ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክንሃድመሉ ዘሎና ነገራት

ክንሃድመሉ ዘሎና ነገራት

ክንሃድመሉ ዘሎና ነገራት

“ኣቱም ውሉድ ኣትማን: ካብቲ ዚመጽእ ቍጥዓ ኸም እትመልቁኸ መን ሐበረልኩም፧” —ማቴ. 3:7

1. ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ዝሃደሙ ሰባት ንመን ክትጠቅስ ትኽእል፧

 “ሃደመ” እትብል ቃል ክትሰምዕ ከለኻ ኣብ ኣእምሮኻ እንታይ እዩ ዚመጸካ፧ ገሊኦም እቲ መልክዐኛ መንእሰይ ዝነበረ ዮሴፍ ካብታ ብዕልግቲ ሰበይቲ ጶጢፋር ኪሃድም ከሎ ኣብ ኣእምሮኦም ይስእሉ ይዀኑ። (ዘፍ. 39:7-12) ገሊኦም ከኣ ብዛዕባ እቶም ነቲ የሱስ: “የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኤኹም: . . . ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ: ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኸኣ ካብኣ ይውጽኡ” ኢሉ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ብምስማዕ ብ66 ድ.ክ. ካብ የሩሳሌም ዝሃደሙ ክርስትያናት ይሓስቡ ይዀኑ።—ሉቃ. 21:20, 21

2, 3. (ሀ) ዮሃንስ መጥምቕ ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት ዝነቐፎም ነቐፌታ እንታይ ትርጕም ዝሓዘለ እዩ ነይሩ፧ (ለ) የሱስ ነቲ ዮሃንስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ዘራጐዶ ብኸመይ እዩ፧

2 እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት: ቃል ብቓሉ እዮም ሃዲሞም። ሎሚ: ኣብ ብዘላ ምድሪ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብምሳልያዊ መገዲ ኺሃድሙ ኣለዎም። ዮሃንስ መጥምቕ ነታ ምስ ምህዳም እትቀራረብ ‘ምምላቝ’ እትብል ቃል በዚ መገዲ እዚ ተጠቒሙላ እዩ። ካብቶም ንዮሃንስ ኪርእይዎ ዝመጹ ሰባት: ኪንስሑ ዘየድልዮም ኰይኑ ዚስምዖም ዝነበረ ተመጻደቕቲ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ነበሩ። እዚኣቶም ነቶም ንስሓኦም ንምግላጽ ዚጥመቑ ዝነበሩ ተራ ህዝቢ ኣትሒቶም ይርእይዎም ነበሩ። ዮሃንስ ነዞም ግቡዛት መራሕቲ: “ኣቱም ውሉድ ኣትማን: ካብቲ ዚመጽእ ቍጥዓ ኸም እትመልቁኸ መን ሐበረልኩም፧ እምብኣርስከ ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ ግበሩ” ብምባል ድምብርጽ ከይበሎ ኣቃልዖም።—ማቴ. 3:7, 8

3 ዮሃንስ ቃል ብቓሉ ብዛዕባ ምምላቝ ወይ ምህዳም ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። የግዳስ: ብዛዕባ ዚመጽእ ፍርዲ ወይ መዓልቲ ቝጥዓ እዩ ዜጠንቅቕ ነይሩ፣ ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት ከኣ ካብታ መዓልቲ ኼምልጡ እንተ ዀይኖም: ንንስሓኦም ዜርኢ ፍረ ኼፍርዩ ኸም ዘለዎም ነገሮም። ጸኒሑ የሱስ ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት ብትብዓት ኰነኖም፣ ኪቐትልዎ ይሓስቡ ብምንባሮም: ናይ ሓቂ ኣቦኦም ድያብሎስ ምዃኑ ተጋህደ። (ዮሃ. 8:44) የሱስ ነቲ ዮሃንስ ኣቐዲሙ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኼራጕዶ ኸሎ: “ውሉድ እቲ መንደላይ ተመን” ኢሉ ጸውዖም፣ “ከመይ ጌርኩምከ ኻብ ፍርዲ ገሃነም ክትመልቁ፧” ኢሉ እውን ሓተቶም። (ማቴ. 23:33) የሱስ “ገሃነም” ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

4. የሱስ “ገሃነም” ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

4 ገሃነም ኣብ ወጻኢ መካበብያ የሩሳሌም ዚርከብ ጐሓፍን ገምቢ እንስሳታትን ዚቃጸለሉ ስንጭሮ እዩ ነይሩ። (ኣብ ገጽ 27 ርአ።) የሱስ ነታ ገሃነም እትብል ቃል ንዘለኣለማዊ ሞት ንምምልካት እዩ ተጠቒሙላ። ብዛዕባ እቲ ኻብ ገሃነም ምምላቝ ብሕቶ መልክዕ ኪዛረብ ከሎ: እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ብደረጃ ጕጅለ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ከም ዚግብኦም እዩ ዚሕብር ነይሩ።—ማቴ. 5:22, 29

5. ዮሃንስን የሱስን ዝሃብዎ መጠንቀቕታ ኸም እተፈጸመ ታሪኽ ዜረጋግጽ ብኸመይ እዩ፧

5 መራሕቲ ኣይሁድ ንየሱስን ንሰዓብቱን ብምስጓጕ ኣብ ርእሲ ሓጢኣቶም ሓጢኣት ወሰኹ። ጸኒሑ ኸምቲ ዮሃንስን የሱስን ዘጠንቀቕዎ: መዓልቲ ቝጥዓ ኣምላኽ መጸት። ኣብቲ ግዜ እቲ: እቲ “ዚመጽእ ቍጥዓ” ኣብ ሓደ ኸባቢ: ማለት ኣብ የሩሳሌምን ይሁዳን ዘተኰረ ነበረ፣ ስለዚ: ቃል ብቓሉ ኽትሃድመሉ ዚከኣል እዩ ነይሩ። ብ70 ድ.ክ. የሩሳሌምን ቤተ መቕደሳን ብሰራዊት ሮማውያን ምስ ተደምሰሰት: እቲ ቝጥዓ መጸ። እቲ “መከራ” እቲ የሩሳሌም ቅድሚኡ ኻብ ዝረኣየቶ እቲ ዝዓበየ እዩ ነይሩ። ብዙሓት ተቐትሉ ወይ ተማረኹ። እዚ ድማ ነቶም ክርስትያናት ኢና ዚብሉን ሰዓብቲ ኻልኦት ሃይማኖታት ዝዀኑን ዚጽበዮም ዘሎ ዝዓበየ ጥፍኣት ዚሕብር እዩ።—ማቴ. 24:21

ክንሃድመሉ ዘሎና ናይ መጻኢ ቝጥዓ

6. ኣብታ ቐዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ እንታይ እዩ ኪቕልቀል ጀሚሩ፧

6 ገለ ኻብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ከሓድቲ ዀኑ: ሰዓብቲ ድማ ኣጥረዩ። (ግብ. 20:29, 30) ሃዋርያት የሱስ ብህይወት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን: ክሕደት ከይኣቱ ‘ይኽልክሉ’ ነበሩ፣ ምስ ሞቱ ግን ብዙሓት ኣንቈራታት ናይ ሓሶት ክርስትያን ተፈጥሩ። ሎሚ: ኣብ ውሽጢ ህዝበ-ክርስትያን ኣማእታት ንሓድሕደን ዚጋጨዋ ሃይማኖታት ኣለዋ። መጽሓፍ ቅዱስ: ጕጅለ ኣቕሽሽቲ ህዝበ-ክርስትያን ከም ዚለዓል ሓቢሩ ነበረ: ነዚ ጕጅለ እዚ ድማ “ሰብኣይ ዓመጻ” ኢሉ ድሕሪ ምጽዋዕ: “እቲ ወዲ ጥፍኣት: . . . ንእኡ ጐይታና የሱስ . . . ኼጥፍኦ: ብምግላጽ ምጽኣቱውን ከንቱ ኺገብሮ እዩ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ።—2 ተሰ. 2:3, 6-8

7. እቲ “ሰብኣይ ዓመጻ” ዚብል መግለጺ ንኣቕሽሽቲ ህዝበ-ክርስትያን ዚግብኦም ስለምንታይ እዩ፧

7 ኣቕሽሽቲ ህዝበ-ክርስትያን ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጻረር ትምህርትታትን በዓላትን ኣኻይዳን ብምትብባዕ ንሚልዮናት ስለ ዘስሓቱ: ገበርቲ ዓመጻ ዀይኖም ተረኺቦም እዮም። እዞም ሕጂ ዘለዉ ኽፍሊ “እቲ ወዲ ጥፍኣት” ዝዀኑ ኣምለኽቲ: ከምቶም የሱስ ዝዀነኖም መራሕቲ ሃይማኖት: ተስፋ ትንሳኤ ዘይብሉ ጥፍኣት ይጽበዮም ኣሎ። (2 ተሰ. 1:6-9) ነቶም ብኣቕሽሽቲ ህዝበ-ክርስትያንን ብመራሕቲ ኻልኦት ናይ ሓሶት ሃይማኖታትን እተታለሉ ህዝቢ ደኣኸ እንታይ እዩ ዚጽበዮም ዘሎ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ: ነቲ ብ607 ቅ.ክ. የሩሳሌም ድሕሪ ምጥፋኣ ዝሰዓበ ፍጻመታት እስከ ንመርምር።

“ካብ ባቢሎን ህደሙ”

8, 9. (ሀ) ኤርምያስ ነቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ምሩኻት ብትንቢት እንታይ መልእኽቲ ኣመሓላለፈሎም፧ (ለ) ሜዶናውያንን ፋርሳውያንን ንባቢሎን ምስ ሰዓርዋ: ኣይሁድ ብኸመይ እዮም ኪሃድሙ ዝኸኣሉ፧

8 ነብዪ ኤርምያስ ነቲ ብ607 ቅ.ክ. ዘጋጠመ ጥፍኣት የሩሳሌም ተነብይዎ ነይሩ። ህዝቢ ኣምላኽ ናብ ምርኮ ኸም ዚውሰዱ: ድሕሪ “ሰብዓ ዓመት” ከኣ ናብ ዓዶም ከም ዚምለሱ ተዛሪቡ ነይሩ። (ኤር. 29:4, 10) ኤርምያስ ነቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ምሩኻት ኣገዳሲ መልእኽቲ ነበሮ፣ እዚ ድማ በቲ ኣብ ባቢሎን ዝነበረ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከይብከሉ ኺጥንቀቑ እዩ። በዚ ኸምዚ እቲ ምዱብ ግዜ ምስ ኣኸለ ናብ የሩሳሌም ንኺምለሱን ንጹህ ኣምልኾ ንኬቝሙን ድሉዋት ይዀኑ። እዚ ድማ ሜዶናውያንን ፋርሳውያንን ብ539 ቅ.ክ. ንባቢሎን ድሕሪ ምስዓሮም ነዊሕ ከይጸንሐ ተፈጸመ። እቲ ፋርሳዊ ንጉስ ቂሮስ ዳግማይ ንኣይሁድ ናብ ዓዶም ተመሊሶም ኣብ የሩሳሌም ቤተ መቕደስ የሆዋ ኺሃንጹ ኣዋጅ ኣውጽአ።—እዝ. 1:1-4

9 ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣይሁድ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒሞም ናብ ዓዶም ተመልሱ። (እዝ. 2:64-67) ከምኡ ብምግባሮም: ነቲ ኤርምያስ ንኺሃድሙ: ማለት ንኺወጹ ብትንቢት ዝሃቦ ትእዛዝ ፈጸሙ። (ኤርምያስ 51:6, 45, 50 ኣንብብ።) ናብ የሩሳሌምን ይሁዳን ነዊሕ ጕዕዞ ኺገብሩ ዅነታቶም ዝፈቐደሎም ግን ኵሎም ኣይሁድ ኣይነበሩን። እቶም ከምቲ ብዕድመ ዝደፍአ ነብዪ ዳንኤል ዝኣመሰሉ ኣብ ባቢሎን ዝተረፉ ኣይሁድ: ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዝማእከሉ ንጹህ ኣምልኾ ብምሉእ ልቦም ክሳዕ ዝደገፉን ካብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ባቢሎን ክሳዕ እተፈልዩን: በረኸት ኣምላኽ ኪረኽቡ ይኽእሉ ነበሩ።

10. “ዓባይ ባቢሎን” ብምንታይ “ርኽሰት” እያ ብሓላፍነት እትሕተት፧

10 ሎሚ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ክፍሊ እቲ ኻብ ጥንታዊት ባቢሎን ዝመንጨወ እተፈላለየ ዓይነት ናይ ሓሶት ሃይማኖት እዮም። (ዘፍ. 11:6-9) እዘን ሃይማኖታት እዚኣተን ብሓባር: “ዓባይ ባቢሎን: ኣደ ኣመናዝርን ኣደ ርኽሰት ምድርን” ተባሂለን ተጸዊዐን ኣለዋ። (ራእ. 17:5) ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንፖለቲካውያን መራሕቲ ዓለም ናይ ምድጋፍ ነዊሕ ታሪኽ ኣለዋ። ገለ ኻብቲ ብሓላፍነት እትሕተተሉ “ርኽሰት:” ብኣማእታት ሚልዮናት ‘ኣብ ምድሪ ኸም ዚሕረዱ’ ዝገበረ ሓያሎ ውግኣት እዩ። (ራእ. 18:24) ካልእ ዝገበረቶ “ርኽሰት” ድማ: እቲ ኣቕሽሽቲ ዝፈጸምዎን መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያን ዕሽሽ ዝበልዎን ቈልዑ ናይ ምንዋር ተግባርን ካልእ ዓይነት ጾታዊ ርኽሰትን የጠቓልል። እሞኸ የሆዋ ኣምላኽ ነዛ ናይ ሓሶት ሃይማኖት እንተ ኣጥፈኣ እንታይ ዜገርም ኣለዎ፧—ራእ. 18:8

11. ዓባይ ባቢሎን ክሳዕ እትድምሰስ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት እንታይ ግዴታ እዩ ዘለዎም፧

11 ነዚ ዚፈልጡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንኣባላት ዓባይ ባቢሎን ናይ ምጥንቃቕ ግዴታ ኣለዎም። ሓደ ኻብቲ ነዚ ዚገብሩሉ መገዲ: መጽሓፍ ቅዱስን እቲ “ምግቦም በብጊዜኡ” ኺህቦም የሱስ ዝሸሞ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዜዳልዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋትን ብምዕዳል እዩ። (ማቴ. 24:45) ገሊኦም ውልቀ-ሰባት ኣብ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ኬርእዩ ኸለዉ: ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ንምሕጋዞም መሰናድዎ ይግበር እዩ። እቲ ግዜ ቕድሚ ምውዳኡ: ነቲ “ኻብ ባቢሎን ህደሙ” ዚብል መጠንቀቕታ ኺሰምዕዎ ተስፋ ንገብር።—ራእ. 18:4

ካብ ኣምልኾ ጣኦት ህደሙ

12. ኣምላኽ ንኣምልኾ ምስልታትን ጣኦታትን ብኸመይ ይርእዮ፧

12 ኣብ ዓባይ ባቢሎን ልሙድ ዝዀነ ኻልእ ርኹስ ተግባር: ኣምልኾ ምስልታትን ጣኦታትን እዩ። ኣምላኽ ነዚ ተግባር እዚ “ጽያፍ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (ዘዳ. 29:17) እቶም ንኣምላኽ ኬሐጕሱ ዚደልዩ ዘበሉ ዅሎም: ምስቲ ንሱ ባዕሉ: “ኣነ [“የሆዋ:” NW] እየ: ስመይ እዚኣ እያ: ክብረተይ ከኣ ንኻልእ: ምስጋናይውን ንጽሩብ ምስልታት ኣይህብን እየ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ብምስምማዕ: ካብ ኣምልኾ ጣኦት ኪርሕቑ ኣለዎም።—ኢሳ. 42:8

13. ካብ እንታይ ረቂቕ ዓይነት ኣምልኾ ጣኦት ኢና ኽንሃድም ዘሎና፧

13 ቃል ኣምላኽ ረቂቕ ዓይነት ኣምልኾ ጣኦት ከም ዘሎ እውን የቃልዕ እዩ። ንኣብነት: ንስስዐ: “ኣምልኾ ጣኦት” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (ቈሎ. 3:5) ኣብዚ ስስዐ ኺበሃል ከሎ: ንኽልኩል ነገር: ንኣብነት ንንብረት ካልኦት ምምናይ ማለት እዩ። (ዘጸ. 20:17) እቲ ጸኒሑ ሰይጣን ድያብሎስ ዝዀነ መልኣኽ: ከምቲ ልዑል ኣምላኽ ንኪኸውንን ንኺምለኽን ስስዐ ዝመልኦ ትምኒት ኣሕደረ። (ሉቃ. 4:5-7) እዚ ድማ ካብ የሆዋ ኸም ዚዓሉን ንሄዋን ከኣ ብኣምላኽ እተኸልከለ ነገር ንኽትምነ ኸም ዚሓብላን ገበሮ። ኣዳም እውን ነቲ ኻብ ሰበይቱ ንኸይፍለ ዝሓደሮ ስስዐ ዝመልኦ ትምኒት: ካብቲ ነቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦኡ ዘለዎ ተኣዛዝነት ንላዕሊ ኣገዳሲ ገይሩ ብምርኣዩ: ኣምልኾ ጣኦት ፈጺሙ ኺበሃል ይከኣል እዩ። ብኣንጻሩ ግን: ኵሎም እቶም ካብ መዓልቲ ቝጥዓ ኣምላኽ ኪሃድሙ ዚደልዩ: ንኣምላኽ በይኑ ጥራይ ውፉያት ኪዀኑን ካብ ዝዀነ ይኹን ከምዚ ዝኣመሰለ ስስዐ ኺርሕቑን ኣለዎም።

“ካብ ምንዝርና ህደሙ”

14-16. (ሀ) ዮሴፍ ብስነ-ምግባር ዝመጸ ሰናይ ኣብነት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ርኹስ ጾታዊ ትምኒት እንተ ኣልዩና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ (ሐ) ካብ ምንዝርና ብምህዳም ዝመጸ ብኸመይ ኢና ኽንዕወት እንኽእል፧

14 ቀዳማይ ቈረንቶስ 6:18 ኣንብብ። ሰበይቲ ጶጢፋር ንዮሴፍ ከተስሕቶ ምስ ፈተነት: ንሱ ቓል ብቓሉ ኻብኣ ሃደመ። ዮሴፍ ንንጽል ኰኑ ንእተመርዓዉ ክርስትያናት ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ ሓዲጉሎም! ሕልናኡ በቲ ንኣተሓሳስባ ኣምላኽ ዚሕብር ኣቐዲሙ ዘጋጠመ ፍጻመታት ከም እተቐርጸ ንጹር እዩ። ነቲ “ኻብ ምንዝርና ህደሙ” ዚብል ትእዛዝ ክንሕሉ እንተ ደሊና: ካብ መርዓ ወጻኢ ንዚለዓዓል ዝዀነ ይኹን ጾታዊ ትምኒት ከነርሕቖ ኣሎና። ብዛዕባ እዚ: “ኣካላትኩም ቅተሉ፤ ምንዝር: ርኽሰት: ፍትወት ስጋ: ክፉእ ትምኒት: ስስዔ: እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ: ብሰሪ እዚ ነገርዚ እቲ ቝጥዓ ኣምላኽ . . . ይወርድ እዩ” ዚብል መምርሒ ተዋሂቡና ኣሎ።—ቈሎ. 3:5, 6

15 ነቲ “ቝጥዓ ኣምላኽ . . . ይወርድ እዩ” ዚብል ቃላት እሞ ኣስተብህለሉ። ብዙሓት ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ዘይግቡእ ጾታዊ ትምኒት የሕድሩ: ነዚ ድማ ይፍጽምዎ። ስለዚ: ንሕና ክርስትያናት ዘበልና ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ ርኹስ ጾታዊ ትምኒት ምእንቲ ኸይንኣቱ: ካብ ኣምላኽ ሓገዝን መንፈስ ቅዱስን ንምርካብ ክንጽሊ ኣሎና። ብተወሳኺ: መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብ: ከምኡውን ነቲ ብስራት ንጐረባብትና ምንጋር: ‘ብመንፈስ ንኽንመላለስ’ የኽእለና። ከምዚ እንተ ጌርና: ‘ትምኒት ስጋ ኣይክንፍጽምን ኢና።’—ገላ. 5:16

16 ስእለ-ጽዩፍ ንርኢ እንተ ዄንና: ‘ብመንፈስ ንመላለስ’ ከም ዘየለና ንጹር እዩ። ብዘይካዚ: ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ጾታዊ ስምዒት ዜለዓዕል ነገራት ካብ ምንባብ: ካብ ምርኣይ: ወይ ካብ ምስማዕ ኪሕሎ ኣለዎ። ኣብ ርእሲ እዚ: እቶም “ቅዱሳን” ህዝቢ ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ብምውዛይ ወይ ብምዕላል ኪዘናግዑ የብሎምን። (ኤፌ. 5:3, 4) በዚ ኸምዚ ኸኣ ብሓቂ ኻብቲ ዚወርድ ቍጥዓ ኣምላኽ ከነምልጥን ኣብታ ጽድቂ ዚነብረላ ሓዳስ ዓለም ክንነብርን ከም እንደሊ ነቲ ፈቃር ኣቦና ነርእዮ።

ካብ “ፍቕሪ ገንዘብ” ህደሙ

17, 18. ካብ “ፍቕሪ ገንዘብ” ክንሃድም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

17 ጳውሎስ ኣብታ ናብ ጢሞቴዎስ ዝለኣኻ ቐዳመይቲ መልእኽቱ: ነቶም ክርስትያን ባሮት ዚጠቅም መሰረታዊ ስርዓት ኣጕሊሑ እዩ። ገለ ኻብዞም ባሮት እዚኣቶም ክርስትያን ጐይተት ስለ ዝነበርዎም: ስጋዊ ረብሓታት ኪረኽቡ ይጽበዩ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ከኣ ነቲ ቕዱስ ነገር ርኹስ ረብሓ ንምርካብ ኪጥቀሙሉ ፈቲኖም ይዀኑ። ጳውሎስ ነቶም “ኣምልኾስ መገባብሮ [ስጋዊ] ረብሓ ኸም ዝዀነ . . . ዚመስሎም” መጠንቀቕታ ሃቦም። ሱር እቲ ጸገም “ፍቕሪ ገንዘብ” እዩ ነይሩ፣ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ሃብታም ኰነ ድኻ ሕማቕ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ።—1 ጢሞ. 6:1, 2, 5, 9, 10

18 ብሰንኪ “ፍቕሪ ገንዘብ” ወይ ፍቕሪ እቲ ብገንዘብ ኪዕደግ ዚኽእል ኣድላዪ ዘይኰነ ነገራት ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ርክብ ዘበላሸዉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ኣብነታት ትፈልጥዶ፧ (እያ. 7:11, 21፣ 2 ነገ. 5:20, 25-27) ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ: “ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ: ንስኻ ግና ካብዚ ህደም እሞ ደድሕሪ ጽድቂ: ኣምልኾ: እምነት: ፍቕሪ: ትዕግስቲ: ህድኣት ስዐብ” ኢሉ ተማሕጸኖ። (1 ጢሞ. 6:11) ኵሎም እቶም ካብቲ ዚወርድ መዓልቲ ቝጥዓ ኺድሕኑ ዚደልዩ: ነዚ ማዕዳ እዚ ኺስዕብዎ ኣለዎም።

“ካብ ትምኒት ጕብዝና ህደም”

19. ኵሎም መንእሰያት እንታይ እዩ ዜድልዮም፧

19 ምሳሌ 22:15 ኣንብብ። ኣብ ልቢ መንእሰይ ዘሎ ዕሽነት ብቐሊሉ መገዱ ኼስሕቶ ይኽእል እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተግሳጽ ግን: ነዚ ንምስናፉ ኺሕግዞ ይኽእል እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ወለዲ ዘለውዎም ብዙሓት ክርስትያን መንእሰያት: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ስርዓታት ረኺቦም ኪዓዩሉ ይጽዕሩ እዮም። ገሊኦም ከኣ ካብቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ብመንፈስ ብሱላት ዝዀኑ ክርስትያናት ዚረኽብዎ ጥበባዊ ማዕዳ ይጥቀሙ እዮም። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ ኻብ ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ: ነቲ ምኽሪ ምሕላዉ ሕጅን ኣብ መጻእን ሓጐስ ኬምጽኣልና ይኽእል እዩ።—እብ. 12:8-11

20. መንእሰያት ካብ ሕማቕ ትምኒት ንኺሃድሙ ብኸመይ ሓገዝ ኪረኽቡ ይኽእሉ፧

20 ካልኣይ ጢሞቴዎስ 2:20-22 ኣንብብ። ጠቓሚ ተግሳጽ ዘይተዋህቦም ብዙሓት መንእሰያት: ኣብ ከም መንፈስ ውድድርን ስስዐን ምንዝርን ፍቕሪ ገንዘብን ደድሕሪ ተድላ ምስዓብን ዝኣመሰለ መገዲ ዕሽነት ወዲቖም እዮም። እዚ ኸኣ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንሃድመሉ ዚምሕጸነና “ትምኒት ጕብዝና” የንጸባርቕ። ምህዳም ኪበሃል ከሎ: ሓደ ክርስትያን መንእሰይ ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ዘይጥዑይ ጽልዋ ኺሕሎ ማለት እዩ። ብፍላይ እቲ “ምስቶም ብንጹህ ልቢ ንእግዚኣብሄር ዚጽውዕዎ” ኣምላኻዊ ባህርያት ንኽንስዕብ እተዋህበ መለኰታዊ ማዕዳ ሓጋዚ እዩ።

21. የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እቶም ኣባጊዕ መሰል ዝዀኑ ሰዓብቱ እንታይ ዜደንቕ መብጽዓ እዩ እተመባጽዐ፧

21 ንኣሽቱ ንኹን ዓበይቲ: ነቶም ኬስሕቱና ዚፍትኑ ሰባት ክንሰምዖም ዘይምድላይና: ምስቶም ካብ ‘ድምጺ ኻልእ ዚጋልቡ’ ወይ ዚሃድሙ ኣባጊዕ መሰል ዝዀኑ ሰዓብቲ የሱስ ክንቍጸር ከም እንደሊ የርኢ። (ዮሃ. 10:5) ካብ መዓልቲ ቝጥዓ ኣምላኽ ንምምላጥ ግን: ካብ ጐዳኢ ነገራት ካብ ምህዳም ንላዕሊ ኽንገብር ኣሎና። ኣወንታዊ ባህርያት እውን ክንስዕብ ይግባኣና። ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ: ሸውዓተ ኻብዚ ባህርያት እዚ ኽንመያየጠሉ ኢና። የሱስ: “ኣነ ኸኣ [ንኣባጊዐይ] ህይወት ዘለኣለም እህበን: ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን: ካብ ኢደይውን ዚምንዝዔን የልቦን” ኢሉ ዜደንቕ መብጽዓ ስለ እተመባጽዐ: ነዚ ባህርያት እዚ ብዝርዝር ንኽንምርምሮ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና።—ዮሃ. 10:28

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• የሱስ ንመራሕቲ ሃይማኖት እንታይ መጠንቀቕታ ሃቦም፧

• ሎሚ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ኣብ ምንታይ ሓደገኛ ዅነታት እዮም ዘለዉ፧

• ካብ ምንታይ ረቂቕ ዓይነት ኣምልኾ ጣኦት ኢና ኽንሃድም ዘሎና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 8,9 ዘሎ ስእሊ]

“ህደም” እትብል ቃል ክትሰምዕ ከለኻ ኣብ ኣእምሮኻ እንታይ እዩ ዚመጸካ፧