ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ምሳና ስለ ዝነበረ ኣይፈራህናን

የሆዋ ምሳና ስለ ዝነበረ ኣይፈራህናን

የሆዋ ምሳና ስለ ዝነበረ ኣይፈራህናን

ኤዪፕትያ ፐትሪዱ ዘዘንተወቶ

ብ1972 ኣብ ብዘላ ቆጵሮስ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ነቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ኣገልግሎት ናይ የሆዋ መሰኻኽር መሪሕ ግደ ዝነበሮ ናታን ኤች. ኖር ዜቕርቦ ፍሉይ መደረ ንምስማዕ ኣብ ኒቆስያ ተኣከቡ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሓው ኖር ብኡንብኡ ኣለለየኒ: መንነተይ ገና ኸይገለጽኩሉ ኸለኹ: “ደሃይ ግብጺዶ ኣሎኪ፧” ኢሉ ሓተተኒ። ቅድሚኡ 20 ዓመት ይገብር ኣብታ ኣብ ግብጺ እትርከብ ዝዓበኹላ ኸተማ እስክንድርያ ምስ ሓው ኖር ተራኺብና ኔርና።

ብ23 ጥሪ 1914 ኣብ እስክንድርያ ተወለድኩ: ካብቶም ኣርባዕተ ውሉዳት ዝነበርዋ ስድራ ቤትና ድማ በዅሪ ነበርኩ። ካብቲ ባሕሪ ዳርባ እምኒ ጥራይ ዚኣክል ርሒቑ ኣብ ዚርከብ ቤት ድማ ዓበና። ኣብቲ ግዜ እቲ እስክንድርያ ብስነ-ህንጻን ብታሪኽን እትፍለጥ ዓባይ ከተማ እያ ነይራ። ኤውሮጳውያን ምስ ኣዕራብ ይተሓዋወሱ ብምንባሮም: ካብ ግዜ ንእስነትና ኣትሒዝና እንግሊዝኛ: ዓረብኛ: ጣልያንኛ: ፈረንሳይኛ: ከምኡውን ቋንቋ ስድራና ዝዀነ ግሪኽኛ ንፈልጥ ነበርና።

ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ: ብፈረንሳውያን ኣብ ዚካየድ እንዳ ፋሽን ስራሕ ረኸብኩ። ኣብኡ ድማ ነተን ኣብ ልዑል ደረጃ መነባብሮ ዚርከባ ወይዘራዝር ንድፊ ኽዳውንቲ አውጽእን እሰፍን ነበርኩ። ሃይማኖተኛ ብምንባረይ: ዋላኳ እንተ ዘይተረድኣኒ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ እውን እፈቱ ነበርኩ።

ኣብ መፋርቕ 1930ታት ኣቢሉ: ምስ ሓደ መበቈሉ ኻብ ቆጵሮስ ዝዀነ ባህ ዜብል መንእሰይ ተራኸብኩ። ቲዮዶቶስ ፐትሪደስ ክኢላ ተቓላሳይ ነበረ: ምቁር ሕብስትን ካራሜላን እውን ኪሰርሕ ይኽእል ስለ ዝነበረ: ኣብ ሓደ ኣጸቢቑ ዚፍለጥ ምቁር ሕብስቲ ዚስርሓሉ ቤት ይዓዪ ነበረ። ቲዮዶቶስ ምሳይ ፍቕሪ ሓዞ: ኣብቲ ግዜ እቲ ምጭውቲ እየ ነይረ። ብዙሕ ግዜ ኣብ ትሕቲ መስኰተይ ደው ኢሉ ግሪኻውያን ዚደርፍዎ ናይ ፍቕሪ ደርፊ ይደርፈለይ ነበረ። ብ30 ሰነ 1940 ድማ ተመርዓና። ኣብቲ ግዜ እቲ ዜሐጕስ እዋን ኢና ኣሕሊፍና። ትሕቲ እንዳ ኣደይ ኣብ ዝነበረት ኣፓርታማ ንነብር ነበርና። ብ1941 እቲ በዅሪ ወድና ጆን ተወልደ።

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቅታት ምፍላጥ

ንእተወሰነ እዋን ቲዮዶቶስ ብሃይማኖትና ኣይዓገበን: ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ሕቶታት ይሓትት ነበረ። ኣነ ኸይፈለጥኩ: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ጀመረ። ሓደ መዓልቲ ቘልዓ ሒዘ ኸለኹ: ሓንቲ ሰበይቲ ዃሕኵሐት: ነቲ ማዕጾ ምስ ከፈትክዎ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መልእኽቲ ዘለዎ ካርድ ሃበትኒ። ምእንቲ ደስ ኪብላ: ደው ኢለ ነታ ካርድ ኣንበብክዋ። ድሕሪኡ ገለ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ክወስድ እደሊ እንተ ዀይነ ሓተተትኒ። እቲ መጻሕፍቲ ልክዕ ከምቲ ቲዮዶቶስ ኣቐዲሙ ናብ ቤትና ዘምጸኦ መጻሕፍቲ እዩ ነይሩ።

“እዘን መጻሕፍቲ እዚኣተን እሞ ኣለዋኒ። እተዊ እንዶ ግዳ” በልክዋ። እታ ኢለኒ ኒኮላው ዝስማ ናይ የሆዋ ምስክር ናብ ገዛ ምስ ኣተወት: ብኡንብኡ ብዙሕ ሕቶታት ሓተትክዋ። ብትዕግስቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይራ መለሰትለይ። ነዚ ኸኣ ፈተኽዎ። ብሃንደበት መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪርድኣኒ ጀመረ። ኣብ መንጎ ዝርርብና: ኢለኒ ስእሊ ሰብኣየይ ርእያ ኣለለየቶ። “ነዚ ሰብኣይ እዚ እፈልጦ እየ” በለትኒ። ቲዮዶቶስ ብምስጢር ሒዝዎ ዝነበረ ምስ ተቓልዐ: ሰምበድኩ። ለካስ ንዓይ ከይነገረኒ ንበይኑ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ይኸይድ ነይሩ እዩ። በታ ምሸት እቲኣ ናብ ገዛ ምስ ተመልሰ: “ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ናብቲ ዝሓለፈት ሰንበት ዝኸድካሉ ቦታ ምሳኻ ክኸይድ እየ” በልክዎ።

ኣብቲ ንፈለማ ግዜ ዝኸድክዎ ኣኼባ: ዓሰርተ ዚዀኑ ሰባት ብዛዕባ እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ሚክያስ ይመያየጡ ነበሩ። ነቲ ምይይጦም ልክዕ ከም ማይ ሰተኽዎ! ካብታ ዕለት እቲኣ ንነጀው: ጆርጅ ፐትራኪን ካተሪና ፐትራኪን ምሳና መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዓርቢ ዓርቢ ምሸት ይመጹና ነበሩ። ኣቦይን ክልቲኦም ኣሕዋተይን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕና ይጻረሩና ነበሩ: ሓብተይ ግን ፈጺማ ናይ የሆዋ ምስክር እኳ እንተ ዘይኰነት ኣይተጻረረትናን። እንተዀነ ግን: ኣደይ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ተቐበለት። ብ1942 ኣነን ኣደይን ቲዮዶቶስን ርእስና ንየሆዋ ኸም ዝወፈና ንምርኣይ ኣብቲ ኣብ እስክንድርያ ዘሎ ባሕሪ ተጠመቕና።

ንህይወትና ዝረበሸ ዅነታት

ብ1939 ካልኣይ ውግእ ዓለም ተወልዐ: ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ተጐሃሃረ። ኣብ መጀመርታ 1940ታት: ጀርመናዊ ጀነራል ኤርቪን ሮመል ምስቲ ታንክታት እተዓጥቀ ሰራዊቱ ጥቓ ኤል ኣልኣሚን በጽሑ: እስክንድርያ ድማ ብወተሃደራት ብሪጣንያ መሊኣ ነበረ። ንሕና እውን ብዙሕ ዝደረቐ ምግቢ ኸዘንና። ድሕሪኡ ቲዮዶቶስ ነቲ ኣስራሒኡ ኣብ ጥቓ ስወጽ ዚርከብ ወደብ ታውፊቕ ዝኸፈቶ ሓድሽ እንዳ ምቁር ሕብስቲ ኼካይድ ሕቶ ቐረበሉ: ስለዚ ናብኡ ገዓዝና። ኣብኡ ኽልተ ግሪኽኛ ዚዛረቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኬናድዩና ጀመሩ። ኣድራሻና እኳ እንተ ዘይፈለጥዎ: ክሳዕ ዚረኽቡና ኻብ ቤት ናብ ቤት ሰበኹ።

ኣብ ወደብ ታውፊቕ ከለና: ምስ ስታቭሮስ ኪፓራዮስን ዩላ ኪፓራዮስን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንገብር ነበርና: ንሳቶም ምስቶም ቶቶስን ዮርዪያን ዚበሃሉ ደቆም ናይ ቀረባ ፈተውትና ዀኑ። ስታቭሮስ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቑ ይፈቱ ስለ ዝነበረ: ነታ ናይ መወዳእታ ባቡር ምእንቲ ኸተምልጠና እሞ ንዝነውሐ ግዜ ኣብኡ ምእንቲ ኽንጸንሕ ኢሉ ንዅሉ እቲ ኣብ ገዛኦም ዝነበረ ሰዓት: ሓደ ሰዓት ዚኣክል ንድሕሪት ይመልሶ ነበረ። ስለዚ ኽሳዕ ለይቲ ንመያየጥ ነበርና።

ንዓመትን መንፈቕን ኣብ ወደብ ታውፊቕ ተቐመጥና: ድሕሪኡ ኣደይ ምስ ሓመመት ናብ እስክንድርያ ተመለስና። ኣደይ ብ1947 ዓረፈት: ክሳዕ እታ ዝሞተትላ ዕለት ድማ ንየሆዋ እምንቲ ነበረት። ሽዑ እውን የሆዋ በቲ ምስ ብሱላት ክርስትያን ፈተውትና ዘሎና ሃናጺ ሕብረት ገይሩ ኸም ዘተባብዓና ተሰምዓና። ሚስዮናውያን ናብቲ እተመደቡሉ ወጻኢ ሃገራት ኪኸዱ ኸለዉ: ሒዘንኦም ዝመጻ መራኽብ ኣብ እስክንድርያ ንሓጺር ግዜ ደው ኣብ ዚብላሉ እዋን ብእንግድነት ክንቅበሎም ክኢልና ኢና።

ሓጐስን ሽግርን

ብ1952 ካልኣይ ወድና ተወልደ: ጀምስ ኢልና ድማ ሰመናዮ። ንደቅና ብመንፈሳዊ ኣብ ዚጠቕሞም ሃዋህው ከነዕብዮም ኣገዳሲ ምዃኑ ስለ ዘስተውዓልና: ቤትና ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበረሉ ቦታ ኪኸውን ፈቐድና: ብዙሕ ግዜ ድማ ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ንዕድሞም ነበርና። በዚ ኸምዚ እቲ በዅሪ ወድና ጆን ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ፍቕሪ ኣሕደረ: ኣብ መፋርቕ ኰተቴ ዕድሚኡ ኸሎ ድማ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ጀመረ። ኣብ ልዕሊኡ እውን: ዓለማዊ ትምህርቱ ምእንቲ ኺውድእ ኣብ ናይ ምሸት ትምህርቲ ይመሃር ነበረ።

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ቲዮዶቶስ ከቢድ ሕማም ልቢ ኸም ዘለዎ ፈለጠ: እቲ ዝሰርሖ ዝነበረ ዓይነት ስራሕ ኬቋርጾ ድማ ምኽሪ ተዋህቦ። ኣብቲ ግዜ እቲ ጀምስ ወድና ገና ወዲ ኣርባዕተ ዓመት እዩ ነይሩ። እንታይ ኢና እንገብሮ፧ የሆዋ: “ምሳኻ እየ እሞ: ኣይትፍራህ” ኢሉ ተመባጺዑልና እዩ። (ኢሳ. 41:10) ብ1956 ኣብታ ጥቓ መትረብ ስወጽ እትርከብ እስማዒልያ ፈለምቲ ዄንና ኸነገልግል ጻውዒት ምስ ቀረበልና: ክሳዕ ክንደይ ከም እተገረምናን እተሓጐስናን እሞ ሕስብ ኣብልዎ! ኣብታ እትቕጽል ዓመት ኣብ ግብጺ ብዙሕ ናዕቢ ነበረ: ክርስትያን ኣሕዋትና እውን ምትብባዕ የድልዮም ነበረ።

ብ1960 ነፍሲ ወከፍና ሓሓንቲ ባልጃ ሒዝና ኻብ ግብጺ ኽንወጽእ ነበረና። ናብታ ዓዲ ሰብኣየይ ዝዀነት ደሴት ቆጵሮስ ገዓዝና። ኣብቲ ግዜ እቲ ቲዮዶቶስ ሕማሙ ኸቢድዎ ስለ ዝነበረ: ኪሰርሕ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን: ሓደ ሕያዋይ ክርስትያን ሓውን ሰበይቱን ኣብ ቤቶም ክንነብር ተቐበሉና። እቲ ዜሕዝን ግን: ድሕሪ ኽልተ ዓመት ሰብኣየይ ዓረፈ: ኣነ እውን ንጀምስ ጥራይ ሒዘ በይነይ ተረፍኩ። ጆን እውን ናብ ቆጵሮስ እኳ እንተ መጸ: ተመርዕዩ ስለ ዝነበረ: ንሱ ዚኣልዮ ስድራ ነበሮ።

ኣብቲ ጽንኩር እዋን እተገብረልና ኽንክን

ድሕርዚ ስታቭሮስ ካዪሪስን ዶራ ካዪሪስን ኣብ ቤቶም ተቐበሉና። የሆዋ ዜድልየና ዘበለ የማልኣልና ብምንባሩ: ተምበርኪኸ ኣመስገንክዎ። (መዝ. 145:16) ስታቭሮስን ዶራን ገዛኦም ሸይጦም: ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝሓዘ ሓድሽ ቤት ኪሰርሑ ምስ ሓሰቡ: ንዓይን ንጀምስን ኣብኡ ኣላጊቦም ክልተ ንኣሽቱ ኽፍልታት ሰርሑልና።

ጸኒሑ ጀምስ ተመርዓወ: ካብቶም ኣርባዕተ ደቁ እቲ በዅሪ ኽሳዕ ዚውለድ ድማ ንሱን ብዓልቲ ቤቱን ፈለምቲ ዀይኖም ኣገልገሉ። ብ1974: ማለት ካብቲ ሓው ኖር ዝገበረልና ዘይርሳዕ ምብጻሕ ክልተ ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ: ኣብ ቆጵሮስ ፖለቲካዊ ናዕቢ ተለዓዓለ። a ብዙሓት ሰባት: እንተላይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ናብ ካልእ ዓዲ ተሰዱ። ጆን ወደይ እውን ሓደ ኻብኦም ነበረ። ምስ ሰበይቱን ሰለስተ ደቁን ናብ ካናዳ ገዓዘ። እዚ ኪኸውን ከሎ ግን: ኣብ ቆጵሮስ ወሰኽ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብምርካብና ተሓጒስና ኢና።

መልዕሎ ክቕበል ምስ ጀመርኩ: ኣብ ኣገልግሎት ብዝያዳ ኽካፈል ከኣልኩ። ቅድሚ ሒደት ዓመታት ግን: ቅልል ዝበለ ወቕዒ ስለ ዘጋጠመኒ: ምስ ጀምስ ወደይን ስድራኡን ክነብር ጀመርኩ። ድሕሪኡ: ሕማመይ እናገደደኒ ምስ ከደ: ንብዙሕ ሰሙናት ኣብ ሆስፒታል ድሕሪ ምጽናሕ: ናብ መእለዪ ኣረጋውያን ኣተኹ። እቲ ዜጋጥመኒ ቓንዛ ዕረፍቲ ዘይህብ እኳ እንተ ዀነ: ነቶም ሰራሕተኛታትን ሕሙማትን በጻሕትን እምስክረሎም እየ። ንሓያሎ ሰዓታት ንበይነይ ኰይነ አጽንዕ እየ: ሳላ ሓገዝ እቶም መንፈሳውያን ኣሕዋተይ ድማ ኣብ ቀረባ ኣብ ዚርከብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ጉባኤ እካፈል እየ።

ኣብ ግዜ እርጋነይ ዝረኸብክዎ ምጽንናዕ

ብዛዕባ እቶም ኣነን ቲዮዶቶስን ዝሓገዝናዮም ሰባት ወረ ኽሰምዕ ከለኹ ምጽንናዕ እረክብ እየ። ብዙሓት ካብ ደቆምን ደቂ ደቆምን ኣብ ስዊዘርላንድ: ኣውስትራልያ: ዓዲ እንግሊዝ: ካናዳ: ግሪኽ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተጸሚዶም ኣለዉ። ሎሚ ጆን ወደይን ሰበይቱን ምስ ወዶም ኣብ ካናዳ ይነብሩ ኣለዉ። እታ በዅሪ ጓሎምን ሰብኣያን ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ። እታ ሊንዳ ዝስማ ሕሳስ ልደ ጓሎምን ጆሽዋ ስኔፕ ዚበሃል ሰብኣያን: ኣብ መበል 124 ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኪካፈሉ ጻውዒት ቀሪቡሎም ኣሎ።

ጀምስ ወደይን ሰበይቱን ኣብ ጀርመን ይነብሩ ኣለዉ። ክልተ ኻብ ደቆም ድማ እቲ ሓደ ኣብ ኣቴንስ: ግሪኽ: እቲ ኻልኣይ ከኣ ኣብ ሰልተርስ: ጀርመን ኣብ ዚርከብ ቤትኤል የገልግሉ ኣለዉ። እቲ ሕሳስ ልደ ወዶምን ጓሎም ምስ ሰብኣያን ከኣ ኣብ ጀርመን ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ።

ኣደይን ፍቑር ቲዮዶቶስን ብትንሳኤ ምስ ተመልሱና: ብዙሕ እንነግሮም ነገራት ኣሎና። ንስድራ ቤቶም ብሉጽ ውርሻ ኸም ዝሓደጉ ምፍላጦም ኬሐጕሶም እዩ። b

[እግረ-ጽሑፋት]

a ናይ 22 ጥቅምቲ 1974 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 12-15 ርአ።

b እዛ ዓንቀጽ እዚኣ እናተዳለወት ከላ: ሓብትና ፐትሪዱ ኣብ 93 ዓመታ ዓሪፋ።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ሽዑ እውን የሆዋ በቲ ምስ ብሱላት ክርስትያን ፈተውትና ዘሎና ሃናጺ ሕብረት ገይሩ ኸም ዘተባብዓና ተሰምዓና

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ቆጵሮስ

ኒቆስያ

ባሕሪ መዲተራነያን

ግብጺ

ካይሮ

ኤል ኣልኣሚን

እስክንድርያ

እስማዒልያ

ስወጽ

ወደብ ታውፊቕ

መትረብ ስወጽ

[ምንጪ ስእሊ]

Based on NASA/Visible Earth imagery

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ጆን ወደይ ምስ ሰበይቱ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ጀምስ ወደይ ምስ ሰበይቱ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ብ1938 ምስ ቲዮዶቶስ