ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ብዅሉ ፍቓድካ’ ብፍልጠት እናዓበኻ ኺድ

‘ብዅሉ ፍቓድካ’ ብፍልጠት እናዓበኻ ኺድ

‘ብዅሉ ፍቓድካ’ ብፍልጠት እናዓበኻ ኺድ

ኵሎም ኣገልገልቲ የሆዋ: ሞገስ ኣምላኽ ኪረኽቡ ይደልዩ እዮም። ስለዚ ድማ: እምነትና ዝያዳ ንኸነደልድላን ብቕንኣት ቅዱስ ኣገልግሎት ንኸነቕርብን ንህንጠ ኢና። ይኹን እምበር: ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ገሊኦም ኣይሁድ: “ብፍልጠት ደኣ ኣይኰነን እምበር: ንኣምላኽ ቅንኣት ከም ዘለዎምሲ: ኣነ እምስክረሎም አሎኹ” ኺብል ከሎ: ንሓደ ሓደገኛ ኪኸውን ዚኽእል ኵነታት ከም እነቕልበሉ ገይሩ ኣሎ። (ሮሜ 10:2) እምነትናን ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾናን ኣብ ስምዒት ጥራይ እተመርኰሰ ኪኸውን ከም ዘይግብኦ ንጹር እዩ። ብዛዕባ ፈጣሪናን ፍቓዱን ርጡብ ፍልጠት ኪህልወና የድሊ።

ጳውሎስ ኣብ ካልእ ጽሑፋቱ: ኣምላኽ ንዚሰምሮ ኣካይዳ: ብሃንቀውታ ፍልጠት ምስ ምጥራይ ኣተኣሳሲርዎ ኣሎ። ሰዓብቲ ክርስቶስ ‘ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ: ፍረ እናፈረዩን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓበዩን ብዅሉ ንየሆዋ ባህ ዜብሉ ንእኡ ብቑዓት ኰይኖም ምእንቲ ኺመላለሱ: ፍልጠት ኪመልኦም’ ጸለየ። (ቈሎ. 1:9, 10) ርጡብ “ፍልጠት” ኪህልወና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ በዚ ፍልጠት እዚ እናዓበና ኽንከይድ ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧

ንእምነት ኣገዳሲ ረቛሒ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተገልጸ ብዛዕባ ኣምላኽን ፍቓዱን ዚገልጽ ፍልጠት ንእምነትና መሰረት እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዜተኣማምን ፍልጠት እንተ ዘይብልና: ኣብ የሆዋ ዘላትና እምነት ከምቲ ቘልዑ ኺጻወቱ ኸለዉ ብጭቃ ዚሰርሕዎ ኣጕዶ ብቐሊሉ እዩ ዚፈርስ። ጳውሎስ ንኣምላኽ ኣብ እነቕርቦ ኣገልግሎት ‘ኣእምሮና’ ኽንጥቀመሉን ‘ብምሕዳስ ሓሳብና ኽንልወጥን’ ኣተባቢዑና ኣሎ። (ሮሜ 12:1, 2) ኣብዚ መዳይ እዚ ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘና ይኽእል።

ኣብ ፖላንድ እትነብር ኢቫ እትበሃል ስርዕቲ ፈላሚት ከምዚ በለት:- “ቃል ኣምላኽ ኣዘውቲረ እንተ ዘየጽንዕ: ብርጡብ ፍልጠት የሆዋ ኣይምዓበኹን ነይረ። ክርስትያናዊ መንነተይ ብቕልጡፍ ምሃሰሰ: ኣብ ኣምላኽ ዘላትኒ እምነት ምደኸመት: ኣነ እውን ብመንፈሳዊ መዳይ ምነደኹ።” ከምዝስ ኣይብጽሓና! ብርጡብ ፍልጠት የሆዋ እናዓበየ ብምኻዱ ሞገስ ኣምላኽ ዝረኸበ ሓደ ኣብነት ዚዀነና ሰብ እስከ ንርአ።

“ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ”

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መዝሙር 119: ነቲ ጸሓፊኣ ብዛዕባ ሕግታትን መዘኻኸሪታትን ስርዓታትን ትእዛዛትን ፍርድታትን የሆዋ ዘለዎ ስምዒት ትገልጽ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ብስርዓታትካ ባህ እብል: . . . ምስክራትካ [“መዘኻኸሪታትካ:” NW] ድማ ባህታይን መኸርተይን እዮም።” “ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ: ምሉእ መዓልቲ ኤስተንትኖ አሎኹ።”—መዝ. 119:16, 24, 47, 48, 77, 97

እተን “ባህ እብል:” “ኤስተንትኖ” ዚብላ ቓላት: ንቓል ኣምላኽ ምስትንታን የሐጕሶ ምንባሩ እየን ዚሕብራ። እዘን ቃላት እዚኣተን ነቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንመጽናዕቲ ሕጊ ኣምላኽ ዝነበሮ ፍቕሪ ዜጕልሓ እየን። እቲ ፍቕሪ እቲ ድማ ካብ ልቢ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝመንጨወ ስምዒት ጥራይ ኣይኰነን ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ: ንቓል የሆዋ ምእንቲ ኼስተውዕሎ: ነቲ ሕጊ ‘ንኼስተንትኖ’ ባህጊ ነበሮ። ንኣምላኽን ንፍቓዱን ብእተኻእሎ መጠን ብልክዕ ኪፈልጦ ይደሊ ኸም ዝነበረ: ካብ ኣረኣእያኡ ኽንዕዘብ ንኽእል ኢና።

እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንቓል ኣምላኽ ዝነበሮ ፍቕሪ: ካብ ልቡ ኸም ዝመንጨወ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ንሕና ኸኣ ንርእስና: ‘ኣነኸ ኸምኡ ድየ፧ መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ምምርማርን ባህ ይብለኒ ድዩ፧ ቃል ኣምላኽ ብትግሃትን ብጸሎትን አንብብ ድየ፧’ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። ነዘን ሕቶታት እዚኣተን እንህቦ መልሲ ‘እወ’ ዚብል እንተ ዀይኑ: ‘ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓበና’ ንኸይድ ኣለና ማለት እዩ።

ኢቫ ኸምዚ ትብል:- “ንብሕታዊ መጽናዕተይ ወትሩ ኸመሓይሾ እጽዕር እየ። ነታ ‘ሲ ዘ ጉድ ላንድ’ እትበሃል ብሮሹር ካብ ዝረክብ ንነጀው: ዳርጋ ዅሉ ሳዕ ኣብ መጽናዕተይ እጥቀመላ እየ። ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ኰነ ካልእ መወከሲታት ከከም ኣድላይነቱ ብዝያዳ ኽጥቀም እፍትን እየ።”

ቮይቸኽን ማውጎዣታን ዚበሃሉ ኸቢድ ናይ ስድራ ቤት ሓላፍነት ዘለዎም ሰብ ሓዳር እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ንብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ግዜ ኺምድቡ ኽኢሎም፧ “ብእተኻእለና መጠን ግዜ መዲብና በብውልቅና ቓል ኣምላኽ ነጽንዕ። ድሕሪኡ: ኣብ መጽናዕቲ ስድራ ቤትን ኣብ መዓልታዊ ዝርርባትናን: ነቲ ዜገድስ ወይ ዜነቓቕሕ ነጥብታት ንመያየጠሉ” በሉ። ዕምቈት ዘለዎ ብሕታዊ መጽናዕቲ ብዙሕ ሓጐስ ኣምጽኣሎም: ‘ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓበዩ’ ንኪኸዱ ድማ ሓገዞም።

ብኽፉት ኣእምሮ ኣጽንዕ

ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን: “ኵሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ንኣምን ኢና። (1 ጢሞ. 2:3, 4) እዚ ድማ ንመጽሓፍ ቅዱስ ምንባቡን ‘ምስትውዓሉን’ ዘለዎ ኣገዳስነት ዜጕልሕ እዩ። (ማቴ. 15:10) ነዚ ንምግባር ዚሕግዝ ሓደ መገዲ: ብኽፉት ኣእምሮ መጽናዕቲ ምግባር እዩ። ጳውሎስ ነቶም ጥንቲ ዝነበሩ ሰብ ቤርያ ብስራት ምስ ነገሮም: ክፉት ኣእምሮ ኸም ዘለዎም ኣርእዮም እዮም። “ንሳቶም፤ እዚ ነገርዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ: ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት እናመርመሩ: ነቲ ቓል ብዅሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ።”—ግብ. 17:11

እሞኸ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ከለኻ: ነቲ ቓል ብዅሉ ፍቓድ ብምቕባልን ኣእምሮኻ ኻብ ዝዀነ ይኹን ዘየድሊ መስገሊታት ናጻ ብምግባርን ኣብነት ሰብ ቤርያ ትስዕብ ዲኻ፧ ሓደ ክርስትያን ኣቐዲሙ ንመጽናዕቲ ባህ ከም ዜብል ገይሩ ዘይርእዮ እውን እንተ ነበረ: ንሰብ ቤርያ ንኺመስሎም ግን ኪጽዕር ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ: ገሊኦም ሰባት ብዕድመ እናደፍኡ ምስ ከዱ: ንባቦምን መጽናዕቶምን እናነከየ እዩ ዚኸይድ፣ ሓደ ክርስትያን ግን ከምኡ ኪኸውን የብሉን። ዕድመኻ ብዘየገድስ: ከም እተስግል ዚገብረካ ነገራት ከተርሕቕ ትኽእል ኢኻ። ከተንብብ ከለኻ ኸኣ: ንኻልኦት ከተካፍሎም እትኽእል ሓበሬታ ኣናዲ። ንኣብነት: ከተጽንዕ ከለኻ ዝረኸብካዮ ነጥቢ: ንመጻምድትኻ ወይ ንክርስትያን ፈታዊኻ ኽትነግር ቈሪጽካ ኽትለዓልዶ ትኽእል፧ ከምኡ ምግባርካ: ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ካልኦት እተሕድሮ ኣወንታዊ ጽልዋ: ነቲ ነጥብታት ኣብ ኣእምሮኻን ልብኻን ከም ዚቕረጽ እውን ይገብር እዩ።

ንመጽናዕቲ ብዚምልከት: ኣብነት እቲ ጥንቲ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝነበረ እዝራ ስዓብ፣ ንሱ “ሕጊ እግዚኣብሄር ንምምርማር . . . ልቡ ኣዳለወ።” (እዝ. 7:10) ንስኻኸ ኸመይ ጌርካ ኸምኡ ኽትገብር ትኽእል፧ ንመጽናዕቲ ምሹእ ዝዀነ ሃዋህዉ ፍጠር። ድሕሪኡ: ኮፍ ኢልካ የሆዋ መምርሕን ጥበብን ንኺህበካ ጸሊ። (ያእ. 1:5) ‘ካብዚ መጽናዕቲ እዚ እንታይ ክመሃር እየ ትጽቢት ዝገብር፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ከተንብብ ከለኻ: ኣገዳሲ ሓሳባት ንምርካብ ብንቕሓት ተኸታተል። ነዚ ነጥብታት እዚ ኣብ መዘኻኸሪኻ ኽትጽሕፎ ወይ ነቲ ብፍላይ ክትዝክሮ እትደሊ ምልክት ክትገብረሉ ትኽእል ኢኻ። ክትሰብኽ ከለኻ: ውሳነ ኽትገብር ከለኻ: ወይ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትካ ኸተተባብዕ ከለኻ: ነቲ ነጥብታት ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ሕሰብ። ነቲ መጽናዕቲ ኽትዛዝሞ ኸለኻ: ነቲ ዝሸፈንካዮ ኣሕጽር ኣቢልካ ድገሞ። እዚ ድማ ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ኣእምሮኻ ንኸተስፍሮ ኬኽእለካ እዩ።

ኢቫ ነቲ እትጥቀመሉ ኣገባብ መጽናዕቲ ኽትገልጽ ከላ: “መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ከለኹ: መነጻጸሪ: ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ: ከምኡውን ዎችታወር ላይብረሪ ኣብ ሲዲ-ሮም እጥቀም። ኣብ ኣገልግሎት ዝጥቀመሉ መዘኻኸሪታት ድማ እምዝግብ” በለት።

ገሊኦም ሰባት ንመንፈሳዊ ነገራት ብዕምቈት ምጽናዕ ባህ ይብሎም እዩ። (ምሳ. 2:1-5) ኰይኑ ግን: ብዙሕ ሓላፍነት ስለ ዘለዎም: ንብሕታዊ መጽናዕቲ ግዜ ምምዳብ የጸግሞም እዩ። ንዓኻ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጸገም እንተ ኣልዩካ: ኣብ መደባትካ እንታይ ምትዕርራይ ክትገብር ትኽእል፧

ብኸመይ ግዜ ኽረክብ እኽእል፧

ባህ ዚብለካ ነገር ንኽትገብር ግዜ ምርካብ ዝቐለለ ኸም ዚዀነልካ ትሰማምዓሉ ትኸውን። ብዙሓት ሰባት ብኣትኵሮ ብሕታዊ መጽናዕቲ ንኽትገብር ካብ ዚሕግዝ ነገራት ሓደ: ኪብጻሕ ዚከኣል ሸቶ ምውጻእ ኰይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ንኣብነት: ንምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ሓደ ኻብቲ ኸተውጽኦ እትኽእል ኪብጻሕ ዚከኣል ሸቶ እዩ። ልክዕ እዩ: ነዊሕ ዝርዝር ወለዶ: ብዛዕባ እታ ጥንታዊት ቤተ መቕደስ ዚሕብር ዝርዝር መግለጺ: ወይ ምስ መዓልታዊ ህይወትና ምትሕሓዝ ዘይብሉ ዚመስል እተሓላለኸ ትንቢታት ምንባብ ኣዝዩ ዜሰልኪ ኺመስል ይኽእል እዩ። ኣብቲ ሸቶኻ ንምብጻሕ ግብራዊ ስጕምትታት ውሰድ። ንኣብነት: ኣጸጋሚ ዚመስል ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምምርማርካ: ብዛዕባ ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታኡ ወይ ግብራዊ ኣወዓዕላኡ ዚገልጽ ሓሳባት ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓበሬታ ኣብተን “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ” ሓቅነቱ እተረጋገጸን ጠቓምን እዩ ዘርእስተን ብሮሹራት ኪርከብ ይከኣል እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ: ነቲ እተንብቦ ብኣእምሮኻ እንተ ስኢልካዮ ኽትነቓቓሕ ኢኻ። እዚ ድማ ነቶም ኣብኡ እተጠቕሱ ሰባት ወይ ነቲ ፍጻመታት ኣብ ኣእምሮኻ ንኽትስእሎ ኬኽእለካ እዩ። ነዚ ኣብዚ ተዋሂቡ ዘሎ ሒደት ሓሳባት ጥራይ ኣብ ግብሪ ምስ እተውዕሎ: ንመጽናዕትኻ ዝያዳ ባህ ዜብልን ዓስቢ ዘለዎን ኪገብሮ ይኽእል እዩ። ንስኻ እውን ንመጽናዕቲ ግዜ ንምምዳብ ዝያዳ ሃንቀውታ ኺሓድረካ እዩ። መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተንብብ እውን ዝቐለለ ኪዀነልካ እዩ።

እዚ ኣብ ላዕሊ እተዋህበ ሓሳባት ንውልቀ-ሰባት ኪሕግዝ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ: ብናብራ እተዋጠሩ ስድራ ቤት ግን እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ ብሓባር ኮፍ ኢሎም ካብ መጽናዕቲ ስድራ ቤት ኪርከብ ዚኽእል ጥቕምታት ኪመያየጡሉ ይኽእሉ እዮም። ካብቲ ምይይጦም: ግብራዊ ሓሳባት ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም፣ ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ: መዓልታዊ ወይ ኣብ እተወሰነ መዓልትታት ሒደት ደቓይቕ ኣቐዲሞም ኪትንስኡ ይውስኑ ይዀኑ። ወይ እውን ምናልባት ኣብቲ ምይይጥ: እቲ መደብ ስድራ ቤት ምትዕርራይ ከም ዜድልዮ ይንጽር ይኸውን። ንኣብነት: ገሊአን ስድራ ቤታት ዕለታዊ ጥቕሲ ንምግባር ወይ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ ዚምሽእ ግዜ: ድሕሪ መኣዲ ዀይኑ ረኺበንኦ እየን። ኣባላት እታ ስድራ ነቲ እተበልዓሉ ቕድሚ ምልዕዓሎም ወይ ናብ ካልእ ንጥፈታት ቅድሚ ምኻዶም: ን10 ወይ 15 ደቒቕ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ይመያየጡ: ወይ መጽሓፍ ቅዱስ የንብቡ። ኣብ ፈለማ: እዚ ኣጸጋሚ ኺመስል ይኽእል እዩ: ነዊሕ ከይጸንሐ ግን እታ ስድራ ቤት ስለ እትለምዶ ባህ ኪብላ ይኽእል እዩ።

ቮይቸኽን ማውጎዣታን ንስድራ ቤቶም ዝሓገዛ እንታይ ምዃኑ ኺገልጹ ኸለዉ ኸምዚ በሉ:- “ቀደም: ግዜና ብዘይረብሕ ጢጥ ቅሚጥ ይጠፍእ ነይሩ። ኢ-መይል ንኽንሰድድ እነሕልፎ ግዜ ኽንንክዮ ወሰንና። ገለ መሕለፍ ግዜ ነከና: ብዕምቈት መጽናዕቲ እንገብረሉ ምዱብ መዓልትን ሰዓትን ወሰንና።” እዛ ስድራ ቤት እዚኣ ነቲ ምትዕርራያት እቲ ምግባራ ኸም ዘየጣዕሳ ፍሉጥ እዩ፣ ንስኻ እውን ኣብ ስድራ ቤትካ ተመሳሳሊ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ።

ብፍልጠት እናዓበኻ ምኻድ ዓስቢ ኣለዎ!

ዕምቈት ዘለዎ መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ: “ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ: ፍረ” የፍሪ እዩ። (ቈሎ. 1:10) ነዚ ፍረ እዚ ኣብ ህይወትካ ኸተፍርዮ ምስ ጀመርካ: እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘለኻ ኣብ ኵሉ ኺግለጽ እዩ። ብዛዕባ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሕ ምርዳእ ዘሎካ መንፈሳዊ ሰብ ክትከውን ኢኻ። ከምቲ ፍልጠት ዘይብሎም ሰባት ዚገብርዎ ዘይኰነስ: ውሳነታትካ ብዝያዳ ሚዛናዊ ኪኸውን እዩ: ንኻልኦት ሓገዝ ኣብ ምሃብ እውን ውሕሉል ክትከውን ኢኻ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ንየሆዋ ብዝያዳ ኽትቀርቦ ኢኻ። ንባህርያቱ ብዕምቈት ክትርድኦ ኢኻ: ብዛዕባኡ ንኻልኦት ክትነግር ከለኻ ድማ እዚ ኺንጸባረቕ እዩ።—1 ጢሞ. 4:15፣ ያእ. 4:8

ዕድመኻ ወይ ተመክሮኻ ብዘየገድስ: ቃል ኣምላኽ ባህ ዚብለካ ሰብ ንኽትከውንን ነቲ ቓል ብኽፉት ኣእምሮ ዓሚቝ መጽናዕቲ ንኽትገብረሉን ዚከኣለካ ዘበለ ጽዓር። የሆዋ ንጻዕርኻ ኣይርስዖን እዩ። (እብ. 6:10) በረኸቱ ኣብዚሑ ኼፍስሰልካ እዩ።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ሳጹን]

‘ብፍልጠት እናዓበና’ ምስ ከድና . . .

ኣብ ኣምላኽ ዘላትና እምነት ትድልድል: ንዕኡ ብቑዓት ኴንና ድማ ንመላለስ።ቈሎ. 1:9, 10

ምስትውዓልና ስለ እንጥቀመሉን ጽቡቕ ውሳነ ስለ እንገብርን: ለባማት ንኸውን።መዝ. 119:99

ንኻልኦት ናብ የሆዋ ኪቐርቡ ኣብ እንሕግዘሉ እዋን ሓጐስና እናወሰኸ ይኸይድ።ማቴ. 28:19, 20

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ንመጽናዕቲ ምሹእ ቦታ ምርካብ ኣጸጋሚ እኳ እንተ ዀነ: ተደላዪ እዩ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ገሊአን ስድራ ቤታት ድሕሪ መኣዲ: መጽሓፍ ቅዱስ የንብባ