስ ክርስቶስ ሓቢሮም ንምግዛእ ኣብ ሰማይ ንኺነብሩ እዮም ጸዲቖም: እቶም ብዙሓት ሰብ ከኣ ካብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ድሒኖም ኣዕሩኽ ኣምላኽ ንኪዀኑ እዮም ጸዲቖም።—ሮሜ 5:18፣ ራእ. 7:9, 14፣ ዮሃ. 10:16፣ ያእ. 2:21-24፣ ማቴ. 25:46

ጳውሎስ: “ትሕቲ ጸጋ እምበር: ትሕቲ ሕጊ ኻብ ዘይኰንናስ: ሓጢኣትዶ ንግበር፧” ኢሉ ሓተተ። “ያእ ኣይፋልናን” ኢሉ ድማ መለሰ። ብተወሳኺ እውን “ንሓጢኣት እንተ ዀይኑ ንሞት: ንምእዛዝ እንተ ዀይኑ ንጽድቂ: . . . ባሮት [ኢኹም]” ኢሉ ገለጸ። (ሮሜ 6:15, 16) “ነቲ ግብሪ ስጋ ብመንፈስ እንተ ቐተልኩምዎ ግና: ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም” ከኣ በለ።—ሮሜ 8:13

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

1:24-32—እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ርኹስ ተግባራት ንኣይሁድ ድዩ ዜመልክት ወይስ ንኣህዛብ፧ እቲ ተዋሂቡ ዘሎ መግለጺ ንኽልቲኦም ኬመልክት ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ: ጳውሎስ ግን ብፍላይ ነቶም ጥንቲ ዝነበሩ ኸሓድቲ እስራኤላውያን ብምምልካት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ነቲ ጻድቕ ትእዛዝ ኣምላኽ ይፈልጥዎ እኳ እንተ ነበሩ: ‘ንኣምላኽ ኣብ ፍልጠቶም ኪሕዝዎ ኣይደለዩን።’ ስለዚ: ኪውቀሱ ዚግብኦም እዮም ነይሮም።

3:24, 25—እቲ ‘ብየሱስ ክርስቶስ እተኸፍለ በጃ’ ነቲ “ቐደም . . . እተገብረ ሓጢኣት” ኪሽፍኖ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ተመዝጊቡ ዚርከብ ብዛዕባ መሲሕ ዚገልጽ ናይ መጀመርታ ትንቢት: የሱስ ብ33 ድ.ክ. ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ ምስ ሞተ ተፈጸመ። (ገላ. 3:13, 16) ይኹን እምበር: ብኣረኣእያ የሆዋ እንተ ርኢናዮ: እቲ በጃ ኻብታ ነቲ ትንቢት እተዛረበላ ግዜ ጀሚሩ ተኸፊሉ እዩ። ከመይሲ: ነቲ ኣምላኽ ዝዓለሞ ኺዓግቶ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር የልቦን። ስለዚ: የሆዋ ነቲ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ መሰረት ብምግባር: ንሓጢኣት እቶም ኣብዚ መብጽዓ እዚ እምነት ዘሕደሩ ዘርኢ ኣዳም ይቕረ ኺብለሎም ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ: እቲ በጃ: እቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ ሰባት ትንሳኤ ኸም ዚረኽቡ ገበረ።—ግብ. 24:15

6:3-5—ናብ ክርስቶስ የሱስን ናብ ሞቱን ምጥማቕ እንታይ ማለት እዩ፧ የሆዋ ንሰዓብቲ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ኪቐብኦም ከሎ: ምስ የሱስ ሓደ ብምዃን ኣባላት ኣካል ክርስቶስ: ማለት ኣባላት እታ የሱስ ዝርእሳ ጉባኤ ይዀኑ። (1 ቈረ. 12:12, 13, 27፣ ቈሎ. 1:18) እዚ ኸኣ ናብ ክርስቶስ የሱስ ምጥማቕ የመልክት። ቅቡኣት ክርስትያናት: ነቲ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ብምሕዳግ መስዋእታዊ ናብራ ህይወት ስለ ዚነብሩ: ‘ናብ ሞት ክርስቶስ ተጠሚቖም’ እውን ኪበሃል ይከኣል እዩ። ስለዚ: እቲ ዚሞትዎ ሞት: ንኻልኦት ናይ ምብጃው ዓቕሚ እኳ እንተ ዘይብሉ: ልክዕ ከም የሱስ መስዋእታዊ ሞት እዩ። ሞይቶም ኣብ ሰማይ ንኺነብሩ ምስ ተንስኡ ድማ ናብ ሞት ክርስቶስ ምጥማቖም ይዛዘም።

7:8-11—‘ሓጢኣት ነቲ ሕጊ ምኽንያት ዚገብሮ’ ብኸመይ እዩ፧ እቲ ሕጊ: ሰባት ሓጢኣተኛታት ምዃኖም ከም ዚግንዘቡ ብምግባር ንስፍሓት ሓጢኣት ከም ዚርድእዎ ገይርዎም እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ: ብእተፈላለየ መገድታት ሓጢኣተኛታት ምዃኖም ከም ዜለልዩ ገበሮም፣ ብዙሓት ሰባት ከኣ ካብቲ ቕድሚኡ ዝሓስብዎ ዝነበሩ ንላዕሊ ሓጢኣተኛታት ምንባሮም ተቓልዑ። ስለዚ: ሓጢኣት ነቲ ሕጊ ምኽንያት ገይርዎ ኺበሃል ይከኣል እዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:14, 15 ነቲ ብስራት ብሃረርታ እንሰብከሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ። ሓደ ኻብኡ ድማ ነቶም ብኽቡር ደም የሱስ እተዓደጉ ሰባት ዕዳ ስለ ዘሎናን ብመንፈሳዊ መዳይ ክንሕግዞም ግዴታ ስለ ዘሎናን እዩ።

1:18-20 እቲ ዘይርአ ባህርያት ኣምላኽ ኣብ ፍጥረት ብጋህዲ ስለ ዚርአ: እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎምን እኩያትን ሰባት ‘ዜማኻንይዎ የብሎምን።’

2:28፣ 3:1, 2፣ 7:6, 7 ጳውሎስ: ነቲ ንኣይሁድ ዜነኣእስ ዚመስል ዝነበረ ሓሳብ ድሕሪ ምሃቡ: ልዙብ ዘረባ ተዛረበ። ንሕና እውን እንተ ዀነ: ብዛዕባ ተነቃፊ ርእሰ ነገራት ክንዛረብ ከለና ብሜላን ብኽእለትን ክንዛረብ ከም ዘሎና ዚሕብር ኣብነት እዩ።

3:4 እቲ ሰብ ዚብሎ ነገር ምስቲ ኣምላኽ ኣብ ቃሉ ዝበሎ ኺጋጮ ኸሎ: ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ ብምውካልን ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዕና ብምምልላስን: ‘ኣምላኽ ሓቀኛ ዀይኑ ኸም ዚርከብ’ ንገብር። ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ብቕንኣት ብምክፋል እውን: ካልኦት ንኣምላኽ ሓቀኛ ዀይኑ ንኺረኽብዎ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና።

4:9-12 እታ ኣብርሃም ዘርኣያ እምነት ንጽድቂ ዀይና እተቘጽረትሉ: ወዲ 99 ዓመት ኰይኑ ቕድሚ ምግራዙ ነዊሕ ይገብር እዩ። (ዘፍ. 12:4፣ 15:6፣ 16:3፣ 17:1, 9, 10) በዚ ድማ ኣምላኽ: ኣብ ቅድሚኡ ጽድቃዊ ኣቕዋም ከም ዚህልወና ዚገብር እንታይ ምዃኑ ኣርኣየ።

4:18 እምነትና ኣብ ተስፋ እተመስረተት እያ። ተስፋ ድማ ኣገዳሲት ክፋል እምነት እያ።—እብ. 11:1

5:18, 19 ጳውሎስ: የሱስ ምስ ኣዳም ዚመሳሰለሉ መገዲ ብርትዓዊ መገዲ ብምግላጽ: ሓደ ሰብ “ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍ” ዚኽእል ብኸመይ ምዃኑ ብንጹር ገለጸ። (ማቴ. 20:28) ነዚ ኸምዚ ዓይነት ብርትዓውን ብሓጺር መግለጽን ናይ ምምሃር ሜላ ኽንቀድሖ ኣሎና።—1 ቈረ. 4:17

7:23 ከም ኣእዳውናን ኣእጋርናን ልሳንናን ዝኣመሰለ ኽፋል ኣካላትና ‘ብሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉ ኺማርኸና’ ስለ ዚኽእል: ብግቡእ ክንጥቀመሉ ኣሎና።

8:26, 27 ኣዝዩ ዜጨንቕ ኵነታት ስለ ዘጋጠመና እንታይ ኢልና ኸም እንጽሊ ኺጠፍኣና ኸሎ: ‘እቲ መንፈስ ባዕሉ ይልምነልና።’ እቲ ‘ሰማዕ ጸሎት’ ዝዀነ የሆዋ ድማ ነቲ ኣብ ቃሉ ተመዝጊቡ ዘሎ ምስቲ ዅነታትና ዚሰማማዕ ጸሎት ካባና ኸም ዝመጸ ገይሩ ይቕበሎ።—መዝ. 65:2

8:38, 39 መከራ: እኩያት መንፈሳውያን ፍጡራት: ከምኡውን ሰብኣውያን መንግስትታት: የሆዋ ንዓና ንኸየፍቅረናን ንሕና ንዕኡ ንኸይነፍቅሮን ኪዓግቱና ኣይክእሉን እዮም።

9:22-28፣ 11:1, 5, 17-26 እቲ እስራኤላውያን ከም ዚምለሱ ዚገልጽ ሓያሎ ትንቢታት: ኣብ ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት እውን ተፈጺሙ እዩ፣ ኣባላት እታ ጉባኤ: ‘ካብ ኣይሁድ ጥራይ ዘይኰነስ: ካብ ኣህዛብ እውን እዮም ተጸዊዖም።’

10:10, 13, 14 እቲ ኣብ የሆዋን ኣብ መብጽዓታቱን ዘሎና እምነት ምስቲ ንኣምላኽን ንብጻይናን ዘሎና ፍቕሪ ተደሚሩ: ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ብቅንኣት ንኽንካፈል ኪድርኸና ይኽእል እዩ።

11:16-24, 33 “ናይ ኣምላኽ ለውሃትን ጭከናን” ክሳዕ ክንደይ ሚዛኑ ዝሓለወ ዀን እዩ! እወ: “ኵሉ መገዱ ፍርዲ እዩ እሞ: እቲ ኸውሒ ግብሩ ፍጹም እዩ።”—ዘዳ. 32:4

ምስ ጽድቂ ተሰማሚዕካ ምንባር

(ሮሜ 12:1–16:27)

ጳውሎስ: “እምብኣርሲ ኣሕዋተየ: ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ: ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ” በለ። (ሮሜ 12:1) ስለዚ: ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ: ማለት ክርስትያናት ብምኽንያት እምነቶም ጻድቃን ብምዃኖም: እቲ ስዒቡ እተገልጸ ነገር ነቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም: ብዛዕባ ኻልኦት: ከምኡውን ብዛዕባ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ዘለዎም ኣረኣእያ ኺጸልዎ ኣለዎ።

ጳውሎስ: “ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር: ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ: ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ: . . . እብሎ አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ። “ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን” ኢሉ ድማ ተማሕጸነ። (ሮሜ 12:3, 9) ጳውሎስ “ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ” በለ። (ሮሜ 13:1) ክርስትያናት ንሕልና ኣብ ዚምልከት ጕዳያት ‘ንሓድሕዶም ከይፈርዱ’ እውን ኣተባብዖም።—ሮሜ 14:13

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

12:20—ኣብ ርእሲ ጸላኢና “ጕሁር ሓዊ” ኽንእክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ: ንሓደ ዘይተጻረየ ሓጺን ኣብ ዓብዪ እቶን ብምእታው ብትሕቲኡን ብልዕሊኡን ከሰል ይግበረሉ ነበረ። እቲ ኣብ ልዕሊኡ እተጸፍጸፈ ጕሁር ከሰል ነቲ ዋዒ እናወሰኾ ይኸይድ: በዚ ኸምዚ እቲ ሓጺን ይመክኽ: ካብቲ ሓተላ ድማ ይፈላለ። ብተመሳሳሊ: ንጸላኢና ሰናይ ነገር ክንገብረሉ ኸለና: ነቲ ተሪር ጠባዩ ኸነምክኾ ኸምኡውን እቲ ብሉጽ ባህርያቱ ኸም ዚወጽእ ክንገብር ንኽእል።

12:21—‘ነቲ እከይ ብሰናይ ጌርና ኽንስዕሮ’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ከምዚ እንገብረሉ ሓደ መገዲ: ነቲ ብኣምላኽ እተዋህበና ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽ ዕዮ: የሆዋ ይኣክል ኽሳዕ ዚብል ብትብዓት ብምዕያይ እዩ።—ማር. 13:10

13:1—እቶም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን “ብኣምላኽ እተሰርዑ” ብኸመይ እዮም፧ ሰበ-ስልጣን ዓለም: ኣምላኽ ፈቒድሎም ስለ ዚገዝኡ: “ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም” ኪበሃል ይከኣል እዩ። ሓድሓደ ግዜ ኣምላኽ ንግዝኣቶም ብዚምልከት ኣቐዲሙ ይፈልጥ እዩ: እዚ ኸኣ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓያሎ ገዛእቲ እተነበዮ ትንቢት ተራእዩ እዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

12:17, 19 ሕነ ምፍዳይ: ነቲ ኣብ ኢድ የሆዋ ኺሕደግ ዚግብኦ ነገር ብኢደ ወነንና ስጕምቲ ምውሳድ ማለት እዩ። ስለዚ: ‘ክፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ክንፈዲ’ ኸለና ትዕቢት ነርኢ።

14:14, 15 ንሓውና ብምግቢ ዀነ ብመስተ ኸነጕህዮ ወይ ከነዐንቅፎ የብልናን።

14:17 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰናይ ኣቕዋም ምህላው: ብቐንዱ ኣብቲ እንበልዖን እንሰትዮን ወይ እንሕረሞ ብልዒ ወይ መስተ እተመርኰሰ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ: ምስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እተተሓሓዘ እዩ።

15:7 ነቶም ቅኑዓት ደለይቲ ሓቂ ብዘይ ኣድልዎ ናብ ጉባኤና ኽንቅበሎም: ንዝረኸብናዮ ዘበለ ሰብ ድማ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክንነግሮ ኣሎና።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

እቲ በጃ ነቲ ቕድሚ ምኽፋሉ እተገብረ ሓጢኣት እውን ዚሽፍን ድዩ፧