ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንየሱስ ምሰሎ ንኣምላኽ ብቕቡል መገዲ ኣምልኮ

ንየሱስ ምሰሎ ንኣምላኽ ብቕቡል መገዲ ኣምልኮ

ንየሱስ ምሰሎ ንኣምላኽ ብቕቡል መገዲ ኣምልኮ

ኣምላኽ ብፍቕሪ ተደሪኹ: “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን” ሰባት ይዕድም ኣሎ። (ራእ. 7:9, 10፣ 15:3, 4) እቶም ነቲ ዕድመ እተቐበሉ: ‘ውቃበ የሆዋ ኺርእዩ’ ኽኢሎም እዮም። (መዝ. 27:4፣ 90:17) ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር: “ንዑ: ፍግም ኢልና ንስገድ: ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር: ፈጣሪና: ንንበርከኽ” እናበሉ ዓው ኢሎም ንኣምላኽ ይውድሱ እዮም።—መዝ. 95:6

ኣኽቢርካ ዚርአ ኣምልኾ

የሱስ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ: ንሓሳባትን ስርዓታትን መለክዒታትን ኣቦኡ ንኺመሃር እኹል ግዜ ረኺቡ እዩ። ስለዚ ድማ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እንታይ ምዃኑ ብርግጽ ኪሕብረና ይኽእል እዩ። ነዚ ብዚምልከት: “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” በለ።—ዮሃ. 1:14፣ 14:6

የሱስ ንኣቦኡ ብትሕትና ተገዛኢ ብምዃን ዝመጸ ፍጹም ኣብነት ሓዲጉልና ኣሎ። “ከምቲ ኣቦይ ዝመሀረኒ ኸምኡ ኸም ዝነግር እምበር: ኣነ ምዃነይን ካብ ርእሰይ ሓንቲ ኸም ዘይገብርን: ሽዑ ኽትፈልጡ ኢኹም” ኢሉ ተዛረበ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን: “ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር እየ” በለ። (ዮሃ. 8:28, 29) የሱስ ንኣቦኡ ብኸመይ እዩ ባህ ዜብሎ ነይሩ፧

ብቐዳምነት: የሱስ ምሉእ ብምሉእ ንኣቦኡ ውፉይ ነበረ: ንኣምላኽ ምምላኽ ኪበሃል ከሎ እውን ብመሰረቱ ኸምኡ ምግባር ማለት እዩ። ኣብቲ ኣጸጋሚ ዝዀነሉ እዋን እውን ከይተረፈ ንኣቦኡ እዙዝ ብምዃንን ፍቓድ ኣቦኡ ብምግባርን: ከም ዜፍቅሮ ኣርእዩ እዩ። (ፊል. 2:7, 8) ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ብስሩዕ ዚገብሮ ዝነበረ ተሳትፎ: ኣገዳሲ መዳይ ኣምልኾኡ እዩ ነይሩ፣ ነዚ ዕዮ እዚ ኻብ ዝነበሮ ትግሃት እተላዕለ ኸኣ: ኣመንቲ ዀኑ ዘይኣመንቲ መምህር ኢሎም ይጽውዕዎ ነበሩ። (ማቴ. 22:23, 24፣ ዮሃ. 3:2) ብዘይካዚ: ንኻልኦት ንምሕጋዝ ግዜኡን ጕልበቱን ይውፊ ነበረ። ጥቕሚ ርእሱ ዚስውእ ብምንባሩ: ንርእሱ ዚኸውን ብዙሕ ግዜ እኳ እንተ ዘይነበሮ: ንኻልኦት ብዚህቦ ኣገልግሎት ግን ሕጉስ ነበረ። (ማቴ. 14:13, 14፣ 20:28) ብዕዮ ትሑዝ እኳ እንተ ነበረ: ግዜ መዲቡ ንሰማያዊ ኣቦኡ ብጸሎት ይዛረቦ ነበረ። (ሉቃ. 6:12) ኣምላኽ ነቲ የሱስ ዘቕረበሉ ኣምልኾ ብሓቂ ኣኽቢሩ ይርእዮ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ!

ንኣምላኽ ባህ ንምባል ዚግበር ቃልሲ

የሆዋ ንኣካይዳ ወዱ ኣስተብሂሉሉ እዩ: በዚ ኸም እተሓጐሰ ድማ ገሊጹ ኣሎ። (ማቴ. 17:5) ይኹን እምበር: ሰይጣን ድያብሎስ እውን ንተኣማንነት የሱስ ኣስተብሂሉሉ እዩ። ስለዚ: የሱስ ቀንዲ ዕላማ መጥቃዕቲ ሰይጣን ኰነ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ብምእዛዝ ፍጹም ኣምልኾ ዘቕረበሉ ሰብ ኣይነበረን። ድያብሎስ ከኣ ንየሱስ: ነቲ ንየሆዋ ኪቐርብ ዚግብኦ ኣምልኾ ንኸየቕርብ ኪዓግቶ ደለየ።—ራእ. 4:11

ሰይጣን ንየሱስ ንኼበላሽዎ ኢሉ: ዜህርር ፈተና ኣቕረበሉ። “ናብ ኣዝዩ ነዊሕ ከረን ወሲዱ: መንግስትታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን ኣርአዮ: እሞ፤ ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይ: እዚ ዅሉ ኽህበካ እየ: በሎ።” የሱስከ እንታይ ኢሉ መለሰሉ፧ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ: ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ: ጽሑፍ አሎ እሞ: ኪድ ርሐቕ: ሰይጣን” በሎ። (ማቴ. 4:8-10) እወ: ኪረኽቦ ዚኽእል ጥቕሚ ብዘየገድስ: ንሰይጣን ምስጋድ: ኣምልኾ ጣኦት ምዃኑ ኣይሰሓቶን። ብዘይካ ንየሆዋ: ንኻልእ ሓንሳእ እውን እንተ ዀነ ፍግም ኢሉ ኺሰግድ ፍቓደኛ ኣይነበረን።

ሰይጣን ንኸነምልኾ ኢሉ: መንግስትታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን ኣየቕርበልናን ይኸውን። ኰይኑ ግን: ነቲ ቕኑዓት ክርስትያናት ንኣምላኽ ኬቕርብዎ ዚፍትኑ ኣምልኾ ኺዓናቕፍ ይፍትን እዩ። ንፍጡር ወይ ንነገር ከነምልኽ ይደልየና እዩ።—2 ቈረ. 4:4

ክርስቶስ የሱስ ክሳዕ ሞት እሙን ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ንኣምላኽ ዘለዎ ንጽህና ብምሕላዉ: ካልእ ሰብ ገይርዎ ብዘይፈልጥ መገዲ ንየሆዋ ኣኽበሮ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን: ንፈጣሪ እነቕርቦ ኣምልኾ ኻብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ቐዳምነት ብምሃብ ነቲ የሱስ ዘርኣዮ ተኣማንነት ክንስዕብ ንጽዕር ኢና። እወ: ምስ ኣምላኽ ዘሎና ጽቡቕ ርክብ: ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኣኽቢርና እንርእዮ ጥሪትና እዩ።

ቅቡል ኣምልኾ ምቕራብ ዜምጽኦ በረኸት

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ “ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ” እንተ ኣቕሪብና: በረኸት ንዓጽድ ኢና። (ያእ. 1:27) ንኣብነት: ቍጽሮም እናወሰኹ ዚኸዱ ዘለዉ ሰባት “ፈተውቲ ርእሶም . . . ፈተውቲ ገንዘብ: ተጀሃርቲ: . . . ሰናይ ዘይፈትዉ” ኣብ ዝዀኑሉ እዋን ኢና እንነብር ዘለና። (2 ጢሞ. 3:1-5) ኣብ ውሽጢ ቤት ኣምላኽ ግን: ነቲ ኣምላኽ ንኣምልኾ ብዚምልከት ዘውጸኦ መለክዒታት ኪሕልዉ ምስ ዚጽዕሩ ንጹሃትን ጥዑያትን ሰባት ኢና እንሓብር። እዝስ ምንጪ ዕረፍቲ ደይኰነን፧

ካብ ርኽሰት እዛ ዓለም እዚኣ እንተ ተሓሊና: ንጹህ ሕልና እውን ይህልወና እዩ። ንጻድቕ ስርዓታት ኣምላኽ ተገዛእቲ ብምዃንን ምስ ሕግታት ኣምላኽ ዘይጋጮ ሕግታት ቄሳር ብምሕላውን ንጹህ ሕልና ሒዝና ኽንመላለስ ንደሊ ኢና።—ማር. 12:17፣ ግብ. 5:27-29

ብምሉእ ነፍሲ ዚግበር ኣምልኾ: ካልእ በረኸት እውን የምጽእ እዩ። ፍቓድና ዘይኰነስ: ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ምስ እነተኵር: ህይወትና ትርጕም ዘለዎን ዜዕግብን ይኸውን። “ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ: ንብላዕን ንስተን” ኣብ ክንዲ እንብል: ኣብ ገነታዊት ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ናይ ምርካብ ዜተኣማምን ተስፋ ይህልወና።—1 ቈረ. 15:32

መጽሓፍ ራእይ: እቶም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹሃት ዝዀኑ: “ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ” ኸም ዚወጹ ትሕብር። “እቲ ኣብቲ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኸኣ ንድንኳኑ ኣብ ልዕሊኦም ኪተኽሎ እዩ” ድማ ትብል። (ራእ. 7:13-15) እቲ ኣብቲ ዝፋን ተቐሚጡ ተባሂሉ ዘሎ: እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ግርማ ዝለበሰ የሆዋ ኣምላኽ ደኣ እምበር ካልእ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ከም ጋሻኡ ኣብ ድንኳኑ ኪቕበለካ ኸሎ: ምእንቲ ኸይትጕዳእ ዕቝባ ኪዀነካ ኸሎ ዚስምዓካ ሓጐስ እሞ ኽትግምቶ ጽዓር! ሕጂ እውን ብእተወሰነ መጠን ዕቝባኡ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።

ብዘይካዚ: ኵሎም እቶም ንኣምላኽ ብቕቡል መገዲ ዜምልኽዎ: ናብ “ዔላታት ማይ ህይወት” ከም ዚምርሑ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ መንፈስ ዜሐድስ ዔላታት እዚ: ንዅሉ እቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽንረክብ ኢሉ የሆዋ ዚገብሮ መሰናድዎታት የመልክት። እወ: ኣምላኽ በቲ ክርስቶስ ዘቕረቦ በጃ ገይሩ: “ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኺደርዘሎም እዩ።” (ራእ. 7:17) ደቂ ሰብ ናብ ፍጽምና ኺበጽሑ እዮም: እዚ ድማ ነቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ተስፋ ዘለዎም ሰባት ማእለያ ዘይብሉ ሓጐስ ኬምጽኣሎም እዩ። ሕጂ እውን እንተ ዀነ: ሕጉሳት ኣምለኽቲ የሆዋ ንዕኡ ኻብ ዘለዎም ልባዊ ሞሳ ተላዒሎም ብሓጐስ እልል ይብሉ እዮም፣ ምስቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ብሓባር ድማ ከምዚ ዚስዕብ ኢሎም ይዝምሩ እዮም:- “ኣታ ዅሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ: ግብርኻ ዓብይን ግሩምን እዩ። ኣታ ንጉስ ኣህዛብ: መገድኻ ጽድቅን ሓቅን እዩ። ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቅዱስ እሞ: ዎ እግዚኣብሄር: ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየኽብርንከ መን አሎ፧ እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ ተግሂዱ እዩ እሞ: ስለዚ ዅሎም ኣህዛብ ኪመጹ ኣብ ቅድሜኻውን ኪሰግዱ እዮም።”—ራእ. 15:3, 4

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ሰይጣን ንኸነምልኾ ኢሉ እንታይ የቕርበልና ኣሎ፧