ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት ዜጋጥም ብድሆታት ምስጋሩ

ነቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት ዜጋጥም ብድሆታት ምስጋሩ

ነቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት ዜጋጥም ብድሆታት ምስጋሩ

“ብሓይለ ገደል ንኣኻትኩም ወንጌል ኣምላኽ ንምንጋር ብኣምላኽና ተባዕና።”—1 ተሰ. 2:2

1. ኤርምያስ እንታይ ብድሆታት እዩ ዘጋጠሞ፧ ብኸመይከ እዩ ኺሰግሮ ዝኸኣለ፧

 ኤርምያስ ከማና ዚስምዖ ሰብ እዩ ነይሩ። የሆዋ “ነህዛብ ነብዪ” ኪኸውን ኪምዝዞ ኸሎ: “ኣይ: ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ: ገና ቘልዓ እየ እሞ: እንሆ: ክዛረብ ኣይክእልን እየ” በለ። ይኹን እምበር: ኣብ የሆዋ ተወኪሉ ነቲ መዝነት ተቐበሎ። (ኤር. 1:4-10) ንልዕሊ 40 ዓመት ሰባት ንመልእኽቱ ኣይተገደሱሉን: ኣይተቐበልዎን: ኣላገጹሉ: ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ኣካላዊ መጥቃዕቲ ኣውረዱሉ። (ኤር. 20:1, 2) እተሓለለሉ ግዜያት ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግን: ነቲ ብብዙሓት ዘይፍቶ መልእኽቲ ነቶም ዘይሰምዑ ሰባት ካብ ምእዋጅ ኣየቋረጸን። ብሓይሊ ኣምላኽ: ነቲ በይኑ ኺፍጽሞ ዘይክእል ነገር ፈጸመ።—ኤርምያስ 20:7-9 ኣንብብ።

2, 3. ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምስ ናይ ኤርምያስ ዚመሳሰል ብድሆታት ዜጋጥሞም ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

2 ሎሚ ዘለዉ ሓያሎ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ናይ ኤርምያስ ዓይነት ስምዒት ይስምዖም እዩ። ገሌና ብዛዕባ ኻብ ቤት ናብ ቤት ምግልጋል ክንሓስብ ከለና: ‘እዝስ ፈጺመ ኽገብሮ ኣይክእልን እየ’ ኢልና ደምዲምና ኔርና ኽንከውን ንኽእል ኢና። ብስራት ክንእውጅ ፍቓድ የሆዋ ምዃኑ ምስ ተገንዘብና ግን: ነቲ ዚስምዓና ዝነበረ ፍርሂ ኣሰኒፍና ኣብ ስብከት ተጸመድና። ኰይኑ ግን: መብዛሕትና ንግዜኡ እውን እንተ ዀነ ንኸይንሰብኽ ዚዓናቕፍ ኵነታት የጋጥመና እዩ። ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድካ ምስባኽ ክትጅምሮ ዀነ ኽሳዕ መወዳእታ ኽትቅጽሎ በዳሂ ምዃኑ ዚከሓድ ኣይኰነን።—ማቴ. 24:13

3 ንገለ ግዜያት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትገብርን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ እትካፈልን ክነስኻ: ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድካ ብምስባኽ ዝመጸ ንኽትጅምሮ ሰጋእ መጋእ ትብል እንተ ኣሊኻኸ፧ ወይ ድማ ጸገም ጥዕና ዘይብልካ ጥሙቕ ናይ የሆዋ ምስክር እኳ እንተ ዀንካ: ካብ ቤት ናብ ቤት ምግልጋል ኣጸጋሚ ዀይኑ እንተ ረኺብካዮኸ፧ ኵሎም ዓይነት ሰባት ነቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት ዜጋጥም ብድሆታት ይሰግርዎ ኣለዉ። ንስኻ እውን ብሓገዝ የሆዋ ኽትሰግሮ ትኽእል ኢኻ።

ትብዓት ምጥራይ

4. ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ብስራት ብትብዓት ኪዛረብ ዘኽኣሎ እንታይ እዩ፧

4 ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ብሓይሊ ወይ ብጥበብ ሰብ ዘይኰነስ: ብመንፈስ ኣምላኽ ይካየድ ከም ዘሎ ኣይትስሕቶን ኢኻ። (ዘካ. 4:6) ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ዚፍጽሞ ኣገልግሎት እውን ብሓይሊ ኣምላኽ እዩ ዚፍጸም። (2 ቈረ. 4:7) ንኣብነት: ንሃዋርያ ጳውሎስ እስከ ንውሰድ። ተጻረርቲ ንዕኡን ንመገላግልቱን ምስ ኣጋፍዕዎም: “ቅድም ኣብ ፊልጲ መከራ ምስ ጸገብናን ምስ ተዋረድናን: ብሓይለ ገደል ንኣኻትኩም ወንጌል ኣምላኽ ንምንጋር ብኣምላኽና ተባዕና” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ተሰ. 2:2፣ ግብ. 16:22-24) ከም ጳውሎስ ዝኣመሰለ ቐናእ ሰባኺ: ንኺሰብኽ ገድሊ ኸም ዝዀኖ ኣይንሓስብን ንኸውን። ይኹን እምበር: ነቲ ብስራት ብትብዓት ንምዝራብ: ከም ኵላትና ኣብ የሆዋ ኺውከል ነበሮ። (ኤፌሶን 6:18-20 ኣንብብ።) ንጳውሎስ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧

5. ሓደ ኻብቲ ንኽንሰብኽ ትብዓት ከነጥርየሉ እንኽእል መገድታት እንታይ እዩ፧

5 ሓደ ኻብቲ ንኽንሰብኽ ትብዓት ከነጥርየሉ እንኽእል መገድታት: ጸሎት እዩ። ሓንቲ ፈላሚት: “ብምትእምማን ንኽዛረብ እጽሊ: ልቢ ሰባት ንኽትንክፍ እጽሊ: ካብ ኣገልግሎት ሓጐስ ንኽረክብ እውን እጽሊ እየ። እዚ ናይ የሆዋ ደኣ እምበር: ናትና ዕዮ ስለ ዘይኰነ: ብዘይ ሓገዙ ዋላ ሓንቲ ኽንገብር ኣይንኽእልን ኢና” በለት። (1 ተሰ. 5:17) ኵላትና ብትብዓት ንኽንሰብኽ ዜኽእለና ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ንኺወሃበና ኣዘውቲርና ኽንጽሊ ኣሎና።—ሉቃ. 11:9-13

6, 7. (ሀ) ህዝቅኤል እንታይ ራእይ እዩ ዝረኣየ፧ ትርጕሙኸ እንታይ እዩ፧ (ለ) ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ ሎሚ ንዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ ትምህርቲ እዩ ዚዀኖም፧

6 ትንቢት ህዝቅኤል ብትብዓት ንኽንዛረብ ዚሕግዘና ኻልእ ነገር ትሕብር እያ። ኣብ ሓደ ራእይ: የሆዋ ንህዝቅኤል ብኽልቲኡ ሸነኻ “ድጕዓን ብኽያትን ዋይዋይታን” እተጻሕፋ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ሃቦ፣ “ኣታ ወዲ ሰብ: ከብድኻ ኣጽግብ: ንውሽጢ ኸብድኻውን በዛ ኣነ ዝህበካ ጥቕላል ምልኣዮ” ብምባል ድማ ኪበልዓ ነገሮ። እዚ ራእይ እዚ እንታይ ትርጕም ነበሮ፧ ህዝቅኤል ነቲ ዜብጽሖ መልእኽቲ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ውሽጡ ኼእትዎ ነበሮ። ናቱ ኺገብሮ: ማለት ንውሽጣዊ ስምዒታቱ ኸም ዚትንክፎ ኺገብር ነበሮ። እቲ ነብዪ ኣስዕብ ኣቢሉ: “ሽዑ በላዕክዋ: ኣብ ኣፈይውን ጥዕምቲ ኸም መዓር ጠዓመት” በለ። መልእኽቲ ኣምላኽ ምእዋጅ: ከም መዓር ጥዑም ወይ ባህ ዜብል ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። ነቶም ዘይሰምዑ ሰባት ሓያል መልእኽቲ የብጽሓሎም እኳ እንተ ነበረ: ተወካሊ የሆዋ ምዃንን ነቲ ንሱ ዝሃቦ ዕዮ ምፍጻምን ከም ዓብዪ ኽብሪ ገይሩ ይርእዮ ነበረ።—ህዝቅኤል 2:8–3:4, 7-9 ኣንብብ።

7 እዚ ራእይ እዚ: ሎሚ ንዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኣለዎ። ንሕና እውን ንጻዕርታትና ንዘየማስዉሉ ሰባት ሓያል መልእኽቲ ነብጽሓሎም ኢና። ንክርስትያናዊ ኣገልግሎትና ኸም ኣምላኽ ዝሃበና ኽብሪ ጌርና ንኽንርእዮ: ብመንፈሳዊ መዳይ ኣጸቢቕና ኽንምገብ ኣሎና። መጽናዕትና ዕምቈት ዘይብሉ ወይ ዘይስሩዕ እንተ ዀይኑ: ካብ ቃል ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኣይክንምገብን ኢና። ኣብ ዓይነት ወይ ስሩዕነት ብሕታዊ ንባብን መጽናዕትን መጽሓፍ ቅዱስ ምምሕያሽ ክትገብር ትኽእልዶ፧ ነቲ እተንብቦ ብዝያዳ ኸተስተንትነሉ ትኽእልዶ፧—መዝ. 1:2, 3

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምይይጥ ምጅማር

8. ገሊኦም ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚገብርዎ ኣገልግሎት: መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምይይጥ ንኼጀምሩ ዝሓገዞም ኣቀራርባ እንታይ እዩ፧

8 ንብዙሓት ኣስፋሕቲ ኣብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት ልዕሊ ዅሉ ዜጸግሞም: ምስቲ ብዓል ቤት ኣብ ፈለማ ዚገብርዎ ዝርርብ እዩ። ኣብ ገሊኡ ኽልታት: ዝርርብ ምጅማር ኣጸጋሚ ምዃኑ ኣይከሓድን እዩ። ገሊኦም ኣስፋሕቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ኪኸዱ ኸለዉ: ከምዚ ኣብዛ ሳጹን ተሓቢሩ ዘሎ: ብሒደት እተመርጸ ቓላት ድሕሪ ምጅማር ትራክት ኬበርክቱ ይመርጹ። ኣርእስቲ እታ ትራክት ወይ እቲ ውቁብ ስእልታታ ኣቓልቦ እቲ ብዓል ቤት ኪስሕብ ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ዕላማ ምብጻሕና ኣሕጽር ኣቢልና ንኽንገልጽን ሕቶ ንኸነበግስን ኣጋጣሚ ይኸፍተልና። ነቲ ብዓል ቤት ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዓይነት ትራክት ኣርኢና: ሓንቲ እተገድሶ ኺመርጽ እውን ክንሓቶ ንኽእል ኢና። ልክዕ እዩ: ሸቶና: ትራክትታት ንምብርካት ወይ ኣብ ኵሉ ኣባይቲ ንኽንጥቀመሉ ጥራይ ኣይኰነን: የግዳስ ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሕ ምይይጥ ንምጅማር እዩ።

9. ጽቡቕ ምድላው ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

9 እቲ እትጥቀመሉ ኣቀራርባ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ: ጽቡቕ ምድላው እንተ ጌርካ: ኣብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት እትገብሮ ኣገልግሎት ብርግኣትን ብውዕዉዕ ስምዒትን ንኽትዛረብ ይሕግዘካ እዩ። ሓደ ፈላሚ: “ጽቡቕ ገይረ እንተ ተዳልየ: ዝያዳ ሓጐስ እየ ዝረክብ። በቲ እተዳለኹሉ ኣቀራርባ ገይረ ንሰባት ንኸዘራርብ ባህጊ ይሓድረኒ” በለ። ካልእ ፈላሚ ኸኣ: “ንትሕዝቶ እቲ ዘበርክቶ ጽሑፋት ዝፈልጦ እንተ ዀይነ: ንኸበርክቶ ውዕዉዕ ስምዒት እየ ዘሕድር” በለ። ነቲ ኣቀራርባኻ ብልብኻ ምልምማዱ እተወሰነ ጥቕሚ እኳ እንተ ኣለዎ: ብዙሓት ግን ዓው ኢሎም ምልምማዶም ዝያዳ ሓጋዚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ከምኡ ምግባሮም: ንየሆዋ እቲ ዝበለጸ ንኺህብዎ ሓጊዝዎም እዩ።—ቈሎ. 3:23፣ 2 ጢሞ. 2:15

10. ኣኼባታት ኣገልግሎት ወፍሪ ግብራውን ጠቓምን ንኪኸውን እንታይ ኪግበር ይከኣል፧

10 ግብራዊ ጥቕሚ ዘለዎ ኣኼባታት ኣገልግሎት ወፍሪ: ነቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ኣብ እንገብሮ ኣገልግሎት እንረኽቦ ፍረን ሓጐስን ኣበርክቶ ይገብር እዩ። ዕለታዊ ጥቕሲ ምስ ንጥፈታት ስብከት ብቐጥታ ዚተሓሓዝ እንተ ዀይኑ: ኪንበብን ኣሕጽር ኣቢልካ ምይይጥ ኪግበረሉን ይከኣል እዩ። ይኹን እምበር: እቲ ነቲ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ዚመርሕ ዘሎ ሓው: ብዛዕባ ሓደ ነቲ ኽሊ ዚምሽእ ቀሊል ኣቀራርባ ንምምይያጥ ወይ ብመርኣያ ንምቕራብ: ወይ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኣገልግሎት ኪዓዩሉ ብዛዕባ ዚኽእሉ ግብራዊ ሓበሬታ ንምቕራብ እኹል ግዜ ኺምድብ ኣለዎ። እዚ ኸኣ ነቶም ኣብኡ እተኣከቡ ውጽኢታዊ ምስክርነት ንኺህቡ ብዝያዳ የዕጥቖም። ሽማግለታትን ነዚ ኣኼባታት እዚ ዚመርሑ ኻልኦትን ጽቡቕ ገይሮም እንተ ተዳልዮም: ካብቲ እተመደበሎም ግዜ ኸየሕለፉ ነዚ ሸቶ እዚ ኺወቕዑ ይኽእሉ እዮም።—ሮሜ 12:8

ምስማዕ ዘለዎ ሓያል ጽልዋ

11, 12. ብስራት ክንሰብኽ ከለና ንሰባት ብርሕራሐ ምስማዕ: ልቦም ንኽንትንክፍ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ ኣብነታት ሃብ።

11 መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምይይጥ ንምጅማርን ኣብ ኣገልግሎት ልቢ ሰባት ንምትንካፍን ዜኽእለና: ጽቡቕ ምድላው ጥራይ ዘይኰነስ: ንኻልኦት ዘሎና ዓሚቚ ብሕታዊ ተገዳስነት እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተገዳስነት እነርእየሉ ሓደ መገዲ: እንሰምዓሉ ኣገባብ እዩ። ሓደ ገያሺ ሓላዊ: “ንሰባት ብዓቕሊ ጽን ኢልካ ምስማዕ: ናባኻ ኸም ዚሰሓቡ ንምግባር ሓያል ጽልዋ ኺህልዎን ኣባታቶም ድማ ምዉቕ ብሕታዊ ተገዳስነት ከም ዘሎካ ኼርእን ይኽእል እዩ” በለ። ብርሕራሐ ምስማዕ: ከምዚ ኣብ ዚቕጽል ተመክሮ ተገሊጹ ዘሎ: ንልቢ እቲ ብዓል ቤት ኪኸፍቶ ይኽእል እዩ።

12 ሓንቲ ሰበይቲ ኣብታ ኣብ ሴንት ኤትየን: ፈረንሳ እትሕተም ለ ፕሮግረ እትበሃል ጋዜጣ ዝወጸት ደብዳበ: ጓል ሰለስተ ወርሒ ጓላ ምስ ሞተታ: ክልተ ሰባት ማዕጾኣ ኸም ዝዃኵሓ ገለጸት። ኣስዕብ ኣቢላ: “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃነን ብኡንብኡ ፈለጥክወን። ብትሕትና ኸሰናብተን እየ ሓሲበ ነይረ: እንተዀነ ግን: እታ ዚዕድላኣ ዝነበራ ብሮሹር ረኣኽዋ። ኣምላኽ ስቓይ ዝፈቐደሉ ምኽንያት እትገልጽ እያ ነይራ። ስለዚ: ነቲ ዚብላኦ ንኸፍርስ ኢለ ናብ ቤተይ ኪኣትዋ ፈቐድኩለን። . . . እተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልዕሊ ሓደ ሰዓት ዚኸውን ጸንሓ። ብድንጋጽ ነቲ ዘረባይ ሰምዓኒ: ኪኸዳ ኸለዋ ኸኣ ካብቲ ዝነበርክዎ ኣጸቢቑ ፍዅስ ስለ ዝበለኒ ኻልእ መዓልቲ መጺአን ኪበጽሓኒ ተሰማማዕኩ” በለት። (ሮሜ 12:8) ጸኒሓ እዛ ሰበይቲ እዚኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ፍቓደኛ ዀነት። ካብቲ ቐዳማይ ምብጻሕ ዝዘከረቶ: እተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዛረባኦ ነገር ዘይኰነስ: ብኸመይ ከም ዝሰምዓኣ እዩ።

13. ከከም እቶም እንረኽቦም ውልቀ-ሰባት ነቲ ብስራት እነቕርበሉ መገዲ ኽንቀያይር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

13 ንሰባት ብርሕራሐ ኽንሰምዖም ከለና: መንግስቲ ኣምላኽ ስለምንታይ ከም እተድልዮም ንኺነግሩና ኣጋጣሚ ንኸፍተሎም። እዚ ኸኣ ነቲ ብስራት ብዝሓሸ መገዲ ንኸነካፍሎም የኽእለና። ክኢላታት ወንጌላውያን መብዛሕትኡ ግዜ ጽን ኢሎም ዚሰምዑ ምዃኖም ኣስተብሂልካ ትኸውን ኢኻ። (ምሳ. 20:5) ነቶም ኣብ ኣገልግሎት ዚረኽብዎም ሰባት ናይ ሓቂ ተገዳስነት የርእይዎም እዮም። ስሞምን ኣድራሻኦምን ጥራይ ዘይኰነስ: ዜገድሶምን ዜድልዮምን ነገራት እውን የስተብህሉሉ እዮም። ሓደ ሰብ ዜተሓሳስቦ ነገር ኪነግሮም ከሎ: ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ምርምር ድሕሪ ምግባር: ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ተመሊሶም ከይዶም ዝረኸብዎ ሓበሬታ የካፍልዎ። ከም ሃዋርያ ጳውሎስ: ከከም እቶም ዚረኽብዎም ውልቀ-ሰባት ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜቕርቡሉ መገዲ ይቐያይሩ እዮም። (1 ቈረንቶስ 9:19-23 ኣንብብ።) ከምዚ ዝኣመሰለ ልባዊ ተገዳስነት ንሰባት ናብቲ ብስራት ይስሕቦም: “ርሕሩሕ ምሕረት ኣምላኽና” ኸኣ ብዚግባእ የንጸባርቕ።—ሉቃ. 1:78

ኣወንታዊ ኣረኣእያ ሓዝ

14. ኣገልግሎትና ኽንፍጽም ከለና: ባህርያት የሆዋ ብኸመይ ከነንጸባርቕ ንኽእል፧

14 የሆዋ ናይ ምምራጽ ናጽነት ብምሃብ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእየና ኣርእዩና እዩ። ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ እኳ እንተ ዀነ: ብፍቕሪ ደኣ እምበር: ዋላ ሓደ ሰብ ብግዲ ኼገልግሎ ኣይደልን እዩ። ነቶም ነቲ ዜደንቕ መሰናድዎታቱ ዜማስዉሉ ድማ ይባርኾም እዩ። (ሮሜ 2:4) ኣገልገልቱ ኸም ምዃንና መጠን: ምስክርነት ክንህብ ከለና: ነቲ መሓሪ ኣምላኽና ኽብሪ ብዜምጽእ መገዲ ብስራት ንኽንሰብኽ ድሉዋት ክንከውን ኣሎና። (2 ቈረ. 5:20, 21፣ 6:3-6) ነዚ ዕላማ እዚ ንምውቃዕ: ብዛዕባ እቶም ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ኣሎና። ነዚ ብድሆ እዚ ንኽንሰግሮ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

15. (ሀ) የሱስ ንሃዋርያቱ: ሰባት ነቲ መልእኽቲ እንተ ዘይተቐበልዎ እንታይ ኪገብሩ እዩ መምርሒ ዝሃቦም፧ (ለ) ነቶም ብቑዓት ኣብ ምርካብ ንኸነተኵር ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

15 የሱስ ንሰዓብቱ: ገሊኦም ነቲ መልእኽቲ እንተ ዘይተቐበልዎ ብዙሕ ኬተሓሳስቦም ከም ዘይብሉ: የግዳስ ነቶም ብቑዓት ኣብ ምንዳይ ኬተኵሩ ኸም ዘለዎም መምርሒ ሃቦም። (ማቴዎስ 10:11-15 ኣንብብ።) ናይ ሓጺር ግዜን ኪብጻሕ ዚኽእልን ሸቶታት ምውጻእ: ነዚ ንምግባር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ሓደ ሓው ንርእሱ ኸም ሓደ ኽቡር ነገር ዜናዲ ሰብ ገይሩ እዩ ዚርእያ። “ሎሚ ወርቂ ኽረክብ ተስፋ ኣሎኒ” ዚብል ብሂል ኣለዎ። ካልእ ሓው ከኣ ሸቶኡ እንታይ ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ: “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ሓደ ጥዑይ ሰብ ምርካብን ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት ተመሊሰ ነቲ ተገዳስነት ምዅስኳስን” በለ። ገሊኦም ኣስፋሕቲ እንተ ተኻኢሉ ንነፍሲ ወከፍ ዚረኽብዎ ብዓል ቤት እንተ ወሓደ ሓንቲ ጥቕሲ ኼካፍልዎ ይጽዕሩ። ንስኻኸ እንታይ ግብራዊ ሸቶ ኸተውጽእ ትኽእል፧

16. ስብከትና ንኸይነቋርጽ እንታይ ምኽንያታት እዩ ዘሎና፧

16 ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት ዚርከብ ኣሳልጦ: ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት ኣብ ዚህብዎ ምላሽ ጥራይ እተመርኰሰ ኣይኰነን። ዕዮ ስብከት ኣብ ምድሓን እቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ኣገዳሲ ግደ ኸም ዘለዎ ዘይከሓድ እኳ እንተ ዀነ: ካልእ ኣገዳሲ ዕላማታት እውን ኣለዎ። ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ንኸነርኢ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። (1 ዮሃ. 5:3) ካብ ደም ካልኦት ንጹሃት ይገብረና። (ግብ. 20:26, 27) ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ‘እታ ኣምላኽ ዚፈርደላ ግዜ ኸም ዝበጽሐት’ የጠንቅቖም። (ራእ. 14:6, 7) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ: በቲ ስብከት ብስራት ኣቢሉ: ስም የሆዋ ኣብ ኵላ ምድሪ ይውደስ ኣሎ። (መዝ. 113:3) ስለዚ: ሰባት ይስምዑ ኣይስምዑ ብዘየገድስ: ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ምእዋጅ ድሕር ክንብል የብልናን። እወ: ነቲ ብስራት ንኽንእውጅ እንገብሮ ዅሉ ጻዕርታትና: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጽቡቕ እዩ።—ሮሜ 10:13-15

17. ድሕሪ ሓጺር እዋን ሰባት ከይፈተዉ እንታይ እዮም ኣፍልጦ ኺህቡ፧

17 ሎሚ ብዙሓት ንዕዮ ስብከትና ዘይግደሱሉ እኳ እንተ ዀኑ: ብኻልእ መገዲ ዚርእዩሉ እዋን ግን ርሑቕ ኣይኰነን። (ማቴ. 24:37-39) የሆዋ ንህዝቅኤል: እቲ ዚሰብኮ ፍርድታት ምስ ተፈጸመ: እቶም ኣባላት እታ ዓላዊት ቤት እስራኤል: “ኣብ ማእከሎም ነብዪ ኸም ዝነበረ ኺፈልጡ” ምዃኖም ኣረጋገጸሉ። (ህዝ. 2:5) ብተመሳሳሊ: ኣምላኽ ነዚ ስርዓት እዚ ዝፈረዶ ፍርድታቱ ኺፍጽም ከሎ: እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ህዝባዊ ቦታታትን ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸዱን ዚሰብክዎ ዝነበሩ መልእኽቲ ኻብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኸም ዝመንጨወን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓቂ ተወከልቱ ዀይኖም ኸም ዘገልገሉን ሰባት ከይፈተዉ ኣፍልጦ ኺህቡ እዮም። ኣብዚ ኣገዳሲ እዋን እዚ ስም የሆዋ ንኽንጸውርን መልእኽቱ ንኽንእውጅን ከመይ ዝበለ ፍሉይ ኣጋጣሚ ዀን እዩ ተኸፊቱልና ዘሎ! እምበኣር: ብሓይሊ ኣምላኽ ነቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት ዜጋጥም ብድሆታት ንስገሮ!

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ንኽንሰብኽ ትብዓት ከነጥሪ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት: መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምይይጥ ንምጅማር እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

• ንኻልኦት ብሓቂ ኸም እንግደሰሎም ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

• ብዛዕባ እቶም ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኺህልወና እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምይይጥ እትጅምረሉ ሓደ መገዲ

ኣብ መእተዊ:-

ነቲ ብዓል ቤት ሰላም ድሕሪ ምባልካ: ነታ ትራክት እናሃብካ: “ሎሚ ኽበጽሓካ ዝመጻእኩሉ ዕላማ: ብዛዕባ እዚ ኣገዳሲ ጕዳይ እዚ ዜተባብዕ ሓሳብ ንምክፋል እዩ” በሎ።

ወይ ከኣ ነታ ትራክት እናኣበርከትካ: “ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዘሎካ ኣረኣእያ ኽፈልጥ ስለ ዝደለኹ እየ ሎሚ ኽበጽሓካ መጺአ” በሎ።

ነታ ትራክት እንተ ተቐቢሉካ:-

ብኡንብኡ ነቲ ብዓል ቤት ብዛዕባ ኣርእስቲ እታ ትራክት እንታይ ርእይቶ ኸም ዘለዎ ሕተቶ።

ኣረኣእያ እቲ ብዓል ቤት ምእንቲ ኺርድኣካ: ጽን ኢልካ ስማዕ። ስለቲ ርእይቶኡ ኣመስግኖ: ኣብቲ ምይይጥኩም እውን ተጠቐመሉ።

ነቲ ምይይጥ ንምቕጻል:-

ኣብቲ ነቲ ሰብ ዜገድሶን ዜድልዮን ነገራት ብምምርኳስ: ሓንቲ ወይ ዝያዳ ጥቕስታት ኣንቢብካ ኣመያይጦ።

ተገዳስነት እንተ ኣርእዩ: ጽሑፍ ኣበርክተሉ: ዚከኣል እንተ ዀይኑ እውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚግበር ኣርእዮ። ተመሊስካ ኽትበጽሖ ቘጸራ ግበር።