ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ንኣረጋውያን ኣገልገልቱ ይሓልየሎም

የሆዋ ንኣረጋውያን ኣገልገልቱ ይሓልየሎም

የሆዋ ንኣረጋውያን ኣገልገልቱ ይሓልየሎም

“ኣምላኽ ነቲ . . . ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን።”—እብ. 6:10

1, 2. (ሀ) ሸያብ ሰብ እንተ ርኢኻ እንታይ ኬዘኻኽረካ ይኽእል፧ (ለ) የሆዋ ንኣረጋውያን ክርስትያናት ብኸመይ ይርእዮም፧

 ኣብ ጉባኤ ጸጕሮም ዝሸየበ ኣረጋውያን ክትርኢ ኸለኻ: እቲ ኣብ ትንቢት ዳንኤል ዘሎ ጸብጻብዶ ትዝ ይብለካ፧ ኣብቲ የሆዋ ኣምላኽ ንዳንኤል ዘርኣዮ ራእይ: ንርእሱ ኸም ጻዕዳ ጸጕሪ ዘለዎ ገይሩ እዩ ኣቕሪቡ። ዳንኤል ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣነ ዝፋናት ክሳዕ ዚንበሮ እጥምት ነበርኩ: ሓደ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ ተቐመጠ። ክዳውንቱ ጻዕዳ ኸም በረድ: ጸጕሪ ርእሱ ኸኣ ከም ጽሩይ ጸምሪ እዩ።”—ዳን. 7:9

2 ጸምሪ ብተፈጥሮኡ ጻዕዳ ሕብሪ እዩ ዘለዎ። ስለዚ: ኣምላኽ ኣብቲ ራእይ ጻዕዳ ጸጕሪ ዘለዎ ምዃኑን “ጥንታዊ ዝመዓልቱ” ተባሂሉ ምጽዋዑን: ነቲ ነዊሕ ዕድሚኡን ዓብዪ ጥበቡን ዜጕልሕ እዩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ዓብዪ ኣኽብሮት ክንህቦ ይግባእ። እሞ ደኣ እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ እተባህለ የሆዋ: ነቶም እሙናት ኣረጋውያን ሰብኡትን ኣንስትን ብኸመይ ይርእዮም፧ ቃል ኣምላኽ: “ሸያብ ጸጕሪ ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ: እዚ ኸኣ ኣብ መገዲ ጽድቂ እዩ ዚርከብ” ይብል። (ምሳ. 16:31) እወ: ሓደ እሙን ክርስትያን እንተ ሸዪቡ: እቲ ንብስለቱ ዚሕብር ትርኢቱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ባህ ዜብል እዩ። እሞኸ ንኣረጋውያን ኣሕዋትካን ኣሓትካን ከምቲ የሆዋ ዚርእዮም ጌርካ ዲኻ እትርእዮም፧

ኣኽቢርካ ዚረኣዩ ስለምንታይ እዮም፧

3. ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ብጾትና ኣኽቢርና እንርእዮም ስለምንታይ ኢና፧

3 ኣብ መንጎ እዞም ፍቑራት ኣረጋውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ: ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ገየሽቲ ሓለውቲ ዀይኖም ዜገልግሉ ዝነበሩን ዘለዉን: ቀናኣት ፈለምቲ: ከምኡውን ኣብ ጉባኤና ብተኣማንነት ዜገልግሉ ብሱላት ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ይርከብዎም። ነቲ ብስራት ንሓያሎ ዓመታት ብቕንኣት ዝሰበኹ: በቲ ሰናይ ኣብነቶም ከኣ ንመንእሰያት ዘነቓቕሑን ዝቐረጹን ክርስትያናት ትፈልጥ ትኸውን። ገሊኦም ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ብጾት ከቢድ ሓላፍነት ተሰኪሞምን ምእንቲ እቲ ብስራት መስጐጕቲ ኣሕሊፎምን እዮም። ነዚ ኣብ ዝሓለፈ ግዜን ሕጅን ምእንቲ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ዝገበርዎ ኣበርክቶ: የሆዋን እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ”ን ኣጸቢቖም የማስዉሉ እዮም።—ማቴ. 24:45

4. ንኣረጋውያን ክርስትያናት ከነኽብሮምን ክንጽልየሎምን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

4 ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣረጋውያን ካብ ካልኦት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣምላኽ ምስጋናን ኣኽብሮትን ይግብኦም። ኣብቲ ብሙሴ ኣቢሉ እተዋህበ ሕጊ ኣምላኽ: ንኣረጋውያን ዚግበር ሓልዮትን ኣኽብሮትን ምስ ፍርሃት የሆዋ ተተሓሒዙ ኣሎ። (ዘሌ. 19:32) ኣዘውቲርና ምእንቲ እዞም እሙናት ክርስትያናት ክንጽሊ: ስለቲ ብፍቕሪ ዝገበርዎ ጻዕሮም ድማ ንኣምላኽ ከነመስግኖ ይግብኣና። ሃዋርያ ጳውሎስ ምእንቲ እቶም ንኣሽቱን ዓበይትን ፍቑራት መዓይይቱ ጸልዩ እዩ።—1 ተሰሎንቄ 1:2, 3 ኣንብብ።

5. ካብ ኣረጋውያን ኣምለኽቲ የሆዋ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

5 ብተወሳኺ: ኵሎም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት ካብ ኣረጋውያን ክርስትያናት ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። ኣረጋውያን ኣምለኽቲ የሆዋ ብመጽናዕትን ብትዕዝብትን ብተመክሮን ብዙሕ ፍልጠት ኣዋህሊሎም እዮም። ትዕግስቲ ምግባርን ድንጋጸ ምርኣይን ተማሂሮም እዮም፣ ነቲ እተማህርዎ ንዚቕጽል ወለዶ ምምሕልላፍ ከኣ ዓብዪ ሓጐስን ዕግበትን የምጽኣሎም። (መዝ. 71:18) ኣቱም ብዕደመ ዝነኣስኩም: ጠቢባን ኩኑ: ከምቲ ማይ ካብ ጥልቂ ዔላ ዚቕዳሕ ከኣ ካብዞም ምንጪ ፍልጠት እዚኣቶም ቅድሑ።—ምሳ. 20:5

6. ንኣረጋውያን ብሓቂ ኸም እተኽብሮም ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

6 ንኣረጋውያን ከምቲ የሆዋ ዜኽብሮም ጌርካ ኸም እተኽብሮም ተፍልጦም ዲኻ፧ ሓደ ኻብቲ ኸምዚ ኽትገብረሉ እትኽእል መገዲ: ስለቲ ተኣማንነቶም ክሳዕ ክንደይ ከም እተፍቅሮምን ርእይቶኦም ክሳዕ ክንደይ ክብ ኣቢልካ ኸም እትርእዮን ብምንጋር እዩ። ነቲ ኻባታቶም እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ምስ እተውዕሎ እውን: ንዓታቶም ዘሎካ ኣኽብሮት ልባዊ ምዃኑ ተርኢ። ብዙሓት ኣረጋውያን ክርስትያናት ካብቶም ብዕድመ ዚዓብይዎም ዝረኸብዎ ጥበባዊ ማዕዳን ንዕኡ ኣብ ግብሪ ብምውዓሎም ኣብ ምሉእ ህይወቶም ክሳዕ ክንደይ ከም እተጠቕሙን ኪዝክሩ ይኽእሉ እዮም። a

ለውሃትካ ብግብሪ ኣርኢ

7. የሆዋ ነቲ ንኣረጋውያን ናይ ምሕላይ ሓላፍነት: ብቐዳምነት ንመን እዩ ሂብዎም፧

7 ኣምላኽ ነቲ ንኣረጋውያን ናይ ምሕላይ ሓላፍነት: ብቐዳምነት ነቶም ኣባላት ስድራ ቤቶም እዩ ሂብዎም። (1 ጢሞቴዎስ 5:4, 8 ኣንብብ።) ኣባላት ስድራ ቤት ንኣረጋውያን ቤተሰቦም ዘለዎም ሓላፍነት ኪፍጽሙ ኸለዉን በዚ ኸምዚ ንኣረጋውያን ከምቲ የሆዋ ዚሓልየሎም ገይሮም ከም ዚሓልዩሎም ኬርእዩ ኸለዉን: የሆዋ ይሕጐስ እዩ። ኣምላኽ ነዘን ስድራ ቤታት እዚኣተን ኣብቲ ዚገብራኦ ጻዕርታትን መስዋእትታትን: ይድግፈንን ይባርኸንን እዩ። b

8. ጉባኤታት ንኣረጋውያን ክርስትያናት ኪሓልያሎም ዘለወን ስለምንታይ እየን፧

8 ብተመሳሳሊ: ጉባኤታት ነቶም ደገፍ ዜድልዮም ግን ከኣ ዚሓልየሎም ኣማኒ ቤተሰብ ወይ ፍቓደኛ ዝዀነ ቤተሰብ ዘይብሎም እሙናት ኣረጋውያን ኪሕግዛኦም ከለዋ: የሆዋ ይሕጐስ እዩ። (1 ጢሞ. 5:3, 5, 9, 10) በዚ ኸምዚ እተን ጉባኤታት ‘ዚደናገጻ: ሕውነት ዜፍቅራ: ለዋሃት: ትሑታት’ ምዃነን የርእያ። (1 ጴጥ. 3:8) ንኣረጋውያን ኣባላተን ዘለወን ሓልዮት: ኣብቲ ጳውሎስ: ሓደ ኣካል እንተ ተሰቅዩ: “ኵሉ ኣካላት ይስቀ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ብግቡእ ተገሊጹ ኣሎ። (1 ቈረ. 12:26) ምእንቲ ኣረጋውያን ግብራውን ርሕራሐ ዝመልኦን ስጕምቲ ምውሳድ: ምስቲ ጳውሎስ: “ጾር ሓድሕድኩም ጹሩ: ከምኡውን ሕጊ ክርስቶስ ፈጽሙ” ኢሉ ኺመክር ከሎ እተጠቕመሉ መሰረታዊ ስርዓት ዚቃዶ እዩ።—ገላ. 6:2

9. እርጋን እንታይ ጾር እዩ ኼምጽእ ዚኽእል፧

9 ኣረጋውያን እንታይ ጾር እዩ ዘለዎም፧ ብዙሓት ብቐሊሉ ይደኽሙ። ከም ናብ ሓኪም ምኻድ: ሓድሓደ ጕዳያት ምስላጥ: ገዛ ምጽራይ: ምግቢ ምድላው ዝኣመሰለ መሰረታዊ ነገራት እውን: ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዀይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ። ምስ ዕድመ ምድፋእ ንምግቢ ዀነ ንመስተ ዝነበረካ ሸውሃት እናተዓጽወ ስለ ዚኸይድ: ከምቲ ዚግብኦም ኪበልዑ ወይ ኪሰትዩ ኸም ዘይብሎም ገይሮም ኪሓስቡ ይኽእሉ እዮም። መንፈሳዊ ሸውሃቶም እውን ብተመሳሳሊ ኺዕጾ ይኽእል እዩ። ኣዒንቶም ስለ ዚደኽማ ምንባብ ኬጸግሞም: ኣእዛኖም ስለ ዚጻንዖም ድማ መንፈሳዊ መደባት ምስማዕ ኬሸግሮም ይኽእል እዩ፣ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንኪኸዱ ዚገብርዎ ምድላው እውን ኣድካሚ ዀይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ ኻልኦት ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣረጋውያን እንታይ ኪገብሩሎም ይኽእሉ፧

ብኸመይ ክትሕግዝ ትኽእል፧

10. ኣረጋውያን ግብራዊ ሓገዝ ከም ዚረኽቡ ንምግባር: ሽማግለታት እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

10 ኣብ ሓያሎ ጉባኤታት: ንኣረጋውያን ጽቡቕ ክንክን ይግበረሎም ኣሎ። ፈቃራት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ምዕዳግን ምኽሻንን ምጽራይን ይሕግዝዎም ኣለዉ። መጽናዕቲ ንኺገብሩ: ንኣኼባታት ንኺዳለዉ: ብስሩዕ ኣብ ኣገልግሎት ንኺሳተፉ ይድግፍዎም ኣለዉ። ብዕድመ ዝነኣሱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር የሰንይዎምን የበጻጽሕዎምን እዮም። ካብ ገዛ ኺወጹ ዘይክእሉ ኣረጋውያን እንተ ኣልዮም: ብተሌፎን ኣኼባታት ይከታተሉ ወይ ተቐዲሑ ይመጾም። ሽማግለታት ብእተኻእለ መጠን ነቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣረጋውያን ዜድልዮም ነገራት ንምምላእ ግብራዊ መሰናድዎታት ይገብሩ። c

11. ሓንቲ ስድራ ቤት ንሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው ብኸመይ ከም ዝሓገዘቶ ኣዘንቱ።

11 ክርስትያናት ብውልቆም እውን ንኣረጋውያን ኬአንግድዎምን ኪልግሱሎምን ይኽእሉ እዮም። ሰበይቲ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው ምስ ሞተት: እቲ ንዓኣ ዚወሃባ ዝነበረ መልዕሎ ስለ እተቛረጸ: እቲ ሓው ክራይ ገዛ ኪኸፍል ኣይከኣለን። ንሱን ሰበይቱን ንሓንቲ ኣቦን ኣደን ክልተ መንእሰያት ኣዋልድን ዘለዉዋ ስድራ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መሪሖምላ ነይሮም፣ እታ ስድራ ቤት ድማ ኣብ ዓብዪ ገዛ ትነብር ነበረት። ስለዚ: እታ ስድራ ቤት ነቲ ሓው ክልተ ኽፍልታት ሃበቶ። ን15 ዓመት ብሓባር ተመጊቦም: ብሓባር ስሒቖም: ሕውነታዊ ፍቕሪ ድማ ኣርእዮም እዮም። እተን ኣዋልድ ካብ እምነትን ተመክሮን እቲ ሓው ብዙሕ ተጠቒመን: እቲ ሓው ድማ ካብቲ ባህ ዜብል ቅርርብ ተጠቒሙ እዩ። እዚ ኣረጋዊ ሓው እዚ ኣብ 89 ዓመቱ ኽሳዕ ዚመውት ምሳታቶም ይነብር ነበረ። እቶም ኣባላት እታ ስድራ ቤት ካብቲ ምስኡ ብዝነበሮም ቅርርብ ዝረኸብዎ በረኸት ክሳዕ ሕጂ ንኣምላኽ የመስግንዎ ኣለዉ። ንሓደ ወደ መዝሙር የሱስ ክርስቶስ ብምሕጋዞም ‘ዓስቦም ኣይሰኣኑን።’—ማቴ. 10:42 d

12. ብዕድመ ንዝደፍኡ ኣሕዋትን ኣሓትን ለውሃት ንኸተርኢ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

12 ከምቲ እዛ ስድራ ቤት ዝገበረቶ ጌርካ ንሓደ ኣረጋዊ ሓው ወይ ንሓንቲ ኣረጋዊት ሓብቲ ኽትሕግዝ ኣይትኽእልን ትኸውን፣ ኰይኑ ግን: ንኣረጋውያን ናብ ኣኼባታት ኪመጹን ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺወጹን ክትሕግዞም ትኽእል ትኸውን። ናብ ገዛኻ ኽትዕድሞምን ንዙረት ክትከይድ ከለኻ ኽትማልኦምን ትኽእል ኢኻ። ብፍላይ ኣብ ዚሓሙሉ ወይ ካብ ገዛ ኺወጹ ኣብ ዘይክእሉሉ እዋን: ክትበጽሖም ትኽእል ኢኻ። ብዘይካዚ: ወትሩ ኸም ብሱላት ሰባት ጌርካ ኽትርእዮም ኣሎካ። ኣእምሮኦም ንቑሕ ክሳዕ ዝዀነ: ኣብቲ ንዓታቶም ዚምልከት ዝዀነ ይኹን ውሳነ ኺሳተፉ ኣለዎም። እቶም ኣእምሮኦም ዝደኸመ እውን እንተ ዀኑ: ክብረቶም ይሕለወሎም እንተ ኣልዩ ወይ እንተ ዘየልዩ ኺፈልጡ ይኽእሉ እዮም።

የሆዋ ንግብርኻ ኣይኪርስዖን እዩ

13. ንስምዒት ኣረጋውያን ክርስትያናት ምሕላይ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

13 ንስምዒት ኣረጋውያን ምሕላይ ኣገዳሲ እዩ። ኣረጋውያን ነቲ ንእስነትን ጥዕናን ኣብ ዝነበሮም እዋን ዚገብርዎ ዝነበሩ ኺገብሩ ብዘይምኽኣሎም ብዙሕ ይሓዝኑ እዮም። ንኣብነት: ሓንቲ ን50 ዓመት ዚኸውን ንየሆዋ ብንጥፈት ዘገልገለቶ: ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና እውን ዘገልገለት ሓብቲ: ሓደ ዜማስን ሕማም ሓመመት: ኣብ ኣኼባታት ምእካብ እውን ገድሊ ዀና። እቲ ቐደም እትገብሮ ዝነበረት ኣገልግሎት ምስቲ ሕጂ ዘሎ ድሩት ዓቕማ ብምንጽጻር: ክትበኪ ጀመረት። ርእሳ ኣድኒና እናነብዐት: “ዋላ ሓንቲ ዝረብሕ እኮ ኣይገብርን እየ ዘለኹ” በለት።

14. ብዕድመ ዝደፍኡ ኣገልገልቲ የሆዋ ኻብ መጽሓፍ መዝሙር እንታይ ምትብባዕ ኪረኽቡ ይኽእሉ፧

14 ብዕድመ ዝደፋእካ እንተ ዄንካ: ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ስምዒት ኣሎካዶ፧ የሆዋ ኸም ዝሓደገካ ዀይኑ እተሰምዓካ እዋን ኣሎዶ፧ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዕድመ ምስ ደፍአ: “ብጊዜ እርግና ኣይትደርብየኒ: ሓይለይ ኪውዳእ ከሎ: ኣይትሕደገኒ። . . . ዎ ኣምላኽ: ብእርግናይ ምስ ሸየብኩ እኳ ኣይትሕደገኒ” ኢሉ ንየሆዋ ስለ ዝለመኖ: ከምኡ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (መዝ. 71:9, 18) የሆዋ ነቲ ጸሓፍ መዝሙር ከም ዘይሓደጎ ዜጠራጥር ኣይኰነን: ንዓኻ እውን ኣይኪሓድገካን እዩ። ኣብ ካልእ መዝሙር: ዳዊት ኣብ ደገፍ ኣምላኽ ዘለዎ ምትእምማን ገሊጹ ኣሎ። (መዝሙር 68:19 ኣንብብ።) ብዕድመ ዝደፋእካ እሙን ክርስትያን እንተ ዄንካ: የሆዋ ምሳኻ ምዃኑን መዓልታዊ ደገፉ ኸም ዘይፍለየካን ተኣማመን።

15. ኣረጋውያን ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኺህልዎም ኪሕግዞም ዚኽእል እንታይ እዩ፧

15 ኣቱም ኣረጋውያን መሰኻኽር የሆዋ: ንኽብሪ ኣምላኽ ዝገበርኩምዎን እትገብርዎ ዘለኹምን ዘበለ ዅሉ: ንሱ ፈጺሙ ኣይርስዖን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ኣምላኽ ነቲ . . . ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን” ይብል። (እብ. 6:10) ስለዚ: ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኣይተሕድሩ: ብሰንኪ እርጋንኩም ንየሆዋ ኸም ዘይትጠቕሙ ዀይኑ ኣይሰማዕኩም። ነቲ ዚደቍስን ኣሉታውን ኣረኣእያ ብኣወንታዊ ኣረኣእያ ተክእዎ። በቲ ኣብ መጻኢ እትረኽብዎ በረኸትን ተስፋን ተሓጐሱ! ብሉጽ “መፈጸምታን ተስፋን” ኣሎና: ፈጣሪና ድማ ነዚ ውሕስነት ኣትዩልና ኣሎ። (ኤር. 29:11, 12፣ ግብ. 17:31፣ 1 ጢሞ. 6:19) ንተስፋኹም ኣስተንትኑሉ: ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ይሃሉኹም: ኣብ ጉባኤ ዘለኩም ግደ ድማ ኣትሒትኩም ኣይትርኣይዎ! e

16. ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው: ሽማግለ ዀይኑ ምግልጋል ኬቋርጽ ዝሓሰበ ስለምንታይ እዩ፧ እቶም ኣካል ሽማግለታት ግን ብኸመይ ኣተባብዕዎ፧

16 ንኣብነት: ንሓደ ዮሃን ዝስሙ ኣብ 80 ዓመት ዕድሚኡ ዚርከብ ሓው እሞ ንውሰድ። እዚ ሓው እዚ ሳኒ ዝስማ ርእሳ ኽትኣሊ ዘይትኽእል እምንቲ ሰበይቱ ይኣሊ እዩ። f ዮሃን ናብ ኣኼባታትን ኣገልግሎትን ምእንቲ ኪኸይድ: ኣሓት በብተራ ንሳኒ ይሕልዋኣ እየን። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ግን ዮሃን ካብ ምሕላሉ እተላዕለ: ሽማግለ ጉባኤ ዀይኑ ኼገልግል ከም ዘይብሉ ኺስምዖ ጀመረ። ንብዓት ቅጽርጽር እናበሎ: “ሽማግለ ዀይነ ምግልጋለይ እንታይ ይዓብስ፧ ኣብዛ ጉባኤ ዚረብሕ ነገር ኣይገብርን እየ” በለ። ብጾቱ ሽማግለታት ተመክሮኡን ምምዝዛኑን ብዙሕ ከም ዚጠቕሞም ኣረጋገጹሉ። ተሳትፎኡ ድሩት እኳ እንተ ዀነ: ሽማግለ ዀይኑ ምግልጋል ኪቕጽል ኣተባብዕዎ። ዮሃን በዚ ብዙሕ ስለ እተተባብዐ: ሽማግለ ዀይኑ የገልግል ኣሎ፣ እዚ ድማ ነታ ጉባኤ በረኸት የምጽኣላ ኣሎ።

የሆዋ ብሓቂ ይሓሊ

17. መጽሓፍ ቅዱስ ንኣረጋውያን ክርስትያናት እንታይ መተባብዒ እዩ ዚህቦም፧

17 ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት: እርጋን ዜምጽኦ ጸገማት እናኣጋጠሞም ክነሱ: ብመንፈስ ኪብልጽጉ ኸም ዚኽእሉ ቕዱሳት ጽሑፋት ንጹር ይገብሮ እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተተኽሉ . . . ብእርግናኦም ድማ ይፈርዩ: ይረውዩን ይልምዑን” በለ። (መዝ. 92:13, 14) እቲ ኣካላዊ ጸገም ነይርዎ ኪኸውን ዚኽእል ሃዋርያ ጳውሎስ እውን: ‘እቲ ናይ ወጻኢ ሰቡ እኳ እንተ በስበሰ: ኣይተሓለለን።’—2 ቈረንቶስ 4:16-18 ኣንብብ።

18. ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናትን ኣለይቶምን ካብ ካልኦት ሓገዝ ዜድልዮም ስለምንታይ እዩ፧

18 ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ከም ‘ዚፈርዩ:’ ብዙሓት ዘመናውያን ኣብነታት ኣርእዮም እዮም። ሕማምን እርጋንን ዜምጽኦ ጸገማት ግን ነቶም ጽቡቕ ገይሮም ዚከናኸኑ ኣባላት ስድራ ቤት ዘለውዎም እውን ከይተረፈ ኪኸብዶም ይኽእል እዩ። ነቶም ኣረጋውያን ዚኣልይዎም እውን ኪሕለሉ ይኽእሉ እዮም። ኣባላት ጉባኤ ንኣረጋውያንን ነቶም ዚኣልይዎምን ዘላቶም ፍቕሪ ብግብሪ ንኼርእዩ ፍሉይ ኣጋጣምን ሓላፍነትን ኣለዎም። (ገላ. 6:10) ከምዚ ዝኣመሰለ ሓገዝ እንተ ሂብና: ከምቶም “ኪዱ: ሙቑ: ጽገቡ” ጥራይ እናበሉ ዋላ ሓንቲ ደገፍ ዘይህቡ ሰባት ኣይንኸውንን።—ያእ. 2:15-17

19. ኣረጋውያን ዝዀኑ እሙናት ክርስትያናት ብዛዕባ መጻኢ ኪቐስኑ ዚኽእሉ ስለምንታይ እዮም፧

19 ግዜ ዜምጽኦ እርጋን ንክርስትያናዊ ንጥፈታት ኪቕይሮ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ: ነታ የሆዋ ንእሙናት ኣረጋውያን ኣገልገልቱ ዘላቶ ፍቕሪ ግን ኣየዳኽማን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ: ኵሎም እሙናት ክርስትያናት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽቡራት እዮም: ንሱ ድማ ከቶ ኣይኪሓድጎምን እዩ። (መዝ. 37:28፣ ኢሳ. 46:4) የሆዋ ኣብ ግዜ እርጋኖም ኪድግፎምን ኪመርሖምን እዩ።—መዝ. 48:14

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብ ናይ 1 ሰነ 2007 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት: “ኣረጋውያን ንመንእሰያት በረኸት እዮም” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

b ኣብ ናይ 8 ለካቲት 1994 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 3-10 ርአ።

c ኣብ ገሊኡ ሃገራት: እዚ ሓገዝ እዚ ንኣረጋውያን ካብቲ መንግስቲ ዘዳለወሎም ደገፍ ከም ዚጥቀሙ ምግባር የጠቓልል። ኣብ ናይ 1 ሰነ 2006 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት: “ኣምላኽ ንኣረጋውያን ይሓልየሎም” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

d ኣብ ናይ 1 መስከረም 2003 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት: “የሆዋ ወትሩ ይሓልየልና” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

e ኣብ ናይ 15 መጋቢት 1993 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ዝወጸት: “ግርማ ሽበት” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

f ስማት ተቐዪሩ እዩ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ብዕድመ ንዝደፍኡ እሙናት ክርስትያናት ኣኽቢርካ እትርእዮም ስለምንታይ ኢኻ፧

• ንኣረጋውያን ክርስትያናት ለውሃትና ኸነርእዮም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ብዕድመ ንዝደፍኡ ኣገልገልቲ የሆዋ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኺሕዙ ዚሕግዞም እንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኣባላት ጉባኤ ንኣረጋውያን ዓብዪ ኣኽብሮት ኣለዎም