ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሚዛናዊ ትጽቢታት ኣሕድር እሞ ሕጉስ ክትከውን ኢኻ

ሚዛናዊ ትጽቢታት ኣሕድር እሞ ሕጉስ ክትከውን ኢኻ

ሚዛናዊ ትጽቢታት ኣሕድር እሞ ሕጉስ ክትከውን ኢኻ

“ኣዪ! ኣይነፋዕኩን!” ክትገብሮ ዝወጠንካ ነገር ኪሰልጠካ ብዘይምኽኣሉ: ክንደይ ሳዕ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘረባ ተዛሪብካ ትፈልጥ፧ ሓንቲ ንእሽቶ ክርስትያን ኣደ: ውላዳ ወትሩ ቘላሕታኣ ብምድላዩ ዓቕላ ስለ ዚጸባ: ንመንፈሳዊ ነገራት ቈላሕታ ኽትህብ ብዘይምኽኣላ ድማ ስለ ዜበሳጭዋ: ከምዚ ኽትብል ትኽእል እያ። ካልእ ክርስትያን ድማ ብሰንኪ ኣተዓባብያኡ ዓቕሚ ዘይብሉ ዀይኑ ስለ ዚስምዖ: ኣብ ጉባኤ ዜበርክቶ እጃሙ እኹል ከም ዘይኰነ ይሓስብ ይኸውን። ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ናይ የሆዋ ምስክር ከምቲ ዝያዳ ሓይልን ጕልበትን ኣብ ዝነበራ እዋን እትገብሮ ዝነበረት ገይራ ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ክትሳተፍ ብዘይምኽኣላ ትድቈስ ትኸውን። ሓንቲ ክሪስትያን ዝስማ ሰበይቲ ብምኽንያት ኣብ ስድራ ቤታ ዘሎ ዅነታት ከምቲ እትደልዮ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኽትሳተፍ ብዘይምኽኣላ: “ፈላሚ ንኽትከውን ዜተባብዕ መደረ ኽሰምዕ ከለኹ እኳ የብክየኒ” በለት።

ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ኪስምዓና ኸሎ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ገሊኦም ክርስትያናት ብዛዕባ ዅነታቶም ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ ኣረኣእያ ብኸመይ ኬማዕብሉ ኽኢሎም፧ ሚዛናዊ ትጽቢታት ምሕዳር: እንታይ ረብሓታት ኬምጽእ ይኽእል፧

ሚዛናዊ ኹን

ሃዋርያ ጳውሎስ: “ብጐይታ ዅሉ ሳዕ ተሐጐሱ: ደጊመ፤ ተሐጐሱ: እብል አሎኹ። እቲ [“ርትዓውነትኩም:” NW] ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ” ብምባል ሓጐስና ኽንዕቅብ ዜኽእለና ኣገዳሲ ረቛሒ ሂቡና ኣሎ። (ፊል. 4:4, 5) ካብቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ሓጐስን ዕግበትን ንኽንረክብ: ብዛዕባ ኽእለታትናን ኵነታትናን ርትዓዊ ወይ ሚዛናዊ ትጽቢታት ከነሕድር ኣሎና። እንኸፍሎ መስዋእቲ ብዘየገድስ ሚዛኑ ዘይሓለወ ሸቶታት ክንወቅዕ እንተ ጽዒርና: ኣብ ዘየድሊ ውጥረት ኢና እንኣቱ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ: ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ኸም መመኽነይታ እናኣቕረብና ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት እነበርክቶ እጃም ካብ ግቡእ ንታሕቲ ብምንካይ: ሰነፋት ከይንኸውን ክንጥቀቕ ኣሎና።

ዘለናሉ ዅነታት ብዘየገድስ: የሆዋ እቲ ዝበለጸ ኽንህቦ: ማለት ብምሉእ ነፍስናን ብምሉእ ልብናን ከነገልግሎ እዩ ዚደልየና። (ቈሎ. 3:23, 24) ካብዚ ንታሕቲ እንተ ሂብናዮ ግን: ምስቲ ንዕኡ ዝገበርናዮ ወፈያ ተሰማሚዕና ኣይኰንናን እንነብር ዘለና። (ሮሜ 12:1) ብዘይካዚ: እቲ ብምሉእ ነፍስና ብምግልጋል ዚርከብ ዓሚቝ ዕግበትን ናይ ሓቂ ሓጐስን ካልእ በረኸትን ንስእን።—ምሳ. 10:22

እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንርትዓውነት ወይ ንሚዛናውነት እተመልክት ቃል: ሓላዪ ምዃን ዚብል ሓሳብ እውን ዝሓቘፈት እያ። ቃል ብቓሉ ኽትትርጐም ከላ: ‘ልእመት’ ማለት እያ። (ያእ. 3:17) ኣመና ጥብቂ ዘይምዃን ዚብል ሓሳብ እውን ተመሓላልፍ እያ። ስለዚ: ሚዛናውያን እንተ ዄንና ንዅነታትና ብምምዝዛን ኢና እንርእዮ። ከምዚ ምግባር ከቢድ ድዩ፧ ገሊኦም ሰባት ንኻልኦት ይሓልዩሎም እኳ እንተ ዀኑ: ንርእሶም ግን ይውጽዑ እዮም። ንኣብነት: ሓደ ናይ ቀረባ ፈታዊና ብዙሕ ነገራት ኪዓምም ኪብል ነብሱ ምስ ዚውጽዕ: ኣብ ህይወቱ እተወሰነ ምትዕርራይ ኪገብር ኣይምሓገዝናዮንዶ፧ ንሕና እውን ብተመሳሳሊ: ልዕሊ ዓቕምና ኽንገብር ንጽዕር ከም ዘለና ዚሕብር ምልክታት ከነስተውዕለሉ ኣሎና።—ምሳ. 11:17

ልዕሊ ዓቕምና ኽንገብር ዚጽበዩና ወለዲ እንተ ኣዕብዮምና: ብዛዕባ ዓቕምና ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ኪኸብደና ይኽእል እዩ። ገሊኦም ሰባት ብግዜ ቚልዕነቶም: ፍቕሪ ወለዶም ንምርካብ ወትሩ ዝያዳ ኺጽዕሩ ዜድልዮም ኰይኑ ይስምዖም ነይሩ። ንሕና እውን ከምኡ ይስምዓና እንተ ነይሩ: ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንዓና ዘለዎ ኣረኣእያ ግጉይ ምርዳእ ኪህልወና ይኽእል እዩ። የሆዋ ብምሉእ ልብና ነገልግሎ እንተ ዄንና የፍቅረና እዩ። “ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ: ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ” ብምባል ቃል ኣምላኽ የረጋግጸልና። (መዝ. 103:14) ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ይፈልጥ እዩ: እንተዀነ ግን ብቕንኣት ከነገልግሎ ኸለና የፍቅረና እዩ። ኣምላኽና ጨቋኒ ዘይምዃኑ ምዝካርና: ዓቕምና ብምፍላጥ ብዛዕባ ርእስና ልዑል ትጽቢት ከይነሕድር ይሕግዘና።—ሚክ. 6:8

ኰይኑ ግን: ገሊኦም ከምዚ ዝኣመሰለ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምሓዝ የጸግሞም እዩ። ንዓኻ እውን የጸግመካ እንተ ዀይኑ: ሓደ ኣጸቢቑ ዚፈልጠካ ምኩር ክርስትያን ኪሕግዘካ ስለምንታይ ዘይትሓቶ፧ (ምሳ. 27:9) ንኣብነት: ስሩዕ ፈላሚ ዄንካ ኸተገልግል ትደሊዶ፧ እዚ ብሉጽ ሸቶ እዩ! እንተዀነ ግን: ነዚ ሸቶ እዚ ምውቃዕ የጸግመካ ድዩ፧ ምናልባት ናብራኻ ቐሊል ንምግባር ሓገዝ የድልየካ ይኸውን። ወይ ከኣ እቲ እትኣምኖ ክርስትያን ፈታዊኻ: ብምኽንያት እቲ ኣብ ስድራ ቤትካ ዘሎካ ብዙሕ ሓላፍነታት ኣብዚ እዋን እዚ ስሩዕ ፈላሚ ምዃን ኪብጻሕ ዚከኣል ሸቶ እንተ ዀይኑ ኽትሓስበሉ ሓሳብ ይህበካ ይኸውን። ክትገብሮ ትደሊ ዘለኻ ተወሳኺ ንጥፈታት ትኽእሎ እንተ ዄንካ ወይ ዝያዳ ንምግባር እንታይ ምትዕርራያት ክትገብር ከም እትኽእል ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ሰብኣይ እውን ንሰበይቱ ብዓቕማ ንኽትዓዪ ኺሕግዛ ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ኣብ ዚቕጽል ወርሒ ተወሳኺ ንጥፈታት እንተ ኣልይዋ: እተወሰነ ዕረፍቲ ንኽትገብር ሓሳብ ኪህባ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ጕልበታ ንኽትቍጥብ የኽእላ: ኵሉ ሳዕ ካብ ኣገልግሎት ሓጐስ ንኽትረክብ ከኣ ይሕግዛ።

ክትገብሮ ኣብ እትኽእል ነገራት ኣተኵር

እርጋን ወይ ጥዕና ምስኣን ነቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኽትገብሮ እትኽእል ነገራት ኪድርቶ ይኽእል እዩ። ወላዲ እንተ ዄንካ: ደቅኻ ንመብዛሕትኡ ግዜኻን ጕልበትካን ስለ ዚወስድዎ: ካብ ብሕታዊ መጽናዕቲ ወይ ኣኼባታት ጉባኤ ብዙሕ ትጥቀም ከም ዘየለኻ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ኣብቲ ኽትገብሮ ዘይትኽእል ነገራት ምትኳርካ: ነቲ ኽትበጽሖ እትኽእል ነገራት ንኸይትርእዮ ኺዓግተካ ይኽእል እዩ።

ኣሽሓት ዓመታት ይገብር ሓደ ሌዋዊ ኺበጽሖ ብዛዕባ ዘይክእል ትምኒቱ ገለጸ። ኣብታ ቤተ መቕደስ ኣብ ዓመት ንኽልተ ሰሙን ኬገልግል ፍሉይ መሰል ነበሮ። ይኹን እምበር: ኵሉ ሳዕ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ ኪቕመጥ ባህጊ ኸም ዘለዎ ገለጸ። (መዝ. 84:1-3) ነዚ እሙን ሰብኣይ እዚ በቲ ዘለዎ ንኺዓግብ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣጸድ ቤተ መቕደስ: ፍሉይ መሰል ምዃኑ ኼስተውዕል ብምኽኣሉ እዩ። (መዝ. 84:4, 5, 10) ብተመሳሳሊ: ኣብቲ ኽንገብሮ ዘይንኽእል ነገራት ኣብ ክንዲ እነተኵር: ነቲ ኽንበጽሖ እንኽእል ነገራት ንኽንፈልጦን ንኸነማስወሉን ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና።

ንኣብነት: ኣብ ካናዳ እተገልግል ነርላንድ እስከ ንውሰድ። ብብሽክለታ ስንኩላን ስለ እትንቀሳቐስ: ኣብ ኣገልግሎት ክትገብሮ እትኽእል ነገር ውሱን እዩ። ኰይኑ ግን: ነቲ ኣብ ጥቓኣ ዚርከብ ዕዳጋ ኸም ናይ ብሕታ ኽሊ ገይራ ብምርኣይ ኣረኣእያኣ ቐየረት። “ኣብ ጥቓ ሓደ ኣብቲ ዕዳጋ ዚርከብ ኮፍ መበሊ ኣብ ብሽክለታይ ኮፍ እብል። ንእተወሰነ ግዜ ኼዕርፉ ኣብኡ ኾፍ ንዚብሉ ሰባት ብምምስካር ሓጐስ እረክብ እየ” በለት። ኣብዚ ኣገዳሲ መዳይ ኣገልግሎት እዚ ምስታፋ: ብዙሕ ዕግበት ኣምጺኡላ እዩ።

ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ምትዕርራያት ግበር

ሓንቲ ብጋንጽላ እትንቀሳቐስ ጃልባ: ንፋስ ናብቲ እትኸደሉ ኣንፈት ኪነፍስ ከሎ ብፍጥነት ትኸይድ ትኸውን። ኰይኑ ግን: ሓያል ማዕበል እንተ ኣጋጢሙ: እቲ ነቲ መዘወር ዝሓዘ ባሕረኛ ነቲ ጋንጽላ ኼተዓራርዮ ይግደድ እዩ። ነቲ ማዕበል ኪቈጻጸሮ ዘይክእል እኳ እንተ ዀነ: ምትዕርራይ ብምግባር ግን ነታ ጃልባኡ ኺቈጻጸራ ይኽእል እዩ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ: ነቲ ምስ ማዕበል ዚመሳሰል ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ዅነታት ክንቈጻጸሮ ኣይንኽእልን ኢና። ኰይኑ ግን: ንኣካላውን ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ክእለትና ኣብ እንጥቀመሉ መገዲ ምትዕርራይ ብምግባር: ንህይወትና ብእተወሰነ መጠን ክንቈጻጸሮ ንኽእል ኢና። ነቲ ዜጋጥመና ሓድሽ ኵነታት ኣብ ግምት ነእቱ እንተ ዄንና: ወትሩ ኻብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዕግበትን ሓጐስን ክንረክብ ንኽእል ኢና።—ምሳ. 11:2

ገለ ኣብነትታት እስከ ንርአ። ብዙሕ ጕልበት እንተ ዘይብልና: ምሸት ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ንኽንእከብ ዜድሊ ብርታዐ ምእንቲ ኺህልወና: በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኣድካሚ ንጥፈታት ኣይንጽመድን ንኸውን። እዚ ድማ ካብቲ ምስ ክርስትያናት ብጾት ዘሎና ሕብረት ምሉእ ብምሉእ ንኽንጥቀም የኽእለና። ሓንቲ ኣደ ድማ ውሉዳ ብምሕማሙ ኣብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት ክትሳተፍ ዘይትኽእል እንተ ዀይና: እቲ ውሉዳ ኣብ ዚድቅሰሉ እዋን ንሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ናብ ቤታ ዓዲማ ብተሌፎን ምስክርነት ምሃብ ግብራዊ ዀይኑ ኽትረኽቦ ትኽእል እያ።

ንዅሉ እቲ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ዚቐርብ ክፍልታት ንኽትዳሎ: ኵነታትካ ዘይፈቕደልካ እንተ ዀነኸ፧ ክንደይ ዚኣክል ክትዳሎ ኸም እትኽእል ወስን እሞ: ነዚ ብዚግባእ ግበሮ። ናይ ሓጺር ግዜ ሸቶታትና ብምትዕርራይ: ንጡፋትን ሕጉሳትን ኴንና ኽንቅጽል ንኽእል ኢና።

ሸቶታትና ንምትዕርራይ ቈራጽነትን ጻዕርን የድሊ እዩ። ኣብ ፈረንሳ ዚነብሩ ሰርዥን ኣንየስን ዚበሃሉ ሰብ ሓዳር: ኣብ መደባቶም ዓብዪ ለውጢ ኺገብሩ ኣድልይዎም እዩ። ሰርዥ: “ኣንየስ ከም ዝጠነሰት ምስ ፈለጥና: ሚስዮናውያን ክንከውን ዝነበረና ትምኒት በኒኑ ጠፍአ” በለ። እዚ ኣቦ ኽልተ ባህ ዜብላ ኣዋልድ ኰይኑ ዘሎ ሰብኣይ: ብኸመይ ሓድሽ ሸቶ ኼውጽኡ ኸም ዝነበሮም ኪገልጽ ከሎ: “ናብ ወጻኢ ሃገር ኬድና ኸነገልግል ብዘይምኽኣልና: ኣብ ዓድና ‘ሚስዮናውያን’ ኴንና ኸነገልግል ወሰንና። ምስ ሓንቲ ጕጅለ ቛንቋ ወጻኢ ተጸምበርና” በለ። ነዚ ሓድሽ ሸቶ እዚ ብምውጻኦም ተጠቒሞምዶ፧ ሰርዥ: “ኣብ ጉባኤና ብዙሕ እነበርክት ከም ዘሎና ዀይኑ እዩ ዚስምዓና” በለ።

ኣብ ፈረንሳ እትነብር ኦዲል እትበሃል ክርስትያን ሓብቲ ሕጂ ኣብ 70ታት ዕድሚኣ እትርከብ ኰይና: ብርካ ብሕማም ሪሕ ስለ ዜሳቕያ: ነዊሕ ደው ክትብል ኣይትኽእልን እያ። ጥዕናኣ ኣብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት ከይትሳተፍ ስለ ዚዓግታ: የበሳጭዋ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ኣይተሓለለትን። ኣብ ናይ ተሌፎን ምስክርነት ብምስታፍ: ንጥፈታታ ኣተዓራረየት። “ካብቲ ዝሓስቦ ዝነበርኩ ዝቐለለን ባህ ዜብልን እዩ” በለት። እዚ ሜላ ስብከት እዚ ንኣገልግሎት ዝነበራ ድራኸ ኸም ቀደሙ ኸም ዚኸውን ገበሮ።

ሚዛናዊ ትጽቢታት በረኸት የምጽእ

ብዛዕባ እቲ ኽንገብሮ እንኽእል ነገራት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምሓዝና: ካብ ብዙሕ ብስጭት የናግፈና እዩ። ሚዛናዊ ሸቶታት ምስ እነውጽእ: ዓቕምና ድሩት ክነሱ ሸቶና ብምውቃዕና ዕግበት ክንረክብ ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ ድማ ብተዛማዲ ሒደት እኳ እንተ ዓመምና: በቲ ዝዓመምናዮ ኽንሕጐስ ንኽእል ኢና።—ገላ. 6:4

ኣብቲ ብዛዕባ ርእስና ዘሎና ትጽቢታት ሚዛናዊ ኣረኣእያ እንተ ኣሕዲርና: ንክርስትያናት ብጾትና ብዝያዳ ኽንሓልየሎም ኢና። ዓቕሞም ስለ እንፈልጥ: ኵሉ ሳዕ በቲ ዚገብሩልና ኸነመስግኖም ኢና። ነቲ እተገብረልና ዝዀነ ይኹን ሓገዝ ምስ እነማስወሉ: ናይ ምትሕብባርን ምርድዳእን መንፈስ ንኺሰፍን ኣበርክቶ ንገብር ኢና። (1 ጴጥ. 3:8) እቲ ፈቃር ኣቦና የሆዋ ኻብቲ ኽንገብሮ እንኽእል ነገራት ንላዕሊ ኸም ዘይሓተና ኣይንረስዕ። ንሕና እውን ሚዛናዊ ትጽቢታትን ክንበጽሖ እንኽእል ሸቶታትን እንተ ኣልዩና: መንፈሳዊ ንጥፈታትና ዝያዳ ዕግበትን ሓጐስን ኬምጽኣልና እዩ።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ካብቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ሓጐስን ዕግበትን ንኽንረክብ: ብዛዕባ ኽእለታትናን ኵነታትናን ሚዛናዊ ትጽቢታት ከነሕድር ኣሎና

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ነርላንድ ኣብ ኣገልግሎት ዓቕማ ዚፈቕደላ ብምግባር ሓጐስ ትረክብ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

“ነቲ ጋንጽላ ኣተዓራርዮ”

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

© Wave Royalty Free/age fotostock

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

ሰርዥን ኣንየስን ሓድሽ ሸቶታት ብምውጻኦም ተጠቒሞም