ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክብረት ብምሕላው ንየሆዋ ኣኽብሮ

ክብረት ብምሕላው ንየሆዋ ኣኽብሮ

ክብረት ብምሕላው ንየሆዋ ኣኽብሮ

“[የሆዋ] ግብሩ ኽብርን ግርማን እዩ: ጽድቁ ኸኣ ንዘለኣለም ይነብር።” —መዝ. 111:3

1, 2. (ሀ) ነታ “ኽብሪ” እትብል ቃል እንታይ ትርጕም ምሃብካያ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ክንምርምር ኢና፧

 ማዲሰን ዝስማ ጓል ዓሰርተ ዓመት ቈልዓ: ትርጕም እታ “ኽቡር” እትብል ቃል እንታይ ምዃኑ ምስ ተሓተተት: “ምዕሩግ ኣከዳድና ዘለዎ” ኢላ መለሰት። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ‘ክብሪ ኸም ዝለበሰ’ ገይሩ ኸም ዚዛረበሉ: እዛ ንእሽቶ ጓል ኣይትፈልጥን ትኸውን። (መዝ. 104:1) ክብረት ምሕላው ዚብል ሓሳብ ኣብ ሰባት ኪውዕል ከሎ: ንጽቡቕ ኣከዳድና ኼመልክት ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ክርስትያን ኣንስቲ: “ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ: ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍሰንን” ኪስለማ ኸም ዚደሊ ገለጸ። (1 ጢሞ. 2:9) ን“ኽብርን ግርማን” የሆዋ ኽብ ብዜብል መገዲ ኽብረት ሓሊኻ ምምልላስ ኪበሃል ከሎ ግን: ካብዚ ንላዕሊ የጠቓልል።—መዝ. 111:3

2 እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ክብሪ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል: “ግርማ:” “ምዕራገ” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። ብመሰረት ሓደ መዝገበ-ቓላት: “ክብረት” እትብል ቃል: “ዓቢ ግምት፤ ተሓፋርነት፤ ምዕራገ፤ ተፈራህነት፤ መዓርግ” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። ከም የሆዋ ጌርካ ዓብዪ ግምትን ኣኽብሮትን ዚግብኦ ኸኣ የልቦን። ንሕና እውን ርእስና ዝወፈና ኣገልገልቱ ስለ ዝዀነና: ብዘረባናን ብግብርናን ክብረት እንሕሉ ኽንከውን ኣሎና። ሰባት ብኽብረት ንኺመላለሱ ተኽእሎ ዘለዎም ግን ስለምንታይ እዮም፧ ክብርን ግርማን የሆዋ ብኸመይ እዩ እተጋህደ፧ ክብሪ የሆዋ ንዓና ኺጸልወና ዘለዎ ብኸመይ እዩ፧ ነዚ ባህርይ እዚ ብዛዕባ ምንጽብራቕ: የሱስ ክርስቶስ እንታይ ኪምህረና ይኽእል፧ ብኸመይከ ኢና ኽብሪ ኣምላኽ ከነንጸባርቕ እንኽእል፧

ብኽብረት ንኽንመላለስ ተኽእሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

3, 4. (ሀ) ነቲ እተዋህበና ኽብሪ እንታይ ክንገብሮ ኣሎና፧ (ለ) መዝሙር 8:5-9 ብትንቢት ንመን እያ እተመልክት፧ (እግረ-ጽሑፍ ርአ።) (ሐ) የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንመን እዩ ኽብሪ ዝሃቦ፧

3 ኵሎም ሰባት ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ እተፈጥሩ: ብኽብረት ንኺመላለሱ ተኽእሎ ኣለዎም። የሆዋ ነቲ ቐዳማይ ሰብ ንምድሪ ኺከናኸና ብምሻም ኣኽበሮ። (ዘፍ. 1:26, 27) ሰብ ፍጽምናኡ ምስ ኣጥፍአ እውን: የሆዋ ነቲ ሰብ ኣብ ምድሪ ዘለዎ ሓላፍነት እንደገና ጠቒስዎ እዩ። በዚ ኸምዚ: ኣምላኽ ንሰባት ብኽብሪ ‘ኸለሎም።’ (መዝሙር 8:5-9 ኣንብብ።) a ስለዚ: ነቲ እተዋህበና ኽብሪ ኸነንጸባርቕ ኣሎና: ማለት ነቲ ግርማዊ ስም የሆዋ ብኣኽብሮት ክንውድሶ ኣሎና።

4 የሆዋ ብፍላይ ነቶም ቅዱስ ኣገልግሎት ዜቕርቡሉ ሰባት እውን እተወሰነ ኽብሪ ኣልቢስዎም እዩ። ንመስዋእቲ ቃየል ኪነጽጎ ኸሎ: ንኣቤል ግን መስዋእቱ ብምቕባል ኣኽቢርዎ እዩ። (ዘፍ. 4:4, 5) ሙሴ እውን ‘ካብ ግርማኡ’ ኣብ ልዕሊ እቲ መራሒ እስራኤላውያን ኰይኑ ኺትክኦ ዝነበሮ እያሱ ‘ኼንብር’ ተነግሮ። (ዘሁ. 27:20) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ከምዚ ይብል:- “እግዚኣብሄር ከኣ ንሰሎሞን ኣብ ቅድሚ ብዘሎ እስራኤል ክብ ኣቢሉ ኣዝዩ ኣዕበዮ: ቅድሚኡ ኣብ እስራኤል ንዝነበረ ዘበለ ንጉስ ዘይነበሮ: ግርማ መንግስቲ ንንጉስ ሰሎሞን ሀቦ።” (1 ዜና 29:25) ኣምላኽ ነቶም ‘ክቡር ግርማ መንግስቱ’ ብተኣማንነት ዘፍለጡ ኻብ ሞት ዚትንስኡ ቕቡኣት ክርስትያናት ፍሉይ ክብሪ ኺህቦም እዩ። (መዝ. 145:11-13) እቶም እናበዝሑ ዚኸዱ ዘለዉ ናይ የሱስ “ካልኦት ኣባጊዕ” እውን: ንየሆዋ ናይ ምውዳስ ብሩኽን ክቡርን ግደ ኣለዎም።—ዮሃ. 10:16

ክብርን ግርማን የሆዋ ተጋህደ

5. ክብሪ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ዓብዪ፧

5 ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣብ ሓንቲ ንዕቤት ኣምላኽ ምስ ንኡስነት ሰብ እተነጻጽር መዝሙር: “ዎ እግዚኣብሄር: ጐይታና: ኣታ ንግርማኻ ኣብ ሰማያት ዝተኸልካዮ: ስምካስ ኰን ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም እዩ” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 8:1) የሆዋ ኣምላኽ ካብቲ “ሰማይን ምድርን” ቅድሚ ምፍጣሩ ኣትሒዙ: ክንዮ እቲ ንምድሪ ገነት ኪገብራን ንደቂ ሰብ ናብ ፍጽምና ኼብጽሖምን ዘለዎ ዕላማ ዚፍጸመሉ እዋን: ማለት ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም: ካብ ኵሉ ንላዕሊ ግርማውን ክቡርን እዩ።—ዘፍ. 1:1፣ 1 ቈረ. 15:24-28፣ ራእ. 21:1-5

6. እቲ ጸሓፍ መዝሙር: የሆዋ ኽብሪ ኸም ዝለበሰ ዝጸሓፈ ስለምንታይ እዩ፧

6 እቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ጸሓፍ መዝሙር ንዕቤት እቲ ብኸዋኽብቲ ዘጌጸ ሰማይ ምስ ረኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ተተንኪፉ ኪኸውን ኣለዎ! ኣምላኽ ‘ንሰማያት ከም መጋረጃ ምዝርጋሑ’ ኣመና ስለ ዘገረሞ: ንየሆዋ ብምኽንያት እቲ ዜስደምም ናይ ምፍጣር ክእለቱ ኽብሪ ኸም ዝለበሰ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። (መዝሙር 104:1, 2 ኣንብብ።) ክብርን ግርማን እቲ ዅሉ ዚኽእል ዘይርአ ፈጣሪ ኣብቲ ዚርአ ግብርታቱ ተጋሂዱ ኣሎ።

7, 8. ኣብ ሰማይ እንታይ ክብርን ግርማን የሆዋ ኢና እንርኢ፧

7 ንኣብነት: ነቲ ንሕና እንርከበሉ ጋላክሲ ሊሐ እስከ ንውሰድ። ኣብዚ ብዙሓት ከዋኽብትን ፕላነታትን ስርዓተ ጸሓይን ዚርከቦ ጋላክሲ: ምድርና ኸምታ ኣብ ጥቓ ገምገም ባሕሪ እትርከብ ሓንቲ ሑጻ ደቃቕ መሲላ ትርአ። እዚ ጋላክሲ እዚ ንበይኑ ልዕሊ 100 ቢልዮን ከዋኽብቲ ዝሓቘፈ እዩ! ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት ሓንቲ ኰዀብ እናቘጸርካ ብዘይምቍራጽ ን24 ሰዓት ምስ እትቘጽር: 100 ቢልዮን ንምብጻሕ ልዕሊ 3,000 ዓመት ይወስደልካ።

8 ጋላክሲ ሊሐ ንበይኑ 100 ቢልዮን ከዋኽብቲ ዚሕዝ እንተ ዀይኑ: ዝተረፈ ዩኒቨርስከ ኽንደይ ኰን ይሕዝ ይኸውን፧ ተመራመርቲ ስነ-ኰዀብ እዚ ጋላክሲ ሊሐ ሓደ ኻብቲ ኻብ 50 ቢልዮን ክሳዕ 125 ቢልዮን ዚኸውን ጋላክሲታት ምዃኑ ይግምቱ። እሞ ደኣኸ ኣብ ብምሉኡ ዩኒቨርስ ክንደይ ዚኣኽሉ ኸዋኽብቲ ኣለዉ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርዳኡ ዜጸግም እዩ። ኰይኑ ግን: የሆዋ “ቝጽሪ ኸዋኽብቲ ይቘጽር: ንዅላቶም በብስሞም ይሰምዮም።” (መዝ. 147:4) የሆዋ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኽብርን ግርማን ከም ዝለበሰ ምፍላጥካ: ነቲ ዓብዪ ስሙ ንኽትውድሶ ኣይድርኸካንዶ፧

9, 10. እንጌራ ንጥበብ ፈጣሪና ዜጕልሕ ብኸመይ እዩ፧

9 ሕጂ ነቲ ግሩም ሰማያት ሓዲግና: ኣብ ተራ እንጌራ ነተኵር። የሆዋ “ንሰማይን ምድርን . . . ዝገበረ” ጥራይ ዘይኰነስ: “ንጥሙያት እንጌራ ዚህቦም” እውን ንሱ እዩ። (መዝ. 146:6, 7) “ክብርን ግርማን” ኣምላኽ ኣብቲ ዓብዪ ግብርታቱ: እንተላይ ኣብቲ እንጌራ ዚኸውን ኣትክልቲ እውን ተንጸባሪቑ ኣሎ። (መዝሙር 111:1-5 ኣንብብ።) የሱስ ንሰዓብቱ: “ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሀበና” ኢሎም ኪጽልዩ መሃሮም። (ማቴ. 6:11) እንጌራ መዓልታዊ ምግቢ እስራኤላውያንን ካልኦት ጥንታውያን ኣህዛብን እዩ ነይሩ። ከም ተራ ምግቢ ጌርካ ዚርአ እኳ እንተ ዀነ: ጥዑም እንጌራ ቕድሚ ምዃኑ ዚሓልፎ ከሚካዊ መስርሕ ግን ተራ ነገር ኣይኰነን።

10 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተጻሕፈሉ እዋን: እስራኤላውያን እንጌራ ንምስራሕ ሓርጭ ስርናይ ወይ ሓርጭ ስገም ብማይ ይለውሱ ነበሩ። ማይ ብሑቝ ወይ መባዅዕቲ እውን ይሕውሱሉ ነበሩ። እዚ ተራ ነገራት ተወሃሂዱ ንሓድሕዱ ዚተኣሳሰር ሓያሎ ከሚካዊ ውሁድ የቕውም። እቲ ኣብ መንጎ እዚ ውሁዳት ዘሎ ምትእስሳር ምሉእ ብምሉእ ኣይፍለጥን እዩ። ብዘይካዚ: ሰብነትና ንእንጌራ ዜሕቅቐሉ መገዲ: ካልእ እተሓላለኸ ዜደንቕ መስርሕ እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “ዎ እግዚኣብሄር: ግብርታትካስ ክንደይ ብዙሕ እዩ: ንዅሉ ብጥበብ ገበርካዮ” ኢሉ ኺዝምር ሓቁ እዩ። (መዝ. 104:24) ንስኻኸ ብተመሳሳሊ ንየሆዋ ንኽትውድሶ ተደሪኽካዶ፧

ክብርን ግርማን ኣምላኽ ብኸመይ ይጸልወካ፧

11, 12. ብዛዕባ ግብርታት ኣምላኽ ምስትንታን እንታይ ጽልዋ እዩ ኼሕድረልና ዚኽእል፧

11 ንኸዋኽብቲ ሰማይ ንኸነድንቕ ተመራመርቲ ስነ-ኰዀብ ክንከውን ኣየድልየናን እዩ: እንጌራ ንኸነስተማቕር እውን ከሚከኛ ኽንከውን ኣየድልየናን እዩ። ግርማ ፈጣሪና ንኸነድንቕ ግን: ግዜ ወሲድና ንግብሪ ኣእዳዉ ኸነስተንትነሉ የድልየና። ከምዚ ዝኣመሰለ ምስትንታን እንታይ ጽልዋ የሕድረልና፧ እዚ ዜሕድሮ ጽልዋ: ካብቲ ብዛዕባ ኻልእ ግብርታት የሆዋ ኸነስተንትን ከለና ዜሕድረልና ጽልዋ እተፈልየ ኣይኰነን።

12 ዳዊት ብዛዕባ እቲ የሆዋ ምእንቲ ህዝቡ ዝገበሮ ዓብዪ ግብርታት: “ንኽቡር ጌጽ ግርማኻን ንመስተንክር ግብርታትካን ከስተንትን እየ” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 145:5) ንሕና እውን መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕን ነቲ ዘንበብናዮ ግዜ ወሲድና ብምስትንታንን ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል። በዚ ኸምዚ ምስ እነስተንትን እንታይ ጽልዋ የሕድረልና፧ ንኽብርን ግርማን ኣምላኽ ዘሎና ሞሳ ይዓቢ። ሽዑ ምስ ዳዊት ብሓባር ኴንና: “ኣነውን ዕቤትካ ኸዘንቱ እየ” ኢልና ንየሆዋ ኸነኽብሮ ንድረኽ። (መዝ. 145:6) ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ግብርታት ኣምላኽ ምስትንታንና: ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ የድልድሎ: ብዛዕባኡ ንኻልኦት ብውዕዉዕ መንፈስን ብቘራጽነትን ንኽንነግር ከኣ ይድርኸና። እሞኸ ነቲ ብስራት ብቕንኣት ትእውጅን ንሰባት ብዛዕባ ግርማን ክብርን ዕቤትን የሆዋ ኣምላኽ ኪፈልጡ ትሕግዞምንዶ ኣለኻ፧

የሱስ ክብሪ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኣንጸባረቐ

13. (ሀ) ብመሰረት ዳንኤል 7:13, 14 የሆዋ ንወዱ ብኸመይ እዩ ኣኽቢርዎ፧ (ለ) የሱስ ከም ንጉስ መጠን: ንተገዛእቱ ብኸመይ እዩ ዚሕዞም፧

13 እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ነቲ ብስራት ብቕንኣት ብምእዋጅ: ነቲ ኽቡርን ግርማውን ሰማያዊ ኣቦኡ ኣኽቢርዎ እዩ። የሆዋ እውን ነቲ ሓደ ወዱ ‘ግዝኣትን መንግስትን’ ብምሃብ ፍሉይ ክብሪ ኣልቢስዎ እዩ። (ዳንኤል 7:13, 14 ኣንብብ።) ኰይኑ ግን: የሱስ ዕቡይ ወይ ርእሱ ዜግልል ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ: ዓቕሚ ተገዛእቱ ዚርዳእን ክብረቶም ዚሕልወሎምን ርሕሩሕ ገዛኢ እዩ። የሱስ ከም ሓደ ኺሽየም እተመደበ ንጉስ መጠን: ብፍላይ ነቶም ዕሽሽ እተባህሉን ዘይፍቀሩን ዝነበሩ ሰባት ዝሓዘሉ መገዲ ዜርኢ ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ።

14. ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ብዛዕባ ለምጻማት ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ ነበረ፧

14 ብግዜ ጥንቲ ለምጻማት ብኣዝዩ ዜስካሕክሕ መገዲ ቐስ ኢሎም እዮም ዚሞቱ ነይሮም። በብቝሩብ ኣካላቶም በቲ ሕማም ይጥቃዕ። ንለምጻም ምፍዋስ: ከም ንምዉት ምትንሳእ ጌርካ ይቝጸር ነበረ። (ዘሁ. 12:12፣ 2 ነገ. 5:7, 14) ለምጻማት ከም ርኹሳት ይረኣዩ ብምንባሮም: ይፍንፈኑን ካብ ሕብረተሰብ ይስጐጉን ነበሩ። ናብ ሰብ ኪቐርቡ ኸለዉ: “ርኹስ: ርኹስ” ኢሎም ኬጠንቅቑ ነበሮም። (ዘሌ. 13:43-46) ለምጻም ከም ምዉት እዩ ዚቝጸር ነይሩ። ብመሰረት መዛግብቲ ረቢታት: ሓደ ለምጻም ኻብ ሰብ እንተ ወሓደ 1.7 ሜተር ኪርሕቕ ነበሮ። ሓደ መራሕ ሃይማኖት ንሓደ ለምጻም ብማዕዶ ምስ ዚርእዮ: ምእንቲ ኸይቀርቦ ኢሉ ኣእማን ይድርብየሉ ምንባሩ ተሓቢሩ ኣሎ።

15. የሱስ ንሓደ ለምጻም እንታይ እዩ ዝገበረሉ፧

15 ይኹን እምበር: ሓደ ለምጻም ናብ የሱስ መጺኡ: ኪሓዊ ምስ ለመኖ: የሱስ ዝገበሮ ነገር ዜደንቕ እዩ። (ማርቆስ 1:40-42 ኣንብብ።) ነቲ ዚፍንፈን ዝነበረ ለምጻም ኣብ ክንዲ ዚሰጎ: ርሕራሐን ኣኽብሮትን ኣርኣዮ። ሓገዝ ዜድልዮ ዜደንግጽ ሰብኣይ ገይሩ እዩ ርእይዎ። ካብ ልቡ ስለ ዝደንገጸሉ ድማ: ብርሕራሐ ተደሪኹ ቕልጡፍ ስጕምቲ ወሰደ። ኢዱ ዘርጊሑ ነቲ ለምጻም ተንከዮ: ኣሕወዮ ድማ።

16. ካብቲ የሱስ ንኻልኦት ዝሓዘሉ መገዲ እንታይ ተማሂርካ፧

16 ንሕና ሰዓብቲ የሱስ ስለ ዝዀንና: ነቲ የሱስ ክብሪ ኣቦኡ ዘንጸባረቐሉ መገዲ ብኸመይ ክንቀድሖ ንኽእል፧ ሓደ መገዲ: ደረጃኦም: ጥዕናኦም: ወይ ዕድሚኦም ብዘየገድስ: ኵሎም ሰባት ክብረቶም ኪሕለወሎም ከም ዜድሊ ብምግንዛብ እዩ። (1 ጴጥ. 2:17) ብፍላይ እቶም ከም ሰብኡትን ወለድን ክርስትያን ሽማግለታትን ዝኣመሰሉ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት: ነቶም ኣብ ትሕቲ ሓላፍነቶም ዘለዉ ሰባት ኬኽብርዎምን ክብረቶም ንኺሕልዉ ኺሕግዝዎምን ኣለዎም። መጽሓፍ ቅዱስ: እዚ ነገር እዚ ዅሎም ክርስትያናት ኬማልእዎ ዚግባእ ምዃኑ ኼጕልሕ ከሎ: “ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም: ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ” ይብል።—ሮሜ 12:10

ኣብ ኣምልኾ ኽብረት ምሕላው

17. ንየሆዋ ኸነምልኾ ኸለና: ክብረት ብምሕላው ዝመጸ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ንመሃር፧

17 ብሕልፊ ንየሆዋ ኸነምልኾ ኸለና: ክብረት ብምሕላው ዝመጸ ፍሉይ ቈላሕታ ኽንገብር ኣሎና። መክብብ 5:1 “ናብ ቤት ኣምላኽ ክትከይድ ከሎኻ እግርኻ ሐሉ” ትብል። ሙሴን እያሱን ኣብ ቅድስቲ ቦታ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን: ኣሳእኖም ኬውጽኡ ትእዛዝ ተዋሂብዎም እዩ። (ዘጸ. 3:5፣ እያ. 5:15) ከምኡ ኽገብሩሉ ዝነበሮም ምኽንያት ከኣ: ኣኽብሮት ንምርኣይ እዩ ነይሩ። እስራኤላውያን ካህናት “ንሕፍረቶም ዚኸድን” ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተሰርሐ ስረ ኪኽደኑ ነበሮም። (ዘጸ. 28:42, 43) እዚ ድማ ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ዜገልግሉሉ እዋን ሕፍረቶም ከይቅላዕ ይሕግዞም ነበረ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ካህናት: ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ኽብረት ምሕላው ዘውጸኦ ስርዓት ኪሕሉ ነበሮ።

18. ንየሆዋ ኣብ እነቕርቦ ኣምልኾ ኽብረት እንሕሉ ብኸመይ ኢና፧

18 ስለዚ እምበኣር: ከም ኣምለኽቲ የሆዋ መጠን ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትና ኽብረት ክንሕሉ ኣሎና። ኣኽብሮት ክንረክብ እንተ ዄንና: ንሕና እውን ክብረት ክንሕሉ ኣሎና። ክብረት ክንሕሉ ኺበሃል ከሎ: ንኣምሰሉ ወይ ካብ ክሳድ ንላዕሊ እንገብሮ ኪኸውን የብሉን። ኣብቲ ሰባት ዚርእይዎ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብቲ ኣምላኽ ዚርእዮ: ማለት ኣብ ውሽጢ ልብና እውን ኪንጸባረቕ ኣለዎ። (1 ሳሙ. 16:7፣ ምሳ. 21:2) ክብረት ምሕላው ክፍሊ መንነትና ኪኸውንን ንጠባይና ኺጸልዎን ኣለዎ፣ ማለት ንኣረኣእያና: ምስ ካልኦት ንዘሎና ርክብ: ካብኡ ሓሊፉ እውን ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ንዘሎና ኣረኣእያን ስምዒትን ኪትንክፎ ኣለዎ። እወ: ኵሉ ሳዕን ኣብ ኵሉ እንብሎ ዀነ እንገብሮ ነገራትን ክብረት እንሕሉ ኽንከውን ኣሎና። ብኣካይዳና: ብጠባይና: ብኣከዳድናና ዀነ ብኣመለኻኽዓና ዝመጸ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ: “ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይጽረፍ: ንሓደ እኳ ብገለ ነገር መዓንቀፊ ከቶ ኣይንህብን ኢና። ብዅሉ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ነርኢ አሎና” ዝበሎ ኣብ ልብና ነሕድሮ ኢና። (2 ቈረ. 6:3, 4) ‘ብዅሉ ነቲ ትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ንስልሞ ኢና።’—ቲቶ. 2:10

ክብሪ ኣምላኽ ምንጽብራቕ ቀጽል

19, 20. (ሀ) ንኻልኦት እነኽብረሉ ብሉጽ መገዲ እንታይ እዩ፧ (ለ) ክብረት ብምሕላው ዝመጸ: እንታይ ቈራጽነት ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

19 እቶም “ናይ ክርስቶስ ኣምባሳደራት” ዝዀኑ ቕቡኣት ክርስትያናት: ክብሪ የንጸባርቑ እዮም። (2 ቈረ. 5:20 ትርጕም 1990) እቶም ብተኣማንነት ዚድግፍዎም “ካልኦት ኣባጊዕ” እውን: ክቡራት ልኡኻት እታ መሲሓዊት መንግስቲ እዮም። ኣምባሳደር ኰነ ልኡኽ ብዛዕባ መንግስቱ ብትብዓትን ብኽብርን እዩ ዚዛረብ። ስለዚ: ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብኽብርን ብትብዓትን ክንዛረብ ኣሎና። (ኤፌ. 6:19, 20) ንሰባት ‘ሰናይ ከነበስሮም’ ከለና: ነኽብሮም ደይኰንናን ዘለና፧—ኢሳ. 52:7

20 ብመሰረት እቲ ኣምላኽ ዝሰርዓልና ስርዓታት: ክብረት ሓሊና ብምምልላስ: ንኣምላኽ ክብሪ ንኽንህቦ ቘራጽነት ንግበር። (1 ጴጥ. 2:12) ወትሩ ንዕኡን ንኣምልኾኡን ንክርስትያናት ብጾትናን ዓሚቝ ኣኽብሮት ነርኢ። እቲ ኽብርን ግርማን ዝለበሰ የሆዋ ኸኣ: በቲ ብኣኽብሮት እነቕርበሉ ኣምልኾ ይተሓጐስ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ዳዊት ኣብ 8ይ መዝሙር ዝገለጾ ሓሳባት: ነቲ ፍጹም ሰብ ዝነበረ የሱስ ክርስቶስ ዜመልክት ትንቢት እውን እዩ ነይሩ።—እብ. 2:5-9

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ነቲ ዜደንቕ ክብሪ የሆዋ ምግንዛብና እንታይ ጽልዋ ኺገብረልና ኣለዎ፧

• ካብቲ የሱስ ንሓደ ለምጻም ዝገበረሉ ነገር: ክብረት ብዛዕባ ምሕላው እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

• ክብረት ብምሕላው ንየሆዋ ብኸመይ ከነኽብሮ ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ንኣቤል ዘኽበሮ ብኸመይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ዓብዪ ግብርታት የሆዋ ኣብ እንጌራ እውን ይርአ እዩ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ካብቲ የሱስ ንሓደ ለምጻም ዝገበረሉ ነገር: ክብረት ብዛዕባ ምሕላው እንታይ ተማሂርካ፧

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ክብሪ ዘለዎ ኣምልኾ ኺበሃል ከሎ: ንየሆዋ ምኽባር የጠቓልል