ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብሓደ ልቢ ተኣማንነትካ ሓሉ

ብሓደ ልቢ ተኣማንነትካ ሓሉ

ብሓደ ልቢ ተኣማንነትካ ሓሉ

“ብሓቅኻ ምእንቲ ኽመላለስ: መገድኻ ምሀረኒ: ስምካ ኽፈርህሲ: ንልበይ [“ሓደ ግበረለይ።” NW] —መዝ. 86:11

1, 2. (ሀ) ብመሰረት መዝሙር 86:2, 11: ኣብ ትሕቲ ፈተና ንየሆዋ እሙናት ኴንና ንኽንጸንዕ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ (ለ) ካብ ልብና እሙናት ንኽንከውን ዜኽእለና ባህርይ መዓስ ኢና እነማዕብሎ፧

 ማእሰርቲ ወይ መስጐጕቲ እናኣጋጠሞም ንሓያሎ ዓመታት እሙናት ኰይኖም ዝጸንዑ ገሊኦም ክርስትያናት: ጸኒሖም ብፍቕረ-ንዋይ ዝወደቑ ስለምንታይ እዮም፧ ናይዚ መልሲ ምስ ምሳልያዊ ልብና: ማለት ምስ ውሽጣዊ እንታይነትና እተተሓሓዘ እዩ። መበል 86 መዝሙር ንተኣማንነት ምስ ሓደ ዝዀነ ልቢ ኣተሓሒዝዎ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ዘይተኸፋፈለ ምሉእ ልቢ ማለት እዩ። ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “[“እሙን:” NW] እየ እሞ: ንነፍሰይ ሐልዋ: ኣታ ኣምላኸየ: ነቲ ኣባኻ ዚውከል ባርያኻ ኣድሕኖ” ኢሉ ጸለየ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን “ዎ እግዚኣብሄር: ብሓቅኻ ምእንቲ ኽመላለስ: መገድኻ ምሀረኒ: ስምካ ኽፈርህሲ: ንልበይ [“ሓደ ግበረለይ:” NW]” ኢሉ ጸለየ።—መዝ. 86:2, 11

2 ብምሉእ ልብና ኣብ የሆዋ እንተ ዘይተወኪልና: ካልእ ጕዳያትን ርክባትን ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዘሎና ተኣማንነት ኬዳኽሞ ይኽእል እዩ። ስስዐ ዝመልኦ ትምኒት: ልክዕ ከምቲ ኣብ መገዲ እተቐብረ ነታጒ እዩ። ፈታኒ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ ንየሆዋ እሙናት እኳ እንተ ዀንና: ኣብ መፈንጠራ ወይ መጻወድያ ሰይጣን ግን ክንወድቕ ንኽእል ኢና። ስለዚ: ምስ ፈተናታት ቅድሚ ምግጣምና: ሕጂ ንየሆዋ ኻብ ልብና ተኣማንነት ከነርእዮ ምጽዓርና ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ! መጽሓፍ ቅዱስ “ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሐልዎ” ይብል። (ምሳ. 4:23) ኣብዚ መዳይ እዚ: ካብቲ ብየሆዋ ተላኢኹ ናብ የሮብዓም ንጉስ እስራኤል ዝኸደ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ ነብዪ ዘጋጠሞ ተመክሮ ጠቓሚ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።

“ህያብውን ክህበካ እየ”

3. የሮብዓም በቲ ነብዪ ኣምላኽ ኣቢሉ ናይ ፍርዲ መልእኽቲ ምስ መጾ: እንታይ ምላሽ እዩ ዝሃበ፧

3 ነቲ ዅነታት እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ነቲ ብዓሰርተ ነገድ ኣብ ዝቘመት ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ኣምልኾ ምራኽ ዘተኣታተወ ንጉስ የሮብዓም: ሓያል መልእኽቲ ኣብጸሓሉ። እቲ ንጉስ ኣዝዩ ተቘጥዐ። ነቲ ልኡኽ ንኺሕዝዎ ትእዛዝ ሃበ። የሆዋ ግን ምስ ኣገልጋሊኡ ነበረ። ብኡንብኡ እታ እተዘርግሐት ኢድ እቲ ንጉስ ነቐጸት: እቲ ንናይ ሓሶት ኣምልኾ ዜገልግል መሰውኢ ድማ ነቕዐ። ብሃንደበት ጠባይ የሮብዓም ተቐያየረ። ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ: “እዛ ኢደይ ክትምለሰለይሲ: በጃኻ: ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተማህሊልካ ምእንታይ ለምኖ” ኢሉ ለመኖ። እቲ ነብዪ ጸለየ: ኢድ እቲ ንጉስ ድማ ጠዓየት።—1 ነገ. 13:1-6

4. (ሀ) እቲ ንጉስ ነቲ ነብዪ ዘቕረበሉ ነገር ብሓቂ ንተኣማንነቱ ዚፍትን ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እቲ ነብዪ እንታይ ኢሉ መለሰ፧

4 ድሕሪኡ የሮብዓም ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ: “ምሳይ ናብ ቤት እቶ እሞ ብላዕ: ህያብውን ክህበካ እየ” በሎ። (1 ነገ. 13:7) እቲ ነብዪ እንታይ ኪገብር ነበሮ፧ ናብቲ ንጉስ ናይ ፍርዲ መልእኽቲ ድሕሪ ምብጻሑ: ነቲ ዘቕረበሉ እንግዶት ኪቕበሎ ግቡእ ድዩ፧ (መዝ. 119:113) ወይስ እቲ ንጉስ እተጣዕሰ እኳ እንተ መሰለ: ነቲ ዕድመ ኪነጽጎ ድዩ ነይርዎ፧ የሮብዓም ንፈተውቱ ኽቡር ህያባት ኪህብ ዚኽእል ምንባሩ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እቲ ነብዪ ኣምላኽ ንስጋዊ ነገራት ብስዉር ትምኒት ኣሕዲሩ እንተ ዚኸውን: እቲ ንጉስ ዘቕረበሉ ነገር ከቢድ ፈተና ኪዀኖ ይኽእል ነበረ። ይኹን እምበር: የሆዋ ነቲ ነብዪ: “እንጌራ ኣይትብላዕ: ማይ ድማ ኣይትስተ: በታ ዝኸድካያ መገዲውን ኣይትመለስ” ኢሉ ኣዚዝዎ ነበረ። ስለዚ እቲ ነብዪ: “ፈረቓ ቤትካ እንተ ትህበኒ እኳ: ምሳኻስ ኣይአቱን: ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኸኣ እንጌራ ኣይበልዕን ማይውን ኣይሰትን” ኢሉ ብዘየማትእ መገዲ መለሰሉ። ድሕሪኡ ኻብ ቤት-ኤል ብኻልእ መገዲ ኸደ። (1 ነገ. 13:8-10) እቲ ነብዪ ዝገበሮ ውሳነ ብዛዕባ ልባዊ ተኣማንነት እንታይ እዩ ዚምህረና፧—ሮሜ 15:4

“ንሱ ይእከለና”

5. ፍቕረ-ንዋይ ምስ ተኣማንነት ዚተኣሳሰር ጕዳይ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

5 ፍቕረ-ንዋይ ምስ ተኣማንነት እተተሓሓዘ ጕዳይ ዘይመስል እኳ እንተ ዀነ: ብሓቂ ግን ምትእስሳር ኣለዎ። የሆዋ ብሓቂ ዜድልየና ዘበለ ኸም ዜማልኣልና ዝኣተዎ መብጽዓ ንኣምኖ ዲና፧ (ማቴ. 6:33፣ እብ. 13:5) ኣብዚ እዋን እዚ ኽንረኽቦ ዘይብልና ገሊኡ ንህይወት ምሾት ዚውስኽ ነገራት ዝኸፈልና ኸፊልና ኸነጥሪ ኣብ ክንዲ እንጽዕር: ብዘይ ብእኡ ኽንነብር ንኽእልዶ፧ (ፊልጲ 4:11-13 ኣንብብ።) ነቲ ሕጂ እንደልዮ ነገራት ንምምላእ ቲኦክራስያዊ ዕዮና ኽንሓድግ ንፍተን ዲና፧ ንየሆዋ ብተኣማንነት ምግልጋል: ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ንህቦ ዲና፧ ነዚ ሕቶታት እዚ እንህቦ መልሲ ብዓብዪኡ ኣብቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ብምሉእ ልቢ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ እዩ ዚምርኰስ። ሃዋርያ ጳውሎስ: “ኣምልኾ ምስ ይአኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ። ማለት፤ ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን እሞ ሓንቲ ኽንወስድ ኣይከአለናን እዩ። ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስ: ንሱ ይእከለና” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ጢሞ. 6:6-8

6. እንታይ “ህያባት” እዩ ኪቐርበልና ዚኽእል፧ ንኽንቅበሎ ወይ ንኸይንቕበሎ ኽንውስን ዚሕግዘናኸ እንታይ እዩ፧

6 ንኣብነት: ኣስራሒና ዝያዳ ደሞዝን ካልእ ጥቕምታትን ዚርከቦ ናይ ስራሕ ዕቤት ኬቕርበልና ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ ስራሕ ንምርካብ ናብ ካልእ ሃገር ወይ ዞባ እንተ ግዒዝና: ብዙሕ ገንዘብ ክንረክብ ከም እንኽእል ንፈልጥ ንኸውን። ኣብ ፈለማ: ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ካብ የሆዋ ዝመጸ በረኸት ይመስለና ይኸውን። ኰይኑ ግን: ስጕምቲ ቕድሚ ምውሳድና: ንውሽጣዊ ድራኸታትና ኽንምርምርዶ ኣይግባእን፧ ብቐዳምነት ዜተሓሳስበና ነገር: “ውሳነይ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎኒ ርክብ ብኸመይ ይጸልዎ፧” ዚብል ኪኸውን ኣለዎ።

7. ፍቕረ-ንዋያዊ ትምኒታት ክንምሕዎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

7 ስርዓት ሰይጣን ንፍቕረ-ንዋይ ብዘይምቍራጽ የወዓውዖ እዩ። (1 ዮሃንስ 2:15, 16 ኣንብብ።) ዕላማ ድያብሎስ ከኣ ንኣልባብና ምብልሻው እዩ። ስለዚ: ኣብ ልብና ፍቕረ-ንዋያዊ ትምኒት ከይህሉ ንኸነለልን ንኽንምሕዎን ንቑሓት ክንከውን ኣሎና። (ራእ. 3:15-17) የሱስ ነቲ ሰይጣን ዘቕረበሉ መንግስትታት ኵላ ዓለም ንምንጻግ ኣይጸገሞን። (ማቴ. 4:8-10) “ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ: ተጠንቀቑ: ካብ ኵሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ” ኢሉ እውን ኣጠንቂቑ እዩ። (ሉቃ. 12:15) እሙናት እንተ ዄንና: ኣብ ርእስና ዘይኰነስ: ኣብ የሆዋ ንኽንጽጋዕ ዝቐለለ ይዀነልና።

ሓደ ኣረጊት ነብዪ “ሓስይዎ”

8. ተኣማንነት እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ብኸመይ እዩ እተፈተነ፧

8 እቲ ነብዪ ኣምላኽ ናብ ዓዱ ዚገብሮ ጕዕዞ እንተ ዘየቋርጽ ነይሩ: ሕማቕ ኣይመጋጠሞን። ብኡንብኡ ግን: ካልእ ፈተና ኣጋጠሞ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሕብሮ: “ኣብ ቤት-ኤል ድማ ሓደ ኣረጊት ነብዪ ነበረ። ሓደ ኻብ ደቁ መጺኡ ኸኣ” በታ መዓልቲ እቲኣ እተገብረ ዘበለ ኣዘንተወሉ። እቲ ኣረጊት ሰብኣይ ነቲ ወረ ምስ ሰምዐ: ነቲ ነብዪ ኣምላኽ ምእንቲ ኼርክቦ: ንደቁ ኣድጊ ኺጽዕኑሉ ነገሮም። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ: ነቲ ነብዪ ኣብ ትሕቲ ዓብዪ ኦም ተቐሚጡ ረኸቦ እሞ: “ምሳይ ናብ ቤት ንዓ እሞ እንጌራ ብላዕ” በሎ። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ነቲ ዝቐረበሉ ዕድመ ምስ ነጸጎ: እቲ ኣረጊት ሰብኣይ: “ኣነውን ከማኻ ነብዪ እየ: መልኣኽ ድማ: እንጌራ ኺበልዕን ማይ ከኣ ኪሰትን ምሳኻ ናብ ቤትካ ምለሶ: ኢሉ ብቓል እግዚኣብሄር ተዛሪቡኒ” በሎ። ቅዱሳት ጽሑፋት ግን: “ሓስይዎ እዩ” ኢሉ ይነግረና።—1 ነገ. 13:11-18

9. ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ መታለልቲ እንታይ ይብል፧ ንመንከ እዮም ዚጐድኡ፧

9 እቲ ኣረጊት ነብዪ ኸምኡ ኺገብር ዝደረኾ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ይሕሱ እዩ ነይሩ። ምናልባት ኣቐዲሙ ንየሆዋ እሙን ነብዪ ነይሩ ይኸውን። ኣብቲ ግዜ እቲ ግን የታልል እዩ ነይሩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጠባይ ብጽኑዕ ይዅንኖ እዩ። (ምሳሌ 3:32 ኣንብብ።) መታለልቲ ንርእሶም ጥራይ ዘይኰነስ: ንኻልኦት እውን ብመንፈሳዊ መዳይ ይጐድኡ እዮም።

ምስቲ ኣረጊት ሰብኣይ “ተመልሰ”

10. እቲ ነብዪ ኣምላኽ ነቲ እቲ ኣረጊት ሰብኣይ ዘቕረበሉ ዕድመ እንታይ ምላሽ ሃበሉ፧ እዚኸ እንታይ ኣስዓበሉ፧

10 እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ ነብዪ ንውዲት እቲ ኣረጊት ነብዪ ኼስተውዕለሉ ነይርዎ። ‘ስለምንታይ እሞ እዩ የሆዋ ንዓይ ሓድሽ መምርሒ ንምሃብ: መልኣኹ ናብ ካልእ ሰብ ዚልእኽ፧’ ኢሉ ኺሓትት ምኸኣለ። እቲ መምርሒ ምእንቲ ኺንጽረሉ ንየሆዋ ኺሓቶ ምኸኣለ: ቅዱሳት ጽሑፋት ግን ከምኡ ኸም ዝገበረ ኣይሕብረናን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ: “ምስኡ [ምስቲ ኣረጊት ሰብኣይ] ተመልሰ: ኣብ ቤቱ ኸኣ እንጌራ በልዔ: ማይውን ሰተየ” ዚብል ነንብብ። የሆዋ በዚ ኣይተሓጐሰን። ጸኒሑ እቲ እተታለለ ነብዪ ናብ ይሁዳ ኺምለስ ከሎ: ኣብ መገዲ ኣንበሳ ረኸቦ እሞ ቐተሎ። እዝስ ነቲ ዅሉ ኸም ነብዪ ዀይኑ ዘገልገሎ ዓመታት ከመይ ዝበለ ዜሐዝን መዛዘሚ ዀን እዩ!—ነገ. 13:19-25 a

11. ኣሒያ እንታይ ሰናይ ኣብነት እዩ ዝሓደገ፧

11 በቲ ኻልእ ሸነኽ: እቲ ንንጉስ የሮብዓም ኪቐብኦ እተላእከ ነብዪ ኣሒያ: ብግዜ እርጋኑ እውን እሙን ነበረ። ኣሒያ ምስ ኣረገን ኣዒንቱ ምስ ዓወራን: የሮብዓም ንሰበይቱ ብዛዕባ እቲ ዝሓመመ ወዶም ክትሓትት ናብ ኣሒያ ለኣኻ። ኣሒያ: ወዲ የሮብዓም ከም ዚመውት ብትብዓት ተነበየ። (1 ነገ. 14:1-18) ሓደ ኻብቲ ኣሒያ ዝረኸቦ ብዙሕ በረኸት: ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ኣበርክቶ ናይ ምግባር ፍሉይ መሰል እዩ። ብኸመይ፧ ጸኒሑ ኻህን እዝራ ነቲ ኣሒያ ዝጸሓፎ ጽሑፋት ከም ምንጪ ጽሑፍ ገይሩ ተጠቕመሉ።—2 ዜና 9:29

12-14. (ሀ) ነቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ ነብዪ ኻብ ዘጋጠሞ ነገራት እንታይ ትምህርቲ ንመሃር፧ (ለ) ሽማግለታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲሶም ንዚህቡና ምኽሪ ተጠንቂቕና ብጸሎት ክንሓስበሉ ኸም ዜድሊ ብምሳሌ ኣረድእ።

12 እቲ ነብዪ ምስቲ ኣረጊት ሰብኣይ ተመሊሱ ኸይዱ ቕድሚ ምብላዑን ምስታዩን: ንየሆዋ ዘይሓተተሉ ምኽንያት መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጽን እዩ። ግናኸ እቲ ኣረጊት ሰብኣይ ሓሳብ ልቡ ስለ ዝነገሮ ደዀን ይኸውን፧ እዚኸ ንዓና እንታይ ትምህርቲ እዩ ዚዀነና፧ የሆዋ ኸነማልኦ ዚሓተና ብቕዓታት ቅኑዕ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ኽንኣምን ኣሎና። ብዘይካዚ: ዝመጸ ይምጻእ ነዚ ብቕዓታት እዚ ኽንስዕቦ ቘራጽነት ክንገብር ኣሎና።

13 ገሊኦም ሰባት ምኽሪ ኺወሃቦም ከሎ: ኪሰምዕዎ ዚደልዩ ጥራይ እዮም ዚሰምዑ። ንኣብነት: ሓደ ኣስፋሒ ነቲ ምስ ስድራ ቤቱን ኣብ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታትን ኬሕልፎ ዚኽእል ግዜ ዚዓናቕፍ ስራሕ ኪሰርሕ ኣጋጣሚ ይቐርበሉ ይኸውን። ብዛዕባ እዚ ድማ ንሓደ ሽማግለ የማኽሮ። እቲ ሽማግለ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ሓው ንስድራ ቤቱ ዚኣልየሉ ኣገባብ መምርሒ ኺህቦ ኸም ዘይክእል ኣፍልጦ ብምሃብ ርእይቶኡ ይጅምር ይኸውን። ድሕሪኡ: እቲ ሽማግለ ነቲ ሓው: ከምዚ ዓይነት ስራሕ ኬስዕበሉ ዚኽእል መንፈሳዊ ሓደጋታት ይገልጸሉ። እቲ ሓው ነቲ እቲ ሽማግለ ኣብ ፈለማ ዝሃቦ ሓሳባት ጥራይ ድዩ ኺዝክር ዘለዎ: ወይስ ነቲ ኣስዒቡ ዝበሎ እውን ኣብ ግምት ኬእትዎ ኣለዎ፧ እቲ ሓው ብመንፈሳዊ መዳይ ዚጠቕሞ ነገራት ኪውስን ኣለዎ።

14 ካልእ ኣብነት እስከ ንርአ። ሓንቲ ሓብቲ ንሓደ ሽማግለ ኻብቲ ዘይኣማኒ ሰብኣያ ኽትፍለ እንተ ኣልይዋ ትሓቶ ትኸውን። እቲ ሽማግለ: ክትፍለ ወይ ከይትፍለ እትውስን ንሳ ምዃና ኸም ዚነግራ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ድሕሪኡ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዚህቦ ምኽሪ ይነግራ። (1 ቈረ. 7:10-16) እታ ሓብቲ ነቲ እቲ ሽማግለ ዝበሎ ኣርዚና ኽትርእዮ ድያ: ወይስ ኣቐዲማ ኻብ ሰብኣያ ኽትፍለ ድሮ ወሲና እያ፧ ውሳነ ኽትገብር ከላ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ምኽሪ ብጸሎት እንተ ሓሰበትሉ ጥበባዊ እዩ።

ትሑት ኩን

15. ካብ ጌጋ እቲ ነብዪ ኣምላኽ እንታይ ንመሃር፧

15 ካብ ጌጋ እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ ነብዪ እንታይ ካልእ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧ ምሳሌ 3:5 “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ” ትብል። እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ ነብዪ ኸምቲ ኣቐዲሙ ዝገበሮ ኣብ የሆዋ ኣብ ክንዲ ዚእመን: ኣብ ልቦናኡ ተጸግዐ። ብሰንኪ ጌጋኡ ኸኣ: ህይወቱን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝነበሮ ጽቡቕ ስምን ስኢኑ እዩ። እቲ ተመክሮኡ ንየሆዋ ብትሕትናን ብተኣማንነትን ከነገልግሎ ኸም ዚግባእ የጕልሕ።

16, 17. ንየሆዋ እሙናት ኴንና ንኽንቅጽል ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

16 ልብና ናይ ስስዐ ዝንባለ ስለ ዘለዎ: ብቐሊሉ ኼስሕተና ይኽእል እዩ። “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ።” (ኤር. 17:9) ንየሆዋ እሙናት ኴንና ምእንቲ ኽንቅጽል: ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ናይ ትዕቢትን ርእሰ-ትውክልትን ዝንባለታቱ ንምቕንጣጥ ብቐጻሊ ኣበርቲዕና ኽንዓዪ ኣሎና። “ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን [“ተኣማንነትን:” NW] ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ” ሓድሽ ሰብ ድማ ኽንለብስ ኣሎና።—ኤፌሶን 4:22-24 ኣንብብ።

17 ምሳሌ 11:2 “ጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት እያ” ትብል። ብትሕትና ኣብ የሆዋ ምውካል: ከቢድ ሳዕቤን ዘለዎ ጌጋታት ከይንገብር ይሕግዘና። ንኣብነት: ተስፋ ምቝራጽ ንምምዝዛንና ብቐሊሉ ኼመዛብሎ ይኽእል እዩ። (ምሳ. 24:10) ገሊኡ መዳይ ቅዱስ ኣገልግሎት ኬሰልክየና እሞ እቲ ንዓመታት ዝገበርናዮ ኣገልግሎት እኹል ከም ዝዀነን ምናልባት ካልኦት ነቲ ሸኸም ኪስከምዎ ኸም ዘለዎምን ክንሓስብ ንኽእል ኢና። ወይ ከኣ ዝያዳ “ንቡር” ህይወት ኪህልወና ንምነ ንኸውን። ይኹን እምበር: ‘ምግዳልን’ ‘ብዕዮ ጐይታ ኵሉ ግዜ ዕዙዛት ምዃንን’ እዩ ልብና ኽንሕሉ ዜኽእለና።—ሉቃ. 13:24፣ 1 ቈረ. 15:58

18. እንታይ ከም እንውስን እንተ ዘይፈሊጥና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

18 ሓድሓደ ግዜ ኣጸጋሚ ውሳነታት ክንገብር የድልየና ይኸውን: ኣየናይ ስጕምቲ ቕኑዕ ምዃኑ እውን ብቐሊሉ ኣይንጽረልናን ይኸውን። ከምኡ እንተ ኣጋጢሙና: ነቲ ጕዳይ ብርእስና ኽንፈትሖ ንፍተን ደዀን ንኸውን፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: ካብ የሆዋ ሓገዝ እንተ ሓተትና ጥበባዊ እዩ። ያእቆብ 1:5 “ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና: ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ” ትብል። ጽቡቕ ውሳነ ምእንቲ ኽንገብር: እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዜድልየና መንፈስ ቅዱስ ኪህበና እዩ።—ሉቃስ 11:9, 13 ኣንብብ።

ተኣማንነትካ ሓሊኻ ንምምልላስ ቈራጽነት ግበር

19, 20. እንታይ ንምግባር ኢና ኽንቈርጽ ዘሎና፧

19 ሰሎሞን ካብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ምስ ረሓቐ ስዒቡ ዝመጸ ህውከት ዝመልኦ ዓመታት: ንተኣማንነት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዙሕ ፈቲንዎ እዩ። ብዙሓት ብእተፈላለየ መገዲ ኣብ እምነቶም እኳ እንተ ተለማለሙ: ገሊኦም ግን ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም ቀጺሎም እዮም።

20 ንሕና እውን ንተኣማንነትና ዚፍትን ምርጫታትን ውሳነታትን መዓልታዊ የጋጥመና እዩ። ኰይኑ ግን: እሙናት ክንከውን ንኽእል ኢና። የሆዋ ንእሙናቱ ኸም ዚባርኾም ምሉእ ብምሉእ ብምትእምማን ልብና ሓደ ኽንገብሮ ኸለና: ንየሆዋ ወትሩ እሙናት ንኹን።—2 ሳሙ. 22:26 ትርጕም 1990

[እግረ-ጽሑፍ]

a የሆዋ ነቲ ኣረጊት ነብዪ ኸም ዝቐተሎ ወይ ከም ዘይቀተሎ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጽን እዩ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ፍቕረ-ንዋያዊ ትምኒታት ካብ ልብና ንምምሓው ክንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ንየሆዋ እሙናት ኴንና ንኽንቅጽል ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

• ትሕትና ንየሆዋ እሙናት ኴንና ንኽንቅጽል እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ንዜጋጥመካ ፈተናታት ምጽራሩ የጸግመካ ድዩ፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ምኽሪ ኺወሃበካ ኸሎ ብጸሎት ትሓስበሉ ዲኻ፧