ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት: ሕጂ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ካብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት: ሕጂ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ካብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት: ሕጂ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

“ኣብ ቤተ መቕደስን ኣብ በቤትን ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኵሩን ነበሩ።” —ግብ. 5:42

1, 2. (ሀ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር በየናይ ሜላ ስብከት እዮም ዚፍለጡ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

 ዳርጋ ኣብ ኵለን ሃገራት ዜጓንፍ: ሓደ ልሙድ ዝዀነ ተርእዮ ኣሎ። ብግቡእ እተኸድኑ ኽልተ ሰባት ናብ ሓንቲ ቤት ይቐርቡ: ነቲ ብዓል ቤት ድማ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ሓጺር መልእኽቲ ኼካፍልዎ ይፍትኑ። ኣብቲ መልእኽቲ ተገዳስነት እንተ ኣርእዩ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፍ የበርክቱሉ: ብናጻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ኪገብር ከኣ ሕቶ የቕርቡሉ። ድሕሪኡ ናብታ እትቕጽል ቤት ይኸዱ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕዮ እንተ ተሳቲፍካ: መብዛሕትኡ ግዜ ገና ቕድሚ ምዝራብካ እውን ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝዀንካ ሰባት ከም ዚፈልጡኻ ተዓዚብካ ትኸውን። እወ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት እዮም ዚልለዩ።

2 ነቲ የሱስ ንኽንሰብኽን ደቀ መዛሙርቲ ንኽንገብርን ዝሃበና መዝነት ንምፍጻም እተፈላለየ ሜላታት ንጥቀም ኢና። (ማቴ. 28:19, 20) ኣብ ዕዳጋ: ኣብ መገዲ: ከምኡውን ኣብ ካልእ ህዝባዊ ቦታታት ንምስክር ኢና። (ግብ. 17:17) ብተሌፎንን ብደብዳበን ምስ ብዙሓት ንራኸብ ኢና። ነቶም ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትና ንረኽቦም ሰባት: ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ነካፍሎም ኢና። ብልዕሊ 300 ቛንቋታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ሓበሬታ ዝሓዘ ወግዓዊ ዌብ ሳይት እውን ኣሎና። a እዚ ዅሉ ሜላታት ጽቡቕ ፍረ የፍሪ እዩ። ኰይኑ ግን: ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት: ብስራት እንዝርግሓሉ ቐንዲ መገዲ: ካብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ስብከት እዩ። ነዚ ሜላ ስብከት እዚ መሰረት ዝዀኖ እንታይ እዩ፧ ዘመናውያን ህዝቢ ኣምላኽ ብስፍሓት ኪጥቀሙሉ ዝጀመሩ ብኸመይ እዮም፧ ሕጂ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

ሃዋርያት ዜዘውትርዎ ዝነበሩ ሜላ

3. የሱስ ንሃዋርያት ብዛዕባ ስብከት እንታይ መምርሒታት እዩ ዝሃቦም፧ እዚኸ ብዛዕባ እቲ ንስብከት ኪጥቀሙሉ ዘለዎም ሜላ እንታይ ይሕብር፧

3 ካብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ስብከት: ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ኣለዎ። የሱስ ንሃዋርያት ኪሰብኩ ኺልእኾም ከሎ: “ኣብ ዝዀነ ኸተማ ወይስ ዓዲ አቲኹም: ኣብኡ እቲ ብቑዕ መን ምዃኑ ሕተቱ” ዚብል መምርሒ ሃቦም። ብኸመይ እዮም ነቲ ብቑዕ ኬናድዩ ዝነበሮም፧ የሱስ: “ናብ ቤት ምስ አቶኹም: ሰላም በሉ። እታ ቤት ነዚ እትበቅዕ እንተ ዀይና: ሰላምኩም ይሕደራ” ብምባል ናብ ኣባይቲ ሰባት ኪኸዱ ነገሮም። ከይተዓደሙ ድዮም እንዳ ሰብ ኪኸዱ ነይርዎም፧ የሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ: “እንተ ዘይተቐበሉኹም ድማ: ወይስ ቃልኩም እንተ ዘይሰምዑ: ካብታ ቤት እቲኣ ወይ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወጺእኩም: ተጐጓ እእጋርኩም ንገፉ” ኢሉ ምዝራቡ ኣስተብህለሉ። (ማቴ. 10:11-14) እዚ መምርሒታት እዚ: ሃዋርያት ‘ዓዲ ንዓዲ እናዞሩ ወንጌል ኪሰብኩ’ ኸለዉ: ተበግሶ ወሲዶም ናብ ኣባይቲ ሰባት ኪኸዱ ኸም ዝነበሮም ዜነጽር እዩ።—ሉቃ. 9:6

4. ካብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ስብከት: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ተጠቒሱሉ ዘሎ ቦታ ኣበይ እዩ፧

4 ሃዋርያት ካብ ቤት ናብ ቤት ይሰብኩ ኸም ዝነበሩ: መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይጠቅስ እዩ። ንኣብነት: ግብሪ ሃዋርያት 5:42 ብዛዕባኦም: “ኣብ ቤተ መቕደስን ኣብ በቤትን ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኵሩን ነበሩ” ትብል። ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ድሕሪ 20 ዓመት ኣቢሉ: ንሽማግለታት ጉባኤ ኤፌሶን: “ዚጠቅም ዘበለ እናሰበኽኩልኩም ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት ኰነ ምምሃርኩም ከቶ ኣየብኰርኩን” ኢሉ ኣዘኻኸሮም። ጳውሎስ ነዞም ሽማግለታት እዚኣቶም ኣመንቲ ቕድሚ ምዃኖም ድዩ ናብ ቤቶም ከይዱ በጺሕዎም፧ ገለ ኻብቲ ዝመሃሮም ነገራት: “ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከኣ ኪአምኑ” ስለ ዝነበረ: እወ ኸምኡ ኪኸውን ኣለዎ። (ግብ. 20:20, 21) ሮበርትሰን ዘዳለዎ ዎርድ ፒክቸርስ ኢን ዘ ኒው ተስታመንት ብዛዕባ ግብሪ ሃዋርያት 20:20 ኣብ ዝሃበቶ ሓሳብ: “እዚ ኻብ ኵሎም ሰበኽቲ ዓብዪ ዝዀነ ሰብ እዚ ኻብ ቤት ናብ ቤት ምስባኹ ኸነቕልበሉ ይግባእ” በለት።

ዘመናዊ ሰራዊት ኣንበጣ

5. ዕዮ ስብከት ኣብ ትንቢት ዮኤል ብኸመይ እዩ ተገሊጹ ዘሎ፧

5 እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተገብረ ዕዮ ምስክርነት: ናይቲ ኣብዚ ግዜና ዚግበር ዝዓበየ ዕዮ ንእሽቶ መርኣያ እዩ ነይሩ። ነብዪ ዮኤል ንንጥፈታት ስብከት እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት: ምስቲ ኣንበጣ እውን ዚርከቦም ሓሸራታት ዜውርድዎ ዕንወት ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (ዮኤ. 1:4) እቶም ኣንበጣ ኸም ሰራዊት እናመረሹ: ዜጋጥሞም ዕንቅፋታት ሰጊሮም ናብ ኣባይቲ ይኣትዉ: ኣብ መገዶም ዝጸንሖም ኵሉ ድማ ልሕስ የብልዎ። (ዮኤል 2:2, 7-9 ኣንብብ።) እዝስ ነቲ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብዚ ግዜና ብጽንዓትን ብእተማልአ መገድን ዚፍጽምዎ ምስክርነት ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ብጽቡቕ ዚገልጾ! እቶም ቅቡኣት ክርስትያናትን እቶም ብጾቶም “ካልኦት ኣባጊዕ”ን ነዚ ትንቢት እዚ ዚፍጽሙሉ ቐንዲ ሜላ: ካብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት እዩ። (ዮሃ. 10:16) ንሕና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ሃዋርያት ዜዘውትርዎ ዝነበሩ ሜላ ስብከት: ብኸመይ ኢና ኽንጥቀመሉ ጀሚርና፧

6. ብ1922 ካብ ቤት ናብ ቤት ንምምስካር እንታይ መተባብዒ እዩ እተዋህበ፧ ገሊኦም ግን እንታይ ምላሽ ሃቡ፧

6 ካብ 1919 ንደሓር: ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣብ ምስክርነት ኪሳተፍ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ኺጐልሕ ጀመረ። ንኣብነት: ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 1922 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ዝወጸት “ኣገልግሎት ኣድላዪ እዩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ: ንቕቡኣት ክርስትያናት “ነቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ መልእኽቲ ናብ ሰባት ብንጥፈት ዜብጽሑን መንግስተ ሰማያት ከም ዝቐረበት ምስክርነት ብምሃብ ንሰባት ኣብ ኣባይቶም ዜዘራርቡን” ኪህልዉ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣዘኻኸረቶም። ኣብታ ቡለቲን (ሕጂ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና) እትበሃል ጽሕፍቲ ዝርዝር ኣቀራርባታት ይወጽእ ነበረ። ኰይኑ ግን: ኣብ ፈለማ እቶም ብሓቂ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚሰብኩ ዝነበሩ: ቍጽሮም ሒደት ነበረ። ገሊኦም ኣብቲ ዕዮ ኣይተኻፈሉን። እተፈላለየ መመኽነይታታት እኳ እንተ ኣቕረቡ: ቀንዲ ጸገሞም ግን ካብ ቤት ናብ ቤት ምኻድ ክብረቶም ዚትንክፍ ኰይኑ ስለ እተሰምዖም እዩ ነይሩ። ኣገልግሎት ወፍሪ ዝያዳ ኣትኵሮ እናተዋህቦ ምስ ከደ: ብዙሓት ካብዚኣቶም ካብ ውድብ የሆዋ በብቝሩብ ረሓቑ።

7. ኣብ 1950ታት እንታይ ከም ዜድሊ እዩ ንጹር ዝዀነ፧

7 ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ዓሰርተታት ዓመታት: እቲ ዕዮ ስብከት እናሰፍሐ ኸደ። ኣብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት ግን ተወሳኺ ስልጠና ኸም ዜድሊ ንጹር ኰነ። ንኣብነት: ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝነበረ ዅነታት እሞ ንውሰድ። ኣብ መጀመርታ 1950ታት: 28 ሚእታዊት ካብቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚፍጽምዎ ዝነበሩ ስብከት: ወረቐት ዕድመ ኣብ ምብታን ወይ መጽሔታት ሒዞም ኣብ መገዲ ደው ኣብ ምባል እተሓጽረ ነበረ። ልዕሊ 40 ሚእታዊት ከኣ ንኣዋርሕ ኣብ ዋላ ሓንቲ ምስክርነት ዘይሳተፉ ብምንባሮም: ኣብ ዕዮ ስብከት ዘይስሩዓት ነበሩ። ኵሎም ርእሶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ካብ ቤት ናብ ቤት ንኺሰብኩ ንምሕጋዝ እንታይ ኪግበር ይከኣል፧

8, 9. ብ1953 እንታይ መደብ ስልጠና እዩ እተጀመረ፧ እንታይ ፍረኸ ኣፍረየ፧

8 ኣብቲ ብ1953 ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ: ካብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት ፍሉይ ቈላሕታ ተገብረሉ። ሓው ናታን ኤች. ኖር ቀንዲ ዕዮ ዅሎም ክርስትያን ሓለውቲ: ንነፍሲ ወከፍ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት ስሩዕ ኪኸውን ምሕጋዝ ምዃኑ ኣፍለጠ። “ነፍሲ ወከፍ ካብ ቤት ናብ ቤት ከይዱ ነቲ ብስራት ኪሰብኽ ኪኽእል ኣለዎ” በለ። ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ: ዓለምለኻዊ መደብ ስልጠና ተጀመረ። እቶም ካብ ቤት ናብ ቤት ከይዶም ዘይሰብኩ ዝነበሩ: ናብ ኣባይቲ ሰባት ከይዶም ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ንኼዘራርቡን ዚቐርበሎም ሕቶታት ንኺምልሱን ስልጠና ተዋህቦም።

9 እዚ ስልጠና እዚ ዘፍረዮ ፍረ ብሓቂ ዜደንቕ እዩ ነይሩ። ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት: ቍጽሪ እቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዝነበሩ ኣስፋሕቲ ብ100 ሚእታዊት: ቍጽሪ ተመላሊስካ ምብጻሕ ብ126 ሚእታዊት: ቍጽሪ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ብ150 ሚእታዊት ወሰኸ። ሎሚ ዳርጋ ሸውዓተ ሚልዮን ዚዀኑ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ብስራት ኣብ ብዘላ ዓለም ይሰብኩ ኣለዉ። እዚ ዜደንቕ ዕቤት እዚ: ሓደ ኻብቲ የሆዋ ነዚ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት ይባርኾ ኸም ዘሎ ዜርኢ መርትዖታት እዩ።—ኢሳ. 60:22

ነቶም ዚድሕኑ ሰባት ማሕተም ምግባር

10, 11. (ሀ) ህዝቅኤል ኣብ ትንቢት ህዝቅኤል ምዕራፍ 9 ተመዝጊቡ ዚርከብ እንታይ ራእይ እዩ ዝረኣየ፧ (ለ) እቲ ራእይ እቲ ኣብዚ ግዜና ዚፍጸም ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

10 ኣገዳስነት እቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት: ኣብቲ ነብዪ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብቲ ራእይ እቲ ህዝቅኤል: ኣጽዋር ዝሓዙ ሽዱሽተ ሰብኣይ: ከምኡውን ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነን ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም ኣብ ሕቘኡ እተዓጥቀን ሻውዓይ ሰብኣይ ረኣየ። ነቲ ሻውዓይ ሰብኣይ: “ብማእከል ከተማ . . . ሕለፍ እሞ ነቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላ ዚግበር ዘሎ ጽያፍ ዚጕህዩን ዚትክዙንሲ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ግበረሎም” ተባሂሉ ተነግሮ። ድሕሪ እቲ ማሕተም ናይ ምግባር ዕዮ: እቶም ዚቐትል ኣጽዋር ዝሓዙ ሽዱሽተ ሰብኣይ ንዅሎም እቶም ማሕተም ዘይብሎም ኪቐትልዎም ትእዛዝ ተዋህቦም።—ህዝቅኤል 9:1-6 ኣንብብ።

11 እቲ “ኻብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ” ሰብኣይ: ንተረፍ እቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ከም ዜመልክት ንርዳእ ኢና። እቶም ቅቡኣት በቲ ዕዮ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ኣቢሎም: ነቶም ክፍሊ እቶም ናይ ክርስቶስ “ካልኦት ኣባጊዕ” ዝዀኑ ሰባት ምሳልያዊ ማሕተም ይገብሩሎም እዮም። (ዮሃ. 10:16) እቲ ማሕተም እንታይ እዩ፧ ኣብቲ ብግህዶ ዚርአ ግምባሮም ስለ ዚግበር: እዞም ኣባጊዕ እዚኣቶም ርእሶም ዝወፈዩን እተጠምቁን ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ምዃኖምን ከም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለ ሓድሽ ሰብ ከም ዚለብሱን ዜርኢ መርትዖ እዩ። (ኤፌ. 4:20-24) እዞም ኣባጊዕ መሰል እዚኣቶም ምስ ቅቡኣት ክርስትያናት ብሓባር ሓደ መጓሰ ይዀኑ: ኣብቲ ንኻልኦት ማሕተም ናይ ምግባር ኣገዳሲ ዕዮ እውን ይሕግዝዎም እዮም።—ራእ. 22:17

12. እቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ ኣብ ግምባር ማሕተም ምግባር ዝረኣዮ ራእይ: ነቶም ኣባጊዕ መሰል ዝዀኑ ሰባት ብቐጻሊ ኸነናድዮም ከም ዘሎና ዜጕልሕ ብኸመይ እዩ፧

12 እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ: ነቶም “ዚጕህዩን ዚትክዙን” ሰባት ብቐጻሊ ምንዳይ ብህጹጽ ኪግበር ዘድለየሉ ሓደ ምኽንያት ይሕብረና እዩ። ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ። ድሕሪ ሓጺር እዋን እቶም ኣጽዋር ብዝሓዙ ሽዱሽተ ሰብኣይ እተመሰሉ ሰማያውያን ፈጸምቲ ፍርዲ ዝዀኑ ሓይልታት: ነቶም ምሳልያዊ ማሕተም ዘይብሎም ኬጥፍእዎም እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ዘሎ ፍርዲ ኣመልኪቱ: ጐይታና የሱስ “ምስ መላእኽቲ ስልጣኑ” ኸም ዚመጽእ: ከምኡውን “ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም” ምዃኑ ጸሓፈ። (2 ተሰ. 1:7, 8) ሰባት ነቲ ብስራት ብዚህብዎ ምላሽ ከም ዚፍረዱ ኣስተብህል። ስለዚ: እቲ መልእኽቲ ኣምላኽ ክሳዕ መወዳእታ ብዘይምቍራጽ ኪእወጅ ኣለዎ። (ራእ. 14:6, 7) እዚ ነቶም ርእሶም ዝወፈዩ ኣገልገልቲ የሆዋ ኸቢድ ሓላፍነት እዩ ዜሰክሞም።—ህዝቅኤል 3:17-19 ኣንብብ።

13. (ሀ) ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ሓላፍነት እዩ ዚስምዖ ነይሩ፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) ነቶም ኣብ ክልኻ ዘለዉ ሰባት እንታይ ሓላፍነት እዩ ዚስምዓካ፧

13 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ብስራት ንኻልኦት ናይ ምክፋል ሓላፍነት ከም ዘለዎ ተሰሚዕዎ ነበረ። ስለዚ ድማ: “ንጽርኣውያንን ንኻልኦት ኣህዛብን ንለባማትን ንዓያሱን ዕዳ አሎኒ። ስለዚ ብናይ ርእሰይሲ ኣብ ሮሜ ንዘሎኹምውን ወንጌል ክሰብከልኩም ተዳልየ አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 1:14, 15) ነቲ እተገብረሉ ምሕረት ሞሳ ስለ ዝነበሮ: ካልኦት እውን ከምኡ ኻብ ጸጋ ኣምላኽ ንኺጥቀሙ ኺሕግዞም ድራኸ ሓደሮ። (1 ጢሞ. 1:12-16) ንነፍሲ ወከፍ ዚረኽቦ ሰብ: ዕዳ ኸም ዘለዎ እዩ ዚቘጽሮ ነይሩ፣ እዚ ዕዳ እዚ ድማ ነቲ ብስራት ብምንጋር ጥራይ እዩ ኪኸፍሎ ዚኽእል ነይሩ። ንስኻኸ ኣብ ክልኻ ንዘለዉ ሰባት ከምዚ ዓይነት ዕዳ ኸም ዘሎካ ይስምዓካ ድዩ፧—ግብሪ ሃዋርያት 20:26, 27 ኣንብብ።

14. ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድና ዀነ ብኻልእ መገዲ እንሰብከሉ ቐንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

14 ህይወት ሰባት ምድሓን ኣገዳሲ እኳ እንተ ዀነ: ካብ ቤት ናብ ቤት እንሰብከሉ ኻልእ ዝዓበየ ምኽንያት ግን ኣሎ። ኣብቲ ኣብ ሚልክያስ 1:11 ተመዝጊቡ ዚርከብ ትንቢት: የሆዋ: “ስመይ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ዓብዪ ስለ ዝዀነ: ስመይ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ ኣብ ኣህዛብ ዓብዪ እዩ . . . ንጹህ መስዋእቲ ድማ የቕርቡ” ኢሉ ኣሎ። ርእሶም ዝወፈዩ ኣገልገልቲ የሆዋ: ከም ፍጻመ እዚ ትንቢት እዚ: ኣብ ኵላ ምድሪ ኣገልግሎቶም ኪፍጽሙ ኸለዉ: ንስሙ ብዕሊ ይውድሱ። (መዝ. 109:30፣ ማቴ. 24:14) ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድና ዀነ ብኻልእ መገዲ እንሰብከሉ ቐንዲ ምኽንያት: ንየሆዋ “መስዋእቲ ምስጋና” ምእንቲ ኸነቕርበሉ ኢልና ኢና።—እብ. 13:15

ኣገዳሲ ፍጻመታት ይመጽእ ኣሎ

15. (ሀ) እስራኤላውያን በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ንያሪኮ ኺዞርዋ ኸለዉ: ንጥፈታቶም ዘሐየሉ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) እዚ ብዛዕባ ዕዮ ስብከት እንታይ ይሕብር፧

15 ኣብ ዕዮ ስብከት እንታይ ኣገዳሲ ፍጻመታት እዩ ዚመጽእ ዘሎ፧ እቲ ኣብ መጽሓፍ እያሱ ተመዝጊቡ ዘሎ ኸበባ ያሪኮ: ነዚ የብርሃልና እዩ። ኣምላኽ ንያሪኮ ቕድሚ ምድምሳሱ: እስራኤላውያን ነታ ኸተማ ንሽዱሽተ መዓልቲ: ኣብ መዓልቲ ሓንሳእ ኪዞርዋ መምርሒ ተዋሂብዎም ነይሩ። ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግን ኣብ ንጥፈታቶም ዓብዪ ለውጢ ተራእየ። የሆዋ ንእያሱ: “ነታ ኸተማ ሾብዓተ ሳዕ ዙርዋ: እቶም ካህናት ድማ መለኸት ይንፍሑ። ኪኸውን ድማ እዩ: እቲ መለኸት እልልታ ኣንዊሖም ምስ ነፍሑ: . . . ኵሉ ህዝቢ ዓው ኢሉ ይጨድር። መካበብያ እታ ኸተማ ኸኣ ናብ ትሕቲኡ ኣቢሉ ኺወድቕ እዩ” በሎ። (እያ. 6:2-5) ንጥፈታት ስብከትና እውን ብተመሳሳሊ ኺሰፍሕ ይኽእል እዩ። እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ቅድሚ ምጥፋኡ: ንስም ኣምላኽን መንግስቱን ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ምስክርነት ከም ዚወሃብ ኣየጠራጥርን እዩ።

16, 17. (ሀ) እቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ቕድሚ ምውዳኡ እንታይ እዩ ኺፍጸም፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

16 እቲ እንእውጆ መልእኽቲ ኸም ‘ዓው ዝበለ ጭድርታ’ ዚዀነሉ ግዜ ኺመጽእ ይኽእል እዩ። ኣብ መጽሓፍ ራእይ: ሓያል መልእኽትታት ፍርዲ ኸምቲ ነፍሲ ወከፉ “ኣስታት ሓደ መክሊት ዝምኽባዱ ገዚፍ በረድ” ዚዘንመሉ ዝናም ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። b ራእይ 16:21 ከኣ “እቲ መዓት ኣዝዩ ኽፉእ” ምዃኑ ገለጸት። እቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት ነቲ ናይ መወዳእታ መልእኽቲ ፍርዲ ኣብ ምእዋጅ እንታይ ግደ ኸም ዚህልዎ: ብሕጂ ዚርአ እዩ። እቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ቕድሚ ምውዳኡ ግን: ስም የሆዋ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ኸም ዚፍለጥ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ራእ. 7:14፣ ህዝ. 38:23

17 ነዚ ዚመጽእ ዘሎ ኣገዳሲ ፍጻመታት ክንጽበ ኸለና: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ምእዋጅ ኣይነቋርጽ። ነቲ ዕዮ እቲ ኽንፍጽም ከለና: ኣብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት እንታይ ብድሆታት እዩ ዜጋጥመና፧ ነዚኸ ብኸመይ ክንሰግሮ ንኽእል፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንምርምሮ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቲ ዌብ ሳይት www.watchtower.org እዩ።

b ኣብዚ መክሊት ተባሂሉ ዘሎ እቲ ናይ ግሪኻውያን መለክዒ እንተ ዀይኑ: ነፍሲ ወከፍ በረድ 20 ኪሎ ግራም ኣቢሉ ይኸውን ማለት እዩ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ከም ሃዋርያ ጳውሎስ: ንኻልኦት ንምስባኽ ሓላፍነት ይስምዓካ ድዩ፧

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ሓው ኖር: ብ1953

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ካብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ስብከት እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ኣለዎ፧

• ካብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት ኣብዚ ግዜና ቘላሕታ እተገብረሉ ብኸመይ እዩ፧

• ርእሶም ዝወፈዩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንኺሰብኩ ሓላፍነት ዘለዎም ስለምንታይ እዩ፧

• እንታይ ኣገዳሲ ፍጻመታት እዩ ዚመጽእ ዘሎ፧