ትሕዝቶ
ትሕዝቶ
15 ነሓሰ 2008
ሕታም መጽናዕቲ
ኣብዚ ሰሙናት ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ:-
29 መስከረም 2008–5 ጥቅምቲ 2008
ገጽ 3
ዚዝመር መዝሙራት:- 11 (85), 6 (45)
6-12 ጥቅምቲ 2008
ገጽ 7
ዚዝመር መዝሙራት:- 16 (143), 8 (53)
13-19 ጥቅምቲ 2008
ገጽ 12
ዚዝመር መዝሙራት:- 7 (51), 26 (212)
20-26 ጥቅምቲ 2008
ገጽ 17
ዚዝመር መዝሙራት:- 20 (93), 23 (200)
27 ጥቅምቲ 2008–2 ሕዳር 2008
ገጽ 21
ዚዝመር መዝሙራት:- 15 (127), 17 (187)
ዕላማ ዓንቀጻት መጽናዕቲ
ዓንቀጻት መጽናዕቲ 1, 2 ገጽ 3-11
እዘን ዓንቀጻት እዚኣተን ኣብቲ እስራኤል ናብ ሰሜናዊት መንግስትን ደቡባዊ መንግስትን እተኸፋፈለትሉ እዋን ብምትኳር: የሆዋ ንእሙናቱ ኸም ዘይሓድጎም ይገልጻ። ብፈተናታት ፍቕረ-ንዋይ ወይ ትዕቢት ምእንቲ ኸይንወድቕ: ሕጂ ልባዊ ተኣማንነት ከነማዕብል ከም ዜድልየና ጐሊሑ ኣሎ።
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 3 ገጽ 12-16
እዛ ዕንቀጽ እዚኣ ንኽብሪ ኣምላኽ ዘሎና ሞሳ ኣባና ኺህልዎ ዘለዎ ጽልዋ ትገልጽ። ካብቲ የሱስ ንኻልኦት ዝሓዘሉ መገዲ: ብዛዕባ ኽብረት ምሕላው እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል ትምርምር። ብኸመይ ክብረት ከም እትሕሉ እውን ተምሃር።
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 4 ገጽ 17-21
ንኣረጋውያን ክርስትያናት ከምቲ የሆዋ ዚርእዮም ጌርካ ምርኣይ ተምሃር። ንፍልጠቶምን ንተመክሮኦምን ኣኽቢርና ንኽርኢ: ንስምዒቶም ኣብ ግምት ንኸነእቱ: ከምኡውን ብመንፈስ ንጡፋት ኪዀኑ ንኽንድግፎም መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዘና ብኸመይ ምዃኑ ርአ።
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 5 ገጽ 21-25
የሆዋ ብነብዪ ጸፎንያስ ኣቢሉ: “ንህዝብታት ጽሩይ ከናፍር [“ቋንቋ:” NW] ክመልሰሎም እየ” ኢሉ እዩ። (ጸፎ. 3:9) እቲ “ጽሩይ ቋንቋ” እንታይ ምዃኑ ተምሃር። ንኽትመልኮ እንታይ ስጕምትታት ክትወስድ ከም እትኽእል ርአ። ነዚ ፍሉይ ቋንቋ እዚ ንየሆዋ ንምውዳስ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ኸም እትኽእል ድማ ፍለጥ።
ካልእ ኣብዛ ሕታም እዚኣ ዚርከብ:-
ቃል የሆዋ ህያው እዩ—ካብ መልእኽትታት ናብ ሰብ ገላትያን ኤፌሶንን ፊልጲን ቈሎሴን ዚጐልሕ ነጥብታት
ገጽ 26
ገጽ 29
ገጽ 30