ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቃል የሆዋ ህያው እዩ ካብ መልእኽትታት ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ ካብ መልእኽትታት ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ መልእኽትታት ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዚጐልሕ ነጥብታት

ሃዋርያ ጳውሎስ: መንፈሳዊ ድሕንነት እታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ጉባኤ ኣተሓሳሰቦ። ከመይሲ: ኣብ መንጎ እቶም ኣሕዋት ዘይምስምማዕ ምንባሩ ሰሚዑ ነይሩ። ጾታዊ ርኽሰት እውን ሸለል ተባሂሉ ነይሩ። ኣብ ርእሲ እዚ: እታ ጉባኤ ንጳውሎስ ብዛዕባ ሓድሓደ ጕዳያት ጽሒፋትሉ ነይራ። ስለዚ: ጳውሎስ ኣብ ከባቢ 55 ድ.ክ. ኣብ መንጎ ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ኣብ ኤፌሶን ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ካብተን ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝለኣኸን ክልተ መልእኽትታት ነታ ቐዳመይቲ ጸሓፋ።

እታ ኻብታ ቐዳመይቲ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ እተጻሕፈት ክትከውን ዘለዋ ኻልአይቲ መልእኽቲ: ናይታ ቐዳመይቲ መቐጸልታ እያ ነይራ። ኣብ ውሽጥን ወጻእን እታ ናይ ቀዳማይ ዘመን ጉባኤ ቈረንቶስ ዝነበረ ዅነታት: ምስዚ ግዜና ዚመሳሰል ብምዃኑ: ኣብተን ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝለኣኸን መልእኽትታት ዘሎ ትምህርቲ ንዓና እውን ይጠቕመና እዩ።—እብ. 4:12

‘ንቕሑ: ጽንዑ: በርትዑ’

(1 ቈረ. 1:1–16:24)

ጳውሎስ: “ኵላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ” ኢሉ መዓደ። (1 ቈረ. 1:10) ክርስትያናዊ ባህርያት ዚህነጸሉ ‘ብዘይ የሱስ ክርስቶስ ካልእ መሰረት የልቦን።’ (1 ቈረ. 3:11-13) ጳውሎስ ብዛዕባ ሓደ ምንዝርና ዝፈጸመ ሰብኣይ: “ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣውጽእዎ” በለ። (1 ቈረ. 5:13) “ስጋ ንጐይታ . . . እዩ እምበር: ስጋስ ንምንዝርና ኣይኰነን” ድማ በለ።—1 ቈረ. 6:13

ጳውሎስ ‘ብዛዕባ እቲ ዝጸሓፉሉ’ ጕዳይ መልሲ ኺህብ ከሎ: ብዛዕባ ምምርዓውን ንጽል ኴንካ ብዛዕባ ምንባርን ጽቡቕ ምኽሪ ሃቦም። (1 ቈረ. 7:1) ብዛዕባ ክርስትያናዊ ርእስነት: ኣብ ኣኼባታት ኪህሉ ብዛዕባ ዘለዎ ስርዓት: ከምኡውን ብዛዕባ ርጉጽነት ትንሳኤ ድሕሪ ምዝራቡ: “ንቕሑ: ኣብ እምነት ጽንዑ: ሰብኡት ኩኑ: በርትዑ” ዚብል ምዕዶ ሃበ።—1 ቈረ. 16:13

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

1:21የሆዋ ነቶም ዚኣምኑ ኼድሕኖም ኢሉ ብሓቂዶ “ዕሽነት” ይጥቀም እዩ፧ ኣይጥቀምን እዩ። ኰይኑ ግን: ‘ዓለም ብጥበባ ንኣምላኽ ስለ ዘይፈለጠቶ:’ ኣምላኽ ንሰባት ኬድሕኖም ኢሉ ዚጥቀመሉ መገዲ ነዛ ዓለም እዚኣ ዕሽነት እዩ።—ዮሃ. 17:25

5:5—“[“እቲ መንፈስ:” NW] በታ መዓልቲ ጐይታና የሱስ ምእንቲ ኺድሕንሲ: [እቲ እኩይ ሰብኣይ] ንጥፍኣት ስጋኡ ንሰይጣን ኪውሀብ” ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ከቢድ ሓጢኣት ፈጺሙ ዘይንሳሕ ሰብ ካብታ ጉባኤ ምስ ዚውገድ: እንደገና ኽፍሊ እዛ እክይቲ ናይ ሰይጣን ዓለም እዩ ዚኸውን። (1 ዮሃ. 5:19) ስለዚ: ንሰይጣን ከም ዚወሃብ ጌርካ ይዝረበሉ። እቲ ሰብ ምውጋዱ: ነቲ ሕማቕ ጽልዋ ኻብታ ጉባኤ የርሕቖ: ንመንፈሳ ወይ ነቲ ኣብኣ ዝሰፈነ ዓብላሊ ኣረኣእያ ኸኣ ይዕቅቦ።—2 ጢሞ. 4:22

7:33, 34—እቲ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ከም ዚሓልዩሉ እተዘርበሉ “ናይ እዛ ዓለም እዚኣ” ነገር እንታይ እዩ፧ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ንምርዑዋት ክርስትያናት ዜተሓሳስቦም መዓልታዊ ናብራኦም እዩ ዚዛረብ ነይሩ። እዚ ኸኣ ምግብን ክዳንን መጽለልን ዜጠቓልል ኪኸውን ከሎ: እቲ ክርስትያናት ኬርሕቕዎ ዘለዎም ኣብ ዓለም ዘሎ ኽፉእ ነገራት ኣብዚ ኣይጠቓለልን እዩ።—1 ዮሃ. 2:15-17

11:26—ሞት የሱስ ኣብ ከክንደይ እዩ ኺበዓል ዘለዎ፧ “ክሳዕ” መዓስከ፧ ጳውሎስ: ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ ዓመት ሓንሳእ: ማለት ብ14 ኒሳን ካብቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ብዝወሰዱ መጠን: ‘ሞት ጐይታ ኸም ዚነግሩ’ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ነዚ ኸኣ “ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ:” ማለት ብትንሳኤ ናብ ሰማይ ክሳዕ ዚቕበሎም እዮም ዚገብርዎ።—1 ተሰ. 4:14-17

13:13—ፍቕሪ ኻብ እምነትን ተስፋን እትዓቢ ብኸመይ እያ፧ እቲ “ተስፋ ዚግበሮ ነገር” ምስ ተጋህደ: እምነትን ተስፋን የብቅዓ እየን። (እብ. 11:1) ፍቕሪ ግን ንዘለኣለም ስለ እትጸንዕ: ካብ እምነትን ተስፋን ትዓቢ።

15:29—‘ኣብ ክንዲ ምዉታት ምጥማቕ’ እንታይ ማለት እዩ፧ ጳውሎስ: እቶም ህያዋን ዘበሉ ኣብ ክንዲ እቶም ከይተጠምቁ ዝሞቱ ምዉታት ኪጥመቑሎም ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። የግዳስ: ብዛዕባ እቶም ክሳዕ ሞት ንጽህናኦም ዚሕልዉን ድሕሪኡ መንፈሳዊ ህይወት ሒዞም ዚትንስኡን ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ዚጥመቕዎ ጥምቀት እዩ ዚዛረብ ነይሩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:26-31፣ 3:3-9፣ 4:7 ብርእስና ዘይኰነስ: ትሕት ኢልና ብየሆዋ ምምካሕና: ኣብታ ጉባኤ ሓድነት ከም ዚህሉ ይገብር።

2:3-5 ጳውሎስ ኣብታ ማእከል ፍልስፍናን ትምህርትን ግሪኽ ዝነበረት ቈረንቶስ ኪምስክር ከሎ: ንሰማዕቱ ኼእምኖም ዚኽእል እንተ ዀይኑ ኣተሓሳሲብዎ ይኸውን እዩ። ይኹን እምበር: ዝዀነ ይኹን ድኽመቱ ወይ ፍርሁ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ኣገልግሎት ከይፍጽም ዕንቅፋት ኪዀኖ ኣየፍቀደን። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ: ዘይለመድናዮ ዅነታት ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከይንእውጅ ዕንቅፋት ኪዀነና ኽንፈቕደሉ የብልናን። ከም ጳውሎስ: የሆዋ ሓገዝ ከም ዚህበና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።

2:16 “ሓሳብ ክርስቶስ” ምህላው ኪበሃል ከሎ: ኣተሓሳስባኡ ምፍላጥ: ከም ናቱ ጌርካ ምሕሳብ: ባህርያቱ ብዕምቈት ምርዳእ: ከምኡውን ኣብነቱ ምስዓብ ማለት እዩ። (1 ጴጥ. 2:21፣ 4:1) ንህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ተጠንቂቕና ኸነጽንዕሲ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ!

3:10-15፣ 4:17 ነቲ ናይ ምምሃርን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ክእለትና ኽንምርምሮን ከነመሓይሾን ኣሎና። (ማቴ. 28:19, 20) ጽቡቕ ጌርና ዘይንምህር እንተ ዄንና: ተመሃራይና ነቲ ኣብ እምነቱ ዜጋጥሞ ፈተናታት ኣይኪሰግሮን እዩ: ንሕና እውን ንሱ ብምውዳቑ ኣመና ስለ እንሳቐ: ምድሓንና ‘ብሓዊ ኸም ዝሓለፈ’ ይኸውን።

6:18 “ካብ ምንዝርና ህደሙ” ኺበሃል ከሎ: ካብ ፖርንያ ጥራይ ዘይኰነስ: ካብ ስእለ-ጽዩፍ: ስነ-ምግባራዊ ርኽሰት: ጾታዊ ትምኒት: ምኵሻም: ኰታስ ካብ ዝዀነ ይኹን ናብ ምንዝርና ዚመርሕ ተግባራት ምርሓቕ የጠቓልል።—ማቴ. 5:28፣ ያእ. 3:17

7:29 ሰብ ሓዳር ኣብ ንሓድሕዶም እምብዛ ብምትኳር: ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ካልኣይ ቦታ ኸይህብዎ ኺጥንቀቑ ኣለዎም።

10:8-11 እስራኤላውያን ንሙሴን ኣሮንን ምስ ኣጕረምረሙሎም: የሆዋ ኣዝዩ ተቘጥዐ። ንሕና እውን ናይ ምጕርምራም ልማድ ከይነሕድር ክንጥንቀቕ ኣሎና።

16:2 ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ እንህቦ ገንዘባዊ ወፈያ: ብመደብን ብስርዓትን ንገብሮ እንተ ዄንና: ኣይቋረጽን እዩ።

“ምሉኣት ኩኑ”

(2 ቈረ. 1:1–13:14)

ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ: ነቲ መግናሕቲ እተዋህቦ እሞ እተነስሐ ኣባሲ ‘ይቕረ ኺብሉሉን ኬጸናንዕዎን’ ነገሮም። እታ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝለኣኻ ቐዳመይቲ መልእኽቱ ኣጕህያቶም እኳ እንተ ነበረት: ‘ንንስሓ ስለ ዝጐሃዩ’ ተሓጐሰ።—2 ቈረ. 2:6, 7፣ 7:8, 9

ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ከምቲ ‘ብዅሉ ዕዙዛት ዝዀኑ: ብምሃብ እውን ዕዙዛት ኪዀኑ’ ኣተባብዖም። ንተጻረርቱ መልሲ ድሕሪ ምሃቡ: ንዅሎም ክርስትያናት: “ተሐጐሱ: ምሉኣት ኩኑ: ጽኑዓት ኩኑ: ብሓንቲ ሓሳብ ኩኑ: ብሰላም ንበሩ” ኢሉ ናይ መወዳእታ ምኽሪ ሃቦም።—2 ቈረ. 8:7፣ 13:11

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

2:15, 16—“መኣዛ ክርስቶስ” ዝዀንና ብኸመይ ኢና፧ ንመጽሓፍ ቅዱስ ጠቢቕና ስለ እንስዕቦን ነቲ መልእኽቱ ስለ እንዝርግሖን እዩ። እዚ “መኣዛ” እዚ ነቶም ሓጥኣን ዜስገድግዶም እኳ እንተ ዀነ: ንየሆዋን ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባትን ግን ጥዑም ጨና እዩ።

5:16—ቅቡኣት ክርስትያናት ‘ብመገዲ ስጋ ንሓደ እኳ ዘይፈልጡ’ ብኸመይ እዮም፧ ንሰባት ብስጋዊ መገዲ ኣይርእይዎምን እዮም፣ ብሃብቶምን ብዓሌቶምን ብዜግነቶምን ድማ ኣድልዎ ኣይገብሩን እዮም። ልዕሊ ዅሉ ዜገድሶም: ምስቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ዘለዎም መንፈሳዊ ርክብ እዩ።

11:1, 16፣ 12:11—ጳውሎስ ምስ ሰብ ቈረንቶስ ኣብ ዝነበሮ ርክብ ዕሽነት ድዩ ዜርኢ ነይሩ፧ ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ንሃዋርያነቱ ንምጥባቕ ኢሉ ናይ ግድን ኪዛረቦ ዝነበሮ ነገራት: ንገሊኣቶም ከም ትምክሕትን ዕሽነትን ኰይኑ ተራእይዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ።

12:1-4—“ናብ ገነት . . . እተዘረፈ” መን እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዓይነት ራእይ ብዛዕባ ዝረኣየ ኻልእ ሰብ ስለ ዘይገልጽ: እዚ መግለጺ ድማ ጳውሎስ ብዛዕባ ሃዋርያነቱ ድሕሪ ምጥባቑ ስዒቡ ስለ ዚርከብ: ምናልባት ተመክሮኡ እዩ ዜዘንቱ ነይሩ ዚኸውን። እቲ ሃዋርያ ዝረኣዮ ራእይ: ኣብ “ዘመን መወዳእታ” ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝረኸበቶ መንፈሳዊ ገነት እዩ ኪኸውን ዚኽእል።—ዳን. 12:4

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

3:5 እዛ ጥቕሲ እዚኣ: የሆዋ ብቓሉን ብመንፈስ ቅዱሱን ብምድራዊ ኽፋል ውድቡን ገይሩ ንክርስትያናት ክእለት ከም ዜጥርዩ ዚገብሮም ምዃኑ ትነግረና። (ዮሃ. 16:7፣ 2 ጢሞ. 3:16, 17) እምበኣር: መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ብትግሃት ከነጽንዕ: መንፈስ ቅዱስ ንኺወሃበና ኸይተሓለልና ኽንጽሊ: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ድማ ኣዘውቲርና ኽንእከብን ክንሳተፍን ኣሎና።—መዝ. 1:1-3፣ ሉቃ. 11:10-13፣ እብ. 10:24, 25

4:16 የሆዋ ‘ንውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ስለ ዚሕድሶ:’ ዋላ ሓንቲ መዓልቲ እውን ትኹን ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ምንም ከይገበርና ኸይትሓልፍ ብምጥንቃቕ: ካብቲ ዝገበረልና መሰናድዎታት ኣዘውቲርና ኽንጥቀም ኣሎና።

4:17, 18 ጸበባና “ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን” ምዃኑ ምዝካርና: ኣብ ጽንኩር እዋን ንየሆዋ እሙናት ኴንና ንኽንቅጽል ይሕግዘና።

5:1-5 ጳውሎስ ነቲ ቕቡኣት ክርስትያናት ብዛዕባ ተስፋ ሰማያዊ ህይወት ዘለዎም ስምዒት ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ።

10:13 ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ቦታ ንኽንሕግዝ ፍሉይ መሰናድዎ ኽሳዕ ዘይተገብረ: ብሓፈሻኡ ኣብቲ ንጉባኤና እተመደበ ኽሊ ጥራይ ክንዓዪ ኣሎና።

13:5 ‘ብእምነት እንተ ኣሊና ርእስና ንምፍታን:’ ኣኻይዳና ምስቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እንመሃሮ ትምህርቲ ዚሰማማዕ እንተ ዀይኑ ኸነረጋግጽ ኣሎና። ‘ርእስና ንምምርማር’ ከኣ መንፈሳውነትና በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ: እንተላይ ብልሒ ‘ልቦናናን’ እምነትና ኣብ ግብሪ እነውዕለሉ መጠንን ክንግምግም ኣሎና። (እብ. 5:14፣ ያእ. 1:22-25) ጳውሎስ ንዝሃቦ ጽቡቕ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ብምውዓል: ብመገዲ ሓቂ ኽንመላለስ ንኽእል ኢና።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

“እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ: እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን” ዚብል ቃላት እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧—1 ቈረ. 11:26