ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ብዛዕባ ገሃነም እሳት ድዩ ዚዛረብ ነይሩ፧

የሱስ ብዛዕባ ገሃነም እሳት ድዩ ዚዛረብ ነይሩ፧

የሱስ ብዛዕባ ገሃነም እሳት ድዩ ዚዛረብ ነይሩ፧

ንሰረተ-እምነት ገሃነም እሳት ዚኣምኑሉ ገሊኦም ሰባት: ነቲ ኣብ ማርቆስ 9:48 (ወይ ቍጽሪ 44, 46) ዚርከብ ቃላት የሱስ ይጠቕሱ እዮም። ኣብኡ የሱስ ብዛዕባ ዘይሞቱ ሓሳኹን ዘይጠፍእ ሓውን ጠቒሱ ኣሎ። ሓደ ሰብ ብዛዕባ እዚ እንተ ዚሓተካ እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

እቲ ሰብ ከከም ዚጥቀመሉ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ: ቍጽሪ 44, 46, ወይ 48 ኬንብበልካ ይኽእል እዩ፣ እዚኣተን ኣብ ገሊኡ ትርጕማት ተመሳሳሊ ሓሳብ እዩ ዘለወን። a ኣብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ግን እዚ ዚስዕብ ጥራይ እዩ ዚርከብ:- “ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካ: ጐጥጒጥካ ደርብያ፣ ክልተ ዓይኒ ኣልዩካ: ናብቲ ሓሰኻኦም ዘይመውት: ሓዉ እውን ዘይጠፍእ ገሃነም ካብ እትድርበስ: ሓንቲ ዓይኒ ሒዝካ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ይሕሸካ።”—ማር. 9:47, 48

ዝዀነ ዀይኑ ገሊኦም ሰባት: እቲ የሱስ እተዛረቦ ዘረባ: ነቲ ድሕሪ ሞት ነፍሳት እኩያት ንዘለኣለም ይሳቐያ ዚብል እምነት ዚድግፍ ምዃኑ ይማጐቱ። ንኣብነት: ዩኒቨርሲቲ ነቫር ብስጳንኛ ኣብ ዘዳለዎ ሳግራዳ ቢብሊያ ዘሎ ሓሳባት ከምዚ ይብል:- “ጐይታና ኣብ ገሃነም ንዘሎ ስቓይ ንኼመልክት [ነዘን ቃላት እዚኣተን] እዩ ተጠቒሙ። መብዛሕትኡ ግዜ ‘እቶም ዘይሞቱ ሓሳኹ’ ነቲ እቶም ኣብ ገሃነም ዘለዉ ዚስምዖም ዘለኣለማዊ ጣዕሳ የመልክት፣ ‘እቲ ዘይጠፍእ ሓዊ’ ኸኣ ንኣካላዊ ስቓዮም የመልክት።”

ይኹን እምበር: ንቓላት የሱስ ምስታ ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ ዘላ ናይ መወዳእታ ቝጽሪ እሞ ኣነጻጽሮ። b የሱስ ነታ ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 66 እትርከብ ጥቕሲ ይእምት ከም ዝነበረስ ንጹርዶ ኸይኰነ፧ ኣብኡ እቲ ነብዪ “ኻብ የሩሳሌም ናብቲ መስዋእቲ ሰብ ዚቐርበሉን (ኤር. 7:31) ኣብ መወዳእታኡ መጕሓፊ እታ ኸተማ ዝዀነን ኣብ ከባቢኣ ዝነበረ ለሰ ሄኖም (ገሃነም)” ብዛዕባ ምውጻእ እዩ ዜመልክት ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። (ዘ ጀሮም ቢብሊካል ኮመንታሪ) እቲ ኣብ ኢሳይያስ 66:24 ዚርከብ ምሳልያዊ ኣዘራርባ ብዛዕባ ዚሳቐዩ ሰባት ዘይኰነስ: ብዛዕባ ሬሳታት ምንባሩ ንጹር እዩ። ከም ዘይሞቱ ተጠቒሶም ዘለዉ: ሓሳኹ ደኣ እምበር: ህያዋን ሰባት ወይ ዘይሞታ ነፍሳት ኣይኰኑን። የሱስ ደኣ እሞ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

ኣብቲ ብካቶሊካውያን እተዳለወ ኢል ኢቫንሀሊዮ ደ ማርኮስኣናሊሲስ ሊንጒስቲኮ ኢ ኮመንታርዮ ኤክስሀቲኮ ዚበሃል ጽሑፍ: ኣብ 2ይ ጥራዝ ብዛዕባ ማርቆስ 9:48 እተዋህበ ሓሳብ እሞ ኣስተብህለሉ:- “[እታ] ሓረግ ካብ ኢሳይያስ (66:24) እያ ተወሲዳ። ኣብኡ ኸኣ እቲ ነብዪ ነቲ ሬሳታት ዚጠፍኣሉ ኽልተ መገድታት ሓቢሩ ኣሎ፣ እዚ ድማ ብምምሽማሽን ብምቅጻልን እዩ። . . . ኣብቲ ጽሑፍ: ሓሳኹን ሓውን ብሓደ ተጠቒሱ ምህላዉ ነቲ ጥፍኣት ዚብል ሓሳብ ዜራጕዶ እዩ። . . . ክልቲኡ መጥፍኢ ሓይልታት ከም ነባሪ (ማለት ከም ‘ዘይመውትን ዘይጠፍእን’) ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ፣ ብሓጺሩ: ከተምልጠሉ ዘይትኽእል ምዃኑ የመልክት። ኣብዚ ኣገላልጻ እዚ: እቲ ዘይጠፍእ ነገራት ሰብ ዘይኰነስ: ሓሳኹን ሓውን እዩ፣ እዚ ኽልቲኡ ድማ ናብኡ ዝመጸ ዝዀነ ይኹን ነገር የጥፍእ። ስለዚ: እዚ ንዘለኣለማዊ ስቓይ ዘይኰነስ: ንሓደ ኻብቲ ኸም ናይ መወዳእታ ሞት ዚቝጸር ትንሳኤ ዘይርከቦ ነባሪ ጥፍኣት እዩ ዚገልጽ። እምበኣር: [ሓዊ] ምልክት ጥፍኣት እዩ።”

እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ፈቃርን ፍትሓውን ምዃኑ ዚፈልጥ ዝዀነ ይኹን ሰብ: ንቓላት የሱስ በዚ መገዲ እዚ ምርዳኡ ኽሳዕ ክንደይ ርትዓዊ ምዃኑ ኼስተውዕል ይኽእል እዩ። የሱስ: እኩያት ንዘለኣለም ከም ዚሳቐዩ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። የግዳስ: ትንሳኤ ዘይርከቦ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ኬጋጥሞም ከም ዚኽእል እዩ ዚሕብር ነይሩ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብቲ ልዕሊ ዅሉ ዜተኣማምን ኢደ-ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ: ቍጽሪ 44, 46 ኣይርከባን እየን። እዘን ክልተ ቝጽርታት ድሓር እተወሰኻ ኪዀና ኸም ዚኽእላ ምሁራት ይሰማምዑሉ እዮም። ፕሮፌሰር ኣርቺባልድ ቶማስ ሮበርትሰን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ብጥንታውነቱን ብብሉጽነቱን ቀዳማይ ቦታ ዝሓዘ ኢደ-ጽሑፋት ነዘን ክልተ ቝጽርታት ኣየጠቓልልን እዩ። ኣብቲ ምዕራባውን ሶርያውን (ቢዛንትዩማዊ) ጕጅለ ኢደ-ጽሑፋት እየን ዚርከባ። ድግማ ቝጽሪ 48 ጥራይ እየን። ስለዚ: ቍጽሪ 44, 46 ሓቅነት ዘይብለን ብምዃነን [ኣውጺእናየን] ኣሎና።”

b “ወጺኦም ከኣ ንሬሳታት እቶም ካባይ ዝዐለዉ ኺርእዩ እዮም: ሓሰኻኦም ኣይኪመውትን: ሓዎም ድማ ኣይኪጠፍእን እዩ እሞ: ንዅሉ ስጋውን መፈንፈኒ ኪዀኑ እዮም።”—ኢሳ. 66:24