ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓዳርኩም “ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ” ይኹን

ሓዳርኩም “ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ” ይኹን

ሓዳርኩም “ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ” ይኹን

“ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን።”—መክ. 4:12

1. ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ብመውስቦ ዘሕበሮም መን እዩ፧

 የሆዋ ኣምላኽ ንኣትክልትን እንስሳታትን ድሕሪ ምፍጣሩ: ኣስዒቡ ነቲ ቐዳማይ ሰብ ዝዀነ ኣዳም ፈጠረ። ኣምላኽ ጸኒሑ ንኣዳም ከቢድ ድቃስ ኣውደቐሉ: ሓንቲ ኻብ መሰንገሊኡ ወሲዱ ድማ ፍጽምቲ ደጋፊት ገይሩ ሰርሓ። ኣዳም ነታ ሰበይቲ ምስ ረኣያ: “እዚኣ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይ ስጋ ኸኣ ካብ ስጋይ እያ” በለ። (ዘፍ. 1:27፣ 2:18, 21-23) የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ብመውስቦ ኣብ ሓደ ብምጽማድን ብምብራኽን: ንፍጥረት እታ ቐዳመይቲ ሰበይቲ ኸም ዝሰመሮ ኣርኣየ።—ዘፍ. 1:28፣ 2:24

2. ሰይጣን ኣብ መንጎ ኣዳምን ሄዋንን ነቓዕ ዝፈጠረ ብኸመይ እዩ፧

2 እቲ ዜሕዝን ግን: ነዊሕ ከይጸንሐ እቲ ኣምላኽ ዘቘሞ መውስቦ ኣደዳ መጥቃዕቲ ዀነ። ብኸመይ፧ እቲ ጸኒሑ ሰይጣን ተባሂሉ እተጸውዐ እኩይ መንፈሳዊ ፍጡር ንሄዋን ካብታ ነቶም ሰብኣይን ሰበይትን እተኸልከለት ሓንቲ ኦም ክትበልዕ ኣስሓታ። ነዊሕ ከይጸንሐ ኣዳም ኣብቲ ሰበይቱ ዝገበረቶ ተግባር ሓበራ፣ እቲ ተግባሮም ድማ ካብቲ ኣምላኽ ንምግዛእን ብጽቡቕ ንምምራሕን ዘለዎ መሰል ከም ምዕላው እዩ ተቘጺሩ። (ዘፍ. 3:1-7) የሆዋ ነቶም ሰብኣይን ሰበይትን እንታይ ከም ዝገበሩ ምስ ሓተቶም: ኣብ ርክቦም ውጥረት ከም ዝነበረ ንጹር ኰነ። ኣዳም: “እዛ ምሳይ ክትከውን ዝሀብካኒ ሰበይቲ ኻብታ ኦም ሀበትኒ እሞ በላዕኩ” ኢሉ ንሰበይቱ ተሓታቲት ገበራ።—ዘፍ. 3:11-13

3. ገሊኦም ኣይሁድ እንታይ ግጉይ ኣረኣእያ እዮም ኣማዕቢሎም፧

3 ካብ ሽዑ ንነጀው ኣብ ዘሎ ዘመናት: ሰይጣን ንሓዳር ንምብትታን እተፈላለየ ውዲት ተጠቒሙ እዩ። ንኣብነት: ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ ሓዳር ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ኣረኣእያ ንምስፍሕፋሕ: ብመራሕቲ ሃይማኖት ተጠቒሙ እዩ። ገሊኦም መራሕቲ ኣይሁድ: ሰብኡት ንኣንስቶም ኣብ ምግቦም ጨው እንተ በዚሕዎ ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ጢጥ ቅሚጥ ዝዀነ ምኽንያት እንተ ረኺቦም ንኺፈትሕወን ብምፍቃድ ንስርዓታት ኣምላኽ ኣቃለልዎ። የሱስ ግን: “እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ” በለ።—ማቴ. 19:9

4. ሎሚ ንመውስቦ ብዙሕ መጥቃዕቲ ዚወርዶ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

4 ሰይጣን ንሓዳር ንምብትታን ደኺመ ኸይበለ ይዓዪ ኣሎ። መርዓ ግብረ ሶዶማውያን: ዘይተመርዓዉ መጻምድቲ ብሓባር ምንባር: ከምኡውን ብቐሊሉ ዚግበር ፍትሕ: ኣብዚ መዳይ እዚ ብዙሕ ኣሳልጦ ይረክብ ከም ዘሎ ዜርኢ እዩ። (እብራውያን 13:4 ኣንብብ።) ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን: በቲ ብዛዕባ መውስቦ ዘሎ ቔናን ኣረኣእያ ንኸይንጽሎ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ኣብ ሓደ ሓጐስ ዝመልኦን ዕዉትን ሓዳር ዚርአ ገለ ባህርያት እስከ ንርአ።

ኣብ ሓዳርኩም ንየሆዋ ቦታ ሃብዎ

5. እቲ “ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ” ዚብል መግለጺ: ንሓዳር ብዚምልከት እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

5 ሓዳር ኪድልድል እንተ ዀይኑ: የሆዋ ኣብቲ ርክብ ቦታ ኺህልዎ ኣለዎ። ቃሉ: “ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን” ይብለና። (መክ. 4:12) “ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ” ዚብል መግለጺ ምሳልያዊ እዩ። ነዚ ምሳሌ እዚ ኣብ ሓዳር ከነውዕሎ ኸለና: እቶም ክልተ ሰብኣይን ሰበይትን ምስቲ ሳልሳዮም ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ብሓባር ከም እተፋሕሱ ጌርካ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ኣምላኽ ሓድነት ምምስራቶም ጸገማት ንኺሰግሩ መንፈሳዊ ብርታዐ ይህቦም: ኣብ ሓዳሮም ዓብዪ ሓጐስ ንኺረኽቡ ድማ የኽእሎም።

6, 7. (ሀ) ክርስትያናት ንኣምላኽ ኣብ ሓዳሮም ቦታ ንምሃብ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ (ለ) ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ሰብኣያ ኣኽቢራ እትርእዮ ነገር እንታይ እዩ፧

6 እንተዀነ ግን: ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን: ሓዳሮም ከምቲ ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ንኪኸውን እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “ኣምላኸየ: ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ: ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 40:8) ንዓና እውን እታ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ: ብምሉእ ልብና ንኸነገልግሎ ትድርኸና እያ። ስለዚ: ክልቲኦም ሰብኣይን ሰበይትን ምስ የሆዋ ጥብቂ ዝዀነ ብሕታዊ ርክብ ኬማዕብሉን ፍቓዱ ንምግባር ባህጊ ኼሕድሩን ኣለዎም። ሰብ ሓዳር ነቲ መጻምድቶም ንኣምላኽ ዘለዎ ፍቕሪ ንምሕያል ኪጽዕሩ ኣለዎም።—ምሳ. 27:17

7 ሕጊ ኣምላኽ ብሓቂ ኣብ ልብና እንተ ዀይኑ: ከም እምነትን ተስፋን ፍቕርን ዝኣመሰለ ባህርያት ነርኢ ኢና: እዚ ድማ ንሓዳርና የድልድሎ። (1 ቈረ. 13:13) ሓንቲ ኻብ እትምርዖ 50 ዓመት ዝገበረት ሳንድራ ዝስማ ክርስትያን: “ኣብ ሰብኣየይ ልዕሊ ዅሉ ኣኽቢረ ዝርእዮ: መንፈሳዊ መሪሕነቱን ምኽሩን ከምኡውን እቲ ንዓይ ካብ ዘለዎ ፍቕሪ ዚሕይል ንየሆዋ ዘለዎ ፍቕሪ እዩ” በለት። ኣቱም ሰብኡት: ብዛዕባኹምከ ኸምዚ ኺበሃለልኩም ይኽእል ድዩ፧

8. ኣብ ሓዳር “ጽቡቕ ጻማ” ንምርካብ እንታይ የድሊ፧

8 ከም ሰብ ሓዳር መጠን: ኣብ ህይወትኩም ንመንፈሳዊ ጕዳያትን ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽን ቀዳምነት ትህቡ ዲኹም፧ ኣብ ርእሲ እዚ ንመጻምድትኹም ኣብቲ ንየሆዋ እተቕርብዎ ኣገልግሎት ከም ብጻይኩም ጌርኩም ትርእይዎ ዲኹም፧ (ዘፍ. 2:24) እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን: “ብጻዕሮም ጽቡቕ ጻማ ስለ ዘለዎም: . . . ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሐይሽ” ኢሉ ጸሓፈ። (መክ. 4:9) እወ: ሰብኣይን ሰበይትን “ጽቡቕ ጻማ” ማለት ኣምላኽ ዝባረኾን ፍቕሪ ዝመልኦን ነባርን ሓዳር ንምርካብ: ኪጽዕሩ ኣለዎም።

9. (ሀ) ሰብኡት እንታይ ሓላፍነታት እዩ ዘለዎም፧ (ለ) ብመሰረት ቈሎሴ 3:19: ሰብኣይ ንሰበይቱ ብኸመይ ኪሕዛ ኣለዎ፧

9 ኣምላኽ ኣብ ሓዳር ቦታ እንተ ኣልይዎ ኻብ ዚሕብር ነገራት ሓደ: ክልቲኦም ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ስርዓታቱ ተሰማሚዖም ንምንባር ዚገብርዎ ጻዕሪ እዩ። ሰብኡት ብቐዳምነት ንስድራ ቤቶም ብስጋ ዀነ ብመንፈስ ዜድልዮም ናይ ምምላእ ግዴታ ኣለዎም። (1 ጢሞ. 5:8) ንሰበይቶም ብስምዒታዊ መዳይ ዜድልያ ኺሓልዩ እውን ምትብባዕ ተዋሂብዎም ኣሎ። ኣብ ቈሎሴ 3:19 “ኣቱም ሰብኡት: ነንስትኹም ኣፍቅርወን እሞ ኣይትምረርወን” ዚብል ነንብብ። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር: እታ “ምምራር” እትብል ቃል: “መሪር ቃላት ወይ መውቃዕቲ ምድርባይ: ከምኡውን ፍቕርን ሓልዮትን ዜድሊ ነገራትን ዕቝባን ደገፍን ዘይምሃብ” ከም እተጠቓልል ገሊጹ ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጠባይ ኣብ ክርስትያናዊት ስድራ ቤት ኪህሉ ኸም ዘይግባእ ንጹር እዩ። ንርእስነቱ ብፍቕራዊ መገዲ ዚጥቀመሉ ሰብኣይ: ሰበይቱ ንኽትግዝኦ ድሌት ከም ዚሓድራ ይገብር።

10. ክርስትያን ኣንስቲ እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ኪህልወን ዘለዎ፧

10 ንየሆዋ ኣብ ሓዳረን ቦታ ዚህባ ክርስትያን ኣንስቲ እውን ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዐን ኪመላለሳ ኣለወን። ሃዋርያ ጳውሎስ: “ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ: . . . ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ: ኣትን ኣንስቲ: ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተአዘዛኦም” ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌ. 5:22, 23) ሰይጣን ንሄዋን: ካብ ኣምላኽ ተፈሊኻ ብርእስኻ ምኻድ ነባሪ ሓጐስ ከም ዜምጽእ ኣምሲሉ ኣታለላ። ሎሚ ብርእስኻ ናይ ምኻድ መንፈስ ኣብ ሓያሎ ሓዳር ይርአ ኣሎ። ፍርሃት ኣምላኽ ዘለወን ኣንስቲ ግን: ንፈቃራት ሰብኡትን ዜርእያኦ ተገዛእነት ከም ሕማቕ ነገር ኣይርእያኦን እየን። የሆዋ ንሄዋን: ንሰብኣያ “እትበቅዕ ደጋፊት” ክትከውን ከም ዝሸማ ይዝክራ እየን፣ ነዚ ቦታ እዚ ድማ ኣምላኽ ኣኽቢሩ ርእይዎ ኪኸውን ኣለዎ። (ዘፍ. 2:18) ምስዚ ስርዓት እዚ ብፍታው እትተሓባበር ክርስትያን ሰበይቲ: ብሓቂ “ዘውዲ” ሰብኣያ እያ።—ምሳ. 12:4

11. ሓደ ሓው ንሓዳሩ ዝሓገዞ ነገር እንታይ ምዃኑ እዩ ዝገለጸ፧

11 ንኣምላኽ ኣብ ሓዳር ቦታ ንኽትህቦ ዚሕግዝ ካልእ ነገር: ሰብኣይን ሰበይትን ንቓል ኣምላኽ ብሓባር ዜጽንዑ እንተ ዀይኖም እዩ። ን55 ዓመት ዜሐጕስ ሓዳር ዘለዎ ጀራልድ: “ኣብ ዕዉት ሓዳር ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ረቛሒ: መጽሓፍ ቅዱስ ብሓባር ምንባብን ምጽናዕን እዩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን: “ብፍላይ መንፈሳዊ ነገራት ብሓባር ምግባር: ንሰብ ሓዳር ኣብ ንሓድሕዶምን ምስ የሆዋን ብዙሕ ምቅርራብ ይፈጥረሎም እዩ” በለ። መጽሓፍ ቅዱስ ብሓባር ምጽናዕ: ነታ ስድራ ቤት ንስርዓታት የሆዋ ብንጹር ንኽትዝክሮ ይሕግዛ: ንመንፈሳውነታ የድልድሎ: ቀጻሊ ዕቤት ንኽትገብር እውን የኽእላ።

12, 13. (ሀ) ብሓባር ምጽላይ ንሰብ ሓዳር ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ካልእ መንፈሳዊ ንጥፈታት እዩ ንሓዳር ዜደልድል፧

12 ዜሐጕስ ሓዳር ዘለዎም ሰብኣይን ሰበይትን: ብሓባር ይጽልዩ እውን እዮም። ሰብኣይ ንዅነታት ሓዳሩ ዚምልከት ነጥብታት ፈልዩ እናጠቐሰ ‘ልቡ ምስ ዜፍስስ:’ ሓዳሩ ይድልድል። (መዝ. 62:8) ንኣብነት: ብሓባር ዄንኩም ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ መምርሒ ኺህበኩም ድሕሪ ምልማንኩም: ዝነበረኩም ዝዀነ ይኹን ዘይምስምማዕ ንምፍታሕ ዝቐለለ እዩ ዚዀነልኩም። (ማቴ. 6:14, 15) ምስቲ ጸሎትኩም ብምስምማዕ: ንሓድሕድኩም ንኽትተሓጋገዙን ‘ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም: ይቕረ ንኽትበሃሃሉን’ ቈራጽነት ግበሩ። (ቈሎ. 3:13) ጸሎት ኣብ ኣምላኽ ትውክልቲ ኸም ዘሎኩም ዜርኢ ምዃኑ ዘክሩ። ንጉስ ዳዊት: “ኣዒንቲ ዅሎም ንኣኻ ይጽበያ” በለ። (መዝ. 145:15) ንኣምላኽ እንተ ተጸቢናዮ: ‘ንሱ ኸም ዚሓልየልና’ ስለ እንፈልጥ: ጭንቀትና ይንኪ።—1 ጴጥ. 5:7

13 ንየሆዋ ኣብ ሓዳርና ቦታ እንህበሉ ኻልእ ኣገዳሲ መገዲ ኸኣ: ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ብምእካብን ኣብ ኣገልግሎት ብሓባር ብምዕያይን እዩ። ኣብ ኣኼባታትና: ሰብ ሓዳር ነቲ ሰይጣን ንስድራ ቤታት ንምክፍፋል ዚጥቀምሉ “ፍሕሶ” ብኸመይ ከም ዚቃወምዎ ይመሃሩ። (ኤፌ. 6:11) ኣብ ኣገልግሎት ኣዘውቲሮም ብሓባር ዚዓዩ ሰብኣይን ሰበይትን እውን: ብኸመይ ‘ጽኑዓትን ዘይነቓነቑን’ ከም ዚዀኑ ይመሃሩ።—1 ቈረ. 15:58

ጸገማት ኪለዓል ከሎ

14. ኣብ ሓዳር ንዜጋጥም ውጥረት ኣበርክቶ ዚገብር እንታይ ረቛሒታት እዩ፧

14 እዚ ኣብ ላዕሊ ተዋሂቡ ዘሎ ሓሳባት ሓድሽ እኳ እንተ ዘይኰነ: ንምንታይ ምስ መጻምድትኻ ብግህዶ ዘይተመያየጠሉ፧ ኣብ ሓዳርካ ዝያዳ ቘላሕታ ኽትገብረሉ ዜድሊ መዳያት እንተሎ መርምር። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ: እቶም ንኣምላኽ ኣብ ሓዳሮም ቦታ ዚህብዎ እውን እንተ ዀኑ: “ብስጋ መከራ ይረኽቡ እዮም” ብምባል ገሊጹ ኣሎ። (1 ቈረ. 7:28) ብሰንኪ ሰብኣዊ ዘይፍጽምና: ብሰንኪ ሕማቕ ጽልዋ እዛ ፋሉል ዝዀነት ዓለም: ከምኡውን ብሰንኪ መፈንጠራታት ድያብሎስ: ሓዳር እቶም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን እንተ ዀነ: ብዙሕ ውጥረት ኬጋጥሞ ይኽእል እዩ። (2 ቈረ. 2:11) የሆዋ ግን ንኸምዚ ዝበለ ውጥረት ንኽንጻወሮ የኽእለና። እወ: ዚከኣል እዩ። እቲ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ እዮብ: ማሉን ግዙኣቱን ደቁን ሰኣነ። ኰይኑ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ: “በዚ ዅሉ እዮብ ኣይበደለን: ንኣምላኽውን ኣይነቐፎን” ይብል።—እዮ. 1:13-22

15. ውጥረት ንሰባት እንታይ ከም ዚገብሩ ኺገብሮም ይኽእል፧ መጻምድቲ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ብኸመይ ኪሕዝዎ ይኽእሉ፧

15 ሰበይቲ እዮብ ግን: “ገናዶ ፍጹም ኴንካስ ጸኒዕካ ትነብር አሎኻ፧ ንኣምላኽ ግዳ ኽሐዶ እሞ ሙት” በለቶ። (እዮ. 2:9) እወ: ዜሕዝን ፍጻመ ወይ ካልእ ጽንኩር ኵነታት ኬጋጥም ከሎ: እቲ ሽዑ ዚለዓል ስምዒታዊ ምርባሽ ንገሊኡ ሰብ ሕማቕ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ኪገብሮ ይኽእል እዩ። እቲ ጥበበኛ ሰብኣይ: “ግፍዒ ንጥበበኛ የዐሽዎ” በለ። (መክ. 7:7) ጸገማት ወይ “ግፍዒ” ኼጋጥም ከሎ: መጻምድትኻ ጐዳኢ ቓላት እንተ ደርጒሑ: ክትሃድእ ጽዓር። ዳርግዳርጋ እንተ መሊስካ: ንሓዴኹም ወይ ንኽልቴኹም: ነቲ ዅነታት ዜጋድዶ ነገር ከም እትዛረቡ ኺገብረኩም ይኽእል እዩ። (መዝሙር 37:8 ኣንብብ።) ስለዚ: ካብ ብስጭት ወይ ተስፋ ምቝራጽ እተላዕለ ንዚዝረብ ዝዀነ ይኹን ‘ዘይተገትአ ዘረባ’ ዕሽሽ ኢልካ ሕለፎ።—እዮ. 6:3

16. (ሀ) ኣብ ማቴዎስ 7:1-5 ዚርከብ ቃላት የሱስ: ኣብ ሓዳር ብኸመይ ኪዕየየሉ ይከኣል፧ (ለ) ኣብ ሓዳር ሚዛናዊ ምዃን ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

16 ሰብ ሓዳር ሚዛናዊ ትጽቢታት ኪህልዎም ኣለዎ። ሓዲኦም ኣብቲ ኻልእ ገለ ባህርያት ምስ ረኣየ: ‘ክቕይሮ እኽእል እየ’ ኢሉ ይሓስብ ይኸውን። ብፍቕርን ብትዕግስትን ንመጻምድትኻ በብቝሩብ ንኺመሓየሽ ክትሕግዞ ትኽእል ትኸውን። ይኹን እምበር: የሱስ ነቲ ናይ ካልእ ሰብ ንኣሽቱ ጕድለታት ዚኣሪ: ምስ ሓደ ኣብ ዓይኑ “ጕንዲ” እናሃለዎ ኽነሱ: ኣብ ዓይኒ ኻልእ “በሰር” ዚርኢ ሰብ ከም ዘመሳሰሎ ኣይትረስዕ። የሱስ: “ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ” ኢሉ ተማሕጺኑና ኣሎ። (ማቴዎስ 7:1-5 ኣንብብ።) እዚ ኺበሃል ከሎ: ከቢድ ጌጋታት ዕሽሽ ኪበሃል ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ሓዳር ካብ ዚገብር 40 ዓመት ኣቢሉ ዘሕለፈ ሮበርት: “ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም ብግህዶን ብግልጽን ንኺዘራረቡን ዚንገሮም ግቡእ ትዕዝብትታት ንኪቕበሉን: ኣብ ህይወቶም ለውጢ ኺገብሩ የድልዮም” በለ። ስለዚ: ሚዛናዊ ኹን። በቲ ንመጻምድትኻ ዝጐደሎ ባህርያት ኣብ ክንዲ እትበሳጮ: ነዚ ሕጂ ዘለዎ ኣወንታዊ ባህርያት ኣማስወሉን ተሓጐሰሉን።—መክ. 9:9

17, 18. ጸገማት ኪደራረበና ኸሎ: ካብ መን ሓገዝ ክንደሊ ንኽእል፧

17 ኣብ ህይወት ለውጥታት ኬጋጥም ከሎ: ፈተናታት ኪመጽእ ይኽእል እዩ። ሰብ ሓዳር: ውሉዳት ምስ ወለዱ: ጸገማት ኬጋጥሞም ይኽእል እዩ። ሓደ ኻብቶም ሰብ ሓዳር ወይ ውሉዶም ከቢድ ሕማም ይሓምም ይኸውን። ኣረጋውያን ወለዲ ፍሉይ ክንክን የድልዮም ይኸውን። ዝጐበዙ ውሉዳት ከኣ ካብ ገዛ ወጺኦም ርሒቖም ይኸዱ ይዀኑ። ፍሉይ ቲኦክራስያዊ መሰላትን ሓላፍነታትን እውን ለውጥታት ኬምጽእ ይኽእል እዩ። ኵሉ እዚ ለውጥታት እዚ ኣብቲ ኣብ ሓዳር ዘሎ ርክብ እተወሰነ ውጥረትን ጭንቀትን ኬምጽእ ይኽእል እዩ።

18 ኣብ ሓዳርካ ዜጋጥመካ ውጥረት ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ: እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ (ምሳ. 24:10) ኣይትተሓለል! ሰይጣን: ንሓደ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ካብ ንጹህ ኣምልኾ ኸም ዚርሕቕ ካብ ምግባር ንላዕሊ ዜሐጕሶ የልቦን። ሰብ ሓዳር ከምኡ እንተ ገይሮም እሞ ኸኣ ዝያዳ እዩ ዚሕጐስ። ስለዚ: ሓዳርኩም ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ኰይኑ ንኪቕጽል ዚከኣለካ ዘበለ ግበር። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ፈተና እሙናት ኰይኖም ዝቐጸሉ ሰባት ዚገልጽ ሓያሎ ጸብጻባት ሒዙ ኣሎ። ንኣብነት: ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ዳዊት: “የጥቕዑኒውን ኣለዉ እሞ፥ ኦ ኣምላኽ፥ ምሓረኒ” ኢሉ ንየሆዋ ልቡ ኣፍሰሰሉ። (መዝ. 56:1 ትርጕም 1990) ሰባት ዜጥቅዑኻ ዘለዉ ዀይኑ እተሰምዓካ እዋን ኣሎዶ፧ እቲ ዚስምዓካ ውጥረት ካብ ርሕቕ ዝበለ ወይ ካብ ቀረባ ይምጻእ ብዘየገድስ: ከምቲ ዳዊት ንኺጽመም ብርታዐ ዝረኸበ: ንስኻ እውን ብርታዐ ኽትረክብ ከም እትኽእል ኣይትረስዕ። ዳዊት: “ንእግዚኣብሄር ደሌኽዎ: ንሱውን መለሰለይ: ካብ ኵሉ ፍርሃተይ ኣናገፈኒ” በለ።—መዝ. 34:4

ተወሳኺ በረኸት

19. ንመጥቃዕትታት ሰይጣን ብኸመይ ክንምክቶ ንኽእል፧

19 ኣብዚ ግዜ መወዳእታ እዚ: ሰብ ሓዳር ‘ንሓድሕዶም ኪመዓዓዱን ኪተሃናነጹን’ ኣለዎም። (1 ተሰ. 5:11) ሰይጣን: እቲ ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ብስስዐ እተደረኸ ኸም ዝዀነ ገይሩ ዚኸሰና ምዃኑ ኣይንረስዕ። ንኣምላኽ ዘሎና ንጽህና ንኼበላሹ ኢሉ: ዝዀነ ይኹን መገዲ ይጥቀም: ንሓዳር እውን ኪበታትን ይፍትን እዩ። መጥቃዕትታት ሰይጣን ንምምካት: ምሉእ ብምሉእ ብየሆዋ ኽንእመን የድልየና። (ምሳ. 3:5, 6) ጳውሎስ: “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ኢሉ ጸሓፈ።—ፊል. 4:13

20. ንኣምላኽ ኣብ ሓዳርና ቦታ ምስ እንህቦ: እንታይ በረኸት ንረክብ፧

20 ኣምላኽ ኣብ ሓዳር ቦታ እንተ ተዋሂብዎ: ብዙሕ በረኸት ኪርከብ ይከኣል እዩ። ንኣብነት: እቶም ን51 ዓመት ኣብ ሓዳር ዝጸንሑ ጆኤልን ሰበይቱን ክንወስድ ንኽእል ኢና። ጆኤል: “የሆዋ ንሰበይተይ ስለ ዝሃበንን ዜሐጕስ ሓዳር ኪህልወና ስለ ዘኽኣለናን ኣዘውቲረ አመስግኖ እየ። ብቕዕቲ መጻምድቲ ዀይናትኒ እያ” በለ። ጽቡቕ ሓዳር ከም ዚህልዎም ዝገበረ እንታይ እዩ፧ ጆኤል ባዕሉ: “ንሓድሕድና ሕያውነትን ትዕግስትን ፍቕርን ንኸነርኢ ዅሉ ሳዕ ንጽዕር ኢና” ኢሉ መለሰ። ኣብዚ ስርዓት እዚ: ነዚ ብፍጹም መገዲ ኺገብሮ ዚኽእል ዋላ ሓደ የልቦን። ኰይኑ ግን: ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ንየሆዋ ኣብ ሓዳርና ቦታ ንምሃብን ኣበርቲዕና ንጽዓር። ከምኡ እንተ ጌርና: ሓዳርና ኸምቲ “ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን።”—መክ. 4:12

ትዝክሮዶ፧

• ንየሆዋ ኣብ ሓዳር ቦታ ኸም ዚህልዎ ምግባር እንታይ ማለት እዩ፧

• ጸገማት ኪለዓል ከሎ: ሰብ ሓዳር እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧

• ኣምላኽ ኣብ ሓዳርና ቦታ እንተ ኣልይዎ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ሰብ ሓዳር ብሓባር ምስ ዚጽልዩ: ንዜጋጥሞም ጸገማት ንኺዋጽኡሉ ይሕግዞም