ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብምንባብ ተሓጒስካዶ፧ እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ:-

ገሊኦም ክርስትናያት ድሕሪ ምምርዓዎም ከመይ ዝበለ ኸቢድ ጸገም እዩ ዜጋጥሞም፧ እንታይ ኪገብሩኸ እዮም ኪጽዕሩ ዘለዎም፧

ገሊኦም ክርስትያናት ምስ መጻምድቶም ብዙሕ ሓባራዊ ነገር ከም ዘይብሎም ይግንዘቡ ይዀኑ። ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ፍትሕ ምግባር ቅቡል ከም ዘይኰነ ስለ ዚፈልጡ: ሓዳሮም ንኸይፈርስ ኣበርቲዖም ኪዓዩ ኣለዎም።—15/4 ገጽ 17

ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ዚነብር ሓደ ክርስትያን እንታይ ጸገማት ኬጋጥሞ ይኽእል፧

ነታ ኣብ ከባቢ እቲ ዚነብረሉ መናበዪ ኣረጋውያን ዘላ ጉባኤ ኣይፈልጣን ይኸውን። ኣብቲ መናበዪ ኣረጋውያን ዚነብሩ መብዛሕትኦም ሰባት: እተፈላለየ እምነታት ዘለዎም ኪዀኑ ስለ ዚኽእሉ: ኣብ ሃይማኖታዊ ንጥፈታት ንኼካፍልዎ ኪፍትኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ: ክርስትያን ኣዝማድን ኣባላት እታ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ጉባኤን ነዚ ጸገማት እዚ ብምግንዛብ: ደገፍን ሓልዮትን ኪህብዎ ኣለዎም።—15/4 ገጽ 25-27

ሰብ ሓዳር ነቲ ዜጋጥሞም ጸገማት ንኺፈትሕዎ ዚሕግዞም ኣርባዕተ ስጕምትታት እንታይ እዩ፧

ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ንምምይያጥ ግዜ መድቡ። (መክ. 3:1, 7) ሓሳብኩም ብጋህድን ብኣኽብሮትን ግለጹ። (ኤፌ. 4:25) ንመጻምድትኹም ስምዕዎ። (ማቴ. 7:12) ነቲ ዝቐረበ ፍታሕ ተሰማምዑሉ: ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ኸኣ ሓቢርኩም ዕየዩ። (መክ. 4:9, 10)—1/5 ገጽ 10-12

ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ኣበየኖት ኮሚተታት እዮም ዜገልግሉ፧

ኮሚተ ኣወሃሃድቲ: ኮሚተ ፐርሶነል: ኮሚተ ሕትመት: ኮሚተ ኣገልግሎት: ኮሚተ ትምህርቲ: ከምኡውን ኮሚተ ጽሕፈት።—15/5 ገጽ 29

ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ ዓለምለኻዊ ምንባሩ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

የሱስ: እቲ ማይ ኣይሂ ብሓቂ ኸም ዘጋጠመን ዓለምለኻዊ ምንባሩን ይኣምን ነበረ። መጽሓፍ ቅዱሳዊ መጠንቀቕታታት ኣብ ፍጻመ እቲ ዓለምለኻዊ ማይ ኣይሂ እተመርኰሰ እዩ።—1/6 ገጽ 8

እቲ ኣብ ሮሜ 1:24-32 ተጠቒሱ ዘሎ ተግባራት ንኣይሁድ ድዩ ዜመልክት ወይስ ንኣህዛብ፧

እቲ ተዋሂቡ ዘሎ መግለጺ ንኽልቲኦም ኬመልክት ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ: ጳውሎስ ግን ብፍላይ ነቶም ጥንቲ ነቲ ሕጊ ዘየኽብሩ ዝነበሩ እስራኤላውያን ብምምልካት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ነቲ ጻድቕ ትእዛዛት ኣምላኽ ይፈልጥዎ እኳ እንተ ነበሩ: ምስኡ ተሰማሚዖም ግን ይነብሩ ኣይነበሩን።—15/6 ገጽ 29

ቴል ዓራድ ኣበይ እያ እትርከብ፧ ኣገዳሲት ዝዀነትከ ስለምንታይ እያ፧

ጥንታዊት ከተማ ዓራድ ዝነበረትሉ ቦታ ዚሕብር ኵምራ: ኣብ እስራኤል ብሸነኽ ምዕራብ ምዉት ባሕሪ እዩ ዚርከብ። ፈሓርቲ ኣብዚ ዅምራ እዚ: ከም መጽሓፊ ጽላታት ኰይኑ ዜገልግል ዝነበረ ብዙሕ ኣጋልዕ ረኺቦም እዮም። ገሊኡ ኣጋልዕ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስማት ዝሓዘ እዩ: ንብሕታዊ ስም ኣምላኽ ኣብ ሰነዳት ይጥቀሙሉ ምንባሮም እውን ይሕብር እዩ።—1/7 ገጽ 23-24

ሚዛናዊ ትጽቢታት ምሕዳር ንሓጐስና ኺውስኾ ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

እንኸፍሎ መስዋእቲ ብዘየገድስ ሚዛኑ ዘይሓለወ ሸቶታት ክንወቅዕ እንተ ጽዒርና: ኣብ ዘየድሊ ውጥረት ኢና እንኣቱ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ: ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ኸም መመኽነይታ እናኣቕረብና ኣገልግሎትና ብምንካይ ሰነፋት ክንከውን የብልናን።—15/7 ገጽ 29

ወለዲ ምስ ኣባጽሕ ንኸይዘራረቡ ዕንቅፋት ዝዀኖም እንታይ እዩ፧

እቲ ዕንቅፋታት: ሓፋር ምዃን: ናጽነት ንምርካብ ባህጊ ምሕዳር: ከምኡውን ክትግለል ምድላይ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን ወለዲ: ኣብ ካልእ ጕዳያት እናተሳተፉ ምስ ውሉዳቶም ኪዘራረቡ ይኽእሉ እዮም፣ ነቲ ብድሕሪ እቲ ውሉድ ዚዛረቦ ቓላት ዘሎ መልእኽቲ ኼስተውዕልዎ እውን ጻዕሪ ኺገብሩ ኣለዎም።—1/8 ገጽ 10-11