ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እቲ ዜብቍል ኣምላኽ” እዩ

“እቲ ዜብቍል ኣምላኽ” እዩ

“እቲ ዜብቍል ኣምላኽ” እዩ

“እቲ ዜብቍል ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር: እቲ ዚተክል ወይስ ዜስቲ ዚዐብሱ የብሎምን።”—1 ቈረ. 3:7

1. ኣብ ምንታይ ንጥፈታት ኢና ኸም “መዓይይቲ ኣምላኽ” እንቝጸር፧

 “ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና።” ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ንዅላትና ኽፉት ዝዀነ ፍሉይ ዕዮ በዘን ቃላት እዚኣተን ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 3:5-9 ኣንብብ።) ጳውሎስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ዘርኢ ምስ ምዝራእን ማይ ምስ ምስታይን ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ኣብዚ ኣገዳሲ ዕዮ ዕዉታት ክንከውን እንተ ዄንና: ሓገዝ የሆዋ የድልየና እዩ። ጳውሎስ: “እቲ ዜብቍል ኣምላኽ ደኣ እዩ” ብምባል መዘኻኸሪ ሂቡና ኣሎ።

2. ‘እቲ ዜብቍል ኣምላኽ ምዃኑ’ ብዛዕባ ኣገልግሎትና ግቡእ ኣረኣእያ ንኽንሕዝ ዚሕግዘና ስለምንታይ እዩ፧

2 እዚ ትሕት ዜብለና ሓቂ: ብዛዕባ ኣገልግሎትና ግቡእ ኣረኣእያ ንኽንሕዝ ይሕግዘና። ኣብ ምስባኽን ኣብ ምምሃርን ብትግሃት ንዓዪ ንኸውን: ዘይሩ ዘይሩ ግን ዝዀነ ይኹን ዕቤት ሳላ የሆዋ እዩ ዚርከብ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ዝጸዓርና እኳ እንተ ጸዓርና: ንመስርሕ ዕቤት ይትረፍዶ ኽንቈጻጸሮስ: ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ እውን ኣይንኽእልን ኢና። ንጉስ ሰሎሞን: “ንግብሪ እቲ ዅሉ ዝገበረ ኣምላኽ ኣይትፈልጦን ኢኻ” ኢሉ ብምጽሓፍ ነዚ ዅነታት እዚ ብልክዕ ገሊጽዎ ኣሎ።—መክ. 11:5

3. ኣብ መንጎ ቓል ብቓሉ ዘርኢ ምዝራእን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን እንታይ ምምስሳል ኣሎ፧

3 ነቲ መስርሕ ዕቤት ክንርድኦ ዘይምኽኣልና ንዕዮና ኸም እንጸልኦ ይገብረና ድዩ፧ ኣይፋልን። ኣብ ክንዳኡስ: ዜሐጕስን ዚምስጥን እዩ ዚገብሮ። ንጉስ ሰሎሞን: “ኣየናዩ ኸም ዚበቍል: እዚ ወይስ እቲ ወይስ ክልቲኣቶም ሐቢሮም እንተ ጸበቑ: ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ: ዘርእኻ ኣንጊህካ ዝራእ: ንምሸቱውን ኢድካ ኣይተብኵር” በለ። (መክ. 11:6) እወ: ቃል ብቓሉ ዘርኢ ኽንዘርእ ከለና: ዚበቍል እንተ ዀይኑ ወይ ኣበይ ከም ዚበቍል ኣይንፈልጥን ኢና። ክንቈጻጸሮ ዘይንኽእል ብዙሕ ረቛሒታት ኣሎ። ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ እውን ከምኡ ኺበሃል ይከኣል እዩ። የሱስ ኣብቲ ኣብ ወንጌል ማርቆስ ምዕራፍ 4 ተመዝጊቡ ዚርከብ ክልተ ምሳሌታት: ነዚ ነጥቢ እዚ ኣጕሊሕዎ ኣሎ። ካብዚ ኽልተ ምሳሌታት እዚ እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል እስከ ንርአ።

እተፈላለየ ዓይነት ሓመድ

4, 5. ነቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ዘራኢ ዝሃቦ ምሳሌ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጾ።

4 የሱስ ኣብ ማርቆስ 4:1-9: ሓደ ዘራኢ ዚዘርኦ ዘርኢ ኣብ እተፈላለየ መሬት ከም ዚወድቕ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ:- “ስምዑ፤ እንሆ: ዘራኢ ኺዘርእ ወፈረ። ኰነ ኸኣ: ኪዘርእ ከሎ: ገለ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ: ኣዕዋፍ መጺኤን ድማ በልዓኦ። ገሊኡ ኸኣ ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዜብሉ ኸውሒ ወደቐ: ዓሚቝ ሓመድ ዜብሉ ስለ ዝዀነ ድማ ቀልጢፉ በቘለ። ጸሓይ ምስ በረቐት ግና: ሀጐጐ: ሱር ስለ ዜብሉውን ነቐጸ። ገሊኡ ኸኣ ኣብ እሾዅ ወደቐ: እቲ እሾዅ ከኣ ዐብዩ ሐነቖ ፍረውን ኣይፈረየን። ገሊኡ ድማ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐ: ዚበቍልን ዚዐብን ፍረ ኸኣ ሀበ: ገሊኡ ሰላሳ: ገሊኡ ስሳ: ገሊኡ ኸኣ ሚእቲ ፈረየ።”

5 ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ: ዘራኢ ነቲ ዘርኢ ብምብታን እዩ ዚዘርኦ ነይሩ። ነቲ ዘርኢ ኣብ ክዳኑ ወይ ኣብ ካልእ መትሓዚ ሒዙ: ኣብቲ ግራት ይብትኖ። ስለዚ ኣብዛ ምሳሌ እዚኣ: እቲ ዘራኢ ዀነ ኢሉ ኣይኰነን ኣብ እተፈላለየ ዓይነት ሓመድ ዚዘርእ። ኣብ ክንዳኡስ: እቲ ዘርኢ ብኣጋጣሚ እዩ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ዚወድቕ።

6. የሱስ ነቲ ብዛዕባ እቲ ዘራኢ ዝሃቦ ምሳሌ ብኸመይ ገለጾ፧

6 ትርጕም እዚ ምሳሌ እዚ ኽንግምት ኣየድልየናን እዩ። የሱስ ኣብ ማርቆስ 4:14-20 ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ:- “እቲ ዘራኢ ነቲ ቓል ይዘርኦ። እቶም ቃል ኣብ እተዘርኦ ጥቓ መገዲ ዘለዉ እዚኣቶም እዮም: ምስ ሰምዑ: ብኡብኡ ሰይጣን መጺኡ ነቲ ኣብ ልቦም እተዘርኤ ቓል ይወስዶ። ከምኡ ኸኣ እቶም ኣብ ከውሒ እተዘርኡ እዚኣቶም እዮም: ነቲ ቓል ምስ ሰምዕዎ: ብኡብኡ ብሓጐስ ይቕበልዎ። ንሽዑ እዮም እምበር: ሱር የብሎምን: ደሓር ስለቲ ቓል መከራ ወይስ ስደት ምስ ኰነ: ቀልጢፎም ይዕንቀፉ። እቶም ኣብ እሾዅ እተዘርኡ ድማ እዚኣቶም እዮም: ነቲ ቓል ዚሰምዕዎ: ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን ካልእ ትምኒትን አትዩ ኸኣ: ነቲ ቓል ይሐንቆ። ፍረ ዜብሉ ድማ ይኸውን። እቶም ኣብ ጽቡቕ ምድሪ እተዘርኡ ኸኣ እዚኣቶም እዮም: ነቲ ቓል ዚሰምዕዎ ዚቕበልዎውን ፍረ ኸኣ ዚፈርዩ: ገሊኡ ሰላሳ: ገሊኡ ስሳ ገሊኡውን ሚእቲ።”

7. እቲ ዘርእን እቲ እተፈላለየ ዓይነት ሓመድን ንምንታይ የመልክት፧

7 የሱስ ብዛዕባ እተፈላለየ ዓይነት ዘርኢ ኣይኰነን ተዛሪቡ። የግዳስ: ብዛዕባ ኣብ እተፈላለየ ዓይነት ሓመድ ዝወደቐ እሞ እተፈላለየ ፍረ ዘፍረየ ሓደ ዓይነት ዘርኢ እዩ ተዛሪቡ። እቲ ቐዳማይ ዓይነት ሓመድ እተጠቕጠቐ: እቲ ኻልኣይ ዘይዓሚቝ: እቲ ሳልሳይ እሾዅ ዝበዝሖ: እቲ ራብዓይ ከኣ ብዙሕ ፍረ ዜፍሪ ጽቡቕ ሓመድ እዩ። (ሉቃ. 8:8) እቲ ዘርኢ ንምንታይ የመልክት፧ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ዜመልክት። (ማቴ. 13:19) እቲ እተፈላለየ ዓይነት ሓመድከ ንምንታይ የመልክት፧ ነቶም እተፈላለየ ዓይነት ልቢ ዘለዎም ሰባት እዩ ዜመልክት።—ሉቃስ 8:12, 15 ኣንብብ።

8. (ሀ) እቲ ዘራኢ ንመን የመልክት፧ (ለ) ሰባት ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዚህብዎ ምላሽ እተፈላለየ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

8 እቲ ዘራኢ ንመን የመልክት፧ ነቶም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚእውጁ መዓይይቲ ኣምላኽ እዩ ዜመልክት። ንሳቶም ከም ጳውሎስን ኣጵሎስን: ይተኽሉን ማይ የስትዩን እዮም። እንተዀነ ግን: ኣበርቲዖም እኳ እንተ ዓየዩ: እቲ ዚርከብ ፍረ እተፈላለየ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ልቢ እቶም ነቲ መልእኽቲ ዚሰምዑ እተፈላለየ እዩ። ኣብቲ ምሳሌ: እቲ ዘራኢ ነቲ ዚርከብ ፍረ ኺቈጻጸሮ ኸም ዘይክእል ተገሊጹ ኣሎ። እዝስ ብፍላይ ነቶም ብዙሕ ዚርአ ፍረ ኸይረኸቡ ንሓያሎ ዓመታት ዝዓየዩ እሙናት ኣሕዋትን ኣሓትን ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዜጸናንዖም! a እዚ ነጥቢ እዚ ዜጸናንዖም ግን ስለምንታይ እዩ፧

9. ሃዋርያ ጳውሎስን የሱስን እንታይ ዜጸናንዕ ሓቂ እዮም ዘጕልሑ፧

9 እቲ ዘራኢ ዘለዎ ተኣማንነት በቲ ኣብ ዕዮኡ ዚረኽቦ ፍረ ኣይኰነን ዚልካዕ። ጳውሎስ: “ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ጻዕሩ ዓስቡ ኪቕበል እዩ” ብምባል ነዚ ኣሚቱ እዩ። (1 ቈረ. 3:8) እቲ ዓስቢ ኸከም ፍረ እቲ ጻዕሩ ዘይኰነስ: ከከም ጻዕሩ እዩ ዚወሃቦ። የሱስ እውን ብተመሳሳሊ: ደቀ መዛሙርቱ ኻብ ስብከቶም ምስ ተመልሱ ነዚ ነጥቢ እዚ ኣጕሊሕዎ እዩ። ኣጋንንቲ ብስም የሱስ ስለ እተገዝእዎም ተሓጒሶም ተመልሱ። እዚ ዜሐጕስ እኳ እንተ ዀነ: የሱስ ግን: “ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ እተጻሕፈ ደኣ: ኣዚኹም ተሐጐሱ እምበር: መናፍስቲ ስለ እተመልኩልኩም: በዚ ኣይትተሐጐሱ” በሎም። (ሉቃ. 10:17-20) እቲ ዘራኢ ሳላ እቲ ዕዮኡ ዚፈሪ ብዙሕ ወሰኽ እኳ እንተ ዘይረኣየ: ካብ ካልኦት ንታሕቲ ትግሃት ወይ ተኣማንነት ኣለዎ ማለት ግን ኣይኰነን። እቲ ፍረ ብዓብዪኡ ኣብ ልቢ እቶም ሰማዕቲ እዩ ዚምርኰስ። ዘይሩ ዘይሩ ግን ኣምላኽ እዩ ዜብቍሎ!

እቶም ነቲ ቓል ዚሰምዑ ዘለዎም ሓላፍነት

10. ሓደ ነቲ ቓል ዚሰምዕ ውልቀ-ሰብ: ጽቡቕ ሓመድ ኪኸውን እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ብምንታይ እዩ ዚውሰን፧

10 እቶም ነቲ ቓል ዚሰምዑ ዚህብዎ ምላሽ ኣቐዲሙ ተወሲኑ ድዩ፧ ኣይፋልን። ጽቡቕ ሓመድ እንተ ዀይኖም ወይ እንተ ዘይኰይኖም ኣባታቶም እዩ ዚምርኰስ። እወ: ልቢ ሰብ እንተ ንጽቡቕ እንተ ንሕማቕ ኪልወጥ ይኽእል እዩ። (ሮሜ 6:17) የሱስ ኣብታ ምሳሌኡ: ገሊኦም ነቲ ቓል “ምስ ሰምዑ: ብኡብኡ” ሰይጣን መጺኡ ነቲ ቓል ከም ዚወስዶ ገሊጹ ኣሎ። ናይ ግድን ከምኡ ይኸውን ማለት ግን ኣይኰነን። ኣብ ያእቆብ 4:7: ክርስትያናት ‘ንድያብሎስ እንተ ተጻሪርሮምዎ:’ ንሱ ኻባታቶም ከም ዚሃድም ተነጊርዎም ኣሎ። ገሊኦም ኣብ ፈለማ ነቲ ቓል ብሓጐስ ከም ዚቕበልዎ: ጸኒሖም ግን ‘ሱር ዘይብሎም’ ብምዃኖም ከም ዚዕንቀፉ የሱስ ገሊጹ ኣሎ። ኣገልገልቲ ኣምላኽ ግን ‘ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቍመቱን እንታይ ምዃኑ ምስትውዓል ኪኽእሉ: እሞ ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ኪፈልጥዋ: ሱር ኪሰዱን ኪስረቱን’ ማዕዳ ተዋሂብዎም ኣሎ።—ኤፌ. 3:17-19፣ ቈሎ. 2:6, 7

11. ሓደ ሰብ: ሓልዮት እዛ ዓለምን ሃብትን ነቲ ቓል ከይሓንቆ ኺከላኸል ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

11 ገሊኦም ነቲ ቓል ዝሰምዑ: “ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን” ኣትዩ ነቲ ቓል ኪሓንቆ ኸም ዚፈቕዱ ጌርካ ተገሊጾም ኣለዉ። (1 ጢሞ. 6:9, 10) ነዚ ብኸመይ ኪከላኸልዎ ይኽእሉ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ: “[ኣምላኽ] ባዕሉ፤ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ: ኢሉ እዩ እሞ: ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን: በቲ ዘሎኩም ዕገቡ” ብምባል መልሲ ሂቡና ኣሎ።—እብ. 13:5

12. እቶም በቲ ጽቡቕ ምድሪ እተመሰሉ እተፈላለየ መጠን ዘለዎ ፍረ ዚፈርዩ ስለምንታይ እዮም፧

12 ኣብ መወዳእታ: እቶም ኣብ ጽቡቕ ምድሪ እተዘርኡ: “ገሊኡ ሰላሳ: ገሊኡ ስሳ ገሊኡውን ሚእቲ” ኸም ዚፈርዩ የሱስ ገለጸ። ገሊኦም ነቲ ቓል ዚቕበሉ ጽቡቕ ልቢ ዘለዎምን ፍረ ዚፈርዩን እኳ እንተ ዀኑ: ነቲ ብስራት ኣብ ምእዋጅ ኪገብርዎ ዚኽእሉ ግን ከከም ኵነታቶም ይፈላለ እዩ። ንኣብነት: እርጋን ወይ ዜማስን ሕማም ነቲ ገሊኦም ኣብ ዕዮ ስብከት ዜበርክትዎ እጃም ኪድርቶ ይኽእል እዩ። (ምስ ማርቆስ 12:43, 44 ኣረኣኢ።) ነዚ እውን እቲ ዘራኢ ኺቈጻጸሮ ኣይክእልን እዩ፣ የሆዋ ነቲ ዘርኢ ኸም ዘብቈሎ ምስ ረኣየ ግን ይሕጐስ እዩ።—መዝሙር 126:5, 6 ኣንብብ።

እቲ ዚድቅስ ዘራኢ

13, 14. (ሀ) ነቲ የሱስ ብዛዕባ ሓደ ዘርኢ ዚዘርእ ሰብኣይ ዝሃቦ ምሳሌ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጾ። (ለ) እቲ ዘራኢ ንመን የመልክት፧ እቲ ዘርኢኸ ንምንታይ የመልክት፧

13 ኣብ ማርቆስ 4:26-29 ብዛዕባ ሓደ ዘራኢ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ካልእ ምሳሌ ንረክብ ኢና:- “መንግስቲ ኣምላኽ ዘርኢ ኣብ ምድሪ ኸም ዚዘርእ ሰብኣይ እያ። ንሱ ለይትን መዓልትን ይድቅስን ይትንስእን። እቲ ዘርኢ ድማ: ንሱ ኸይፈለጠ: ይበቍል ይዐቢውን። እታ ምድሪ ባዕላ ትፈሪ፤ ቅድም ጮማ ብቝሊ: ደሓር ሰዊት: ኣብቲ ሰዊት ድማ ብጹሕ ስርናይ። ምስ በጽሔ: ቀውዒ አትዩ እዩ እሞ: ማዕጺዱ ይሰድድ።”

14 እዚ ዘራኢ ንመን የመልክት፧ ገሊኦም ኣባላት ህዝበ-ክርስትያን ንየሱስ ከም ዜመልክት እዮም ዚኣምኑ። ኰይኑ ግን: ከመይ ጌርካ እዩ የሱስ ይድቅስ: ንሱ ኸይፈለጠ እውን እቲ ዘርኢ ይዓቢ ኺበሃል ዚከኣል፧ የሱስ ነቲ መስርሕ ዕቤት ብርግጽ ይፈልጦ እዩ! እምበኣር: እዚ ዘራኢ እዚ ኸምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ: ነቶም ብቕንኣት ብዚፍጽምዎ ስብከት ኣቢሎም ዘርኢ መንግስቲ ኣምላኽ ዚዘርኡ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት እዩ ዜመልክት። እቲ ናብ ምድሪ ዚወድቕ ዘርኢ ኸኣ ነቲ ዚሰብክዎ ቓል የመልክት። b

15, 16. የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ዘራኢ ዝመሰሎ ምሳሌ: ብዛዕባ ቓል ብቓሉ ዚግበር ዕቤትን ብዛዕባ መንፈሳዊ ዕቤትን እንታይ ሓቂ እዩ ዝገለጸ፧

15 የሱስ ብዛዕባ እቲ ዘራኢ “ለይትን መዓልትን ይድቅስን ይትንስእን” ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ: እቲ ዘራኢ ንዕዮኡ ዕሽሽ ከም ዚብሎ ዜመልክት ኣይኰነን። መብዛሕትኦም ሰባት ዚስዕብዎ ንቡር ናብራ ህይወት ጥራይ እዩ ዜመልክት። እቲ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ዘሎ ኣገላልጻ: መዓልቲ እናዓየኻ: ለይቲ ድማ እናደቀስካ እተሕልፎ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዚጸንሕ ቀጻሊ መስርሕ ይሕብር። የሱስ ኣብቲ ግዜ እቲ እንታይ ከም ዝዀነ ኣጕሊሑ ኣሎ። “እቲ ዘርኢ ድማ: ንሱ ኸይፈለጠ: ይበቍል ይዐቢውን” በለ። እቲ ኣብዚ ጐሊሑ ዘሎ ነጥቢ: እቲ ዕቤት ‘ባዕሉ’ ዚኸውን ምዃኑ እዩ። c

16 የሱስ ኣብዚ እንታይ ነጥቢ እዩ ዜመሓላልፍ ነይሩ፧ ኣብዚ ጐሊሑ ዘሎ እቲ ዕቤትን እቲ ዕቤት በብቝሩብ ዚኸውን ምዃኑን እዩ። “እታ ምድሪ ባዕላ ትፈሪ፤ ቅድም ጮማ ብቝሊ: ደሓር ሰዊት: ኣብቲ ሰዊት ድማ ብጹሕ ስርናይ” በለ። (ማር. 4:28) እቲ ዕቤት በብቝሩብን በብደረጃን እዩ ዚኸውን። ኪድፋእ ወይ ኪቀላጠፍ ኣይክእልን እዩ። መንፈሳዊ ዕቤት እውን ከምኡ እዩ። የሆዋ ነቲ ሓቂ ኣብ ልቢ እቲ ቕኑዕ ዝንባለ ዘለዎ ሰብ ኺዓቢ ምስ ፈቐደ: እቲ ዕቤት በብደረጃ ይኸውን።—ግብ. 13:48 NW፣ እብ. 6:1

17. እቲ ዘርኢ ሓቂ ፍረ ምስ ፈረየ: መን እዮም ኣብቲ ሓጐስ ዚካፈሉ፧

17 እቲ ብቝሊ “ምስ በጽሔ:” እቲ ዘራኢ እንታይ ዕዮ እዩ ዚዓዪ፧ የሆዋ ንሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኣልባብ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ምስ ኣብቈሎ: እታ ንኣምላኽ ዘላቶም ፍቕሪ: ህይወቶም ንዕኡ ንኺውፍዩ ኣብ እትድርኾም ደረጃ ይበጽሑ እዮም። ሽዑ ብማይ ብምጥማቕ: ወፈያኦም የርእዩ። ናብ ብስለት ዚዓብዩ ኣሕዋት: በብቝሩብ ኣብ ጉባኤ ዝያዳ ሓላፍነታት ይስከሙ። እቲ ፈለማ ዝዘርአ ዘራኢ ጥራይ ዘይኰነስ: ካልኦት ኣብቲ ወደ መዝሙር ኣብ ምዝራእ ዘይተኻፈሉ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ እውን ነቲ ፍረ መንግስቲ ኣምላኽ ይዓጽዱ እዮም። (ዮሃንስ 4:36-38 ኣንብብ።) እወ: ‘እቲ ዘራእን እቲ ዓጻድን ብሓንሳእ ይሕጐሱ’ እዮም።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ

18, 19. (ሀ) ነቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌታት ምምርማርና: ብብሕትኻ ብኸመይ ኣተባቢዑካ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

18 ካብቲ ኣብ ማርቆስ ምዕራፍ 4 ዚርከብ ክልተ ምሳሌታት እንታይ ተማሂርና፧ ክንዓዮ ዚግባእ ዕዮ ኸም ዘሎና ብንጹር ክንርዳእ ንኽእል ኢና፣ እዚ ድማ ዘርኢ ምዝራእ እዩ። ነዚ ዕዮ እዚ ንኸይንዓዪ መመኽነይታታትን ዕንቅፋታትን ጸገማትን ክንድርድር የብልናን። (መክ. 11:4) ምስናይዚ ኸኣ ከም መዓይይቲ ኣምላኽ ክንቍጸር ዜደንቕ ፍሉይ መሰል ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ጻዕርታትናን ጻዕርታት እቶም ነቲ መልእኽቲ ዚቕበሉን ብምብራኽ: መንፈሳዊ ዕቤት ከም ዚህሉ ዚገብር የሆዋ እዩ። ንዋላ ሓደ ሰብ ደፊእና ብመንፈሳዊ ኸነዕብዮ ኸም ዘይንኽእል ንፈልጥ ኢና። ብተመሳሳሊ: እቲ ሰብ ዚገብሮ ዕቤት ዝሕቱል እንተ ዀይኑ ወይ ዕቤት ዘይገብር እንተ ዀይኑ: ተስፋ ኽንቈርጽ ወይ ሞራልና ኸነውድቕ የብልናን። ዓወትና በቲ ንየሆዋን “ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ” “ወንጌል መንግስቲ” ንኽንሰብኽ እተዋህበና ዕዮን ዘሎና ተኣማንነት ዚልካዕ ምዃኑስ ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ!—ማቴ. 24:14

19 የሱስ ብዛዕባ ዕቤት ሓደስቲ ደቀ መዛሙርትን ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽን እንታይ ተወሳኺ ትምህርቲ እዩ ሂቡና፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ ወንጌላት ተመዝጊቡ ኣብ ዚርከብ ካልእ ምሳሌታት ተዋሂቡ ኣሎ። ገለ ኻብዚ ምሳሌታት እዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንምርምሮ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ መጽሓፍ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር 2005: (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 210-211 ዚርከብ ሓው ገዮርግ ፍዮልኒር ሊንዳል ኣብ ኣይስላንድ ዝፈጸሞ ኣገልግሎት: ከምኡውን ኣብ መጽሓፍ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር 1988: (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 82-99 ዚርከብ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኣየርላንድ ብኡንብኡ ፍረ ኸይረኸቡ ንብዙሕ ዓመታት ጸኒዖም ዘገልገሉ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ዚገልጽ ተመክሮታት ርአ።

b እቲ ዘርኢ በቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሃዋህው እናተጸልወ ናብ ብስለት ኪዓቢ ዘለዎ ባህርያት ከም ዜመልክት ኣብዛ መጽሔት እዚኣ ተገሊጹ ነይሩ። ይኹን እምበር: ኣብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ: እቲ ዘርኢ ናብ ሕማቕ ዘርኢ ወይ ሕማቕ ፍረ ኸም ዘይቅየር ከነስተብህለሉ ኣሎና። የግዳስ: ዓብዩ ብጹሕ እኽሊ እዩ ዚኸውን።—ኣብ ናይ 15 ሰነ 1980 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ): ኣብ ገጽ 17-19 ርአ።

c እታ በዛ ቓል እዚኣ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል: ኣብ ካልእ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 12:10 ጥራይ እያ እትርከብ፣ ኣብኣ ድማ ማዕጾ ሓጺን “ባዕሉ” ኸም እተኸፍተ ተገሊጹ ኣሎ።

ትዝክሮዶ፧

• ኣብ መንጎ ቓል ብቓሉ ዘርኢ ምዝራእን ስብከት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽን እንታይ ምምስሳል ኣሎ፧

• የሆዋ ንተኣማንነት ሓደ ሰባኺ መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ይልክዖ፧

• የሱስ እንታይ ኣብ መንጎ ቓል ብቓሉ ዕቤትን መንፈሳዊ ዕቤትን ዘሎ ምምስሳል እዩ ዘጕልሐ፧

• ‘እቲ ዘራእን እቲ ዓጻድን ብሓንሳእ ዚሕጐሱ’ ብኸመይ እዮም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንሰባኺ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ዘርኢ ዚዘርእ ሰብኣይ ዘመሳሰሎ ስለምንታይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

እቶም በቲ ጽቡቕ ምድሪ እተመሰሉ: ከከም ኵነታቶም ብምሉእ ልቦም ኣብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ይሳተፉ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ዜብቍል ኣምላኽ እዩ