ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ “ጽሩይ ቋንቋ” ብምልከት ትዛረበሉ ዲኻ፧

ነቲ “ጽሩይ ቋንቋ” ብምልከት ትዛረበሉ ዲኻ፧

ነቲ “ጽሩይ ቋንቋ” ብምልከት ትዛረበሉ ዲኻ፧

“ኵላቶም ንስም እግዚኣብሄር ኪጽውዑን ሐቢሮም ከኣ ኬገልግልዎንሲ: ሽዑ ንህዝብታት ጽሩይ ከናፍር [“ቋንቋ:” NW] ክመልሰሎም እየ።”—ጸፎ. 3:9

1. የሆዋ እንታይ ዜደንቕ ውህበት እዩ ሂቡና፧

 ቋንቋ ዝመንጨወ: ካብ ደቂ ሰብ ዘይኰነስ: ካብቲ ፈጣሪኦም ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እዩ። (ዘጸ. 4:11, 12) የሆዋ ነቲ ቐዳማይ ሰብ ዝዀነ ኣዳም ናይ ምዝራብ ክእለት ጥራይ ዘይኰነስ: ሓድሽ ቃላት ብምፍጣር ብዝሒ ቓላቱ ናይ ምስፋሕ ክእለት እውን ሂብዎ እዩ። (ዘፍ. 2:19, 20, 23) ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ውህበት ኰን እዩ! እዚ ውህበት እዚ ንደቂ ሰብ ምስ ሰማያዊ ኣቦኦም ንኺዘራረቡን ነቲ ኽቡር ስሙ ንኺውድስዎን ኣኽኢልዎም እዩ።

2. ሰባት ብሓደ ቛንቋ ዘይዛረቡ ስለምንታይ እዮም፧

2 ኣብተን ደቂ ሰብ ካብ ዚፍጠሩ ኣትሒዘን ዝነበራ ቐዳሞት 17 ዘመናት: ኵሎም ሰባት ብሓደ ቛንቋን “ብሓደ ንግግርን” ጥራይ ይዛረቡ ነበሩ። (ዘፍ. 11:1) ድሕሪኡ ብግዜ ኒምሮድ: ሰባት ካብ ኣምላኽ ዓለዉ። ዘይእዙዛት ሰባት ነቲ የሆዋ ዝሃቦም መምርሒ ሓዲጎም: ኣብቲ ደሓር ባቤል ተባሂሉ እተጸውዐ ቦታ ኺተኣኻኸቡ ቘረጹ። ዓብዪ ግምቢ ኺሃንጹ ጀመሩ፣ እዚ ዝገበሩ ኸኣ ንኽብሪ የሆዋ ዘይኰነስ: ‘ስሞም ኬጸውዑ’ ኢሎም እዮም። ስለዚ: የሆዋ ንቛንቋ እቶም ዓለወኛታት ደባለቖ: እተፈላለየ ልሳናት ከም ዚዛረቡ ድማ ገበሮም። በዚ ኸምዚ: ኣብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ፋሕ በሉ።—ዘፍጥረት 11:4-8 ኣንብብ።

3. የሆዋ ንዘረባ እቶም ኣብ ባቤል ዝነበሩ ዓለወኛታት ምስ ደባለቖ እንታይ ኰነ፧

3 ሎሚ: ኣብ ዓለም ቃል ብቓሉ ብኣሽሓት ዚቝጸር ቋንቋታት ኣሎ፣ ገሊኦም ልዕሊ 6,800 ከም ዚኸውን ይግምቱ። ነፍሲ ወከፍ እዚ ቛንቋታት እዚ እተፈላለየ ኣተሓሳስባ እዩ ዘለዎ። የሆዋ ኣምላኽ ንዘረባ እቶም ዓለወኛታት ኪደባልቖ ኸሎ: ነቲ ብዛዕባ እቲ ሓባራዊ ቛንቋኦም ዝነበሮም ኵሉ ተዘክሮኦም ዝሓኸኾ እዩ ዚመስል። ናብ ኣእምሮኦም ሓድሽ ቃላት ኣእትዩሎም ጥራይ ዘይኰነስ: ንኣተሓሳስባኦም ቀዪርዎ: ሓድሽ ሰዋስው እውን ሰርዒሎም እዩ። እቲ ግምቢ ኸኣ ባቤል ወይ ድብልቕልቕ ዚብል ስም ተዋህቦ። (ዘፍ. 11:9) ብዛዕባ ምንጪ እዚ ሎሚ ዘሎ እተፈላለየ ቛንቋታት: መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እዩ ዜዕግብ መግለጺ ዚህብ።

ሓድሽ ጽሩይ ቋንቋ

4. የሆዋ ኣብዚ ግዜና እንታይ ከም ዚፍጸም እዩ እተነበየ፧

4 እቲ ኣምላኽ ኣብ ባቤል ጣልቃ ኸም ዝኣተወ ዚገልጽ ዛንታ መሳጢ እኳ እንተ ዀነ: ኣብዚ ግዜና ግን ካብኡ ንላዕሊ ዚምስጥን ዜገድስን ነገር ተፈጺሙ እዩ። የሆዋ ብነብዪ ጸፎንያስ ኣቢሉ: “ኵላቶም ንስም እግዚኣብሄር ኪጽውዑን ሐቢሮም ከኣ ኬገልግልዎንሲ: ሽዑ ንህዝብታት ጽሩይ ከናፍር [“ቋንቋ:” NW] ክመልሰሎም እየ” በለ። (ጸፎ. 3:9) እዚ “ጽሩይ ቋንቋ” እንታይ እዩ፧ ብኸመይከ ኢና ብምልከት ክንዛረቦ እንኽእል፧

5. እዚ ጽሩይ ቋንቋ ተባሂሉ ዘሎ እንታይ እዩ፧ እዚ ቛንቋ እዚ ምትእትታዉኸ እንታይ ኣፍርዩ፧

5 እዚ ጽሩይ ቋንቋ ተባሂሉ ዘሎ: እቲ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ዕላማታቱን ዚገልጽ ሓቂ እዩ። እዚ “ቛንቋ” እዚ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ: ከምኡውን እታ መንግስቲ ንስም የሆዋ ብዛዕባ እትቕድሰሉን ንልዑላውነቱ ብዛዕባ እተረጋግጸሉን ንእሙናት ደቂ ሰብ ዘለኣለማዊ በረኸት ብዛዕባ እተምጽኣሉን መገዲ ዚገልጽ ቅኑዕ ምርዳእ የጠቓልል። እዚ ቛንቋ እዚ ምትእትታዉ እንታይ ኣፍርዩ፧ ሰባት ‘ንስም የሆዋ ኸም ዚጽውዑን ሓቢሮም ከኣ ከም ዜገልግልዎን’ ተገሊጹልና ኣሎ። ከምቲ ኣብ ባቤል ዘጋጠመ ዘይኰነስ: ንስም የሆዋ ውዳሰ: ንህዝቢ የሆዋ ኸኣ ሓድነት እዩ ኣፍርዩ።

ነቲ ጽሩይ ቋንቋ ምፍላጡ

6, 7. (ሀ) ሓድሽ ቋንቋ ምፍላጥ እንታይ የጠቓልል፧ ነቲ ጽሩይ ቋንቋ ንምፍላጥከ ተመሳሳሊ ነገር ዜድሊ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሕጂ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

6 ሓደ ሰብ ሓድሽ ቋንቋ ኺመሃር ኪጅምር ከሎ: ሓድሽ ቃላት ጥራይ ኣይኰነን ኬጽንዕ ዘለዎ። ሓድሽ ቋንቋ ኽትመሃር ኪበሃል ከሎ: ሓድሽ ኣተሓሳስባ ትመሃር ማለት እዩ። ኣብ ካልእ ቋንቋ: ንሓደ ነጥቢ ወይ ዋዛ እትርድኣሉ መገዲ እተፈልየ እዩ። ሓድሽ ኣደማምጻ ኸኣ ንኸም ልሳንና ዝኣመሰለ ንምዝራብ ዜገልግል ኣካላትና ብእተፈልየ መገዲ ንኽንጥቀመሉ የገድደና። ነቲ ብዛዕባ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ ጽሩይ ቋንቋ ኽንመሃር ምስ ጀመርና እውን: ተመሳሳሊ ነገር እዩ ዜጋጥመና። ሒደት መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ምፍላጥና ኣይኣኽለናን እዩ። ነዚ ሓድሽ ቋንቋ ንኽንመልኮ: ንኣተሓሳስባናን ንኣእምሮናን ክንቅይሮ ኣሎና።—ሮሜ 12:2፣ ኤፌሶን 4:23 ኣንብብ።

7 ነቲ ጽሩይ ቋንቋ ንኽንርድኦ ጥራይ ዘይኰነስ: ብምልከት ንኽንዛረበሉ ዚሕግዘና ግን እንታይ እዩ፧ ከም ዝዀነ ይኹን ቋንቋ: ነቲ ብዛዕባ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ ቋንቋ እውን ብምልከት ንኽንዛረብ ዚሕግዘና እተወሰነ መሰረታዊ ተክኒካት ኣሎ። ሰባት ካልእ ቋንቋ ንኺመሃሩ እተጠቕሙሉ እተወሰነ መሰረታዊ ስጕምትታት እስከ ንርአ: እዚ ስጕምትታት እዚ ነዚ ሓድሽ ምሳልያዊ ቛንቋ ንኽንመሃር ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ድማ ኽንርኢ ኢና።

ነቲ ጽሩይ ቋንቋ ብምልከት ምዝራቡ

8, 9. ነቲ ሓድሽ ቋንቋ ኽንመሃሮ እንተ ደሊና: እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

8 ተጠንቂቕካ ስማዕ። ኣብ ፈለማ: ሓድሽ ቋንቋ ንዘይለመደቶ እዝኒ ንምርዳኡ ዘይከኣል ኪመስላ ይኽእል እዩ። (ኢሳ. 33:19) ሓደ ሰብ ነቲ ዚሰምዖ ብኸመይ ከም ዜተኵረሉ እናፈለጠ ምስ ከደ ግን: ቃላት ኬለልን ኣዘራርባ ኼስተውዕልን ይኽእል። ብተመሳሳሊ: “ምእንቲ ኸይንጠፍእ: ናብቲ ዝሰማዕናዮ ኣዚና ኸነቕልብ ይግብኣና እዩ” ዚብል ማዕዳ ተዋሂቡና ኣሎ። (እብ. 2:1) የሱስ ንሰዓብቱ: “እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ” ኢሉ ብተደጋጋሚ ምዒድዎም እዩ። (ማቴ. 11:15፣ 13:43፣ ማር. 4:23፣ ሉቃ. 14:35) እወ: ነቲ ጽሩይ ቋንቋ ዘሎና ምርዳእ ከነስፍሕ እንተ ዄንና: ‘ክንሰምዕን ከነስተውዕልን’ ኣሎና።—ማቴ. 15:10፣ ማር. 7:14

9 ክንሰምዕ እንተ ዄንና: ከነተኵር ኣሎና፣ እቲ ኣብዚ እንገብሮ ጻዕሪ ግን ብሓቂ ዓስቢ ኣለዎ። (ሉቃ. 8:18) ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ነቲ ዚቐርብ ትምህርቲ ነተኵረሉ ዲና ወይስ ብሓሳብና ንገይሽ ኢና፧ ነቲ ዚወሃብ ትምህርቲ ንኸነተኵረሉ ዚከኣለና ዘበለ ኽንጽዕር ኣሎና። እንተ ዘይኰይኑ: ንምስማዕ ድንዙዛት ክንከውን ንኽእል ኢና።—እብ. 5:11

10, 11. (ሀ) ተጠንቂቕና ምስማዕ ጥራይ ዘይኰነስ: እንታይ እውን ክንገብር ኣሎና፧ (ለ) ነቲ ጽሩይ ቋንቋ ምዝራብ እንታይ ካልእ ነገር የጠቓልል፧

10 ነቶም ነቲ ቛንቋ ዝመለኽዎ ምሰሎም። ተመሃሮ ሓድሽ ቋንቋ ተጠንቂቖም ኪሰምዑ ጥራይ ዘይኰነስ: ንኣደማምጻን ኣዘራርባን እቶም ነቲ ቛንቋ ዝመለኽዎ ሰባት ኪቐድሕዎ ይተባብዑ እዮም። እዚ ድማ ነቶም ተመሃሮ ኣብቲ ምስ ካልኦት ዚገብርዎ ዝርርብ ንኸይረዳድኡ ዕንቅፋት ኪዀኖም ዚኽእል ሕማቕ ኣደማምጻ ንኸይህልዎም ይሕግዞም። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ: ካብቶም “ብምህሮ” እቲ ሓድሽ ቋንቋ ብሉጻት ዝዀኑ ኽንመሃር ንኽእል ኢና። (2 ጢሞ. 4:2) እምበኣር: ሓገዝ ኪወሃበካ ሕተት። ጌጋታት ክትገብር ከለኻ ኸኣ: ብፍታው መአረምታ ተቐበል።—እብራውያን 12:5, 6, 11 ኣንብብ።

11 ሓድሽ ቋንቋ ምዝራብ ኪበሃል ከሎ: ሓቂ ተቐቢልና ንኻልኦት ንምህር ጥራይ ዘይኰነስ: ኣካይዳና ምስ ሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ እውን ነሰማምዕ ኢና። ንኻልኦት ምምሳል: ኣብዚ መዳይ እዚ ይሕግዘና። እዚ ድማ ኣስኣሰር እምነቶምን ቅንኣቶምን ምስዓብ የጠቓልል። ንብምሉኡ ናብራ ህይወት የሱስ ምምሳል እውን የጠቓልል። (1 ቈረ. 11:1፣ እብ. 12:2፣ 13:7) ከይተሓለልና ኸምኡ እንተ ጌርና: ኵልና ህዝቢ ኣምላኽ ብሓደ ኣደማምጻ ንኽንዘራረብ ስለ ዜኽእለና: ሓድነት ከም ዚህልወና ይገብር።—1 ቈረ. 4:16, 17

12. ሓድሽ ቋንቋ ዚመሃር ሰብ: እንታይ ኬጽንዕ የድልዮ፧

12 ኣጽንዕ። ተመሃሮ ቛንቋ ብዙሕ ሓድሽ ነገራት ኬጽንዑ የድልዮም እዩ። እዚ ድማ ሓድሽ ቃላትን መግለጺታትን የጠቓልል። ክርስትያናት እውን እተፈላለየ ነገራት ምስ ዜጽንዑ: ነቲ ጽሩይ ቋንቋ ንኺመልክዎ ኣጸቢቑ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጻሕፍቲ ብተርታ ምጽናዑ ጠቓሚ ምዃኑ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ገሊኦም ንእተወሰነ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብቓሎም ንኺወጽዎ ሸቶ ገይሮም እዮም። ገሊኦም ከኣ መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ: መንነት ነገዳት እስራኤል: ስማት እቶም 12 ሃዋርያት: ከምኡውን ነተን ክፍሊ ፍረ መንፈስ ዝዀና ባህርያት ምጽናዕ ጠቓሚ ዀይኑ ረኺቦምዎም እዮም። ብግዜ ጥንቲ: ብዙሓት እስራኤላውያን ንመዝሙራት ብቓሎም ይወጽዎ ነበሩ። ኣብዚ ግዜና እውን: ሓደ ቘልዓ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ልዕሊ 80 ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብቓሉ ይወጾ ነበረ። እሞኸ ነዚ ጠቓሚ ኽእለት እዚ ብዝሓሸ መገዲ ኽንጥቀመሉ ንኽእልዶ፧

13. ምድግጋም ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

13 ምድግጋም ንሓደ ነገር ንኽንዝክሮ ይሕግዘና: ብተደጋጋሚ ዚወሃበና መዘኻኸሪታት ከኣ ኣገዳሲ ኽፍሊ ክርስትያናዊ ትምህርትና እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ: “ምንም እኳ እንተ ፈለጥኩምዎ: ኣብቲ ዘሎኩም ሓቂውን እንተ ጸናዕኩም: ነዚ ነገርዚ ዅሉ ጊዜ ኸዘክረኩም ሓሳበይ እዩ” በለ። (2 ጴጥ. 1:12) መዘኻኸሪታት ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ: “መዘኻኸሪታት” ንምርዳእና የዕምቖ: ንኣረኣእያና የስፍሖ: መንፈሳውነትና ሓሊና ኽንቅጽል ንዝገበርናዮ ቘራጽነት ከኣ የድልድሎ። (መዝ. 119:129 NW) ንመለክዒታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ደጋጊምና ምምርማርና: ንርእስና ንኽንምርምርን ‘እንርስዕ ሰማዕቲ’ ንኸይንኸውንን ይሕግዘና። (ያእ. 1:22-25) ብዛዕባ እታ ሓቂ ንርእስና ብቐጻሊ ዘይነዘኻኽራ እንተ ዄንና: ካልእ ነገራት ንኣልባብና ስለ ዚጸልዎ: ነቲ ጽሩይ ቋንቋ ብምልከት ምዝራቡ ኼሸግረና ይኽእል እዩ።

14. ነቲ ጽሩይ ቋንቋ ኸነጽንዕ ከለና እንታይ ይሕግዘና፧

14 ዓው ኢልካ ኣንብብ። (ራእ. 1:3 NW) ገሊኦም ተመሃሮ ድምጾም ከየስምዑ ብርእሶም ሓድሽ ቋንቋ ኼጽንዑ ይጽዕሩ። እዚ ብሉጽ ፍረ ኣየፍርን እዩ። ነቲ ጽሩይ ቋንቋ ኸነጽንዕ ከለና: ንኸነተኵር ምእንቲ ኺሕግዘና ሓድሓደ ግዜ ‘ኽንመራምሮ’ ወይ ‘ብትሑት ድምጺ ኸነንብቦ’ (NW) ኣሎና። (መዝሙር 1:1, 2 ኣንብብ።) ከምዚ ምግባርና ነቲ እነንብቦ ጽሑፍ ኣብ ኣእምሮና ኸም ዚቕረጽ ይገብር። እታ ብእብራይስጢ “ብትሑት ድምጺ ምንባብ” እትብል መግለጺ: ምስ ምስትንታን ኣጸቢቓ ትተኣሳሰር እያ። ከምቲ ኻብቲ ዝበላዕናዮ ምግቢ ኽንጥቀም እንተ ዄንና ነቲ ምግቢ ኸነሕቅቖ ዜድሊ: ነቲ ዘንበብናዮ ብንጹር ክንርድኦ እንተ ዄንና እውን ከነስተንትን የድልየና። ነቲ እነጽንዖ ንኸነስተንትነሉ እኹል ግዜ ንምድብ ዲና፧ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣንበብና: ብዛዕባ እቲ ዘንበብናዮ ብዕምቈት ክንሓስብ ኣሎና።

15. ን“ሰዋስው” እቲ ጽሩይ ቋንቋ ብኸመይ ከነጽንዖ ንኽእል፧

15 ነቲ ሰዋስው መርምሮ። ሓድሽ ቋንቋ ንመሃር እንተ ኣሊና: ኣብ ሓደ ደረጃ ምስ በጻሕና ነቲ ሰዋስው ከነጽንዖ: ማለት ኣሰራርዓ ቃላትን ሕግታትን ከነጽንዕ ኣሎና። እዚ ኸኣ ንኣቃውማ እቲ ቛንቋ ንኽንርዳእ ስለ ዜኽእለና: ብግቡእ ክንዛረቦ ንኽእል። ከምቲ ሓደ ቛንቋ ኣገባብ ኣሰራርዓ ቓላት ዘለዎ: እቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ዝሓዘ ጽሩይ ቋንቋ እውን ኣገባብ ወይ ‘ምሳሌ እቲ ጥዑይ ቃል’ ኣለዎ። (2 ጢሞ. 1:13) ነቲ ኣገባብ ወይ “ምሳሌ” ኸኣ ክንቀድሖ ኣሎና።

16. ነየናይ ዝንባለ ኢና ኸነሰንፎ ዘሎና፧ ነዚኸ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧

16 እናኣመሓየሽካ ኺድ። ሓደ ሰብ ምስ ሰባት ንምርድዳእ ዜኽእሎ ቛንቋ ድሕሪ ምፍላጡ: ምምሕያሹ የቋርጽ ይኸውን። ኣብቶም ነቲ ጽሩይ ቋንቋ ዚዛረቡ እውን ተመሳሳሊ ጸገማት ይለዓል እዩ። (እብራውያን 5:11-14 ኣንብብ።) ነዚ ዝንባለ እዚ ንኸነሰንፎ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ: ብዙሕ ቃላት ንኽንፈልጥ ንጽዓር። “ናይ ክርስቶስ መጀመርታ ነገሩ ሐዲግና: ብንስሓ ኻብ ምዉት ግብሪ: ብእምነት ብኣምላኽ: ብትምህርቲ ጥምቀት: ብምንባር ኣእዳው: ብትንሳኤ ምዉታት: ብናይ ዘለኣለም ፍርዲውን ከም ብሓድሽ መሰረት ኣይንሰርት እሞ ናብ ፍጻሜ [“ብስለት:” ትርጕም 1990] ንሕለፍ።”—እብ. 6:1, 2

17. ስሩዕ ልማዳት መጽናዕቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

17 ንመጽናዕቲ ዚኸውን ግዜ መድብ። ካብቲ ብዘይስሩዕ ዚግበር ንውሕ ዝበለ መጽናዕቲ: ብስሩዕ ዚግበር ሕጽር ዝበለ መጽናዕቲ ይሓይሽ። ትኩር ኣብ እትዀነሉን ብቐሊሉ ኣብ ዘይትርበሸሉን እዋን መጽናዕቲ ግበር። ሓድሽ ቋንቋ ምፍላጥ: ከም ኣብ ጣሻ መገዲ እናኣውጻእካ ምኻድ እዩ። ነቲ መገዲ ደጋጊምካ ምስ ተጐዓዝካሉ: እቲ ጕዕዞ እናቐለለ ይኸይድ። ነቲ መገዲ ንንውሕ ዝበለ እዋን እንተ ዘይተጠቒምካሉ ግን: እቲ ጣሻ መሊሱ ነቲ መገዲ ይሽፍኖ። ስለዚ: ከይተሓለልካ ዅሉ ግዜ ኽትጽዕር ኣሎካ! (ዳን. 6:16, 20) ነቲ ብዛዕባ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ ጽሩይ ቋንቋ ብምዝራብ ዝመጸ: ብጸሎት ኵሉ ሳዕ ‘ክትነቅሕ’ ኣሎካ።—ኤፌ. 6:18

18. ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚ ነቲ ጽሩይ ቋንቋ ኽንዛረብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

18 ኣዘውቲርካ ተዛረበሉ። ገሊኦም ሓድሽ ቋንቋ ዚመሃሩ ሰባት ስለ ዚሓፍሩ ወይ ከይጋገዩ ስለ ዚፈርሁ: ብዙሕ ኣይዛረቡሉን እዮም። እዚ ድማ ምምሕያሽ ከይገብሩ ዕንቅፋት ይዀኖም። ሓድሽ ቋንቋ ኽትመሃር ከለኻ: ልምምድ ነቲ ቛንቋ ኣጸቢቕካ ንኽትመልኮ የኽእለካ። እቲ ተመሃራይ ነቲ ቛንቋ ብዝያዳ ብእተዛረበሉ መጠን: ብዝያዳ ምትእምማን እናኣሕደረ ይኸይድ። ንሕና እውን ነቲ ጽሩይ ቋንቋ ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚ ኽንዛረብሉ ኣሎና። “ሰብ ብልቡ አሚኑ ይጸድቕ: ብኣፉ ተአሚኑውን ይድሕን እዩ።” (ሮሜ 10:10) ክንጥመቕ ከለና ጥራይ ዘይኰነስ: ብዛዕባ የሆዋ ኣብ ኣገልግሎት ኰነ ኣብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ኣጋጣሚ ኽንዛረብ ከለና እውን ‘ንእመን’ ወይ ንሰባት ነፍልጥ ኢና። (ማቴ. 28:19, 20፣ እብ. 13:15) ክርስትያናዊ ኣኼባታትና እውን በቲ ጽሩይ ቋንቋ ንጹርን ሓጺርን ሓሳብ ንኽንህብ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ።—እብራውያን 10:23-25 ኣንብብ።

ነቲ ጽሩይ ቋንቋ ንየሆዋ ንምውዳስ ብሓድነት ንጠቐመሉ

19, 20. (ሀ) ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ዜደንቕ ነገር እዮም ዚፍጽሙ ዘለዉ፧ (ለ) እንታይ ቈራጽነት ጌርካ ኣለኻ፧

19 ሰንበት ንግሆ: 6 ሲዋን 33 ድ.ክ. ኣብ የሩሳሌም እንተ ንህሉስ ከመይ ዝበለ ባህ ዜብል ተመክሮ ዀን መሕለፍና! በታ ንግሆ እቲኣ ሰዓት ትሽዓተ ቕድሚ ምዃኑ: እቶም ኣብ ሓንቲ ደርቢ እተኣከቡ ብተኣምራዊ መገዲ “ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ።” (ግብ. 2:4) ሎሚ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብቛንቋታት ናይ ምዝራብ ውህበት ኣይተዋህቦምን። (1 ቈረ. 13:8) ይኹን እምበር: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብልዕሊ 430 ቋንቋታት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይእውጁ ኣለዉ።

20 እንዛረቦ ቛንቋ ብዘየገድስ: ኵላትና በቲ ብዛዕባ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ ጽሩይ ቋንቋ ዝሓበርና ምዃንናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ኸነመስግነሉ ዘሎና! እዚ ነቲ ኣብ ባቤል ዘጋጠመ ዜዐሪ ኺበሃል ይከኣል እዩ። ህዝቢ የሆዋ ብሓደ ቛንቋ ኸም ዚዛረቡ ዀይኖም: ንስሙ ውዳሰ የምጽኡ ኣለዉ። (1 ቈረ. 1:10) ነቲ ሓደ ቛንቋ እቲ ብምልከት ምዝራብ እናተመሃርና ምስ ከድና: ንኽብሪ እቲ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ: ኣብ ብዘላ ምድሪ ምስ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ‘ሓቢርና’ ምግልጋል ንኽንቅጽል ቈራጽነት ንግበር።—መዝሙር 150:1-6 ኣንብብ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• እቲ ጽሩይ ቋንቋ እንታይ እዩ፧

• ነቲ ጽሩይ ቋንቋ ኽንዛረቦ ኺበሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧

• ነቲ ጽሩይ ቋንቋ ብምልከት ንኽንዛረቦ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ህዝቢ የሆዋ ብሓድነት ነቲ ጽሩይ ቋንቋ ይዛረቡ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ሳጹን]

ነቲ ጽሩይ ቋንቋ ብምልከት ንኽትዛረብ ዚሕግዘካ ነጥብታት

ተጠንቂቕካ ስማዕ

ሉቃ. 8:18፣ እብ. 2:1

ነቶም ነቲ ቛንቋ ዝመለኽዎ ምሰሎም

1 ቈረ. 11:1፣ እብ. 13:7

ኣጽንዕን ደጋግምን

ያእ. 1:22-25፣ 2 ጴጥ. 1:12

ዓው ኢልካ ኣንብብ

መዝ. 1:1, 2 NW፣ ራእ. 1:3 NW

ነቲ “ሰዋስው” መርምሮ

2 ጢሞ. 1:13

እናኣመሓየሽካ ኺድ

እብ. 5:11-14፣ 6:1, 2

ንመጽናዕቲ ዚኸውን ግዜ መድብ

ዳን. 6:16, 20፣ ኤፌ. 6:18

ኣዘውቲርካ ተዛረበሉ

ሮሜ 10:10፣ እብ. 10:23-25