ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክንስዕቦ ዘሎና ባህርያት

ክንስዕቦ ዘሎና ባህርያት

ክንስዕቦ ዘሎና ባህርያት

“ደድሕሪ ጽድቂ: ኣምልኾ: እምነት: ፍቕሪ: ትዕግስቲ: ህድኣት ስዐብ።” —1 ጢሞ. 6:11

1. እታ “ሰዓበ” እትብል ቃል እንታይ ማለት ምዃና ብኣብነት ግለጽ።

 “ሰዓበ” እትብል ቃል ክትሰምዕ ከለኻ ኣብ ኣእምሮኻ እንታይ እዩ ዚመጸካ፧ ምናልባት ብዛዕባ እቲ ብግዜ ሙሴ: ሰራዊት ግብጺ ንእስራኤላውያን ድሕሪ ምስዓቦም: ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝጠፍኡሉ ፍጻመ ትዝክር ትኸውን። (ዘጸ. 14:23) ወይ ከኣ ጥንቲ ሓደ እስራኤላዊ ኸይፈለጠ ሰብ ምስ ቀተለ ዜጋጥሞ ሓደገኛ ዅነታት ትዝ ይብለካ ይኸውን። እቲ ቐታሊ ናብ ሓንቲ ኻብተን ሽዱሽተ ኸተማታት ዕቝባ ብቕልጡፍ ኪሃድም ነበሮ። እንተ ዘይኰይኑ: ‘እቲ ፈዳይ ደም ልቡ ነዲድዎ ኸሎ: ነቲ ቐታሊ ይሰጎ [ወይ ይስዕቦ]: ኣርኪቡ ድማ ይቐትሎ።’—ዘዳ. 19:6

2. (ሀ) ኣምላኽ ንገሊኦም ክርስትያናት እንታይ ዓስቢ ኺስዕቡ እዩ ኣንቢሩሎም ዘሎ፧ (ለ) የሆዋ ሎሚ ንዘለዉ መብዛሕትኦም ክርስትያናት እንታይ ተስፋ እዩ ኣዳልዩሎም ዘሎ፧

2 ካብዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣብነታት መጽሓፍ ቅዱስ ፍልይ ብዝበለ መገዲ: ሃዋርያ ጳውሎስ “ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ: ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጐዪ አሎኹ” ኢሉ ብምጽሓፍ ነቲ ምስዓብ ዚብል ሓሳብ ብኣወንታዊ መገዲ ኸም እተጠቕመሉ ኣስተብህል። (ፊል. 3:14) ጳውሎስ እውን ዚርከቦም 144,000 ቅቡኣት ክርስትያናት ነቲ ዓስቢ ሰማያዊ ህይወት ከም ዚረኽቡ: መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ ንሽሕ ዓመት ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዚገዝኣሉ እዋን ምስኡ ሓቢሮም ኪገዝኡ እዮም። ነዚኣቶምሲ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ኺስዕብዎ ዘለዎም ብሉጽ ሸቶ ዀን እዩ ኣንቢሩሎም! መብዛሕትኦም ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ግን: ካብዚ እተፈለየ ተስፋ ወይ ሸቶ እዩ ዘለዎም። የሆዋ ብፍቕሩ ተደሪኹ ነቲ ኣዳምን ሄዋንን ዘጥፍእዎ: ማለት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ምስ ፍጹም ጥዕና ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኣዳልዩሎም ኣሎ።—ራእ. 7:4, 9፣ 21:1-4

3. ንጸጋ ኣምላኽ ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

3 ሓጥኣን ሰባት በቲ ቕኑዕ ንምግባር ዚገብርዎ ፍጽምና ዝጐደሎ ጻዕርታቶም ጥራይ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ኣይክእሉን እዮም። (ኢሳ. 64:6) ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪርከብ ዚከኣል ኣብቲ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዘዳለዎ ፍቕራዊ መሰናድዎ እምነት ብምግባር ጥራይ እዩ። ንጸጋ ኣምላኽ ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ ሓደ መገዲ: ነቲ “ደድሕሪ ጽድቂ: ኣምልኾ: እምነት: ፍቕሪ: ትዕግስቲ: ህድኣት ስዐብ” ዚብል ትእዛዝ ብምሕላው እዩ። (1 ጢሞ. 6:11) ነዚ ባህርያት እዚ ምምርማርና: “ብዝበለጸ” ንኽንስዕቦ ቘራጽነት ንኽንገብር ኪሕግዘና ይኽእል።—1 ተሰ. 4:1 ትርጕም 1990

“ጽድቂ . . . ስዐብ”

4. “ጽድቂ” ምስዓብ ኣገዳሲ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ ሓደ ሰብከ ኣብ ፈለማ እንታይ ስጕምትታት ኪወስድ ኣለዎ፧

4 ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ ኣብ ዝለኣኸን ክልቲአን መልእኽትታቱ: ኪሰዓባ ዘለወን ባህርያት ዘርዚሩ ኣሎ: ኣብ ክልቲአን ከኣ “ጽድቂ” ብቐዳምነት ተጠቒሳ ኣላ። (1 ጢሞ. 6:11፣ 2 ጢሞ. 2:22) ብዘይካዚ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ካልእ ጥቕስታት እውን ጽድቂ ኽንስዕብ ብተደጋጋሚ የተባብዓና እዩ። (ምሳ. 15:9፣ 21:21፣ ኢሳ. 51:1) ከምኡ ኽንገብር እንጅምረሉ መገዲ: ብዛዕባ ‘እቲ ሓደ በይኑ ኣምላኽ ሓቅን ንሱ ዝለኣኾ የሱስ ክርስቶስን ፍልጠት’ ብምጥራይ እዩ። (ዮሃ. 17:3) ሓደ ሰብ ጽድቂ ዚስዕብ እንተ ደኣ ዀይኑ: ኣብ ዝሓለፈ ብዝፈጸሞ ሓጢኣት ንኺንሳሕን ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ‘ንኺምለስን’ ይድረኽ።—ግብ. 3:19, 20

5. ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብጽድቂ ምምልላስ ንኽንጅምርን ብእኡ ንኽንቅጽልን እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

5 ብሓቂ ጽድቂ ዚስዕቡ ዘለዉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት: ህይወቶም ንየሆዋ ወፍዮምን ነዚ ወፈያኦም ብማይ ብምጥማቕ ኣርእዮምን እዮም። ጥሙቕ ክርስትያን እንተ ዄንካ: ናብራ ህይወትካ ጽድቂ ትስዕብ ከም ዘለኻ ዜርኢ ኪኸውን ከም ዚግባእ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ ሓደ ኻብቲ ጽድቂ እትስዕበሉ መገዲ: ኣብ ህይወትካ ኣገዳሲ ውሳነታት ኬጋጥመካ ኸሎ: “ጽቡቕን ክፉእን” እንታይ ምዃኑ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከተለሊ ምኽኣል እዩ። (እብራውያን 5:14 ኣንብብ።) ንኣብነት: ዕድሜኻ ንመርዓ ዝኣኸለ ንጽል ክርስትያን እንተ ዄንካ: ምስ ዘይተጠምቀ ክርስትያን ዝዀነ ይኹን ፍቕራዊ ርክብ ንኸይትምስርት ፈጺምካ ቘሪጽካ ዲኻ፧ ጽድቂ ትስዕብ እንተ ኣሊኻ: እወ ቘሪጽካ ኢኻ።—1 ቈረ. 7:39

6. ብሓቂ ጽድቂ ምስዓብ ኪበሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧

6 ጻድቕ ምዃን ኪበሃል ከሎ: ካብ ምምጽዳቕ ወይ “እምብዛ ጻድቕ” ካብ ምዃን እተፈልየ እዩ። (መክ. 7:16) የሱስ: ካብ ካልኦት ዝሓሽካ መሲልካ ንኽትርአ ኢልካ ኸምዚ ዓይነት ጽድቂ ኸተርኢ ምፍታን ግቡእ ዘይምዃኑ ኣጠንቂቑ ኣሎ። (ማቴ. 6:1) ብሓቂ ጽድቂ ምስዓብ ኪበሃል ከሎ: ንልቢ እውን ዚሓቍፍ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንግጉይ ሓሳባትን ኣረኣእያታትን ድራኸታትን ትምኒታትን ምእራም የጠቓልል። ነዚ ብቐጻሊ እንተ ዓዪናሉ: ከቢድ ሓጢኣት ኣይክንፍጽምን ኢና። (ምሳሌ 4:23 ኣንብብ፣ ምስ ያእቆብ 1:14, 15 ኣረኣኢ።) ኣብ ልዕሊኡ እውን: የሆዋ ይባርኸና: ካልእ ኣገዳሲ ክርስትያናዊ ባህርያት ንምስዓብ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ድማ ይሕግዘና።

“ኣምልኾ . . . ስዐብ”

7. “ኣምልኾ” ኺበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

7 ኣምልኾ ኺበሃል ከሎ: ንኣምላኽ ውፉይን እሙንን ምዃን የጠቓልል። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ-ቓላት እታ “ኣምልኾ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: “ነቲ ጥዑይን ጥንቃቐ ዝመልኦን ፍርሃት ኣምላኽ” ከም እተመልክት ገሊጹ ኣሎ። እስራኤላውያን ብዙሕ ግዜ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተወፋይነት ካብ ምርኣይ ሰኒፎም እዮም። ነዚ ድማ ኣምላኽ ካብ ግብጺ ሓራ ምስ ኣውጽኦም እውን ከይተረፈ ትእዛዛቱ ብምጥሓስ ኣንጸባረቕዎ።

8. (ሀ) ሓጢኣት ኣዳም እንታይ ሕቶ እዩ ዘበገሰ፧ (ለ) መልሲ እቲ ቕዱስ “ምስጢር” ብኸመይ እዩ እተገልጸ፧

8 እቲ ፍጹም ሰብ ዝነበረ ኣዳም ድሕሪ ምሕጣኡ ንኣሽሓት ዓመታት: “ሰብ ፍጹም ኣምልኾ ኼርኢ ይኽእል ድዩ፧” ዚብል ሕቶ ተበጊሱ ነበረ። ንዘመናት ብፍጹም ኣምልኾ እተመላለሰ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን። ግዜኡ ምስ ኣኸለ ግን: የሆዋ ንመልሲ እዚ ቕዱስ “ምስጢር” እዚ ገለጾ። ህይወት እቲ ሓደ ሰማያዊ ወዱ ናብ ማሕጸን ማርያም ብምምሕልላፍ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ኸም ዚውለድ ገበረ። የሱስ ኣብ ብምሉኡ ምድራዊ ህይወቱ: እንተላይ ኣብቲ ዜሰቅቕ ሞቱ: ንናይ ሓቂ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ውፉይን እሙንን ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ጸሎቱ ነቲ ፈቃር ኣቦኡ ዝነበሮ ኣኽብሮት ዜርኢ ነበረ። (ማቴ. 11:25፣ ዮሃ. 12:27, 28) ስለዚ ድማ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣብነታዊ ህይወት የሱስ ኪጽሕፍ ከሎ: ብዛዕባ “ኣምልኾ” እውን ንኺገልጽ የሆዋ ብመንፈሱ ገይሩ ደረኾ።—1 ጢሞቴዎስ 3:16 ኣንብብ።

9. ኣምልኾ ኽንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

9 ምስ ሓጢኣትና ኸለና: ንኣምላኽ ፍጹም ኣምልኾ ኸነቕርበሉ ኣይንኽእልን ኢና። ኰይኑ ግን: ኣምልኾ ኽንስዕብ ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ ብእተኻእለና መጠን ኣስኣሰር ኣርኣያ ክርስቶስ ምስዓብ ይሓትት። (1 ጴጥ. 2:21) በዚ ኸምዚ: ከምቶም “መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም: ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ” ግቡዛት ኣይንኸውንን። (2 ጢሞ. 3:5) ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን: ናይ ሓቂ ኣምልኾ ምስ ደጋዊ ትርኢት ዋላ ሓንቲ ምትሕሓዝ የብሉን ማለት ኣይኰነን። ምትሕሓዝ ከም ዘለዎ ፈጺሙ ኣየተሓታትትን እዩ። ንኣብነት: ኣብ መዓልቲ መርዓና ዀነ ናብ ዕዳጋ ኣብ እንኸደሉ እዋን እንኽደኖ ኽዳን ክንመርጽ ከለና: ትርኢትና ወትሩ “ፍርሃት እግዚኣብሄር” ከም ዘሎና ዜርኢ ኪኸውን ኣለዎ። (1 ጢሞ. 2:9, 10) እወ: ኣምልኾ ምስዓብ ኪበሃል ከሎ: ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ነቲ ጻድቕ መለክዒታት ኣምላኽ ክንዓየሉ ዚሓትት እዩ።

“እምነት . . . ስዓብ”

10. እምነትና ድልድልቲ ንኽትከውን እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

10 ሮሜ 10:17 ኣንብብ። ሓደ ክርስትያን ድልድልቲ እምነት ንኼጥርን ነታ እምነቱ ሒዙ ንኪቕጽልን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ክቡር ሓቅታት ኬስተንትን ኣለዎ። እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ሓያሎ ጽቡቕ ጽሑፋት ኣዳልዩልና ኣሎ። ብፍላይ እተን ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ: ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር: ከምኡውን “ንዓ ስዓበኒ” ዚብል ኣርእስቲ ዘለወን ሰለስተ መጻሕፍቲ: ንክርስቶስ ብዝያዳ ንኽንፈልጦን ንኽንመስሎን ኪሕግዛና እየን ተዳልየን። (ማቴ. 24:45-47) እቲ ባርያ: “ቃል ክርስቶስ” ዜጕልሕ ሰሙናውን ዓበይትን ኣኼባታት እውን የዳልወልና እዩ። ናብቲ ኣምላኽ ዘዳለዎ ‘ኣዚኻ ንኸተቕልብ’ ነዚ ብዝያዳ ኽትጥቀመሉ እትኽእል መገድታት ክትረክብ ትኽእልዶ፧—እብ. 2:1

11. ደድሕሪ እምነት ንምስዓብ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ጸሎትን ተኣዛዝነትን እንታይ ግደ ኣለዎ፧

11 ድልድልቲ እምነት ንኽንሃንጽ ዚሕግዘና ኻልእ መገዲ ኸኣ ጸሎት እዩ። ሓደ ግዜ ሰዓብቲ የሱስ ንጐይታ: “እምነት ወስኸና” ኢሎም ለመንዎ። ንሕና እውን ንኣምላኽ ብትሕትና ኸምኡ ኢልና ኽንልምኖ ኣሎና። (ሉቃ. 17:5) እምነትና ንኽትድልድል: ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱሱ ንኺሕግዘና ኽንጽሊ ኣሎና፣ ከመይሲ: እምነት ክፍሊ እቲ “ፍረ መንፈስ” እያ። (ገላ. 5:22) ብተወሳኺ: ትእዛዛት ኣምላኽ ምሕላው ንእምነትና የደልድሎ። ንኣብነት: ኣብ ዕዮ ስብከት ብዝያዳ ንኽንካፈል ጻዕሪ ኽንገብር ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ ብዙሕ ሓጐስ ከየፍረየልና ኣይተርፍን እዩ። ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ብምድላይ’ ዚርከብ በረኸት ምልስ ኢልና ኽንሓስበሉ ኸለና ድማ: እምነትና ትዓቢ።—ማቴ. 6:33

“ፍቕሪ . . . ስዐብ”

12, 13. (ሀ) የሱስ ዝሃቦ ሓድሽ ትእዛዝ እንታይ እዩ፧ (ለ) ከም ናይ ክርስቶስ ዓይነት ፍቕሪ በየናይ ኣገዳሲ መገድታት ኢና እንስዕብ፧

12 ቀዳማይ ጢሞቴዎስ 5:1, 2 ኣንብብ። ክርስትያናት ንሓድሕዶም ብኸመይ ፍቕሪ ኼርእዩ ኸም ዘለዎም: ጳውሎስ ግብራዊ ምኽሪ ሂቡ እዩ። ኣምልኾና ነቲ የሱስ ከምቲ ዘፍቀረና ጌርና ‘ንሓድሕድና ኽንፋቐር’ ዝሃበና ሓድሽ ትእዛዝ ምሕላው የጠቓልል። (ዮሃ. 13:34) ሃዋርያ ዮሃንስ: “ዝዀነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረአዮስ ድንጋጹ ዚዐጽወሉ: ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር፧” በለ። (1 ዮሃ. 3:17) ፍቕሪ ብግብራዊ መገዲ ዘርኣኻሉ ኣጋጣሚታት ክትዝክርዶ ትኽእል፧

13 ካልእ ደድሕሪ ፍቕሪ እንስዕበሉ መገዲ ኸኣ: ንኣሕዋትና ቒም ኣብ ክንዲ እንሕዝ: ይቕረ ብምባል እዩ። (1 ዮሃንስ 4:20 ኣንብብ።) ነዚ ዚስዕብ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምኽሪ ኽንስዕቦ ንደሊ ኢና:- “ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም: እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ: ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ [“የሆዋ:” NW] ይቕረ ዝበለልኩም: ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ።” (ቈሎ. 3:13) ኣብ ጉባኤኻ ይቕረ ኽትብለሉ እትኽእል ሰብ ኣሎዶ፧ እሞኸ ይቕረ ኽትብለሉ ዲኻ፧

“ትዕግስቲ . . . ስዐብ”

14. ካብ ጉባኤ ፊላደልፍያ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

14 ናይ ሓጺር ግዜ ሸቶ ንምውቃዕ ምጽዓር ዚነኣድ እኳ እንተ ዀነ: እቲ ሸቶ ንምብጻሑ ኣጸጋሚ ወይ ካብቲ እተጸበናዮ ዝረሓቐ ምስ ዚኸውን ግን ዝያዳ ትዕግስቲ እዩ ዚሓተና። ሸቶ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምስዓብ ከኣ: ትዕግስቲ ኸም ዚሓትት ንጹር እዩ። ጐይታና የሱስ ነታ ኣብ ፊላደልፍያ ዝነበረት ጉባኤ: “ንቓል ትዕግስተይ ስለ ዝሐሎኻዮ: ኣነ ድማ ካብታ . . . ሰዓት ፈተና ኽሕልወካ እየ” በላ። (ራእ. 3:10) እወ: የሱስ ብዛዕባ ኣድላዪነት ትዕግስቲ ምሂሩ እዩ፣ እዛ ባህርይ እዚኣ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ንኸይንሕለል ትሕግዘና። እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ጉባኤ ፊላደልፍያ ዝነበሩ ኣሕዋት ንእምነቶም ኣብ ዚፍትን ሓያሎ ፈተናታት ሓለፍ ዝበለት ትዕግስቲ ኣርእዮም ኪዀኑ ኣለዎም። ስለዚ: የሱስ ኣብ ዝዓበየ ፈተና ተወሳኺ ሓገዝ ከም ዚህቦም ተመባጽዓሎም።—ራእ. 3:10

15. የሱስ ብዛዕባ ትዕግስቲ እንታይ እዩ ዝመሃረ፧

15 የሱስ: ሰዓብቱ ብዘይኣመንቲ ኣዝማድን ብዓለምን ከም ዚጽልኡ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ: እንተ ወሓደ ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት: “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና: ንሱ ኺድሕን እዩ” ኢሉ ኣተባብዖም። (ማቴ. 10:22፣ 24:13) ኣብቲ ግዜ እቲ ደቀ መዛሙርቱ ንኺዕገሱ ዜድልዮም ብርታዐ ብኸመይ ከም ዚረኽቡ እውን ሓበሮም። ኣብ ሓደ ምሳሌ: ነቶም “ንቓል [ኣምላኽ] . . . ብሓጐስ ዚቕበልዎ:” ኣብ እምነቶም ፈተናታት ምስ ኣጋጠሞም ግን ዚወድቁ ውልቀ-ሰባት ምስ ኣኻውሕ ዝበዝሖ መሬት ኣመሳሲልዎም ኣሎ። ነቶም እሙናት ሰዓብቱ ግን ነቲ ቓል ኣምላኽ “ዚዐቝርዎ: ብትዕግስቲውን ፍረ ዚፈርዩ” ብምዃኖም: ምስ ጽቡቕ መሬት ኣመሳሲልዎም ኣሎ።—ሉቃ. 8:13, 15

16. ንሚልዮናት ሰባት ኪዕገሱ ዝሓገዞም እንታይ ፍቕራዊ መሰናድዎ እዩ፧

16 ትዕግስቲ ንምግባር ኣገዳሲ ዝዀነ ረቛሒ ኣስተብሂልካሉዶ፧ ንቓል ኣምላኽ ‘ክንዓቝሮ:’ ማለት ኣብ ኣልባብናን ኣእምሮናን ህያው ክንገብሮ ኣሎና። እቲ ልክዕነቱ ዝሓለወን ንምንባቡ ቐሊል ዝዀነን ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ዚበሃል ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ በብግዜኡ ብብዙሕ ቋንቋታት ይትርጐም ምህላዉ: ንቓል ኣምላኽ ንኽንዓቝሮ ዝቐለለ ይዀነልና ኣሎ። መዓልታዊ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ምስትንታንና: “ብትዕግስቲ” ፍረ ንኽንፈሪ ዜድልየና ብርታዐ ንኽንረክብ ይሕግዘና።—መዝ. 1:1, 2

“ህድኣት”ን ሰላምን “ስዐብ”

17. (ሀ) “ህድኣት” ኣዝያ ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ (ለ) የሱስ ህዱእ ከም ዝነበረ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧

17 ዘይበሎ ወይ ዘይወዓሎ ነገር ጌርካ ተባሂሉ ኪኽሰስ ከሎ ባህ ዚብሎ ዋላ ሓደ የልቦን። ንሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይፍትሓዊ ነቐፌታታት ኼጋጥሞም ከሎ: ብቝጥዓ እዮም ከም ዘይወዓልዎ ዚገልጹ። ኣብ ክንዳኡ ግን: ብ“ህድኣት” እንተ ዚምልሱ ኽንደይ ዝሓሸ ምዀነ! (ምሳሌ 15:1 ኣንብብ።) ዘይፍትሓዊ ነቐፌታ ኼጋጥም ከሎ: ብህድኣት ምምላስ ዓብዪ ብርታዐ ይሓትት። የሱስ ክርስቶስ ኣብዚ መዳይ እዚ ፍጹም ኣብነት ሓዲጉ እዩ። “ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈ: መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ: ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሀበ እምበር: ዘየፋራርሄ” ተባሂሉሉ ኣሎ። (1 ጴጥ. 2:23) ኣብዚ መዳይ እዚ ማዕረ የሱስ ክንከውን ትጽቢት ዘይንገብር እኳ እንተ ዀንና: ህዱኣት ብምዃን ዝመጸ ግን ምምሕያሽ ክንገብር ንኽእልዶ፧

18. (ሀ) ህድኣት እንታይ ጽቡቕ ፍረ እያ እተፍሪ፧ (ለ) እንታይ ካልእ ባህርይ ክንስዕብ እዩ ምትብባዕ ተዋሂቡና፧

18 ንየሱስ ብምምሳል ብዛዕባ እምነትና ንዚሓተና ዘበለ ‘ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎና ንኹን: ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ንግበሮ።’ (1 ጴጥ. 3:15) እወ: ህዱኣት ምዃንና: ምስቶም ኣብ ኣገልግሎት እንረኸቦም ሰባት ኰነ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ዚፍጠር ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ: ናብ ርሱን ክትዕ ንኸየምርሕ ይከላኸል። (2 ጢሞ. 2:24, 25) ህድኣት: ሰላም ተፍርየልና። ስለዚ ኸኣ እዩ ዚኸውን ጳውሎስ ኣብታ ናብ ጢሞቴዎስ ዝለኣኻ ኻልአይቲ መልእኽቱ: ን“ሰላም” ኣብ መንጎ እተን ኪሰዓባ ዘለወን ባህርያት ዝጠቐሳ። (2 ጢሞ. 2:22፣ ምስ 1 ጢሞቴዎስ 6:11 ኣረኣኢ።) እወ: “ሰላም” ሓንቲ ኻብተን ቅዱሳት ጽሑፋት ክንስዕበን ዜተባብዓና ባህርያት እያ።—መዝ. 34:14፣ እብ. 12:14

19. ነተን ሸውዓተ ክርስትያናዊ ባህርያት ድሕሪ ምምርማርካ: እንታይ ክትስዕብ ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧ ስለምንታይከ፧

19 ክንስዕበን ምትብባዕ እተዋህበና ሸውዓተ ክርስትያናዊ ባህርያት ርኢና ኣሎና፣ እዚኣተን ከኣ ጽድቂ: ኣምልኾ: እምነት: ፍቕሪ: ትዕግስቲ: ህድኣት: ሰላም እየን። ኣብ ኵለን ጉባኤታት ዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ነዘን ክቡራት ባህርያት ምሉእ ብምሉእ ንኼንጸባርቑ ምስ ዚጋደሉስ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ ዚርከብ! እዚ ንየሆዋ የኽብሮ: ንነፍሲ ወከፍና ድማ ንዕኡ ውዳሰ ብዜምጽእ መገዲ ንኪቐርጸና መገዲ ይኸፍተሉ።

ንምስትንታን ዚኸውን ሓሳባት

• ጽድቅን ኣምልኾን ምስዓብ ኪበሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧

• እምነትን ትዕግስትን ንኽንስዕብ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

• ፍቕሪ ነቲ ኣብ ንሓድሕድና ዘሎና ርክብ ብኸመይ ክትጸልዎ ይግባእ፧

• ህድኣትን ሰላምን ክንስዕብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ: ጽድቅና ብሰብ ንኺረኣየልና ኢልና ኸይንገብሮ ኣጠንቀቐ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ብዛዕባ ሓቅታት ቃል ኣምላኽ ብምስትንታን ደድሕሪ እምነት ክንስዕብ ንኽእል ኢና

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ደድሕሪ ፍቕርን ህድኣትን ክንስዕብ ንኽእል ኢና