ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መልእኽትታት ናብ ሰብ ገላትያን ኤፌሶንን ፊልጲን ቈሎሴን ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ መልእኽትታት ናብ ሰብ ገላትያን ኤፌሶንን ፊልጲን ቈሎሴን ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ መልእኽትታት ናብ ሰብ ገላትያን ኤፌሶንን ፊልጲን ቈሎሴን ዚጐልሕ ነጥብታት

ሃዋርያ ጳውሎስ: ገለ ክርስትያናት ብሰንኪ ጽልዋ እቶም ኣይሁድነት ዜስፋሕፍሑ ሰባት ካብ እምነት ከም ዝዘምበሉ ምስ ሰምዐ: “ናብ ማሕበራት ገላትያ” ሓያል መልእኽቲ ጸሓፈሎም። (ገላ. 1:2) እዛ ኣብ ከባቢ 50-52 ድ.ክ. ዝጸሓፋ መልእኽቲ ቐጥታዊ ምኽርን ሓያል ምዕዶን ዝሓዘት እያ።

ዓሰርተ ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ: ጳውሎስ ከም “ናይ የሱስ ክርስቶስ እሱር” ብምዃን ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኸሎ: ኣብ ኤፌሶንን ፊልጲን ቈሎሴን ንዚርከባ ጉባኤታት መልእኽትታት ብምጽሓፍ ጽቡቕ ማዕዳን ፍቕራዊ መተባብዕን ሃበን። (ኤፌ. 3:1) ንሕና እውን ናብቲ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ መልእኽትታት ናብ ሰብ ገላትያን ኤፌሶንን ፊልጲን ቈሎሴን ብምቕላብ ክንጥቀም ንኽእል ኢና።—እብ. 4:12

ሰብ ብኸመይ ‘ይጸድቕ፧’

(ገላ. 1:1–6:18)

እቶም ንኣይሁድነት ዜስፋሕፍሑ ዝነበሩ ሰባት ብጕርሒ ንጳውሎስ ኬዋርድዎ ስለ ዝደለዩ: ንሱ ብዛዕባ ሃዋርያነቱ ንኺጣበቕ ታሪኽ ህይወቱ ብዝርዝር ገለጸ። (ገላ. 1:11–2:14) ጳውሎስ ንናይ ሓሶት ትምህርትታቶም ብምቅዋም: “ሰብ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ እምበር: ብግብሪ ሕጊ ኸም ዘይጸድቕ” ተዛረበ።—ገላ. 2:16

ክርስቶስ ‘ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ተሻዪጡ ሓራ ብምውጻእ:’ ክርስትያናዊ ሓርነት ንኼስተማቕሩ ኸም ዝገበሮም ጳውሎስ ገለጸ። ንሰብ ገላትያ: “ጽንዑ: ከም ብሓድሽውን በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ” ብምባል ኣትሪሩ መዓዶም።—ገላ. 4:4, 5፣ 5:1

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

3:16-18, 28, 29—ኪዳን ኣብርሃም ሕጂ እውን ይዓዪ ድዩ፧ እወ: ይዓዪ እዩ። ሕጊ ኺዳን ነቲ ኣምላኽ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳን ዚትክእ ዘይኰነስ: ተወሳኺ እዩ ነይሩ። ስለዚ: እቲ ሕጊ ኺዳን ምስ ‘ተሳዕረ’ እውን ኪዳን ኣብርሃም ይዓዪ እዩ። (ኤፌ. 2:15) እቲ መብጽዓ ናብቶም ክርስቶስ የሱስ ዝቐዳማዮምን “ናይ ክርስቶስ” ዝዀኑን ናይ ሓቂ “ዘርኢ” ኣብርሃም ተመሓላለፈ።

6:2—“ሕጊ ክርስቶስ” እንታይ እዩ፧ እዚ ሕጊ እዚ ዅሉ እቲ የሱስ ዝመሃሮን ዝኣዘዞን ነገራት የጠቓልል። ብፍላይ ከኣ እቲ ‘ንሓድሕድኩም ተፋቐሩ’ ብምባል ዝሃቦ ትእዛዝ ዘጠቓለለ እዩ።—ዮሃ. 13:34

6:8—‘ንመንፈስ ኢልና ኽንዘርእ’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሌና ንኺዓዪ ዜኽእል ናብራ ብምንባር ኢና ኸምዚ እንገብር። ንመንፈስ ኢልካ ምዝራእ: እቲ መንፈስ ንኺዓዪ ኣብ ዚገብር ንጥፈታት ብምሉእ ልብኻ ምስታፍ የጠቓልል።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:6-9 ኣብ ጉባኤ ጸገማት ኪለዓል ከሎ ሽማግለታት ከይተደናጐዩ ስጕምቲ ኺወስዱ የድሊ። ብቕዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ገይሮም ንናይ ሓሶት መመኽነይታታት ኬቃልዕዎ ኣለዎም።

2:20 በጃ ኻብ ኣምላኽ ብብሕቲ እተዋህበና ውህበት እዩ። ንሕና እውን በዚ ኸምዚ ኽንርእዮ ኣሎና።—ዮሃ. 3:16

5:7-9 ሕማቕ ዕርክነት ‘ንሓቂ ኸይንእዘዛ ኺዓግተና’ ይኽእል እዩ። ስለዚ: ብጥበብ ካብኡ ኽንርሕቕ ኣሎና።

6:1, 2, 5 ከይፈለጥና ጌጋ ስጕምቲ ብምውሳድና ኣብ ከቢድ ጸገም ወይ ኣብ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ምስ እንኣቱ: እቶም “መንፈሳውያን” ዝዀኑ ኣሕዋት ንኽንዋጽኣሉ ኺሕግዙና ይኽእሉ እዮም። መንፈሳዊ ሓላፍነታትና ግን ባዕልና ኽንጾሮ ኣሎና።

‘ንዅሉ ኣብ ክርስቶስ ምጥቕላል’

(ኤፌ. 1:1–6:24)

ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝጸሓፋ መልእኽቱ: ክርስትያናዊ ሓድነት ከም ቀንዲ መልእኽቲ ገይሩ ኼጕልሕ ከሎ: “ነቲ ናይ ምልኣት ዘመናት መጋቢነቱ: ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን: ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለል” በለ። ኵሎም “ናብ ሕብረት እምነት” ምእንቲ ኺበጽሑ: ክርስቶስ “ውህበት” ሰብኡት ሃበ።—ኤፌ. 1:10፣ 4:8, 13

ክርስትያናት ንኣምላኽ ኬኽብርዎን ሓድነቶም ንኼደልድሉን ‘ሓድሽ ሰብ ኪለብሱ’ ከምኡውን ‘ንሓድሕዶም ብፍርሃት ክርስቶስ እዙዛት ኪዀኑ’ ይግባእ። ብተወሳኺ እውን: ኵሉ መንፈሳዊ ኣጽዋር ብምልባስ: ‘ንፍሕሶ ሰይጣን ኪቃወሙ’ የድሊ።—ኤፌ. 4:24፣ 5:21፣ 6:11

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

1:4-7—ቅቡኣት ክርስትያናት ከይተወልዱ ኸለዉ ኣቐዲሞም እተመደቡ ብኸመይ እዮም፧ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ዘይኰነስ: ብደረጃ ጕጅለ እዮም ኣቐዲሞም ተመዲቦም። እዚ ዝዀነ: እዛ ብሓጢኣት ዝመልአት ናይ ደቂ ሰብ ዓለም ናብ ህላወ ቕድሚ ምምጻኣ እዩ። እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ዚርከብ ዝዀነ ይኹን ሓጥእ ሰብ ከይተጠንሰ ኸሎ እተነግረ ትንቢት: ኣምላኽ እተወሰኑ ሰዓብቲ ክርስቶስ ምስኡ ኣብ ሰማይ ንኺገዝኡ ዘለዎ ዕላማ የጠቓልል።—ገላ. 3:16, 29

2:2—መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ኸም ኣየር ዝዀነን እቲ ስልጣኑ ዚዓዪን ብኸመይ እዩ፧ ብርእስኻ ናይ ምምራሕን ናይ ዘይምእዛዝን መንፈስ ዝዀነ “መንፈስ ዓለም:” ልክዕ ከምቲ እነስተንፍሶ ኣየር ኣብ ኵሉ እዩ ዚርከብ። (1 ቈረ. 2:12) እቲ ስልጣኑ ወይ ሓይሉ ድማ ኣስዳዕን ቀጻልን ዘየቋርጽን ጽልዋ እዩ ዜሕድር።

2:6—ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ ምድሪ እናሃለዉ ኽነሶም “ኣብ ሰማያት” ዚዀኑ ብኸመይ እዮም፧ እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ “ሰማያት” ዚብል መግለጺ: ነቲ መብጽዓ እተገብረሎም ሰማያዊ ርስቲ ዜመልክት ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ: ነቲ ‘ብናይ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተሓትሙ’ ዚረኸብዎ ኽብ ዝበለ መንፈሳዊ ቦታ እዩ ዜመልክት።—ኤፌ. 1:13, 14

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

4:8, 11-15 የሱስ ክርስቶስ ንሰብኡት ካብ ቍጽጽር ሰይጣን ኣውጺኡ ንህንጸት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸም ውህበት ገይሩ ምእንቲ ኺጥቀመሎም “ምርኮ ማረኸ።” ነቶም ኣብ መንጎና መሪሕ ግደ ዘለዎም ተኣዘዝትን ተገዛእትን ብምዃን: ከምኡውን ምስ ናይ ጉባኤ መሰናድዎታት ብምትሕብባር: ‘ብፍቕሪ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ክንዓቢ’ ንኽእል ኢና።—እብ. 13:7, 17

5:22-24, 33 ሰበይቲ ንሰብኣያ ኽትእዘዞን ከተኽብሮን ኣለዋ። “ለዋህን ህዱእን መንፈስ” ብምርኣይን ብዛዕባኡ ጽቡቕ ብምዝራብን ውሳነታቱ ዕውት ንኪኸውን ብምዕያይን: ከምዚ ኽትገብር ትኽእል እያ።—1 ጴጥ. 3:3, 4፣ ቲቶ. 2:3-5

5:25, 28, 29 ሰብኣይ ልክዕ ከምቲ ንርእሱ ‘ዚምግብ’ ንሰበይቱ እውን ብስጋውን ብስምዒታውን ብመንፈሳውን ዜድልያ ነገራት ጽቡቕ ገይሩ ዜማልእ ኪኸውን ኣለዎ። ምስኣ እኹል ግዜ ብምሕላፍን ብዘረባኡ ዀነ ብተግባሩ ለውሃት ብምርኣይን እውን ኪከናኸና ኣለዎ።

6:10-13 ንሓይልታት ኣጋንንቲ ምእንቲ ኽንቃወሞ: ብምሉእ ልብና ዅሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ክንለብስ የድልየና።

“ብሓደ መገዲ ንመላለስ”

(ፊል. 1:1–4:23)

ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ፊልጲ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ብዛዕባ ፍቕሪ ኣጕልሐ። “እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠትን ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ: እዚ እልምን አሎኹ” በለ። ሕሉፍ ርእሰ-ምትእምማን ዜምጽኦ መፈንጠራ ኼወግዱ ምእንቲ ኺሕግዞም: “ብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንኩም ፈጽሙ” ኢሉ ኣዘኻኸሮም።—ፊል. 1:9፣ 2:12

ጳውሎስ ነቶም ብሱላት ዘበሉ ነቲ “ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ” ንኺስዕቡ ኣተባብዖም። “በቲ ዝበጻሕናዮ መጠን ብሓደ መገዲ ንመላለስ” ድማ በለ።—ፊል. 3:14-16

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

1:23—ጳውሎስ ብምንታይ “ክልተ” ነገራት እዩ ዚጭነቕ ዝነበረ፧ ካብ ምንታይከ እዩ “ኽፋኖ” ዝደለየ፧ በቲ ኣብ ቅድሚኡ ቐሪብሉ ዝነበረ ኽልተ ነገራት ይጭነቕ ነበረ፣ እዚ ኸኣ ህይወትን ሞትን እዩ ነይሩ። (ፊል. 1:21) ኣየናይ ከም ዝመረጸ እኳ እንተ ዘይተፈልጠ: “ክፋኖ ምስ ክርስቶስውን ክነብር” ሃረርታ ኸም ዝነበሮ ግን ገለጸ። (ፊል. 3:20, 21፣ 1 ተሰ. 4:16) እዚ ‘ምፍናው’ እዚ: ጳውሎስ ኣብ ግዜ ህላወ ክርስቶስ ነቲ የሆዋ ዘዳለወሉ ዓስቢ ንኪቕበል የኽእሎ።—ማቴ. 24:3

2:12, 13—ኣምላኽ ኣባና “ድሌትን ግብርን” ዚገብር ብኸመይ እዩ፧ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ብዝበለጸ መገዲ ንኽንዓዪ ዘሎና ባህጊ ንኺዓቢ: ኣብ ልብናን ኣእምሮናን ኣትዩ ይዓዪ እዩ። ስለዚ: ‘ንምድሓንና ኽንፍጽም’ ከለና ሓገዝ ክንረክብ ኢና።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:3-5 ሰብ ፊልጲ ብስጋ ድኻታት እኳ እንተ ነበሩ: ልግሲ ብምርኣይ ዝመጸ ግን ጽቡቕ ኣብነት እዮም ዚዀኑና።—2 ቈረ. 8:1-6

2:5-11 ካብ ኣብነት የሱስ ከም እንርእዮ: ትሕትና ምልክት ድኽመት ዘይኰነስ: ስነ-ምግባራዊ ብርታዐ ዜርኢ እዩ። ብተወሳኺ: የሆዋ ነቶም ትሑታት ልዕል የብሎም እዩ።—ምሳ. 22:4

3:13 ብዙሕ ኣታዊ ዚርከበሉ ስራሕ: ኣባል ሃብታም ስድራ ቤት ብምዃን ዚርከብ ውሕስነት: ወይ ካብቲ እተነሳሕናሉ ኣብ ሕሉፍ ዝገበርናዮ ኸቢድ ሓጢኣት ዝኣመሰለ ነገራት ‘ንድሕሪት’ ገዲፍና ‘ተሓጺብና’ ኢና። (ፊል. 3:13) ነዚ ነገራት እዚ ብምርሳዕን ብዛዕባኡ ብዘይ ምሕሳብን ‘ናብቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ንመጣጠር።’

“ብእምነት ጽንዑ”

(ቈሎ. 1:1–4:18)

ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ቈሎሴ ዝጸሓፋ መልእኽቲ: ንግጉይ ኣረኣእያታት እቶም መምህራን ሓሶት ተቓወሞ። ድሕነት ነቲ ሕጊ ዝሓቶ ብቕዓታት ብምምላእ ዘይኰነስ: ‘ብእምነት ብምጽናዕ’ ከም ዚርከብ ተዛረበ። ጳውሎስ ንሰብ ቈሎሴ: “ከምኡ ኢልኩም ብእኡ [ብክርስቶስ] ተመላለሱ። ኣብኡ ተሰሪትኩምን ተሀኒጽኩምን . . . ብእምነት ጽንዑ” ኢሉ ኣተባብዖም። ከምዚ ዝኣመሰለ ምጽናዕ ብኸመይ ኪጸልዎም ይግባእ፧—ቈሎ. 1:23፣ 2:6, 7

ጳውሎስ: “ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉውን ፍቕሪ: ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ: ልበስዋ። ሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ” ኢሉ ጸሓፈ። “እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም: ካብ ልቢ ግበርዎ” ድማ በሎም። ካብ ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ ሰባት ብዚምልከት ድማ: ምስኦም “ብጥበብ ተመላለሱ” በለ።—ቈሎ. 3:14, 15, 23፣ 4:5

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

2:8—እቲ ጳውሎስ መጠንቀቕታ ዝሃበሉ “ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ” እንታይ እዩ፧ እዚ ምህሮ ቝልዕነት እዚ: ንናይ ሰይጣን ዓለም ዜቕውም: ዚመርሕ: ወይ ዚድርኽ መሰረታዊ ነገራት ወይ ስርዓታት እዩ። (1 ዮሃ. 2:16) ገለ ኻብዚ ኸኣ ናይዛ ዓለም ፍልስፍና: ፍቕረ-ንዋይ: ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኪጥቀስ ይከኣል።

4:16—መልእኽቲ ናብ ሰብ ሎዲቅያ: ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ መልእኽቲ ንግዜና ጠቓሚ ዝዀነ ሓበሬታ ስለ ዘይሓዘ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ ኣብ ካልእ ቀኖናዊ መልእኽትታት እተጻሕፈ ነገራት ስለ ዝደገመ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:2, 20 እቲ ብጸጋ ኣምላኽ ዝረኸብናዮ ናይ በጃ መሰናድዎ: ካብ ናይ ሕልና ገበን ናጻ ኺገብረናን ውሽጣዊ ሰላም ኪህበናን ይኽእል እዩ።

2:18, 23 ንኻልኦት ንምምሳጥ ዚግበር ‘ትሕትና ዚመስል’ ነገራት: ማለት ትሑት ንምምሳል ኢልካ ስጋዊ ነገራት ምንጻግ ወይ ንኣካላትካ ምሕሳም: ሓደ ሰብ “በእምሮ ስጋኡ ብኸምኡ ዚንፋሕ” ምዃኑ ዜርኢ እዩ።