ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሚስዮናውያን ከም ኣንበጣ እዮም

ሚስዮናውያን ከም ኣንበጣ እዮም

መበል 124 ስነ-ስርዓት ምረቓ ጊልዓድ

ሚስዮናውያን ከም ኣንበጣ እዮም

ኣብ ሸሽዱሽተ ወርሒ: ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ: ንዅሎም እቶም ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከቡ ስድራ ቤትኤል ብምዕዳም ስነ-ስርዓት ምረቓ ይገብር። ብ8 መጋቢት 2008: ካብ 30 ሃገራት ዝመጹ ኣጋይሽ ምስ ስድራ ቤትኤል ሓቢሮም: ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ መበል 124 ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተኣከቡ። ኵሎም እቶም 6,411 ዝዀኑ ተኣከብቲ: ኣብዛ ፍልይቲ መዓልቲ ምስቶም ተመሃሮ ዜሐጕስ ግዜ ኣሕሊፎም እዮም።

ኣቦ መንበር እቲ ስነ-ስርዓት ዝነበረ ስቲቨን ለት ዚበሃል ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል: “ምስቶም ምሳልያውያን ናይ የሆዋ ኣንበጣ ንቕድሚት ሰጕሙ” ዘርእስቱ መደረ ብምሃብ ነቲ ስነ-ስርዓት ከፈቶ። ራእይ 9:1-4 ነቶም ብ1919 ካብ መንፈሳዊ ድስክልና እተበራበሩ ንእሽቶ ጕጅለ ቕቡኣት ክርስትያናት: ምስቶም ብሃንደበት ዚወሩ ዕስለ ኣንበጣ ኣመሳሲልዎም ኣሎ። እቶም ተመሃሮ ኣባላት “ካልኦት ኣባጊዕ” ከም ምዃኖም መጠን: ነቶም ምሳልያውያን ዕስለ ኣንበጣ ኺሓብርዎም ተዘኻኸሩ።—ዮሃ. 10:16

ቀጺሉ: ላን ሽሊንግ ዚበሃል ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ: “ተደጋገፉ” ዘርእስቱ መደረ ሃበ። እቲ መደረ: ኣብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣኪላስን ጵርስኪላን ዚበሃሉ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ ኣብነት ዝዀኑ ሰብ ሓዳር እተመስረተ እዩ ነይሩ። (ሮሜ 16:3, 4) እቲ ኽፍሊ ጊልዓድ 28 ሰብ ሓዳር ሒዙ ነይሩ። እቶም ሰብ ሓዳር ዕዉታት ሚስዮናውያን ምእንቲ ኪዀኑ: ነቲ ማእሰር ሓዳሮም ኣጽኒዖም ኪሕዝዎ ተዘኻኸሩ። መጽሓፍ ቅዱስ: ንኣኪላስ ኪጠቅስ ከሎ ንሰበይቱ ጵርስኪላ እውን ከይጠቐሳ ኣይሓልፍን እዩ። ስለዚ: ሃዋርያ ጳውሎስ ኰነ እታ ጉባኤ ኸም ሓደ ገይሮም ይርእይዎም ነበሩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዉ ሚስዮናውያን ሰብ ሓዳር እውን: ብሓባር ኪዓዩ: ብሓባር ከምልኹ: ከምኡውን ኣብቲ እተመደብሉ ወጻኢ ሃገር ዜጋጥሞም ፍሉይ ጸገማት ብሓባር ኪዋጽእሉ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ኪደጋገፉ ኣለዎም።—ዘፍ. 2:18

ኣስዒቡ: “ነቲ የሆዋ ዝገበሮ ሰናይ ምላሽ ሃቡ” ዘርእስቱ መደረ: ጋይ ፒርስ ብዚበሃል ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ቀረበ። ሓው ፒርስ: ጽቡቕ ምግባር ካብ ሕማቕ ምርሓቕ ጥራይ ዘይኰነስ: ካብኡ ንላዕሊ ኸም ዜጠቓልል ገለጸ። ሓደ ሕያዋይ ሰብ: ንጥቕሚ ኻልኦት ኪብል ሰናይ ተግባራት ይገብር እዩ። የሆዋ ኣምላኽ ዚገብሮ ሰናይ ድማ ካብ ኵሉ ዝበለጸ እዩ። (ዘካ. 9:16, 17) ሰናይን ፍቕርን ኣምላኽ: ንሕና እውን ንኻልኦት ጽቡቕ ነገራት ንኽንገብር ኪድርኸና ይኽእል እዩ። ሓው ፒርስ ነቶም ተመሃሮ: “ሰናይ ተግባራት ክትገብሩ ጸኒሕኩም ኢኹም። የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ዚምድበኩም ዝዀነ ይኹን ቦታ ሰናይ ብምግባር: ንሰናይ ኣምላኽ ምላሽ ምሃብኩም ከም እትቕጽሉ እውን ንተኣማመን ኢና” ኢሉ ብምንኣድ መደረኡ ዛዘመ።

ድሕርዚ: ሚስዮናዊ ዝነበረን ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ጊልዓድ መምህር ዝዀነን ማይክል በርነት: “ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ኸም ክታብ እሰሮ” ዘርእስቱ መደረ ኣቕረበ። እስራኤላውያን ነቲ የሆዋ ኣብ ግብጺ ዝገበረሎም ተኣምራዊ ምድሓን ንምዝካር: ኣብ መንጎ ኣዒንቶም “ክታብ” ይኣስሩ ነበሩ። (ዘጸ. 13:16) እቶም ተመሃሮ ድማ ነቲ ኻብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዝረኸብዎ መምርሒ ንምዝካር: ኣብ መንጎ ኣዒንቶም ክታብ ከም ዝኣሰሩ ገይሮም ኪሓስቡ ምሕጽንታ ተዋህቦም። ሓው በርነት: እቶም ተመሃሮ ምስ ሚስዮናውያን ብጾቶምን ካልኦትን ዜጋጥሞም ጸገማት ንምፍታሕ: ትሑታት ኪዀኑን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ኼውዕሉን ከም ዜድሊ ኣጕልሐ።—ማቴ. 5:23, 24

ንነዊሕ እዋን ናይ ጊልዓድ መምህር ኰይኑ ዜገልግል ማርክ ኑማር: “እንታይ ዓይነት መዝሙር እዩ ኺዝመረልኩም፧” ዘርእስቱ መደረ ኣቕረበ። ብግዜ ጥንቲ: ኣብ ኵናት እተረኽበ ዓወት ንምብዓል መዝሙር ምዝማር ልሙድ ነበረ። ሓደ ኻብቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ መዝሙር: ነገድ ሮቤልን ዳንን ኣሴርን ልግመኛታት ከም ዝዀኑ ብምቅላዕ: ነገድ ዛብሎን ግን በቲ ዘርኣዮ ርእሰ-መስዋእታዊ መንፈስ ይውድሶ እዩ። (መሳ. 5:16-18) ኣካይዳ ሓደ ክርስትያን ልክዕ ከም ናይ መዝሙር ግጥሚ ቐስ ብቐስ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ይፍለጥ እዩ። ሓደ ሰብ ንዕዮ ኣምላኽ ዘለዎ ፍቕርን ንቲኦክራሲያዊ መምርሒታት ዘርእዮ ተኣማንነትን: ኣብ የሆዋ ጽቡቕ መዝገብ ከም ዚህልዎ ኸምኡውን ንኣሕዋቱ ጽቡቕ ኣብነት ከም ዚኸውን ይገብሮ እዩ። ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋት: ብዛዕባ ተግባራትና እተጻሕፈ ምሳልያዊ መዝሙር ምስ ሰምዑ: ነቲ ጽቡቕ ኣብነትና ንኪቐድሑ ይድረኹ እዮም።

እቶም መበል 124 ክፍሊ ተመሃሮ: ኣብ እዋን ስልጠናኦም ብድምር ዳርጋ 3,000 ሰዓት: ኣብ ዕዮ ስብከት ኣሕሊፎም እዮም። ኣብ ክፍሊ ቲኦክራሲያዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ዚዓዪ ሳም ሮበርሰን: “ንመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ምስዓብ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ: ገለ ኻብቲ እቶም ተመሃሮ ኣብ ኣገልግሎት ዘጋጠሞም ተመክሮታት ኣዘንተወ። ድሕሪ እዚ ሃናጺ ተመክሮታት እዚ: ፓትሪክ ላፍራንካ ዚበሃል ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ: ካብ ጊልዓድ ተመሪቖም ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ንዜገልግሉ ኣሕዋት ቃለ-መጠይቕ ገበረሎም። እቶም ተመሃሮ ነቲ ኻብቶም ኣሕዋት ዝረኸብዎ ግብራዊ ምኽሪ ሞሳኦም ገለጹ።

ኣንቶኒ ሞሪስ ዚበሃል ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል: “እቲ ዚርአ ንግዜኡ ምዃኑ ዘክሩ” ዘርእስቱ ናይ መወዳእታ መደረ ኣቕረበ። ቅዱሳት ጽሑፋት: ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዜጋጥመና ዘሎ ግዜያዊ ጸበባ ኣብ ክንዲ እነተኵር: ኣብቲ የሆዋ ንመጻኢ ኣዳልዩልና ዘሎ በረኸት ከነተኵር ይምሕጸነና። (2 ቈረ. 4:16-18) ክቱር ድኽነት: ምጕዳል ፍትሒ: ጭቆና: ሕማም: ከምኡውን ሞት ኣብዚ ግዜ እዚ ብጋህዲ ዚርአ ዘሎ ነገር እዩ። ሚስዮናውያን እውን ከምዚ ዝኣመሰለ ዜጕሂ ዅነታት ኬጋጥሞም ይኽእል እዩ። እዚ ነገራት እዚ ግዜያዊ ምዃኑ ምዝካርና ግን: መንፈሳዊ ሚዛንና ንኽንሕሉን ትስፉዋት ንኽንከውንን ይሕግዘና።

ኣብ መወዳእታ: እቶም ኣብ መድረኽ ዝነበሩ ተመረቕቲ: ነቲ ሓው ለት ዝሃቦ ናይ መደምደምታ ምሕጽንታ ሰምዑ። ተስፋ ንኸይቈርጹ ብምትብባዕ: “የሆዋ ምሳና እንተ ዀይኑ: ንንጽህናና ዜበላሹ ዝዀነ ይኹን ነገር የለን” በሎም። እቶም ሓደስቲ ሚስዮናውያን: ልክዕ ከም ኣንበጣ ኣብ ዕዮ የሆዋ ኸይተሓለሉ ኪቕጽሉ ኸምኡውን ንዘለኣለም ቀናኣትን እሙናትን እዙዛትን ኪዀኑ ኣተባብዖም።

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ሳጹን]

ናይቲ ኽፍሊ ስታቲስቲክስ

ቍጽሪ ዝመጹለን ሃገራት:- 7

ቍጽሪ እተመደቡለን ሃገራት:- 16

ቍጽሪ ተመሃሮ:- 56

ገምጋም ዕድመ:- 33.8

ኣብ ሓቂ ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 18.2

ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 13.8

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ናይ መበል 124 ክፍሊ ተመረቕቲ

ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ስማት: ነቲ መስርዕ ተዋሂብዎ ዘሎ ቝጽሪ ኻብ ቅድሚት ንድሕሪት ኪኸውን ከሎ: ስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን እዩ።

(1) ታንያ ኒኮልሰን፣ ሀዘር መይን፣ ዮኮ ሰንጌ፣ ሊንዳ ስኔፕ፣ ክሎዲያ ቫኔጋስ፣ ሊቲሻ ፖው። (2) ሳንድራ ሳንታና፣ ክሪስቲን ኦህ፣ ክሪስቲን ለማትረ፣ ኑርያ ዊልያምስ፣ ሊሳ ኣለግዛንደር። (3) ብረንዳ ዉድስ፣ ሊያ ስተይንተን፣ ኤምሊ ሃንትሊ፣ ግሎሪያ ኣልቫረዝ፣ ጁልያን ክሩዝ፣ ጆኣና በነት። (4) ኣዡር ዊልያምሰን፣ ኖኤሚ ጎንዛሌዝ፣ ጀኒፈር ዙሮስኪ፣ ኢዛበል ድሃንድ፣ ጀሲካ መይ፣ ቺንዝያ ድየሚ፣ ሎረን ታቨነር። (5) ዊልያም ለማትረ፣ ኣሊሻ ሃሪስ፣ ሲንቲያ ወልስ፣ ሰራ ሮጀርስ፣ ማንዲ ዱራንት፣ ጁን ሰንጌ። (6) ትረቨር ሃንትሊ፣ ኣለን ቫኔጋስ፣ ኣንቶንዮ ፖው፣ ሞይስስ ሳንታና፣ ቮን በነት፣ ዴቪድ ታቨነር፣ ማይክል ኦህ። (7) ሚክ ዙሮስኪ፣ ጎርደን ሮጀርስ፣ ዳንየል ድየሚ፣ ሊ ኒኮልሰን፣ ካርሎስ ኣልቫረዝ፣ ጆሹዋ ስኔፕ። (8) ማት ሃሪስ፣ ፔድሮ ጎንዛሌዝ፣ ሾን መይን፣ ስተፋን ዉድስ፣ ብረንት ስተይንተን፣ ድዌን ዊልያምሰን፣ ጆን ዱራንት። (9) ፖል ክሩዝ፣ በረክት ድሃንድ፣ ዶናልድ ዊልያምስ፣ ሲሞን ወልስ፣ ዳን ኣለግዛንደር፣ ማይካ መይ።

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣብ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ ይርከብ