ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድኽመታት እናሃለወካ ኽነሱ ምብርታዕ

ድኽመታት እናሃለወካ ኽነሱ ምብርታዕ

ድኽመታት እናሃለወካ ኽነሱ ምብርታዕ

ድኽመታትካ ኺዕብልለካ ይኽእል እዩ። ልክዕ ከም ዓለቕቲ እውን ኪጠብቀካ ይኽእል እዩ። ፈጺምካ ኽትዋጽኣሉ ኸም ዘይትኽእል ትሓስብ ወይ ከኣ ንርእስኻ ምስ ካልኦት ብምውድዳር ብቕዓት ዘይብልካ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: ምስ ሓደ ጕልበትካን ሓጐስካን ዜጥፍኣልካ ዜማስን ሕማም ትቃለስ ትህሉ ትኸውን። እቲ ጠንቂ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ: ኣብ መጻወድያ ዝኣተኻ ዀይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። ከምቲ እዮብ እተሰምዖ ይስምዓካ ይኸውን። ንሱ ንኣምላኽ: “ኣየ: ቍጥዓኻ ኽሳዕ ዚሐልፍሲ: እንተ ትስውረኒ: ኣብ ሲኦል እንተ ትሐብአኒ: መዓልቲ ቘጸራ እንተ ትውስነለይ እሞ: ብድሕሪኡ እንተ ትዝክረኒ” በሎ።—እዮ. 14:13

ንኸምዚ ዝኣመሰለ ተስፋ ምቝራጽ ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧ ከቢድ ዚመስል እኳ እንተ ዀነ: ንእተወሰነ እዋን ብዛዕባ ጸገማትካ ዘይምሕሳብ ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት: የሆዋ ነቲ እሙን ኣገልጋሊኡ ዝነበረ እዮብ: “ኣነ ንምድሪ ኽስርታ ኸሎኹስ: ኣበይ ነበርካ፧ ኣእምሮ እንተ አልዩካስ: ንገረኒ። ነቲ ልክዓ ዝወሰነ መን እዩ፧ — ዒራ ትፈልጦ ኢኻ: — ገመድ መለክዒ ኣብ ልዕሊኣ ዝዘርግሔኸ መን እዩ፧” ብምባል ዝሓተቶ መንፈስ ዝነፈሶ ሕቶታት እሞ ሕስብ ኣብለሉ። (እዮ. 38:4, 5) ትርጕም እዚ ሕቶታት እዚ ኽንሓስብ ከለና: ነቲ ዝለዓለ ጥበብን ሓይልን የሆዋ ኣፍልጦ ኽንህብ ንድረኽ ኢና። ነዚ ሕጂ ዚርአ ዘሎ ዅነታት ዓለም ንኪቕጽል ዘፍቀደሉ እኹል ምኽንያት ኣለዎ።

“ኣብ ስጋይ ግራጭ”

ካልእ እሙን ኣገልጋሊ: ነቲ ‘ኣብ ስጋኡ ዝነበረ ግራጭ’ ማለት ነቲ ወግሐ ጸብሐ ዜጨንቖ ዝነበረ ጸገም ኬርሕቐሉ ንየሆዋ ሓተቶ። ሃዋርያ ጳውሎስ እቲ ዝነበሮ ጸገም ኪውገደሉ ንኣምላኽ ሰለስተ ሳዕ ለመኖ። እቲ ጸገም እንታይ ከም ዝነበረ ብዘየገድስ: ልክዕ ከም ግራጭ ኰይኑ ነቲ ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝነበሮ ሓጐስ ከም ዚስእን ገይርዎ እዩ። ነዚ ኸኣ ብቐጻሊ ምስ ምስቓይ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። መልሲ የሆዋ: “ሓይለይ ብድኻም እዩ ዚፍጸም እሞ: ጸጋይ ይአኽለካ” ዚብል ነበረ። የሆዋ ነቲ ኣብ ስጋኡ ዝነበረ ግራጭ ኣየርሓቐሉን። ጳውሎስ ምስቲ ጸገም ይቃለስ እኳ እንተ ነበረ: “ምስ ዝደክም: ሽዑ እየ ዝብርትዕ” ኢሉ ተዛረበ። (2 ቈረ. 12:7-10) እንታይ ማለቱ እዩ፧

እቲ ጳውሎስ ዝነበሮ ጸገም ብተኣምራዊ መገዲ ኣይጠፍአን። ምስናይዚ ግን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዜደንቕ ተግባራት ንኸይዓዪ ኣይዓገቶን። ኣብ ደገፍ የሆዋ ብምትእምማን ሓገዙ ንኺረክብ ብቐጻሊ ሓተተ። (ፊል. 4:6, 7) ኣብ ኣጋ መወዳእታ ምድራዊ ህይወቱ: “ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ: እቲ ጕያ ወዲኤ: ነታ እምነት ሐልየ” ኺብል ከኣለ።—2 ጢሞ. 4:7

ዘይፍጹማት ሰባት ጕድለትን ጸገማትን እናሃለዎም ክነሱ: የሆዋ ግን ፍቓዱ ንምፍጻም ይጥቀመሎምን ኣኽቢሩ ይርእዮምን እዩ። ነቲ ዘለዎም ጸገም ኪዋጽእሉን ኣብ ኣገልግሎቱ ዘለዎም ሓጐስ ኪዕቅቡን ዜኽእሎም መምርሕን ጥበብን ኪህቦም ይኽእል እዩ። እወ: ድኽመት እናሃለዎም ክነሱ: ዓበይቲ ተግባራት ንኺገብሩ ዘይፍጹማት ሰባት ኪጥቀም ይኽእል እዩ።

ጳውሎስ: ኣምላኽ ነቲ ኣብ ስጋኡ ዝነበረ ግራጭ ዘየርሓቐሉ ምኽንያት “እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ” ምዃኑ ገለጸ። (2 ቈረ. 12:7) እቲ ጳውሎስ ዝነበሮ “ግራጭ” ዓቕሙ ድሩት ምዃኑ የዘኻኽሮን ትሑት ንኪኸውን ይሕግዞን ነበረ። እዚ ምስቲ የሱስ: “ርእሱ ዘልዐለ ኺሐስር: ርእሱ ዘትሐተ ኸኣ ልዕል ኪብል እዩ” ብምባል ዝመሃሮ ትምህርቲ ዚሰማማዕ እዩ። (ማቴ. 23:12) ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብቲ ዜጋጥሞም ፈተናታት ትሕትና ኺመሃሩን ብተኣማንነት ንምዕጋስ ኣብ የሆዋ ኺውከሉ ኸም ዜድልዮም ኪግንዘቡን ይኽእሉ እዮም። በዚ ኸምዚ ድማ ልክዕ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ብየሆዋ ኺምክሑ’ ይኽእሉ።—1 ቈረ. 1:31

ሕቡእ ድኽመታት

ገሊኦም ሰባት: ዘየስተብሃልዎ ወይ ከኣ ኣፍልጦ ኺህብሉ ዘይደልዩ ድኽመታት ኪህልዎም ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ሓደ ሰብ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣብ ርእሱ ይተኣማመን ይኸውን። (1 ቈረ. 10:12) ካልእ ኣብ ዘይፍጹማት ሰባት ብብዝሒ ዚርአ ድኽመት ከኣ ዝና ንምርካብ ዘለዎም ባህጊ እዩ።

ንንጉስ ዳዊት ሓለቓ ሰራዊቱ ዝነበረ ዮኣብ: ተባዕን ቈራጽን በሊሕን እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: በቲ ትዕቢት ዜንጸባርቕ ሕማቕ ኣካይዳኡን ናይ ህርፋን መንፈሱን ገበነኛ ነበረ። ንኽልተ ሓላቑ ሰራዊት ብጭካነ ቐተሎም። ፈለማ ንኣብኔር ብምቕታል ሕነ ፈደየ። ጸኒሑ ኸኣ: ነቲ ወዲ ሓትኖኡ ዝነበረ ዓማሳ ዚስዕሞ መሲሉ ብየማነይቲ ኢዱ ጭሕሙ ብምሓዝ በቲ ኣብ ጸጋማይ ኢዱ ዝነበረ ሴፍ ቀተሎ። (2 ሳሙ. 17:25፣ 20:8-10) ዮኣብ ነቲ ንዕኡ ተኪኡ ሓለቓ ሰራዊት ኰይኑ ዝነበረ መቐናቕንቱ ዓማሳ ብምቕታል: እንደገና ተመሊሱ ሓለቓ ሰራዊት ኪኸውን ተስፋ ገይሩ ነበረ። ዮኣብ ነቲ ናይ ስስዐ መንፈሱ ኸም ዘይተቘጻጸሮ ኽትርኢ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ዝገበሮ ነገራት ከይተጣዕሰ ብጭካነ ፈጸሞ። ንጉስ ዳዊት ኣብ ኣጋ መወዳእታ ህይወቱ: ዮኣብ ብሰንኪ እቲ ዝገበሮ ሕማቕ ተግባራት ንኪቕተል: ንሰሎሞን ወዱ ኣዘዞ።—1 ነገ. 2:5, 6, 29-35

በቲ ሕማቕ ትምኒታትና ኽንሰዓር የብልናን። ድኽመታትና ኽንቈጻጸር ንኽእል ኢና። ቅድሚ ዅሉ ንድኽመታትና ኸነለልን ክንእመነሉን ይግባእ። ድሕርዚ ንምስዓሩ ስጕምቲ ኽንወስድ ንኽእል ኢና። ድኽመታትና ንኸነሰንፍ ብቐጻሊ ናብ የሆዋ ኽንጽልን ነቲ ዝንባለታት ንኽንቃለስ ቃሉ ብትግሃት ከነጽንዕን ንኽእል ኢና። (እብ. 4:12) ጕድለታትና ንኸነሰንፍ ቀጻሊ ጻዕሪ ኽንገብር ዜድልየና እኳ እንተ ዀነ: ተስፋ ኽንቈርጽ የብልናን። ዘይፍጹማት ክሳዕ ዝዀንና እቲ ቓልሲ ይቕጽል ይኸውን። ጳውሎስ ብዛዕባ ርእሱ: “ነቲ ዝጸልኦ እገብሮ አሎኹ እምበር: ነቲ ዝደልዮ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ” ኢሉ ብምጽሓፍ ነዚ ኣፍልጦ ሃበ። እንተዀነ ግን: እቲ ዚገብሮ ዝነበረ ነገራት ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኸም ዝዀነ ብምሕሳብ ተስፋ ኣይቈረጸን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ: ኣብቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዚረኽቦ ደገፍ ኣምላኽ ትውክልቲ ብምግባር ኣንጻር ድኽመታቱ ይቃለስ ነበረ። (ሮሜ 7:15-25) ጳውሎስ ኣብ ካልእ ቦታ: “ንኻልኦት እናሰበኽኩ: ንርእሰይ ድርቡይ ምእንቲ ኸይከውን: ንስጋይ ኤሰቅዮን ኤግዝኦን አሎኹ” በለ።—1 ቈረ. 9:27

ሰባት መመኽነይታታት ናይ ምድርዳር ዝንባለ ኣለዎም። ኣረኣእያ የሆዋ ብምምዕባል ነዚ ኽንጻረሮን ነቲ ጳውሎስ “ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡ” ብምባል ንክርስትያናት ዝሃቦም ማዕዳ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን ንኽእል ኢና። (ሮሜ 12:9) ድኽመታትና ንምስዓር ኣብ እንገብሮ ቓልሲ: ቅኑዓትን ጽኑዓትን ርእስና እንግስጽን ክንከውን የድሊ። ዳዊት: “ንልበይን ኰላሊተይን መርምሮ” ብምባል ንየሆዋ ሓተቶ። (መዝ. 26:2) የሆዋ ውሽጣዊ ዝንባለና ብልክዕ ይፈልጦን ሓገዙ ኼድልየና ኸሎ ኺሕግዘና ይኽእልን እዩ። ነቲ የሆዋ ብቓሉን ብመንፈስ ቅዱሱን ኣቢሉ ዚህበና መምርሒ እንተ ስዒብናዮ: ንድኽመታትና ኽንስዕር ንኽእል ኢና።

ገሊኦም ንድኽመታቶም ኪዋጽኡሉ ኸም ዘይክእሉ ስለ ዚስምዖም: ይጭነቑ ይዀኑ። ሽማግለታት ጉባኤ ፍቕራዊ ሓገዝን ምትብባዕን ኪህብዎም ይኽእሉ እዮም። (ኢሳ. 32:1, 2) ይኹን እምበር: ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ ትጽቢት ኪህልዎም ጥበባዊ እዩ። ገሊኡ ጸገማት ኣብዚ ስርዓት እዚ ምሉእ ብምሉእ ኣይፍታሕን እዩ። እንተዀነ ግን: ብዙሓት ንድኽመታቶም ብኸመይ ከም ዚዋጽእሉ ስለ እተማህሩ: ዜሐጕስ ናብራ ኺነብሩ ኽኢሎም እዮም።

የሆዋ ኸም ዚድግፈና ዝሃቦ መረጋገጺ

ኣብዚ ጽንኩር እዋን ዝዀነ ይኹን ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ: የሆዋ ኸም ዚመርሓናን ከም ዚድግፈናን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ: “ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም: ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ። ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ: ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ” ኢሉ ይምሕጸነና።—1 ጴጥ. 5:6, 7

ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ቤትኤል ዘገልገለት ካቲ: ሰብኣያ ሕማም ረሲዕነት ከም ዘለዎ ምስ ፈለጠት: ነዚ ኽትጻወሮ ኸም ዘይትኽእል ኰይኑ ተሰምዓ። ነቲ መዓልታዊ ዜድልያ ጥበብን ስምዒታዊ ብርታዐን ኪህባ ንየሆዋ ለመነቶ። ኵነታት ጥዕና ሰብኣያ እናኣንቈልቈለ ምስ ከደ: ፈቃራት ኣሕዋት ነቲ ሕማም እንታይ ክንክን ከም ዜድሊ ኺፈልጡ ጸዓሩ: ሓለይቲ ኣሓት ድማ ስምዒታዊ ደገፍ ገበራላ። እዞም ክርስትያናት ክፍሊ እቲ የሆዋ ዝሃባ ዜበርትዕ ደገፍ እዮም፣ ካቲ ሰብኣያ ኽሳዕ ዚመውት ን11 ዓመት ኣለየቶ። ከምዚ ኸኣ በለት:- “ንየሆዋ ስለቲ ዝገበረለይ ሓገዝ ኵሉ እናነባዕኩ ኻብ ልበይ ኣመስገንክዎ፣ ከይሕለል ሓጊዙኒ እዩ። ኣዝየ ደኺመ ኽነሰይ: ንነዊሕ እዋን ከገልግሎ ዝኽእል ኰይኑ ኣይተሰምዓንን ነይሩ!”

ሕቡእ ድኽመታትና ንኽንዋጽኣሉ ዜኽእል ሓገዝ

ሰባት ዋጋ ዘይብሎም ኰይኑ ኺስምዖም ከሎ: ኣብ እዋን ጭንቀቶም ሓገዝ ደልዮም ኣብ ዚጠርዑሉ እዋን የሆዋ ኸም ዘይሰምዖም ይሓስቡ ይዀኑ። ከምዚ ኼጋጥም ከሎ: ብዛዕባ እቲ ዳዊት ምስ ባትሴባ ሓጢኣት ድሕሪ ምፍጻሙ ጣዕሳኡ ንምግላጽ: “ዎ ኣምላኽ: ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ” ኢሉ እተዛረቦ ዘረባ ምስትንታን ጽቡቕ እዩ። (መዝ. 51:17) ዳዊት ናይ ብሓቂ ተነሲሑ ስለ ዝነበረ: ናብ ኣምላኽ ኪቐርብ ከም ዚኽእልን ምሕረት ከም ዚገብረሉን ይፈልጥ ነበረ። የሱስ ናይ የሆዋ ሓልዮት ኣንጸባሪቑ እዩ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ዝዀነ ማቴዎስ ነተን ኢሳይያስ እተዛረበን ቃላት ኣብ የሱስ ብምውዓል: “ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይሰብርን: ዚተክኽ ፈትሊ ጥዋፍውን ኣየጥፍእን እዩ” በለ። (ማቴ. 12:20፣ ኢሳ. 42:3) የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ንትሑታትን ግፉዓትን ድንጋጽ ኣርኣየ። ንህይወት እቲ ኸም ሓንቲ ጭልምልም እትብል ክትጠፍእ ዝቐረበት ፈትሊ ዘላቶ ሰብ ኣየጥፈአን። ኣብ ክንዳኡስ: ነቶም ዚሳቐዩ ብለውሃት ሃልሃልታ ህይወት ሃቦም። ምስ ሰባት ኪነብር ከሎ ኸምኡ ይገብር ነበረ። ሕጂ እውን እንተዀነ የሱስ ብድኽመታትካ ኺድንግጸልካ ኸም ዚኽእል ኣይትኣምንንዶ፧ ከምቲ እብራውያን 4:15 ዚገልጾ “ብድኻምና ኺድንግጸልና” ዚኽእል ምዃኑ ኣስተብህል።

ጳውሎስ ብዛዕባ ‘ኣብ ስጋኡ ዘሎ ግራጭ’ ኪጽሕፍ ከሎ ሓይሊ ክርስቶስ ‘ኣብ ልዕለይ ሓዲሩ’ በለ። (2 ቈረ. 12:7-9) ብክርስቶስ ኣቢሉ ዕቝባ ኣምላኽ ከም ዝረኸበ ተሰምዖ። ልክዕ ከም ጳውሎስ: ብሰንኪ ዘሎና ድኽመታትን ጸገማትን ተስፋ ኽንቈርጽ የብልናን። ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱላት ኴንና ንኽንቅጽል: ነቲ የሆዋ ብምድራዊት ጉባኤኡ ኣቢሉ ዚህበና መሰናድዎታት ኵሉ ኽንጥቀመሉ ኣሎና። ዚከኣለና ዅሉ ድሕሪ ምግባር: የሆዋ ንስጕምትታትና ኸም ዚመርሖ ብምትእምማን ናብኡ ንጠምት። ሓይሊ ኣምላኽ ድኽመታትና ንኽንዋጽኣሉ ብኸመይ ከም ዝሓገዘና ምስ ተመከርናዮ: ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ “ምስ ዝደክም: ሽዑ እየ ዝብርትዕ” ክንብል ንኽእል ኢና።—2 ቈረ. 12:10

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስ ኣገልግሎቱ ንኺፍጽም: የሆዋ ኺመርሖ ብቐጻሊ ጸለየ

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ንጉስ ዳዊት ንሰራዊቱ ኺመርሓሉ ንዮኣብ ሓላፍነት ሃቦ

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ዮኣብ ነቲ መቐናቕንቱ ዝነበረ ዓማሳ ቐተሎ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ሽማግለታት: ጸገማትና ንኽንጻወሮ ዚሕግዝ ፍቕራዊ ዝዀነ ቕዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ ይህቡና